ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ነቶም ‘ብተጻዋርነት ፍረ ዚፈርዩ’ የፍቅሮም

የሆዋ ነቶም ‘ብተጻዋርነት ፍረ ዚፈርዩ’ የፍቅሮም

“እቶም ኣብ ጽቡቕ መሬት ዘለዉ ድማ፡ እዚኣቶም . . . ብተጻዋርነት . . . ፍረ ዚፈርዩ እዮም።”—ሉቃ. 8:15

መዝሙር፦ 68, 72

1, 2. (ሀ) ስለምንታይ እዮም ዘይሰምዑ ሰባት ኣብ ዚበዝሑሉ ኽልታት ብተኣማንነት ዚሰብኩ ክርስትያናት ዜተባብዑና፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) የሱስ ኣብ “ዓዱ” ብዛዕባ ምስባኽ እንታይ ኢሉ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

ሰርጅዮን ኦሊንዳን ኣብ 80ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ሰብ ሓዳር እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣእጋሮም ስለ ዜቐንዝዎም፡ ምኻድ የጸግሞም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ንሓያሎ ዓመታት ዝገበርዎ፡ ንግሆ ኣብ ከባቢኦም ብዙሓት ናብ ዚውሕዙሉ ኣደባባይ ይኸዱ፡ ኣብኡ ድማ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተ ይበጽሑ እዮም። ኣብ ጥቓ ደው መበሊ ኣውቶቡስ ቈይሞም ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ንሓለፍቲ መገዲ የበርክቱ እዮም። መብዛሕትኦም ሰባት ቍሊሕ ኣይብልዎምን እዮም፣ እቶም ሰብ ሓዳር ግና ንዝጠመቶም ኵሉ ፍሽኽ እናበሉ ኻብታ ቦታኦም ኣይለቅቁን እዮም። ፋዱስ ምስ ኰነ፡ ቀስ ኢሎም ናብ ገዛኦም ይምለሱ። ንጽብሒቱ ድማ፡ ንግሆ ሰዓት ሸውዓተ ናብቲ ኣደባባይ ይምለሱ። እዞም እሙናት ሰብ ሓዳር እዚኦም፡ ዓመት ምሉእ ከየቋረጹ ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ መዓልቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ እዮም።

2 ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ኸም ሰርጅዮን ኦሊንዳን ዝኣመሰሉ ብዙሓት እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዘይሰምዑ ሰባት ኣብ ዚበዝሑሉ ኽልታት ንሓያሎ ዓመታት ይሰብኩ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብድሆ እንተ ኣልዩካ፡ ስለቲ ተጻዋርነትካ ኽንንእደካ ንፈቱ። * ንየሆዋ ንምግልጋል እተርእዮ ጽንዓት፡ ንብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ንምኩራት ክርስትያናት ምንጪ መተባብዒ ይዀኖም እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓለውቲ ወረዳ ዝሃብዎ ርእይቶ እስከ ንርአ፦ “ምስ እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ከገልግል ከለኹ፡ ብኣብነቶም እበራታዕ እየ።” “ተኣማንነቶም ኣብ ኣገልግሎተይ ክጸንዕን ክተብዕን የተባብዓኒ እዩ።” “ኣብነቶም ንልበይ ብሓጐስ ይመልኦ እዩ።”

3. እንታይ ሰለስተ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

3 ነቲ የሱስ ዝመደበልና ዕዮ ስብከት ንምዝዛም ቈራጽነትና ምእንቲ ኸነደልድል፡ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ሕቶታት ምላሽ ንርከበሉ፦ ሓድሓደ ግዜ እንጕሂ ስለምንታይ ኢና፧ ከመይ ጌርና ኢና ፍረ ኽንፈሪ እንኽእል፧ ብተጻዋርነት ፍረ ንምፍራይ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ሓድሓደ ግዜ እንጕሂ ስለምንታይ ኢና፧

4. (ሀ) እቲ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ዚህብዎ ዝነበሩ ኣሉታዊ ምላሽ፡ ንጳውሎስ ብኸመይ ጸልይዎ፧ (ለ) ጳውሎስ ከምዚ ዓይነት ስምዒት እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧

4 ዘይሰምዑ ሰባት ኣብ ዚበዝሑሉ ኽልታት ከነገልግል ከለና ጓሂ እንተ ተሰሚዑና፡ እቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ እተሰምዖ ስምዒት ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ኣብቲ ኣስታት 30 ዓመት ዝንውሓቱ ኣገልግሎቱ፡ ብዙሓት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ሓጊዙ እዩ። (ግብ. 14:21፣ 2 ቈረ. 3:2, 3) ንብዙሓት ኣይሁድ ግና ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንምዃን ኪሕግዞም ኣይከኣለን። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ መብዛሕትኦም ኣይሰምዕዎን፡ ገሊኦም ከኣ ሰጒጎምዎ እዮም። (ግብ. 14:19፣ 17:1, 4, 5, 13) እዚ ኣይሁድ ዝሃብዎ ኣሉታዊ ምላሽ እዚ፡ ንጳውሎስ ብኸመይ ጸልይዎ፧ ንሱ ባዕሉ እተሰምዖ ስምዒት ኪገልጽ ከሎ፡ “ብክርስቶስ ሓቂ እዛረብ ኣለኹ፣ . . . ኣብ ልበይ ብዙሕ ጓህን ዘየቋርጽ ስቓይን ኣሎ” ኢሉ እዩ። (ሮሜ 9:1-3) ንጳውሎስ ከምዚ ዓይነት ስምዒት እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧ ልቡ ኣብቲ ዕዮ ስብከት እዩ ነይሩ። ንኣይሁድ ካብ ልባዊ ሓልዮት ተላዒሉ እዩ ዚሰብከሎም ነይሩ። ምሕረት ኣምላኽ ምቕባል ኪኣብዩ ኸለዉ፡ በዚ ይሳቐ እዩ ነይሩ።

5. (ሀ) ንሰባት ክንሰብኽ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧ (ለ) ሓድሓደ ግዜ ምጕሃይና ኼገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

5 ንሕና እውን ከም ጳውሎስ ካብ ልባዊ ሓልዮት ተላዒልና ኢና ንሰባት እንሰብከሎም። (ማቴ. 22:39፣ 1 ቈረ. 11:1) ስለምንታይ፧ እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ኽንደይ በረኸት ከም ዚረኽቡ ብተመክሮ ንፈልጦ ኢና። ብዛዕባ እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት፡ ‘እንታይ የምልጦም ከም ዘሎ ኸነርእዮም እንተ ንኽእል’ ኢልና ንሓስብ ኢና። ስለዚ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማን ኪፈልጡ ወትሩ ነተባብዖም ኢና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቶም እንሰብከሎም ሰባት፡ ‘ጽቡቕ ህያብ ኣምጺእናልኩም ኣሎና። በጃኹም ተቐበሉና’ ንብሎም ኢና። እምበኣር፡ ነቲ ህያብ ምቕባል ኪኣብዩና ኸለዉ፡ ‘ኣብ ልብና ስቓይ’ እንተ ተሰምዓና ዜገርም ኣይኰነን። እዚ ስምዒት እዚ፡ እምነትና ኸም ዝጐደለት ዘይኰነስ፡ ልብና ኣብ ዕዮ ስብከት ምዃኑ እዩ ዜርኢ። ስለዚ፡ ዜጕሂ ነገር እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ንጻወር ኢና። ንልዕሊ 25 ዓመት ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ኢሌና፡ “ዕዮ ስብከት ኣጸጋሚ እዩ። ግናኸ፡ ካብኡ ዚበልጽ ክሰርሖ ዝደሊ ስራሕ የሎን” ኢላ እተዛረበቶ ቓላት ንስምዒት መብዛሕትና ዚገልጽ እዩ።

ከመይ ጌርና ኢና ፍረ ኽንፈሪ እንኽእል፧

6. እንታይ ሕቶ ኢና ኽንምርምር፧ መልሳኸ ኸመይ ጌርና ኢና ኽንረኽቦ እንኽእል፧

6 ኣብ ዝሰበኽና ንስበኽ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ፍረ ኽንፈሪ ኸም እንኽእል ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ መልሲ እዛ ኣገዳሲት ሕቶ ንምርካብ፡ የሱስ ‘ፍረ ብዛዕባ ምፍራይ’ ዝመሰሎ ኽልተ ምሳሌ እስከ ንመርምር። (ማቴ. 13:23) እታ ቐዳመይቲ ብዛዕባ ተኽሊ ወይኒ እያ ነይራ።

7. (ሀ) እቲ “ተኻሊ፡” “እቲ ተኽሊ ወይኒ፡” “እቲ ጨናፍር” ንመን የመልክት፧ (ለ) ነየነይቲ ሕቶ ኢና መልሲ ኽንረኽበላ እንደሊ፧

7 ዮሃንስ 15:1-5, 8 ኣንብብ። የሱስ ንሃዋርያቱ፡ “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሪኹም፡ ደቀ መዛሙርተይ እውን እንተ ዄንኩም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር” ኢልዎም እዩ። የሱስ ንየሆዋ ኸም “ተኻሊ፡” ንገዛእ ርእሱ ድማ ከም “ናይ ሓቂ ተኽሊ ወይኒ፡” ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ከም “ጨናፍር” ገይሩ ገሊጹ ኣሎ። * እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኪፈርይዎ ዘለዎም ፍረ ደኣ እንታይ እዩ፧ ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ፡ እቲ ፍረ እንታይ ምዃኑ የሱስ ብቐጥታ እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ዜኽእለና ኣገዳሲ ሓበሬታ ግና ሂቡ ኣሎ።

8. (ሀ) ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ፡ እቲ ፍረ ንሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ጠሪሱ ኼመልክት ዘይክእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ እንታይ ክንገብር ጥራይ እዩ ዚጽበየና፧

8 የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ ኺዛረብ ከሎ፡ “ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ጨንፈር ይቘርጾ” ኢሉ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋ ኸም ኣገልገልቱ ገይሩ ዚርእየና፡ ፍረ እንፈሪ እንተ ዄንና ጥራይ እዩ። (ማቴ. 13:23፣ 21:43) ስለዚ፡ እቲ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኪፈርዮ ዘለዎ ፍረ፡ ንሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኼመልክት ኣይክእልን እዩ። (ማቴ. 28:19) እንተ ዘይኰይኑ፡ ዘይሰምዑ ሰባት ኣብ ዚበዝሑሉ ኽሊ ዜገልግሉ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ኸምቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተጠቕሰ መኻናት ጨናፍር ጌርካ ምተራእዩ ነይሮም። እዚ ግና ዘይሕሰብ እዩ! ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንሰባት ኣገዲድና ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብሮም ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ድማ ፈቃር ስለ ዝዀነ፡ ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ነገር ክንገብር ኣይጽበየናን እዩ። ከም ዓቕምና ኽንገብር ጥራይ እዩ ዚጽበየና።—ዘዳ. 30:11-14

9. (ሀ) ኣብ ምንታይ ንጥፈት ብምስታፍ ኢና ፍረ እንፈሪ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ምሳሌ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

9 እቲ ኽንፈርዮ ዘሎና ፍረ ደኣ እንታይ እዩ፧ እቲ ፍረ ነቲ ነፍሲ ወከፍና ኽንገብሮ እንኽእል ንጥፈት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። እሞ ደኣ እንታይ ንጥፈት እዩ ‘ፍረ ንምፍራይ’ ዜመልክት፧ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። * (ማቴ. 24:14) የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እቲ ዘራኢ ነዚ ተረጋግጸልና እያ። እምበኣር፡ ነታ ኻልአይቲ ምሳሌ እስከ ንመርምራ።

10. (ሀ) ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ፡ እቲ ዘርእን እቲ መሬትን ንምንታይ የመልክት፧ (ለ) ብርዒ ስርናይ እንታይ ይፈሪ፧

10 ሉቃስ 8:5-8, 11-15 ኣንብብ። ኣብ ምሳሌ እቲ ዘራኢ፡ እቲ ዘርኢ፡ “ቃል ኣምላኽ” ወይ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። እቲ መሬት፡ ንምሳልያዊ ልቢ ሰብ የመልክት። እቲ ኣብ ጽቡቕ መሬት ዝወደቐ ዘርኢ ኸኣ ስርናይ እንተ ነይሩ፡ ሱር ሰዲዱ ምስ ዓበየ፡ ብርዒ ስርናይ እዩ ዚኸውን። ድሕሪኡ፡ “100 ዕጽፊ” ይፈሪ። እቲ ብርዒ ስርናይ ግና እንታይ እዩ ዚፈሪ፧ ካልእ ንኣሽቱ ብርዒ ስርናይ ድዩ ዚፈሪ፧ ኣይፋልን፡ ሓድሽ ዘርኢ እዩ ዚፈሪ፣ እቲ ዘርኢ ምስ ዓበየ ኸኣ፡ ብርዒ ስርናይ ይኸውን። ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ሓንቲ ዘርኢ፡ ሚእቲ ዘርኢ እያ እትፈሪ። እዚ ብዛዕባ ኣገልግሎትና እንታይ ይምህረና፧

ከመይ ጌርና ‘ብተጻዋርነት ፍረ ንፈሪ’፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. (ሀ) ምሳሌ እቲ ዘራኢ ምስ ኣገልግሎትና ብኸመይ ትተሓሓዝ፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ሓድሽ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ እንፈሪ፧

11 እዚ ምእንቲ ኺንጽረልና፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመት ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስኪሮምልና ወይ ከኣ ክርስትያን ወለድና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣበሲሮምና እስከ ንበል። ልብና ነቲ ኸም ዘርኢ ዝበለ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተቐበሎ ምስ ረኣዩ፡ በዚ ተሓጒሶም። ከምቲ ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተጠቕሰ ጽቡቕ መሬት ነቲ ዘርኢ ኺዓቢ ዝፈቐደሉ፡ ንሕና እውን ነቲ መልእኽቲ ኣጽኒዕና ሒዝናዮ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ብዘርኢ እተመሰለ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሱር ምስ ሰደደን ምስ ዓበየን፡ ብርዒ ስርናይ ኰይኑ፣ ጸኒሑ እውን ኪፈሪ ተዳልዩ። ከምቲ ብርዒ ስርናይ ካልእ ብርዒ ስርናይ ዘይኰነስ ሓድሽ ዘርኢ ዚፈሪ፡ ንሕና እውን ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ዘይኰነስ፡ ሓድሽ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኢና እንፈሪ። * እሞ ደኣ ነቲ ሓድሽ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ጌርና ኢና እንፈርዮ፧ እንተ በዚ እንተ በቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝሰበኽና መጠን፡ ነቲ ኣብ ልብና እተዘርአ ዘርኢ ኢና ኣባዚሕና እንዘርኦ ዘለና። (ሉቃ. 6:45፣ 8:1) ስለዚ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዝሰበኽና፡ ‘ብተጻዋርነት ፍረ ንፈሪ’ ኸም ዘለና፡ ካብዛ ምሳሌ እዚኣ ኽንምሃር ንኽእል ኢና።

12. (ሀ) ካብተን የሱስ ዝመሰለን ምሳሌ እቲ ተኽሊ ወይንን ምሳሌ እቲ ዘራእን እንታይ ንምሃር፧ (ለ) እዚ ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፧

12 ካብተን የሱስ ዝመሰለን ምሳሌ እቲ ተኽሊ ወይንን ምሳሌ እቲ ዘራእን እንታይ ንምሃር፧ ፍረ ምፍራይ፡ ኣብቲ ኻብ ክልና እንረኽቦ ምላሽ ከም ዘይምርኰስ ኢና እንምሃር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ተኣማንነትና እዩ ዚምርኰስ። ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ” ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ጠቒስዎ ኣሎ። (1 ቈረ. 3:8) እቲ ዓስቢ ኸከም ጻዕሪ ደኣ እምበር፡ ከከም ውጽኢት እቲ ጻዕሪ ኣይኰነን ዚውሃብ። ን20 ዓመት ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ማቲልዳ፡ “የሆዋ ንጻዕርታትና ዓስቢ ኸም ዚህበና ምፍላጠይ የሐጕሰኒ እዩ” ትብል።

ከመይ ጌርና ብተጻዋርነት ፍረ ኽንፈሪ ንኽእል፧

13, 14. ብመሰረት ሮሜ 10:1, 2፡ ጳውሎስ በቶም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣሉታዊ ምላሽ ዝሃቡ ዘይተሓለለሉ እንታይ ምኽንያታት ነይርዎ፧

13 ብተጻዋርነት ፍረ ንምፍራይ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ጳውሎስ በቲ እቶም ኣይሁድ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሃብዎ ኣሉታዊ ምላሽ ጕህዩ እዩ። ግናኸ፡ ኣይተሓለለን። ናብቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበኡ፡ ብዛዕባ ኣይሁድ ከመይ ከም እተሰምዖ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሃረርታ ልበይን ምእንታኦም ናብ ኣምላኽ ዘቕርቦ ምህለላይንሲ፡ ንሳቶም ኪድሕኑ እዩ። ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም እየ” ኢሉ እዩ። (ሮሜ 10:1, 2) ጳውሎስ ኣገልግሎቱ ንምቕጻል ዚሕግዞ እንታይ ምኽንያታት እዩ ጠቒሱ፧

14 ቀዳማይ፡ ጳውሎስ ንኣይሁድ ስለምንታይ ብቐጻሊ ኸም ዚሰብከሎም ገሊጹ እዩ። “ሃረርታ [ልቡ]ኸም ዚድርኾ ሓቢሩ እዩ። ገሊኦም ኣይሁድ ድሕነት ኪረኽቡ፡ ልባዊ ትምኒት ነይርዎ እዩ። (ሮሜ 11:13, 14) ካልኣይ፡ ጳውሎስ፡ “ምእንታኦም ናብ ኣምላኽ ዘቕርቦ ምህለላይ” ኢሉ ጠቒሱ ኣሎ። ውልቀ ሰባት ኣይሁድ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕባል ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ምእንቲ ኺረኽቡ ለሚኑሎም እዩ። ሳልሳይ፡ “ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎም” መስኪሩሎም ኣሎ። እቶም ሰባት ጽቡቕ ንምግባር ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ይርኣዮ ነይሩ እዩ። እቶም ቅንኣት ዝነበሮም ኣይሁድ፡ ብቕንኣት ዜገልግሉ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

15. ንጳውሎስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ኣብነታት ሃብ።

15 እሞኸ ኸመይ ጌርና ኢና ንጳውሎስ ክንመስሎ እንኽእል፧ ቀዳማይ፡ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ዘበሉ ንምርካብ ልባዊ ድሌት ነሕድር ኢና። ካልኣይ፡ የሆዋ ንቕኑዓት ሰባት፡ ልቦም ኪኸፍተሎም ንምህለል ኢና። (ግብ. 13:48፣ 16:14) ንኣስታት 30 ዓመት ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ሲልቫና፡ “ኣብ ክለይ ናብ በቤት ቅድሚ ምኻደይ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምእንቲ ኸሕድር ንየሆዋ ብጸሎት እልምኖ እየ” ትብል። መላእኽቲ ናብቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ምእንቲ ኺመርሑና እውን፡ ናብ ኣምላኽ ንጽሊ ኢና። (ማቴ. 10:11-13፣ ራእ. 14:6) ንልዕሊ 30 ዓመት ፈላሚ ዀይኑ ዘገልገለ ሮበርት እውን፡ “ኣብ ህይወት ሰባት እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምስ ዚፈልጡ መላእኽቲ ሓቢርካ ምዕያይ ዜሐጕስ እዩ” ኢሉ ኣሎ። ሳልሳይ፡ ሰባት ጽቡቕ ንምግባር ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ይርኣየና እዩ። ልዕሊ 50 ዓመት ይገብር እተጠምቀ ካርል ዚብሃል ሽማግለ፡ “ንቕንዕና ሰብ ዜርኢ ንእሽቶ ነገር፡ ንኣብነት ፍሽኽታ፡ ጽቡቕ ኣጠማምታ፡ ወይ ብቕንዕና ዚውሃብ ምላሽ ክርኢ እፍትን እየ” ይብል። እወ፡ ከም ጳውሎስ ብተጻዋርነት ፍረ ኽንፈሪ ንኽእል ኢና።

“ኢድካ ኣይተዕርፍ”

16, 17. (ሀ) ካብ መክብብ 11:6 እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ (ለ) ዘርኢ ምዝራእና ንተዓዘብቲ ኺጸልዎም ከም ዚኽእል ብኣብነት ግለጽ።

16 እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰባት ከም ዘይበጽሐ እኳ እንተ መሰለ፡ ዘርኢ ምዝራእ ዚሓድጎ ጦብላሕታ ኣትሒትና ኽንርእዮ የብልናን። (መክብብ 11:6 ኣንብብ።) ዋላ እኳ ብዙሓት ሰባት እንተ ዘይሰምዑና፡ ይዕዘቡና እዮም። ንጽቡቕ ኣከዳድናናን ንእዱብ ጠባይናን ንፍሽሑው ፍሽኽታናን የስተብህሉሉ እዮም። ውዒሎም ሓዲሮም ብዛዕባና ዘለዎም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ጌጋ ምንባሩ ኺግንዘቡ ይኽእሉ እዮም። ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ሰርጅዮን ኦሊንዳን ከምዚ ዓይነት ለውጢ ርእዮም እዮም።

17 ሰርጅዮ ኸምዚ ኢሉ የዘንቱ፦ “ብሰንኪ ሕማም፡ ንእተወሰነ ግዜ ናብቲ ኣደባባይ ኣይከድናን። ተመሊስና ምስ ከድና፡ ሓደ ሓላፊ መገዲ፡ ‘እንታይ ደኣ ዄንኩም፧ ጠፊእኩምና እኮ፧’ ኢሉና።” ኦሊንዳ ድማ ፍሽኽ ኢላ ነቲ ዘረባኡ ኽትምልኣሉ ኸላ፡ “እቶም ዘወርቲ ኣውቶቡስ ኣእዳዎም ኣወዛዊዞምልና እዮም፡ ገሊኦም ከኣ ዓው ኢሎም ‘ንፉዓት!’ ኢሎምና እዮም። መጽሔታት ዝሓተቱና እውን ነይሮም እዮም” በለት። ሓደ ሰብኣይ ከኣ ናባታቶም መጺኡ ዕታር ዕምባባታት ብምሃብን ንስራሖም ብምምስጋንን ዘይተጸበይዎ ነገር ገይሩ እዩ።

18. ‘ብተጻዋርነት ፍረ ኽትፈሪ’ ቘሪጽካ ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧

18 እወ፡ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምዝራእ ‘ኢድና ኽሳዕ ዘየዕረፍና፡’ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” ኣብ ምስባኽ ኣገዳሲ እጃም ኪህልወና እዩ። (ማቴ. 24:14) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ነቶም ‘ብተጻዋርነት ፍረ ዚፈርዩ’ ስለ ዜፍቅሮም፡ ስምረቱ ብምርካብና ዓሚቝ ሓጐስ ኪህልወና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 2 የሱስ እውን ከይተረፈ ኣብ “ዓዱ” ምስባኽ ኣጸጋሚ ምዃኑ ገሊጹ እዩ፣ ነዚ ኸኣ ኣርባዕቲኦም ጸሓፍቲ ወንጌል መዝጊቦምዎ ኣለዉ።—ማቴ. 13:57፣ ማር. 6:4፣ ሉቃ. 4:24፣ ዮሃ. 4:44

^ ሕ.ጽ. 7 እቲ ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ ዘሎ ጨናፍር ነቶም ሰማያዊ ህይወት ኪረኽቡ ተስፋ ዘለዎም ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ፡ እታ ምሳሌ ግና ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚጠቅም ትምህርትታት ሒዛ ኣላ።

^ ሕ.ጽ. 9 ‘ፍረ ምፍራይ’ ኪብሃል ከሎ፡ “ፍረ መንፈስ” ንምፍራይ ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትቕጽልን ግና፡ “ፍረ ኸናፍር” ኣብ ምፍራይ ወይ ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኢና እነተኵር።—ገላ. 5:22, 23፣ እብ. 13:15

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር ኪምህር ከሎ፡ ንምዝራእን ንምዕጻድን ከም ምሳሌ ገይሩ ተጠቒሙሉ እዩ።—ማቴ. 9:37፣ ዮሃ. 4:35-38