ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተቐናቐንቲ ነገስታት ብግዜ መወዳእታ

ተቐናቐንቲ ነገስታት ብግዜ መወዳእታ

ገለ ኻብቲ ኣብዚ ሰሌዳ ተጠቒሱ ዘሎ ትንቢታት ኣብ ሕደ እዋን እዩ ዚፍጸም። እዚ ዅሉ ድማ ኣብ “ግዜ መወዳእታ” ንነብር ከም ዘለና ብብዙሕ መገድታት የረጋግጽ።—ዳን. 12:4

  • ጥቕሲ ራእ. 11:7፣ 12:13, 17፣ 13:1-8, 12

    ትንቢት እቲ “ኣራዊት” ኣብ ምድሪ ንሓያሎ ዘመናት ይዘውር። ብግዜ መወዳእታ፡ እቲ ሻውዓይ ርእሱ ይቘስል። ጸኒሑ፡ እቲ ርእሲ እቲ ይሓዊ፣ “ብዘላ ምድሪ” ኸኣ ነቲ ኣራዊት ትስዕቦ። ሰይጣን በቲ ኣራዊት እቲ ገይሩ ‘ምስቶም ዝተረፉ ይዋጋእ።’

    ፍጻመ ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ምስ የሆዋ ዚጻረሩ ሰብኣውያን መንግስትታት ይትንስኡ። ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ ማለት ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ ኣመና ይደክም። ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ሓበሮ ግና፡ ይብርትዕ። ምናዳ ኣብ ግዜ መወዳእታ፡ ሰይጣን ብዅሉ ፖለቲካዊ ስርዓቱ ገይሩ ንህዝቢ ኣምላኽ ይሰጕጎም።

  • ጥቕሲ ዳን. 11:25-45

    ትንቢት ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ብግዜ መወዳእታ ይቀናቐኑ።

    ፍጻመ ጀርመንን ኣንግሎ-ኣመሪካን ሓዲኦም ካብቲ ሓደ ንምሕያል ይወዳደሩ። ብ1945 ሕብረት ሶቭየትን ተሓባበርታን፡ ንጉስ ሰሜን ይዀና። ብ1991፡ ሕብረት ሶቭየት ትፈርስ፣ ጸኒሓ ድማ ሩስያን ተሓባበርታን፡ ንጉስ ሰሜን ይዀና።

  • ጥቕሲ ኢሳ. 61:1፣ ሚል. 3:1፣ ሉቃ. 4:18

    ትንቢት መሲሓዊት መንግስቲ ቕድሚ ምቛማ፡ የሆዋ “መገዲ ኺጸርግ” ኢሉ ‘ልኡኹ’ ይልእኽ። እዚ ጕጅለ እዚ ‘ንዓቃላት ኬበስሮም’ ይጅምር።

    ፍጻመ ካብ 1870ታት ንደሓር፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግላጽ ብቕንኣት ይዓይዩ። ኣብ 1880ታት ድማ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ኸም ዜድልዮም ኬጕልሑ ይጅምሩ። ከም እኒ፡ “1,000 ሰበኽቲ ይድለዩ ኣለዉ፡” “ኪሰብኩ እተቐብኡ” ዚብል ኣርእስቲ ዝሓዛ ዓንቀጻት የሕትሙ።

  • ጥቕሲ ማቴ. 13:24-30, 36-43

    ትንቢት ጸላኢ ኣብ መንጎ ግራት ስርናይ፡ ክርዳድ ይዘርእ፣ እዚ ድማ ክሳዕ ቀውዒ ዓብዩ ነቲ ስርናይ ኺሓብኦ ይፍቀደሉ፣ ድሕሪኡ፡ እቲ ኽርዳድ ካብ ስርናይ ይፍለ።

    ፍጻመ ካብ ኣጋ መወዳእታ 1800ታት ንደሓር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ፈሊኻ ዚልለዩ ኪዀኑ ይጅምሩ። ብግዜ መወዳእታ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ይእከቡ፡ ካብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት እውን ይፍለዩ።

  • ጥቕሲ ዳን. 2:31-33, 41-43

    ትንቢት እቲ ብበበይኑ ዓይነት ብረት ዝቘመ ምስሊ፡ ኣእጋር ሓጺንን ካይላን ኣለዎ።

    ፍጻመ ካይላ ነቲ ኣብ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ዘሎ ፍልይ ዝበለን ህቡብን ባእታታት የመልክት። እዚ ባእታታት እዚ ኸኣ፡ ነዚ ሓይሊ ዓለም እዚ ኸም ሓጺን ዝኣመሰለ ብርታዐ ኸይህልዎ የዳኽሞ።

  • ጥቕሲ ማቴ. 13:30፣ 24:14, 45፣ 28:19, 20

    ትንቢት እቲ “ስርናይ” ኣብ “ማዕከን” ይእከብ፣ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ድማ ኣብ ልዕሊ “ኣገልገልቲ ቤት” ይሽየም። “ብስራት መንግስቲ” ኸኣ ኣብ “ኵላ ዓለም” ኪስበኽ ይጅምር።

    ፍጻመ ብ1919፡ እቲ እሙን ባርያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ተሸይሙ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥፈታት ስብከቶም የሐይሉ። ሎሚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ይሰብኩን ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕታማት የዳልዉን ኣለዉ።

  • ጥቕሲ ዳን. 12:11፣ ራእ. 13:11, 14, 15

    ትንቢት ክልተ ዝቐርኑ ኣራዊት፡ ‘ምስሊ እቲ ኣራዊት’ ኣብ ምፍጣር መሪሕ ግደ ይህልዎ፡ ‘ነቲ ምስሊ እውን ትንፋስ ይህቦ።’

    ፍጻመ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ንእተኣሳሰራ መንግስትታት ኣብ ምፍጣር መሪሕ ግደ ይህልዎ። እዚ ውድብ እዚ ካብ ካልኦት ሃገራት እውን ደገፍ ይረክብ። ኣብ መወዳእታ፡ ንጉስ ሰሜን ኣባል እቲ ውድብ ይኸውን፣ ግናኸ፡ ካብ 1926-1933 ጥራይ እዩ። እዚ ውድብ እዚ ኸምቲ ድሕሪኡ ዝቘመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚግባእ ውዳሰ ይውሃቦ።

  • ጥቕሲ ዳን. 8:23, 24

    ትንቢት ጨካን ዝገጹ ንጉስ “ፍልይ ብዝበለ መገዲ፡ ጥፍኣት” የምጽእ።

    ፍጻመ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ብዙሕ ጥፍኣት ኣምጺኡ። ንኣብነት፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ጸላኢት ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ዝዀነት ሃገር ክልተ ኣቶማዊ ቦምብ ምስ ደርበየት፡ ዜስካሕክሕ ዕንወት ኣምጺኣ።

  • ጥቕሲ ዳን. 11:31፣ ራእ. 17:3, 7-11, 16

    ትንቢት እቲ “ቐይሕ” ኣራዊት ካብ መዓሙቝ ይወጽእ፡ ሻምናይ ንጉስ እውን ይኸውን። እቶም ዓሰርተ ቐርኑ ኸኣ ነታ “ኣመንዝራ” የጥፍእዋ፣ ድሕሪኡ እቲ ኣራዊት ንባዕሉ እውን ይጠፍእ። መጽሓፍ ዳንኤል ነዚ ንጉስ እዚ “ዜጥፍእ ጽያፍ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።

    ፍጻመ እተኣሳሰራ መንግስትታት ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ፈሪሱ። ድሕሪ እቲ ውግእ ከኣ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘ኣቚሞምዎ።’ ው.ሕ.ሃ. ከምቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ውድብ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ኽብሪ ተዋሂብዎ። ው.ሕ.ሃ. ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት መጥቃዕቲ ኺፍኑ እዩ።

  • ጥቕሲ 1 ተሰ. 5:3፣ ራእ. 17:16

    ትንቢት ሃገራት “ሰላምን ደሓንን” ይእውጃ፣ እቶም “ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን” ከኣ ነታ “ኣመንዝራ” የጥቅዕዋ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ሃገራት ጥፍኣት ይወርድ።

    ፍጻመ ሃገራት ሰላምን ደሓንን ከም ዘምጽኣ ይዛረባ። ሽዑ፡ ንው.ሕ.ሃ. ዚድግፋ ሃገራት፡ ንውድባት ናይ ሓሶት ሃይማኖት የጥፍኣአን። እዚ ኸኣ መጀመርታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ይኸውን። ብዘሎ ስርዓት ዓለም ኣብ ኣርማጌዶን ምስ ጠፍአ ድማ፡ እቲ ጸበባ የብቅዕ።

  • ጥቕሲ ህዝ. 38:11, 14-17፣ ማቴ. 24:31

    ትንቢት ጎግ ንምድሪ ህዝቢ ኣምላኽ ይወርር። ሽዑ፡ መላእኽቲ “ንሕሩያት” ይእክብዎም።

    ፍጻመ ንጉስ ሰሜን ምስ ካልኦት መንግስትታት ዓለም ሓቢሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ይፍኑ። እቲ መጥቃዕቲ ኻብ ዚጅምር ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ እቶም ዝተረፉ ቅቡኣት ናብ ሰማይ ይእከቡ።

  • ጥቕሲ ህዝ. 38:18-23፣ ዳን. 2:34, 35, 44, 45፣ ራእ. 6:2፣16:14, 16፣ 17:14፣ 19:20

    ትንቢት እቲ ኣብ ‘ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ’ ንጎግን ንሰራዊቱን ብምድምሳስ ይስዕር’ ወይ ‘ዓወቱ ይፍጽም።’ እቲ “ኣራዊት” ናብቲ “ቀላይ ሓዊ” ይድርበ፣ እቲ ዓብዪ ምስሊ እውን ይሕምሸሽ።

    ፍጻመ እቲ ዚገዝእ ዘሎ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ንህዝቢ ኣምላኽ የናግፎም። ምስ 144,000 መጋዝእቱን ምስ ሰራዊት መላእኽትን ኰይኑ፡ ንዝሰመሩ ኣህዛብ፡ ማለት ንብዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓት ሰይጣን የጥፍኦ።