ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 19

“ንጉስ ሰሜን” ብግዜ መወዳእታ

“ንጉስ ሰሜን” ብግዜ መወዳእታ

“ብግዜ መወዳእታ፡ እቲ ንጉስ ደቡብ ምስኡ [ምስ ንጉስ ሰሜን] ኺዳፋእ እዩ።”—ዳን. 11:40

መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

መላለዪ *

1. ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧

ኣብ ቀረባ እዋን ንህዝቢ የሆዋ እንታይ ኬጋጥሞም እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ። ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንዓና ዚጸልወና ዓበይቲ ፍጻመታት ይነግረና እዩ። ምናዳ ሓደ ትንቢት፡ ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ገሊኦም ሓያላት መንግስትታት እንታይ ከም ዚገብሩ ይሕብረና እዩ። እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11 ዚርከብ ትንቢት፡ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ብዛዕባ ዚብሃሉ ኽልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ይገልጽ እዩ። መብዛሕትኡ ኽፋል እቲ ትንቢት ተፈጺሙ እዩ፣ ስለዚ፡ እቲ ዝተረፈ ኽፋሉ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

2. ኣብ ዘፍጥረት 3:15ን ራእይ 11:7ን 12:17ን ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፡ ንትንቢት ዳንኤል ከነጽንዖ ኸለና እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

2 ነቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11 ዚርከብ ትንቢት ምእንቲ ኽንርድኦ፡ እቲ ትንቢት ብዛዕባ እቶም ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ቀጥታዊ ጽልዋ ዘለዎም ገዛእትን መንግስትታትን ጥራይ ከም ዚገልጽ ክንዝክር ኣሎና። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሒደት ክፋል ህዝቢ ዓለም እኳ እንተ ዀኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከል እቲ ዓበይቲ ፍጻመታት ዓለም እዮም ዚርከቡ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሰይጣንን ብዘሎ ስርዓቱን ሓደ ቐንዲ ዕላማ እዩ ዘለዎም፣ እዚ ድማ ነቶም ንየሆዋን ንየሱስን ዜገልግሉ ምስዓር እዩ። (ዘፍጥረት 3:15ን ራእይ 11:7፣ 12:17ን ኣንብብ።) ብተወሳኺ ድማ፡ እቲ ዳንኤል ዝመዝገቦ ትንቢት ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ካልእ ትንቢታት ኪሳነ ኣለዎ። ንትንቢት ዳንኤል ምስ ካልእ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እንተ ኣረኣኢናዮ ጥራይ ኢና ብቕኑዕ ኽንርድኦ እንኽእል።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትስዕብን እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

3 ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ሕጂ ነቲ ኣብ ዳንኤል 11:25-39 ዘሎ ሓሳባት ክንምርምሮ ኢና። ካብ 1870 ክሳዕ 1991 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን መን ምንባሮም ክንርኢ ኢና፣ ብዛዕባ ሓደ ኽፋል እዚ ትንቢት እዚ ዝነበረና ግንዛበ ስለምንታይ ከነነጽር ከም ዘሎና እውን ክንርኢ ኢና። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ከኣ፡ ኣብ ዳንኤል 11:40–12:1 ዚርከብ ሓሳባት ክንምርምር ኢና፣ እቲ ኽፋል ትንቢት እቲ ብዛዕባ እቲ ኻብ 1990ታት ክሳዕ ውግእ ኣርማጌዶን ዘሎ እዋን እንታይ ከም ዚገልጽ እውን ዝነጸረ ግንዛበ ኺህልወና እዩ። ነዘን ክልተ ዓንቀጻት እዚአን ከተጽንዐን ከለኻ፡ ነቲ “ተቐናቐንቲ ነገስታት ብግዜ መወዳእታ” ዘርእስቱ ሰሌዳ እንተ ተወኪስካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ፈለማ ግና፡ መንነት እቶም ኣብዚ ትንቢት እዚ ዘለዉ ኽልተ ነገስታት ክንፈልጥ ኣሎና።

መንነት ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን

4. መንነት ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ንምፍላጥ እንታይ ሰለስተ ረቛሒ ኽንርኢ ኣሎና፧

4 እቲ “ንጉስ ሰሜን”ን “ንጉስ ደቡብ”ን ዚብል መጸውዒ፡ ኣብ ፈለማ ነቶም ካብ ምድሪ እስራኤል ብሸነኽ ሰሜንን ብሸነኽ ደቡብን ዝነበሩ ፖለቲካውያን ሓይልታት እተዋህቦም እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ንዳንኤል መልእኽቲ ዘብጽሓሉ መልኣኽ፡ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝብኻ እንታይ ከም ዚወርዶም ከረድኣካ መጺአ ኣለኹ” ኢልዎ እዩ። (ዳን. 10:14) ክሳዕ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ እቶም ቃል ብቓሉ ህዝቢ እስራኤል እዮም ህዝቢ ኣምላኽ ነይሮም። ካብ ሽዑ ንደሓር ግና፡ የሆዋ ንእሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከም ህዝቡ ገይሩ ኸም ዚርእዮም ንጹር ገይሩ እዩ። ስለዚ፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11 ዚርከብ ትንቢት፡ ነቶም ቃል ብቓሉ ህዝቢ እስራኤል ዘይኰነስ፡ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ዚምልከት እዩ። (ግብ. 2:1-4፣ ሮሜ 9:6-8፣ ገላ. 6:15, 16) መንነት ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ድማ ምስ ግዜ ተቐያዪሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዚስዕብ ረቛሒታት ኣይተቐየረን። ቀዳማይ፡ እቶም ነገስታት ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ዜራኽቦም ነገራት ነይርዎም እዩ። ካልኣይ፡ በቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዝሓዙሉ መገዲ ኣቢሎም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዚጸልእዎ ኣርእዮም እዮም። ሳልሳይ፡ እቶም ክልተ ነገስታት ሓዲኦም ካብቲ ሓደ ዝሓየለ ንምዃን ይቃለሱ እዮም።

5. ካብ 2ይ ዘመን ድ.ክ. ክሳዕ ኣጋ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ኢልና ኸነለሊ ንኽእል ዲና፧ ግለጽ።

5 ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ኣረማዊ ትምህርትታት ብእተቐበሉን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት ብዚሓብኡን ናይ ሓሶት ክርስትያናት ክትዕብለል ጀሚራ ነይራ እያ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኽሳዕ ኣጋ መወዳእታ መበል 19 ዘመን፡ ኣብ ምድሪ እተወደቡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣይነበሩን። እቶም ብኽርዳድ እተመሰሉ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ስለ ዝሰሰኑ፡ መንነት እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዘይልለ ገይሮም እዮም። (ማቴ. 13:36-43) እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ብዛዕባ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን እነንብቦ ነገር ነቶም ካብ 2ይ ዘመን ክሳዕ ካልኣይ መፋርቕ መበል 19 ዘመን ዝገዝኡ ነገስታት ወይ መንግስትታት ከም ዘይምልከት ይሕብረና እዩ። ከመይሲ፡ ንሳቶም ኬጥቅዕዎ ዚኽእሉ እተወደበ ህዝቢ ኣምላኽ ኣይነበረን። * ኰይኑ ግና፡ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 19 ዘመን ኪቕልቀሉ ትጽቢት ንገብር ኢና። ስለምንታይ፧

6. መንነት ህዝቢ ኣምላኽ መዓስ እዩ ኸም ብሓድሽ ኪልለ ተኻኢሉ፧ ግለጽ።

6 ካብ 1870 ንደሓር፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብጕጅለ ኺውደቡ ጀመሩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብሩሉ ኽፍሊ ኣቘሙ። ሓውና ራስልን ብጾቱን ድማ፡ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ቕድሚ ምቛማ ‘መገዲ ዚጸርግ’ ልኡኽ ኰይኖም ኣገልገሉ። (ሚል. 3:1) ድሕርዚ፡ መንነት ህዝቢ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪልለ ይከኣል እዩ። እሞኸ ሽዑ ኣብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዓብዪ ጽልዋ ዜሕድሩ ሓይልታት ዓለም ነይሮምዶ፧ ነዚ ዚስዕብ ሓቅታት እስከ ንርአ።

ንጉስ ደቡብ መን እዩ፧

7. ክሳዕ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ መን እዩ ንጉስ ደቡብ ኰይኑ ነይሩ፧

7 ብ1870፡ ብሪጣንያ ኣብ ምድሪ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ሃጸያዊት ግዝኣት ኰይና ነይራ እያ፣ ካብ ኵሉ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ሓይሊ እውን ነይርዋ። እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ድማ ንሰለስተ ቐርኒ፡ ማለት ንፈረንሳን ንስጳኛን ንነዘርላንድስን ብእትስዕር ንእሽቶ ቐርኒ ተመሲላ ነይራ እያ። (ዳን. 7:7, 8) ክሳዕ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከኣ፡ ንጉስ ደቡብ እያ ነይራ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብቝጠባ ዓብላሊት ኰነት፡ ምስ ብሪጣንያ እውን ናይ ቀረባ ሽርክና ኽትምስርት ጀመረት።

8. ኣብ ብምሉአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ መን እዩ ንጉስ ደቡብ ኰይኑ ዘሎ፧

8 ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ሓያል ወተሃደራዊ ኺዳን መስረታ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብሪጣንያን እታ ናይ ቀደም ግዝኣታን ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ዀና። ከምቲ ዳንኤል እተነበዮ ድማ፡ እዚ ንጉስ እዚ፡ “ኣዝዩ ዓብይን ብርቱዕን ሰራዊት” ኣከበ። (ዳን. 11:25) ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቲ ኺዳን ኣንግሎ-ኣመሪካ፡ ንጉስ ደቡብ ኰይኑ ቐጺሉ እዩ። * ንጉስ ሰሜን ዝዀነ ደኣ መን እዩ፧

ንጉስ ሰሜን ዳግም ይቕልቀል

9. መዓስ እዩ ንጉስ ሰሜን ዳግም ተቐልቂሉ፧ ኣብ ዳንኤል 11:25 ዘሎ ትንቢትከ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧

9 ብ1871፡ ማለት ድሕሪ እታ ራስልን ብጾቱን ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘቘሙላ ዓመት፡ ንጉስ ሰሜን ዳግም ተቐልቀለ። ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኦቶ ቮን ቢስማርክ ኣብ ምምስራት ሃጸያዊ ግዝኣት ጀርመን ዓብዪ እጃም ነይርዎ እዩ። ቪልሀልም ቀዳማይ ንጉስ ፕራሽያ ናይ ፈለማ ሃጸይ ኰነ፣ ንቢስማርክ ድማ ቀዳማይ ቻንስለር ገይሩ ሸሞ። * ኣብቲ ዚቕጽል ዓሰርተታት ዓመታት ከኣ፡ ጀርመን ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ፓሲፊክ ውቅያኖስን ግዝኣታት ክትምስርት ጀመረት፡ ንብሪጣንያ እውን ክትብድሃ ጀመረት። (ዳንኤል 11:25 ኣንብብ።) ሃጸያዊ ግዝኣት ጀርመን ከኣ ሓይል ሰራዊትን ኣብ ዓለም ብዕቤቱ ኻልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ሓይሊ ባሕርን ሃነጸ። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ድማ፡ ጀርመን በዚ ሰራዊታ እዚ ገይራ ምስ ጸላእታ ተዋግአት።

10. ዳንኤል 11:25ለ, 26 ብኸመይ ተፈጺሙ፧

10 ዳንኤል ቀጺሉ፡ ሃጸያዊ ግዝኣት ጀርመንን እቲ ንሱ ዝሃነጾ ወተሃደራዊ ሓይሉን እንታይ ከም ዚኸውን ገሊጹ ኣሎ። እቲ ትንቢት ድማ፡ ብዛዕባ ንጉስ ሰሜን “ኣይኪቐውምን እዩ” ኢሉ ኣሎ። ስለምንታይ፧ “ተንኰል ስለ ዚሓስቡሉ” እዩ ዘይቀውም። “እቶም ጥዑም ብልዑ ዚበልዑ ኸኣ ኬውድቕዎ እዮም።” (ዳን. 11:25ለ, 26ሀ) ብግዜ ዳንኤል፡ እቶም ኣብ “ኣገልግሎት ንጉስ” ዚዓይዩ ኣገልገልቲ ንጉስ፡ “ጥዑም ብልዒ ንጉስ” ይብልዑ ነይሮም እዮም። (ዳን. 1:5) እሞ ደኣ ኣብዚ፡ እቲ ትንቢት ንመን እዩ ዜመልክት፧ ነቶም ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ጀርመን ልዑል ስልጣን ዝነበሮም እሞ ጸኒሖም ነቲ ንጉስ ኣብ ምውዳቕ ዝሓገዙ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፡ እንተላይ ነቶም ናይቲ ሃጸይ ጀነራላትን ወተሃደራውያን ኣማኸርትን እዩ ዜመልክት። * እቲ ትንቢት እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ከም ዚወድቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መወዳእታ እቲ ምስ ንጉስ ደቡብ ዝገበሮ ውግእ እውን ይገልጽ እዩ። ብዛዕባ ንጉስ ሰሜን ኪገልጽ ከሎ ኸኣ፡ “ሰራዊቱ ድማ፡ ኪድምሰስ እዩ፣ ብዙሓት እውን ተቐቲሎም ኪወድቁ እዮም” ኢሉ ኣሎ። (ዳን. 11:26ለ) ከምቲ ብትንቢት እተገልጸ ኸኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሰራዊት ጀርመን ‘ተደምሲሱ’ እዩ፣ ብዙሓት እውን ‘ተቐቲሎም ወዲቖም’ እዮም። እቲ ውግእ እቲ፡ ካብቲ ኽሳዕ ሽዑ እተገብረ ውግኣት ብህልቂት ሰባት ቀዳማይ ቦታ ሒዙ እዩ።

11. ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን እንታይ እዮም ገይሮም፧

11 ዳንኤል 11:27, 28 ነቲ ናብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዚመርሕ ኵነታት ኪገልጾ ኸሎ፡ “ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሚጦም ንሓድሕዶም ሓሶት ኪዛራረቡ” ምዃኖም ይሕብር እዩ። ንጉስ ሰሜን “ብዙሕ ጥሪት” ከም ዚእክብ እውን ተገሊጹ ኣሎ። እዚ እውን ተፈጺሙ እዩ። ጀርመንን ብሪጣንያን ሰላም ከም ዚደልያ ንሓድሕደን ተዛራሪበን እየን፣ ብ1914 ውግእ ምስ ተባርዐ ግና እዚ ዘረባ እዚ ሓሶት ምዃኑ ተራእዩ እዩ። ኣብቲ ቕድሚ 1914 ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ፡ ጀርመን ሃብቲማን ኣብ ዓለም ብዕቤቱ ኻልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ቝጠባ ኣማዕቢላን እያ። ከምቲ ኣብ ዳንኤል 11:29ን ቀዳማይ ክፋል ፍቕዲ 30ን ተገሊጹ ዘሎ ኸኣ፡ ጀርመን ምስ ንጉስ ደቡብ ተዋጊኣን ተሳዒራን እያ።

እቶም ነገስታት ምስ ህዝቢ ኣምላኽን ይቃለሱ

12. ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን እንታይ እዮም ገይሮም፧

12 ካብ 1914 ንደሓር፡ እቶም ክልተ ነገስታት ኣብ መንጎ ሓድሕዶምን ምስ ህዝቢ ኣምላኽን ዝነበሮም ግጭት ኣጐሃሂሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም፡ መንግስቲ ጀርመንን መንግስቲ ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣጽዋር ምልዓል ዝኣበዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ መስጐጕቲ ኣውሪዶም እዮም። መንግስቲ ሕ.መ.ኣ. ድማ ነቶም ንዕዮ ስብከት ዚመርሑ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒንዎም እዩ። እዚ መስጐጕቲ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ራእይ 11:7-10 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ፈጺምዎ እዩ።

13. ኣብ 1930ታትን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለምን፡ ንጉስ ሰሜን እንታይ እዩ ገይሩ፧

13 ድሕሪኡ፡ ኣብ 1930ታት፡ ምናዳ ኸኣ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ንጉስ ሰሜን ንህዝቢ ኣምላኽ ብዘይ ምሕረት ኣጥቂዕዎም እዩ። ሰልፊ ናዚ ንጀርመን ምስ ተቘጻጸርዋ፡ ሂትለርን ሰዓብቱን ንዕዮ ህዝቢ ኣምላኽ ኣጊዶምዎ እዮም። እዞም ተጻረርቲ እዚኦም ድማ፡ ንኣማእታት ህዝቢ የሆዋ ቐቲሎም፡ ንኣሽሓት እውን ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዳጒኖም እዮም። ነዚ ኸኣ ዳንኤል ተነብይዎ ነይሩ እዩ። ንጉስ ሰሜን ነቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንስም የሆዋ ብግህዶ ንምውዳስ ዝነበሮም ናጽነት ኣመና ብምቕያድ፡ ‘ነታ መቕደስ ኬርክስ፡’ ‘ነቲ ወትሩ ዚቐርብ ድማ ኬወግድ’ ክኢሉ እዩ። (ዳን. 11:30ለ, 31ሀ) ሕሉፍ ሓሊፉ፡ እቲ መራሒ ንጉስ ሰሜን ዝነበረ ሂትለር ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ጀርመን ከም ዜጽንቶም ፈኪሩ ነይሩ እዩ።

ሓድሽ ንጉስ ሰሜን ተንሲኡ

14. ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም መን እዩ ንጉስ ሰሜን ኰይኑ፧ ግለጽ።

14 ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኮምዩኒስታዊ መንግስቲ ሕብረት ሶቭየት ካብ ጀርመን ሰፊሕ ግዝኣታት ወሰደ፡ ንጉስ ሰሜን እውን ኰነ። ኣሰር እቲ ጨቋኒ ስርዓት ናዚ ብምስዓብ ከኣ፡ ነቶም ንኣምልኾ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብቲ ንመንግስቲ ዚህብዎ ተኣዛዝነት ዜቐድሙ ዘበሉ ሰባት ኣበርቲዑ ተጻብኦም።

15. ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ፡ ንጉስ ሰሜን እንታይ እዩ ገይሩ፧

15 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ፡ እቲ ሓድሽ ንጉስ ሰሜን፡ ማለት ሕብረት ሶቭየትን ተሓባበርቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ፈነወ። ምስቲ ኣብ ራእይ 12:15-17 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ብምስምማዕ ከኣ፡ እዚ ንጉስ እዚ ንዕዮ ስብከትና ኣገዶ፡ ኣሽሓት ህዝቢ የሆዋ እውን ናብ ማሕዩር ሰደደ። ኣብ ብምሉአን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ንጉስ ሰሜን ንዕዮ ህዝቢ ኣምላኽ ደው ኬብል ኢሉ ኣብ ዝገበሮ ዘይዕዉት ጻዕሪ፡ “ውሒዝ” መስጐጕቲ ፈንዩ እዩ። *

16. ሕብረት ሶቭየት ነቲ ኣብ ዳንኤል 11:37-39 ዚርከብ ሓሳብ ብኸመይ ፈጺማቶ፧

16 ዳንኤል 11:37-39 ኣንብብ። እዚ ትንቢት እዚ ኺፍጸም ከሎ፡ ንጉስ ሰሜን ‘ንኣምላኽ ኣቦታቱ ግዲ ኸም ዘይገብር’ ኣርእዩ እዩ። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ሕብረት ሶቭየት ንዝሰረታ ሃይማኖታት ንምውጋድ ሸቶ ብምግባር፡ ንጽልዋአን ከተጥፍእ ጽዒራ እያ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ድማ፡ መንግስቲ ሶቭየት ካብ 1918 ኣትሒዙ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ዚምህር ትምህርቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኺተኣታቶ ባይታ ዘንጸፈ ትእዛዝ ኣውጺኡ እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ እዚ ንጉስ ሰሜን እዚ ‘ንኣምላኽ ዕርድታት ክብሪ ሂቡ፧’ ሕብረት ሶቭየት ንሰራዊታ ንምህናጽ ብዙሕ ገንዘብ ኣጥፊኣ፡ ንሓይላ ንምድልዳል ከኣ ኣሽሓት ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣፍርያ እያ። ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ንቢልዮናት ሰባት ንምቕታል ዜኽእል ኣጽዋር ዓጢቖም እዮም!

ሳሕቲ ይተሓባበሩ

17. እቲ “ዜጥፍእ ጽያፍ” እንታይ እዩ፧

17 ንጉስ ሰሜን ኣብ ሓደ ወሳኒ ኣጋጣሚ ንንጉስ ደቡብ ደጊፍዎ እዩ፣ “ነቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ከኣ ኬቝምዎ እዮም” ተባሂሉ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዳን. 11:31) እቲ “ጽያፍ” እቲ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ።

18. ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ጽያፍ” ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

18 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም ሰላም ከም ዜምጽእ ቃል ስለ ዚኣቱ፡ ነዚ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ክትገብሮ ስለ እትኽእል፡ “ጽያፍ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምጥፋእ ኵለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ወሳኒ ግደ ስለ ዚህልዎ ኸኣ፡ “ዜጥፍእ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።—“ተቐናቐንቲ ነገስታት ብግዜ መወዳእታ” ዘርእስቱ ሰሌዳ ርአ።

ስለምንታይ ኢና ነዚ ታሪኽ እዚ ኽንፈልጥ ዜድልየና፧

19-20. (ሀ) ስለምንታይ ኢና ነዚ ታሪኽ እዚ ኽንፈልጥ ዜድልየና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እንታይ ንእትብል ሕቶ ኢና መልሲ ኽንረኽበላ፧

19 ካብ 1870ታት ኣትሒዙ ኽሳዕ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ዘሎ እዋን፡ እቲ ዳንኤል ብዛዕባ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን እተነበዮ ትንቢት ከም እተፈጸመ ዜረጋግጽ ነገራት ስለ እንረክብ፡ ነዚ ታሪኽ እዚ ኽንፈልጦ ኣሎና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ ትንቢት ከም ዚፍጸም እምነት ኪህልወና ይኽእል እዩ።

20 ብ1991፡ ሕብረት ሶቭየት ወዲቓ እያ። እሞ ደኣ መን እዩ ሎሚ ንጉስ ሰሜን ኰይኑ ዘሎ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ምላሽ ክንረኽበላ ኢና።

መዝሙር 128 ክሳዕ መወዳእታ ተጻወር

^ ሕ.ጽ. 5 እቲ ዳንኤል ብዛዕባ “ንጉስ ሰሜን”ን “ንጉስ ደቡብ”ን እተነበዮ ትንቢት ሕጂ እውን ይፍጸም ከም ዘሎ መርትዖ ንርኢ ኣለና። ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ብዛዕባ እዚ ትንቢት እዚ ዝርዝር ነገራት ክንፈልጥ ዜድልየናኸ ስለምንታይ ኢና፧

^ ሕ.ጽ. 5 በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንሃጸይ ኣውረልየን (270-275 ድ.ክ.) ከም “ንጉስ ደቡብ፡” ንንግስቲ ዜኖብያ (267-272 ድ.ክ.) ድማ ከም “ንጉስ ሰሜን” ጌርካ ምጥቃስ ግቡእ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ምዕራፍ 13ን 14ን እታ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ተመዝጊቡ ዘሎ ሓበሬታ ዜዐሪ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 9 ብ1890፡ ሃጸይ ቪልሀልም ዳግማይ ንቢስማርክ ካብ ስልጣኑ ኪወርድ ገዲድዎ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 10 ንሳቶም ንውድቀት እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ብብዙሕ መገድታት ኣፋጢኖምዎ እዮም። ንኣብነት፡ ነቲ ሃጸይ ዝነበሮም ደገፍ ስሒቦም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ውግእ ዘጋጠመ ጕድኣት ተኣፋፊ ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም፡ ነቲ ሃጸይ ድማ ካብ ስልጣኑ ኺወርድ ገዲዶምዎ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብ ዳንኤል 11:34 ከም እተሓበረ፡ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሰሜን ዚነብሩ ክርስትያናት ካብ መስጐጕቲ እተወሰነ እፎይታ ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ ሕብረት ሶቭየት ብ1991 ምስ ወደቐት፡ ቍሩብ ኣዕሪፎም እዮም።