ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ጳጲሮስ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንምስራሕ ጃለቡ የገልግል ነይሩ ድዩ፧

ተኽሊ ጳጲሮስ

ኣብ ጥንታዊት ግብጺ፡ ጳጲሮስ ቀንዲ ናውቲ ጽሕፈት ምንባሩ ይፍለጥ እዩ። ግሪኻውያንን ሮማውያንን እውን ኣብ ጳጲሮስ ይጽሕፉ ነይሮም እዮም። * ጳጲሮስ ንጽሕፈት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንምስራሕ ጃለቡ የገልግል ከም ዝነበረ ግና ብብዙሓት ኣይፍለጥን እዩ።

ኣብ ውሽጢ መቓብር ግብጻውያን እተረኽበ ቕርጺ ጃለቡ ጳጲሮስ

ልዕሊ 2,500 ዓመት ይገብር፡ ነብዪ ኢሳይያስ “ኣብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ” ዚነብሩ ህዝቢ፡ “ኣብ ማያት ብዚሰፍፋ ጃለቡ ጳጲሮስ” ኣቢሎም ብባሕሪ ልኡኻት ከም ዚልእኩ ጽሒፉ ኣሎ። ድሕርዚ ድማ፡ ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ንኸተማ ባቢሎን ምስ ወረርዋ፡ ባቢሎናውያን ምእንቲ ኸየምልጡ ኢሎም ነተን “ጃለቡ ጳጲሮስ” ብሓዊ ኸም ዜንድድወን ነብዪ ኤርምያስ ተነብዩ እዩ።—ኢሳ. 18:1, 2፣ ኤር. 51:32

መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ እዩ፣ ስለዚ፡ ጳጲሮስ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንምስራሕ ጃለቡ የገልግል ከም ዝነበረ ዚሕብር ስነ ጥንታዊ ርኽበታት ኪርከብ ምኽኣሉ ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየገርሞምን እዩ። (2 ጢሞ. 3:16) እሞ ደኣ እንታይ እዩ ተረኺቡ፧ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ኣብ ግብጺ ብጳጲሮስ ብዛዕባ እተሰርሓ ጃለቡ ዚሕብር ዝርዝር መርትዖ ረኺቦም ኣለዉ።

ጃለቡ ጳጲሮስ ብኸመይ እየን ዚስርሓ ነይረን፧

ኣብ መቓብራት ግብጻውያን እተረኽበ ቅብኣታትን ቅርጽታትን፡ ጳጲሮስ ብኸመይ ይእከብን ብኸመይ ጃለቡ ይስርሓሉን ከም ዝነበረ ይገልጽ። ነቲ ጳጲሮስ ምስ ዓጸድዎ፡ በብጥማር ገይሮም ይኣስርዎ እሞ ነቲ ጥማራት እውን ይዘብጥዎ ነይሮም እዮም። ጕንዲ ጳጲሮስ፡ ቅርጹ ስሉስ ኵርናዕ እዩ። ስለዚ፡ ብሓደ ኺጥመር ከሎ፡ ስጡምን ድልዱልን ጥማር እዩ ዚኸውን። ብመሰረት ሓንቲ ኤ ኮምፓንየን ቱ ኣንሽየንት ኢጅፕት ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ጃለቡ ጳጲሮስ ንውሓተን ክሳዕ 17 ሜተር ይበጽሕ ነይሩ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብሓዲኡ ሸነኸን ጥራይ 10 ወይ 12 መቕዘፊ ይህልወን ነይሩ እዩ።

ኣሰራርሓ ጃልባ ጳጲሮስ ዜርኢ ኣብ መንደቕ እተቐርጸ ስእሊ ግብጻውያን

ሰራሕቲ ጃልባ፡ ጳጲሮስ ዚጥቀሙ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ጳጲሮስ ኣብ ስንጭሮ ኒል ብቐሊሉ እዩ ዚርከብ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ብጳጲሮስ ጃለቡ ምስራሕ፡ ብተዛማዲ ቐሊል እዩ። ዓበይቲ ጃለቡን መራኽብን ብዕንጨይቲ ኺስርሓ ምስ ተጀመራ እውን ከይተረፈ፡ ገፈፍቲ ዓሳን ሃደንትን ብጳጲሮስ ዚስርሓ ታንኳታትን ጃለቡን ዚጥቀሙ ዝነበሩ እዩ ዚመስል።

ጃለቡ ጳጲሮስ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ኣገልግሎት ጸኒሐን እየን። ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ቐዳማይን ካልኣይን ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ፕሉታርክ ዚብሃል ግሪኻዊ ደራሲ፡ ብግዜኡ ዝነበሩ ኣንበብቲ ንታንኳታት ጳጲሮስ ኣጸቢቖም ይፈልጥወን ነይሮም እዮም።

^ ሕ.ጽ. 3 ተኽሊ ጳጲሮስ ኣብ ረግረግን ብዙሕ ኣብ ዘይውሕዝ ማያትን እዩ ዚበቍል። እዚ ተኽሊ እዚ ቝመቱ ኽሳዕ 5 ሜተር ኣቢሉ ይበቍል፣ ሰንጣቒት ጕንዱ ኸኣ ኣብ እግሩ ኣስታት 15 ሰንቲ ሜተር ኣቢሉ ይኸውን።