ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ታሪኽ ህይወት

“ካብ ካልኦት ኣዝየ ብዙሕ ተማሂረ እየ!”

“ካብ ካልኦት ኣዝየ ብዙሕ ተማሂረ እየ!”

ድቕድቕ ጸልማት ዝወረሳ ለይቲ እያ ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰራዊትና ኣብ ኣኽራን ኣልጀርያ ዓሪዱ ነይሩ። ኣብ ኣልጀርያ ኸኣ ጽዕጹዕ ውግእ እዩ ዚግበር ነይሩ። ሽዑ፡ ኣነ ጠበንጃይ ሒዘ በይነይ ኣብቲ ብሑጻ ዝመልአ ኸረጺታት እተጸፍጸፈሉ መሐለዊ ነቝጣ እሕሉ ነበርኩ። ብሃንደበት ደሃይ ኣእጋር ኣብቲ ጸጥታ ተሰምዐ። ኣነ ድማ ተዓኒደ ተረፍኩ። ገና ለይለይ ዝብል መንእሰይ እየ ነይረ፣ ክቐትል ኰነ ክቕተል ከኣ ድሌት ኣይነበረንን። ሽዑ፡ “ኣታ ኣምላኽ! ኣታ ኣምላኽ!” በልኩ።

እታ እተፍርህ ለይቲ ንህይወተይ ቀዪራቶ እያ፣ ምኽንያቱ፡ ድሕሪኡ ንፈጣሪ ኽደልዮ ጀሚረ እየ። ብዛዕባ እቲ ድሕሪኡ በታ ለይቲ ዝዀነ ነገራት ቅድሚ ምዝንታወይ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ንኣተሓሳስባይ ዝጸለዎን ንኣምላኽ ክደሊ ንልበይ ዘዳለዎን ቍልዕነተይ ከዘንትወልኩም።

ብቝልዕነተይ ካብ ኣቦይ ዝረኸብክዎ ትምህርቲ

ብ1937፡ ጌናን ኣብ እትብሃል ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ዕደና እየ ተወሊደ። ካብቲ ዓዳኒ ኸሰል ዝነበረ ኣቦይ ከኣ፡ ህርኩት ብዛዕባ ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ተማሂረ እየ። ንፍትሒ ዝነበሮ ፍቕሪ እውን ኣውሪሱኒ እዩ። ኣቦይ ፈታው ፍትሒ ብምንባሩ፡ ምእንቲ እቶም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዚዓይዩ ዝነበሩ ዓደንቲ ይቃለስ ነይሩ እዩ። ንዅነታቶም ንምምሕያሽ ከኣ፡ ምስ ማሕበር ሰራሕተኛታት ይዓዪ፡ ኣብ ኣድማታት እውን ይሳተፍ ነይሩ እዩ። በቲ ኣብቶም ካህናት ዚርእዮ ዝነበረ ግብዝና እውን ይጕሂ ነይሩ እዩ። መብዛሕትኦም ብምሾት እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ ኰይኑ ግና፡ ካብቶም ድራር ዕለቶም ንምርካብ ዚቃለሱ ዓደንቲ፡ ምግብን ገንዘብን ይሓትቱ ነይሮም እዮም። ኣቦይ ንኻህናት ኣመና ይፍንፍኖም ስለ ዝነበረ፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣይመሃረንን። ብዛዕባ ኣምላኽ እውን ፈጺምና ኣይንዛረብን ኢና ኔርና።

እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ ኣነ እውን ዘይፍትሓውነት ክጸልእ ጀሚረ። ገለ ኻብቲ ዝጸልኦ ዝነበርኩ ዘይፍትሓዊ ተግባራት፡ ገሊኦም ሰባት ነቶም ኣብ ፈረንሳ ዝነበሩ ወጻእተኛታት ዜርእይዎም ዝነበሩ ጽልኢ እዩ ነይሩ። ምስ ደቂ ስደተኛታት ኵዕሶ እግሪ እጻወትን ጽቡቕ ግዜ አሕልፍን ነይረ እየ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣደይ ፈረንሳዊት ዘይኰነትሲ፡ ፖላንዳዊት እያ ነይራ። ዓሌታዊ ሰላምን ማዕርነትን ዚህልወሉ ግዜ ሃረር እብል ነይረ እየ።

ብዛዕባ ህይወት ብርዝነት ክሓስብ ጀመርኩ

ኣብ ሰራዊት ከለኹ

ብ1957፡ ወተሃደር ኰይነ ተኸተብኩ። በዚ ኸምዚ ድማ እየ በታ ጸልማት ለይቲ ኣብ ኣኽራን ኣልጀርያ ዝነበርኩ። “ኣታ ኣምላኽ! ኣታ ኣምላኽ!” ምስ በልኩ፡ ምስ ወተሃደር ጸላኢ ዘይኰነስ፡ ምስ ኣድጊ በረኻ እየ ገጽ ንገጽ ተራኺበ! ሽዑ እፎይ እየ ኢለ! ኰይኑ ግና፡ እታ ኣጋጣሚ እቲኣን እቲ ውግእን ብዛዕባ ትርጉም ህይወት ብርዝነት ክሓስብ ደሪኹኒ እዩ። ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧ ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧ ንምዃኑ ነባሪ ሰላም ኪርከብ ድዩ፧

ድሕርዚ፡ ንዕረፍቲ ናብ እንዳ ወለደይ ምስ ከድኩ፡ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸብኩ። ንሱ ኸኣ ብቛንቋ ፈረንሳይኛ እተዳለወ ናይ ካቶሊክ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ሃበኒ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ናብ ኣልጀርያ ምስ ተመለስኩ ብኡብኡ ኸንብቦ ጀመርኩ። ምናዳ እቲ ኣብ ራእይ 21:3, 4 ዚርከብ ቃላት፡ ልበይ ወግኣኒ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትንበብ፦ “ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።” * በዚ ቓላት እዚ ተገረምኩ። ‘እዝስ ሓቂዶ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧’ ኢለ እውን ሓሰብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጥን እየ ነይረ።

ብ1959 ወተሃደራዊ ኣገልግሎተይ ምስ ወዳእኩ፡ ፍራንስዋ ምስ ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸብኩ፣ ንሱ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ሓቅታት መሃረኒ። ንኣብነት፡ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየኒ። (መዝ. 83:18) የሆዋ ኣብ ምድሪ ፍትሒ ኸም ዜምጽእ፡ ንምድሪ ናብ ገነት ከም ዚቕይራ፡ ነቲ ኣብ ራእይ 21:3, 4 ዚርከብ ቃላት ድማ ከም ዚፍጽሞ እውን ገለጸለይ።

እዚ ትምህርትታት እዚ ኣጸቢቑ እዩ ተዋሒጡለይ፡ ንልበይ እውን ተንክይዎ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብኻህናት ኣዝየ ተቘጣዕኩ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየሎ ትምህርትታት ብምምሃሮም ከኣ ክዅንኖም ደለኹ! ክሳዕ ሽዑ ብኣረኣእያ ኣቦይ ዝጽሎ ዝነበርኩ ይመስለኒ፡ ዓቕሊ እውን ኣይነበረንን። ብኡብኡ ሓደ ነገር ክገብር ደለኹ!

ፍራንስዋን ካልኦት ሓደስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዕሩኸይን ግና ኣህድኡኒ። ከም ክርስትያናት መጠን ዘሎና ዕዮ ምፍራድ ዘይኰነስ፡ ብብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ጌርና ተስፋ ምቕራብ ምዃኑ ገለጹለይ። የሱስ ነዚ ዕዮ እዚ ዓይዩ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እውን ነዚ ዕዮ እዚ እዩ ሂብዎም። (ማቴ. 24:14፣ ሉቃ. 4:43) ኣነ እውን ንሰባት፡ እምነቶም ብዘየገድስ ብለውሃትን ብሜላን ምዝራብ ክምሃር ነይሩኒ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ባርያ ጐይታስ ንዅሉ ልኡም . . . ኪኸውን ይግብኦ እምበር፡ ኪብኣስ ኣይግብኦን እዩ” ይብል እዩ።—2 ጢሞ. 2:24

ድሕርዚ፡ ዜድሊ ለውጥታት ገይረ ብ1959 ኣብ ሓደ ኣኼባ ወረዳ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ተጠመቕኩ። ኣብኡ ድማ ኣንጀል ምስ ዝስማ ንልበይ ዝማረኸቶ መንእሰይ ሓብቲ ተራኸብኩ። ድሕሪኡ፡ ንምብጻሕ ናብ ጉባኤኣ እኸይድ ነበርኩ፣ ብ1960 ከኣ ተመራዓውና። ንሳ ብሓቂ ኻብ የሆዋ እተዋህበትኒ ብልጽቲ ሰበይቲ እያ።—ምሳ. 19:14

ኣብ መዓልቲ መርዓና

ካብ ጥበበኛታትን ምኩራትን ኣሕዋት ብዙሕ ተማሂረ

ካብ ጥበበኛታትን ምኩራትን ኣሕዋት ብዙሕ ኣገዳሲ ትምህርትታት ተማሂረ እየ። ሓደ ኻብቲ እተምሃርክዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርትታት እዚ ዚስዕብ እዩ፦ ኣብ ዝዀነ በዳሂ ዕዮ ንምዕዋት፡ ትሑታት ክንከውን ኣሎና፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 15:22 ዚርከብ “ብብዙሓት ኣማኸርቲ . . . ዕማም ይዕመም” ዚብል ጥበብ ከኣ ክንዓይየሉ ኣሎና።

ብ1965፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዕዮ ወረዳ

ብ1964፡ እዘን ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፋ ቓላት ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃነን ክርኢ ጀመርኩ። በታ ዓመት እቲኣ፡ ሓላው ወረዳ ዀይነ ኸገልግል ስለ ዝጀመርኩ፡ ንኣሕዋት ንምትብባዕን ብመንፈሳዊ መዳይ ንምህናጽን ንጉባኤታት እበጽሕ ነበርኩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 27 ዓመት ስለ ዝነበርኩ፡ ተመክሮ ይጐድለኒ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ጌጋታት እገብር ነይረ እየ። ካብ ጌጋታተይ ግና ክምሃር እጽዕር ነይረ እየ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ካብ ክኢላታትን ምኩራትን “ኣማኸርቲ” ብዙሕ ኣገዳሲ ትምህርትታት እረክብ ነይረ እየ።

ንኣብነት፡ ሓደ ኣብ ፈለማ ዘጋጠመ ነገር ትዝ ይብለኒ እዩ። ኣብ ፓሪስ ንእትርከብ ጉባኤ ምስ በጻሕኩ፡ ሓደ ብመንፈሳዊ ብሱል ዝዀነ ሓው ብውልቂ ኼዛርበኒ ፍቓደኛ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ፡ “ሕራይ” በልክዎ።

ንሱ ድማ፡ “ሉዊ፡ ሓኪም ንመን እዩ ኣብ ቤቶም ከይዱ ዚበጽሖም፧” በለኒ።

ኣነ ኸኣ፡ “ንሕሙማት” ኢለ መለስኩሉ።

ሽዑ ንሱ፡ “ሓቅኻ” ድሕሪ ምባል፡ “ኣነ ኸም እተዓዘብክዎ ግና መብዛሕትኡ ግዜኻ ምስቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ጽቡቕ ዘለዉ፡ ንኣብነት ምስ ሓላዊ ጉባኤ ኢኻ እተሕልፎ ዘለኻ። ኣብ ጉባኤና ብዙሓት እተደቝሱ፡ ሓደስቲ፡ ወይ ሓፋራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉ። ምሳታቶም ግዜ እንተ ኣሕሊፍካ፡ ንምሳሕ እውን ናብ ቤቶም እንተ ኼድካ፡ ብዙሕ ኪተባብዑ እዮም” በለኒ።

እቲ ፍቑር ሓው ዝሃበኒ ምኽሪ፡ ልክዕን ጠቓምን እዩ ነይሩ። ንኣባጊዕ የሆዋ ዝነበሮ ፍቕሪ ኸኣ ልበይ ተንከየኒ። ስለዚ፡ ንዅርዓተይ ኣሰኒፈ፡ ነቲ ዝበለኒ ብኡብኡ ኽትግብሮ ጀመርኩ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ስለ ዝሃበና፡ ንየሆዋ አመስግኖ እየ።

ብ1969ን ብ1973ን፡ ኣብ ኮሎምብ፡ ፓሪስ ኣብ እተገብረ ኽልተ ኣህጉራዊ ኣኼባታት፡ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ምግቢ ኸገልግል ተሸምኩ። ኣብቲ ብ1973 እተገብረ ኣኼባ፡ ንኣስታት 60,000 ሰባት ንሓሙሽተ መዓልቲ ኽንምግቦም ነይሩና! እዚ ብዙሕ ኣፍሪሁኒ ነይሩ። ኣብዚ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ኣብ ምሳሌ 15:22 ዘሎ ሓሳብ፡ ማለት ምኽሪ ጥበበኛታት ግና ክንዕወት ሓጊዙና እዩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ብሱላት ካብ ዝዀኑ ኣብ ኢንዱስትሪ ምግቢ ተመክሮ ኻብ ዘለዎም ኣሕዋት ምኽሪ ሓተትኩ። ገለ ኻባታቶም ሓረድቲ ስጋ፡ ኣፍረይቲ ኣሕምልቲ፡ ከሸንቲ፡ ሸመትቲ እዮም ነይሮም። ብሓባር ከኣ ነቲ ኸም እምባ ዝኣመሰለ ዕዮ ሰገርናዮ።

ብ1973፡ ኣነን ሰበይተይን ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ዚርከብ ቤት-ኤል ከነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ኣብኡ እተዋህበኒ ናይ መጀመርታ ዕዮይ ከኣ ኣዝዩ ኸቢዱኒ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ካመሩን ንዚርከቡ ኣሕዋት፡ ጽሑፋት እንሰድደሉ መገዲ ኽረክብ ነይሩኒ። ኣብታ ዓዲ እቲኣ ኸኣ፡ ዕዮና ኻብ 1970 ክሳዕ 1993 ተኣጊዱ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እንታይ ከም ዝገብር ሓርቢቱኒ ነይሩ። ሽዑ፡ እቲ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዚግበር ዕዮ ሓላዊ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓው ድማ ነዚ ስለ ዘስተብሃለ እዩ ይመስለኒ፡ “ኣብ ካመሩን ዘለዉ ኣሕዋትና፡ መንፈሳዊ ምግቢ ኣጸቢቑ የድልዮም ኣሎ። ንመግቦም!” በለኒ። ብሓቂ ድማ መጊብናዮም ኢና።

ብ1973፡ ኣብ ናይጀርያ ምስቶም ካብ ካመሩን ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተገብረ ፍሉይ ኣኼባ

ምስቶም ኣብ ካመሩን ዚርከቡ ሽማግለታት ንምርኻብ ናብተን ኣብ ካመሩን ዝነበራ ሃገራት ተመላሊሰ እየ። እቶም ተባዓትን ኣስተውዓልትን ኣሕዋት ከኣ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ብስሩዕ ናብ ካመሩን ንምእታው መሰናድዎታት ክንገብር ሓጊዞምኒ እዮም። የሆዋ እውን ንጻዕርታትና ባሪኽዎ እዩ። ንኣስታት 20 ዓመት፡ ህዝቡ ዋላ ሓንቲ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ወይ እታ ወርሓዊት እትወጽእ ዝነበረት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣየምለጠቶምን።

ብ1977፡ ኣብ ናይጀርያ ኣነን ኣንጀልን ነቶም ካብ ካመሩን ዝመጹ ሓለውቲ ወረዳን ኣንስቶምን ኣብ ዝገበርናሎም ምብጻሕ

ካብታ ዝፈትዋ ሰበይተይ ብዙሕ ተማሂረ

ምስ ኣንጀል ካብታ ብዓይኒ ፍቕሪ ኽንርአአ ዝጀመርናላ ግዜ ኣትሒዘ፡ ንመንፈሳዊ ባህርያታ ኣስተብሂለሉ እየ። እዚ ባህርያት እዚ፡ ምስ ተመራዓውና እውን ብንጹር ይርአ ነይሩ እዩ። በታ ኣብ መዓልቲ መርዓና ዝነበረት ምሸት እኳ፡ ብዛዕባ እቲ ኸም ሰብ ሓዳር መጠን ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኸነገልግሎ ዘሎና ድሌት ኣብ ጸሎተይ ክጠቅስ ሓቲታትኒ እያ። የሆዋ ኸኣ ንጸሎትና መሊሱልና እዩ።

ብዘይካዚ፡ ኣንጀል ብየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክእመን ሓጊዛትኒ እያ። ንኣብነት፡ ብ1973 ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ጻውዒት ምስ ቀረበልና፡ ንዕዮ ወረዳ እፈትዎ ብምንባረይ፡ ሰጋእ መጋእ ኢለ ነይረ እየ። ኣንጀል ግና ህይወትና ንየሆዋ ኸም ዝወፈና ኣዘኻኸረትኒ። እሞ ደኣ ውድቡ ዝሓተተና ዘበለ ኽንገብርዶ ኣይግባእን፧ (እብ. 13:17) ምስዚ ኸመይ ገይረ ኽማጐት እኽእል! ስለዚ፡ ናብ ቤት-ኤል ኬድና። ኣብቲ ብሓንሳእ ዘሕለፍናዮ ነዊሕ ህይወት፡ ናይ ሰበይተይ ምስትውዓልን ልብምናን መንፈሳዊ ኣመለኻኽታን ንሓዳርና ኣደልዲልዎ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር እውን ሓጊዙና እዩ።

ምስ ኣንጀል ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል

ዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና እውን፡ ኣንጀል ብዙሕ ደጊፋትኒ እያ። ንኣብነት፡ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብእንግሊዝኛ ዚምራሕ ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ንምስታፍ፡ ኣነን ኣንጀልን ናይቲ ቛንቋ ኽእለትና ንምምሕያሽ ብዙሕ ጽዒርና ኢና። ስለዚ፡ ዋላ እውን ኣብ መፋርቕ 70ታት ዕድሜና፡ ናብ ናይ እንግሊዝኛ ጉባኤ ኽንከይድ ነይሩና። ብምኽንያት እቲ ኸም ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ፈረንሳ መጠን ዝነበረኒ ሓላፍነታት፡ ካልእ ቋንቋ ምጽናዕ ከቢዱኒ ነይሩ እዩ። ምስ ኣንጀል ግና ተሓጋጊዝና ኢና። ሕጂ ኣብ 80ታት ዕድሜና፡ ንኣኼባታት ጉባኤ ብእንግሊዝኛን ብፈረንሳይኛን ንዳሎ ኣለና። ኣብ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን እውን ምስ ጉባኤታት ንምስታፍ ዚከኣለና ንገብር ኢና። የሆዋ ድማ ነቲ እንግሊዝኛ ኽንምሃር ዝገበርናዮ ጻዕሪ ባሪኽዎ እዩ።

ብ2017፡ ሓደ ፍሉይ በረኸት ረኺብና ኢና። ኣነን ኣንጀልን ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ዘሎ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ዚውሃብ ቤት ትምህርቲ ኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ኣንስቶምን ናይ ምስታፍ ፍሉይ መሰል ረኺብና ኢና።

የሆዋ ብሓቂ ዓብዪ መምህር እዩ። (ኢሳ. 30:20) ስለዚ፡ ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ህዝቡ ኣዝዩ ብሉጽ ትምህርቲ እንተ ረኸቡ ዜገርም ኣይኰነን! (ዘዳ. 4:5-8) ንየሆዋን ንምኩራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዚሰምዑ መንእሰያት ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩን ምስ ዓበዩ ዕዉታት ኪዀኑን ተዓዚበ እየ። ምሳሌ 9:9፡ “ንጥበበኛ ኣካፍሎ፡ ብዝያዳ ኺጠብብ እዩ። ንጻድቕ ምሃሮ፡ ንምህሮኡ ኺውስኸሉ እዩ” ኢላ ተዘኻኽረና እያ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ነታ ኣስታት 60 ዓመት ይገብር ኣብ ኣኽራን ኣልጀርያ ዘሕለፍክዋ እተፍርህ ጸልማት ለይቲ እዝክራ እየ። ድሕሪኡ ኣብ ህይወተይ እንታይ ጽቡቕ ከም ዝረክብ ኣይፈለጥኩን ነይረ። ካብ ካልኦት ኣዝየ ብዙሕ ተማሂረ እየ! የሆዋ ብሓቂ ንዓይን ንኣንጀልን ሓጐስን ዕግበትን ዘለዎ ህይወት ሂቡና እዩ። ስለዚ፡ ካብ ሰማያዊ ኣቦና ዀነ ኻብቶም ንዕኡ ዜፍቅርዎ ጥበበኛታትን ምኩራትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወትሩ ኽንምሃር ወሲንና ኢና።

^ ሕ.ጽ. 11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም።