ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ ምርምር

ምኽሪ ምርምር

ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ መወከሲታት

መወከሲታትና ብዛዕባ ሓያሎ ርእሰ ነገራት ኬፍልጠካ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ መወከሲታት፡ ብትግርኛ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብሓያሎ ኻልእ ቋንቋታት ከኣ ማህደረ ቓላት፡ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ፡ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ የጠቓልል።

እቲ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ መድለዪ ነዚ መወከሲታት ክትጥቀመሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብቲ መድለዪ ኽትጽሕፍ ምስ ጀመርካ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ሳጹን እተፈላለየ እማመታት ኪቐርበልካ እዩ። እታ “ርእሰ ነገር” እትብል ቃል ከኣ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ መወከሲታት ዚርከባ ቓላት ክትርአ እያ።

ነዚ ፈትኖ፦ ኣብቲ መድለዪ “የሆዋ ኣምላኽ” ኢልካ ጽሓፍ (ሀ)። ካብቲ “የሆዋ ኣምላኽ” ንዚብል ዝቐረበልካ እማመታት፡ ነታ ኣብ ጐድና “ርእሰ ነገር” ዚብል ዘለዋ ሕረ (ለ)። ሽዑ፡ ነዚ ርእሰ ነገር ኣብ መወከሲ ክትረኽቦ ኢኻ።