ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 21

የሆዋ ኼበርትዓካ እዩ

የሆዋ ኼበርትዓካ እዩ

“ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ።”—2 ቈረ. 12:10

መዝሙር 73 ኣትብዓና

መላለዪ *

1-2. ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ንዅሎም ክርስትያናት፡ ኣገልግሎቶም ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽሙ ኣተባቢዕዎም እዩ። (2 ጢሞ. 4:5) ኵላትና ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣርዚንና ኢና እንርእዮ። ሓድሓደ ግዜ ግና ጸገማት የጓንፈና እዩ። ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ዕዮ ስብከት ንምስታፍ፡ ናይ ሓቂ ትብዓት የድልዮም እዩ። (2 ጢሞ. 4:2) ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ወይ ኣብ እተኣገደሉ ሃገራት ዚነብሩ ኣሕዋት እሞ ሕሰብ። ንሳቶም ንናጽነቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም ኣብ ኣገልግሎት ዚሳተፉ።

2 ህዝቢ የሆዋ ተስፋ ኬቝርጾም ዚኽእል በበይኑ ዓይነት ጸገማት የጓንፎም እዩ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ክርስትያናት ንስድራኦም ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ንምምእራር፡ ነዊሕ ሰዓታት ይሰርሑ እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ኺሳተፉ እኳ እንተ ደለዩ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ብዙሕ ጕልበት ኣይተርፎምን እዩ። ገሊኦም ከኣ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ወይ እርጋን ኣበርክቶኦም ኣመና ኺድረት ይኽእል እዩ፣ ዓዲ ውዒል እውን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ድማ ወትሩ ከም ዘይረብሑ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትነብር ሜሪ * ዝስማ ሓብቲ፡ “ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ምቅላስ ብርቱዕ ጻዕሪ ስለ ዚሓትት፡ ብስምዒታዊ መዳይ ሓይለይ ጽንቅቕ እዩ ዚብለኒ። እዚ ድማ መሊሱ ኻብ ኣገልግሎተይ ግዜን ጕልበትን ስለ ዚወስደለይ፡ በደለኛ ዝዀንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ እዩ” ትብል።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

3 ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ብሕታዊ ጸገማትና ተጻዊርና ብዓቕምና ንየሆዋ ምእንቲ ኸነገልግሎ፡ ንሱ ሓይሊ ኺህበና ይኽእል እዩ። የሆዋ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ቕድሚ ምርኣይና ግና፡ ንጳውሎስን ንጢሞቴዎስን፡ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ ኣገልግሎቶም ኪፍጽሙ ብኸመይ ከም ዘበርትዖም ንመርምር።

ዕዮ ስብከት ምእንቲ ኽንፍጽም ዚውሃበና ብርታዐ

4. ጳውሎስ እንታይ ጸገማት እዩ ኣሕሊፉ፧

4 ጳውሎስ ብዙሕ ጸገማት ኣሕሊፉ እዩ። ምናዳ ምስ ተወቕዐን ብዳርባ እምኒ ምስ ተጨፍጨፈን ምስ ተኣስረን፡ ብርታዐ ኣድልይዎ እዩ። (2 ቈረ. 11:23-25) ኣብ ገሊኡ እዋናት ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ከም እተቓለሰ፡ ብግሁድ ተኣሚኑ እዩ። (ሮሜ 7:18, 19, 24) ብዘይካዚ፡ ‘ኣብ ስጋኡ እሾዅ’ ነይርዎ እዩ፡ ነዚ ኸኣ ኣምላኽ ኬርሕቐሉ ይደሊ ነይሩ እዩ።—2 ቈረ. 12:7, 8

ጳውሎስ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 5-6 ርአ) *

5. ጳውሎስ ጸገማት እናኣጋጠሞ ኽነሱ እንታይ እዩ ፈጺሙ፧

5 የሆዋ ንጳውሎስ እዚ ዅሉ ጸገማት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ሓይሊ ሂብዎ እዩ። ጳውሎስ እንታይ ከም ዝፈጸመ እሞ ሕስብ ነብሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ሮሜ ኣብ ሓንቲ ቤት ተኣሲሩ ኸሎ፡ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ምናልባት እውን ኣብ ቅድሚ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነቲ ብስራት ብቕንኣት ተጣቢቑሉ እዩ። (ግብ. 28:17፣ ፊል. 4:21, 22) ንብዙሓት ካብቶም ዘብዐኛታት ሃጸይ ሰቢኹሎም፡ ንዅሎም እቶም ኪበጽሕዎ ዚመጹ እውን መስኪሩሎም እዩ። (ግብ. 28:30, 31፣ ፊል. 1:13) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ፡ ዋላ እውን ሎሚ ንዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚጠቕማ መልእኽትታት ጽሒፉ እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብነቱ ነታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ ኣበርቲዕዋ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቶም ኣሕዋት “ከይፈርሁ ቓል ኣምላኽ ንምዝራብ ብዝያዳ ተቢዖም” እዮም። (ፊል. 1:14) ሓድሓደ ግዜ ጳውሎስ ዓቕሙ ይድረት እኳ እንተ ነበረ፡ ዚከኣሎ ገይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ “ንምስፋሕ እቲ ብስራት” ኰይኑ እዩ።—ፊል. 1:12

6. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 12:9, 10፡ ጳውሎስ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

6 ጳውሎስ ኵሉ እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝገበሮ ነገር፡ ብሓይሉ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ‘ሓይሊ ኣምላኽ ብድኻም ፍጹም ከም ዚኸውን’ እውን ተኣሚኑ እዩ። (2 ቈረንቶስ 12:9, 10 ኣንብብ።) የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ንጳውሎስ፡ መስጐጕትን ማእሰርትን ካልእ ጸገማትን እናሃለወ ኽነሱ፡ ኣገልግሎቱ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽም ሓይሊ ሂብዎ እዩ።

ጢሞቴዎስ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ) *

7. ጢሞቴዎስ ኣገልግሎቱ ንምፍጻም እንታይ ጸገማት እዩ ኺሰግር ነይርዎ፧

7 እቲ ንጳውሎስ ብጻዩ ዝነበረ ብዕድመ ዝነኣሰ ጢሞቴዎስ እውን፡ ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ኣብ ኣምላኽ ኪውከል ነይርዎ እዩ። ጢሞቴዎስ ንጳውሎስ ኣብ ነዊሕ ሚስዮናዊ ጕዕዞታት ኣሰንይዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ንጉባኤታት ኪበጽሕን ኬተባብዕን ኢሉ ናብ ተወሳኺ መገሻታት ልኢኽዎ እዩ። (1 ቈረ. 4:17) ጢሞቴዎስ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ “ሓደ እኳ ንንእስነትካ ኣይንዓቃ” ኢሉ ዝመዓዶ። (1 ጢሞ. 4:12) ብተወሳኺ እውን፡ ጢሞቴዎስ ናይ ስጋኡ እሾዅ፡ ማለት ‘ዚመላለሶ ሕማም’ ነይርዎ እዩ። (1 ጢሞ. 5:23) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ፡ ነቲ ብስራት ንምስባኽን ንኣሕዋቱ ንምግልጋልን ብርታዐ ኸም ዚህቦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—2 ጢሞ. 1:7

ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ እሙናት ክንከውን ዚውሃበና ብርታዐ

8. ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ዜበርትዖም ብኸመይ እዩ፧

8 ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ብተኣማንነት ምእንቲ ኼገልግልዎ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ይህቦም እዩ። (2 ቈረ. 4:7) የሆዋ ምእንቲ ኽንብርትዕን እሙናት ምእንቲ ኽንከውንን ኢሉ ዘዳለወልና ኣርባዕተ መሰናድዎ እስከ ንርአ። እዚ ኸኣ ጸሎት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናዊ ሕብረት፡ ኣገልግሎትና እዩ።

የሆዋ ብጸሎት ኣቢሉ የበርትዓና (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

9. ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

9 ካብ ጸሎት ዚርከብ ብርታዐ። ኣብ ኤፌሶን 6:18 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ጳውሎስ “ኵሉ ሳዕ” ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኣተባቢዑና እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣምላኽ ኬበርትዓና እዩ። ኣብ ቦሊቭያ ዚነብር ጆኒ፡ ተደራራቢ ሽግራት ምስ ኣጋጠሞ ነቲ ደገፍ እቲ ርእዩ እዩ። ሰበይቱን ክልቲኦም ወለዱን ብሓንሳእ ከቢድ ሕማም ሓመሙ። ጆኒ ኸኣ ንሰለስቲኦም ምእላይ፡ ቃልሲ ዀኖ። ድሕሪኡ ኣዲኡ ሞተት፡ ሰበይቱን ኣቦኡን ካብ ሕማሞም ንምሕዋይ እውን ነዊሕ ግዜ ወሰደሎም። ጆኒ ነዚ ምልስ ኢሉ ኺሓስቦ ኸሎ፡ “ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጸቕጢ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ወትሩ ዚሕግዘኒ ዝነበረ ነገር ንጹር ጸሎት እዩ” ይብል። የሆዋ ንጆኒ፡ ንምጽዋር ዜኽእል ብርታዐ ሂብዎ እዩ። ኣብ ቦሊቭያ ዚነብር ሮናልድ ዝስሙ ሽማግለ ኸኣ ኣዲኡ መንሽሮ ኸም ዘለዋ ሰምዐ። ድሕሪ ወርሒ ኣቢላ ኸኣ ሞተት። እሞ ደኣ ነዚ ጸገማት ንምጽዋር እንታይ ሓጊዝዎ፧ ነዚ ባዕሉ ኺምልስ ከሎ፡ “ናብ የሆዋ ኽጽሊ ኸለኹ ኣብ ልበይ ዘሎ ኸፍስሰሉን ስምዒተይ ክገልጽን የኽእለኒ እዩ። ንሱ ኻብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ፡ እንተላይ ካብ ገዛእ ርእሰይ ንላዕሊ ኸም ዚርድኣለይ ይፈልጥ እየ” ይብል። ሓድሓደ ግዜ እንገብሮ ስለ ዚሕርብተና፡ እንታይ ኢልና ኸም እንጽሊ እውን ይጠፍኣና እዩ። የሆዋ ግና ሓሳባትናን ስምዒታትናን ብቓላት ክንገልጽ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ናብኡ ኽንጽሊ ይዕድመና እዩ።—ሮሜ 8:26, 27

የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ የበርትዓና (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ኣብ እብራውያን 4:12 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብናዮ ምስትንታንን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብርታዐ። ከምቲ ጳውሎስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብርታዐን መጸናንዕን ዝረኸበ፡ ንሕና እውን ከምኡ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:4) ንቓል ኣምላኽ ከነንብቦን ከነስተንትነሉን ከለና፡ የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዅነታትና ብኸመይ ከም ዚምልከት ኬረድኣና ይኽእል እዩ። (እብራውያን 4:12 ኣንብብ።) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሮናልድ፡ “ምሸት ምሸት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ምምዕባለይ የሐጕሰኒ እዩ። ብዛዕባ ባህርያት የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንኣገልገልቱ ዝገበረሎም ፍቕራዊ ኣተሓሕዛን ብዙሕ አስተንትን እየ። እዚ ኸኣ ንሓይለይ ይሕድሶ እዩ” ይብል።

11. መጽሓፍ ቅዱስ ንሓንቲ ኣብ ጭንቂ ዝነበረት ሓብቲ ዘበርትዓ ብኸመይ እዩ፧

11 ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓሳባት ብምስትንታን፡ ብዛዕባ ዅነታትና ቕኑዕ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓንቲ ኣብ ሓዘን ዝነበረት መበለት ብኸመይ ከም ዝጠቐማ እስከ ንርአ። ሓደ ሽማግለ ንዓኣ፡ ንመጽሓፍ እዮብ ብምንባብ ሓጋዚ ትምህርትታት ክትረክብ ከም እትኽእል ሓሳብ ሃባ። ከምኡ ምስ ገበረት ከኣ፡ ኣብ ፈለማ ተሃዊኻ ንእዮብ ስለቲ ግጉይ ኣረኣእያኡ ኽትነቕፎ ጀመረት። ብሓሳባ ድማ፡ “እዮብ፡ ኣሉታዊ ነገር ጥራይ ኣይትሕሰብ” ኢላ ኣጠንቀቐቶ። ድሕሪኡ ግና ኣረኣእያኣ ምስ ናይ እዮብ ኣጸቢቑ ኸም ዚመሳሰል ኣስተብሃለት። እዚ ኸኣ ንኣረኣእያኣ ኸተዐሪ ሓገዛ፡ ነቲ ሰብኣያ ብሙማቱ ዘስዓበላ ሓዘን ክትጻወሮ እውን ኣበርትዓ።

የሆዋ ብክርስትያናዊ ሕብረት ኣቢሉ የበርትዓና (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. የሆዋ ብክርስትያናት ብጾትና ኣቢሉ ዜበርትዓና ብኸመይ እዩ፧

12 ካብ ክርስትያናዊ ሕብረት ዚርከብ ብርታዐ። የሆዋ ንክርስትያናት ብርታዐ ዚህበሉ ኻልእ መገዲ ኸኣ፡ ብክርስትያናት ብጾት ኣቢሉ እዩ። ጳውሎስ ንመንፈሳውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን እንታይ ከም ዝናፈቐ ኽገልጸሎም ከሎ፡ “ንሓድሕድና ኽንተባባዕ” ኢሉ ጽሒፉሎም ኣሎ። (ሮሜ 1:11, 12) እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሜሪ ነዚ ሕብረት እዚ ኣኽቢራ እያ እትርእዮ። ንሳ ኸምዚ ትብል፡ “የሆዋ፡ ንዝነበረኒ ቓልሲ ብዘይፈልጡ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ተጠቒሙ እዩ። ዜተባብዕ ዘረባ ይዛረቡኒ፡ ወይ ካርድ ይሰድዱለይ እዮም። ንሱ እዩ ኸኣ ብልክዕ ዜድልየኒ ነይሩ። ተመሳሳሊ ጸገማት ንዘሕለፋ ኣሓት ኣብ ልብኻ ዘሎ ምኽፋትን ካብ ተመክሮአን ትምህርቲ ምቕሳምን እውን ይሕግዝ እዩ። እቶም ሽማግለታት ድማ፡ ወትሩ ኣገዳሲት ክፍሊ እታ ጉባኤ ኸም ዝዀንኩ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ ይገብሩ እዮም።”

13. ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ከመይ ጌርና ኢና ንሓድሕድና እንበራታዕ፧

13 ሓደ ኻብቲ ንሓድሕድና እንተባብዓሉ ብሉጽ ቦታ ኣኼባታት ጉባኤ እዩ። ኣብ ኣኼባታት ክትእከብ ከለኻ ንኻልኦት ከም እትፈትዎምን ከም እተማስዎምን ካብ ልብኻ ብምግላጽ ንምንታይ ዘይተበርትዖም፧ ንኣብነት፡ ፒተር ዝስሙ ሽማግለ ቕድሚ ኣኼባ ንሓንቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ዘለዋ ሓብቲ፡ “ኣብዚ ኽንርእየኪ ኸለና ብዙሕ ንተባባዕ ኢና። ወትሩ ንሽዱሽተ ደቅኺ ሓሳብ ኪህቡ ተዳልውዮም ኢኺ” በላ። ንሳ ኸኣ ብምስጋና እተላዕለ ኣዒንታ ቕጽርጽር እናበላ፡ “ሎሚ እዘን ቃላት እዚአን ብሓቂ እየን ዜድልያኒ” ኢላ መለሰትሉ።

የሆዋ ብኣገልግሎት ኣቢሉ የበርትዓና (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ እንታይ ጽልዋ የሕድረልና፧

14 ካብ ኣገልግሎት ዚርከብ ብርታዐ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ንሰባት ክንነግር ከለና፡ ይስምዑና ኣይስምዑና ብዘየገድስ፡ መንፈስናን ሓይልናን ይሕደስ እዩ። (ምሳ. 11:25) ስቴሲ ዝስማ ሓብቲ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ኬበርትዕ ከም ዝኽእል ርእያ እያ። ኣባል ስድራ ቤታ ምስ ተወገደ፡ በዚ ኣመና ጐሃየት። ‘ክሕግዞ ደዀን ምኸኣልኩ፧’ ኢላ እውን ብተደጋጋሚ ትሓስብ ነበረት። ብዛዕባ ኻልእ ክትሓስብ ኣይከኣለትን። እሞ ደኣ ነቲ ዜጨንቕ ኵነታት ክትሰግር እንታይ ሓጊዝዋ፧ ኣገልግሎት እዩ ሓጊዝዋ። ኣብ ዕዮ ስብከት ክትሳተፍ ከላ፡ ኣብቶም ኣብ ክላ ዚርከቡ ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት ከተተኵር ጀመረት። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ፡ ቅልጡፍ ዕቤት ዝገበረት ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡኒ። እዚ ብዙሕ ኣተባቢዑኒ እዩ። ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ዜህድኣኒ፡ ናብ ኣገልግሎት ምውጻእ እዩ ነይሩ።”

15. ካብቲ ሜሪ ዝሃበቶ ሓሳባት እንታይ ትምሃር፧

15 ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ ዅነታቶም ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ኪገብሩ ከም ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ንየሆዋ ብሉጽካ ኽሳዕ ዝሃብካዮ፡ ንሱ ባህ ከም ዚብሎ ኣይትረስዕ። ኣብነት ሜሪ እስከ ደጊምና ንርአ። ብቛንቋ ወጻኢ ናብ እተገልግለሉ ኽሊ ምስ ገዓዘት፡ ብዙሕ ከተበርክት ከም ዘይትኽእል ኰይኑ ተሰሚዕዋ። ብዛዕባ ሽዑ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንእተወሰነ ግዜ፡ ቀሊል ሓሳብ ክህብ፡ ወይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ፡ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ትራክት ከበርክት ጥራይ እየ ዝኽእል ነይረ” ትብል። እዚ ኸኣ ምስቶም ነቲ ቛንቋ ዝመለኽዎ ሰባት ብምንጽጻር፡ ብቕዓት ዘይብላ ዀይኑ ኸም ዚስምዓ ገይሩ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣረኣእያኣ ኣዐረየት። ዓቕማ ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኺጥቀመላ ኸም ዚኽእል ተገንዘበት። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “እቲ ህይወት ዜድሕን ሓቅታት ቀሊል እዩ። እዚ ሓቅታት እዚ ኸኣ እዩ ህይወት ሰባት ዚቕይር” ትብል።

16. ነቶም ዓዲ ውዒል ዚዀኑ ብርታዐ ንምርካብ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

16 ዋላ እውን ዓዲ ውዒል እንተ ዀንና፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍ ዘሎና ድሌት ይርእዮን የማስወሉን እዩ። ንኣለይቲ ሕሙማት ወይ ንሰብ ሞያ ሕክምና ኽንምስክረሎም፡ ኣጋጣሚ ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ። ህሉው ንጥፈታትና ምስቲ ኣብ ሕሉፍ ክንገብሮ እንኽእል ዝነበርና እንተ ኣነጻጺርና፡ ንጕሂ ንኸውን። የሆዋ ሕጂ ብኸመይ ይሕግዘና ኸም ዘሎ እንተ ኣስተውዒልና ግና፡ ንዝዀነ ይኹን ፈተና ብሓጐስ ክንጻወር ዜኽእል ብርታዐ ንረክብ ኢና።

17. ቅልጡፍ ፍረ እኳ እንተ ዘይረኣና፡ ብመሰረት መክብብ 11:6 ኣገልግሎትና ኽንቅጽል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 ካብቲ እንዘርኦ ዘርኢ ሓቂ ኣየናዩ ሱር ሰዲዱ ኸም ዚበቍል ኣይንፈልጥን ኢና። (መክብብ 11:6 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኣብ 80ታት ዕድሚኣ እትርከብ ባርባራ ዝስማ ሓብቲ፡ ብተሌፎንን ብደብዳበን ኣዘውቲራ ትምስክር እያ። ኣብ ሓንቲ ኻብ ደብዳበታታ ኸኣ፡ “ኣምላኽ እንታይ ገይሩልካ” ዚብል ዓንቀጽ ዘላታ ናይ 1 መጋቢት 2014 ግምቢ ዘብዐኛ ኣተሓሒዛ ለኣኸት። ከይፈለጠት ከኣ ነታ ደብዳበ ናብ እተወገዱ ሰብ ሓዳር ለኣኸታ። ንሳቶም ድማ ነታ መጽሔት ደጋጊሞም ኣንበብዋ። እቲ ሰብኣይ፡ የሆዋ ንዕኡ ብቐጥታ ይዛረቦ ዘሎ ዀይኑ ተሰምዖ። ድሕርዚ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ ጀመሩ። ድሕሪ 27 ዓመት ከኣ ዳግም ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ባርባራ በታ ደብዳበ እቲኣ ኣወንታዊ ፍረ ኺርከብ ብምኽኣሉ ኽሳዕ ክንደይ መተባብዕን ብርታዐን ከም ዝረኸበት እሞ ሕሰቦ!

የሆዋ (1) ብጸሎት፡ (2) ብመጽሓፍ ቅዱስ፡ (3) ብክርስትያናዊ ሕብረት፡ (4) ብኣገልግሎት ኣቢሉ የበርትዓና (ሕጡብ ጽሑፍ 9-10, 12, 14 ርአ)

18. ካብ ሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ኽንገብር ንኽእል፧

18 የሆዋ ብዙሕ ሓይሊ ምእንቲ ኽንረክብ እኹል ኣጋጣሚታት ይህበና እዩ። ከም ጸሎትን መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ሕብረትን ኣገልግሎትን ዝኣመሰለ መሰናድዎታቱ ኽንጥቀመሉ ኸለና፡ ኣብቲ የሆዋ ንዓና ንምሕጋዝ ዘለዎ ክእለትን ድሌትን እምነት ከም ዘሎና ኢና እነርኢ። እምበኣር፡ ወትሩ ኣብቲ “ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ . . . ኼርኢ” ዚደሊ ሰማያዊ ኣቦና ንወከል።—2 ዜና 16:9

መዝሙር 61 ኣቱም መሰኻኽሩ፡ ኪዱ ሰጕሙ!

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ጽንኩር እዋን ኢና እንነብር ዘለና፣ የሆዋ ግና ክንጻወር ዜድሊ ሓገዝ ይህበና እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንሃዋርያ ጳውሎስን ንጢሞቴዎስን ብቐጻሊ ምእንቲ ኼገልግልዎ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሓገዞም ክንርኢ ኢና። ሎሚ ኽንጻወር ዚሕግዘና የሆዋ ዝገበሮ ኣርባዕተ መሰናድዎ እውን ክንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 2 ስም ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 53 መግለጺ ስእሊ፦ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኣብ ሓንቲ ቤት ተኣሲሩ ኸሎ፡ ንእተፈላለያ ጉባኤታት ደብዳበታት ይጽሕፈለን፡ ንበጻሕቱ ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎም።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ ጢሞቴዎስ ንጉባኤታት ኪበጽሕ ከሎ፡ ንኣሕዋት የተባብዖም።