ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 19

ንጻድቕ ዜዐንቅፎ የልቦን

ንጻድቕ ዜዐንቅፎ የልቦን

“እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፣ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን።”—መዝ. 119:165

መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!

መላለዪ *

1-2. ሓደ ጸሓፊ እንታይ ሓሳባት እዩ ሂቡ፧ ኣብዛ ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

ሎሚ ሚልዮናት ሰባት ብየሱስ ከም ዚኣምኑ ይዛረቡ እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ንትምህርቱ ኣይቅበልዎን እዮም። (2 ጢሞ. 4:3, 4) ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ሓደ ጸሓፊ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ከምቲ የሱስ ኣብ ፈለማ እተዛረቦ ገይሩ ዚዛረብ ካልእ ‘የሱስ’ ሎሚ ኣብ መንጎና እንተ ዚህሉ፡ . . . ከምቲ ኽልተ ሽሕ ዓመት ይገብር ዘይተቐበልናዮ ሎሚ እውን ከይተቐበልናዮ ምተረፍናዶ፧ . . . ናይዚ መልሲ ብሓፈሻኡ፡ ‘እወ፡ ከምኡ ምገበርና’ ዚብል እዩ ዀይኑ ዘሎ።”

2 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ንየሱስ ኪምህርን ተኣምራት ኪገብርን ርእዮምዎ ኼብቅዑ፡ ብእኡ ግና ኣይኣመኑን። ስለምንታይ፧ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ሰባት በቲ የሱስ ዝገበሮን ዝበሎን እተዓንቀፉሉ ኣርባዕተ ምኽንያት ርኢና ኔርና። ሕጂ ኸኣ ኣርባዕተ ተወሳኺ ምኽንያት ንርአ። ከምኡ ኽንገብር ከለና ኸኣ፡ ሎሚ ሰባት ንሰዓብቲ የሱስ ስለምንታይ ከም ዘይቅበልዎምን ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእልን ክንርኢ ኢና።

(1) የሱስ ኣድልዎ ኣይነበሮን

ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ምስ ኣከብቲ ቐረጽ ብምቕማጡ ተዓንቂፎም እዮም። ሎሚ ገሊኦም ብተመሳሳሊ ነገር ዚዕንቀፉ ብኸመይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ) *

3. እንታይ የሱስ ዝገበሮ ተግባር እዩ ንገሊኦም ዓንቂፍዎም፧

3 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ምስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ግዜ የሕልፍ ነይሩ እዩ። ምስ ሃብታማትን ምስ ሰበ ስልጣንን ኣብ መኣዲ ይቕመጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ምስ ድኻታትን ምስ ጭቁናትን እውን ብዙሕ ግዜ የሕልፍ ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ ኸኣ፡ ነቶም ከም “ሓጥኣን” ጌርካ ዚርኣዩ ዝነበሩ ይርሕርሓሎም ነይሩ እዩ። ገሊኦም ተመጻደቕቲ ሰባት በቲ የሱስ ዝገበሮ ተዓንቂፎም እዮም። ስለዚ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለምንታይ ኢኹም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን እትበልዑን እትሰትዩን፧” ኢሎም ሓተትዎም። የሱስ ከኣ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ። ኣነ ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን እየ ናብ ንስሓ ኽጽውዕ መጺአ” ኢሉ መለሰሎም።—ሉቃ. 5:29-32

4. ብመሰረት ነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣይሁድ ብዛዕባ መሲሕ እንታይ ትጽቢት እዮም ኪገብሩ ነይርዎም፧

4 ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧ ነብዪ ኢሳይያስ ካብቲ መሲሕ ዝመጸሉ ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሙ፡ መሲሕ ብዓለም ተቐባልነት ከም ዘይረክብ ገሊጹ ነይሩ እዩ። እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል፦ “ንዑቕን ብሰብ እተጐስየን . . . እዩ ነይሩ። ገጹ ኻባና ኸም እተሓብአ ነይሩ። ንዑቕ እዩ ነይሩ፣ ንሕና እውን ገለ እኳ ኣይቈጸርናዮን።” (ኢሳ. 53:3) መሲሕ “ብሰብ እተጐስየ” ኸም ዚኸውን ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ንየሱስ ንዑቕ ኪኸውን ትጽቢት ኪገብሩሉ ነይርዎም እዩ።

5. ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንሰዓብቲ የሱስ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎም፧

5 ሎሚ ተመሳሳሊ ጸገም ንርኢዶ ኣለና፧ እወ። ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ብዓለም ምርኡያትን ሃብታማትን ጥበበኛታትን ጌርካ ዚርኣዩ ሰባት፡ ኣባላት ሃይማኖቶም ኪዀኑ ኸለዉ ተሓጒሶም እዮም ዚቕበልዎም። ስነ ምግባሮምን ኣነባብራኦምን ምስ መለክዒታት ኣምላኽ ዘይሰማማዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣባላቶም ኪዀኑ ይፈቕዱሎም እዮም። እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚኦም፡ ነቶም ብቕንኣት ዜገልግሉን ብስነ ምግባር ንጹሃት ዝዀኑን ኣገልገልቲ የሆዋ ግና ብመለክዒታት ዓለም ምርኡያት ስለ ዘይኰኑ፡ ብዓይኒ ንዕቀት ይጥምትዎም እዮም። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ኣምላኽ ነቲ “ንዑቕ” እዩ ሓርዩ። (1 ቈረ. 1:26-29) ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ ኵሎም እሙናት ኣገልገልቱ ኽቡራት እዮም።

6. ነቲ ኣብ ማቴዎስ 11:25, 26 ተገሊጹ ዘሎ ኣረኣእያ የሱስ ከመይ ጌርና ኽንቀድሖ ንኽእል፧

6 ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ማቴዎስ 11:25, 26 ኣንብብ።) በቲ ዓለም ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዋ ኣረኣእያ ኣይንጸሎ። የሆዋ ፍቓዱ ንምግባር፡ ብትሑታት ሰባት ጥራይ ከም ዚጥቀም ነስተውዕል። (መዝ. 138:6) በቶም ዓለም ከም ጥበበኛታት ወይ ከም ኣስተውዓልቲ ገይራ ዘይትርእዮም ኣቢሉ እውን ክሳዕ ክንደይ ከም ዝዓመመ ነስተውዕል።

(2) የሱስ ንግጉይ ሓሳባት ኣቃሊዑ

7. የሱስ ንፈሪሳውያን ግቡዛት ኢሉ ዝጸውዖም ስለምንታይ እዩ፧ ንሳቶምከ ኸመይ ተሰሚዕዎም፧

7 የሱስ ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ ግብዝና ዝመልኦ ሃይማኖታዊ ልምድታት ብትብዓት ኰኒኑ እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ግቡዛት ፈሪሳውያን፡ ካብቲ ንወለዶም ዚግባእ ክንክን ንላዕሊ፡ ብዛዕባ ምሕጻብ ኢዶም ይግደሱ ኸም ዝነበሩ ኣቃሊዑ እዩ። (ማቴ. 15:1-11) ደቀ መዛሙርቱ እውን ብቓላቱ ተገሪሞም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ እዮም “ፈሪሳውያን ንዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዓንቀፉስ ትፈልጥ ዲኻ፧” ኢሎም ዝሓተትዎ። የሱስ ግና፡ “ሰማያዊ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ተኽሊ ኺምንቈስ እዩ። ሕደግዎም፡ ዕዉራት መራሕቲ እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መሪሕዎ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴ. 15:12-14) የሱስ ንቝጥዓ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ፈሪሁ ሓቂ ኻብ ምዝራብ ድሕር ኣይበለን።

8. የሱስ ብኣምላኽ ተቐባልነት ዘለወን ሃይማኖታት ኵለን ከም ዘይኰና ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ትምህርትታት እውን ኣቃሊዑ እዩ። ኵሉ ሃይማኖታዊ እምነታት ብኣምላኽ ቅቡል ከም ዝዀነ ገይሩ ኣይመሃረን። የግዳስ፡ ብዙሓት ሰባት በታ ናብ ጥፍኣት ርሕብቲ መገዲ ኸም ዚመላለሱ፡ እቶም በታ ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መገዲ ዚመላለሱ ኸኣ ሒደት ከም ዝዀኑ ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 7:13, 14) ገሊኦም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ኸም ዚመስሉ፡ ከም ሓቂ ግና ከም ዘየገልግልዎ ብንጹር ገሊጹ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ካብቶም ብውሽጦም ሃርጓማት ተዃሉ ኽነሶም፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም ዚመጹኹም ናይ ሓሶት ነብያት ተጠንቀቑ። ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” ኢሉ ኣጠንቂቑ እዩ።—ማቴ. 7:15-20

ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ናይ ሓሶት እምነታትን ልምድታትን ብምዅናኑ ተዓንቂፎም እዮም። ሎሚ ገሊኦም ብተመሳሳሊ ነገር ዚዕንቀፉ ብኸመይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ) *

9. ገለ ኻብቲ የሱስ ዘቃልዖ ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እንታይ እዩ፧

9 ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢት፡ መሲሕ ብቕንኣት ቤት የሆዋ ኸም ዚብላዕ ይገልጽ እዩ። (መዝ. 69:9፣ ዮሃ. 2:14-17) እቲ ቕንኣት እቲ ኸኣ ንየሱስ፡ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት እምነታትን ልምድታትን ኬቃልዕ ኣለዓዒልዎ እዩ። ንኣብነት፡ ፈሪሳውያን፡ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፣ የሱስ ግና ምዉታት ደቂሶም ከም ዘለዉ እዩ ምሂሩ። (ዮሃ. 11:11) ሰዱቃውያን ብትንሳኤ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም፣ የሱስ ግና ንዓርኩ ኣልኣዛር ኣተንሲእዎ እዩ። (ዮሃ. 11:43, 44፣ ግብ. 23:8) ፈሪሳውያን፡ ኵሉ ነገር ብዕድል ወይ ብኣምላኽ ከም እተወሰነ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፣ የሱስ ግና ሰባት ንኣምላኽ ምግልጋል ወይ ዘይምግልጋል ኪውስኑ ኸም ዚኽእሉ እዩ ምሂሩ።—ማቴ. 11:28

10. ብዙሓት ብትምህርትታትና ዚዕንቀፉ ስለምንታይ እዮም፧

10 ሎሚ ተመሳሳሊ ጸገም ንርኢዶ ኣለና፧ እወ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርትታትና ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓሳባት ስለ ዜቃልዕ ብዙሓት ይዕንቀፉ እዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ንኣባጊዖም፡ ኣምላኽ ንእኩያት ኣብ ገሃነም እሳት ከም ዜሳቒ ይምህሩ እዮም። በዚ ናይ ሓሶት ትምህርቲ እዚ ተጠቒሞም ከኣ ንህዝቢ ይቈጻጸሩ እዮም። ንሕና ኣገልገልቲ የሆዋ ግና ነቲ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ስለ እነምልኽ፡ ነዚ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ነቃልዖ ኢና። ብዘይካዚ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ይምህሩ እዮም። ንሕና ግና እዚ ሰረተ እምነት እዚ ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎ፡ ምስ ትምህርቲ ትንሳኤ እውን ከም ዚጋጮ ነቃልዕ ኢና። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሃይማኖታት ንጽሕፍቶ ይኣምናሉ እየን። ንሕና ግና ሰብ ናይ ምምራጽ ናጽነት ከም ዘለዎ፡ ንኣምላኽ ምግልጋል እውን ኪሓሪ ኸም ዚኽእል ንኣምን ኢና። እሞ ደኣ መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ እዚ ኸመይ ይስምዖም፧ ብዙሕ ግዜ፡ ይቝጥዑ እዮም።

11. ብመሰረት እቲ ኣብ ዮሃንስ 8:45-47 ዚርከብ ቃላት የሱስ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧

11 ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ንሓቂ ንፈትዋ እንተ ዄንና፡ ንቓል ኣምላኽ ክንቅበሎ ኣሎና። (ዮሃንስ 8:45-47 ኣንብብ።) ዘይከም ሰይጣን ድያብሎስ፡ ንሕና ኣብ ሓቂ ኢና እንጸንዕ። ኣብ እምነትና ኣይንለማለምን ኢና። (ዮሃ. 8:44) ኣምላኽ ንህዝቡ ኸምቲ የሱስ ዝገበሮ ገይሮም ‘ንእከይ ኪፍንፍኑን ናብ ሰናይ ኪለግቡን’ ይደልዮም እዩ።—ሮሜ 12:9፣ እብ. 1:9

(3) የሱስ ኣደዳ መስጐጕቲ ዀይኑ

ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ኣብ ጕንዲ ብሙማቱ ተዓንቂፎም እዮም። ሎሚ ገሊኦም ብተመሳሳሊ ነገር ዚዕንቀፉ ብኸመይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) *

12. ኣማውታ የሱስ ንብዙሓት ኣይሁድ መዐንቀፊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ኣይሁድ ብየሱስ እተዓንቀፉሉ ኻልእ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩ፧ ጳውሎስ፡ “ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ . . . ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና” ኢሉ እዩ። (1 ቈረ. 1:23) ብዙሓት ኣይሁድ ብኣማውታ የሱስ እተረበሹ ስለምንታይ እዮም፧ የሱስ ኣብ ጕንዲ ብሙማቱ ኸም መሲሕ ገይሮም ዘይኰነስ፡ ከም ገበነኛን ከም ሓጥእን ገይሮም እዮም ርእዮምዎ።—ዘዳ. 21:22, 23

13. እቶም ብየሱስ እተዓንቀፉ እንታይ እዮም ዘየስተውዓሉ፧

13 እቶም ብየሱስ እተዓንቀፉ ኣይሁድ፡ የሱስ ንጹህ ምዃኑን ብሓሶት ከም እተኸስሰን ብግፍዒ ኸም እተታሕዘን ኣየስተውዓሉን። እቶም ንጕዳይ የሱስ ዝሓዝዎ ፈራዶ፡ ብፍትሒ ኣላጊጾም እዮም። እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ብሃታሃታ እዩ ተኣኪቡ፣ ግቡእ ኣሰራርሓ እውን ኣይሰዓበን። (ሉቃ. 22:54፣ ዮሃ. 18:24) እቶም ደያኑ ነቲ ንየሱስ ዝቐረበሉ ኽስን ነቲ መርትዖን ብዘይ ኣድልዎ ኣብ ክንዲ ዚሰምዑ፡ “ንየሱስ ምእንቲ ኪቐትልዎ ናይ ሓሶት ምስክር ደለዩ።” እዚ ኸይሰለጦም ምስ ተረፈ ኸኣ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዘረባኡ ኺጠልፎ ፈተነ። እዚ ዅሉ ምስቲ ቕቡል ሕጋዊ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ዚጋጮ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 26:59፣ ማር. 14:55-64) የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ ኸኣ፡ እቶም ዓመጽቲ ፈራዶ ነቶም ንመቓብሩ ዚሕልዉ ዝነበሩ ወተሃደራት “ብዙሕ ብሩር ሂቦም” እቲ መቓብር ጥራዩ ዝጸንሓሉ ናይ ሓሶት ወረ ኸም ዚንዛሕ ገበሩ።—ማቴ. 28:11-15

14. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ሞት መሲሕ እንታይ ኢሉ ተነብዩ ነይሩ፧

14 ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧ ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ፡ መሲሕ ኪመውት ዘይጽበይዎ ነገር እኳ እንተ ነበረ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ግና ከምዚ ኢሉ እዩ ተነብዩ ነይሩ፦ “ህይወቱ ንሞት ወፍይዋ፡ ምስ ኣበስቲ ድማ ተቘጺሩ እዩ፡ . . . ሓጢኣት ብዙሓት ተሰኪሙ፣ ንኣበስቲ ድማ ለሚኑሎም።” (ኢሳ. 53:12) እምበኣር፡ የሱስ ከም ሓጥእ ምስ ተቐትለ፡ ኣይሁድ በዚ ኺዕንቀፉ ኣይነበሮምን።

15. ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚቐርብ እንታይ ክስታት እዩ ንገሊኦም ዓንቂፍዎም፧

15 ሎሚ ተመሳሳሊ ጸገም ንርኢዶ ኣለና፧ እወ። የሱስ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኸሲሱን ተፈሪድዎን እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኰይኖም እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ። ኣብ 1930ታትን ኣብ 1940ታትን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ንናጽነት ኣምልኾና ንምጥባቕ ብተደጋጋሚ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ቐሪብና ኔርና ኢና። ገሊኦም ደያኑ ኸኣ ጽልኦም ብንጹር ኣርእዮም እዮም። ኣብ ኲበክ፡ ካናዳ ኸኣ፡ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን፡ ኢድን ጓንትን ኰይኖም ንዕዮና ተጻሪሮምዎ እዮም። ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንጐረባብቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዝራቦም ጥራይ ተኣሲሮም እዮም። ናዚ ኣብ ዜመሓድራ ጀርመን ድማ፡ ብዙሓት እሙናት መንእሰያት ኣሕዋት፡ በቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ስርዓት ተቐቲሎም እዮም። ኣብ ቀረባ ዓመታት ከኣ፡ ብዙሓት ኣብ ሩስያ ዚነብሩ ኣሕዋትና፡ እቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብርዎ ምይይጥ ከም “ንጥፈታት ጥሩፋት” ጌርካ ስለ እተራእየ፡ ተፈሪድዎምን ተኣሲሮምን እዮም። ዋላ እውን እቲ ብሩስያኛ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ስም የሆዋ ስለ ዘለዎ ተኣጊዱን “ሓበሬታ ጥሩፋት” ከም ዝሓዘ ጌርካ ተራእዩን እዩ።

16. ኣብ 1 ዮሃንስ 4:1 ጐሊሑ ኸም ዘሎ፡ በቲ ብዛዕባ ህዝቢ የሆዋ ዚንዛሕ ናይ ሓሶት ወረ ኽንታለል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

16 ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ነቲ ሓቅታት ንፍለጦ። የሱስ ኣብ ከረን ኣብ ዝሃቦ ስብከቱ ንሰማዕቱ፡ ገሊኦም ‘ክፉእ ዘበለ ብሓሶት ከም ዚዛረቡሎም’ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 5:11) ምንጪ እዚ ሓሶት እዚ ሰይጣን እዩ። ንሱ ንተጻረርቲ ብምጽላው፡ ነቶም ንሓቂ ዚፈትዉ ዜካፍእ ወረ ኸም ዚንዛሕ ይገብር እዩ። (ራእ. 12:9, 10) እምበኣር፡ ነቲ ተጻረርትና ዚነዝሕዎ ሓሶት ክንነጽጎ ኣሎና። እዚ ሓሶት እዚ፡ ኬፍርሃና ወይ ንእምነትና ኼዳኽማ ኽንፈቅድ የብልናን።—1 ዮሃንስ 4:1 ኣንብብ።

(4) የሱስ ኣሕሊፍካ ተዋሂቡን ተሓዲጉን

ብዙሓት ሰባት፡ የሱስ ብይሁዳ ኣሕሊፍካ ስለ እተዋህበ ተዓንቂፎም እዮም። ሎሚ ገሊኦም ብተመሳሳሊ ነገር ዚዕንቀፉ ብኸመይ እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 17-18 ርአ)) *

17. እቲ ቐቅድሚ ሞት የሱስ ዘጋጠመ ነገራት ንገሊኦም ብኸመይ ዓንቂፍዎም ኪኸውን ይኽእል፧

17 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ሓደ ኻብቶም 12 ሃዋርያቱ ኣሕሊፉ ሂብዎ እዩ። ድሮ እታ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት ከኣ፡ ሓደ ሃዋርያ ሰለስተ ሳዕ ክሒድዎ፡ ኵሎም ሃዋርያቱ እውን ሓዲጎምዎ ሃዲሞም እዮም። (ማቴ. 26:14-16, 47, 56, 75) የሱስ ነዚ፡ ዘይተጸበዮ ነገር ኣይኰኖን። እዚ ኸም ዚኸውን እውን ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 6:64፣ 13:21, 26, 38፣ 16:32) ገሊኦም ሰባት ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ‘ሃዋርያት የሱስ ከምዚ ዚገብሩ ኻብ ኰኑ፡ ምስዚኣቶም ክኸውን ኣይደልን እየ’ ኢሎም ብምሕሳብ ተዓንቂፎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

18. ምስ ሞት የሱስ ብእተተሓሓዘ እንታይ ትንቢታት እዩ ተፈጺሙ፧

18 ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ይብል፧ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ፡ መሲሕ ብ30 ብሩር ኣሕሊፍካ ኸም ዚውሃብ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘካ. 11:12, 13) እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ፡ ሓደ ኻብ ናይ ቀረባ ብጾት የሱስ ከም ዚኸውን እውን ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (መዝ. 41:9) ብዘይካዚ፡ ነብዪ ዘካርያስ፡ “ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፡ እተን መጓሰ ድማ ፋሕ ይበላ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (ዘካ. 13:7) ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት በዚ ነገራት እዚ ኣይተዓንቀፉን፣ የግዳስ፡ እቲ ትንቢታት ኣብ የሱስ ከም እተፈጸመ ርእዮም እምነቶም ኣደልዲሎም እዮም።

19. ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት እንታይ እዮም ዚፈልጡ፧

19 ሎሚ ተመሳሳሊ ጸገም ንርኢዶ ኣለና፧ እወ። ኣብዚ ግዜና፡ ሒደት ፍሉጣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሓቂ ወጺኦምን ከሓድቲ ዀይኖምን ንኻልኦት ኬስሕትዎም ፈቲኖምን እዮም። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ፡ ብመራኸቢ ብዙሓንን ብኢንተርነትን ኣቢሎም ናይ ሓሶት ወረን ፍርቂ ሓቅን ውጹእ ሓሶትን ነዚሖም እዮም። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ግና በዚ ኣይዕንቀፉን እዮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ተነብይዎ ኸም ዝነበረ ይፈልጡ እዮም።—ማቴ. 24:24፣ 2 ጴጥ. 2:18-22

20. በቶም ካብ ሓቂ ዝወጹ ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (2 ጢሞቴዎስ 4:4, 5)

20 ምእንቲ ኸይንዕንቀፍ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ብስሩዕ ብምጽናዕን ኣዘውቲርና ብምጽላይን ኣብቲ የሆዋ ዝሃበና ዕዮ ወትሩ ትሑዛት ብምዃንን፡ እምነትና ኸነደልድል ኣሎና። (2 ጢሞቴዎስ 4:4, 5 ኣንብብ።) እምነት እንተ ኣልያትና፡ ኣሉታዊ ወረ ምስ ሰማዕና ኣይንስምብድን ኢና። (ኢሳ. 28:16) ንየሆዋን ንቓሉን ንኣሕዋትናን ዘላትና ፍቕሪ በቶም ካብ ሓቂ ዝወጹ ሰባት ከይንዕንቀፍ ትሕግዘና እያ።

21. ሎሚ መብዛሕትኦም ሰባት ንመልእኽትና ዘይቅበልዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

21 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ብዙሓት ተዓንቂፎም እዮም፡ ንየሱስ እውን ኣይተቐበልዎን። ብዙሓት ግና ተቐቢሎምዎ እዮም። ገለ ኻባታቶም፡ ሓደ ኣባል ዋዕላ ኣይሁድን “ብዙሓት ካብ ካህናት”ን ኪጥቀሱ ይከኣሉ። (ግብ. 6:7፣ ማቴ. 27:57-60፣ ማር. 15:43) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ሚልዮናት ኣይተዓንቀፉን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓቅታት ይፈልጥዎን ይፈትውዎን እዮም። ቃል ኣምላኽ፡ “እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም ኣለዎም፣ ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን” ይብል።—መዝ. 119:165

መዝሙር 124 እሙናት ንኹን

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ሰባት ኣብ ሕሉፍ ንየሱስ ዘይተቐበሉሉን ሎሚ ንሰዓብቱ ዘይቅበሉሉን ኣርባዕተ ምኽንያት ርኢና ኔርና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ፡ ኣርባዕተ ተወሳኺ ምኽንያት ክንርኢ ኢና። ንየሆዋ ዜፍቅሩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ዘይዕንቀፉሉ ምኽንያት እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 60 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ምስ ማቴዎስን ኣከብቲ ቐረጽን ኣብ መኣዲ ይቕመጥ።

^ ሕ.ጽ. 62 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ንነጋዶ ኻብታ ቤተ መቕደስ ይሰጕጎም።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ፡ ጕንዲ ስቅያት ይጸውር።

^ ሕ.ጽ. 66 መግለጺ ስእሊ፦ ይሁዳ ንየሱስ ብምስዓም ኣሕሊፉ ይህቦ።