ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 22

ነቲ ዘይርአ መዛግብቲ ኣማስወሉ

ነቲ ዘይርአ መዛግብቲ ኣማስወሉ

“እቲ ዚርአ ንግዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርአ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና . . . ነቲ ዘይርአ ኢና እንጥምት።”—2 ቈረ. 4:18

መዝሙር 45 ምስትንታን ልበይ

መላለዪ *

1. የሱስ ብዛዕባ ሰማያዊ መዛግብቲ እንታይ እዩ ኢሉ፧

ኵሉ መዛግብቲ ወይ ሃብቲ ኣይኰነን ዚርአ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መዛግብቲ ወይ ሃብቲ ኣይርአን እዩ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ካብ ስጋዊ ጥሪት ኣጸቢቑ ዚበልጽ ሰማያዊ መዛግብቲ ኸም ዘሎ ጠቒሱ ነይሩ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “መዝገብካ ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 6:19-21) ልብና ነቲ ኸም መዝገብ ገይሩ ዚርእዮ ወይ ነቲ ኣኽቢሩ ዚርእዮ ነገር ክንስዕብ ይድርኸና እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ብምሓዝ ድማ፡ “ኣብ ሰማይ መዛግብቲ” ኽንእክብ ንኽእል ኢና። የሱስ ከም ዝገለጾ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መዛግብቲ ኣይጠፍእን ወይ ኣይስረቕን እዩ።

2. (ሀ) ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 4:17, 18፡ ጳውሎስ ኣብ ምንታይ ከነተኵር እዩ ተማሕጺኑና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ‘ነቲ ዘይርአ ኽንጥምት’ ተማሕጺኑና ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 4:17, 18 ኣንብብ።) እዚ ዘይርአ መዛግብቲ እዚ፡ ነቲ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም እንረኽቦ በረኸት ዜጠቓልል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሕጂ ጥቕሚ ኽንረኽበሉ እንኽእል ኣርባዕተ ዘይርአ መዛግብቲ ኽንምርምር ኢና፣ እዚ ኸኣ፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት፡ ውህበት ጸሎት፡ ሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎትና እንረኽቦ ሰማያዊ ደገፍ እዩ። ነዚ ዘይርአ መዛግብቲ እዚ ኸመይ ጌርና ሞሳና ኸም እንገልጽ እውን ክንምርምር ኢና።

ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት

3. ካብ ኵሉ ዝዓበየ ዘይርአ መዝገብ እንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርካኸ እዩ እዚ ኺርከብ ዚከኣል፧

3 ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ዘይርአ መዝገብ እዩ። (መዝ. 25:14) ከመይ ገይሩ እዩ ኣምላኽ ምስ ሓጥኣን ሰባት ዕርክነት መስሪቱ ኽነሱ ምሉእ ብምሉእ ቅዱስ ኪኸውን ዚኽእል፧ እቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ” ስለ ዝዀነ እዩ ኣምላኽ ከምኡ ኺገብር ክኢሉ። (ዮሃ. 1:29) የሆዋ ኻብ ቀደም ኣትሒዙ፡ ንደቂ ሰብ መድሓኒ ንምድላው ዝገበሮ ዕላማ ኸም ዘይፈሽል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኣምላኽ ነቶም ክርስቶስ ቅድሚ ሙማቱ ዝነበሩ ሰባት ኪተዓራረኾም ዝኸኣለ።—ሮሜ 3:25

4. ቅድሚ ክርስትና ኣዕሩኽ ኣምላኽ ዝዀኑ ገለ ኣብነታት ሃብ።

4 ቅድሚ ክርስትና ኣዕሩኽ ኣምላኽ ዝዀኑ ገለ ሰባት እስከ ንርአ። ኣብርሃም ሓለፍ ዝበለት እምነት ዘርኣየ ሰብ እዩ ነይሩ። ካብቲ ኣብርሃም ዝሞተሉ ኣስታት 1,000 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ የሆዋ ንዕኡ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (ኢሳ. 41:8) ስለዚ፡ ሞት እውን እንተ ዀነ ንየሆዋ ኻብቶም ናይ ቀረባ ፈተውቱ ኣይፈለዮን። ኣብ ኣእምሮ የሆዋ፡ ኣብርሃም ህያው እዩ። (ሉቃ. 20:37, 38) ካልእ ኣብነት ድማ እዮብ እዩ። የሆዋ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ሰማይ እተኣከቡ መላእኽቲ፡ ብዛዕባ እዮብ ብምትእምማን ተዛሪቡ እዩ። የሆዋ ንዕኡ፡ “ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ንጹህን ቅኑዕን ሰብ” ኢሉ ገሊጽዎ እዩ። (እዮ. 1:6-8) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ኣረማውያን ንኣስታት 80 ዓመት ብተኣማንነት ዘገልገሎ ዳንኤል ከመይ እዩ ዚስምዖ ነይሩ፧ መልኣኽ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሰብኣይ ሰለስተ ሳዕ፡ “[ብኣምላኽ] ኣዚኻ እተፈቶኻ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (ዳን. 9:23፣ 10:11, 19) የሆዋ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ዚፈትዎም ፈተውቱ ዜተንስኣሉ ግዜ ኸም ዚናፍቕ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—እዮ. 14:15

ነቲ ዘይርአ መዛግብቲ ሞሳና እነርእየሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ) *

5. ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት ንምምስራት እንታይ የድሊ፧

5 ሎሚ፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ዕርክነት ዘለዎም ክንደይ ዚኣኽሉ ዘይፍጹማት ሰባት ኣለዉ፧ ሚልዮናት ሰባት ኣለዉ። ከመይሲ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚነብሩ ኣዝዮም ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ኪህልዎም ከም ዚደልዩ ብተግባር የርእዩ ኣለዉ። “ናይ ቀረባ [ዕርክነት የሆዋ] ምስቶም ቅኑዓት እዩ።” (ምሳ. 3:32) እዚ ዕርክነት እዚ ኺህሉ ዝኸኣለ ድማ ሳላ እቲ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ዘለዎም እምነት እዩ። የሆዋ ኸኣ ብመሰረት እዚ መስዋእቲ እዚ ገይሩ ርእስና ንዕኡ ኽንውፍን ክንጥመቕን ብለውሃት ፈቒዱልና ኣሎ። ነዚ ኣገዳሲ ስጕምትታት እዚ ምስ ወሰድና፡ ምስቶም ርእሶም ወፍዮም እተጠምቁ እሞ ምስቲ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኣምላኽና “ናይ ቀረባ ዕርክነት” ኪምስርቱ ዝኸኣሉ ሚልዮናት ክርስትያናት ንጽምበር ኢና።

6. ንዕርክነት ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ኸመይ ጌርና ኢና እነርኢ፧

6 ንዕርክነት ኣምላኽ ከም ክቡር መዝገብ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ኸመይ ጌርና ኢና እነርኢ፧ ኣብነት እቶም ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ንኣምላኽ እሙናት ዝነበሩ ኣብርሃምን እዮብን ብምስዓብ፡ ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ንየሆዋ ዘገልገልናሉ ንውሓት ብዘየገድስ፡ ብሕጂ እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ኣሎና። ከም ዳንኤል ከኣ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዕርክነት ካብ ህይወትና ንላዕሊ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኣሎና። (ዳን. 6:7, 10, 16, 22) ብሓገዝ የሆዋ፡ ንዜጋጥመና ዘበለ ፈተናታት ክንጻወር፡ በዚ ኸምዚ እውን ምስኡ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ክንዕቅብ ንኽእል ኢና።—ፊል. 4:13

ውህበት ጸሎት

7. (ሀ) ብመሰረት ምሳሌ 15:8፡ የሆዋ ብዛዕባ ጸሎትና እንታይ ይስምዖ፧ (ለ) የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ይምልሶ፧

7 ካልእ ዘይርአ መዝገብ ድማ ጸሎት እዩ። ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ይነጋገሩ እዮም። ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነትከ ኸምኡ ድዩ፧ እወ! የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ይዛረበና እዩ፣ ኣብኡ ድማ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ገሊጹልና ኣሎ። ንሕና ኸኣ ብጸሎት ኣቢልና ሓሳባትና ንገልጸሉ ኢና፣ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓሳባትን ስምዒታትን ድማ ክንገልጸሉ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንጸሎትና ኺሰምዕ ከሎ ባህ ይብሎ እዩ። (ምሳሌ 15:8 ኣንብብ።) የሆዋ ፈቃር ዓርኪ ብምዃኑ፡ ንጸሎትና ይሰምዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይምልሰልና እውን እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ መልሲ ቐልጢፉ ይመጽእ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብቐጻሊ ኽንጽሊ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ኣብ ግቡእ ግዜን ብብሉጽ መገድን መልሲ ኸም እንረክብ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ፡ እቲ ኣምላኽ ዚህበና ምላሽ ከምቲ እንጽበዮ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንፈተናና ኣብ ክንዲ ዜወግዶ፡ “ምጽዋሩ” ምእንቲ ኽንክእል ጥበብን ብርታዐን ይህበና ይኸውን።—1 ቈረ. 10:13

(ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ) *

8. ከመይ ጌርና ኢና ንውህበት ጸሎት ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል፧

8 ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት ጸሎት ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል፧ ሓደ መገዲ፡ ነቲ፡ “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” ዚብል ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ምኽሪ ብምስዓብ እዩ። (1 ተሰ. 5:17) የሆዋ ኽንጽሊ ኣየገድደናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንናይ ምምራጽ ናጽነትና የኽብረልና፡ “ብጸሎት ጽንዑ” ኢሉ እውን ይምሕጸነና እዩ። (ሮሜ 12:12) ስለዚ፡ ኣብ መዓልቲ ደጋጊምና ብምጽላይ፡ ሞሳና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ጸሎትና ኸኣ መግለጺ ምስጋናን ውዳሰን ከነጠቓልል ኣሎና።—መዝ. 145:2, 3

9. ሓደ ሓው ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ይስምዖ፧ ንስኻኸ እንታይ ይስምዓካ፧

9 ንየሆዋ ንዝነውሐ እዋን ብዘገልገልናዮን ንልማኖና ዝሃበና መልስታት ብዝረኣናን መጠን፡ ንጸሎት ዘሎና ሞሳ እናዓመቘ እዩ ዚኸይድ። ንኣብነት፡ ን47 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንዝጸንሐ ክሪስ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ኣንጊሀ ተንሲአ ናብ የሆዋ ነዊሕ ጸሎት ከቕርብ ከለኹ ብዙሕ እሕጐስ እየ። ኣብ ወጋሕታ ዚመጽእ ባና ጸሓይ ኣብ ኣውሊ ኼንጸባርቕ ከሎ ንየሆዋ ኽትዛረቦ ምኽኣል ብሓቂ መንፈስ ዜሐድስ እዩ። እዚ ኸኣ ስለቲ ዅሉ ውህበታቱ፡ እንተላይ ስለቲ ናይ ጸሎት መሰል ከመስግኖ ይድርኸኒ እዩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ምስ ጸለኹ እሞ ጽሩይ ሕልና ሒዘ ኽድቅስ ከለኹ ባህ ይብለኒ እዩ።”

ውህበት መንፈስ ቅዱስ

10. ንናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

10 ካልእ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ዘሎና ዘይርአ ውህበት ከኣ፡ እቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ብቐጻሊ ኽንጽሊ ኸም ዘሎና የሱስ ተማሕጺኑና ኣሎ። (ሉቃ. 11:9, 13) የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ይህበና እዩ። (2 ቈረ. 4:7፣ ግብ. 1:8) ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ፡ ንዜጋጥመና ዘበለ ዝዀነ ፈተና ኽንጻወር ንኽእል ኢና።

(ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

11 መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እተዋህበና ዕዮ ኽንዓዪ ይሕግዘና እዩ። መንፈስ ኣምላኽ ንተውህቦናን ንኽእለትናን ኪስሕሎ ይኽእል እዩ። ክርስትያናዊ ሓላፍነታትና ኽንስከም የኽእለና እዩ። ስለዚ፡ እቲ ጻዕርታትና ዜፍርዮ ጽቡቕ ፍረ፡ ብሳላና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና።

12. ብመሰረት መዝሙር 139:23, 24፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ሓገዝ ንምርካብ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧

12 ንናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣኽብሮት ከም ዘሎና እንርእየሉ ኻልእ መገዲ፡ ኣብ ልብና ዘሎ ግጉይ ሓሳባት ወይ ትምኒታት ንምልላይ ኪሕግዘና ብምጽላይ እዩ። (መዝሙር 139:23, 24 ኣንብብ።) ከምዚ ዓይነት ልማኖ እንተ ኣቕሪብና፡ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ነቲ ግጉይ ሓሳባትና ወይ ትምኒታትና ንምልላይ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ግጉይ ሓሳብ ወይ ትምኒት ከም ዘሎና እንተ ፈሊጥና ኸኣ፡ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ነዚ ሓሳብ ወይ ትምኒት እዚ ንምጽራሩ ዜኽእል ብርታዐ ንምርካብ ክንጽሊ ኣሎና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ንዓና ኻብ ምሕጋዝ ኪዓግቶ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር ከም ዘይንደሊ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ኤፌ. 4:30

13. ከመይ ጌርና ኢና ንመንፈስ ቅዱስ ዘሎና ሞሳ ኸነዕምቝ እንኽእል፧

13 መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ምስ እነስተንትነሉ፡ ነቲ መንፈስ እቲ ዘሎና ሞሳ ይዓሙቝ እዩ። የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡ . . . ክሳብ ወሰናት ምድሪ . . . መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ግብ. 1:8) እዘን ቃላት እዚአን ብዜደንቕ መገዲ ይፍጸማ ኣለዋ። ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮንን ፈረቓን ዚዀኑ ኣምለኽቲ የሆዋ ኻብ ኵሉ ዅርናዕ ምድሪ ተኣኪቦም ኣለዉ። መንፈስ ኣምላኽ ከም እኒ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት ዝኣመሰለ ባህርያት ከነማዕብል ይሕግዘና ስለ ዘሎ፡ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ኢና ዘለና። እዚ ባህርያት እዚ ድማ ነቲ “ፍረ መንፈስ” ዚብሃል የቕውም እዩ። (ገላ. 5:22, 23) መንፈስ ቅዱስሲ ኸመይ ዝበለ ኽቡር ውህበት ኰን እዩ!

ኣብ ኣገልግሎትና እንረኽቦ ሰማያዊ ደገፍ

14. ኣብ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ከለና፡ እንታይ ዘይርአ ደገፍ እዩ ዘሎና፧

14 ካልእ ዘይርአ መዝገብ ድማ፡ እቲ ምስ የሆዋን ምስታ ሰማያዊት ክፋል ውድቡን ንምዕያይ ዘሎና ኣጋጣሚ እዩ። (2 ቈረ. 6:1) ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ኽንሳተፍ ከለና፡ ከምኡ ንገብር ኢና። ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱን ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ዕዮ እቲ ዚሳተፉ ዘበሉን፡ “ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና” ኢሉ እዩ። (1 ቈረ. 3:9) ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክንሳተፍ ከለና፡ መዓይይቲ የሱስ እውን ኢና እንኸውን ዘለና። የሱስ ንሰዓብቱ “ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢሉ ድሕሪ ምእዛዙ፡ “ምሳኻትኩም እየ” ኸም ዝበሎም ኣይንረስዕ። (ማቴ. 28:19, 20) ምስ መላእኽቲ ደኣኸ ብኸመይ ኢና እንዓዪ፧ “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ . . . ናይ ዘለኣለም ብስራት” ክንሰብኽ ከለና፡ መላእኽቲ ዚመርሑና ምዃኖም ብሓቂ ዓብዪ በረኸት እዩ።—ራእ. 14:6

15. የሆዋ ኣብ ኣገልግሎትና ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ዜርኢ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነት ኣዘንቱ።

15 በዚ ኸምዚ ዝበለ ሰማያዊ ደገፍ እንታይ ይዕመም ኣሎ፧ ዘርኢ መንግስቲ ኣምላኽ ክንዘርእ ከለና፡ ገሊኡ ዘርኢ ኣብ ተቐባሊ ዝዀነ ልቢ ይወድቕን ይዓብን ኣሎ። (ማቴ. 13:18, 23) ነቲ ዘርኢ ሓቂ እቲ ኸም ዚዓብን ፍረ ኸም ዜፍርን ዚገብሮ መን እዩ፧ የሱስ፡ ‘ኣቦኡ ዚስሕቦ እንተ ዘይኰይኑ’ ሰዓቢኡ ኪኸውን ዚኽእል ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ገሊጹ እዩ። (ዮሃ. 6:44) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚኸውን ንጹር ኣብነት ይህበና እዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ጳውሎስ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ፊልጲ ንእተኣከባ ኣንስቲ መስከረለን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ልድያ ብዛዕባ እትብሃል ሓንቲ ኻባታተን፡ “ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተቕልብ ከኣ፡ የሆዋ ልባ ኸፈተላ” ይብል እዩ። (ግብ. 16:13-15) ከም ልድያ፡ የሆዋ ንሚልዮናት ሰባት ስሒብዎም እዩ።

16. በቲ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ዝዀነ ኣሳልጦ መን እዩ ኽብሪ ኺውሃቦ ዘለዎ፧

16 በቲ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ዝዀነ ኣሳልጦ መን እዩ ኽብሪ ኺውሃቦ ዘለዎ፧ ጳውሎስ ብዛዕባ ጉባኤ ቈረንቶስ፡ “ኣነ ተኺለ፡ ኣጵሎስ ኣስትዩ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቊሉ፣ ስለዚ፡ እቲ ዜብቍል ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሶ የብሉን” ኢሉ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን ነዛ ሕቶ እዚኣ ዚኸውን መልሲ ሂቡ እዩ። (1 ቈረ. 3:6, 7) ንሕና ድማ ከም ጳውሎስ፡ በቲ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ዅሉ ኣሳልጦ ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህቦ ኣሎና።

17. ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ምስ ኣምላኽን ምስ ክርስቶስን ምስ መላእኽትን ንምዕያይ ዘሎና ፍሉይ መሰል ከም እነማስወሉ ኸነርኢ እንኽእል፧

17 ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ምስ ኣምላኽን ምስ ክርስቶስን ምስ መላእኽትን ንምዕያይ ዘሎና ፍሉይ መሰል ከም እነማስወሉ ኸነርኢ እንኽእል፧ ነቲ ብስራት ንምንጋር ኣጋጣሚታት ብምንዳይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል። ከምኡ እንገብረሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ፣ ገለ ኻብኡ ድማ “ብግህዶን ኣብ በቤትን” ብምምስካር እዩ። (ግብ. 20:20) ብዙሓት እውን ብዘይወግዓዊ ይምስክሩ እዮም። ምስ ዘይፈልጥዎ ሰብ ኪራኸቡ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ሰላምታ ድሕሪ ምሃብ ዝርርብ ኬጀምሩ ይጽዕሩ እዮም። እቲ ሰብ ጽቡቕ ምላሽ እንተ ኣርእዩ፡ ብሜላ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግርዎ እዮም።

(ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ) *

18-19. (ሀ) ከመይ ጌርና ኢና ንዘርኢ ሓቂ ማይ እነስቲ፧ (ለ) የሆዋ ንሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሓገዞ ተመክሮ ኣዘንቱ።

18 “መዓይይቲ ኣምላኽ” ከም ምዃንና መጠን፡ ዘርኢ ሓቂ ኽንዘርእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ማይ እውን ከነስቲ ኣሎና። ሓደ ውልቀ ሰብ ተገዳስነት ምስ ኣርኣየ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺጅምር ንምክትታሉ ወይ ካልእ ሰብ ከም ዚከታተሎ ንምግባር ዚከኣለና ዘበለ ንጽዕር ኢና። እቲ መጽናዕቲ ኪቕጽል ከሎ ድማ፡ የሆዋ ኣብ ልብን ኣእምሮን እቲ ወደ መዝሙር ኪኸውን ዚኽእል ሰብ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ምርኣይ የሐጕሰና እዩ።

19 ንኣብነት፡ ተመክሮ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚነብር ራፋላላኒ ዚብሃል ባህላዊ ፈዋሳይ እስከ ንርአ። ንሱ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምሃሮ ዝነበረ ፈተዎ። ምስ ምዉታት ኣቦታት ብዛዕባ ምዝርራብ ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል ምስ ኣንበበ ግና፡ ዓብዪ ብድሆ ኣጋጠሞ። (ዘዳ. 18:10-12) በብቝሩብ ኣምላኽ ንኣተሓሳስባኡ ኪቐርጸሉ ፈቐደ። ድሕርዚ ኸኣ፡ ንመነባብሮኡ ዚኸውን ካልእ ኣታዊ እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ነቲ ዕዮ እቲ ሓደጎ። ሕጂ ወዲ 60 ዓመት ኰይኑ ዘሎ ራፋላላኒ ኸምዚ ይብል፦ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብብዙሕ መገዲ ስለ ዝሓገዙኒ፡ ንኣብነት ስራሕ ስለ ዝረኸቡለይ አመስግኖም እየ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ህይወተይ ከዐሪ ስለ ዝሓገዘኒ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ጥሙቕ ምስክሩ ዀይነ ኣብ ኣገልግሎት ክሳተፍ ስለ ዝኸኣልኩ፡ ንየሆዋ አመስግኖ እየ።”

20. እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

20 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣርባዕተ ዘይርአ መዛግብቲ ርኢና ኢና። ካብዚ ዅሉ ድማ እቲ ዝዓበየ፡ ንየሆዋ ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል እዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ ኻልእ ዘይርአ መዛግብቲ ኽንጥቀም የኽእለና እዩ፣ ማለት ሳላ እዚ ዕርክነት እዚ፡ ብጸሎት ናብኡ ኽንቀርብ፡ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ክንቅበል፡ ኣብ ኣገልግሎትና ሰማያዊ ደገፍ ክንረክብ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ነቲ ዘይርአ መዛግብቲ ዘሎና ሞሳ ነዕምቆ። የሆዋ ኸምዚ ዝበለ ዜደንቕ ዓርኪ ብምዃኑ እውን ወትሩ ነመስግኖ።

መዝሙር 145 ኣምላኽ ዘተስፈወና ገነት

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ዓንቀጽ፡ ኣምላኽ ዝሃበና ዚርአ ውህበታት ወይ መዛግብቲ ርኢና ኔርና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ፡ ኣብ ዘይርአ መዛግብቲ ኸነተኵር ኢና፡ ከመይ ጌርና ንዕኡ ሞሳና ኸነርኢ ኸም እንኽእል እውን ክንምርምር ኢና። እዚ ድማ ነቲ ምንጪ እዚ መዛግብቲ እዚ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ኼዕምቖ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 58 መግለጺ ስእሊ፦ (1) ሓንቲ ሓብቲ ንፍጥረት የሆዋ እናተዓዘበት ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ዘለዋ ዕርክነት ተስተንትን።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ (2) እታ ሓብቲ እቲኣ ንምምስካር ብርታዐ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ንየሆዋ ትልምኖ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ (3) እታ ሓብቲ እቲኣ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይወግዓዊ መገዲ ንምክፋል ካብ መንፈስ ቅዱስ ትብዓት ትረክብ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ (4) እታ ሓብቲ እቲኣ ነታ ብዘይወግዓዊ መገዲ ዝመስከረትላ ሰበይቲ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓላ። እታ ሓብቲ ነቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብደገፍ መላእኽቲ ትዓይዮ።