ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 24

መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ትኽእል ኢኻ

መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ትኽእል ኢኻ

“እንተ ዘይተሓሊልና፡ ብግዜኡ ኽንዓጽድ ኢና እሞ፡ ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ።”—ገላ. 6:9

መዝሙር 84 ንሓግዝ

መላለዪ a

1. መብዛሕትና እንታይ ቃልሲ እዩ ዜጋጥመና፧

 መንፈሳዊ ሸቶታት ድሕሪ ምውጻእካ፡ ንምውቃዑ ቓልሲ ዀይኑካዶ ይፈልጥ፧ b ብዙሓት ሰባት ከምኡ የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት፡ ፊሊፕ ናይ ጸሎቱ ትሕዝቶን ብዝሕን ኬመሓይሽ ደለየ። እንተዀነ ግና፡ ንጸሎት ዚኸውን ግዜ ሰኣነ። ኤሪካ ኸኣ ናብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ብእዋኑ ኽትበጽሕ ሸቶ ኣውጽአት። ኰይኑ ግና፡ ዳርጋ ዅሉ ሳዕ ናብቲ ኣኼባ ደንጕያ እያ እትበጽሕ። ቶማሽ ድማ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ደጋጊሙ ፈተነ። ይኹን እምበር፡ ዘጋጠሞ ብድሆ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይፈቶኽዎን። ሰለስተ ሳዕ ፈቲነ፣ ኣብ ሰለስቲኡ ግና ካብ ዘሌዋውያን ክሓልፍ ኣይከኣልኩን” ይብል።

2. ሕጂ ገና ዘይወቓዕናዮ መንፈሳዊ ሸቶ እንተ ኣልዩና፡ በዚ ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

2 ሕጂ ገና ዘይወቓዕካዮ ሸቶ እንተ ኣልዩካ፡ ብቐዳምነት በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ቀሊል ሸቶ ንምውቃዕ እኳ፡ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። ሸቶኻ ንምውቃዕ እትደሊ ምዃንካ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮን ብሉጽካ ኽትህቦ ኸም እትደልን እዩ ዜርኢ። የሆዋ ኸኣ ንጻዕርታትካ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ኽትህቦ እውን ኣይጽበየካን እዩ። (መዝ. 103:14፣ ሚክ. 6:8) ስለዚ፡ ሸቶኻ ኸምቲ ዅነታትካ ዜፍቅደልካ ደኣ እምበር፡ ልዕሊ ዓቕምኻ ኪኸውን የብሉን። እሞ ደኣ ግቡእ ሸቶ ምስ ኣውጻእካ፡ ንምውቃዑ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ገለ ሓሳባት እስከ ንርአ።

ውሽጣዊ ድራኸ ኣገዳሲ እዩ

ዝያዳ ውሽጣዊ ድራኸ ምእንቲ ኺህልወካ ጸሊ (ሕጡብ ጽሑፍ 3-4 ርአ)

3. ውሽጣዊ ድራኸ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 መንፈሳዊ ሸቶታት ንምውቃዕ፡ ውሽጣዊ ድራኸ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ውሽጣዊ ድራኸ ዘለዎ ሰብ ናብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ኣጸቢቑ ይለዓዓል ወይ ሓያል ድሌት የሕድር እዩ። ስለዚ፡ ንውሽጣዊ ድራኸ ምስቲ ጋንጽላ ንዘለዋ ጃልባ ናብ መዓልቦኣ ዚደፍኣ ንፋስ ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና። እቲ ንፋስ ብቐጻሊ እንተ ነፊሱ፡ እቲ ባሕረኛ ናብ መዓልቦኡ ይበጽሕ እዩ። እቲ ንፋስ ብርቱዕ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ እዩ ናብ መዓልቦኡ ዚበጽሕ። ብተመሳሳሊ፡ ብርቱዕ ውሽጣዊ ድራኸ እንተ ኣልዩና፡ ሸቶታትና ኽንወቅዕ ንኽእል ኢና። ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዚነብር ዴቪድ ዝስሙ ሓው፡ “ውሽጣዊ ድራኸ እንተ ኣልዩካ፡ ብዝያዳ ኢኻ እትጽዕር። ሸቶኻ ኻብ ምውቃዕ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪዓግተካ ኣይትፈቅድን ኢኻ” ይብል። እሞ ደኣ ዝያዳ ውሽጣዊ ድራኸ ምእንቲ ኺህልወካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

4. ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧ (ፊልጲ 2:13) (ስእሊ እውን ርአ።)

4 ዝያዳ ውሽጣዊ ድራኸ ምእንቲ ኺህልወካ ጸሊ። የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ኬለዓዕለካ ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 2:13 ኣንብብ።) ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ነገር ክንገብር ከም ዘሎና ስለ እንፈልጥ ኢና ሸቶ እነውጽእ፣ እዚ ኸኣ ጽቡቕ እዩ። ነቲ ሸቶ ንምውቃዕ ግና ብሓቂ ድሌት ኣይህልወናን ይኸውን። ኖሪና ዝስማ ኣብ ኡጋንዳ እትነብር ሓብቲ ኸምዚ ዓይነት ብድሆ እዩ ነይርዋ። ንሳ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ሸቶ ኣውጽአት። እንተዀነ ግና፡ ‘ንፍዕቲ መምህር ኣይኰንኩን’ ኢላ ትኣምን ብምንባራ፡ እኹል ውሽጣዊ ድራኸ ኣይነበራን። እሞ ደኣ እንታይ ሓጊዝዋ፧ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዘሎኒ ድሌት ምእንቲ ኺውስኽ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንየሆዋ ብጸሎት ክልምኖ ጀሚረ። ምስ ጸሎተይ ተሰማሚዐ ኸኣ ናይ ምምሃር ክእለተይ ከመሓይሽ ጽዒረ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድሌተይ ከም ዝወሰኸ ኣስተብሂለ። በታ ዓመት እቲኣ ድማ፡ ክልተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀሚረ።”

5. ውሽጣዊ ድራኸና ንምውሳኽ ብዛዕባ እንታይ ከነስተንትን ንኽእል፧

5 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ኣስተንትን። (መዝ. 143:5) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸቦ ጸጋ ኣስተንቲኑ እዩ፣ እዚ ድማ ምእንቲ የሆዋ ኣጸቢቑ ኺዓዪ ኣለዓዒልዎ እዩ። (1 ቈረ. 15:9, 10፣ 1 ጢሞ. 1:12-14) ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገራት ብዝያዳ ብዘስተንተንካ መጠን፡ ሸቶኻ ንምውቃዕ ብዝያዳ ኽትልዓዓል ኢኻ። (መዝ. 116:12) ሓንቲ ኣብ ሆንዱራስ እትነብር ሓብቲ ስርዕቲ ፈላሚት ንምዃን ዘውጽኣቶ ሸቶ ንምውቃዕ እንታይ ከም ዝሓገዛ እስከ ንርአ። እታ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረኒ ኣስተንቲነ። ናብ ህዝቡ ኣምጺኡኒ እዩ። ይሓልየለይን የዕቍበንን እዩ። እዚ ምስትንታን እዚ ንዕኡ ዘሎኒ ፍቕሪ ኣሐዪልዎ፡ ንውሽጣዊ ድራኸይ እውን ወሲኹለይ እዩ።”

6. እንታይ ካልእ ነገር እዩ ንውሽጣዊ ድራኸኻ ዚውስኾ፧

6 ኣብቲ ሸቶኻ ምውቃዕ ዜምጽኣልካ በረኸት ኣተኵር። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኤሪካ ነቲ ሰዓታ ንምኽባር ዘውጽኣቶ ሸቶ ንምውቃዕ እንታይ ከም ዝሓገዛ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ናብ ኣገልግሎት ደንጕየ ብምኻደይ ብዙሕ ነገራት የምልጠኒ ኸም ዘሎ ተገንዚበ። ኣቐዲመ እንተ በጺሐ ግና፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ሰላም እብሎም፡ ምሳታቶም እውን ግዜ አሕልፍ። ኣገልግሎተይ ክፈትዎን ከመሓይሾን ዜኽእለኒ ግብራዊ ሓሳባት እውን ክሰምዕ እኽእል።” ኤሪካ፡ ሰዓት ምኽባር ኣብ ዜምጽኦ ጥቕምታት ኣተኰረት። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሸቶኣ ኽትወቅዕ ከኣለት። እሞ ደኣ ንስኻ ኣብ ምንታይ በረኸት ከተተኵር ትኽእል፧ ምስ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ምስ ጸሎት እተተሓሓዘ ሸቶ እንተ ኣልዩካ፡ እዚ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ከም ዜደልድሎ ሕሰብ። (መዝ. 145:18, 19) ክርስትያናዊ ባህርይ ንምምዕባል ሸቶ እንተ ኣልዩካ፡ እዚ ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ከም ዜመሓይሾ ኣስተንትን። (ቈሎ. 3:14) እሞ ደኣ ንዅሉ እቲ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ዜለዓዕለካ ምኽንያታት ስለምንታይ ዘይትዝርዝሮ፧ ነዚ ዝርዝር እዚ ድማ በብግዜኡ ተወከሶ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ቶማሽ፡ “ሸቶይ ንምውቃዕ ዝያዳ ምኽንያታት እንተ ኣልዩኒ፡ ብቐሊሉ ኣይሕለልን እየ” ይብል።

7. ሁልዮን ሰበይቱን ሸቶኦም ኪወቕዑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

7 ኬተባብዑኻ ምስ ዚኽእሉ ሰባት ግዜ ኣሕልፍ። (ምሳ. 13:20) ሁልዮን ሰበይቱን ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ሸቶ ኣውጽኡ። ሁልዮ ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ እንታይ ከም ዝሓገዞም ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ሸቶና ንምውቃዕ ዚድግፉና ፈተውቲ ኢና ሓሪና። ብዛዕባ ሸቶና እውን ምሳታቶም ንመያየጥ ኔርና ኢና። መብዛሕትኦም ተመሳሳሊ ሸቶታት ወቒዖም ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ጠቓሚ ሓሳባት ኪህቡና ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ ፈተውትና መደባትና ኸመይ ይዀነልና ኸም ዘሎ ይሓትቱና ነይሮም፣ ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ከኣ የተባብዑና ነይሮም።”

ውሽጣዊ ድራኸ ምስ ዘይህልወና

ናብ ሸቶኻ ንምብጻሕ ጽዓር (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. ኣብቲ ውሽጣዊ ድራኸና ዜለዓዕለና እዋን ጥራይ ናብ ሸቶና ንምብጻሕ ንጽዕር እንተ ዄንና፡ እንታይ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ከም ሓቂ ግና፡ ውሽጣዊ ድራኸ ዘይህልወና መዓልትታት ኣሎ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ናብ ሸቶና ገጽና ኽንግስግስ ኣይንኽእልን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ነዚ እስከ ብምሳሌ ንርኣዮ፦ ንፋስ ንሓንቲ ጋንጽላ ዘለዋ ጃልባ ናብ መዓልቦኣ ዚደፍኣ ብርቱዕ ሓይሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብርታዐ ንፋስ ይፈላለ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ ንፋስ ኣይህሉን ይኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ባሕረኛ ንቕድሚት ኣይግስግስን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ንኣብነት፡ ገሊአን ብንፋስ ዚድፍኣ ጃለቡ፡ ሞተር እውን ኣለወን። ገሊአን ከኣ መቕዘፊ እውን ኣለወን። ባሕረኛ ናብ መዓልቦኡ ንምብጻሕ፡ በዚ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። ውሽጣዊ ድራኸና ምስ ንፋስ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኺፈላለ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ መዓልትታት ናብ ሸቶና ንምብጻሕ፡ ውሽጣዊ ድራኸ ኣይህልወናን ይኸውን። ስለዚ፡ ውሽጣዊ ድራኸና ኣብ ዜለዓዕለና እዋን ጥራይ ናብ ሸቶና ንምብጻሕ ንዓዪ እንተ ዄንና፡ ሸቶና ኸይንወቅዕ ንኽእል ኢና። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ባሕረኛ ናብ መዓልቦኡ ንምብጻሕ ካልእ መገድታት ዚጥቀም፡ ኣብቲ ውሽጣዊ ድራኸ ዘይብልና መዓልትታት እኳ ናብ ሸቶና ንምብጻሕ ጻዕርታት ክንገብር ንኽእል ኢና። ከምዚ ንምግባር፡ ገዛእ ርእስና ኽንግስጽ ዜድልየና እኳ እንተ ዀነ፡ ፍሪኡ ግና ዜሐጕስ እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ቅድሚ ምምርማርና፡ ሓንቲ ኽትልዓል እትኽእል ሕቶ እስከ ንርአ።

9. ሸቶና ንምውቃዕ ውሽጣዊ ድራኸ ኣብ ዘይህልወና እዋን ጻዕሪ ምግባርሲ ጌጋ ድዩ፧ ግለጽ።

9 የሆዋ ብሓጐስን ብፍታውን ከነገልግሎ እዩ ዚደሊ። (መዝ. 100:2፣ 2 ቈረ. 9:7) እሞ ደኣ ውሽጣዊ ድራኸ ኣብ ዘይህልወና እዋን ናብ መንፈሳዊ ሸቶና ንምብጻሕ ጻዕሪ ኽንገብር ይግብኣናዶ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ንሱ፡ “ንሰብነተይ ብጽኑዕ እግስጾን አግዝኦን ኣለኹ” ኢሉ እዩ። (1 ቈረ. 9:25-27፡ እ.ጽ.) ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ድሌት ኣብ ዘይነበሮ እዋን እኳ፡ ገዛእ ርእሱ ብምግዳድ ቅኑዕ ገይሩ እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ በቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ ኣገልግሎት ተሓጒሱዶ፧ እወ! ስለቲ ጻዕርታቱ እውን ዓስቢ ሂብዎ እዩ።—2 ጢሞ. 4:7, 8

10. ውሽጣዊ ድራኸ ኣብ ዘይህልወና እዋን ናብ ሸቶና ንምብጻሕ እንገብሮ ጻዕሪ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

10 ብተመሳሳሊ፡ ውሽጣዊ ድራኸ ኣብ ዘይህልወና እዋን፡ ሸቶና ንምውቃዕ እንገብሮ ጻዕሪ ንየሆዋ የሐጕሶ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን፡ ነቲ ንጥፈት እቲ ዘይንፈትዎ እኳ እንተ ዀንና፡ ንዕኡ ኻብ ዘሎና ፍቕሪ ተላዒልና ኸም እንገብሮ ይፈልጥ እዩ። ከምቲ የሆዋ ንጳውሎስ ዝባረኾ፡ ንጻዕርታትና እውን ኪባርኾ እዩ። (መዝ. 126:5) በረኸት የሆዋ ምስ ጠዓምና ኸኣ፡ ውሽጣዊ ድራኸ ኸነሕድር ንኽእል ንኸውን። ኣብ ፖላንድ እትነብር ሉሲና ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ምናዳ ኽደክም ከለኹ፡ ሓድሓደ ግዜ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ክኸይድ ኣይደልን እየ። ናብ ኣገልግሎት ምስ ወጻእኩ ዚስምዓኒ ሓጐስ ግና ዜደንቕ እዩ።” ስለዚ፡ ውሽጣዊ ድራኸ ኣብ ዘይህልወና እዋን እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።

11. ርእሰ ግትኣት ንምምዕባል፡ የሆዋ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

11 ርእሰ ግትኣት ንምምዕባል ጸሊ። ርእሰ ግትኣት ኪብሃል ከሎ፡ ንስምዒታትካ ንተግባራትካን ናይ ምቍጽጻር ክእለት የመልክት። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ክፉእ ካብ ምግባር ገዛእ ርእስኻ ኽትገትእ ዚብል ሓሳብ የመሓላልፍ። ይኹን እምበር፡ ሰናይ ንምግባር ምእንቲ ኽንለዓዓል እውን፡ ርእሰ ግትኣት ከነማዕብል ወይ ርእስና ኽንቈጻጸር የድልየና እዩ። ምናዳ እቲ እንገብሮ ነገር ኣጸጋሚ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ውሽጣዊ ድራኸ እንተ ዘይብልና፡ ርእስና ኽንቈጻጸር የድልየና እዩ። ርእሰ ግትኣት ክፍሊ ፍረ መንፈስ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ስለዚ፡ ነዚ ኣገዳሲ ባህርይ እዚ ንምምዕባል፡ ንየሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ኺህበና ንለምኖ። (ሉቃ. 11:13፣ ገላ. 5:22, 23) እቲ ኣቕዲሙ እተጠቕሰ ዴቪድ፡ ጸሎት ብኸመይ ከም ዝሓገዞ ገሊጹ ኣሎ። ንሱ ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኺገብር እዩ ደልዩ ነይሩ። እንታይ ከም ዝገበረ ኺገልጽ ከሎ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ርእሰ ግትኣት ምእንቲ ኸማዕብል ካብ የሆዋ ሓገዝ ለሚነ። ብሓገዙ ድማ፡ ጽቡቕ መደብ መጽናዕቲ ኽጅምርን ብቐጻሊ ኸጽንዕን ክኢለ።”

12. ኣብ መክብብ 11:4 ዚርከብ ስርዓት ምስ መንፈሳዊ ሸቶታት ብኸመይ ይተሓሓዝ፧

12 ፍጹም ኵነታት ክሳዕ ዚፍጠር ኣይትጸበ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጐደሎ ዘይብሉ ዅነታት ኣይህሉን እዩ። ኵሉ ክሳዕ ዚዕረ እንተ ተጸቢና፡ ናብ ሸቶና ኸቶ ኣይክንበጽሕን ኢና። (መክብብ 11:4 ኣንብብ።) ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ዳንኤል ዝስሙ ሓው፡ “ፍጹም ኵነታት የልቦን። ነቲ ነገር ምስ ጀመርናዮ ኢና ዝበለጸ ዅነታት ክንፈጥር እንኽእል” ይብል። ፖል ዝስሙ ኣብ ኡጋንዳ ዚነብር ሓው ድማ ስለምንታይ ሎሚ ጽባሕ እናበልና ኽንደናጐ ኸም ዘይብልና ኺገልጽ ከሎ፡ “በዳሂ ዅነታት ከሎ እንተ ጀሚርና፡ በረኸቱ ንምርካብ ንየሆዋ መገዲ ንኸፍተሉ ኢና” ይብል።—ሚል. 3:10

13. ብንኣሽቱ ሸቶታት ምጅማር እንታይ ረብሓታት ኣለዎ፧

13 ብንእሽቶ ጀምር። ሸቶና ንምውቃዑ ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ ውሽጣዊ ድራኸና ኺጠፍእ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ጸገም እንተ ኣጋጢሙካ፡ ንሸቶኻ ናብ ንኣሽቱ ሸቶታት ክትመቓቕሎ ትኽእልዶ፧ ንኣብነት፡ ሓደ ባህርይ ከተማዕብል ሸቶ እንተ ኣውጺእካ፡ ስለምንታይ ኣብ ፈለማ ነቲ ሸቶኻ ብንኣሽቱ መገድታት ከተርኢ ዘይትጽዕር፧ ሸቶኻ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ፈለማ ብሕጽር ዝበለ ንባብ ክትጅምር ትኽእልዶ፧ እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ቶማሽ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓመት ንምውዳእ ዝገበሮ ሸቶ ኺወቅዕ ኣይከኣለን። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ንዓይ እምብዛ ዝኸበደኒ ፍጥነት ሓርየ ምንባረይ ተገንዚበ። ስለዚ፡ ከም ብሓድሽ ክፍትን ወሲነ። ድሕርዚ ግና ኣብ መዓልቲ ሒደት ሕጡብ ጽሑፋት ከንብብን ብዛዕባኡ ኸስተንትንን መዲበ። በዚ ኸምዚ፡ ንንባበይ ክፈትዎ ጀሚረ።” ቶማሽ ነቲ ዜንብቦ እናፈተዎ ምስ ከደ፡ ዝነውሐ ግዜ ኼንብብ ጀመረ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ፡ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበቦ። c

ብዕንቅፋታት ተስፋ ኣይትቝረጽ

14. እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

14 ሓያል ውሽጣዊ ድራኸ ይሃልወና ወይ ርእስና ኣጸቢቕና እንግስጽ ንኹን ብዘየገድስ፡ ዕንቅፋታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ “ዘይተሓስበ ነገር” ነቲ ንሸቶና ንምውቃዕ ዜድልየና ግዜ ኼስእነና ይኽእል እዩ። (መክ. 9:11፡ እ.ጽ.) ጸገም እንተ ኣጋጢሙና ድማ፡ በዚ ተስፋ ኽንቈርጽን ሓይልና ኺጽንቀቕን ይኽእል እዩ። (ምሳ. 24:10) ብዘይካዚ፡ ብሰንኪ ዘይፍጽምናና ናብ ሸቶና ንምብጻሕ ኪሓናዅለና ዚኽእል ጌጋታት ክንገብር ንኽእል ኢና። (ሮሜ 7:23) ወይ እውን ክንደክም ንኽእል ኢና። (ማቴ. 26:43) እሞ ደኣ ዕንቅፋታት ኬጋጥመና ኸሎ ወይ ተካል መዓልቲ ኽንውዕል ከለና፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

15. ዕንቅፋት እንተ ኣጋጢሙና፡ ሸቶና ኽንወቅዕ ኣይንኽእልን ማለት ድዩ፧ ግለጽ። (መዝሙር 145:14)

15 ዕንቅፋት እንተ ኣጋጢሙና፡ ሸቶና ኽንወቅዕ ኣይንኽእልን ማለት ኣይኰነን። ብተደጋጋሚ ጸገማት ወይ ሽግራት ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሓገዝ የሆዋ ኻብቲ ዝወደቕናሉ ኽንትንስእ ከም እንኽእል እውን ብንጹር ይገልጸልና እዩ። (መዝሙር 145:14 ኣንብብ።) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ፊሊፕ ንኣሳልጦ በዚ ዚስዕብ እዩ ዚልክዖ፦ “ኣሳልጦይ ኣብቲ ብዝሒ ዝወደቕኩሉ ኣይኰነን ዚምርኰስ። የግዳስ፡ ኣብ ብዝሒ እቲ ተንሲአ ጕዕዞይ ዝቐጸልኩሉ እዩ ዚምርኰስ።” እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዴቪድ እውን፡ “ንዕንቅፋት ወይ ንተካል መዓልቲ ኸም መዕገቲ ገይረ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅሮ ዘርእየሉ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይረ እየ ዝርእዮ” ይብል። እወ፡ ዕንቅፋት እናኣጋጠመካ ኽነሱ ንቕድሚት እንተ ገስጊስካ፡ ንየሆዋ ባህ ከተብሎ ኸም እትደሊ ኢኻ እተርእዮ። የሆዋ ድማ ሸቶኻ ንምውቃዕ እትገብሮ ጻዕሪ ምስ ረኣየ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ኣየጠራጥርን እዩ።

16. ካብ ዕንቅፋት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

16 ንዕንቅፋት ከም ትምህርቲ ጌርካ ርኣዮ። እቲ ዕንቅፋት ብኸመይ ከም ዝመጸ ሕሰብ፣ ‘ካልእ ዕንቅፋት ምእንቲ ኸየጋጥመኒ ገለ ለውጢ ኽገብር እኽእልዶ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። (ምሳ. 27:12) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ገሊኡ ዕንቅፋታት፡ እቲ ሸቶ ሚዛናዊ ኸም ዘይነበረ ኺእምት ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ እቲ ሸቶ ንዓኻ ብሓቂ ሚዛናዊ እንተ ዀይኑ ንምምርማር፡ ዳግመ ግምት ግበር። d ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ሸቶ ኽትወቅዕ ብዘይምኽኣልካ፡ የሆዋ ኣትሒቱ ኣይርእየካን እዩ።—2 ቈረ. 8:12

17. ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝዓመምናዮ ኽንርስዖ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

17 ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝበጻሕካዮ ኣይትረስዓዮ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ግብርኹም . . . ዚርስዕ ዓማጺ ኣይኰነን” ይብለና። (እብ. 6:10) ንስኻ እውን ንግብርኻ ኽትርስዖ የብልካን። ብዛዕባ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝዓመምካዮ ሕሰብ፦ ምስ የሆዋ ዕርክነት ኣማዕቢልካ፡ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ነጊርካ፡ ወይ እውን ናብ ጥምቀት በጺሕካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ናብ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ዕቤት ዝገበርካን ሸቶታትካ ዝወቓዕካን፡ ናብዚ ናይ ሕጂ ሸቶኻ እውን ክትግስግስ ትኽእል ኢኻ።—ፊል. 3:16

በቲ ጕዕዞ ተሓጐስ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)

18. ናብ ሸቶና ገጽና ኽንግስግስ ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

18 ከምቲ ባሕረኛ ናብ መዓልቦኡ ምስ በጽሐ ዚሕጐስ፡ ንስኻ እውን ብሓገዝ የሆዋ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግና፡ ብዙሓት ባሕረኛታት ብጕዕዞኦም እውን ከም ዚሕጐሱ ኣይትረስዕ። ብተመሳሳሊ፡ ናብ መንፈሳዊ ሸቶኻ ኽትግስግስ ከለኻ፡ በቲ ኣብቲ ጕዕዞ ኻብ የሆዋ ዝረኸብካዮ ሓገዝን በረኸትን ተሓጐስ። (2 ቈረ. 4:7) እንተ ዘይተሓሊልካ ኸኣ፡ ዝዓበየ በረኸት ክትረክብ ኢኻ።—ገላ. 6:9

መዝሙር 126 ንቕሑ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ

a መንፈሳዊ ሸቶታት ከነውጽእ በብግዜኡ መተባብዒ ይውሃበና እዩ። እንተዀነ ግና፡ ጽቡቕ ሸቶ ኣውጺእካ ኸተብቅዕ ንምውቃዑ ትሽገር እንተ ኣሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሸቶታትና ብኸመይ ክንወቅዕ ከም እንኽእል እተፈላለየ ሓሳባት ክትህበና እያ።

b መግለጺ ቓላት፦ መንፈሳዊ ሸቶ ንየሆዋ ብዝያዳ ንምግልጋልን ንምሕጓስን ኢልካ ኸተመሓይሾ ወይ ክትበጽሖ ንእትጽዕረሉ ዝዀነ ነገር ኬጠቓልል ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ክርስትያናዊ ባህርይ ንምምዕባል ወይ ከኣ ከም ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ብሕታዊ መጽናዕትን ኣገልግሎት ወፍርን ዝኣመሰለ ሓደ መዳይ ኣምልኾኻ ንምምሕያሽ ሸቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ

c ኣብታ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ገጽ 10-11፡ ሕ.ጽ. 4 ርአ።

d ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ሚዛናዊ ትጽቢታት ኣሕድር እሞ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።