ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብ2012፡ ኣብ ንዝህንያ ኣፕሻ፡ ዩክረይን እተገብረ ኣኼባ ዞባ

ብዙሕ እኽሊ!

ብዙሕ እኽሊ!

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ብዙሕ እኽሊ ኸም ዚሓፍሱ ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 9:37፣ 24:14) እዚ ቓሉ እዚ፡ ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ዚርከብ ትራንስካርፓትያ ዚብሃል ከባቢ ብኸመይ ከም እተፈጸመ እስከ ንርአ። ኣብቲ ኸባቢ እቲ ኣብ ዚርከባ ሰለስተ ኸተማታት ጥራይ፡ 50 ጉባኤታት ኣለዋ፣ ኣባታተን ከኣ ልዕሊ 5,400 ኣስፋሕቲ ኣለዉ። * እወ፡ ኣብዘን ሰለስተ ኸተማታት ካብ ዚነብሩ ሰባት፡ ካብ 4 እቲ 1 ናይ የሆዋ ምስክር እዩ!

ኣብዚ ኽሊ ንዚነብሩ ሰባት ምስባኽ ከመይ ይመስል፧ ኣብኡ ዚነብር ሓውና ቫሲለ፡ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ዘለዎም፡ ፍትሒ ዚፈትዉ፡ ምስ ስድራ ቤቶም ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም፡ ብቕንዕና ኸኣ ንሓድሕዶም ዚተሓጋገዙ ህዝቢ እዮም” ይብል። ኣስዒቡ፡ “ምስ እምነታትና ዅሉ ግዜ ኣይኰኑን ዚሰማምዑ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣርኢኻዮም ግና፡ ጽን ኢሎም ይሰምዑኻ እዮም” በለ።

ይኹን እምበር፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ዘለውዎ ኸባቢ ስለ ዚሰብኩ፡ ፍሉይ ብድሆታት የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ጉባኤ 134 ኣስፋሕቲ ኣለውዋ፣ ኣብቲ ኽሊ ግና 50 ኣባይቲ ጥራይ እዩ ዘሎ! ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እቶም ኣስፋሕቲ እንታይ ይገብሩ፧

ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ናብ ዜድልይሉ ኸባቢ ኸይዶም እዮም ዜገልግሉ። ወዲ 90 ዓመት ዝዀነ ሓውና ዮናሽ፡ “ኣብ ክሊ ጉባኤና ዘሎ መጠነ ዝምድና፡ 1 ኣስፋሒ ን2 ኣባይቲ እዩ” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣነ ኣብዛ ቝሸት እየ ዝሰብኽ፣ ክሳዕ እዚ ኣብዚ ቐረባ ዝሓመምኩሉ እዋን ከኣ ኣብቲ 160 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዚርከብ ዘይተመደበ ኽሊ ኸይደ፡ ብሃንጋርኛ እሰብኽ ነይረ” ይብል። ኣስፋሕቲ ናብ ካልእ ክልታት ከይዶም ንኻልኦት ኪሕግዙ መስዋእቲ ይኸፍሉ እዮም። ዮናሽ፡ “ባቡር ምእንቲ ኽረክብ፡ ንግሆ ሰዓት ኣርባዕተ እትንስእ እየ፣ ክሳዕ እቲ ባቡር ናብ ዓድና እትነቕለሉ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኸኣ እሰብኽ ነይረ እየ። ኣብ ሰሰሙን ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ሳዕ ከምኡ እገብር ነይረ” ይብል። እሞ ደኣ ጻማ እቲ ዝገበሮ ጻዕርስ ረኺቡዶ፧ ንሱ ባዕሉ፡ “ኣብዚ ዓይነት ኣገልግሎት ምስታፈይ ዓብዪ ሓጐስ ረኺበ እየ፣ ኣብ ግሉል ቦታ ንዚነብሩ ስድራ ቤት ክሕግዝ ብምኽኣለይ ባህ ኢሉኒ እዩ” ይብል።

ኵሉ እቲ ኣብተን ኣብዚ ኸባቢ ዚርከባ ጉባኤታት ዘሎ ሰብ ናብ ርሑቕ ቦታ ኸይዱ ኼገልግል ከም ዘይክእል ፍሉጥ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኵሎም ኣስፋሕቲ፡ እንተላይ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ፡ ክሊ ጉባኤኦም ምሉእ ብምሉእ ኪሽፍኑ ይጽዕሩ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብ2017 ኣብዘን ሰለስተ ኸተማታት እዚአን ዝነበረ ብዝሒ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ፡ ዕጽፊ ብዝሒ እቶም ኣስፋሕቲ፡ ወይ ፍርቂ እቲ ህዝቢ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝዀነ ቦታ ነገልግል ብዘየገድስ፡ “ብዙሕ ዕዮ ጐይታ” ኣሎና።—1 ቈረ. 15:58

^ ሕ.ጽ. 2 እተን ከተማታት ህልቦክይ ፖቲክ፡ ሰረድንየ ቮድያነ፡ ንዝህንያ ኣፕሻ እየን።