ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 18

ብየሱስ ክትዕንቀፍ ዲኻ፧

ብየሱስ ክትዕንቀፍ ዲኻ፧

“እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ፡ ሕጉስ እዩ።”—ማቴ. 11:6

መዝሙር 54 “እታ መገዲ እዚኣ እያ”

መላለዪ *

1. መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ንፈለማ ግዜ ኸተካፍሎም ምስ ፈተንካ፡ እንታይ እዩ ኸምቲ እተጸበኻዮ ዀይኑ ዘይጸንሓካ፧

ሓቂ ኸም ዝረኸብካ ንመጀመርታ ዘለለኻሉ ግዜዶ ትዝ ይብለካ፧ እቲ ዝፈለጥካዮ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ንጹር ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ኳዕ ኢሉ እዩ ተራእዩካ! ኵሉ ሰብ ነቲ ዝኣመንካሉ ነገር ኪፈልጥ ዚደሊ እዩ መሲሉካ ነይሩ። መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት፡ ሕጂ ትርጉም ዘለዎ ህይወት፡ ኣብ መጻኢ ኸኣ ዜደንቕ ተስፋ ኸም ዚህቦም ኣሚንካ። (መዝ. 119:105) ስለዚ፡ ነቲ ዝረኸብካዮ ሓቅታት ንፈተውትኻን ንቤተ ሰብካን ብውዕዉዕ መንፈስ ነጊርካዮም። ድሕሪኡ ግና እንታይ ኰይኑ፧ ከምቲ እተጸበኻዮ ዘይኰነስ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝነገርካዮም ኣይተቐበልዎን።

2-3. ብግዜ የሱስ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ንየሱስ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦምዎ፧

2 ሰባት ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ እንተ ዘይተቐበልዎ፡ ዘይተጸበናዮ ነገር ኪዀነና የብሉን። የሱስ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ዜርኢ ተኣምራት እኳ እንተ ገበረ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ኣይተቐበልዎን። ንኣብነት፡ የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንሲእዎ፣ ነዚ ተኣምር እዚ ድማ እቶም ተጻረርቱ እውን ኪኽሕድዎ ዚኽእሉ ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ መራሕቲ ኣይሁድ ንየሱስ ከም መሲሕ ኣይተቐበልዎን። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ንየሱስን ንኣልኣዛርን ኪቐትልዎም ደለዩ።—ዮሃ. 11:47, 48, 53፣ 12:9-11

3 የሱስ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ከም መሲሕ ከም ዘይቅበልዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 5:39-44) ንደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ “እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ፡ ሕጉስ እዩ” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 11:2, 3, 6) ስለምንታይ ደኣ እዮም ብዙሓት ንየሱስ ዘይተቐበልዎ፧

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽን፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ብየሱስ ዘይኣመኑሉ ምኽንያታት ክንምርምር ኢና። ሎሚ ብዙሓት ስለምንታይ ከም ዚዕንቀፉ እውን ክንርኢ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ብየሱስ ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ ብኸመይ ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ኸም እትኽእል ክንርኢ ኢና።

(1) ድሕረ ባይታ የሱስ

ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት ድሕረ ባይታ የሱስ ተዓንቂፎም። ሎሚ ገሊኦም ብተመሳሳሊ ነገር ዚዕንቀፉ ብኸመይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ) *

5. ገሊኦም ሰባት የሱስ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ከም ዘይኰነ ዝደምደሙ ስለምንታይ እዮም፧

5 ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት ድሕረ ባይታ የሱስ ተዓንቂፎም እዮም። የሱስ ዜደንቕ መምህርን ገባር ተኣምራትን ምዃኑ ኣይከሓድዎን። ኰይኑ ግና፡ ከም ሓደ ትሑት ወዲ ጸራቢ ገይሮም ጥራይ እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። ብዘይካዚ እውን፡ ብዙሕ ኣገዳስነት ካብ ዘይብላ ናዝሬት እትብሃል ከተማ እዩ ነይሩ። እቲ ደሓር ወደ መዝሙር ዝዀነ ናትናኤል እውን ከይተረፈ ኣብ ፈለማ፡ “ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪርከብ ይኽእል እዩ፧” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 1:46) ምናልባት ነታ የሱስ ዚነብረላ ዝነበረ ኸተማ ብዙሕ ኣይፈትዋን ነይሩ ይኸውን። ወይ ድማ ነቲ ኣብ ሚክያስ 5:2 ዚርከብ፡ መሲሕ ኣብ ናዝሬት ዘይኰነስ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ዚገልጽ ትንቢት ዘኪሩ ነይሩ ይኸውን።

6. ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት ንየሱስ ከም መሲሕ ገይሮም ምእንቲ ኼለልይዎ እንታይ ምሓገዞም ነይሩ፧

6 ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧ ነብዪ ኢሳይያስ፡ ጸላእቲ መሲሕ ብዛዕባ “ናይ ወለዶኡ ዝርዝር” ከም ዘይሓስቡ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 53:8) መብዛሕትኡ እዚ ዝርዝር ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። ሰባት ግዜ ወሲዶም ነዚ ሓቅታት እዚ እንተ ዚምርምርዎ፡ የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ከም እተወልደ፡ ወለዶኡ ኸኣ ካብ ንጉስ ዳዊት ከም ዝዀነ ኺፈልጡ ምኸኣሉ ነይሮም። (ሉቃ. 2:4-7) ስለዚ፡ የሱስ ኣብታ ኣብ ሚክያስ 5:2 ብትንቢት እተነግረላ ዓዲ እዩ ተወሊዱ። እቲ ጸገም ደኣ እሞ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ሰባት ተሃዊኾም እዮም ዚፈርዱ ነይሮም። ንዅሉ እቲ ሓቅታት ኣይምርምርዎን እዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ይዕንቀፉ ነይሮም።

7. ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንህዝቢ የሆዋ ዘይቅበልዎም ስለምንታይ እዮም፧

7 ሎሚ ተመሳሳሊ ጸገም ንርኢዶ ኣለና፧ እወ። ህዝቢ የሆዋ ብሓፈሻ ትሑት ድሕረ ባይታ እዩ ዘለዎም፣ ብመብዛሕትኦም ሰባት ከም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ጌርካ እዮም ዚርኣዩ። (ግብ. 4:13) ገሊኦም ሰባት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ፍሉጥ ኣብያተ ትምህርቲ ስነ ሃይማኖት ስለ ዘይተመረቑ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሩ ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ገሊኦም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰዓብቲ “ናይ ኣመሪካውያን ሃይማኖት” ከም ዝዀኑ ገይሮም ይዛረቡ እዮም፣ ከም ሓቂ ግና፡ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብግምት 1 ኻብ 7 ጥራይ እዩ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር። ገሊኦም ከኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሱስ ከም ዘይቅበልዎ ይዛረቡ እዮም። ህዝቢ የሆዋ፡ “ኮምዩኒስት፡” “ናይ ኣመሪካ ሰለይቲ፡” “ጥሩፋት” ዚብል ስም ተለጢፉሎም እዩ። እቶም ነዚ ወረ ዚሰምዑ ኸኣ፡ እቲ ሓቅታት ስለ ዘይብሎም ወይ ነቲ ሓቅታት ስለ ዘይቅበልዎ፡ ይዕንቀፉ እዮም።

8. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 17:11፡ ሎሚ ሰባት ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኬለልይዎም እንተ ደልዮም፡ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

8 ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ነቲ ሓቅታት ክንምርምሮ ኣሎና። ሉቃስ እቲ ጸሓፊ ወንጌል፡ ከምኡ ኺገብር እዩ ቘሪጹ። “ንዅሉ ኻብ ፈለማ ብልክዕ” ንምምርማር ኣበርቲዑ ዓይዩ እዩ። ኣንበብቱ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዝሰምዕዎ ነገር፡ ‘ርግጽ ምዃኑ ኣጸቢቖም ኪፈልጡ’ ይደሊ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 1:1-4) ብግዜ ጥንቲ ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ኣይሁድ እውን ከም ሉቃስ እዮም ነይሮም። ብዛዕባ የሱስ ብስራት ምስ ሰምዑ፡ ነቲ እተነግሮም ንምርግጋጽ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ መርሚሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11 ኣንብብ።) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ሓቅታት ክንምርምር ኣሎና። ነቲ ኻብ ህዝቢ ኣምላኽ እንምሃሮ፡ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ከነረኣእዮ ኣሎና። ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋ እውን ከነጽንዕ ኣሎና። ግቡእ “ድሕረ ባይታዊ ምርምር” እንተ ጌርና፡ ኣቐዲምና ኣይክንፈርድን ኢና፡ ወይ ብበላበለው ኣይክንታለልን ኢና።

(2) የሱስ ናይ ረኣዩለይ ትእምርትታት ምግባር ኣብዩ

ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ናይ ረኣዩለይ ትእምርትታት ኪገብር ብምእባዩ ተዓንቂፎም። ሎሚ ገሊኦም ብተመሳሳሊ ነገር ዚዕንቀፉ ብኸመይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-10 ርአ) *

9. የሱስ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ምግባር ምስ ኣበየ፡ ገሊኦም ሰባት በዚ እንታይ ኰይኖም፧

9 ገሊኦም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት በቲ ዜደንቕ ትምህርትታቱ ኣይዓገቡን። ዝያዳ ደልዮም ነይሮም። መሲሕ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ “ካብ ሰማይ ትእምርቲ” ኼርእዮም ሓቲቶምዎ እዮም። (ማቴ. 16:1) ምናልባት እዚ ሕቶኦም እዚ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዳንኤል 7:13, 14 ዝነበሮም ግጉይ ምርዳእ ተመርኲሶም እዮም ኣቕሪቦምሉ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ትንቢት እቲ ዚፍጸመሉ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ኣይኣኸለን ነይሩ። እቲ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርትታት፡ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ንምርግጋጽ እኹል እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዚደልይዎ ዝነበሩ ትእምርቲ ምሃብ ምስ ኣበዮም፡ ንሳቶም በዚ ተዓንቀፉ።—ማቴ. 16:4

10. የሱስ ነቲ ኢሳይያስ ብዛዕባ መሲሕ ዝጸሓፎ ትንቢት ብኸመይ ፈጺምዎ፧

10 ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧ ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ መሲሕ፡ “ኣይኪጭድርን፡ ወይ ድምጹ ዓው ኣይኬብልን እዩ፣ ድምጹ እውን ኣብ ጐደና ኣይኬስምዕን እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ኢሳ. 42:1, 2) የሱስ ንኣገልግሎቱ፡ ዓውዓው ከይበለ ብትሕትና እዩ ፈጺሙ። ዓበይቲ ኣብያተ መቕደስ ኣይሃነጸን፡ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ኣልባሳት ኣይለበሰን፡ ወይ ክብ ብዜብሎ ሃይማኖታዊ መዓርጋት ኪጽዋዕ ኣይደለየን። ንፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እኳ፡ ንንጉስ ሄሮድስ ኪምስጦ ኢሉ ትእምርቲ ኣይገበረን። (ሉቃ. 23:8-11) ልክዕ እዩ፡ የሱስ ገለ ተኣምራት ገይሩ እዩ፣ ቀንዲ ኣትኵሮኡ ግና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ እዩ ነይሩ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ “ምእንቲ እዚ እየ መጺአ” ኢልዎም እዩ።—ማር. 1:38

11. ሎሚ ገሊኦም ሰባት እንታይ ግጉይ ትጽቢታት እዩ ዘለዎም፧

11 ሎሚ ተመሳሳሊ ጸገም ንርኢዶ ኣለና፧ እወ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ ዓበይቲ ካቴድራላት ዘሎ ውቁብ ስነ ጥበብ፡ በቲ ኻህናት ዚጽውዑሉ ልዑል መዓርጋት፡ ከምኡ እውን በቲ ምንጩን ትርጉሙን ብመብዛሕትኡ እተረስዐ በዓላት ይምሰጡ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ዚእከቡ ሰባት፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ብዙሕ ኣይምሃሩን እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚእከቡ፡ የሆዋ ኻባታቶም እንታይ ከም ዚደልን ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዖም ብኸመይ ከም ዚመላለሱን ይምሃሩ እዮም። እቲ እንእከበሉ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጽሩይን ንኣገልግሎት ብቑዕን እዩ። እምብዛ እተጋነነ ግና ኣይኰነን። እቶም ነቲ ዕዮ ዚመርሑ ሰባት፡ ፍሉይ ኣልባሳት ኣይለብሱን እዮም፣ ክብ ዜብሎም መዓርጋት እውን የብሎምን። ትምህርትናን እምነትናን ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣምልኾና ተራ ዀይኑ ስለ ዚርኣዮም፡ ብዙሓት ይዕንቀፉ እዮም፣ እቲ እንምህሮ እውን፡ ኪሰምዕዎ ዚደልዩ ነገር ኣይኰነን።

12. ኣብ እብራውያን 11:1, 6 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እምነትና ኣብ ምንታይ እያ ኽትህነጽ ዘለዋ፧

12 ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ። ምስማዕ እውን ብቓል ክርስቶስ እዩ” ኢልዎም እዩ። (ሮሜ 10:17) ስለዚ ንእምነትና፡ ኣብቲ ንዓይኒ ዚማርኽ ዚመስል ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ብምስታፍ ዘይኰነስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጽናዕ ኢና እንሃንጻ። ‘ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ስለ ዘይከኣል’ ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተት ድልድልቲ እምነት ከነጥሪ ኣሎና። (እብራውያን 11:1, 6 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ሓቂ ኸም ዝረኸብና ንምርግጋጽ፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኽንርኢ ኣየድልየናን እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እምነት ዜደልድል ትምህርትታት ተጠንቂቕና እንተ መርሚርናዮ፡ እዚ ኼእምነናን ንዝዀነ ጥርጣረ ኼወግደልናን ይኽእል እዩ።

(3) የሱስ ንሓያሎ ስርዓታት ኣይሁድ ኣይሓለወን

ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ንገሊኡ ስርዓታቶም ብዘይምሕላዉ ተዓንቂፎም። ሎሚ ገሊኦም ብተመሳሳሊ ነገር ዚዕንቀፉ ብኸመይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ) *

13. ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ዘይተቐበልዎ ስለምንታይ እዮም፧

13 ብግዜ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዘይጾሙ ብምንባሮም፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ ደንጽይዎም ነይሩ እዩ። የሱስ ከኣ፡ ንሱ ብህይወት ከሎ፡ ንሳቶም ኪጾሙ ኸም ዘየድልዮም ገሊጹሎም እዩ። (ማቴ. 9:14-17) ኰይኑ ግና፡ ፈሪሳውያንን ካልኦት ተጻረርቱን፡ ንልምድታቶምን ንስርዓታቶምን ስለ ዘይሰዓበ ዀኒኖምዎ እዮም። ብሰንበት ንሕሙማት ስለ ዘሕወየ ኸኣ፡ ተቘጢዖም እዮም። (ማር. 3:1-6፣ ዮሃ. 9:16) በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ሰንበት ከም ዜኽብሩ ኣምሲሎም ኪንየቱ ኸለዉ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ከይሓፈሩ ኣብታ ቤተ መቕደስ ይነግዱ ነይሮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ የሱስ ምስ ኰነኖም ከኣ፡ ተቘጢዖም እዮም። (ማቴ. 21:12, 13, 15) እቶም ኣብ ናዝሬት ኣብ እትርከብ ምኵራብ ስብከት የሱስ ዝሰምዑ ድማ፡ የሱስ ብታሪኻዊ ምስስል ገይሩ ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩን እምነት ዘይብሎምን ከም ዝዀኑ ምስ ኣቃልዖም ኣዝዮም ተቘጢዖም እዮም። (ሉቃ. 4:16, 25-30) ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ከምቲ እተጸበይዎ ብዘይምግባሩ ተዓንቂፎም እዮም።—ማቴ. 11:16-19

14. የሱስ ነቲ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይሰማማዕ ሰብኣዊ ስርዓታት ዝዀነኖ ስለምንታይ እዩ፧

14 ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧ የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ይቐርበኒ፡ ብኸናፍሩ እውን የኽብረኒ፣ ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ፣ ንዓይ ዘለዎም ፍርሃት ድማ ኣብቲ እተማህርዎ ትእዛዛት ሰብ እተመስረተ እዩ” ኢሉ እዩ። (ኢሳ. 29:13) እምበኣር የሱስ ነቲ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይሰማማዕ ስርዓታት ሰብ ኪዅንን ሓቁ እዩ። እቶም ሰብ ንዝሰርዖ ስርዓታት ልዕሊ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚሰርዑ ሰባት፡ ንየሆዋን ነቲ ንሱ ዝለኣኾ መሲሕን ኣይተቐበልዎምን።

15. ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይፈትውዎ ነገር እንታይ እዩ፧

15 ሎሚ ተመሳሳሊ ጸገም ንርኢዶ ኣለና፧ እወ። ብዙሓት ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከም ዕለተ ልደትን ልደተ ክርስቶስን ዝኣመሰለ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ በዓላት ስለ ዘይጽምበርዎም፡ በዚ ይሓርቁ እዮም። ገሊኦም ከኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሃገራዊ በዓላት ስለ ዘይጽምበርዎም፡ ወይ ምስ ቃል ኣምላኽ ዘይሰማማዕ ስነ ስርዓት ቀብሪ ስለ ዘይስዕቡ፡ በዚ ይቝጥዑ እዮም። እቶም በዚ ዚዕንቀፉ ሰባት ንኣምላኽ ብቕቡል መገዲ ኸም ዜምልኽዎ ይኣምኑ ይዀኑ። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንጹር ትምህርትታት ንስርዓታት ዓለም ኣብሊጾም እንተ ርእዮም፡ ንኣምላኽ ባህ ኬብልዎ ኣይክእሉን እዮም።—ማር. 7:7-9

16. ብመሰረት መዝሙር 119:97, 113, 163-165፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፡ ካብ ምንታይከ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

16 ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ንሕግታትን ንስርዓታትን የሆዋ ሓያል ፍቕሪ ኸነማዕብል ኣሎና። (መዝሙር 119:97, 113, 163-165 ኣንብብ።) ንየሆዋ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ባህ ካብ ዘየብሎ ስርዓታት ንርሕቕ ኢና። ዋላ ሓደ ነገር ካብቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኺበልጽ ኣይንፈቅድን ኢና።

(4) የሱስ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣየምጽአን

ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ብዘይምእታዉ ተዓንቂፎም። ሎሚ ገሊኦም ብተመሳሳሊ ነገር ዚዕንቀፉ ብኸመይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ) *

17. ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት እተዓንቀፉ እንታይ ትጽቢታት ስለ ዝነበሮም እዩ፧

17 ገሊኦም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰባት ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ለውጢ ኺመጽእ ደልዮም ነይሮም እዮም። መሲሕ ካብ ጭቈና ሮሜ ናጻ ኼውጽኦም ይጽበዩ ነይሮም እዮም። ንየሱስ ኬንግስዎ ምስ ሓሰቡ ግና፡ ንሱ ኣበየ። (ዮሃ. 6:14, 15) ካህናትን ካልኦት ሰባትን ድማ፡ የሱስ ዜምጽኦ ፖለቲካዊ ለውጢ ነቶም እተወሰነ ስልጣን ዝሃብዎም ሮማውያን ከየቘጥዖም ሰጊኦም ነይሮም እዮም። እዚ ፖለቲካዊ ስግኣታት እዚ ኸኣ ንብዙሓት ኣይሁድ ዓንቂፍዎም እዩ።

18. ብዙሓት ሰባት ነየናይ ብዛዕባ መሲሕ ዚገልጽ ትንቢታት እዮም ዕሽሽ ዚብልዎ ነይሮም፧

18 ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧ መሲሕ ዕዉት ተዋጋኢ ኸም ዚኸውን ዚሕብር ሓያሎ ትንቢታት እኳ እንተሎ፡ ካልእ ትንቢታት ግና ፈለማ ምእንቲ ሓጢኣትና ኸም ዚመውት ይገልጽ እዩ። (ኢሳ. 53:9, 12) እሞ ደኣ ስለምንታይ እዩ ግጉይ ትጽቢታት ነይርዎም፧ ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ነቲ ንጸገማቶም ቅልጡፍ ፍታሕ ዘየተስፉ ትንቢታት ዕሽሽ ይብልዎ ነይሮም እዮም።—ዮሃ. 6:26, 27

19. ሎሚ ብዙሓት ሰባት እንታይ ትጽቢታት ስለ ዘለዎም እዮም ዚዕንቀፉ፧

19 ሎሚ ተመሳሳሊ ጸገም ንርኢዶ ኣለና፧ እወ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብምኽንያት እቲ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ዘሎና ናይ ገለልትነት መትከል ይዕንቀፉ እዮም። ኣብ ምርጫታት ድምጽና ኽንህብ ይጽበዩና እዮም። ንሕና ግና ሰብኣዊ መራሒ ኺገዝኣና እንተ መሪጽና፡ የሆዋ ንዕኡ ኸም ዝነዓቕናዮ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ንፈልጥ ኢና። (1 ሳሙ. 8:4-7) ገሊኦም ሰባት ድማ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ክንሃንጽ፡ ካልእ ግብረ ሰናያዊ ተግባራት እውን ክንገብር ከም ዚግባእ ይስምዖም እዩ። ህጹጽ ጸገማት ዓለም ኣብ ምፍታሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ስለ እነተኵር በዚ ይዕንቀፉ እዮም።

20. ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 7:21-23 ዚርከብ ቃላት የሱስ ኣጕሊሕዎ ዘሎ፡ ቀንዲ ኣትኵሮና ኣብ ምንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧

20 ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ማቴዎስ 7:21-23 ኣንብብ።) ቀንዲ ኣትኵሮና፡ እቲ የሱስ ዝኣዘዘና ዕዮ ምግባር ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴ. 28:19, 20) ብፖለቲካውን ብማሕበራውን ጕዳያት እዛ ዓለም፡ ካብ ሸቶና ኸነስግል የብልናን። ንሰባት ንፈቱ፡ ብዛዕባ ጸገማቶም እውን ንግደስ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ንሰባት ክንሕግዘሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምምሃርን ምስ የሆዋ ዕርክነት ኪምስርቱ ብምሕጋዝን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።

21. እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

21 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ከም ዘይቅበልዎ ዝገበሮምን ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ንሰዓብቲ የሱስ ከም ዘይቅበልዎም ዚገብሮምን ኣርባዕተ መዐንቀፊ ርኢና ኢና። ግናኸ፡ ካብዚ ጥራይ ዲና ኽንርሕቕ ዘሎና፧ ኣይፋልን። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ኣርባዕተ ተወሳኺ መዐንቀፊ ኽንርኢ ኢና። እምበኣር፡ ካብ መዐንቀፊ ንምርሓቕን እምነትና ንምድልዳልን ቈራጽነት ንግበር!

መዝሙር 56 ንሓቂ ኣጥርያ

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ዅሎም ዝዓበየ መምህር እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኦም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ብእኡ ተዓንቂፎም እዮም። ስለምንታይ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣርባዕተ ምኽንያት ክንርኢ ኢና። ሎሚ ብዙሓት ሰባት በቲ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ዚብልዎን ዚገብርዎን ስለምንታይ ከም ዚዕንቀፉ እውን ክንርኢ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ብየሱስ ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ ብኸመይ ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ኸም እትኽእል ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ ፊልጶስ ንናትናኤል፡ ምስ የሱስ ኪራኸብ የተባብዖ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ንሓደ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተጻረርቲ እናረኣዩ የሕውዮ።

^ ሕ.ጽ. 66 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ በይኑ ናብ ከረን የልግስ።