ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 21

ነቲ ኣምላኽ ዚህበካ ውህበታትሲ ተማስወሉዶ፧

ነቲ ኣምላኽ ዚህበካ ውህበታትሲ ተማስወሉዶ፧

“ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ ዜደንቕ ግብርታትካን ንዓና ዝሓሰብካዮ ሓሳባትካን፡ እቲ ዝገበርካዮስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ።”መዝ. 40:5

መዝሙር 5 ድንቂ ግብርታት ኣምላኽ

መላለዪ *

1-2. ብመሰረት መዝሙር 40:5፡ የሆዋ እንታይ ውህበታት እዩ ሂቡና፧ ስለምንታይከ ኢና ነዚ እንምርምሮ፧

የሆዋ ለጋስ ኣምላኽ እዩ። ገለ ኻብቲ ንሱ ዝሃበና ውህበታት፡ እታ ጽብቕትን ብርቅን መንበሪትና ዝዀነት ምድሪ፡ እቲ ድንቂ ንድፊ ዝዀነ ሓንጐልና፡ ከምኡ ድማ እቲ ኽቡር ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀስ ይከኣል። የሆዋ በዚ ሰለስተ ውህበት እዚ ኣቢሉ እንነብረሉ ስፍራ ሂቡና፡ ናይ ምሕሳብን ሓሳብና ናይ ምምሕልላፍን ክእለት ዓዲሉና፡ ከምኡ እውን ነቲ ኽንሓትቶ እንኽእል ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ሕቶታት መሊሱልና እዩ።—መዝሙር 40:5 ኣንብብ።

2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሰለስተ ውህበት እዚ ኣሕጽር ኣቢልና ኽንምርምሮ ኢና። ብዛዕባኡ ብዝያዳ ብዘስተንተንና መጠን፡ ሞሳና እናዓዘዘ፡ ነቲ ፈቃር ፈጣሪና የሆዋ ባህ ንምባል ዘሎና ትምኒት እውን እናሓየለ ኪኸይድ እዩ። (ራእ. 4:11) ነቶም በቲ ናይ ሓሶት ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት እተታለሉ ንምሕጋዝ እውን ብዝሓሸ ኽንዕጠቕ ኢና።

እታ ብርቂ ፕላነትና

3. ምድርና ብርቂ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

3 ኣብቲ መንበሪትና ዝዀነት ምድሪ እተደኰነትሉ መገዲ፡ ጥበብ ኣምላኽ ብንጹር ይርአ እዩ። (ሮሜ 1:20፣ እብ. 3:4) ኣብ ዙርያ ጸሓይ እትዘውር ፕላነት፡ እዛ ምድርና ጥራይ ኣይኰነትን፣ ኰይኑ ግና፡ ምድሪ ንህይወት ሰብ ዜድሊ ዅሉ ዅነታት ብልክዕ ስለ ዝሓዘት፡ ብርቂ እያ።

4. ምድሪ ኻብ ሓንቲ ሰብ ዝሰርሓ ጃልባ እትሓይሽ ስለምንታይ እያ፧

4 ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ምድሪ ኸም ሓንቲ ኣብ ሰፊሕ ውቅያኖስ ጸብለል እትብል ጃልባ እያ። ኣብ መንጎ ሓንቲ ብሰባት ዝመልአት ሰብ ዝሰርሓ ጃልባን ኣብ መንጎ ምድርናን ግና ወሳኒ ፍልልያት ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ጃልባ እተሰቕሉ ሰባት ባዕሎም ኦክስጅንን ምግብን ማይን ኬዳልዉ እንተ ኣልይዎም እሞ ዝዀነ ጐሓፍ ናብቲ ውቅያኖስ ኪድርብዩ እንተ ዘይክእሉ ነይሮም ክንደይ ምጸንሑ፧ እቶም ኣብታ ጃልባ እተሰቕሉ ሰባት ነዊሕ ከይጸንሑ ምሞቱ። ምድርና ግና ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ህያዋን ፍጥረታት ሒዛ ኣላ። ዜድልየና ዘበለ ኦክስጅንን ምግብን ማይን ተዳሉ እያ፣ እዚ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ድማ ጠሪሱ ኣይውዳእን እዩ። እቲ ጐሓፋ ናብ ህዋ ዘይድርበ እኳ እንተ ዀነ፡ ምድሪ ጽብቕትን ንምንባር ምሽእትን ኰይና ትቕጽል እያ። እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ የሆዋ ንምድሪ፡ ንጐሓፍ መሊሱ ናብ ጠቓሚ ነገራት ከም እትቕይር ገይሩ እዩ ነዲፍዋ። ሕጂ፡ ክልተ ኻብዚ ብውሕሉል መገዲ እተነድፈ ዑደታት ክንርኢ ኢና፣ እዚ ድማ ዑደት ኦክስጅንን ዑደት ማይን እዩ።

5. ዑደት ኦክስጅን እንታይ እዩ፧ እንታይከ እዩ ዜረጋግጽ፧

5 ኦክስጅን፡ ንሕና ዀንና ገሊኦም ህያዋን ፍጥረታት ብህይወት ንምንባር ዜድልየና ጋዝ እዩ። ህያዋን ፍጥረታት ኣብ ዓመት ሚእቲ ቢልዮን ቶን ዚኣክል ኦክስጅን ንውሽጢ ኸም ዜስተንፍሱ ይግመት። እዞም ፍጡራት እዚኦም ከኣ ካርቦን ዳዮክሳይድ ዚብሃል ጋዝ ንደገ የስተንፍሱ። ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ እቲ ኦክስጅን ኣይውድእዎን እዮም፣ እቲ ኣብ ሃዋህው ዘሎ ኣየር እውን በቲ “ጐሓፍ” ጋዝ ዝዀነ ካርቦን ዳዮክሳይድ ኣይምላእን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ነቲ ካርቦን ዳዮክሳይድ ስሒቦም ኦክስጅን ዜውጽኡ ኻብ ዓበይቲ ኣእዋም ኣትሒዞም ክሳዕ ንኣሽቱ ሰበባ ዚርከብዎም ህያዋን ፍጥረታት ፈጢሩ እዩ። ዑደት ኦክስጅን፡ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25 ዚርከብ፡ ‘ኣምላኽ ንዅሉ፡ ህይወትን ትንፋስን ይህብ’ ዚብል ሓሳብ ቃል ብቓሉ ኸም ዚፍጸም እዩ ዜረጋግጽ።

6. ዑደት ማይ እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ዜረጋግጽ፧ (“ የሆዋ ዝሃበና ዑደት ማይ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

6 ማይ ኣብ ምድሪ ብመልክዕ ፈሳሲ ኺርከብ እተኻእለ፡ ፕላነትና ኻብ ጸሓይ ኣብ ልክዕ ርሕቀት ስለ ዘላ እዩ። ናብ ጸሓይ ቍሩብ እንተ ትቐርብ ነይራ፡ ኵሉ እቲ ማይ ፈሊሑ ምሃፈፈ እሞ ህይወት ዘይብላ ዝረሰነት ከውሒ ምዀነት። ካብ ጸሓይ ቍሩብ እንተ ትርሕቕ ነይራ፡ ኵሉ ማይ ምደስከለ እሞ ንምድሪ ዓባይ ኵዕሶ በረድ ምገበራ። የሆዋ ንምድሪ ኣብ ልክዕ ስፍራ ስለ ዘንበራ ግና፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዑደት ማይ ንህይወት ዚጠቅም ኰይኑ ኣሎ። ጸሓይ ነቲ ኣብ ውቅያኖሳትን ኣብ ምድርን ዘሎ ማያት ተህፍፎ እሞ ደበና ዀይኑ ይሰርብ። ኣብ ዓዓመት፡ ጸሓይ ዳርጋ 500,000 ኩቦ ኪሎ ሜተር፡ ማለት ካብቲ ኣብ ኵሉ ቐላያት ምድሪ ዘሎ ማያት ዚበዝሕ ማይ ተህፍፍ። እቲ ማይ እቲ ዝናም ወይ በረድ ኰይኑ ቕድሚ ምዝናሙ፡ ኣብ ሃዋህው ንኣስታት ዓሰርተ መዓልቲ ይጸንሕ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ እቲ ማይ ተመሊሱ ናብ ውቅያኖሳት፡ ናብ ባሕርታት፡ ወይ ናብ ቀላያት ይኸይድ፣ እቲ ዑደት ድማ ከም ብሓድሽ ይድገም። እዚ ብሉጽን ቀጻልን ዑደት እዚ፡ የሆዋ ጥበበኛን ሓያልን ምዃኑ እዩ ዜረጋግጽ።—እዮ. 36:27, 28፣ መክ. 1:7

7. ገለ ኻብቲ ነታ ኣብ መዝሙር 115:16 እተጠቕሰት ውህበት ሞሳና እነርእየሉ መገድታት እንታይ እዩ፧

7 ብዛዕባ እዛ ድንቂ ፕላነትናን ብዛዕባ ዅሉ እቲ ሒዛቶ ዘላ ቐረባትን ዘሎና ሞሳ ኸመይ ጌርና ኸነዕዝዝ ንኽእል፧ (መዝሙር 115:16 ኣንብብ።) ሓደ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ነገራት ብምስትንታን እዩ። እዚ ኸኣ ስለቲ የሆዋ ዚህበና ጽቡቕ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኸነመስግኖ ይድርኸና እዩ። ነቲ እንነብረሉ ኸባቢ ጽሬቱ ብምሕላው ድማ፡ ንምድሪ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።

እቲ ብርቂ ሓንጐልና

8. ሓንጐልና ድንቂ ምህንድስና እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

8 ሓንጐል ሰብ ድንቂ ምህንድስና እዩ። ኣብ ማሕጸን ኣዴኻ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን፡ ሓንጐልካ ኣቐዲሙ ብእተነድፈሉ ውጥን እዩ ተሃኒጹ፣ ኣብ ደደቒቕ ከኣ ኣሽሓት ሓድሽ ዋህዮታት ሓንጐል ይህነጽ ነይሩ እዩ። ሓንጐል ሓደ ዓብዪ ሰብ ዳርጋ 100 ቢልዮን ኒውሮን ዚብሃል ፍሉይ ዝዓይነቱ ዋህዮታት ከም ዘለዎ ተመራመርቲ ይግምቱ እዮም። እዚ ዋህዮታት እዚ ብውሕሉል መገዲ ተጠርኒፉ ኣሎ፣ ክብደቱ ድማ 1.5 ኪሎ ግራም ኣቢሉ ይኸውን። ገለ ኻብቲ ሓንጐል ዘለዎ ዜደንቕ ክእለታት እስከ ንርአ።

9. ክእለት ዘረባ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት ከም ዝዀነ ዜረጋግጽ እንታይ እዩ፧

9 ክእለት ዘረባ ተኣምር እዩ። ክንዛረብ ከለና እንታይ ከም ዚኸውን እሞ ሕሰበሉ። ሓንቲ ቓል ክትዛረብ ከለኻ፡ ሓንጐልካ ንምንቅስቓስ እቲ ኣብ ልሳንካን ጐረሮኻን ከናፍርካን ምንጋጋኻን ኣፍ ልብኻን ዚርከብ ኣስታት 100 ጭዋዳታት እዩ ዜወሃህድ። እቲ ቓላት ንሰብ ዚርድኦ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኵሉ እዚ ጭዋዳታት እዚ ብልክዕ ኪንቀሳቐስ ኣለዎ። ብዛዕባ ክእለት ቋንቋታት ከኣ፡ ብ2019 እተሓትመ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ሓደስቲ እተወልዱ ዕሸላት ቃላት ኬለልዩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ርኽበታት እዚ ድማ ነቲ ብዙሓት ተመራመርቲ ዚኣምኑሉ ነገር የራጕዶ እዩ፣ ብዙሓት ተመራመርቲ፡ ቋንቋታት ከነለልን ክንምሃርን ከም እንኽእል ኴንና ኸም እንውለድ ይኣምኑ እዮም። ብርግጽ እምበኣር፡ ክእለት ዘረባ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ውህበት እዩ።—ዘጸ. 4:11

10. ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ዘረባ ኸም እነማስወሉ ኸመይ ጌርና ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

10 ሓደ ኻብቲ ንውህበት ዘረባ ኸም እነማሱ እነርእየሉ መገዲ፡ ነቶም ስለምንታይ ብትምህርቲ ፍልቀት ከም ዘይንኣምን ዚሓትቱ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ብምግላጽ እዩ። (መዝ. 9:1፣ 1 ጴጥ. 3:15) እቶም ነቲ ሰረተ እምነት እቲ ዜስፋሕፍሑ ሰባት፡ ምድርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉ ህይወትን ብሃንደበት ከም ዝመጸ እዮም ኬእምኑና ዚደልዩ። ብመጽሓፍ ቅዱስን በዚ ኣብዛ ዓንቀጽ ዝረኣናዮ ነጥብታትን ጌርና፡ ንሰማያዊ ኣቦና ኽንጣበቐሉ፡ ነቶም ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ኸኣ የሆዋ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ምዃኑ ዘእመነና ምኽንያት ክንገልጸሎም ንኽእል ኢና።—መዝ. 102:25፣ ኢሳ. 40:25, 26

11. ሓንጐልና ዜደንቕ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

11 ክእለት ተዘክሮና ዜደንቕ እዩ። ቅድሚ እተወሰነ ግዜ፡ ሓንጐል ወዲ ሰብ ማዕረ 20 ሚልዮን መጻሕፍቲ ዚመልእ ሓበሬታ ኺዝክር ከም ዚኽእል ሓደ ደራሲ ግምቱ ኣስፊሩ ነይሩ። ሕጂ ግና ክእለት ተዘክሮና ኣመና ኸም ዚዓቢ እዩ ጌርካ ዚርአ። ሰባት እንታይ ፍሉይ ክእለት እዩ ዘለዎም፧

12. ስነ ምግባራዊ ትምህርትታት ኽንምሃር ምኽኣልና ኻብ እንስሳታት ዚፈልየና ብኸመይ እዩ፧

12 ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ፍጥረታት፡ ሰባት ጥራይ እዮም ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ንዝዀነ ነገራት ብምዝካርን ብምግምጋምን ስነ ምግባራዊ ትምህርቲ ኺምሃሩ ዚኽእሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ዝሓሸ መትከላት ክንሕዝ፡ ኣተሓሳስባናን ኣነባብራናን እውን ክንቅይር ንኽእል ኢና። (1 ቈረ. 6:9-11፣ ቈሎ. 3:9, 10) ከም ሓቂ፡ ንሕልናና ኣብ መንጎ ቅኑዕን ጌጋን ዘሎ ፍልልይ ከም ዜለሊ ጌርና ኸነሰልጥኖ ንኽእል ኢና። (እብ. 5:14) ፍቕርን ርሕራሐን ምሕረትን ክንምሃር ንኽእል ኢና። ጽቡቕ ሚዛን ፍትሒ እውን ከነማዕብል ንኽእል ኢና።

13. ብመሰረት መዝሙር 77:11, 12፡ ንኽእለት ተዘክሮና ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧

13 ሓደ ኻብቲ ንኽእለት ተዘክሮና ሞሳና ኸነርእየሉ እንኽእል መገዲ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ዝሓገዘናን ዘጸናንዓናን እዋናት ብምዝካር እዩ። እዚ ድማ ኣብ መጻኢ እውን ከም ዚሕግዘና እምንቶ ኸነሕድር የኽእለና እዩ። (መዝሙር 77:11, 12 ኣንብብ፣ 78:4, 7) ካልእ መገዲ ኸኣ፡ ካልኦት ዝገበሩልና ጽቡቕ ብምዝካርን ንዓታቶም ብምምስጋንን እዩ። ኣመስገንቲ ሰባት ዝያዳ ሓጐስ ከም ዚህልዎም ተመራመርቲ ፈሊጦም ኣለዉ። ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ እውን፡ ንገሊኡ ነገራት ኣይንዝክሮን ኢና። ንኣብነት፡ የሆዋ ፍጹም ተዘክሮ ኣለዎ፣ ግናኸ፡ እንተ ተነሲሕና፡ ንጌጋታትና ይቕረ ይብለልናን ይርስዖን እዩ። (መዝ. 25:7፣ 130:3, 4) ካልኦት ምስ ጐድኡና እሞ ይቕረታ ምስ ሓተቱ ኸኣ፡ ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ይጽበየና እዩ።—ማቴ. 6:14፣ ሉቃ. 17:3, 4

ብሓንጐልና ጌርና ንየሆዋ ኽብሪ ብምምጻእ፡ ነዚ ውህበት እዚ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ ንኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ) *

14. ነቲ መስተንክር ውህበት ዝዀነ ሓንጐልና ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

14 ነቲ መስተንክር ውህበት ዝዀነ ሓንጐልና ዘሎና ሞሳ፡ ብእኡ ጌርና ንወሃቢኡ ብምኽባር ክንገልጽ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ንሓንጐሎም ንጥቕሚ ርእሶም ኣብ ዜቐድም ዕላማ የውዕልዎ እዮም፣ እወ፡ ናይ ርእሶም መለክዒታት ቅኑዕን ጌጋን ይሰርዑ እዮም። ግናኸ፡ የሆዋ ስለ ዝፈጠረና፡ መለክዒታቱ ኻብ ዝዀነ ናትና መለክዒታት ከም ዚበልጽ ፍሉጥ እዩ። (ሮሜ 12:1, 2) ብመለክዒታቱ ኽንመላለስ ከለና ኸኣ፡ ኣብ ህይወትና ሰላም ንረክብ ኢና። (ኢሳ. 48:17, 18) ንጹር ዕላማ ህይወት ይህልወና እዩ፣ እዚ ድማ ንፈጣሪናን ንኣቦናን ክብሪ ምምጻእን ብኣና ኸም ዚሕበን ምግባርን እዩ።—ምሳ. 27:11

ብርቂ ውህበት ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ

15. ውህበት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ፍቕራዊ ውህበት እዩ። ሰማያዊ ኣቦና ንምድራውያን ደቁ ብዙሕ ስለ ዚሓልየሎም፡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሕፉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ። የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕቶታት ይምልሰልና እዩ፣ ገለ ኻብዚ ሕቶታት ከኣ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ካበይ ኢና መጺእና፧ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ ኣብ መጻኢ እንታይ ክንከውን ኢና፧ የሆዋ፡ ኵሎም ደቁ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኺፈልጡ ይደልዮም እዩ፣ ስለዚ ድማ ኣብ ብዘሎ ዘመናት፡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሓያሎ ቛንቋታት ኪትርጕምዎ ደሪኽዎም እዩ። ሎሚ፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ክፋላቱ ብልዕሊ 3,000 ቋንቋ ይርከብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ልዕሊ ዅሉ እተተርጐመን እተዘርግሐን መጽሓፍ እዩ። ሰባት ዚነብሩሉ ዓዲ ዀነ ቛንቋኦም ብዘየገድስ፡ መብዛሕትኦም ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ኣዲኦም ኪምሃርዎ ይኽእሉ እዮም።—“ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋታት ኣፍሪቃ ንምድላው እተገብረ ጻዕርታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

16. ብመሰረት ማቴዎስ 28:19, 20፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ሞሳ ኸመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብን ብዛዕባ ትምህርትታቱ ብምስትንታንን ነቲ እተምሃርናዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዚከኣለና ዘበለ ብምግባርን፡ ንዕኡ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ ድማ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ብምክፋል፡ ንኣምላኽ ዘሎና ምስጋና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—መዝ. 1:1-3፣ ማቴ. 24:14፣ ማቴዎስ 28:19, 20 ኣንብብ።

17. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ውህበታት ኢና ርኢና፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

17 ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ገለ ኻብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበታት፡ ማለት ብዛዕባ እታ መንበሪትና ዝዀነት ምድርን ብዛዕባ እቲ ድንቂ ዝንድፉ ሓንጐልናን ብዛዕባ እቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ርኢና ኢና። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ዝሃበና ብኣዒንትና ዘይርአ ኻልእ ውህበታት ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ዘይርአ መዛግብቲ ድማ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጥ ኢና።

መዝሙር 12 የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ

^ ሕ.ጽ. 5 እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንየሆዋን ንሰለስተ ኻብቲ ንሱ ዝሃበና ውህበታትን ዘሎና ሞሳ ኸነዕዝዝ ክትሕግዘና እያ። ነቶም ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዚጠራጠሩ ኸነረድኦም እውን ክትሕግዘና እያ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ንጓኖት ሰባት ሓቅታት ቃል ኣምላኽ ክትምህር ኢላ ኻልእ ቋንቋ ትምሃር።