ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 22

ኣብ ህይወትና ዚመርሓና ጥበብ

ኣብ ህይወትና ዚመርሓና ጥበብ

“የሆዋስ ጥበብ ይህብ።”—ምሳ. 2:6

መዝሙር 89 ክትባረኽ ተኣዘዝ

መላለዪ *

1. ስለምንታይ ኢና ዅላትና ኣምላኻዊ ጥበብ ዜድልየና፧ (ምሳሌ 4:7)

 ኣገዳሲ ውሳነ ጌርካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ኣብቲ እዋን እቲ መሸም ጥበብ ኪውሃበካ ጸሊኻ ኽትከውን ኣሎካ። ሓቅኻ ድማ ኢኻ። (ያእ. 1:5) ንጉስ ሰሎሞን፡ “ጥበብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲት ነገር እያ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ምሳሌ 4:7 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ሰሎሞን ብዛዕባ ዝዀነ ዓይነት ጥበብ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ዚመጽእ ጥበብ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ምሳ. 2:6) ኣምላኻዊት ጥበብ ግና ነዚ ሎሚ ዜጋጥመና በበይኑ ዓይነት ጸገማት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ኽትሕግዘና ትኽእል ድያ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም እንርእዮ፡ እወ ትኽእል እያ።

2. ብሓቂ ጥበበኛታት ክንኰነሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

2 ሓደ ኻብቲ ብሓቂ ጥበበኛታት እንዀነሉ መገዲ፡ ትምህርትታት እቶም ኣዝዮም ጥበበኛታት ብምዃኖም ብብዙሓት ዚኽበሩ ኽልተ ሰባት ብምጽናዕን ብምትግባርን እዩ። ቀዳማይ፡ ኣረኣእያ ሰሎሞን ክንምርምር ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ ከኣ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ኣእምሮን . . . ሃቦ” ይብል። (1 ነገ. 4:29) ካልኣይ፡ ኣረኣእያ የሱስ ክንምርምር ኢና፣ ንሱ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበብ ኣለዎ። (ማቴ. 12:42) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዚብል ትንቢት ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ መንፈስ የሆዋ፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን . . . ኪዓርፍ እዩ።”—ኢሳ. 11:2

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

3 ሰሎሞንን የሱስን በቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ጥበብ ገይሮም ንዅላትና ኣብ ዜገድስ መዳያት ግብራዊ ጥበብ ሂቦም እዮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ሰለስተ ኻብዚ ኽንምርምር ኢና። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ገንዘብን ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕን ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ዘለዎ ኣገዳስነት እዩ።

ብዛዕባ ገንዘብ ኪህልወና ዚግባእ ሚዛናዊ ኣረኣእያ

4. ኣብ መንጎ ቝጠባዊ ዅነታት ሰሎሞንን የሱስን እንታይ ፍልልይ እዩ ነይሩ፧

4 ሰሎሞን ኣዝዩ ሃብታም እዩ ነይሩ፣ ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ እውን እዩ ዚነብር ነይሩ። (1 ነገ. 10:7, 14, 15) የሱስ ግና ብዙሕ ጥሪት ኰነ ቐዋሚ ቤት ኣይነበሮን። (ማቴ. 8:20) ኰይኑ ግና፡ ናይ ክልቲኦም ጥበብ ካብ ሓደ ምንጪ፡ ማለት ካብ የሆዋ ኣምላኽ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎም።

5. ሰሎሞን ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧

5 ሰሎሞን፡ ገንዘብ “ዕቝባ” ኸም ዚኸውን ኣይከሓደን። (መክ. 7:12) ብገንዘብ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ክንረክብ፡ ምናልባት እውን ገሊኡ ቓሕ ዚብለና ነገራት ከነጥሪ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ሰሎሞን ኣዝዩ ሃብታም እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት ከም ዘሎ ኣስተውዒሉ እዩ። ንኣብነት፡ “ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ምሳ. 22:1) ገንዘብ ዚፈትዉ ሰባት በቲ ዘለዎም ብዙሕ ከም ዘይሕጐሱ ተዓዚቡ እዩ። (መክ. 5:10, 12) ዘጥረናዮ ገንዘብ ቀልጢፉ ኺጠፍእ ስለ ዚኽእል ከኣ፡ ኵሉ ትውክልትና ኣብ ገንዘብ ከይንገብር ኣጠንቂቑ ኣሎ።—ምሳ. 23:4, 5

ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ዘሎና ኣረኣእያ ኣብ ህይወትና ንመንግስቲ ኣምላኽ ከይነቐድም ዕንቅፋት ይዀነና ድዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 ርአ) *

6. የሱስ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧ (ማቴዎስ 6:31-33)

6 የሱስ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ። ብምግብን ብመስተን ይሕጐስ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 19:2, 6, 7) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ጽቡቕ ወይኒ ኣዳልዩ እዩ፣ እዚ ድማ ካብ ተኣምራቱ ቐዳማይ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 2:10, 11) ኣብታ ዝሞተላ መዓልቲ እውን፡ ክቡር ቀምሽ እዩ ተኸዲኑ ነይሩ። (ዮሃ. 19:23, 24) ኰይኑ ግና፡ ንስጋዊ ነገራት ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ኣይሃቦን። ንሰዓብቱ ድማ፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። . . . ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 6:24) ብዘይካዚ እውን፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ደሊና፡ የሆዋ ዜድልየና ኸም ዜማልኣልና ምሂሩ እዩ።—ማቴዎስ 6:31-33 ኣንብብ።

7. ሓደ ሓው ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብምሓዙ ብኸመይ ተጠቒሙ፧

7 ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምስ ገንዘብ ብእተተሓሓዘ ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ተጠቒሞም እዮም። ንኣብነት፡ ዳንኤል ብዛዕባ ዝስሙ ዘይተመርዓወ ሓው እስከ ንርአ። ንሱ፡ “ኰተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ ዓመታት ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዚኸውን ክገብሮ ወሲነ” ይብል። ናብራኡ ቐሊል ስለ ዝገበረ፡ ግዜኡን ክእለቱን ኣብ ብዙሕ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክትታት ኬውዕል ክኢሉ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ይብል፦ “ብሓቂ እየ ዝብል፡ በቲ ዝሰዓብክዎ መገዲ ፈጺመ ኣይተጠዓስኩን። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ህይወተይ ንገንዘብ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እንተ ዝገብሮ ነይረ፡ ብዙሕ ገንዘብ ምረኸብኩ። ግናኸ፡ ከመይ ገይሩ እዩ እሞ ገንዘብ ነቲ ዘማዕበልክዎ ዕርክነታት ዚትክኦ፧ ከመይ ገይሩኸ እዩ ነቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃበይ ዝረኸብክዎ ዕግበት ዚትክኦ፧ ምስቲ የሆዋ ዝሃበኒ በረኸት ኪመዓራረ ዚኽእል ገንዘብ የሎን።” እወ፡ ኣብ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት እንተ ኣተኲርና ንጥቀም ኢና።

ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ ኪህልወና ዚግባእ ሚዛናዊ ኣረኣእያ

8. ሰሎሞን ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ (መክብብ 5:18, 19)

8 ሰሎሞን ነቲ ኻብ ኵሉ ዓይነት ጻዕሪ እንረኽቦ ሓጐስ፡ “ውህበት ኣምላኽ” ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ። (መክብብ 5:18, 19 ኣንብብ።) “ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ” ኢሉ እውን ጽሒፉ እዩ። (ምሳ. 14:23) ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ምንባሩ ይፈልጥ እዩ። ትጉህ ሰራሕተኛ እዩ ነይሩ! ኣባይቲ ሃኒጹ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኺሉ፡ ስፍራታት ኣታኽልትን ሓጽብታትን እውን ገይሩ እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ከተማታት ሰሪሑ እዩ። (1 ነገ. 9:19፣ መክ. 2:4-6) ከቢድ ዕዮ እዩ ዚዓዪ ነይሩ፣ እዚ ድማ ብርግጽ እተወሰነ ዕግበት ኣምጺኡሉ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሰሎሞን ሓጐስ ንምርካብ፡ ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ጥራይ ኣይተመርኰሰን። ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት እውን ይጽመድ ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ህንጸት እታ ጽብቕቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ ብሓላፍነት መሪሑ እዩ፣ እቲ ዕዮ እቲ ሸውዓተ ዓመት ዝወሰደ ህንጸት እዩ ነይሩ! (1 ነገ. 6:38፣ 9:1) ኣብ ኵሉ ዓይነት ንጥፈታት፡ ማለት ኣብ ዓለማዊ ዀነ መንፈሳዊ ንጥፈታት ድሕሪ ምስታፉ ግና፡ መንፈሳዊ ንጥፈታት ካብ ዓለማዊ ንጥፈታት ኣጸቢቑ ኸም ዚበልጽ ኣስተውዒሉ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እዚ ዅሉ ምስ ተሰምዐ፡ መደምደምታ ነገር እዚ እዩ፦ . . . ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱ እውን ሓልዎ።”—መክ. 12:13

9. የሱስ ንዓለማዊ ስራሑ ግቡእ ቦታኡ ዝሓለወሉ ብኸመይ እዩ፧

9 የሱስ ትጉህ ሰራሕተኛ እዩ ነይሩ። ብግዜ ንእስነቱ፡ ጸራቢ ዀይኑ ይዓዪ ነይሩ እዩ። (ማር. 6:3) ወለዱ ነታ ብዙሓት ኣባላት ዘለውዋ ስድራ ቤት ዜድሊ ንምምላእ ብትግሃት ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ንሓገዙ ብዙሕ የማስዉሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስ ፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ እቲ ኸም ጸራቢ መጠን ዚዓይዮ ዕዮ ብዙሕ ተደላይነት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ! መሸም ብስራሑ ባህ ይብሎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ዓለማዊ ስራሑ ብትግሃት እናዓየየ ኽነሱ፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ግዜ ይምድብ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 7:15) ጸኒሑ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ምስ ኰነ፡ ንሰማዕቱ “ንዚበላሾ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ነቲ . . . ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ ዕየዩ” ኢሉ መኺርዎም እዩ። (ዮሃ. 6:27) ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ከኣ፡ “ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ” ኢሉ እዩ።—ማቴ. 6:20

ኣብ መንጎ ዓለማዊ ስራሕናን ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትናን ከመይ ጌርና ኢና ሚዛንና ኽንሕሉ እንኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ) *

10. ገሊኦም ኣብ ዓለማዊ ስራሖም እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም፧

10 ኣምላኻዊ ጥበብ ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ይሕግዘና እዩ። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ‘ሰናይ ክንገብርን ክንጽዕርን’ ንምሃር ኢና። (ኤፌ. 4:28) ኣስራሕትና ብዙሕ ግዜ ንቕንዕናናን ንትግሃትናን የስተብህሉሉ እዮም፣ ንስራሕና ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢሮም ከም ዚርእይዎ እውን ይነግሩና ይዀኑ። ስለዚ፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ተደሪኽና ነዊሕ ሰዓታት ክንሰርሕ ንጅምር ንኸውን። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንኣስራሕትና ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ጦብላሕታ ኽንሓድገሎም ንፍትን ንኸውን። ነዊሕ ከይጸናሕና ግና፡ ንናይ ስድራ ቤት ሓላፍነታትናን ንቲኦክራስያዊ ንጥፈታትናን ዕሽሽ ከም ዝበልና ነስተውዕል ንኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ለውጢ ኽንገብር ኣሎና፣ ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና።

11. ሓደ ሓው ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ ዝመጸ እንታይ ተማሂሩ፧

11 ዊልያም ዝስሙ መንእሰይ ሓው ንዓለማዊ ስራሕ ግቡእ ቦታኡ ምሕላው ዘለዎ ጥቕሚ፡ ብዓይኑ ርእዩ እዩ። ብዛዕባ ሓደ ቐደም ኣስራሒኡ ዝነበረ ሽማግለ ኸምዚ ይብል፦ “[እዚ ሓው እዚ] ሚዛናዊ ናይ ስራሕ ልማድ ብምህላው ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዚዀነኒ። ኣበርቲዑ እዩ ዚዓዪ፣ ስራሑ ብሉጽ ስለ ዝዀነ ድማ ምስ ዓማዊሉ ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘለዎ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ስራሑ ምስ ወድአ፡ ከመይ ገይሩ ስራሑ ገዲፉ ኣብ ስድራ ቤቱን ኣብ ኣምልኾኡን ጥራይ ከም ዜተኵር ይፈልጥ እዩ። ንሱ ሓደ ኻብቶም ኣነ ዝፈልጦም ኣዝዮም ሕጉሳት ሰባት እዩ።” *

ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኺህልወና ዚግባእ ሚዛናዊ ኣረኣእያ

12. ሰሎሞን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ብኸመይ ኣርእዩ፧ ነዚ ግና ብኸመይ ኣጥፊእዎ፧

12 ሰሎሞን እሙን ኣምላኺ የሆዋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ነይርዎ እዩ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዓቕሙ ውሱን ምዃኑ ብትሕትና ተኣሚኑ፡ መምርሒ የሆዋ እውን ለሚኑ እዩ። (1 ነገ. 3:7-9) ኣብ ኣጋ መጀመርታ ንግስናኡ ኸኣ፡ ትዕቢት ዘለዎ ሓደጋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ፣ መንፈስ ትዕቢት ከኣ ቅድሚ ምዕንቃፍ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ምሳ. 16:18) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሰሎሞን ጸኒሑ ነቲ ባዕሉ ዝጸሓፎ ምኽሪ ኣይተግበሮን። ኣብ መንጎ ንግስናኡ፡ ብትዕቢት ተለዓዒሉ ንስርዓታት ኣምላኽ ዕሽሽ ኪብል ጀመረ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ ሕግታት፡ እብራዊ ንጉስ “ልቡ ኸየላግስ . . . ንዕኡ ኣንስቲ ኣየብዝሕ” ዚብል ኣሎ። (ዘዳ. 17:17) ሰሎሞን ነዚ ሕጊ እዚ ዕሽሽ በሎ፣ 700 ኣንስትን 300 ኣንስቲ ወሰንን ከኣ ገበረ፣ ብዙሓት ካብዚኣተን እውን ኣረማውያን ነበራ! (1 ነገ. 11:1-3) ምናልባት ሰሎሞን “እቲ ነገር ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኸም ዘይከውን” ይመስሎ ነይሩ ይኸውን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኻብ የሆዋ ምርሓቕ ዜስዕቦ ሳዕቤናት ዓጺዱ እዩ።—1 ነገ. 11:9-13

13. ብዛዕባ ትሕትና የሱስ ብምስትንታን፡ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

13 የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፣ ብተወሳኺ እውን ትሑት እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህልውና፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዜደንቕ ነገራት ገይሩ ነይሩ እዩ። “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ . . . ኵሉ ብእኡ እዩ ተፈጢሩ።” (ቈሎ. 1:16) የሱስ ኣብ እተጠምቀሉ እዋን፡ ኵሉ እቲ ምስ ኣቦኡ ኸሎ ዝገበሮ ነገራት ዘኪርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴ. 3:16፣ ዮሃ. 17:5) እቲ ፍልጠት እቲ ግና ኣየዐበዮን። ኣብ ልዕሊ ዋላ ሓደ እኳ ርእሱ ልዕል ኣየበለን። ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ዕላማ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግሮም ከሎ፡ “ወዲ ሰብ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኪግልገል ኢሉ ኣይመጸን” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 20:28) ካብ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኺገብር ከም ዘይክእል ድማ፡ ብትሕትና ገሊጹ እዩ። (ዮሃ. 5:19) ብሓቂ የሱስ ኣዝዩ ትሑት እዩ ነይሩ! ንሕና ኽንስዕቦ ዚግባእ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ።

14. ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ግቡእ ኣረኣእያ ብምሓዝ ዝመጸ፡ የሱስ እንታይ ኢሉ እዩ ምሂሩ፧

14 የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ግቡእ ኣረኣእያ ኺሕዙ ምሂርዎም እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን” ኢሉ ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ማቴ. 10:30) ምናዳ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኣሉታዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና፡ እዚ ቓላት እዚ ብዙሕ የጸናንዓና እዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብዛዕባና ኣጸቢቑ ኸም ዚግደስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣዒንቱ እውን ዋጋ ኸም ዘሎና ኽንግንዘብ የኽእለና እዩ። ኣምለኽቲ የሆዋ ንምዃንን ኣብ ሓዳስ ዓለም ህይወት ንምርካብን ከም ዘይንበቅዕ ጌርና ብምድምዳም፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባና ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ሕቶ ኸነእትዎ ኣይንደልን ኢና።

ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንተ ዘይብልና፡ እንታይ ኣጋጣሚታትን በረኸትን እዩ ዜምልጠና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ) *

15. (ሀ) መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል እያ ምኽሪ ሂባ፧ (ለ) ኣብቲ ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእልታት ከም ዚርአ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና እምብዛ ነተኵር እንተ ዄንና፡ እንታይ በረኸት እዩ ዜምልጠና፧

15 መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣስታት 15 ዓመት ይገብር ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ምኽሪ ኽትህብ ከላ ኸምዚ ዚስዕብ ኢላ ነይራ፦ “ርግጽ እዩ ብዛዕባ ርእስና ኻብ ዚግባእ ንላዕሊ ኽንሓስብ ወይ ድማ ዘይንረብሕ ከም ዝዀንና ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ኣብ ክንዳኡ ብዛዕባ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸነማዕብል ኣሎና። እዚ ማለት ድማ ዓቕምና ኣበየናይ መዳይ ብርቱዕ፡ ኣበየናይ መዳይ ከኣ ድሩት ምዃኑ ምፍላጥ እዩ። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ነዚ ኽትገልጾ ኸላ ‘ክፍእቲ ሰብ ኣይኰንኩን፡ ኣዝየ ብልጽቲ እውን ኣይኰንኩን። ከም ኵሉ ሰብ ኣነውን ጽቡቕን ሕማቕን ጐድንታት ኣሎኒ’ በለት።” * እሞ ደኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምምዕባል ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑስ ተራእዩካዶ፧

16. የሆዋ ጥበባዊ መምርሒ ዚህበና ስለምንታይ እዩ፧

16 የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ጥበባዊ መምርሒ ይህበና እዩ። የፍቅረና እዩ፡ ክንሕጐስ እውን ይደልየና እዩ። (ኢሳ. 48:17, 18) ንሕና ኽንስዕቦ እንኽእል ጥበባዊ መገዲ፡ ማለት ዝዓበየ ሓጐስ ዜምጽኣልና መገዲ፡ ኣብ ህይወትና ንየሆዋ ቐዳምነት ምሃብ እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ካብቲ ኣብ ገንዘብ፡ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ፡ ወይ ኣብ ገዛእ ርእሶም እምብዛ ንዜተኵሩ ሰባት ዜጋጥሞም ብዙሕ ጸገማት ክንስተር ኢና። እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ጥበበኛታት ንኹን፡ ንልቢ የሆዋ እውን ነሐጕሶ!—ምሳ. 23:15

መዝሙር 94 ንኣምላኽ ስለቲ ቓሉ ነመስግኖ

^ ሕ.ጽ. 5 ሰሎሞንን የሱስን ዓብዪ ጥበብ እዩ ነይርዎም። ምንጪ እቲ ጥበብ እቲ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰሎሞንን የሱስን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም ብዛዕባ ገንዘብን ዓለማዊ ስራሕን ገዛእ ርእስናን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ዝሃቡና ምኽሪ ኽንርኢ ኢና። ብተወሳኺ እውን፡ ገሊኦም ክርስትያናት ብጾትና ነቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምኽሪ ብምትግባር ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ኽንርኢ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2015 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ጻዕሪ ንዚሓትት ስራሕ ብኸመይ ከም እትሕጐሰሉ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ሓጐስ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 52 መግለጺ ስእሊ፦ ጆንን ቶምን ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዚርከቡ መንእሰያት ኣሕዋት እዮም። ጆን መብዛሕትኡ ግዜኡ ንማኪናኡ ኣብ ምክንኻን እዩ ዜሕልፎ። ቶም ከኣ ንማኪናኡ፡ ምስ ካልኦት ሓቢሩ ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንምእካብን እዩ ዚጥቀመላ።

^ ሕ.ጽ. 54 መግለጺ ስእሊ፦ ጆን ሕልፊ ሰዓታት ይሰርሕ ኣሎ። ንኣስራሒኡ ኼጕህዮ ኣይደልን እዩ። ስለዚ፡ ኣምስዩ ኺሰርሕ ካብ ኣስራሒኡ ሕቶ እንተ ቐሪቡሉ፡ ፍቓደኛ ይኸውን እዩ። እቲ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዝዀነ ቶም ግና፡ በታ ምሸት እቲኣ ምስ ሓደ ሽማግለ ናብ ጕስነታዊ ምብጻሕ ይኸይድ። ቶም ንኣስራሒኡ፡ ገሊኡ ምሸት ምስ ኣምልኾ የሆዋ ንእተተሓሓዘ ንጥፈታት ሕዙእ ከም ዝዀነ ኣቐዲሙ ገሊጹሉ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ጆን ኣብ ገዛእ ርእሱ እዩ ዜተኵር። ቶም ግና ንመንፈሳዊ ነገራት ካብ ጥቕሚ ርእሱ ስለ ዜቐድም፡ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ኣብ ምሕዳስ ኪሳተፍ ከሎ፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ የጥሪ።