ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 23

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።”—ማቴ. 22:37

መዝሙር 134 ውሉዳት ካብ ኣምላኽ እተዋህቡ ሕድሪ እዮም

መላለዪ *

1-2. ኵነታትና ኪቕየር ከሎ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ንዓና ዝያዳ ትርጉም ኪህልዎ ኸም ዚኽእል ግለጽ።

 መብዛሕትኡ ግዜ፡ መርዓውን መርዓትን ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ንመውስቦ ዚምልከት መደረ ይሰምዑ እዮም። እቲ ኣብቲ መደረ እቲ ዚቐርብ ስርዓታት ንዓታቶም ሓድሽ ኣይኰነን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ግና እቲ ሓበሬታ እቲ ንዓታቶም ዝያዳ ትርጉም ይህልዎ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ድሕሪኡ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ኰይኖም ኪትግብርዎ ይጅምሩ እዮም።

2 ክርስትያን ሰብ ሓዳር ምስ ወለዱ እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዜጋጥም። ቅድሚኡ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑ ብዙሕ መደረታት ሰሚዖም ይዀኑ እዮም። ወለዲ ምስ ኰኑ ግና እቲ ስርዓታት እቲ ሓድሽ ትርጉም እዩ ዚህልዎ። ስለምንታይሲ፡ ናቶም ውላድ እዮም ኬዕብዩ ዚጅምሩ። እዚ ብሓቂ ዓብዪ ሓላፍነት እዩ። እወ፡ ሓድሽ ኵነታት ነቲ ኣጸቢቕና እንፈልጦ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ኣረኣእያ ይልውጦ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኣምለኽቲ የሆዋ ቅዱሳት ጽሑፋት ዜንብቡሉ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። ከምቲ ንነገስታት እስራኤል እተነግሮም ድማ “ኵሉ መዓልትታት” ህይወቶም የስተንትኑሉ እዮም።—ዘዳ. 17:19

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

3 ኣቱም ወለዲ፡ ሓደ ኻብቲ ንክርስትያናት ዚውሃብ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ፍሉይ መሰል እዩ ዘሎኩም። እዚ ድማ ንደቅኹም ብዛዕባ የሆዋ ናይ ምምሃር ሓላፍነት እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓበሬታ ኻብ ምክፋል ንላዕሊ ኽትገብሩ ኣሎኩም። እወ፡ ደቅኹም ንኣምላኽ ኣጸቢቖም ምእንቲ ኼፍቅርዎ ኽትሕግዝዎም ኣሎኩም። እሞ ደኣ፡ ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ደቅኹም ንምትካል እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከም ወለዲ ኺሕግዘኩም ዚኽእል ኣርባዕተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርኢ ኢና። (2 ጢሞ. 3:16) ገሊኦም ክርስትያን ወለዲ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ብኸመይ ከም እተጠቕሙ እውን ክንርኢ ኢና።

ንወለዲ ዚሕግዝ ኣርባዕተ ስርዓታት

ወትሩ መምርሒ የሆዋ እንተ ደሊኻን ሰናይ ኣብነት እንተ ዄንካን፡ እዚ ኣብ ደቅኻ እንታይ ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4, 8 ርአ)

4. ሓደ ኻብቲ ወለዲ ኣብ ልቢ ደቆም ፍቕሪ የሆዋ ኺተኽሉ ዜኽእሎም ስርዓት እንታይ እዩ፧ (ያእቆብ 1:5)

4 ስርዓት 1፦ መምርሒ የሆዋ ድለ። ደቅኻ ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ምእንቲ ኼማዕብሉ፡ ካብ የሆዋ ጥበብ ለምን። (ያእቆብ 1:5 ኣንብብ።) ንሱ ምኽሪ ንምሃብ ካብ ናይ ኵሉ ዝበለጸ ብቕዓት ኣለዎ። ከምኡ ዝዀነሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ክልተ ኻብቲ ምኽንያታት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ የሆዋ ወላዲ ብምዃን ዚመጸ ኻብ ናይ ኵሉ ዝበለጸ ተመክሮ ኣለዎ። (መዝ. 36:9) ካልኣይ፡ እቲ ንሱ ዚህቦ ጥበባዊ ምኽሪ ወትሩ ጥቕምታት የምጽእ እዩ።—ኢሳ. 48:17

5. (ሀ) ውድብ የሆዋ ንወለዲ ንምሕጋዝ እንታይ ኣዳልያ ኣላ፧ (ለ) ኣብታ ቪድዮ ከም እተራእየ ኻብቲ ሓውና ኣሞሪምን ሓብትና ኣሞሪምን ንደቆም ዘዕበዩሉ መገዲ እንታይ ትምሃር፧

5 የሆዋ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ፡ ንደቅኹም ንዕኡ ኸም ዜፍቅርዎ ጌርኩም ንምዕባይ ዜኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ የቕርብ ኣሎ። (ማቴ. 24:45) ንኣብነት፡ ኣብቲ “ንስድራ ቤት” ዘርእስቱ ዓምዲ ብዙሕ ግብራዊ ምኽሪ ኽትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ መጽሔት ንቕሑ! ይሕተም ነይሩ እዩ፣ ሕጂ ኸኣ ኣብ ወብሳይትና ይርከብ እዩ። ብተወሳኺ እውን ኣብ jw.org ዝወጸ ሓያሎ ቪድዮታት፡ ወለዲ ንደቆም ኬዕብዩ ኸለዉ ምኽሪ የሆዋ ንምትግባር ዚሕግዝ ቃለ መጠይቓትን ድራማዊ ቪድዮታትን ሒዙ ኣሎ። *ምሳ. 2:4-6

6. ሓደ ኣቦ ብዛዕባ እቲ ንሱን ሰበይቱን ካብ ውድብ የሆዋ ዚረኽብዎ መምርሒ እንታይ ይስምዖ፧

6 ብዙሓት ወለዲ ነቲ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ዚህቦ ሓገዝ ሞሳኦም ገሊጾም እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ጆ ዝስሙ ኣቦ ኸምዚ ይብል፦ “ሰለስተ ቘልዓ ኣብ ሓቂ ምዕባይ ቀሊል ኣይኰነን። ኣነን ሰበይተይን ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ወትሩ ንጽሊ ኢና። ብዙሕ ግዜ ድማ፡ ነቲ ዜጋጥመና ዅነታት ክንዋጽኣሉ እትሕግዝ ዓንቀጽ ወይ ቪድዮ ኣብ ልክዕ ግዜ ኸም ዝረኸብና እዩ ዚስምዓና። ወትሩ ኣብቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ መምርሒ ኢና እንምርኰስ።” ጆን ሰበይቱን እዚ መሰናድዎታት እዚ ንደቆም ናብ የሆዋ ኪቐርቡ ኸም ዝሓገዞም እዮም ርእዮም።

7. ወለዲ ብሉጽ ኣብነት ንምዃን ዚከኣሎም ኪጽዕሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ሮሜ 2:21)

7 ስርዓት 2፦ ብኣብነት ምሃር። ውሉዳት ንወለዶም ብቐረባ ይዕዘብዎም እዮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ኣብነቶም ይስዕቡ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ፍጹም ዝዀነ ወላዲ የልቦን። (ሮሜ 3:23) ይኹን እምበር፡ ጥበበኛታት ወለዲ ንደቆም ብሉጻት ኣብነት ንምዃን ዚከኣሎም ይጽዕሩ እዮም። (ሮሜ 2:21 ኣንብብ።) ሓደ ኣቦ ብዛዕባ ውሉዳት ኪዛረብ ከሎ፡ “ኵሉ ኸም ዚመጽዩ ሰፍነግ [ወይ ስፖንጅ] እዮም። እቲ እንብሎ ምስቲ ኽንምህሮም እንፍትን ነገራት ዘይቃዶ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ከኣ ይነግሩና እዮም” ይብል። ስለዚ፡ ደቅና ንየሆዋ ኼፍቅርዎ እንተ ደሊና፡ ንሕና ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ሓያልን ግህድትን ክትከውን ኣለዋ።

8-9. ካብቲ ኣንድርውን ኤማን ዝሃብዎ ሓሳባት እንታይ ንምሃር፧

8 ወለዲ ንደቆም ፍቕሪ የሆዋ ኺምህሩሉ ዚኽእሉ ብዙሕ መገድታት ኣለዎም። ንኣብነት፡ ኣንድርው ዝስሙ ወዲ 17 ዓመት ዝዀነ ሓው ዝበሎ እስከ ንርአ፦ “ወለደይ፡ ጸሎት ኣገዳሲ ምዃኑ ወትሩ የጕልሑ እዮም። ምሸት ምሸት ኣቦይ ምሳይ ይጽሊ ነይሩ እዩ፣ ዋላ እውን ኣቐዲመ ምስ ጸለኹ፡ መሊሱ ምሳይ ይጽሊ ነይሩ እዩ። ብዘይካዚ ወለደይ፡ ‘ንየሆዋ ኸም ድላይካ ብዙሕ ሳዕ ክትዛረቦ ትኽእል ኢኻ’ ኢሎም ኵሉ ሳዕ የዘኻኽሩና ነይሮም እዮም። እቲ ኣብ ጸሎት ዝገበርዎ ኣትኵሮ፡ ውሽጠይ ተንክዩኒ እዩ። ሕጂ ድማ ናብ የሆዋ ንምጽላይን ከም ፈቃር ኣቦ ገይረ ንምርኣይን ንዓይ ኣዝዩ ቐሊል እዩ።” ኣቱም ወለዲ፡ እቲ ንስኻትኩም ንየሆዋ ዘሎኩም ፍቕሪ ንደቅኹም ክሳዕ ክንደይ ኪጸልዎም ከም ዚኽእል ኣይትረስዑ።

9 ተመክሮ ኤማ እውን ንርአ። ኣቦኣ ንስድራ ቤቱ ጠንጢኑ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ንኣዲኣ ብዙሕ ዕዳ እዩ ሓዲጉላ ኸይዱ። ብዛዕባ እቲ ዅነታት እቲ ኤማ ኸምዚ ትብል፦ “ኣደይ ብዙሕ ሳዕ ናይ ገንዘብ ጸገማት የጋጥማ ነይሩ እዩ። ወትሩ ግና የሆዋ ንኣገልገልቱ ብኸመይ ከም ዚሓልየሎምን ዜድልዮም ከም ዜማልኣሎምን እያ እትዛረብ ነይራ። ነዚ ብሓቂ ኸም እትኣምነሉ እውን ኣብ ህይወታ እርእዮ ነይረ እየ። ኣደይ ከምቲ እትሰብኮ ዀይና እያ እትነብር ነይራ።” እሞ ደኣ ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧ ወለዲ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ ብኣብነት ኪምህሩ ይኽእሉ እዮም።—ገላ. 6:9

10. ብዙሓት እስራኤላውያን ወለዲ ምስ ደቆም ንምዝርራብ እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ነይርዎም፧ (ዘዳግም 6:6, 7)

10 ስርዓት 3፦ ምስ ደቅኻ ኣዘውቲርካ ተዛራረብ። የሆዋ ንጥንታውያን እስራኤላውያን፡ ንደቆም ብዛዕባኡ ኣዘውቲሮም ኪምህርዎም መምርሒ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 6:6, 7 ኣንብብ።) እቶም ወለዲ እቲኦም ንደቆም ንምዝርራብን ፍቕሪ የሆዋ ንምትካልን ምሉእ መዓልቲ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ይረኽቡ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ እስራኤላዊ ቘልዓ፡ ዘርኢ ኣብ ምዝራእን ዓጺድ ኣብ ምዕጻድን ንኣቦኡ ኺሕግዞ ኸሎ፡ ምስኡ ብዙሕ ሰዓታት እዩ ዜሕልፍ ነይሩ። ሓብቱ እውን ንኣዲኣ ኣብ ስፌትን ኣብ ማእለማን ኣብ ካልእ ዕዮ ገዛን ክትሕግዛ እያ እትውዕል ነይራ። ወለድን ውሉዳትን ብሓባር ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ብዛዕባ ብዙሕ ኣገዳሲ ነገራት ኪዛራረቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሕያውነት የሆዋን ንሱ ንስድራ ቤቶም ብኸመይ ከም ዝሓገዞምን ኪመያየጡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

11. ክርስትያን ወለዲ ምስ ደቆም ኪዛራረቡሉ ዚኽእሉ ሓደ ኣጋጣሚ እንታይ እዩ፧

11 ሎሚ፡ ግዜ ተቐዪሩ እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ወለዲ ምስ ደቆም ምሉእ መዓልቲ ብሓባር ኪውዕሉ ኣይክእሉን እዮም። ወለዲ ናብ ስራሕ ኪወፍሩ፡ ውሉዳት እውን ናብ ቤት ትምህርቲ ኺወፍሩ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ወለዲ ንደቆም ንምዝርራብ ኣጋጣሚታት ኬናድዩ ኣለዎም። (ኤፌ. 5:15, 16፣ ፊል. 1:10) ኣምልኾ ስድራ ቤት ሓደ ኻብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣሌክሳንደር ዝስሙ መንእሰይ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ኣቦይ ወትሩ ንኣምልኾ ስድራ ቤት መሰናድዎ ይገብር እዩ። ዝዀነ ይኹን ነገር ነዚ ብሓባር እነሕልፎ ግዜ ዕንቅፋት ኪኸውን ኣይፈቅድን እዩ። ድሕሪ እቲ መጽናዕቲ ኸኣ ንዛራረብ ኢና።”

12. ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣብ ዚመርሓሉ እዋን እንታይ እዩ ኺርስዕ ዘይብሉ፧

12 ርእሲ ስድራ ቤት እንተ ዄንካ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንደቅኻ ባህ ዜብል ከም ዚኸውን ንምግባር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ በታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ሓዳስ ጽሕፍቲ ጌርካ ንምንታይ ዘይተጽንዖም፧ እቲ መጽናዕቲ እቲ ህያው ዝርርብ ንምግባር ብሉጽ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። ደቅኻ መሸም ስምዒታቶምን ስግኣታቶምን ኪነግሩኻ ኢኻ እትደሊ። ስለዚ፡ እቲ ንኣምልኾ ስድራ ቤት እተሓዝአ ግዜ ንዓታቶም ንምንቃፍ ወይ ንምግናሕ ኣይትጠቐመሉ። ደቅኻ ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዚጋጮ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም እንተ ገሊጾም እውን ኣይትቈጥዓዮም። የግዳስ፡ ስምዒታቶም ብቕንዕና ይገልጹ ስለ ዘለዉ ኣመስግኖም፡ ሓሳቦም ከይተሰከፉ ኺገልጹ እውን ኣተባብዓዮም። ስለምንታይሲ፡ ብሓቂ ኸመይ ከም ዚስምዖም ምስ ፈለጥካ ጥራይ ኢኻ ንደቅኻ ኽትሕግዞም እትኽእል።

ከመይ ገይሮም እዮም ወለዲ ብፍጥረት ገይሮም ንደቆም ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኺምህሩ ዚኽእሉ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ወለዲ ንደቆም፡ ንየሆዋ ኪቐርብዎ ንምሕጋዝ፡ እንታይ ካልእ ኣጋጣሚታት ኣለዎም፧

13 ኣቱም ወለዲ፡ ደቅኹም ንየሆዋ ምእንቲ ኪቐርብዎ፡ ንዓታቶም ንምሕጋዝ ምሉእ መዓልቲ ኣጋጣሚታት ኣናድዩ። ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ንምምሃር፡ ክሳዕ እቲ ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሩሉ እዋን ኣይትጸበዩ። ንኣብነት፡ ሊሳ ዝስማ ኣደ ዝበለቶ እስከ ንርአ፦ “ንደቅና ኣብ መንጎ የሆዋን ፍጥረትን ዘሎ ምትሕሓዝ ኬለልዩ ንሕግዞም ኢና። ንኣብነት፡ ከልብና ዚገብሮ ነገር ንደቅና ኼስሕቖም ከሎ፡ በዚ ነገር እዚ ጌርና ፈጣሪና ኸማና ሓጐስን ህይወትን ዚፈቱ ምዃኑ ነረድኦም ኢና።”

ኣቱም ወለዲ፡ ንኣዕሩኽ ደቅኹም ትፈልጥዎም ዲኹም፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ) *

14. ወለዲ ንደቆም፡ ኣዕሩኾም ብጥበብ ምእንቲ ኺሓርዩ ኺሕግዝዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ምሳሌ 13:20)

14 ስርዓት 4፦ ንደቅኻ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪሓርዩ ሓግዞም። ዕርክነትና እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ኪጸልወና ኸም ዚኽእል፡ ቃል ኣምላኽ ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 13:20 ኣንብብ።) ኣቱም ወለዲ፡ ንኣዕሩኽ ደቅኹም ትፈልጥዎም ዲኹም፧ ምሳታቶም ተራኺብኩምዶ ትፈልጡ፧ ምሳታቶምከ ግዜ ኣሕሊፍኩምዶ ትፈልጡ፧ ደቅኹም ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ሰባት ምእንቲ ኺተዓራረኹ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧ (1 ቈረ. 15:33) ገለ ኻብቶም ጽቡቕ መንፈሳውነት ዘለዎም ክርስትያናት ናብቲ ብስድራ ቤት እትገብርዎ ንጥፈታት ብምዕዳም፡ ደቅኹም ኣዕሩኾም ብጥበብ ምእንቲ ኺሓርዩ ኽትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም።—መዝ. 119:63

15. ወለዲ ንደቆም፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ ኬጥርዩ ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

15 ቶኒ ዝስሙ ኣቦ ዘሕለፎ ተመክሮ እስከ ንርአ። ደቁ ጥዑያት ኣዕሩኽ ምእንቲ ኼጥርዩ፡ ንሱን ሰበይቱን እንታይ ከም ዝገበሩ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ንሓያሎ ዓመታት ኣነን ሰበይተይን ናብ ቤትና እተፈላለየ ዕድመን ድሕረ ባይታን ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ንዕድም ኔርና ኢና። ንሳቶም እውን ምሳና ኣብ መኣዲ በሊዖም፡ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት እውን ተሳቲፎም እዮም። እዚ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ብታሕጓስ ዜገልግልዎን ሰባት እትፈልጠሉ ብሉጽ መገዲ እዩ። ሓለውቲ ወረዳን ሚስዮናውያንን ካልኦትን ኣብ ቤትና ኽንቅበል ብምኽኣልና ተባሪኽና ኢና። እቲ ተመክሮኦምን ቅንኣቶምን ጥቕሚ ርእሲ ናይ ምስዋእ መንፈሶምን ኣብ ደቅና ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ፣ ንየሆዋ ኪቐርብዎ እውን ሓጊዝዎም እዩ።” ኣቱም ወለዲ፡ ውሉዳትኩም ጽቡቕ ዕርክነት ኪህልዎም ንምሕጋዝ ቈራጽነት ግበሩ።

ተስፋ ኣይትቝረጽ!

16. ውሉድካ ንየሆዋ ኼገልግሎ እንተ ዘይደልዩ፡ እንታይ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዩ ኺህልወካ ዘለዎ፧

16 ዚከኣለካ ጽዒርካ ኸተብቅዕ፡ ሓደ ኻብ ደቅኻ ንየሆዋ ኼገልግሎ እንተ ዘይደለየኸ፧ ከም ወላዲ መጠን ሓላፍነትካ ብግቡእ ኸም ዘይተሰከምካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። የሆዋ ንዅላትና፡ እንተላይ ንውሉድካ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ንኣምላኽ ንምግልጋል ወይ ንዘይምግልጋል ክንሓሪ ንኽእል ኢና። ውሉድካ ንየሆዋ ኺሓድጎ እንተ ወሲኑ፡ ሓደ መዓልቲ ኺምለስ ከም ዚኽእል ተስፋ ኣይትቝረጽ። ምሳሌ እቲ ጥፉእ ወዲ ዘክር። (ሉቃ. 15:11-19, 22-24) እቲ መንእሰይ እቲ ኻብ መገዲ ጽድቂ ኣመና እዩ ርሒቑ ነይሩ፣ ኣብ መወዳእታኡ ግና ተመሊሱ። ገሊኦም ሰባት፡ “እዚ እኮ ምሳሌ እዩ። ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ግና ኬጋጥም ይኽእል ድዩ፧” ይብሉ ይዀኑ። እወ፡ ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ኢሊ ዝስሙ መንእሰይ ከምኡ ዓይነት ተመክሮ ኣለዎ።

17. ተመክሮ ኢሊ ብኸመይ ኣተባቢዑካ፧

17 ኢሊ ብዛዕባ ወለዱ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ልበይ ፍቕሪ የሆዋን እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ኬስርጹለይ . . . ዚከኣሎም ገይሮም እዮም። ምስ ኰተትኩ ግና፡ ክዓሉ ጀመርኩ።” ኢሊ ኽልተ ዓይነት ህይወት ኪመርሕ ጀመረ፣ ንዅሉ እቲ ወለዱ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሕግዝዎ ኢሎም ዝገበርዎ ጻዕርታት እውን ኣይተቐበሎን። ካብ ገዛ ምስ ወጸ፡ ኣብ ሕማቕ ተግባራት ተሳተፈ። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ሓደ ኻብ ኣዕሩኹ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምይይጥ ይገብር ነበረ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ንዓርከይ ብዛዕባ የሆዋ ብዝነገርክዎ መጠን፡ ኣነ ንባዕለይ ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ኽሓስብ ጀመርኩ። ቀስ ብቐስ፡ እቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዘርኢ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት እቲ ወለደይ ኣብ ልበይ ኪዘርእዎ ዝፈተኑ ዘርኢ፡ ኪዓቢ ጀመረ።” ጸኒሑ ኢሊ ናብ ሓቂ ተመልሰ። * ወለዱ ኻብ ሕጻንነቱ ኣትሒዞም ንየሆዋ ፍቕሪ ኼማዕብል ምምሃሮም መሸም ብዙሕ ኣሐጒስዎም ኪኸውን ኣለዎ!—2 ጢሞ. 3:14, 15

18. ብዛዕባ እቶም ንደቆም፡ ፍቕሪ የሆዋ ኺምህሩ ዚጽዕሩ ወለዲ እንታይ ይስምዓካ፧

18 ኣቱም ወለዲ፡ ዜደንቕ ፍሉይ መሰል እዩ ተዋሂቡኩም ዘሎ፣ ሓድሽ ወለዶ ኣምለኽቲ የሆዋ ናይ ምዕባይ መሰል እዩ ተዋሂቡኩም ዘሎ። (መዝ. 78:4-6) እዚ ቐሊል ዕዮ ኣይኰነን። ስለቲ ደኺመ ኸይበልኩም ንደቅኹም ንምሕጋዝ እትገብርዎ ጻዕርታት፡ ካብ ልቢ ኽንንእደኩም ንፈቱ። ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኸም ዜፍቅርዎ ንምግባር፡ ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ ኸኣ ንምዕባይ ዚከኣለኩም እንተ ጌርኩም፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ባህ ከም ዚብሎ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም።—ኤፌ. 6:4

መዝሙር 135 የሆዋ ዜቕርቦ ምሕጽንታ፦ ‘ወደየ፡ ጥበበኛ ኹን’

^ ሕ.ጽ. 5 ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ብዙሕ የፍቅርዎም እዮም። ብኣካላውን ብስምዒታውን መዳይ ዜድልዮም ንምምላእ ከኣ ብዙሕ ይጽዕሩ እዮም። ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ልቢ ውሉዳቶም ዓሚቝ ፍቕሪ የሆዋ ንምትካል ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ወለዲ ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ዜኽእሎም ኣርባዕተ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓታት ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ደቅና ብኸመይ ከም እነዕቢ፡ የሆዋ ምሂሩና ዘርእስታ ቪድዮ ኣብ jw.org ርአ።

^ ሕ.ጽ. 17 ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2012 ግምቢ ዘብዐኛ እትርከብ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ኣቦ ንኣዕሩኽ ወዱ ምእንቲ ኺፈልጥ ኢሉ፡ ምስ ወዱን ምስ ዓርኪ ወዱን ኵዕሶ ሰኪዐት ይጻወት።