ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ግንቦት 2020

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 6 ሓምለ–2 ነሓሰ 2020 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

“ንጉስ ሰሜን” ብግዜ መወዳእታ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 19፦ 6-12 ሓምለ 2020። እቲ ዳንኤል ብዛዕባ “ንጉስ ሰሜን”ን “ንጉስ ደቡብ”ን እተነበዮ ትንቢት ሕጂ እውን ይፍጸም ከም ዘሎ መርትዖ ንርኢ ኣለና። ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ ዝርዝር ነገራት ክንፈልጥ ዜድልየናኸ ስለምንታይ ኢና፧

ተቐናቐንቲ ነገስታት ብግዜ መወዳእታ

ትንቢት “ንጉስ ሰሜን”ን “ንጉስ ደቡብ”ን ምስ ካልእ ትንቢታት ኣብ ሕደ እዋን ይፍጸም። እዚ ትንቢታት እዚ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኸም ዚኸውን ብኸመይ የረጋግጽ፧

ሎሚ “ንጉስ ሰሜን” መን እዩ፧

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 20፦ 13-19 ሓምለ 2020። ሎሚ “ንጉስ ሰሜን” መን እዩ፧ ከመይ ኢሉ እዩኸ ናብ መወዳእታኡ ዚመጽእ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ምፍላጥና፡ ንእምነትና ኼደልድሎ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ መጻኢ ዜጋጥመና ፈተናታት እውን ኬዳልወና እዩ።

ነቲ ኣምላኽ ዚህበካ ውህበታትሲ ተማስወሉዶ፧

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 21፦ 20-26 ሓምለ 2020። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንየሆዋን ንሰለስተ ኻብቲ ንሱ ዝሃበና ውህበታትን ዘሎና ሞሳ ኸነዕዝዝ ክትሕግዘና እያ። ነቶም ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዚጠራጠሩ ኸነረድኦም እውን ክትሕግዘና እያ።

ነቲ ዘይርአ መዛግብቲ ኣማስወሉ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 22፦ 27 ሓምለ–2 ነሓሰ 2020። ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ፡ ኣምላኽ ዝሃበና ዚርአ ውህበታት ወይ መዛግብቲ ርኢና ኔርና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ፡ ኣብ ዘይርአ መዛግብቲ ኸነተኵር ኢና፡ ከመይ ጌርና ንዕኡ ሞሳና ኸነርኢ ኸም እንኽእል እውን ክንምርምር ኢና። እዚ ድማ ነቲ ምንጪ እዚ መዛግብቲ እዚ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ኼዕምቖ እዩ።