ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡ ንድያብሎስ ተቓወምዎ

ኣቱም መንእሰያት፡ ንድያብሎስ ተቓወምዎ

“ንፍሕሶ ድያብሎስ ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ልበሱ።”—ኤፌ. 6:11

መዝሙር፦ 79, 140

1, 2. (ሀ) መንእሰያት ክርስትያናት ኣብቲ ምስ እኩያት መናፍስቲ ዚግበር ቃልሲ ዚዕወቱ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።) (ለ) እንታይ ክንምርምር ኢና፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናዊ ህይወት ምስ ህይወት እቶም ኢድ ብኢድ ዚቃለሱ ወተሃደራት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ውግእና መንፈሳዊ ደኣ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ናይ ሓቂ ጸላእቲ ኣለዉና። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ነዊሕ ተመክሮ ዘለዎም ክኢላታት ተዋጋእቲ እዮም። ኣብ ፈለማ፡ ኣብዚ ውግእ ንምዕዋት፡ ተስፋ ዘይብልና ንመስል ንኸውን። ምናዳ ኸኣ መንእሰያት ክርስትያናት ብቐሊሉ ዚስዓሩ ይመስል ይኸውን። እሞ ደኣ ምስቶም ካብ ሰባት ዚሕይሉ እኩያት መናፍስቲ ተዋጊኦም ኪስዕሩ ይኽእሉ ድዮም፧ እወ፡ ኪስዕሩ ይኽእሉ እዮም፣ ይስዕሩ እውን ኣለዉ! ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ‘ብጐይታ ይብርትዑ’ ኣለዉ። ኰይኑ ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰኑን ዚረኽቡ ዘለዉ። ነቲ ውግእ ዜድልዮም እውን ለቢሶም ኣለዉ። እወ፡ ኣጸቢቖም ከም ዝሰልጠኑ ወተሃደራት፡ “ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር” ለቢሶም ኣለዉ።—ኤፌሶን 6:10-12 ኣንብብ።

2 ጳውሎስ ነዚ ምሳሌ እዚ ኺጥቀም ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ወተሃደራት ሮሜ ዚለብስዎ ኣጽዋር ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 28:16) እዚ ምሳሌ እዚ ስለምንታይ ግቡእ ከም ዝዀነ እስከ ንመርምር። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ገሊኦም መንእሰያት ብዛዕባ እቲ መንፈሳዊ ኣጽዋር ምልባስ ዘለዎ ብድሆን ጥቕምን እንታይ ከም ዝበሉ ኽንርኢ ኢና።

ምሉእ ኣጽዋር ዲኻ ለቢስካ ዘለኻ፧

“ዕጣቕ ሓቂ”

3, 4. እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ፡ ከምቲ ወተሃደራት ሮሜ ዚዕጠቕዎ ዕጣቕ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

3 ኤፌሶን 6:14 ኣንብብ። ወተሃደራት ሮሜ ዚዕጠቕዎ ዝነበሩ ዕጣቕ፡ ንማዕጥቖኦም ዚከላኸል ቀጸላታት ሓጺን ነይርዎ እዩ። ነቲ ንላዕለዋይ ሸነኽ ሰብነቶም ዚከላኸል ድርዒ ንምጻር እውን ይድግፎም ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ዕጣቕ፡ ሰይፍን ሽቶልን ንምሓዝ ዜኽእል መቓቐሪ ነይሩ እዩ። ሓደ ወተሃደር ዕጣቑ ጽቡቕ ገይሩ ምስ ዚዕጠቕ፡ ኣብ ውግእ ጸኒዑ ኪቐውም ይኽእል እዩ።

4 ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንምሃሮ ሓቂ፡ ካብቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ዜምጽኦ መንፈሳዊ ጕድኣት የዕቍበና እዩ። (ዮሃ. 8:31, 32፣ 1 ዮሃ. 4:1) ንመለኮታዊ ሓቅታት ብዝያዳ ብዝፈቶናዮ መጠን ድማ፡ ነቲ “ድርዒ” ንምጻር፡ ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ በቲ ቕኑዕ ስርዓታት ኣምላኽ ንምምልላስ ብዝያዳ እዩ ዚቐልለና። (መዝ. 111:7, 8፣ 1 ዮሃ. 5:3) ብተወሳኺ ኸኣ፡ ንሓቅታት ቃል ኣምላኽ ብንጹር ንርድኦ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ዚጻረሩ ሰባት ኬጋጥሙና ኸለዉ ኣብ መትከልና ጸኒዕና ኽንቀውምን ክንጣበቐሉን ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 3:15

5. ስለምንታይ ኢና ሓቂ ኽንዛረብ ዘሎና፧

5 ብምሳልያዊ መገዲ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንዕጠቖ፡ ምስኡ ተሰማሚዕና ንምንባርን ወትሩ ሓቂ ንምዝራብን ንድረኽ ኢና። ስለምንታይ ኢና ሓሶት ዘይንዛረብ፧ ምኽንያቱ፡ ሓሶት ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ንብዙሓት ንምውዳቕ ዚጥቀመሉ ኣጽዋር እዩ። ሓሶት ንተዛራቢኡ ዀነ ንዕኡ ንዚኣምን ሰብ ይጐድእ እዩ። (ዮሃ. 8:44) ስለዚ፡ ዋላ እኳ ዘይፍጹማት እንተ ዄንና፡ ብእተኻእለና መጠን ክንሕሱ የብልናን። (ኤፌ. 4:25) እዚ ግና በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣቢጋይል ዝስማ ጓል 18 ዓመት መንእሰይ፡ “ምናዳ ሓሲኻ ኻብ ኣጸጋሚ ዅነታት ከተምልጠሉ ኣብ እትኽእል ኣጋጣሚ፡ ሓቂ ምዝራብ ጠቓሚ ዘይመስለሉ ዅነታት ኣሎ” ትብል። ስለምንታይ ደኣ እያ ወትሩ ሓቂ እትዛረብ፧ ነዚ ኽትምልስ ከላ፡ “ሓቀኛ ክኸውን ከለኹ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ሕልና ይህልወኒ። ወለደይን መሓዙተይን ከኣ ኪኣምኑኒ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጡ” ትብል። ቪክቶርያ ዝስማ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ ድማ፡ “ሓቂ እንተ ተዛሪብካን ኣብቲ እትኣምነሉ እትቐውም እንተ ዄንካን፡ ሰባት ኪድህሉኻ ይፍትኑ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ፍሉይ ጥቕምታት ትረክብ ኢኻ፦ ምትእምማን ተጥሪ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኸም ዝቐረብካዮ ይስምዓካ፡ ካብቶም ዚፈትዉኻ ሰባት እውን ኣኽብሮት ትረክብ” ትብል። እምበኣር ኵሉ ሳዕ ‘ሕቘና ብዕጣቕ ሓቂ ኽንዕጠቕ’ ኣሎና።

ዕጣቕ ሓቂ (ሕጡብ ጽሑፍ 3-5 ርአ)

“ድርዒ ጽድቂ”

6, 7. ጽድቂ ምስ ድርዒ እተመሳሰለ ስለምንታይ እዩ፧

6 ሓደ ኻብቲ ሮማዊ ወተሃደር ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚለብሶ ዝነበረ ድርዒ፡ ጥርዙ እናተደራረበ ብዚርብረብ እተጋደመ ቀጸላታት ሓጺን እዩ ዚስራሕ ነይሩ። እቲ ቐጸላታት ሓጺን ንሓድሕዱ ብምራንን ብዓንቃሪቦን ብመቘለፍን እተተሓሓዘ ዀይኑ፡ ንኣፍ ልብን ከብድን እዩ ዚከላኸል ነይሩ። መንኵብ እቲ ወተሃደር እውን ንሓድሕዱ ብምራን ብእተላገበ ቐጸላታት ሓጺን ይሽፈን ነይሩ እዩ። እዚ ልብሲ እዚ ንምንቅስቓስ እቲ ወተሃደር ብእተወሰነ ይድርቶ ነይሩ እዩ፣ ይኹን እምበር፡ እቲ ቐጸላታት ሓጺን ኣብቲ ድርዒ ኸም ዘሎ ኣዘውቲሩ ኼረጋግጽ ነይርዎ። ከመይሲ፡ እቲ ድርዒ ንልቡን ንኻልእ ኣካላቱን ካብ ስሕለት ሰይፍን ካብ ብልሒ ፍላጻን እዩ ዚከላኸለሉ ነይሩ።

7 እዚ ኸኣ የሆዋ ዘቘሞ ስርዓታት ጽድቂ ንምሳልያዊ ልብና ኸም ዚከላኸለሉ ዜርኢ ጽቡቕ ምሳሌ እዩ። (ምሳ. 4:23) ከምቲ ሓደ ወተሃደር ነቲ ብሓጺን እተገብረ ድርዒ፡ ብዝሓመቐ ዓይነት ብረት ምስ እተሰርሐ ድርዒ ዘይልውጦ፡ ንሕና እውን ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ቕኑዕ ዘውጽኦ ስርዓታት ብናትና ስርዓታት ክንቅይሮ ኣይንደልን ኢና። ናይ ምምዝዛን ክእለትና ጕድለት ስለ ዘለዎ፡ ንልብና ኼዕቍቦ ኣይክእልን እዩ። (ምሳ. 3:5, 6) ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ የሆዋ ዝሃበና “ድርዒ” ወትሩ ንልብና ይከላኸለሉ ኸም ዘሎ ኸነረጋግጽ ኣሎና።

8. ምስ ስርዓታት የሆዋ ለጊብና ኽንመላለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

8 ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ የሆዋ ዘቘሞ ስርዓታት ጽድቂ ኸም ዚኸብደና ወይ ንናጽነትና ኸም ዚቕይዶ ዀይኑዶ ይስምዓና እዩ፧ ዳንኤል ዝስሙ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ፡ “ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመላለስ ብምዃነይ፡ መምህራነይን መማህርተይን የላግጹለይ ነይሮም እዮም። ንእተወሰነ ግዜ፡ ምትእምማነይ ኣጥፊአን ተጨኒቐን ነይረ እየ” ይብል። ሕጂ ደኣ እሞ ኸመይ ይስምዖ፧ “ውዒለ ሓዲረ፡ ብስርዓታት የሆዋ ምምልላስ ዜምጽኦ ጥቕምታት ርእየ። ገሊኦም ‘ኣዕሩኸይ’ ሓሽሽ ኪወስዱ ጀሚሮም፣ ገሊኦም ከኣ ትምህርቶም ኣቋሪጾም። ህይወቶም ከመይ ከም ዝዀነ ምርኣይ ዜሕዝን እዩ ነይሩ። የሆዋ ብሓቂ የዕቍበና እዩ” ይብል። ማዲሰን ዝስማ ጓል 15 ዓመት ጐርዞ ኸኣ፡ “ምስ ስርዓታት የሆዋ ለጊበ ምምልላስን በቲ መዛኖይ ኬፍ ኣለዎ ዚብልዎ መገዲ ዘይምኻድን ቃልሲ እዩ ነይሩ” ትብል። እሞ ደኣ ነዚ ሽግር ከመይ ገይራ ኽትሰግሮ ኽኢላ፧ “ስም የሆዋ ዝጸውር ምዃነይ፡ ፈተና ድማ፡ ሰይጣን ናባይ ዚውርውሮ ነገር ምዃኑ ኽዝክር ነይሩኒ። ኣብ ቃልሲ ኽዕወት ከለኹ፡ ጽቡቕ ይስምዓኒ ነይሩ” ትብል።

ድርዒ ጽድቂ (ሕጡብ ጽሑፍ 6-8 ርአ)

“ኣብ ኣእጋርኩም ከኣ ነቲ ብስራት ሰላም ንምብሳር ዘሎኩም ድሉውነት ከም ኣሳእን ውደዩ”

9-11. (ሀ) ክርስትያናት እንታይ ምሳልያዊ ኣሳእን እዮም ዚወድዩ፧ (ለ) ስብከት ምእንቲ ኸይከብደና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

9 ኤፌሶን 6:15 ኣንብብ። ነዊሕ ሳእኑ ዘይወደየ ወተሃደር ሮሜ፡ ናብ ውግእ ኪምርሽ ድሉው ኣይነበረን። ከብዲ እቲ ኸም ሰንደል ዝኣመሰለ ነዊሕ ሳእኑ፡ ብሰለስተ እተደራረበ ቘርበት እተሰርሐ ብምዃኑ፡ ንኣእጋሩ ድልዱል መቘሚ ይዀኖ ነይሩ እዩ። እቲ ንድፊ ጽቡቕ ብምንባሩ ኸኣ፡ እቲ ሳእኒ ጽኑዕን ምሹእን እዩ ነይሩ።

10 እቲ ወተሃደራት ሮሜ ዚወድይዎ ዝነበሩ ነዊሕ ሳእኒ ናብ ውግእ ኪኸዱ የኽእሎም ነይሩ እዩ፣ እቲ ክርስትያናት ዚወድይዎ ምሳልያዊ ሳእኒ ድማ መልእኽቲ ሰላም ኬብጽሑ የኽእሎም እዩ። (ኢሳ. 52:7፣ ሮሜ 10:15) ይኹን እምበር፡ ኣጋጣሚታት ኪፍጠር ከሎ ንምዝራብ ትብዓት የድሊ እዩ። ቦ ዝስሙ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ፡ “ንደቂ ኽፍለይ ምምስካር የፍርሃኒ ነይሩ እዩ። የሕፍረኒ ነይሩ ይመስለኒ። ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም እተሰምዓኒ ኣይፈልጥን እየ። ሕጂ፡ ንመዛኖይ ምምስካር የሐጕሰኒ እዩ” ይብል።

11 ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ብስራት ንምስባኽ ኣጸቢቖም እንተ ተዳልዮም፡ ምምስካር ኣይከብዶምን እዩ። እሞ ደኣ ድሉው ንምዃን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ጁልያ ዝስማ ጓል 16 ዓመት ጐርዞ፡ “ኣብ ናይ ትምህርቲ ቦርሳይ ጽሑፋት እሕዝ እየ፣ ነቲ ደቂ ኽፍለይ ዚህብዎ ርእይቶታትን ዘለዎም እምነትን ከኣ እሰምዕ እየ። ድሕሪኡ፡ እንታይ ከም ዚሕግዞም ክሓስብ እኽእል። ምስ ተዳለኹ፡ ብዛዕባ እቲ ዚጠቕሞም ነገር ፈልየ እየ ዝዛረቦም” ትብል። ማከንዚ ዝስማ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ ድማ፡ “ለዋህን ጽቡቕ ጌርካ እትሰምዕን እንተ ዄንካ፡ መዛኑኻ እንታይ የሕልፉ ኸም ዘለዉ ይርድኣካ እዩ። ንዅሉ እቲ ንመንእሰያት ዚወጽእ ጽሑፋት አንብቦ እየ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንመዛኖይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ jw.org ናብ ዚርከብ ዚሕግዞም ሓሳብ ክመርሖም እኽእል እየ” ትብል። ንስብከት ብዝያዳ ብእተዳሎኻ መጠን፡ ኣብ ኣእጋርካ ድልዱል “ኣሳእን” ኢኻ እትወዲ።

ኣብ ኣእጋር ከም ኣሳእን ዚውደ ድሉውነት (ሕጡብ ጽሑፍ 9-11 ርአ)

“ዓብዪ ዋልታ እምነት”

12, 13. ገለ ኻብቲ “ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት” ሰይጣን እንታይ እዩ፧

12 ኤፌሶን 6:16 ኣንብብ። ወተሃደር ሮሜ ዚጾሮ “ዓብዪ ዋልታ፡” ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ዀይኑ፡ ካብ መንኵቡ ኽሳብ ኣብራኹ ዚሽፍን እዩ ነይሩ። ካብ መጥቃዕቲ ኣጽዋርን ካብ ዚውርወር ፍላጻታትን እውን የዕቍቦ ነይሩ እዩ።

13 ገለ ኻብቲ ሰይጣን ዚውርውረልካ “ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት፡” ብዛዕባ የሆዋ ዚነዝሖ ሓሶት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ኸም ዘይሓልየልካን ዜፍቅረካ ኸም ዘይብልካን ገይሩ ኼእምነካ ይፍትን እዩ። ኢዳ ዝስማ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ ዘይትረብሕ ከም ዝዀነት ኰይኑ ይስምዓ ነይሩ እዩ። ስምዒታ ኽትገልጽ ከላ፡ “የሆዋ ቐረባይ ከም ዘይኰነን ዓርከይ ኪኸውን ከም ዘይደልን ኰይኑ ተሰሚዑኒ ይፈልጥ እዩ” ትብል። እሞ ደኣ ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ብኸመይ መኪታቶ፧ ነዚ ኽትምልስ ከላ፡ “ኣኼባታት ንእምነተይ ብዙሕ ይውስኸለይ እዩ። ኣነ ዝብሎ ኺሰምዕ ዚደሊ ሰብ ከም ዘየሎ ይመስለኒ ስለ ዝነበረ፡ ኣብኡ ኾፍ እብል እምበር፡ ሓሳብ ኣይህብን እየ ነይረ። ሕጂ ግና ንኣኼባታት እዳሎ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ሳዕ ከኣ ክምልስ እፍትን እየ። ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምስ ዝገብር ግና ጽቡቕ እዩ ዚስምዓኒ። ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ብዙሕ የተባብዑኒ እዮም። ኵሉ ሳዕ ኣብ ኣኼባታት ድሕሪ ምእካበይ የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ ይስምዓኒ እዩ” ትብል።

14. ተመክሮ ኢዳ እንታይ ሓቂ እዩ ዜጕልሕ፧

14 ተመክሮ ኢዳ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ዜጕልሕ፦ እቲ ንወተሃደር ዚውሃብ ዋልታ መጠኑ ውሱን እኳ እንተ ነበረ፡ መጠን እቲ ዋልታ እምነትና ግና ኪንእስ ወይ ኪዓቢ ይኽእል እዩ። ዕቤቱ ኣባና እዩ ዚምርኰስ። (ማቴ. 14:31፣ 2 ተሰ. 1:3) እምበኣር፡ እምነትና ኽንሃንጽ ኣሎና!

ዓብዪ ዋልታ እምነት (ሕጡብ ጽሑፍ 12-14 ርአ)

“ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ”

15, 16. ተስፋ ኸም ቍራዕ ርእሲ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

15 ኤፌሶን 6:17 ኣንብብ። ወተሃደር ሮሜ ዚገብሮ ዝነበረ ቝራዕ ርእሲ፡ ንርእሱን ንኽሳዱን ንገጹን ካብ መጥቃዕቲ ይከላኸለሉ ነይሩ እዩ። ገሊኡ ቝራዕ ርእሲ መትሓዚ ስለ ዝነበሮ፡ ወተሃደር ብኢዱ ተሰኪምዎ ኪኸይድ ይኽእል ነይሩ እዩ።

16 ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንሓንጐል ወተሃደር ዚከላኸለሉ ዝነበረ፡ “ተስፋ ድሕነት” እውን ንኣእምሮና፡ ማለት ንምምዝዛንና ይሕልዎ እዩ። (1 ተሰ. 5:8፣ ምሳ. 3:21) ተስፋ ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ነገራት ከም እነተኵር ይገብረና፡ ብዛዕባ ጸገማት ድማ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልወና ይሕግዘና እዩ። (መዝ. 27:1, 14፣ ግብ. 24:15) ኰይኑ ግና፡ “ቍራዕ ርእስና” ኺከላኸለልና እንተ ደሊና፡ ኣብ ርእስና ኽንገብሮ ደኣ እምበር፡ ብኢድና ኽንስከሞ የብልናን።

17, 18. (ሀ) ከመይ ገይሩ እዩ ሰይጣን ቍራዕ ርእስና ኸም እነውጽእ ኪገብረና ዚኽእል፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ብሰይጣን ከም ዘይተታለልና ኸነርኢ እንኽእል፧

17 እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ሰይጣን ቍራዕ ርእስና ኸም እነውጽእ ኪገብረና ዚኽእል፧ ንየሱስ እንታይ ኪገብሮ ኸም ዝፈተነ እሞ ንርአ። የሱስ ገዛኢ ደቂ ሰብ ኪኸውን ተስፋ ኸም ዘለዎ፡ ሰይጣን ብርግጽ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ክሳዕ እቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኺጽበ ነይርዎ። ቅድሚኡ ኸኣ ኪሳቐን ኪመውትን ነይርዎ። ስለዚ፡ ሰይጣን ንየሱስ ነቲ ተስፋኡ ኣቐዲሙ ዚጭብጠሉ ኣጋጣሚ ኣቕሪቡሉ። እንተ ሰጊዱሉ፡ ሽዑሽዑ ዅሉ ናቱ ኸም ዚኸውን ሓሳብ ሂብዎ። (ሉቃ. 4:5-7) ብተመሳሳሊ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ሓድሽ ስርዓት ስጋዊ ጥቕምታት ከም ዘተስፈወና፡ ሰይጣን ይፈልጥ እዩ። ንዕኡ ንምርካብ ግና፡ ክንጽበ ኣሎና፣ ክሳዕ ሽዑ እውን መከራ ንጸግብ ንኸውን። ስለዚ፡ ሰይጣን ሕጂ ኸምኡ ዝኣመሰለ ህይወት እነስተማቕረሉ ኣጋጣሚታት ገይሩ ይፍትነና እዩ። ንስጋዊ ጥቕምታት ቀዳምነት ክንህብ፡ ኵሉ ረብሓታት ሕጂ ንምርካብ ክንጽዕር ይደልየና እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ድማ ካልኣይ ቦታ ኽንህባ ይደፋፍኣና እዩ።—ማቴ. 6:31-33

18 ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት በዚ ኣይተታለሉን። ንኣብነት፡ ኪያና ዝስማ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ፡ “ንዅሉ ጸገማትና እትፈትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና እፈልጥ እየ” ትብል። እሞ ደኣ እዚ ድልዱል ተስፋ እዚ ንኣተሓሳስባኣን ንተግባራታን ብኸመይ ጸልይዎ፧ “ተስፋ ገነት ብዛዕባ ዓለማዊ ሸቶታተይ ግቡእ ኣረኣእያ ኺህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ክእለተይ ንውልቃዊ ጥቕመይ ከውዕሎ ወይ ዕቤት ስራሕ ክረክብ ኣይጽዕርን እየ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ግዜይን ጕልበተይን ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት እየ ዘውፍሮ ዘለኹ” ትብል።

ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-18 ርአ)

“ናይ መንፈስ ሰይፊ፡” ቃል ኣምላኽ

19, 20. ኣብ ኣጠቓቕማ ቓል ኣምላኽ ዘሎና ኽእለት ከመይ ጌርና ኸነመሓይሽ ንኽእል፧

19 እቲ ጳውሎስ መልእኽቱ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን ወተሃደራት ሮሜ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ሰይፊ፡ 50 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓቱ ዀይኑ፡ ኢድ ንኢድ ኣብ ዚግበር ግጥም እዩ ዜገልግል ነይሩ። ሓደ ኻብቲ ወተሃደራት ሮሜ ኽኢላታት ዝነበሩሉ ምኽንያት፡ መዓልቲ መዓልቲ ብኣጽዋሮም ይለማመዱ ብምንባሮም እዩ።

20 ጳውሎስ ንቓል ኣምላኽ ምስቲ የሆዋ ዝሃበና ሰይፊ ኣመሳሲልዎ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ንእምነትና ንምጥባቕ ወይ ንኣተሓሳስባና ንምዕራይ፡ ከመይ ጌርና ነቲ ሰይፊ ብምልከት ከም እንጥቀመሉ ኽንምሃር ኣሎና። (2 ቈረ. 10:4, 5፣ 2 ጢሞ. 2:15) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኽእለትካ ኸተመሓይሽ እትኽእል፧ ሰባስትያን ዝስሙ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ፡ “ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ መምዕራፍ ሓሓደ ፍቕዲ እጽሕፍ እየ። ዝርዝር ዝፈትዎ ፍቕድታት ከኣ ጠርኒፈ ኣለኹ። በዚ ኸምዚ፡ ምስ ሓሳብ የሆዋ ብዝያዳ እተሳነኹ ዀይኑ ይስምዓኒ” ይብል። ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ዳንኤል ከኣ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከለኹ፡ ኣብ ኣገልግሎት ንሰባት ይሕግዝ ኢለ ዝኣመንኩሉ ጥቕስታት እሓሪ እየ። ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም እትፈትዎን ንምሕጋዞም ዚከኣለካ ትገብር ኸም ዘለኻን ምስ ረኣዩ፡ ጽቡቕ ምላሽ ይህቡ እዮም” ይብል።

ናይ መንፈስ ሰይፊ (ሕጡብ ጽሑፍ 19-20 ርአ)

21. ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ክንፈርሆም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

21 ከምቲ ኣብ ተመክሮ እዞም ኣብዛ ዓንቀጽ ተጠቒሶም ዘለዉ መንእሰያት ዝረኣናዮ፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ክንፈርሆም የብልናን። ሓያላት እኳ እንተ ዀኑ፡ ዘይስዓሩ ግና ኣይኰኑን። መወትቲ ድማ እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ስለ ዚእሰሩ፡ ሽዑ ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኣይኪኽእሉን እዮም፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ኪጠፍኡ እዮም። (ራእ. 20:1-3, 7-10) ንጸላኢናን ንስልትታቱን ንውዲታቱን ንፈልጦ ኢና። ብሓገዝ የሆዋ፡ ክንቃወሞ ንኽእል ኢና!