ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 21

ራእይ—ንመጻኢኻ ዘለዎ ትርጉም

ራእይ—ንመጻኢኻ ዘለዎ ትርጉም

“ኣሜን! ጐይታና የሱስ፡ ንዓ።”—ራእ. 22:20

መዝሙር 142 ንተስፋና ኣጽኒዕና ንሓዛ

መላለዪ *

1. ኵሎም ሰባት እንታይ ኣገዳሲ ውሳነ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧

 ሎሚ ዘለዉ ሰባት ኣገዳሲ ውሳነ ኺገብሩ ኣለዎም። ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ግቡእ ገዛኢ ዩኒቨርስ መጠን ኪድግፍዎ ድዮም፡ ወይስ ኣብ ጐድኒ እቲ ሕሱም ጸላኢኡ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ እዮም ኪቘሙ፧ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ማእከላይ መርገጽ ዚብሃል የልቦን። እቲ ዚገብርዎ ውሳነ ንዘለኣለማዊ መጻኢኦም ይጸሉ እዩ። (ማቴ. 25:31-33, 46) ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸኣ ወይ ንድሕነት ወይ ንጥፍኣት ምልክት ኪግበረሎም እዩ።—ራእ. 7:14፣ 14:9-11፣ ህዝ. 9:4, 6

2. (ሀ) እብራውያን 10:35-39 እንታይ ክንገብር እያ እተተባብዓና፧ (ለ) መጽሓፍ ራእይ ብኸመይ ትሕግዘና፧

2 እብራውያን 10:35-39 ኣንብብ። ንግዝኣት የሆዋ ኽትድግፍ እንተ ወሲንካ፡ ጥበባዊ ውሳነ ኢኻ ጌርካ ዘለኻ። ካልኦት ቅኑዕ ኪገብሩ ንምሕጋዝ እውን ድሌት ኣሎካ። ከምኡ ንምግባር ከኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ሓበሬታ ንዓታቶም ንምሕጋዝ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። እዛ እተደንቕ መጽሓፍ እዚኣ፡ እቶም ንየሆዋ ዚጻረርዎ እንታይ ከም ዚዀኑ ትገልጽ እያ። እቶም ንግዝኣቱ ብተኣማንነት ዚድግፉ እውን፡ እንታይ በረኸት ከም ዚረኽቡ ተጕልሕ እያ። እምበኣር፡ ነዚ ኣገዳሲ ሓቅታት ክንምርምሮ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ነቲ ብቐጻሊ ንየሆዋ ንምግልጋል ዝገበርናዮ ቈራጽነት የድልድለልና እዩ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ዝፈለጥናዮ ነገር ንኻልኦት ቅኑዕ ውሳነ ኺገብሩን ነቲ ውሳነኦም ሓልዮም ኪመላለሱን ንምሕጋዝ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፦ ነቶም ንግዝኣት ኣምላኽ ዚድግፉ እንታይ እዩ ተዓቚሩሎም ዘሎ፧ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ እቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ እተጠቕሰ ቐይሕ ኣራዊት ዚድግፉ እንታይ እዮም ኪዀኑ፧

ነቶም እሙናት እንታይ ይጽበዮም ኣሎ፧

4. ሃዋርያ ዮሃንስ ነየኖት ጕጅለ እዩ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ደው ኢሎም ዝረኣዮም፧

4 ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ንግዝኣት የሆዋ ዚድግፉን በረኸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡን ክልተ ጕጅለ ረኣየ። እቶም ቀዳማይ ጕጅለ፡ ቍጽሮም 144,000 እዩ። (ራእ. 7:4) ንሳቶም ከኣ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ መንግስቲ ኬቝሙ ኻብ ምድሪ እተወስዱ እዮም። ምስኡ ሓቢሮም ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኺገዝኡ እዮም። (ራእ. 5:9, 10፣ 14:3, 4) ኣብቲ ራእይ፡ ዮሃንስ ንዓታቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማያዊ ኸረን ጽዮን ደው ኢሎም ርእይዎም እዩ።—ራእ. 14:1

5. እቶም ዝተረፉ ኽፋል እቶም 144,000 ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧

5 ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ኣብ ዘሎ ዘመናት፡ ኣሽሓት ሰባት ክፍሊ እቶም 144,000 ኪዀኑ ተሓርዮም እዮም። (ሉቃ. 12:32፣ ሮሜ 8:17) ኰይኑ ግና፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዝተረፉ ኽፋሎም ወይ ሒደት ዝቝጽሮም ጥራይ ኣብ ምድሪ ብህይወት ከም ዚነብሩ ንዮሃንስ ተነግሮ። እቶም “ዝተረፉ” ኸኣ ቅድሚ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምጅማሩ፡ ስምረት የሆዋ ኸም ዝረኸቡ ዚሕብር ናይ መወዳእታ “ማሕተም” ኪቕበሉ እዮም። (ራእ. 7:2, 3፣ 12:17) ድሕሪኡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ እዞም ተረፍ እዚኦም ምስቶም ኣቐዲሞም ብተኣማንነት ዝሞቱ ኻልኦት ክፋል እቶም 144,000 ንምሕባር ናብ ሰማይ ኪውሰዱ እዮም። ኣብኡ ድማ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንየሱስ መጋዝእቱ ኪዀኑ እዮም።—ማቴ. 24:31፣ ራእ. 5:9, 10

6-7. (ሀ) ዮሃንስ ቀጺሉ እንታይ ጕጅለ እዩ ርእዩ፧ ብዛዕባኦምከ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ (ለ) እቶም ተረፍ ኰኑ እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ብራእይ ምዕራፍ 7 ኺግደሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

6 ዮሃንስ ነቶም ሰማያውያን ጕጅለ ድሕሪ ምርኣዩ፡ “ብዙሓት ህዝቢ” እውን ርእዩ እዩ። እዚኣቶም ከኣ ዘይከምቶም 144,000፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ጕጅለ እዮም። (ራእ. 7:9, 10) ብዛዕባኦምከ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ ዮሃንስ ከምዚ ተባሂሉ ተነግሮ፦ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ እዮም፣ ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮምዎ እዮም።” (ራእ. 7:14) እዞም ብዙሓት ህዝቢ እዚኦም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ምስ ደሓኑ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኺነብሩን ዜደንቕ በረኸት ኬስተማቕሩን እዮም።—መዝ. 37:9-11, 27-29፣ ምሳ. 2:21, 22፣ ራእ. 7:16, 17

7 ካብቶም ናብ ሰማይ ኪኸዱ እተሓርዩ ንኹን ወይስ ካብቶም ኣብዛ ምድሪ ዚነብሩ ንኹን ብዘየገድስ፡ ገዛእ ርእስና ኣብቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 ተገሊጹ ዘሎ ኣእቲና ንርእያ ዲና፧ ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። እቲ ግዜ እትስ ንኽልቲኦም ጕጅለታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ግዜ ዀን እዩ ኪኸውን! ንግዝኣት የሆዋ ኽንድግፍ ምውሳንና፡ ሽዑ ኼሐጕሰና እዩ። እሞ ደኣ መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እቲ ብርቱዕ ጸበባ እንታይ ተወሳኺ ነገራት እያ እትነግረና፧—ማቴ. 24:21

ነቶም ንኣምላኽ ዚጻረሩ እንታይ ይጽበዮም ኣሎ፧

8. እቲ ብርቱዕ ጸበባ ብኸመይ እዩ ኺጅምር፧ መብዛሕትኦም ሰባትከ ብኸመይ እዮም ኪጽለዉ፧

8 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ፖለቲካዊ ባእታታት እዛ ዓለም ንዓባይ ባቢሎን፡ ማለት ንናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪግልበጥዋ እዮም። (ራእ. 17:16, 17) እዚ ስጕምቲ እዚ ኸኣ መጀመርታ ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ። እሞኸ ነዚ ምስ ረኣዩስ፡ ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣምልኾ የሆዋ ኺውሕዙ ድዮም፧ ኣይፋልን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 6 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣብቲ ወሳኒ እዋን እቲ፡ እቶም ንየሆዋ ዘየገልግሉ ሰባት ካብቲ ብኣኽራን ተመሲሉ ዘሎ ፖለቲካውን ንግዳውን ስርዓታት እዛ ዓለም ዕቝባ ኺደልዩ እዮም። ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዘይቈሙ ኸኣ፡ የሆዋ ኸም ተጻረርቲ ገይሩ ኺርእዮም እዩ።—ሉቃ. 11:23፣ ራእ. 6:15-17

9. ህዝቢ የሆዋ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ በይኖም ተፈልዮም ዚቘሙ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት እዩ ኺህልዎ፧

9 ኣብቲ ጽንኩር እዋን ጸበባ፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ በይኖም ተፈልዮም ኪቘሙ እዮም። ኣብ ምድሪ ንየሆዋ ኣምላኽ ዜገልግሉን ነቲ “ኣራዊት” ደገፍ ምሃብ ዚኣብዩን ጕጅለ ሰባት፡ ንሳቶም ጥራይ ኪዀኑ እዮም። (ራእ. 13:14-17) ብምኽንያት እቲ ጽኑዕ መትከሎም ከኣ፡ ተጻረርቲ የሆዋ ኪቝጥዑ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ስሙራት ኣህዛብ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ኺፍንዉ እዮም። እዚ ናይ ጽላለ መጥቃዕቲ እዚ፡ መጥቃዕቲ ጎግ ብዓል ማጎግ ተባሂሉ ብትንቢት ተገሊጹ እዩ።—ህዝ. 38:14-16

10. ኣብ ራእይ 19:19-21 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዚፍኖ መጥቃዕቲ እንታይ ግብረ መልሲ እዩ ኺህብ፧

10 የሆዋ ነዚ ሕሱም መጥቃዕቲ እንታይ ግብረ መልሲ እዩ ኺህብ፧ ንሱ ባዕሉ፡ “ዓብዪ ነድረይ ኪባራዕ እዩ” ኢሉ ነጊሩና ኣሎ። (ህዝ. 38:18, 21-23) ራእይ ምዕራፍ 19፡ ቀጺሉ እንታይ ከም ዚኸውን ትገልጽ። የሆዋ ንህዝቡ ምእንቲ ኺከላኸለሎምን ንጸላእቱ ምእንቲ ኺስዕሮምን ኢሉ ንወዱ ኺልእኮ እዩ። ኣብቲ የሱስ ዚፍንዎ ጸረ መጥቃዕቲ፡ “ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት፡” ማለት እቶም እሙናት መላእኽትን እቶም 144,000ን ኪጽምበርዎ እዮም። (ራእ. 17:14፣ 19:11-15) እሞ ደኣ መወዳእታ እቲ ውግእ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ንየሆዋ ዚጻረሩ ዅሎም ሰባትን ውድባትን ምሉእ ብምሉእ ኪጠፍኡ እዮም!—ራእይ 19:19-21 ኣንብብ።

ድሕሪ እቲ ውግእ ዚግበር መርዓ

11. ኣብ መጽሓፍ ራእይ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመ እንታይ እዩ፧

11 ጸላእቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምስ ጠፍኡ፡ እቶም ድሒኖም ኣብ ምድሪ ዚተርፉ እሙናት ከመይ ከም ዚስምዖም እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ! ሽዑ ብሓቂ ዓብዪ ሓጐስ ኪኸውን እዩ! ዓባይ ባቢሎን ኣብ እትጠፍኣሉ እዋን ኣብ ሰማይ ዓው ዝበለ ታሕጓስ ዚስማዕ እኳ እንተ ዀነ፡ ዝዓበየ ሓጐስ ዜምጽእ ካልእ ነገር እውን ኣሎ። (ራእ. 19:1-3) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ እቲ ነገር እቲ፡ ማለት “መርዓ እቲ ገንሸል፡” ኣብ መጽሓፍ ራእይ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመ እዩ።—ራእ. 19:6-9

12. ኣብ ራእይ 21:1, 2 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ መርዓ እቲ ገንሸል መዓስ እዩ ኺግበር፧

12 እቲ መርዓ መዓስ እዩ ኺግበር፧ ኵሎም እቶም 144,000 ቀቅድሚ ኣርማጌዶን ናብ ሰማይ ኪኸዱ እዮም። መርዓ እቲ ገንሸል ግና ሽዑ ኣይኰነን ኪግበር። (ራእይ 21:1, 2 ኣንብብ።) መርዓ እቲ ገንሸል ድሕሪ ውግእ ኣርማጌዶን ኵሎም ጸላእቲ ኣምላኽ ምስ ተወገዱ እዩ ኺግበር።—መዝ. 45:3, 4, 13-17

13. ኣብ መርዓ እቲ ገንሸል እንታይ እዩ ዚኸውን፧

13 ኣብ መርዓ እቲ ገንሸል እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ከምቲ መርዓ ንሰብኣይን ንሰበይትን ብሓደ ዚጠምሮም፡ እዚ ምሳልያዊ መርዓ ኸኣ ነቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ነቶም ከም ‘መርዓቱ’ ዝዀኑ 144,000ን ሓደ ይገብሮም እዩ። በዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ኸኣ፡ እታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ 1,000 ዓመት እትገዝእ መንግስቲ ኽትቀውም እያ።—ራእ. 20:6

ክብሪ ዝዓሰላ ኸተማን መጻኢኻን

ኣብ ራእይ ምዕራፍ 21፡ እታ ምሳልያዊት ከተማ ዝዀነት ሓዳስ የሩሳሌም “ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ” ተገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ናይ 1,000 ዓመት ግዝኣት፡ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ቈጺርካ ዘይውዳእ በረኸት ከተምጽእ እያ (ሕጡብ ጽሑፍ 14-16 ርአ)

14-15. ራእይ ምዕራፍ 21 ነቶም 144,000 ምስ ምንታይ እያ እተመሳስሎም፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

14 ድሕርዚ፡ ራእይ ምዕራፍ 21 ነቶም 144,000 ምስ ሓንቲ “ሓዳስ የሩሳሌም” እተባህለት ኣዝያ ጽብቕቲ ኸተማ ኣመሳሲላቶም ኣላ። (ራእ. 21:2, 9) እታ ኸተማ፡ 12 እምኒ መሰረት ከም ዘለዋ፡ ኣብኡ ድማ “12 ስማት እቶም 12 ሃዋርያት እቲ ገንሸል” ተጻሒፉ ኸም ዘሎ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ንዮሃንስ ዝመሰጦ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ስሙ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣእማን ተጻሒፉ ርእዩ እዩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ!—ራእ. 21:10-14፣ ኤፌ. 2:20

15 እዛ ምሳልያዊት ከተማ እዚኣ ኻብ ዝዀነት ካልእ ከተማ እተፈልየት እያ። ጐደናኣ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እዩ፣ ካብ ሉል እተገብረ 12 ኣፍ ደገታት ኣለዋ፣ መካበብያኣን መሰረታታን ብኽቡር እምኒ እተሰለመ እዩ፣ ብዅሉ ሸነኽ ብልክዕ ማዕረ ዝዀነ ዓቐን እውን ኣለዋ። (ራእ. 21:15-21) ዮሃንስ ግና ሓደ ነገር ዝተረፋ ዀይኑ ተሰምዖ። እዚ እንታይ ምዃኑ እውን ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ነጊሩና ኣሎ፦ “እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ ቤተ መቕደሳ እዩ፡ እቲ ገንሸል እውን ከምኡ እዩ እሞ፡ ኣብኣ ቤተ መቕደስ ኣይረኣኹን። ነታ ኸተማ፡ ክብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ፡ መብራህታ እውን እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ።” (ራእ. 21:22, 23) እቶም ክፍሊ እታ ሓዳስ የሩሳሌም ዚዀኑ፡ ናብ የሆዋ ብቐጥታ ኪቐርቡ ይኽእሉ እዮም። (እብ. 7:27፣ ራእ. 22:3, 4) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋን የሱስን ቤተ መቕደስ እታ ኸተማ እዮም።

ካብቲ በቲ “ፈለግ”ን “ኣእዋም”ን እተመሰለ መሰናድዎታት ዚጥቀሙ መን እዮም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ)

16. ደቂ ሰብ ኣብቲ ናይ 1,000 ዓመት ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኬስተማቕሩ እዮም፧

16 ቅቡኣት ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣ ምስትንታን የሐጕሶም እዩ። ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እውን እንተ ዀኑ፡ ብዛዕባኣ ተገዳስነት ዜሕድሩሉ ምኽንያት ኣለዎም። ኣብቲ ናይ 1,000 ዓመት ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም ጸብጺብካ ዘይውዳእ በረኸት ከተምጽእ እያ። ዮሃንስ እዚ በረኸት እዚ ኸም “ፈለግ ማይ ህይወት” ኪውሕዝ ርእይዎ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ፈለግ ከኣ፡ “ፈውሲ ኣህዛብ” ዚኸውን ኣቝጽልቲ ዘለወን “ኣእዋም ህይወት” ከም ዘለዋ ርእዩ እዩ። (ራእ. 22:1, 2) ሽዑ ዚነብሩ ዅሎም ሰባት ካብቲ መሰናድዎ እቲ ንምጥቃም ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ። በብቝሩብ ከኣ፡ ኵሎም እዙዛት ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ሽዑ፡ ሕማምን ስቓይን ናይ ሓዘን ንብዓትን ኣይኪህሉን እዩ።—ራእ. 21:3-5

17. ኣብ ራእይ 20:11-13 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ካብቲ ናይ 1,000 ዓመት ግዝኣት ዚጥቀሙ መን እዮም፧

17 እሞ ደኣ ኻብቲ ዜደንቕ መሰናድዎታት ዚጥቀሙ መን እዮም፧ ብቐዳምነት፡ እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ ብዙሓት ህዝብን እቶም ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚውለዱ ውሉዳትን ኪጥቀሙ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ራእይ ምዕራፍ 20፡ ምዉታት ከም ዚትንስኡ እውን ኣተስፍያ እያ። (ራእይ 20:11-13 ኣንብብ።) ሞይቶም ዘለዉ እሙናት ዝዀኑ “ጻድቃንን” ብዛዕባ የሆዋ ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ዘይረኸቡ “ሓጥኣንን” ኣብዛ ምድሪ ዳግም ህያዋን ኪዀኑ እዮም። (ግብ. 24:15፣ ዮሃ. 5:28, 29) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብቲ ናይ 1,000 ዓመት ግዝኣት፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ምድሪ ኺትንስእ እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። እቶም ንየሆዋ ንምግልጋል ዝነበሮም ኣጋጣሚ ዘይተቐበሉ እኩያት ሰባት ኣይኪትንስኡን እዮም። ንሳቶም ዕድል ተዋሂብዎም እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ብህይወት ንምንባር ከም ዘይበቕዑ ኣርእዮም እዮም።—ማቴ. 25:46፣ 2 ተሰ. 1:9፣ ራእ. 17:8፣ 20:15

እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና

18. ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት ኣብ ምድሪ እንታይ ኵነታት እዩ ኺህሉ፧

18 ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት፡ ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ሽዑ ኣብ ምድሪ ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ናጻ ኪኸውን እዩ። (ሮሜ 5:12) ሓጢኣት ኣዳም ዘምጸኦ መርገም እውን ምሉእ ብምሉእ ኪውገድ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት ፍጹማት ስለ ዚዀኑ፡ “ህያዋን” ኪዀኑ እዮም።—ራእ. 20:5

19. ናይ መወዳእታ ፈተና ኺህሉ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧

19 የሱስ ነቲ ሰይጣን ንንጽህናኡ ንምብልሻው ዝገበሮ ጻዕርታት ከም እተጻረሮ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙን ኰይኑ ጸኒዑ እዩ። ግናኸ፡ ሰይጣን ንሰባት ንምፍታን ኣጋጣሚ ምስ ተዋህቦ፡ ኵሎም ፍጹማት ሰባት ከምኡ ንምግባር ፍቓደኛታት ኪዀኑ ድዮም፧ ሰይጣን ኣብ መወዳእታ እተን 1,000 ዓመት ካብ መዓሙቝ ምስ ተፈትሐ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዛ ሕቶ እዚኣ ባዕሉ ምላሽ ኪህበላ እዩ። (ራእ. 20:7) እቶም ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈተና እሙናት ዚዀኑ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ፡ ናይ ሓቂ ሓርነት እውን ኬስተማቕሩ እዮም። (ሮሜ 8:21) እቶም ዚዓልዉ ኸኣ፡ ምስ ድያብሎስን ምስ ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም።—ራእ. 20:8-10

20. ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ ልቢ ዚሰልብ ትንቢታት እንታይ ይስምዓካ፧

20 ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ራእይ ኣሕጽር ኣቢልካ ምርኣይካ እንታይ ስምዒት ፈጢሩልካ፧ ገዛእ ርእስኻ ኣብቲ ዜደንቕ ትንቢታት ክትረክብ ምኽኣልካስ ኣየሐጐሰካንዶ፧ ካልኦት ኣብቲ ንኣምላኽና እነቕርቦ ንጹህ ኣምልኾ ኺሓብሩና ንምዕዳምከ ድሌት ኣይሓደረካንዶ፧ (ራእ. 22:17) እዚ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም መሳጢ ፍጻመታት ንኣእምሮናን ንልብናን ስለ ዝመሰጦ፡ እተን ሃዋርያ ዮሃንስ እተዛረበን፡ “ኣሜን! ጐይታና የሱስ፡ ንዓ” ዚብላ ቓላት ብርግጽ ነቃልሕ ኢና።—ራእ. 22:20

መዝሙር 27 ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 ካብዘን ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይ ክንርእየን ዝጸናሕና ተኸታተልቲ ዓንቀጻት፡ እዚኣ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ እያ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም እንርእዮ፡ እቶም ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ዚሕልዉ፡ ብሩህ መጻኢ ኣለዎም። እቶም ንግዝኣት ኣምላኽ ዚጻረሩ ግና ኣብ መወዳእታ ኺዋረዱ እዮም።