ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ግንቦት 2018

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 9 ሓምለ ኽሳዕ 5 ነሓሰ 2018 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ታሪኽ ህይወት

ኣብ መጀመርታ ድኻ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሃብታም

ሳሙኤል ሀርድ ብስጋዊ መዳይ ድኻ እዩ ነይሩ፣ ደሓር ግና፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ካብቲ ኺግምቶ ዚኽእል ንላዕሊ ሃብታም ኰይኑ እዩ።

ሰላም—ከመይ ጌርካ ትረኽባ፧

ህውከት ኣብ ዝመልኣ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ሰላም ንምርካብ ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና። ቃል ኣምላኽ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

የሆዋ ነቶም ‘ብተጻዋርነት ፍረ ዚፈርዩ’ የፍቅሮም

ዘይሰምዑ ሰባት ኣብ ዚበዝሕዎ ኽሊ ኸነገልግል ከለና፡ ንጕሂ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ኵላትና ኣብ ኣገልግሎትና ፍረ ኽንፈሪ ንኽእል ኢና።

ስለምንታይ ኢና ‘ብዙሕ ፍረ እንፈሪ’፧

ስለምንታይ ከም እንሰብኽ ብንጹር ምዝካርና ኣገዳሲ እዩ።

ንጸላኢኻ ፍለጦ

ንጽልዋ ወይ ንውዲት ሰይጣን ኣይንስሕቶን ኢና።

ኣቱም መንእሰያት፡ ንድያብሎስ ተቓወምዎ

ኵላትና ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ኢና ዘለና። ምናዳ ኸኣ መንእሰያት ክርስትያናት ብቐሊሉ ዚስዓሩ ይመስል ይኸውን፣ ይኹን እምበር፡ ንውግእ ዜድልዮም ለቢሶም እዮም።

ብዙሕ እኽሊ!

ኣብ ዩክረይን ኣብ ዚርከብ ሓደ ኸባቢ ርብዒ እቶም ህዝቢ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።