ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 32

መዝሙር 44 ጸሎት ሓደ ትሑት

የሆዋ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ ይደሊ

የሆዋ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ ይደሊ

“የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ።”2 ጴጥ. 3:9

ኣትኵሮ

ንስሓ እንታይ ምዃኑ፡ ስለምንታይ ከም ዜድሊ፡ የሆዋ ንዅሎም ደቂ ሰብ ናብ ንስሓ ንምብጻሕ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ዘሎና ርድኢት ንምስፋሕ።

1. ንስሓ እንታይ እዩ፧

 እንተ ተጋጊና፡ ክንንሳሕ ኣሎና። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ ሰብ እንተ ተነሲሑ፡ ብዛዕባ ገሊኡ ተግባሩ ሓሳቡ ኸም ዝቐየረ፡ ነቲ ተግባር እቲ ኸም ዝሓደጎ፡ ከይደግሞ እውን ከም ዝቘረጸ እዩ ዜመልክት።—ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንስሓ” ርአ።

2. ብዛዕባ ንስሓ ኽንምሃር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ነህምያ 8:9-11)

2 ብህይወት ዘሎ ዅሉ ሰብ ብዛዕባ ንስሓ ኺምሃር ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኵላትና መዓልቲ መዓልቲ ንሓጥእ ኢና። ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ብምዃንና ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍና ሓጢኣትን ሞትን ወሪስና ኢና። (ሮሜ 3:23፣ 5:12) ዋላ ሓዴና ኻብዚ ሓራ ኣይኰነን። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ሓያል እምነት ዝነበሮም ሰባት እኳ ምስ ሓጢኣት ተቓሊሶም እዮም። (ሮሜ 7:21-24) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ካን ኣኺሉና ኣብ መከራ ተኣሊኽና ኢና ኽንነብር ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን፣ የሆዋ መሓሪ እዩ፡ ክንሕጐስ እውን ይደልየና እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ ኣይሁድ እስከ ንርአ። (ነህምያ 8:9-11 ኣንብብ።) የሆዋ ብሰንኪ እቲ ሕሉፍ ሓጢኣቶም፡ ብጓሂ ተደቚሶም ኪነብሩ ኣይደለዮምን፣ የግዳስ፡ በቲ ንዕኡ ዜቕርቡሉ ኣምልኾ ኺሕጐሱ እዩ ደልይዎም። ንስሓ ናብ ሓጐስ ከም ዚመርሕ የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ንስሓ ይምህረና እዩ። ካብ ሓጢኣትና እንተ ተነሲሕና፡ እቲ መሓሪ ኣቦና ይቕረ ኸም ዚብለልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 እምበኣር፡ ብዛዕባ ንስሓ እስከ ንምሃር። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰለስተ ነገራት ክንምርምር ኢና። ቀዳማይ፡ የሆዋ ንእስራኤል ብዛዕባ ንስሓ እንታይ ከም ዝምሃሮ ኽንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንሓጥኣን ናብ ንስሓ ምእንቲ ኺመርሖም ኢሉ ብኸመይ ከም ዝደገፎም ከነተኵረሉ ኢና። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ሰዓብቲ የሱስ ብዛዕባ ንስሓ እንታይ ከም እተማህሩ ኽንመያየጠሉ ኢና።

የሆዋ ንእስራኤል ብዛዕባ ንስሓ እንታይ ምሂርዎ፧

4. የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ብዛዕባ ንስሓ እንታይ እዩ ምሂርዎም፧

4 የሆዋ ንእስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ምስ ወደቦም፡ ምሳታቶም ኪዳን፡ ማለት ወግዓዊ ውዕል ተኣታተወ። ሕግታቱ እንተ ሓልዮም፡ ከም ዜዕቍቦምን ከም ዚባርኾምን ቃል ኣተወሎም። ብዛዕባ ሕግታቱ ኸኣ፡ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዝሲ፡ ንዓኻ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣይኰነን፡ ክትበጽሖ ዘይትኽእል እውን ኣይኰነን” ዚብል መረጋገጺ ሃቦም። (ዘዳ. 30:11, 16) እንተዀነ ግና፡ ካብኡ እንተ ዓልዮም፡ ንበል ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምሊኾም፡ በረኸቱ ኻባታቶም ከም ዜልግስን መከራ ኸም ዚረኽቦምን ሓበሮም። ይኹን እምበር፡ ድሕርዚ እውን እንተ ዀነ፡ ሞገስ ኣምላኽ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ። እወ፡ ‘ናብ የሆዋ ኣምላኾም ኪምለሱን ድምጹ ኺሰምዑን’ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (ዘዳ. 30:1-3, 17-20) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኪንስሑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ከምኡ እንተ ገይሮም ከኣ፡ የሆዋ ናባታቶም ከም ዚቐርብን ከም ብሓድሽ ከም ዚባርኾምን ቃል ኣተወሎም።

5. የሆዋ በቶም ፋሉል ዝኸዱ ህዝቡ ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (2 ነገስት 17:13, 14)

5 እቶም ሕሩያት ህዝቢ የሆዋ ብተደጋጋሚ ኻብኡ ዓለዉ። ኣብ ኣምልኾ ጣኦትን ኣብ ካልእ ክፉእ ተግባራትን ተሳተፉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ መከራ ዓጸዱ። የሆዋ ግና በቶም ፋሉል ዝኸዱ ህዝቡ ተስፋ ኣይቈረጸን። ህዝቡ ምእንቲ ኺንስሑን ናብኡ ምእንቲ ኺምለሱን፡ ብተደጋጋሚ ነብያቱ ለኣኸሎም።—2 ነገስት 17:13, 14 ኣንብብ።

6. የሆዋ ብነብያቱ ገይሩ፡ ንህዝቡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ንስሓ ብኸመይ እዩ ምሂርዎም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 የሆዋ ብነብያቱ ገይሩ ብተደጋጋሚ ንህዝቡ የጠንቅቖምን ይእርሞምን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ “ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ተመለሲ። . . . ኣነ እሙን እየ እሞ፡ ብቝጥዓ ኣትሒተ ኣይክርእየኩምን እየ። . . . ንዘለኣለም ኣይክቕየምን እየ። ካብ የሆዋ ኣምላኽኪ ኢኺ ዓሊኺ እሞ፡ ጌጋኺ ጥራይ ተኣመኒ” በሎም። (ኤር. 3:12, 13) ብዮኤል ኣቢሉ ድማ፡ “ብዅሉ ልብኹም . . . ናባይ ተመለሱ” በሎም። (ዮኤ. 2:12, 13) ብኢሳይያስ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ንጽሁ፣ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፣ ምግባር ክፉእ ሕደጉ” በሎም። (ኢሳ. 1:16-19) ብህዝቅኤል ኣቢሉ እውን፡ “ብሞት እኩይዶ ባህ ይብለኒ እዩ፧ . . . ካብ መገድታቱ ተመሊሱ ብህይወት ኪነብር ደይኰንኩን ዝመርጽ፧ ብሞት ሓደ እኳ ባህ ኣይብለንን እዩ። . . . ስለዚ፡ ተመለሱ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም” በሎም። (ህዝ. 18:23, 32) የሆዋ ንሰባት፡ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብሩ ስለ ዚደልዮም፡ ኪንስሑ ኸለዉ ብኣታቶም ይሕጐስ እዩ። ስለዚ፡ ንሓጥኣን ሰባት ሓገዝ ቅድሚ ምሃቡ፡ ለውጢ ኽሳዕ ዚገብሩ ስቕ ኢሉ ኣይጽበዮምን እዩ። ተወሳኺ ኣብነታት እስከ ንርአ።

የሆዋ ነቶም ፋሉል ዝኸዱ ህዝቡ ናብ ንስሓ ንምምላስ፡ ብነብያቱ ኣቢሉ ብተደጋጋሚ ተማሕጺንዎም (ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 ርአ)


7. የሆዋ ብዛንታ ሆሴእን ሰበይቱን ኣቢሉ ንህዝቡ እንታይ እዩ ምሂርዎም፧

7 የሆዋ ብናይ ሓቂ ህይወት ገይሩ ንህዝቡ እንታይ ከም ዝመሃሮም እስከ ንርአ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንጎሜር ሰበይቲ ነብዪ ሆሴእ እዩ ኸም ኣብነት ተጠቒሙላ። ንሳ ዘመወት፡ ንሆሴእ ሓዲጋቶ ድማ ምስ ካልኦት ሰብኡት ከደት። እንተዀነ ግና፡ ፈጺማ ኽትልወጥ ዘይትኽእል ድያ ነይራ፧ እቲ ልቢ ዜንብብ የሆዋ ንሆሴእ፡ “መሊስካ ኺድ እሞ፡ ከምቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ እናተመልሱ . . . ኽነሶም ዜፍቅሮም፡ ነታ ብኻልእ ሰብኣይ እትፍቀርን እትዝሙን ዘላ ሰበይቲ ኣፍቅራ” በሎ። (ሆሴ. 3:1፣ ምሳ. 16:2) ሰበይቲ ሆሴእ ኣብቲ እዋን እቲ ኸቢድ ሓጢኣት ትገብር ምንባራ ነስተብህል። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንሆሴእ፡ ናብኣ ኪኸይድን ይቕረ ኺብለላን ኪዕረቓን ነገሮ። a ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ በቶም ነቓጻት ህዝቡ ተስፋ ኣይቈረጸን። ከቢድ ሓጢኣት ይገብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ የፍቅሮም ነበረ፣ ኪንስሑን መገዶም ኪቕይሩን እውን ነብያቱ ለኣኸሎም። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ እቲ ‘ንልቢ ዚምርምር’ የሆዋ፡ ብኸቢድ ሓጢኣት ንዚመላለስ ዘሎ ሰብ ኪሕግዞን ናብ ንስሓ ኺመልሶን ይጽዕር እዩ ማለት ድዩ፧ (ምሳ. 17:3) ቀጺልና እስከ ንርአ።

የሆዋ ንሓጥኣን ብኸመይ ናብ ንስሓ መሪሕዎም፧

8. የሆዋ ንቃየል ናብ ንስሓ ኺመርሖ ኢሉ እንታይ እዩ ገይሩሉ፧ (ዘፍጥረት 4:3-7) (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ቃየል በዅሪ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ካብ ወለዱ ናይ ሓጢኣት ዝንባለ ወሪሱ እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ግብሩ እከይ” ከም ዝነበረ ይገልጸልና እዩ። (1 ዮሃ. 3:12) ምናልባት በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሆዋ ‘ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ብሞገስ ዘይረኣየ።’ ቃየል ግና መገዱ ኣብ ክንዲ ዚቕይር፡ “ኣዝዩ ተቘጥዐን ጐሃየን።” እሞ ደኣ የሆዋ ድሕሪኡ እንታይ ገበረ፧ ንቃየል ተዛረቦ። (ዘፍጥረት 4:3-7 ኣንብብ።) ተስፋ ብምሃብን ካብ ሓጢኣት ኪርሕቕ ብምጥንቃቕን፡ ብለውሃት ኪሕግዞ ፈተነ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ቃየል ምስማዕ ኣበየ። ካብቲ የሆዋ ናብ ንስሓ ኺመርሖ ኢሉ ዝሃቦ ሓገዝ ኣይተጠቕመን። እሞ ደኣ ድሕሪ እቲ ኣሉታዊ ምላሽ፡ የሆዋ ንኻልኦት ሓጥኣን ናብ ንስሓ ንምምራሕ ዚገብሮ ጻዕሪ ሓዲግዎዶ፧ ኣይፋልን።

የሆዋ ንቃየል ተስፋ ብምሃብን ካብ ሓጢኣት ኪርሕቕ ብምጥንቃቕን፡ ብለውሃት ኪሕግዞ ፈተነ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)


9. የሆዋ ንዳዊት ናብ ንስሓ ዝመርሖ ብኸመይ እዩ፧

9 የሆዋ ንንጉስ ዳዊት ኣዝዩ የፍቅሮ ነበረ። “ከም ልበይ ዝዀነ ሰብኣይ” ኢሉ እውን ጸዊዕዎ ኣሎ። (ግብ. 13:22) ይኹን እምበር፡ ዳዊት ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ወደቐ፣ ገለ ኻብ ሓጢኣቱ፡ ዝሙትን ቅትለትን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ዳዊት ኪመውት ነበሮ። (ዘሌ. 20:10፣ ዘሁ. 35:31) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ለውሃሉ። b ዋላ እኳ ዳዊት ገና ምልክት ንስሓ እንተ ዘየርኣየ፡ ንነብዪ ናታን ለኣኸሉ። ናታን ከኣ ንልቢ ዳዊት ዚትንኪ ምሳሌ ተጠቕመ። ዳዊት በዚ ውሽጡ ስለ እተተንከየ፡ ተነስሐ። (2 ሳሙ. 12:1-14) ድሕርዚ፡ ከም እተነስሐ እተርኢ ካብ ልቢ ዝፈልፈለት መዝሙር ደረሰ። (መዝ. 51፡ ልዕለ ጽሑፍ) እታ መዝሙር እቲኣ፡ ንብዙሓት ሓጥኣን ኣጸናኒዓ፡ ኪንስሑ እውን ኣለዓዒላ እያ። እሞ ደኣ የሆዋ ነቲ ፍቑር ጊልያኡ ዳዊት ብፍቕሪ ተደሪኹ ናብ ንስሓ ስለ ዝመርሖስ ኣየሐጕሰናንዶ፧

10. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ ብትዕግስትን ብይቕረታን ዝሓዘሉ መገዲ ኸመይ ይስምዓካ፧

10 የሆዋ ሓጢኣት ይጸልእ እዩ፣ ንዝዀነ ዓይነት ሓጢኣት እውን ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። (መዝ. 5:4, 5) ኵላትና ኸም እንሓጥእ ይፈልጥ እዩ። ካብቲ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ተላዒሉ ድማ፡ ምስ ሓጢኣት ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ኺሕግዘና ይደሊ እዩ። ነቶም ዝኸፍአ ሓጢኣት ዝገበሩ ሰባት እኳ፡ ኪንስሑን ኪቐርብዎን እዩ ዚጽዕረሎም። እዝስ ኣዝዩ ዜጸናንዕ ደይኰነን፧ ብዛዕባ ትዕግስትን ይቕረታን የሆዋ ኸነስተንትን ከለና፡ ንዕኡ እሙናት ንምዃንን ኣብ እንሓጥኣሉ እዋን ብቕልጡፍ ንምንሳሕን ኢና ንለዓዓል። ሕጂ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዛዕባ ንስሓ ብኸመይ ተወሳኺ ትምህርቲ ኸም ዝረኸበት እስከ ንርአ።

ሰዓብቲ የሱስ ብዛዕባ ንስሓ እንታይ ተማሂሮም፧

11-12. የሱስ ንሰማዕቱ ብዛዕባ ይቕረታ ኣቦኡ እንታይ እዩ ምሂርዎም፧ (ስእሊ ርአ።)

11 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ መሲሕ ዚመጸሉ ግዜ ኣኸለ። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተጠቒሱ ኸም ዘሎ ኸኣ፡ የሆዋ ብዮሃንስ መጥምቕን ብየሱስ ክርስቶስን ኣቢሉ ንሰባት ብዛዕባ ኣገዳስነት ንስሓ መሃሮም።—ማቴ. 3:1, 2፣ 4:17

12 የሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ፡ ንሰማዕቱ ብዛዕባ ይቕረታ ኣቦኡ መሃሮም። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዝገበረሉ መገዲ ድማ፡ ምሳሌ እቲ ዝጠፍአ ወዲ ብምዝንታው እዩ። እቲ ኣብቲ ዛንታ ተጠቒሱ ዘሎ ወዲ፡ ብመገዲ ሓጢኣት ኪመላለስ ወሰነ። ኰይኑ ግና፡ ‘ናብ ልቡ ተመልሰ፡’ ናብ ቤቱ ኺምለስ እውን ወሰነ። እሞ ደኣ ኣቦኡ ብኸመይ ተቐቢልዎ፧ የሱስ ኣብቲ ዛንታኡ፡ “ኣቦኡ ድማ፡ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፣ ጐይዩ ኸኣ፡ ሓኒቑ ሰዓሞ” በለ። እቲ ወዲ ኣብ ቤት ኣቦኡ ጊልያ ኪኸውን እዩ ሓሲቡ ነይሩ፣ ኣቦኡ ግና፡ “ወደይ” ኢሉ ጸውዖ፡ ናብ ቤቱ እውን ተቐበሎ። ብተወሳኺ እውን፡ “ጠፊኡ ነይሩ፡ . . . ተረኺቡ እዩ” በለ። (ሉቃ. 15:11-32) የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣቦኡ ንብዙሓት እተነስሑ ሓጥኣን ኪርሕርሓሎም ከሎ ርእዩ ኪኸውን ኣለዎ። ብሓቂ የሱስ ብዛዕባ እቲ መሓሪ ኣቦኡ የሆዋ ልቢ ዚትንክን ዜጸናንዕን ስእሊ እዩ ስኢሉልና!

ኣብቲ የሱስ ዘዘንተዎ ምሳሌ፡ እቲ ኣቦ ነቲ ናብ ቤቱ እተመልሰ ወዱ ጐይዩ ኸይዱ ሓቘፎ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)


13-14. ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ንስሓ እንታይ እዩ እተማሃረ፧ ንሱኸ ብዛዕባ ንስሓ እንታይ ኢሉ እዩ ምሂሩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ ንስሓን ይቕረታን ካብ የሱስ ብዙሕ እዩ ተማሂሩ። ጴጥሮስ ብዙሕ ግዜ ይጋገ ነይሩ እዩ፣ የሱስ እውን ብዙሕ ሳዕ እዩ ይቕረ ኢሉሉ። ንኣብነት፡ ጴጥሮስ ንጐይታኡ፡ “ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ሰለስተ ሳዕ ምስ ከሓዶ፡ ብስምዒት በደለኛነት ተደቝሰ። (ማቴ. 26:34, 35, 69-75) የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ግና፡ ንጴጥሮስ ብውልቁ ተራእዮ። (ሉቃ. 24:33, 34፣ 1 ቈረ. 15:3-5) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ የሱስ ነቲ እተነስሐ ሃዋርያኡ ይቕረ ኢሉሉን ኣጸናኒዕዎን ኪኸውን ኣለዎ።—ማር. 16:7

14 ጴጥሮስ ኣብ ህይወቱ ንስሓን ይቕረታን ስለ ዝረኣየ፡ ብዛዕባኡ ኺምህር ከኣለ። ድሕሪ በዓል ጰንጠቈስጠ፡ ንዘይኣመንቲ ኣይሁድ ተዛረቦም፡ ንመሲሕ ከም ዝቐተልዎ እውን ገለጸሎም። ኰይኑ ግና፡ “ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ የሆዋ ባዕሉ ኸኣ እዋን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡ ተነስሑን ተመለሱን” ኢሉ ብፍቕሪ ተማሕጸኖም። (ግብ. 3:14, 15, 17, 19) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሓደ ሓጥእ እንተ ተነሲሑ፡ ኪምለስ ከም ዚኽእል፡ ማለት ግጉይ ሓሳባቱን ተግባራቱን ኪልውጥ ከም ዚኽእል፡ ንኣምላኽ ባህ ዜብሎ ሓድሽ መገዲ እውን ኪስዕብ ከም ዚኽእል ኣርኣየ። ብዘይካዚ ድማ፡ የሆዋ ንሓጢኣቶም ከም ዚድምስሰሎም ሓበረ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ከኣ፡ ጴጥሮስ ንክርስትያናት፡ “የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ፡ ምእንታኹም ይዕገስ ኣሎ” ኢሉ ኣረጋገጸሎም። (2 ጴጥ. 3:9) እዝስ ንክርስትያናት ጽቡቕ ተስፋ ዚህብ ደይኰነን፧ ዋላ እኳ ኸቢድ ሓጢኣት ኣብ ዚገብሩሉ እዋን፡ ኪንስሑ ይኽእሉ እዮም።

የሱስ ነቲ እተነስሐ ሃዋርያኡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ይቕረ በለሉን ኣጸናንዖን (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ)


15-16. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ይቕረታ ብኸመይ እዩ ተማሂሩ፧ (1 ጢሞቴዎስ 1:12-15) (ለ) ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

15 መሸም ከም ሳውል ብዓል ጠርሴስ ገይሮም ንስሓን ይቕረታን ዜድልዮም ብዙሓት ሰባት ኣይንረክብን ኢና። ንሱ ሕሱም ሰጓጕ ሰዓብቲ ክርስቶስ እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ክርስትያናት፡ ተስፋ ኸም ዘይብሉ ገይሮም ርእዮምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሱስ ግና ብግጉይ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ዚጽሎ ኣይኰነን። ንሱን ኣቦኡን ኣብ ሳውል ጽቡቕ ባህርያት ረኣዩ። የሱስ ከኣ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ . . . ንዓይ ሕሩይ ኣቕሓ [እዩ]” በለ። (ግብ. 9:15) ንሳውል ናብ ንስሓ ንምምራሕ ድማ፡ ተኣምር እውን ከይተረፈ ገበረ። (ግብ. 7:58–8:3፣ 9:1-9, 17-20) ሳውል ክርስትያን ምስ ኰነ፡ ጸኒሑ እውን ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ ምስ ተፈልጠ፡ ነቲ ለውሃትን ምሕረትን ዝረኸበሉ መገዲ ብዙሕ ሳዕ ሞሳኡ ይገልጽ ነበረ። (1 ጢሞቴዎስ 1:12-15 ኣንብብ።) እዚ ኣመስጋኒ ሃዋርያ እዚ፡ “ኣምላኽ ብለውሃቱ ናብ ንስሓ ኺመርሓካ ይፍትን [ኣሎ]” ኢሉ ምሂሩ እዩ።—ሮሜ 2:4

16 ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ እተረኽበ ዜሕፍር ምንዝርና ምስ ሰምዐ ግና፡ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ እዩ ሒዝዎ፧ ነቲ ነገር ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝሓዞ፡ ብዛዕባ ፍቕራዊ ተግሳጽ የሆዋን ብዛዕባ ኣገዳስነት ምሕረትን ብዙሕ ትምህርቲ ኽንረኽበሉ ንኽእል ኢና። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ብዝርዝር ክንምርምር ኢና።

መዝሙር 33 ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ

a እዚ ጕዳይ እዚ፡ ፍሉይ እዩ ነይሩ። ሎሚ፡ የሆዋ ንሓደ ንጹህ ተበዳሊ ምስቲ ዘማዊ ግድን ብመውስቦ ተቘሪኑ ኪቕጽል ኣይጽበዮን እዩ። እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ብወዱ ኣቢሉ፡ ግዳያት ዝሙት እንተ ደልዮም ኪፋትሑ ዚኽእሉሉ ስርዓት ሰሪዑ እዩ።—ማቴ. 5:32፣ 19:9

b ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 21-23፡ ሕ.ጽ. 3-10 ዝወጸት፡ “የሆዋ ይቕረ በሃሊ ምዃኑ፡ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።