ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 19

ራእይ—ሎሚ ንዓኻ ዘለዎ ትርጉም

ራእይ—ሎሚ ንዓኻ ዘለዎ ትርጉም

‘እቲ ንቓል እዚ ትንቢት እዚ ዓው ኢሉ ዜንብቦ ሕጉስ እዩ።’—ራእ. 1:3

መዝሙር 15 በዅሪ የሆዋ ይወደስ!

መላለዪ *

1-2. ሓደ ኻብቲ ብመጽሓፍ ራእይ እንግደሰሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

 ናይ ካልእ ሰብ ፎቶ ኣልቡም እናገንጸልካ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ነቲ ስእልታት በብሓደ ኽትርእዮ ኸለኻ፡ መብዛሕትኦም ዘይትፈልጦም ሰባት ትርኢ። ሓንቲ ስእሊ ግና ንኣቓልቦኻ ትስሕቦ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንስኻ ኣብታ ስእሊ ኣለኻ። ነታ ስእሊ እናጠመትካያ፡ መዓስን ኣበይን ከም እተሳእለት ክትዝክር ትፍትን። ንዅሎም እቶም ኣብታ ስእሊ ዘለዉ እውን በብሓደ ኸተለልዮም ትፍትን። እታ ስእሊ ንዓኻ ፍሉይ ትርጉም ኣለዋ።

2 መጽሓፍ ራእይ ከምታ ስእሊ እቲኣ እያ። ስለምንታይ፧ ክልተ ምኽንያታት ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ቀዳማይ፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ንዓና እያ ተጻሒፋ። ኣብታ ቐዳመይቲ ፍቕዲ፡ “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ራእይ” ዚብል ነንብብ። (ራእ. 1:1) ስለዚ፡ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ ነገራት ንሰባት ብሓፈሻ ዘይኰነስ፡ ንዓና ነቶም ርእስና ዝወፈና ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብ ምፍጻም እቲ ኣብዛ መሳጢት መጽሓፍ ዚርከብ ትንቢታት ተሳትፎ ዘሎና ምዃኑ ኼገርመና የብሉን። ብኻልእ ኣበሃህላ ገዛእ ርእስና “ኣብታ ስእሊ” ንረኽባ ኢና።

3-4. ብመሰረት መጽሓፍ ራእይ እቲ ትንቢታት መዓስ እዩ ዚፍጸም፧ እዚኸ ኣብ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይግባእ፧

3 እቲ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ፡ ምስቲ እቲ ትንቢታት ዚፍጸመሉ ግዜ እተተሓሓዘ እዩ። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ግዜ እቲ፡ “ብመንፈስ ተመሲጠ፡ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዀንኩ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ራእ. 1:10) ዮሃንስ ነዚ ቓላት እዚ ብ96 ድ.ክ. ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ “መዓልቲ ጐይታ” ገና ርሕቕቲ እያ ነይራ። (ማቴ. 25:14, 19፣ ሉቃ. 19:12) ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ ግና፡ ብ1914 የሱስ ኣብ ሰማይ ምስ ነገሰ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ጀመረት። ካብታ ዓመት እቲኣ ንነጀው፡ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጸሉ ኣብ ራእይ ዚርከብ ትንቢታት ኪፍጸም ጀመረ። እወ፡ ሎሚ ኣብ “መዓልቲ ጐይታ” ኢና እንነብር ዘለና!

4 ኣብዚ ልቢ ዚሰልብ እዋን ንነብር ስለ ዘለና፡ ነቲ ኣብ ራእይ 1:3 እተመዝገበ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ፍቕራዊ ምኽሪ ፍሉይ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ኣሎና፦ “እቲ ምዱብ ግዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ንቓል እዚ ትንቢት እዚ ዓው ኢሉ ዜንብቦን እቶም ዚሰምዕዎን ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ እውን ዚሕልውዎን ሕጉሳት እዮም።” እወ፡ ‘ንቓል እዚ ትንቢት እዚ ዓው ኢልና ኸነንብቦን ክንሰምዖን ክንሕልዎን’ ኣሎና። ገለ ኻብዚ ኽንሕልዎ ዘሎና ቓል እንታይ እዩ፧

ኣምልኾኻ ቕቡል ምዃኑ ኣረጋግጽ

5. ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕቡል ምዃኑ ኸነረጋግጽ ከም ዘሎና ኣብ መጽሓፍ ራእይ ጐሊሑ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

5 ካብታ ኣብ መጽሓፍ ራእይ እትርከብ ቀዳመይቲ ምዕራፍ ኣትሒዙ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ናይ ህዝቡ ጉባኤታት ዚግበር ብምሉኡ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (ራእ. 1:12-16, 20፣ 2:1) የሱስ ኣብቲ ናብተን ኣብ ንእሽቶ እስያ ዚርከባ ጉባኤታት ዝለኣኾ መልእኽትታት፡ እዚ ፍልጠት እዚ ኸም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። ኣብቲ መልእኽትታቱ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣምልኾኦም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕቡል ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ንጹር መምርሒ ሂብዎም እዩ። እቲ ኣብቲ መልእኽትታት እቲ እተባህለ ኸኣ፡ ሎሚ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ይምልከቶም እዩ። እሞ ደኣ ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧ መራሒና ክርስቶስ የሱስ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታትና ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ትሕቲ ዕቝባኡን መሪሕነቱን ኢና ዘለና። ካብ ኣዒንቱ ኼምልጥ ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። ወትሩ ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ኺህልወና እንታይ ክንገብር ከም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። እሞ ደኣ ሎሚ ንሕና ኽንሕልዎ ዚግባእ እንታይ መምርሒ እዩ ሂቡ፧

6. (ሀ) ኣብ ራእይ 2:3, 4 ጐሊሑ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ኣብቲ ናብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝለኣኾ መልእኽቲ እንታይ መሰረታዊ ጸገም እዩ ሓቢሩ፧ (ለ) ንሕና ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧

6 ራእይ 2:3, 4 ኣንብብ። ነታ ንየሆዋ ዘላትና ቐዳመይቲ ፍቕሪ ኽንሓድጋ የብልናን። የሱስ ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ናብ ዚርከቡ ክርስትያናት ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ንሳቶም እተፈላለየ ጸገማት እናሃለዎም ክነሱ ኸም እተጻወሩን ከይተሓለሉ ንየሆዋ ኸም ዘገልገሉን ሓቢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕሮም ሓዲጎምዋ ነይሮም እዮም። ነታ ፍቕሪ እቲኣ ዳግም ኪውልዕዋ ነይርዎም። እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣምልኾኦም ቅቡል ኣይኰነን ዚኸውን። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ካብ ተጻዋርነት ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ብቕኑዕ ምኽንያታት ክንጻወር ኣሎና። ኣምላኽና እንታይ ከም እንገብር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም እንገብር እውን ይግደስ እዩ። ኣምልኾና ኣብቲ ንዕኡ ዘሎና ዓሚቝ ፍቕርን ሞሳን እተመርኰሰ ኪኸውን ስለ ዚጽበዮ፡ ውሽጣዊ ድራኸና ንዕኡ የገድሶ እዩ።—ምሳ. 16:2፣ ማር. 12:29, 30

7. (ሀ) ኣብ ራእይ 3:1-3 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ኣብ ሳርዴስ እንታይ ጸገም እዩ ርእዩ፧ (ለ) እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

7 ራእይ 3:1-3 ኣንብብ። ወትሩ ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። ኣባላት ጉባኤ ሳርዴስ ካልእ ጸገም እዩ ነይርዎም። ኣቐዲሞም ብመንፈሳዊ መዳይ ንጡፋት እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ግና ሸለልተኛታት ኰይኖም ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ የሱስ ‘ንቕሑ’ ኢልዎም እዩ። እሞ ደኣ ኻብዚ መጠንቀቕታ እንታይ ኢና እንምሃር፧ ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ንዕዮና ኣይርስዖን እዩ። (እብ. 6:10) ኰይኑ ግና፡ በቲ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኽንዓግብ የብልናን። ካብ ቀደም ብዝያዳ ንዓቕምና ዚድርት ኵነታት እኳ እንተሎ፡ ኵሉ ሳዕ ብዙሕ “ዕዮ ጐይታ” ኺህልወና ኣለዎ፣ ክሳዕ መወዳእታ እውን ንቑሓት ኴንና ኽንመላለስ ኣሎና።—1 ቈረ. 15:58፣ ማቴ. 24:13፣ ማር. 13:33

8. ካብቲ ኣብ ራእይ 3:15-17 ዚርከብ ኣብ ሎዲቅያ ንዝነበሩ ኣሕዋት እተዘርበ ቓል እንታይ ንምሃር፧

8 ራእይ 3:15-17 ኣንብብ። ኣምልኾና ብቕንኣትን ብምሉእ ልብን ከነቕርብ ኣሎና። የሱስ ናብቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኻልእ ጸገም እዩ ኣጕሊሑ። ኣብ ኣምልኾኦም ‘ልቡጣት’ እዮም ነይሮም። ብሰንኪ እቲ ዘይተገዳስነቶም ከኣ፡ የሱስ “ምግዱርን ዜደንግጽን” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። ንየሆዋን ንኣምልኾኡን ውዕዉዕ ቅንኣት ኬርእዩ ነይርዎም። (ራእ. 3:19) እሞ ደኣ ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧ ቅንኣትና እንተ ነክዩ፡ ንመንፈሳዊ ሃብቲ ዘሎና ሞሳ ኸም ብሓድሽ ከነጐሃህር ኣሎና። (ራእ. 3:18) ምሾት ዘለዎ ናብራ ኸም እነስግል ኪገብረና እሞ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ናብ ካልኣይ ደረጃ ኼውርዶ ፈጺምና ኽንፈቅድ የብልናን።

9. ኣብቲ የሱስ ኣብ ጴርጋሞስን ኣብ ትያቲራን ናብ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝለኣኾ መልእኽትታት ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ካብ ምንታይ ሓደጋ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

9 ንትምህርትታት ከሓድቲ ኽንነጽጎ ኣሎና። የሱስ ኣብ ጴርጋሞስ ንዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት ክፍፍልን መናፍቕነትን ብምስፍሕፋሖም ነቒፍዎም እዩ። (ራእ. 2:14-16) ነቶም ኣብ ትያቲራ ዚርከቡ ኻብ “መዓሙቝ ሰይጣን” ዝረሓቑ ኸኣ ንኢድዎም እዩ፣ ንሓቂ ‘ኣጽኒዖም ኪሕዝዋ’ እውን ተማሕጺንዎም እዩ። (ራእ. 2:24-26) እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ብናይ ሓሶት ትምህርትታት እተታለሉ ድኹማት ክርስትያናት ኪንስሑ ነይርዎም። ንሕናኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዚጻረር ዝዀነ ይኹን ትምህርቲ ኽንነጽግ ኣሎና። ከሓድቲ ‘ንኣምላኽ ተወፋይነት ዘለዎም ይመስሉ’ ይዀኑ፡ ‘ንሓይሉ ግና ይኽሕድዎ’ እዮም። (2 ጢሞ. 3:5) ትጉሃት ተምሃሮ ቓል ኣምላኽ እንተ ዄንና፡ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ንምልላይን ንምንጻግን ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና።—2 ጢሞ. 3:14-17፣ ይሁ. 3, 4

10. ካብቲ የሱስ ንጉባኤታት ጴርጋሞስን ትያቲራን ዝበሎ ነገር እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ ንረክብ፧

10 ኣብ ዝዀነ ዓይነት ምንዝርና ኽንሳተፍ ወይ ንዝዀነ ዓይነት ምንዝርና ኣፍኲስና ኽንርኢ የብልናን። ኣብ ጴርጋሞስን ትያቲራን ካልእ ጸገም እውን ነይሩ እዩ። የሱስ ኣብዘን ጉባኤታት ንዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት ንምንዝርና ብዘይምንጻጎም ኰኒንዎም እዩ። (ራእ. 2:14, 20) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ እንተ መንዚርና፡ የሆዋ ነዚ ስቕ ኢሉ ኣይርእዮን እዩ፣ ዋላ እውን ንሓያሎ ዓመታት ዘገልገልናን ሕጂ ብዙሕ ፍሉይ መሰላት ዘሎናን እንተ ዀንና፡ ንሱ ኣይንሕፈናን እዩ። (1 ሳሙ. 15:22፣ 1 ጴጥ. 2:16) መለክዒታት ዓለም ሽሕ ሳዕ የንቈልቍል ብዘየገድስ፡ ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታቱ ኽንሕሉ ይጽበየና እዩ።—ኤፌ. 6:11-13

11. ክሳዕ ሕጂ እንታይ ኢና ተማሂርና፧ (“ ሎሚ ንዓና ዚኸውን ትምህርትታት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

11 ክሳዕ ሕጂ እንታይ ኢና ርኢና፧ ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕቡል ምዃኑ ኸነረጋግጽ ከም ዘሎና ርኢና ኢና። ንኣምልኾና ዘይቅቡል ዚገብሮ ነገር ንገብር እንተ ኣሊና፡ ነቲ ነገር ንምዕራይ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና። (ራእ. 2:5, 16፣ 3:3, 16) ይኹን እምበር፡ የሱስ ኣብቲ ናብተን ጉባኤታት ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ካልእ ነገር እውን ኣጕሊሑ እዩ። እዚ እንታይ እዩ፧

መስጐጕቲ ንምጽዋር ድሉው ኩን

ሰይጣን ካብ ሰማይ ምስ ተደርበየ፡ ብኸመይ እዩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ፈንዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 12-16 ርአ)

12. የሱስ ነቶም ኣብ ስሚርናን ፊላደልፍያን ዝነበሩ ኣሕዋት እንታይ ንዓና ዜገድሰና መልእኽቲ እዩ ልኢኹሎም፧ (ራእይ 2:10)

12 ሕጂ ነቲ የሱስ ናብ ጉባኤታት ስሚርናን ፊላደልፍያን ዝለኣኾ መልእኽትታት እስከ ንርአ። ነቶም ኣብተን ጉባኤታት ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ስለቲ ተኣማንነቶም ዓስቢ ስለ ዚረኽቡ፡ በቲ ዚመጾም መስጐጕቲ ኸይፈርሁ ነጊርዎም እዩ። (ራእይ 2:10 ኣንብብ፣ ራእ. 3:10) ሎሚ ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧ ንመስጐጕቲ ኽንጽበዮ፡ ንምጽዋሩ እውን ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። (ማቴ. 24:9, 13፣ 2 ቈረ. 12:10) እዚ መዘኻኸሪ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13-14. ህዝቢ ኣምላኽ በቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12 ተጠቒሱ ዘሎ ፍጻመታት ብኸመይ ተጸልዮም፧

13 መጽሓፍ ራእይ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ “መዓልቲ ጐይታ፡” ማለት ኣብዚ ግዜና መስጐጕቲ ኸም ዚወርዶም ትሕብር እያ። ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተወልደት ብኡብኡ ኣብ ሰማይ ውግእ ከም ዝዀነ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ ውግእ ከኣ፡ ሚካኤልን ሰራዊቱን (ሚካኤል እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ እዩ) ምስ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እዮም ተዋጊኦም። (ራእ. 12:7, 8) ሽዑ፡ ጸላእቲ ኣምላኽ ተሳዕሩ፡ ናብ ከባቢ ምድሪ እውን ተደርበዩ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ምድርን ኣብ ነበርታን ብዙሕ መከራ መጸ። (ራእ. 12:9, 12) እዚ ግና ንህዝቢ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ጸልይዎም፧

14 ድሕርዚ ሰይጣን እንታይ ከም ዝገበረ ኣብ ራእይ ተገሊጹ ኣሎ። ድሕሪ ደጊም ናብ ሰማይ ኪኣቱ ስለ ዘይከኣለ፡ ነቶም ተረፍ ቅቡኣት፡ ማለት ነቶም “ብዛዕባ የሱስ ዚምስክሩ” ምድራውያን ተወከልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቘጥዖም። (ራእ. 12:17፣ 2 ቈረ. 5:20፣ ኤፌ. 6:19, 20) እሞ ደኣ እዚ ትንቢት እዚ ብኸመይ ተፈጺሙ፧

15. እቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 11 እተጠቕሱ “ኽልተ መሰኻኽር” ንመን እዮም ዚውክሉ፧ ንሳቶምከ እንታይ እዮም ኰይኖም፧

15 ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እቶም ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚመርሑ ዝነበሩ ቕቡኣት ኣሕዋት መጥቃዕቲ ፈነወ። እቶም ንዓታቶም ዜመልክቱ “ኽልተ መሰኻኽር” ከኣ ከም ዚቕተሉ ተገሊጹ ኣሎ። * (ራእ. 11:3, 7-11) ብ1918 ሓላፍነት ዘለዎም ሸሞንተ ኣሕዋት ብናይ ሓሶት ክሲ ንነዊሕ ዓመታት ኪእሰሩ ተፈርዶም። ብኣረኣእያ ሰብ፡ እቲ ናይቶም ቅቡኣት ዕዮ ኸም ‘እተቐትለ’ እዩ ዚመስል ነይሩ።

16. ብ1919 እንታይ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ነገር እዩ ዀይኑ፧ ሰይጣን ግና ካብ ሽዑ ንነጀው እንታይ እዩ ብቐጻሊ ዚገብር ዘሎ፧

16 ኣብ ራእይ ምዕራፍ 11 ዘሎ ትንቢት፡ እቶም “ክልተ መሰኻኽር” ድሕሪ ሓጺር እዋን ዳግም ህያዋን ከም ዚዀኑ እውን ይሕብር እዩ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እቲ ትንቢት እቲ ኻብቲ እቶም ኣሕዋት እተኣስሩሉ እዋን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እዩ ተፈጺሙ። ኣብ መጀመርታ 1919፡ እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ካብ ማእሰርቲ ተፈትሑ፣ ጸኒሑ ድማ እቲ ኽሶም ተሰረዘ። እቶም ኣሕዋት ድማ ብኡብኡ ናብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ተመልሱ። እዚ ግና ንሰይጣን፡ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ኻብ ምፍናው ደው ኣየበሎን። ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ከም “ውሒዝ” ዝበለ መስጐጕቲ ይፍኑ ኣሎ። (ራእ. 12:15) ብሓቂ እምበኣር፡ ናይ ነፍሲ ወከፍና “ተጻዋርነትን እምነትን . . . ኣብዚ እዩ” ዚርአ።—ራእ. 13:10

ኣብቲ የሆዋ ዝሃበና ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ

17. ህዝቢ ኣምላኽ ዕላማ መጥቃዕትታት ሰይጣን እኳ እንተ ዀኑ፡ እንታይ ዘይተጸበይዎ ረድኤት እዮም ዝረኸቡ፧

17 ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12፡ ድሕርዚ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዘይተጸበይዎ ኣንፈት ረድኤት ከም ዚረኽቡ ተገሊጹ ኣሎ። “ምድሪ” ነቲ ኸም “ውሒዝ” ዝበለ መስጐጕቲ ኸም እትውሕጦ ተሓቢሩ ኣሎ። (ራእ. 12:16) ብልክዕ ድማ፡ ከምኡ እዩ ዀይኑ። እቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ብዝያዳ እተረጋግአ ባእታታት፡ ንኣብነት ገሊኡ ፍርዳዊ ስርዓታት፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣናጊፍዎም እዩ። ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ቤት ፍርዲ ብተደጋጋሚ ተዓዊቶም እዮም፣ እዚ ድማ እተወሰነ ናጽነት ኪረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ናጽነቶም ብኸመይ ተጠቒሞምሉ፧ ንዅሉ እቲ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚታት ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ዕዮ ንምዕያይ እዮም ምሉእ ብምሉእ ተጠቒሞምሉ። (1 ቈረ. 16:9) እዚ ዕዮ እዚኸ እንታይ የጠቓልል፧

ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ክልተ መልእኽትታት እዮም ዚእውጁ ዘለዉ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 18-19 ርአ)

18. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ቀንዲ ዕዮና እንታይ እዩ፧

18 የሱስ መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ህዝቡ ኣብ ብዘላ ምድሪ “ብስራት መንግስቲ” ኣምላኽ ከም ዚሰብኩ ተነብዩ እዩ። (ማቴ. 24:14) ንሳቶም ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ ኸኣ፡ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን . . . ናይ ዘለኣለም ብስራት” ካብ ዜበስር መልኣኽ ወይ ጕጅለ መላእኽቲ ደገፍ ይረኽቡ እዮም።—ራእ. 14:6

19. እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ዘበሉ እንታይ ካልእ መልእኽቲ እውን እዮም ኪሰብኩ ዘለዎም፧

19 ህዝቢ ኣምላኽ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰኑን ዚእውጁ። ነቲ እቶም ኣብ ራእይ ምዕራፍ 8 ኽሳዕ 10 እተጠቕሱ መላእኽቲ ዚዓይይዎ ዕዮ እውን ኪድግፉ ኣለዎም። እቶም መላእኽቲ እቲኦም ኣብ ልዕሊ እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅበሉ ዘበሉ ብተኸታታሊ ወዮታት እዮም ዚእውጁ። ስለዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ“በረድን ሓውን” እተመሰለ ናይ ፍርዲ መልእኽትታት እውን ይእውጁ እዮም፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ልዕሊ እተፈላለየ ባእታታት እዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚወርድ ፍርድታት ኣምላኽ ይገልጹ እዮም። (ራእ. 8:7, 13) ሰባት ኣብ ህይወቶም ዓበይቲ ለውጥታት ገይሮም ካብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ምእንቲ ኺድሕኑ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ኺፈልጡ ኣለዎም። (ጸፎ. 2:2, 3) እዚ መልእኽቲ እዚ ግና ብብዙሓት ዚፍቶ ኣይኰነን። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምእንቲ ኽንእውጅ፡ ትብዓት የድልየና እዩ። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸኣ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ፍርዲ መልእኽቲ ብዝያዳ ተሪር ኪኸውን እዩ።—ራእ. 16:21

ቃል እዚ ትንቢት እዚ ሓሉ

20. ኣብ ዚቕጽል ክልተ ዓንቀጻት እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

20 ኣብ ፍጻመ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘንበብናዮ ትንቢት እጃም ስለ ዘሎና፡ “ንቓል እዚ ትንቢት እዚ” ኽንሕልዎ ኣሎና። (ራእ. 1:3) እንተዀነ ግና፡ ብተኣማንነት መስጐጕቲ እናተጻወርና ነቲ መልእኽትታት ብትብዓት ኣብ ምእዋጅ እጃምና ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ክልተ ነገራት ኬበርትዓና ይኽእል እዩ፦ ቀዳማይ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ ጸላእቲ ኣምላኽ እተገልጸ ነገራት፡ ካልኣይ ከኣ ብተኣማንነት እንተ ጸኒዕና ኣብ መጻኢ እንረኽቦ በረኸት ኬበርትዓና ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገራት እዚ ኣብ ዚቕጽል ክልተ ዓንቀጻት ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 32 ወግን ምስ የሆዋ!

^ ሕ.ጽ. 5 ልቢ ኣብ ዚሰልብ ግዜ ኢና እንነብር ዘለና። ሎሚ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ ትንቢታት ይፍጸም ኣሎ። እዚ ትንቢታት እዚ ብኸመይ ይጸልወና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብ ዚስዕብ ክልተ ዓንቀጻትን ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ ሓፈሻዊ ነጥብታት ክንምርምር ኢና። እዚ ዓንቀጻት ከኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተጻሒፉ ዘሎ ብምሕላው ከመይ ጌርና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ቅቡል ኣምልኾ ኸም እነቕርብ ይሕብር።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2014 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 30 እትርከብ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።