ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 22

ብሕጂ እውን ብ“መገዲ ቕድስና” ተጕዓዝ

ብሕጂ እውን ብ“መገዲ ቕድስና” ተጕዓዝ

“ጐደና ድማ ኣብኣ ኽትከውን፡ እወ፡ መገዲ ቕድስና እትብሃል መገዲ ኽትህሉ እያ።”—ኢሳ. 35:8

መዝሙር 31 ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!

መላለዪ a

1-2. ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ እንታይ ኣገዳሲ ውሳነ እዮም ኪገብሩ ዝነበሮም፧ (እዝራ 1:2-4)

 ኣዋጅ ወጸ! እቶም ኣብ ባቢሎን ንኣስታት 70 ዓመት ምሩኻት ኰይኖም ዝጸንሑ ኣይሁድ ናብ ዓዶም እስራኤል ኪምለሱ ተፈቕደሎም። (እዝራ 1:2-4 ኣንብብ።) ነዚ መሸም የሆዋ ጥራይ እዩ ኺፍጽሞ ዚኽእል። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ ባቢሎን ንምሩኻታ ሓራ ኺወጹ እትፈቅድ ኣይነበረትን። (ኢሳ. 14:4, 17) ኰይኑ ግና፡ ባቢሎን ተገልበጠት፣ እቲ ሓድሽ ገዛኢ ድማ ንኣይሁድ፡ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ፈቐደሎም። በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም ኣይሁዳውያን፡ ምናዳ ኸኣ ርእስታት ስድራ ቤት ውሳነ ኺገብሩ ነበሮም። ካብ ባቢሎን ንምውጻእ ወይ ኣብ ባቢሎን ንምጽናሕ፡ ውሳነ ኺገብሩ ነበሮም። እዚ ውሳነ እዚ ግና ቀሊል ኣይነበረን። ስለምንታይ፧

2 ብዙሓት ኣይሁድ ብሰንኪ እርጋን፡ እቲ ጕዕዞ ኪኸብዶም ይኽእል ነይሩ እዩ። መብዛሕትኦም ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን እተወልዱ ብምንባሮም እውን ካልእ ዓዲ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ንእስራኤል ከም ዓዲ ኣቦታቶም ጥራይ ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። ገሊኦም ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ሃብቲ ኣጥርዮም ብምንባሮም ከኣ፡ ነቲ ምሹእ መንበሪኦም ወይ ስራሖም ሓዲጎም ናብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ምኻድ ከቢድዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።

3. ነቶም ናብ እስራኤል ዚምለሱ ተረፍ እሙናት ኣይሁድ እንታይ በረኸት እዩ ዚጽበዮም ነይሩ፧

3 እሙናት ኣይሁድ ግና ናብ እስራኤል ብምምላስ ዚረኽብዎ ጥቕምታት፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ኪኸፍልዎ ዚኽእሉ መስዋእትታት ከም ዚበልጽ ኣይሰሓትዎን። እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ በረኸት ምስ ኣምልኾኦም እተተሓሓዘ እዩ ነይሩ። ኣብ ባቢሎን ልዕሊ 50 ናይ ኣረማውያን ኣብያተ መቕደስ እኳ እንተ ነበረ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ ግና ኣይነበረን። እቲ እስራኤላውያን ብሕጊ ሙሴ እተኣዘዝዎ መስዋእትታት ኬቕርቡሉ ዚኽእሉ መሰውኢ እውን ኣይነበረን። ነቲ መስዋእትታት ዜቕርቡ እተወደቡ ኻህናት እውን ኣይነበሩን። ብዘይካዚ፡ ኣብታ ዓዲ እቲኣ፡ እቶም ንየሆዋ ዀነ ንመለክዒታቱ ኣኽብሮት ዘይነበሮም ኣረማውያን ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ህዝቢ የሆዋ ኣጸቢቖም ይበዝሑ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣይሁድ ናብቲ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቦታኡ ዚምለሰሉ ዓዶም ንምምላስ ተሃንጥዮም እዮም ነይሮም።

4. የሆዋ ነቶም ናብ እስራኤል ዚምለሱ ኣይሁድ እንታይ ሓገዝ ከም ዚህቦም እዩ ቓል ኣትዩ፧

4 ካብ ባቢሎን ናብ እስራኤል ዚወስድ ኣጸጋሚ ጕዕዞ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቢሉ ኺወስድ ይኽእል ነይሩ እዩ። የሆዋ ግና ኬጋጥሞም ዚኽእል ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋታት ከም ዚጸርገሎም ቃል ኣተወሎም። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “መገዲ የሆዋ ጽረጉ! ኣብ ምድረ በዳ ንኣምላኽና ጐደና ኣቕንዑ። . . . ሓባጥ ጐባጥ ምድርስ ጐልጐል፡ ድንጉር ከኣ ጐልጐል ስንጭሮ ይኹን።” (ኢሳ. 40:3, 4) ነዚ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ኣብ ምድረ በዳ ብጐደና ወይ ብጐልጐል ስንጭሮ እዮም ኪጕዓዙ። እቶም ተጐዓዝቲ መሸም በዚ ኸም ዚሕጐሱ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ዓቐብን ቍልቍለትን እናደየብካን እናወረድካን ወይ ኣኽራንን ኵርባታትን ስንጭሮታትን እናዞርካ ኻብ ዚግበር ኣድካሚ ጕዕዞ፡ ትኽ ብዝበለ ጐደና ዚግበር ጕዕዞ ብዝያዳ ኸም ዚጣጥሕ ሕቶ የብሉን። እቲ ጕዕዞ እውን ዝሓጸረ እዩ ዚኸውን።

5. ነታ ኻብ ባቢሎን ናብ እስራኤል እትወስድ ምሳልያዊት ጐደና እንታይ ስም እዩ ተዋሂብዋ፧

5 ሎሚ ንመብዛሕትኡ ጐደናታት፡ ስም ወይ ቍጽሪ ይውሃቦ እዩ። እታ ኢሳይያስ ዝጠቐሳ ምሳልያዊት ጐደና እውን ስም ኣለዋ። ብዛዕባኣ ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ጐደና ድማ ኣብኣ ኽትከውን፡ እወ፡ መገዲ ቕድስና እትብሃል መገዲ ኽትህሉ እያ። ርኹስ ብእኣ ኣይኪጕዓዝን እዩ።” (ኢሳ. 35:8) እዚ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ እስራኤላውያን እንታይ ትርጉም እዩ ነይርዎ፧ ሎሚ ንዘለናኸ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

“መገዲ ቕድስና”—ሽዑን ሕጅን

6. ስለምንታይ እያ እታ መገዲ እቲኣ ቕድስቲ ተባሂላ፧

6 “መገዲ ቕድስና”—እዝስ ንጐደና እተዋህበ ኸመይ ዝበለ ውቁብ ስም ኰን እዩ! ስለምንታይ እያ እታ መገዲ እቲኣ ቕድስቲ ተባሂላ፧ ኣብቲ ኸም ብሓድሽ ዚቐውም ህዝቢ እስራኤል፡ ን“ርኹስ” ዚኸውን ቦታ ስለ ዘይህሉ እዩ። ብርኽሰት፡ ብኣምልኾ ጣኦት፡ ወይ ብኻልእ ከቢድ ሓጢኣት ኪመላለስ ዚደሊ ዝዀነ ኣይሁዳዊ ናብታ መገዲ ኣይኣቱን እዩ። እቶም ናብ ዓዶም ዚምለሱ ኣይሁድ ንኣምላኾም “ቅዱስ ህዝቢ” እዮም ኪዀኑ ነይርዎም። (ዘዳ. 7:6) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ እቶም ካብ ባቢሎን ዝወጹ ኣይሁድ ንየሆዋ ባህ ንምባል ለውጢ ኺገብሩ ኣየድልዮምን ነይሩ ማለት ኣይኰነን።

7. ገሊኦም ኣይሁድ እንታይ ለውጥታት እዮም ኪገብሩ ዝነበሮም፧ ኣብነት ሃብ።

7 ኣቐዲሙ ኸም እተገልጸ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን እተወልዱ እዮም ነይሮም። ብዙሓት ካባታቶም እውን ኣተሓሳስባን መለክዒታትን ባቢሎናውያን ዝለመዱ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ቀዳሞት ኣይሁድ ናብ እስራኤል ካብ ዚምለሱ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ገሊኦም ኣይሁድ ኣረማውያን ኣንስቲ ኸም ዘእተዉ እዝራ ፈለጠ። (ዘጸ. 34:15, 16፣ እዝ. 9:1, 2) እቲ ሹም ኰይኑ እተላእከ ነህምያ እውን፡ ገሊኦም ኣብ እስራኤል እተወልዱ ውሉዳት ቋንቋ ኣይሁድ ከም ዘይክእሉ ምስ ፈለጠ፡ እዚ ደንጸዎ። (ዘዳ. 6:6, 7፣ ነህ. 13:23, 24) እቶም ቈልዑ እቲኦም፡ እቲ ቓል ኣምላኽ እተጻሕፈሉ ቐንዲ ቛንቋ ዝዀነ እብራይስጢ እንተ ዘይተረዲእዎም፡ ከመይ ገይሮም እዮም ንየሆዋ ኼፍቅርዎን ኬምልኽዎን ዚኽእሉ፧ (እዝ. 10:3, 44) ስለዚ፡ እቶም ኣይሁድ እቲኦም ዓብዪ ለውጢ ኺገብሩ ነበሮም። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ለውጢ እቲ ኣብቲ ንጹህ ኣምልኾ በብቝሩብ ናብ ዝነበሮ ዚምለሰሉ እስራኤል እንተ ገይሮምዎ እዮም ዝቐለለ ዝዀነሎም።—ነህ. 8:8, 9

ካብ 1919 ድ.ክ. ንነጀው ሚልዮናት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ካብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ድሕሪ ምውጻኦም ብ“መገዲ ቕድስና” ይጐዓዙ ኣለዉ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)

8. ቀደም እተፈጸመ ታሪኽ ሎሚ ንዓና ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧ (ስእሊ ገበር ርአ።)

8 ‘እዚ ኣዝዩ መሳጢ ታሪኽ እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ እቲ ቐደም ንኣይሁድ ዘጋጠሞም ነገር፡ ሎሚ ንዓና ትርጉም ኣለዎዶ፧’ ኢሎም ዚሓስቡ ኣይሰኣኑን እዮም። እዚ ብርግጽ ንዓና ትርጉም ኣለዎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣብ “መገዲ ቕድስና” ኢና እንጐዓዝ ዘለና። ካብቶም ቅቡኣት ንኹን ወይ ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” በቲ መንፈሳዊ ገነት ኣቢልና ናብቲ ኣብ መጻኢ ዚርከብ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ክንከይድ ከለና፡ ካብ “መገዲ ቕድስና” ኣይንውጻእ። b (ዮሃ. 10:16) ካብ 1919 ድ.ክ. ንነጀው፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ካብታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ወጺኦም በዛ ምሳልያዊት መገዲ እዚኣ ይጕዓዙ ኣለዉ። ንስኻ እውን ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እታ መገዲ እቲኣ ኻብ እትኽፈት ኣስታት ሚእቲ ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ነታ ጐደና እቲኣ ንምድላው እተገብረ ዕዮ ግና ዘመናት ኣቐዲሙ እዩ ጀሚሩ።

ነታ መገዲ ንምድላው እተገብረ ዕዮ

9. ምስ ኢሳይያስ 57:14 ብምስምማዕ፡ ን“መገዲ ቕድስና” ናይ ምድላው ዕዮ እተዓይየ ብኸመይ እዩ፧

9 የሆዋ ነቶም ካብ ባቢሎን ዝወጹ ኣይሁድ፡ ዕንቅፋታት ኣወጊዱሎም እዩ። (ኢሳይያስ 57:14 ኣንብብ።) ነቶም ኣብዚ ግዜና ብ“መገዲ ቕድስና” ዚጕዓዙ ደኣኸ፧ የሆዋ ኣብቲ ቕድሚ 1919 ዝነበረ ሓያሎ ዘመናት፡ ፍርሃት ኣምላኽ ብዘለዎም ሰባት ኣቢሉ፡ ካብ ዓባይ ባቢሎን ዚወጹሉ መገዲ ጸሪጉሎም እዩ። (ምስ ኢሳይያስ 40:3 ኣረኣኢ።) እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ከኣ፡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ካብ ዓባይ ባቢሎን ምእንቲ ኺወጹን ናብቲ ንጹህ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ ዚምለሰሉ መንፈሳዊ ገነት ምእንቲ ኺኣትዉን ኣገዳሲ ናይ ምድላው ዕዮ፡ ማለት መገዲ ናይ ምጽራግ መንፈሳዊ ዕዮ ዓይዮም እዮም። እዚ “መገዲ ናይ ምጽራግ ዕዮ” እንታይ የጠቓልል፧ ገለ ኻብቲ ሽዑ እተዓይየ ናይ ምድላው ዕዮ እስከ ንርአ።

ንሓያሎ ዘመናት፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ካብ ዓባይ ባቢሎን ንምውጻእ ዜኽእል መገዲ ኣብ ምጽራግ ሓጊዞም (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ)

10-11. ሕትመትን ትርጉምን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምስፋሕ እንታይ ኣበርክቶ ገይሩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ሕትመት። ክሳዕ መፋርቕ መበል 15 ዘመን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኢድ እዩ ዚቕዳሕ ነይሩ። እቲ ዕዮ ነዊሕ ግዜ እዩ ዚወስድ ነይሩ፣ ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብብዝሒ ዘይርከብ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ኣዝዩ ኽቡር እዩ ነይሩ። ሓታሚት ማኪና ምስ ተማህዘት ግና፡ ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ኺዳሎን ኪዝርጋሕን ከኣለ።

11 ትርጉም። ንሓያሎ ዘመናት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ብላቲን ጥራይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል ነይሩ። ነዚ ቛንቋ እዚ ድማ ልዑል ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት ጥራይ እዮም ኪርድእዎ ዚኽእሉ ነይሮም። ሕትመት ልሙድ እናዀነ ምስ ከደ ግና፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወልቀ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ተራ ህዝቢ ዚጥቀመሉ ቛንቋታት ተርጐምዎ። ድሕርዚ፡ ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኻህናት ዚምህርዎም ትምህርቲ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዚምህሮ ትምህርቲ ኼነጻጽርዎ ኸኣሉ።

ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ካብ ዓባይ ባቢሎን ንምውጻእ ዜኽእል መገዲ ኣብ ምጽራግ ሓጊዞም (ሕጡብ ጽሑፍ 12-14 ርአ)  c

12-13. ኣብ መበል 19 ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ቕኑዓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ብኸመይ ኬቃልዑ ኸም ዝጀመሩ ኣብነት ሃብ።

12 ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ናውቲ። ንፉዓት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዜንብብዎ ዝነበሩ ነገራት ብዙሕ ተማህሩ። ነቲ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ግና ንበይኖም ሒዞምዎ ስቕ ኣይበሉን። እዚ ድማ ንብዙሓት ካህናት ኣቘጥዖም። ንኣብነት፡ ኣብ መበል 19 ዘመን ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት ነቲ ኣብያተ ክርስትያን ዚምህራኦ ዝነበራ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ዜቃልዕ ትራክትታት ኣሕተሙ።

13 ኣብ ኣጋ 1835፡ ሄንሪ ግሪው ዚብሃል ንኣምላኽ ዚፈርህ ሰብ ብዛዕባ ዅነታት ምዉታት እትገልጽ ትራክት ኣሕተመ። ኣብኣ ድማ ኢመዋትነት ካብ ኣምላኽ ዚውሃብ ውህበት ምዃኑ፡ ከምቲ መብዛሕትአን ኣብያተ ክርስትያን ዚምህራኦ ድማ ኵሎም ሰባት ኪውለዱ ኸለዉ ዚረኽብዎ ኸም ዘይኰነ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣቕረበ። ብ1837 ጆርጅ ስቶርስ ዚብሃል ኣገልጋሊ ብባቡር እናተጓዕዘ ኸሎ፡ ቅዳሕ እታ ትራክት ረኸበ። ነታ ትራክት ምስ ኣንበባ ኸኣ፡ ኣገዳሲ ሓቂ ኸም ዝረኸበ ኣመነ። ነቲ እተማህሮ እውን ንኻልኦት ኬካፍል ወሰነ። ስለዚ፡ ብ1842፡ “ሕቶ—እኩያት ዘይሞቱ ድዮም፧” ብዚብል ፍረ ነገር ተኸታታሊ መደረታት ኣቕረበ። ድሕርዚ፡ ጽሑፋት ጆርጅ ስቶርስ፡ ቻርለስ ቴዝ ራስል ኣብ ዚብሃል መንእሰይ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕደረ።

14. ሓውና ራስልን ብጾቱን ካብቲ ቕድሚኦም እተገብረ መገዲ ናይ ምጽራግ መንፈሳዊ ዕዮ ብኸመይ ተጠቒሞም፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ሓውና ራስልን ብጾቱን ካብቲ ቕድሚኦም እተገብረ መገዲ ናይ ምጽራግ መንፈሳዊ ዕዮ ብኸመይ ተጠቒሞም፧ ኣብቲ መጽናዕትታቶም እተፈላለየ መዝገበ ቓላትን መወከሲታትን ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስን ተጠቒሞም እዮም። እዚ ዅሉ ድማ ቅድሚኦም እተዳለወ እዩ ነይሩ። ካብቲ ኸም እኒ ሄንሪ ግሪውን ጆርጅ ስቶርስን ካልኦት ሰባትን ዝገበርዎ ምርምር መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተጠቒሞም እዮም። ሓውና ራስልን ብጾቱን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጕዳያት ዚምርምር ብዙሕ መጻሕፍትን ትራክትታትን ብምድላው፡ ንሳቶም እውን ነቲ መገዲ ናይ ምጽራግ መንፈሳዊ ዕዮ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።

15. ብ1919 እንታይ ኣገዳሲ ምዕባለታት እዩ ተራእዩ፧

15 ብ1919፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ወጹ። በታ ዓመት እቲኣ፡ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዕዮኡ ጀመረ፣ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ከኣ ናብታ ሓዳስ እተኸፍተት “መገዲ ቕድስና” መርሓባ ኢሉ ተቐበሎም። (ማቴ. 24:45-47) ብኸፊል ሳላ እቶም ኣብ ሕሉፍ “መገዲ ዝጸረጉ” እሙናት ዓየይቲ ኸኣ፡ እቶም በታ ጐደና ዚጕዓዙ ሰባት ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ዘለዎም ፍልጠት ኬስፍሑ ኸኣሉ። (ምሳ. 4:18) ህይወቶም እውን ምስ መለክዒታት የሆዋ ኼሰማምዑ ኸኣሉ። የሆዋ ንህዝቡ ብሓንሳእ ለውጥታት ኪገብሩ ኣይተጸበዮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ በብደረጃኡ እዩ ኣጽርይዎም። (“ የሆዋ ንህዝቡ በብደረጃኡ የጽርዮም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኵላትና ንኣምላኽና ኣብ እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ባህ ከነብሎ ምስ ከኣልና፡ ብሓቂ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና!—ቈሎ. 1:10

“መገዲ ቕድስና” ኽፍትቲ እያ ዘላ

16. ካብ 1919 ኣትሒዙ፡ ኣብ “መገዲ ቕድስና” እንታይ ናይ ጽገና ዕዮ እዩ ዚዕየ ዘሎ፧ (ኢሳይያስ 48:17፣ 60:17)

16 ዝዀነ ይኹን መገዲ ስሩዕ ጽገና የድልዮ እዩ። ኣብ “መገዲ ቕድስና” እውን፡ ካብ 1919 ኣትሒዙ ቐጻሊ ዕዮ እዩ ዚግበር ዘሎ። እዚ ድማ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ካብ ዓባይ ባቢሎን ምእንቲ ኺወጹ ተባሂሉ እዩ ዚግበር። እቲ ሓድሽ እተሸመ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ብኡብኡ እዩ ብዕዮ ትሑዝ ኰይኑ። ብ1921፡ ንሓደስቲ ሰባት፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃሩ ዚሕግዝ ንዋት ኣሕተመ። እታ ንዋት እቲኣ፡ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኽትከውን ከላ፡ ውዒላ ሓዲራ ብ36 ቋንቋ፡ ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ብዚኣክል ቅዳሓት ተሓቲማ እያ። ብዙሓት ድማ ብእኣ ሓቂ ተማሂሮም እዮም። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ እትሕግዝ ሓዳስ ጽብቕቲ ንዋት ተዳልያትልና ኣላ። ኣብ ብምሉኡ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ብሕጂ እውን ብ“መገዲ ቕድስና” ኽንጐዓዝ ዚሕግዝ መንፈሳዊ ምግቢ ብስሩዕ የውሕዘልና ኣሎ።—ኢሳይያስ 48:17፣ 60:17 ኣንብብ።

17-18. “መገዲ ቕድስና” ናበይ እያ እትመርሕ፧

17 ሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባር ፍቓደኛ ምስ ኰነ፡ ናብ “መገዲ ቕድስና” ንምእታው ኣጋጣሚ ተኸፊቱሉ ኽንብል ንኽእል ኢና። ገሊኦም ኣብታ ጐደና ሓጺር ርሕቀት ምስ ተጓዕዙ ኻብኣ ይወጹ እዮም። ገሊኦም ግና ናብቲ መዓልቦኦም ክሳዕ ዚበጽሑ በታ መገዲ ኺጕዓዙ ቘሪጾም ኣለዉ። እሞ ደኣ እቲ መዓልቦኦም እንታይ እዩ፧

18 “መገዲ ቕድስና” ነቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም፡ ናብታ ኣብ ሰማይ እትርከብ “ገነት ኣምላኽ” እያ እትመርሖም። (ራእ. 2:7) ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ከኣ ናብቲ ኣብ መወዳእታ 1,000 ዓመት ዚርከብ ፍጽምና እያ እትመርሖም። ስለዚ፡ ሎሚ በዛ ጐደና እዚኣ ትጕዓዝ እንተ ኣሊኻ፡ ንድሕሪት ቍሊሕ ኣይትበል። ኣብ ሓዳስ ዓለም ጕዕዞኻ ኽሳዕ እትዛዝም እውን ካብታ መገዲ ኣይትውጻእ። እምበኣር፡ “ሰናይ ጕዕዞ” ንምነየልካ።

መዝሙር 24 ንዑናይ ናብ ከረን የሆዋ

a የሆዋ ነታ ኻብ ባቢሎን ናብ እስራኤል እትወስድ ምሳልያዊት ጐደና፡ “መገዲ ቕድስና” ኢሉ ጸዊዕዋ እዩ። እሞኸ የሆዋ ንህዝቡ፡ ኣብዚ ግዜና ተመሳሳሊ መገዲ ጸሪጉሎምዶ ኣሎ፧ እወ! ካብ 1919 ድ.ክ. ንደሓር፡ ሚልዮናት ካብታ ዓባይ ባቢሎን ወጺኦም፡ ብ“መገዲ ቕድስና” እውን ኪጐዓዙ ጀሚሮም እዮም። ናብቲ ናይ መወዳእታ መዓልቦና ኽሳዕ እንበጽሕ፡ ካብታ መገዲ እቲኣ ኽንወጽእ የብልናን።

c መግለጺ ስእሊ፦ሓውና ራስልን ብጾቱን በቲ ቕድሚኦም እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ናውቲ ይጥቀሙ።