ዓንቀጽ መጽናዕቲ 23
ን“ሃልሃልታ ያህ” ወትሩ ኣጐሃህራ
“ሃልሃልታኣ [ሃልሃልታ ፍቕሪ] ኸኣ ዚነድድ ሓዊ፡ ሃልሃልታ ያህ እዩ።”—መሃ. 8:6።
መዝሙር 131 “ኣምላኽ ዝጸመዶ”
መላለዪ a
1. መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ሓቂ ፍቕሪ ብኸመይ ይገልጻ፧
“ሃልሃልታኣ [ሃልሃልታ ፍቕሪ] ኸኣ ዚነድድ ሓዊ፡ ሃልሃልታ ያህ እዩ። ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት ኬጥፍኣ፡ ኣፍላግ ድማ ኪወስዳ ኣይክእልን እዩ።” b (መሃ. 8:6, 7) እዚ ንናይ ሓቂ ፍቕሪ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚገልጻ። ንምርዑዋት ሰብ ሓዳር ከኣ ዜተባብዕ ሓቂ ሒዙሎም ኣሎ። እወ፡ ኣቱም ሰብ ሓዳር፡ ንሓድሕድኩም ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኽትህልወኩም ትኽእል እያ።
2. ሰብ ሓዳር ፍቕሮም ምእንቲ ኸይትዝሕል እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧
2 ሰብ ሓዳር ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ ምእንቲ ኺፋቐሩ፡ ጻዕሪ ኺገብሩ የድልዮም እዩ። ነዚ ዚኸውን ምሳሌ እስከ ንርአ፦ መጋርያ ሓዊ ንሓዋሩ ኺነድድ ይኽእል እዩ። ንሓዋሩ ምእንቲ ኺነድድ ግና፡ ዕንጨይቲ ኺውሰኸሉ ኣለዎ። ቍሊሕ ዚብሎ እንተ ስኢኑ፡ እቲ ሓዊ ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ይቕህም እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘላ ፍቕሪ ንሓዋሩ ኽትቅጽል ትኽእል እያ። ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትቅጽል ግና፡ ነቲ ርክቦም ኪሕብሕብዎ ኣለዎም። ሓድሓደ ግዜ፡ ሰብ ሓዳር ኣብ መንጎኦም ዘላ ፍቕሪ ትዝሕል ከም ዘላ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ምናዳ ናይ ገንዘብ ጸገማት፡ ናይ ጥዕና ጸገማት፡ ወይ ቈልዑ ምዕባይ ዜስዕቦ ጸቕጢ ኼጋጥሞም ከሎ፡ ከምኡ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ምርዑው እንተ ዄንካ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኣብ ሓዳርካ ንሃልሃልታ ያህ ከተጐሃህራ እትኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሓዳርና ወትሩ ድልዱልን ሓጐስ ዝሰፈኖን ከም ዚኸውን እንገብረሉ ሰለስተ መገድታት ክንርኢ ኢና። c
ምስ የሆዋ ዘሎኩም ርክብ ኣደልድሉ
3. ሰብ ሓዳር ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ እንተ ኣልይዎም፡ እዚ ነታ ኣብ መንጎኦም ዘላ ፍቕሪ ኸይትዝሕል ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧ (መክብብ 4:12) (ስእሊ እውን ርአ።)
3 ሰብኣይን ሰበይትን ን“ሃልሃልታ ያህ” ወትሩ ምእንቲ ኼጐሃህርዋ፡ ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ንምዕቃብ ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም። እሞ ደኣ እዚ ርክብ እዚ ኣብ ሓዳሮም ብኸመይ ይሕግዞም፧ ሰብ ሓዳር ነቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦኦም ዘለዎም ምሕዝነት ኣኽቢሮም ዚርእይዎ እንተ ዀይኖም፡ ንምኽሩ ብቕሊሉ እዮም ዚቕበልዎ። እዚ ድማ ኣብ መንጎኦም ዘላ ፍቕሪ ኸም እትዝሕል ኪገብር ካብ ዚኽእል ጸገማት ይሰትሮም እዩ። (መክብብ 4:12 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ መንፈሳውያን ሰባት ንየሆዋ ኺመስልዎ እዮም ዚጽዕሩ። ከም ለውሃትን ትዕግስትን ይቕረ ምባልን ዝኣመሰለ ባህርያት እውን የማዕብሉ እዮም። (ኤፌ. 4:32–5:1) እዚ ባህርያት እዚ ዘለዎም ሰብ ሓዳር ከኣ፡ ብቐሊሉ እዮም ፍቕሪ ዜማዕብሉ። ካብ እትምርዖ ልዕሊ 25 ዓመት ዝገበረት ሊና ዝስማ ሓብቲ፡ “ንመንፈሳዊ ሰብ ብቐሊሉ ኢኻ እተፍቅሮን እተኽብሮን” ትብል።
4. የሆዋ ንዮሴፍን ንማርያምን ወለዲ እቲ ናይ መጻኢ መሲሕ ኪዀኑ ዝሓረዮም ስለምንታይ እዩ፧
4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት እስከ ንርአ። የሆዋ ነቲ ናይ መጻኢ መሲሕ ወለዱ ዚዀኑ ሰብ ሓዳር ኪሓሪ ኸሎ፡ ካብ ብዙሓት ዘርኢ ዳዊት ንዮሴፍን ንማርያምን እዩ ሓርዩ። ስለምንታይ፧ ክልቲኦም ምስ የሆዋ ብሕታዊ ርክብ ነይርዎም እዩ፣ ሓዳሮም ከኣ ኣብቲ ንዕኡ ዘለዎም ፍቕሪ እተመስረተ ኸም ዚኸውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ኣቱም ሰብ ሓዳር፡ ካብ ዮሴፍን ማርያምን እንታይ ትምሃሩ፧
5. ሰብኡት ካብ ዮሴፍ እንታይ ይምሃሩ፧
5 ዮሴፍ ነቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ መምርሒ ብኡብኡ እዩ ዚትግብሮ ነይሩ። እዚ ድማ ዝሓሸ ሰብኣይ ከም ዚኸውን እዩ ገይርዎ። እንተ ወሓደ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ካብ ኣምላኽ ንስድራ ቤቱ ዚምልከት መመርሒ ተዋሂብዎ እዩ። ኣብ ሰለስቲኡ ኣጋጣሚታት ከኣ፡ ዋላ እውን ዓብዪ ለውጢ ኺገብር እንተ ተሓትተ፡ ብቕልጡፍ እዩ ተኣዚዙ። (ማቴ. 1:20, 24፣ 2:13-15, 19-21) ዮሴፍ ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ መምርሒ ብምስዓቡ፡ ንማርያም ካብ ሓደጋ ኣዕቊብዋ፡ ደጊፍዋ፡ ዜድልያ እውን ኣማሊኡላ እዩ። እዚ ተግባራቱ ድማ፡ ነቲ ማርያም ንዕኡ ዝነበራ ፍቕርን ኣኽብሮትን ኣዕዚዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣቱም ሰብኡት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንስድራ ቤትኩም ክትከናኸኑ ዝሃበኩም ምኽሪ ብምስዓብ፡ ንዮሴፍ ክትመስልዎ ትኽእሉ ኢኹም። d ዋላ እውን ዓብዪ ለውጥታት ክትገብሩ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ነዚ ምኽሪ እንተ ስዒብኩም፡ ንሰበይትኹም ዘላትኩም ፍቕሪ ተርእዩ፡ ሓዳርኩም እውን ተደልድሉ ኢኹም። ካብ እትምርዖ ልዕሊ 20 ዓመት ዝገበረት ኣብ ቫኑዋቱ እትርከብ ሓብቲ፡ “ሰብኣየይ ካብ የሆዋ መምርሒ ኺደልን ክትገብርን ክርእዮ ኸለኹ፡ ንዕኡ ዘሎኒ ኣኽብሮት ይውስኽ እዩ። ቅሳነት እዩ ዚስምዓኒ፡ ብውሳነታቱ እውን እተኣማመን እየ” ትብል።
6. ኣንስቲ ኻብ ማርያም እንታይ ይምሃራ፧
6 ማርያም ብብሕታ ምስ የሆዋ ርክብ ነይርዋ እዩ። እምነታ ኣብቲ ዮሴፍ ዚገብሮ ነገራት እተመርኰሰት ኣይነበረትን። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። e ንምስትንታን ዚኸውን ግዜ እውን ነይርዋ እዩ። (ሉቃ. 2:19, 51) እዚ መንፈሳውነታ ድማ ብልጽቲ ሰበይቲ ኸም እትኸውን ገይርዋ ኪኸውን ኣለዎ። ሎሚ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ኸምቲ ማርያም ዝገበረቶ ንምግባር ይጽዕራ እየን። ንኣብነት፡ ኤሚኮ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ከይተመርዓኹ ኸለኹ፡ ብሕታዊ መንፈሳዊ ልማድ ነይሩኒ እዩ። ምስ ተመርዓኹ ግና ሰብኣየይ ስለ ዚጽልየልናን ንኣምልኾና ስለ ዚመርሖን፡ እምነተይ ኣብቲ ንሱ ዚገብሮ ኸም እተመርኰሰት ኣስተብሂለ። ምስ የሆዋ ብዛዕባ ዘሎኒ ርክብ ጾረይ ክጸውር ከም ዘሎኒ ተረዲኡኒ። ስለዚ፡ ሕጂ ምስ ኣምላኽ በይነይ ዝዀነሉ፡ ማለት ዝጽልየሉን ቅዱሳት ጽሑፋት ዘንብበሉን ብዛዕባ ሓሳባቱ ዜስተንትነሉን ግዜ ኣሎኒ።” (ገላ. 6:5) ኣትን ኣንስቲ፡ ምስ የሆዋ ዘሎክን ምሕዝነት እንተ ኣደልዲልክን፡ ሰብኡትክን ንዓኻትክን ንምንኣድን ንምፍቃርን ተወሳኺ ምኽንያት ኪረኽቡ እዮም።—ምሳ. 31:30።
7. ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ብዛዕባ ምምላኽ ካብ ዮሴፍን ማርያምን እንታይ ይምሃሩ፧
7 ዮሴፍን ማርያምን ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም ርክብ ድልዱል ገይሮም ንምዕቃብ እውን ብሓባር ዓይዮም እዮም። ንየሆዋ ብስድራ ቤት ምምላኽ ዘለዎ ኣገዳስነት ተረዲእዎም ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 2:22-24, 41፣ 4:16) ምናዳ እናሰደሩ ምስ ከዱ፡ ከምኡ ምግባር ኣጸጋሚ ኪዀኖም ይኽእል ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ገይሮምዎ እዮም። እዝስ ሎሚ ንዘለዉ ሰብ ሓዳር ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን እዩ! ከም ዮሴፍን ማርያምን ውሉዳት እንተ ኣልዮምኹም፡ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ፡ ወይ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ግዜ ምምዳብ በዳሂ ኪዀነኩም ይኽእል እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ እኳ ንመጽናዕቲ ወይ ንጸሎት ዚኸውን ግዜ ምምዳብ ከቢድ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንየሆዋ ብሓባር እንተ ኣምሊኽኩምዎ ንዕኡ ብዝያዳ ትቐርብዎ፡ ንሓድሕድኩም እውን ብዝያዳ ትቀራረቡ ኢኹም። ስለዚ፡ ንኣምልኾኹም ቀዳምነት ሃብዎ።
8. ኣብ መንጎኦም ውጥረት ሰፊኑ ዘሎ ሰብ ሓዳር ካብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ብዝያዳ ምእንቲ ኺጥቀሙ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
8 ኣብ ሓዳርኩም ውጥረት ሰፊኑ እንተ ኣልዩኸ፧ እዚ ጸገም እንተ ኣልዩኩም፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምግባር ዚብልዎ ሓሳብ ባህ ዘየብል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ኣብ ፈለማ፡ ክልቴኹም እትሰማምዑሉ ሓጺርን እትፈትውዎን ርእሰ ነገር ኣጽንዑ። እዚ ድማ ንርክብኩም ኬደልድሎ፡ ነቲ ብሓባር መንፈሳዊ ነገራት ንምግባር ዘሎኩም ድሌት እውን ኬሐይሎ እዩ።
ብሓባር ግዜ ኣሕልፉ
9. ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ግዜ ኼሕልፉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
9 ኣቱም ሰብ ሓዳር፡ ብሓባር ግዜ ብምሕላፍ እውን ንፍቕርኹም ከይትቕህም ክትሕልውዋ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ብኣእምሮኣውን ብስምዒታውን መዳይ ኣይክትራሓሓቑን ኢኹም። (ዘፍ. 2:24) ልዕሊ 15 ዓመት ይገብር እተመራዓዉ ሊልያንን ሩስላንን ብኡብኡ እዮም ሓደ ነገር ኣስተውዒሎም። ብዛዕባ እዚ ሊልያን ከምዚ ትብል፦ “ከምቲ እንግምቶ ዝነበርና ብሓባር እነሕልፎ ብዙሕ ግዜ ኸም ዘይብልና ኣስተብሂልና። ዓለማዊ ስራሕ፡ ዕዮ ገዛ፡ ደሓር ድማ ቈልዑ ንግዜና ይወስድዎ ነይሮም። ከም ሰብኣይን ሰበይትን ንበይንና ግዜ እንተ ዘይመዲብና፡ ክንራሓሓቕ ከም እንኽእል ተገንዚብና።”
10. ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ ኤፌሶን 5:15, 16 ዚርከብ ስርዓት ብኸመይ ኪትግብርዎ ይኽእሉ፧
10 ሰብ ሓዳር ብሓባር ግዜ ንምሕላፍ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ነዚ ዚኸውን ግዜ ኺምድቡ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ።) ኣብ ናይጀርያ ዚነብር ኡዞንዱ ዝስሙ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ንጥፈታተይ ክምድብ ከለኹ፡ ነቲ ኣነን ሰበይተይን ብሓባር እነሕልፎ ግዜ እውን መደብ እሕዝ እየ። ነቲ ግዜ እቲ ድማ ቀዳምነት እየ ዝህቦ።” (ፊል. 1:10) ኣብ ሞልዶቫ እትነብር ኣናስታሲያ ዝስማ ሰበይቲ ሓላው ወረዳ እውን፡ ንግዜኣ ኸመይ ገይራ ብዝበለጸ ኸም እትጥቀመሉ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ሰብኣየይ ብሓላፍነታቱ ትሑዝ ኪኸውን ከሎ፡ ብሕታዊ ንጥፈታተይ ክገብር እጽዕር እየ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ድሕሪኡ ብሓባር ግዜ ኸነሕልፍ ንኽእል።” እንተዀነ ግና፡ መደባትኩም እተዋጠረ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ብሓባር ግዜ ምሕላፍ እንተ ኣጸጊሙኩምከ፧
11. ኣኪላስን ጵርስኪላን እንታይ ንጥፈታት እዮም ብሓባር ዚገብሩ ነይሮም፧
11 ሰብ ሓዳር ካብቶም ኣኪላስን ጵርስኪላን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ንሳቶም ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ተፈተውቲ እዮም ነይሮም። (ሮሜ 16:3, 4) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳሮም ብዙሕ ዝርዝር ነገራት ዚገልጸልና እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብሓባር ከም ዚዓይዩን ከም ዚሰብኩን ንኻልኦት ከም ዚሕግዙን ግና ይገልጸልና እዩ። (ግብ. 18:2, 3, 24-26) ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ሳዕ ብሓባር እዮም ተጠቒሶም ዘለዉ።
12. ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ግዜ ንምሕላፍ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
12 ሰብ ሓዳር ንኣኪላስን ንጵርስኪላን ብኸመይ ኪመስልዎም ይኽእሉ፧ ብዛዕባ እቲ ኽትገብርዎ ዘሎኩም ሓያሎ ነገራት እሞ ሕሰቡ። ገለ ኻብዚ ዕዮታት እዚ በብውልቅኹም ኣብ ክንዲ እትገብርዎ፡ ብሓባር ክትዓይይዎዶ ትኽእሉ፧ ንኣብነት፡ ኣኪላስን ጵርስኪላን ብሓባር እዮም ዝሰብኩ ነይሮም። ኣቱም ሰብ ሓዳርከ፡ ብስሩዕ ከምኡ ንምግባር መደብ ኣሎኩምዶ፧ ብዘይካዚ፡ ኣኪላስን ጵርስኪላን ብሓባር እዮም ዚዓይዩ ነይሮም። ኣቱም ሰብ ሓዳርከ፡ በበይኑ ስራሕ እኳ እንተ ኣሎኩም፡ ኣብ ቤት ዝዕየ ዕዮታት ግና ብሓባር ክትዓይዩ ትኽእሉዶ፧ (መክ. 4:9) እናተደጋገፍኩም ክትዓይዩ ኸለኹም ሓድነትኩም ይድልድል፡ ንሓድሕድኩም ንምዝርራብ እውን ኣጋጣሚ ትረኽቡ ኢኹም። ሮበርትን ሊንዳን ካብ ዚመራዓዉ ልዕሊ 50 ዓመት ገይሮም እዮም። ሮበርት ከምዚ ይብል፦ “ሓቂ ይሓይሽ ኣብ መዘናግዒ ብሓባር እነሕልፎ ብዙሕ ግዜ የብልናን። እንተዀነ ግና፡ ብያትታት እናሓጸብኩ ሰበይተይ ከተንቅጽ ከላ፡ ወይ ኣትክልቲ እናዀስኰስኩ ንሳ ኣብ ጐድነይ ኰይና ኽትዓዪ ኸላ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ። ብሓባር ክንዓዪ ኸለና፡ ሓድነትና ይድልድል እዩ። ፍቕርና ድማ ይዓቢ እዩ።”
13. ሰብኣያን ሰበይትን ብሓቂ ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎም እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧
13 ይኹን እምበር፡ ብሓባር ምዃን ጥራይ ግድን ንሓድነት ኣበርክቶ ይገብር ማለት ኣይኰነን። ኣብ ብራዚል እትነብር ሓንቲ ሰበይቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብዚ ግዜና ንኣቓልቦና ዚሰርቕ ብዙሕ ነገራት ስለ ዘሎ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ናሕሲ ብምንባርና ጥራይ ብሓባር ግዜ ነሕልፍ ከም ዘለና ጌርና ኽንዕሾ ኸም እንኽእል ተገንዚበ እየ። ብሓባር ግዜ ምሕላፍ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንመጻምድተይ ዜድልዮ ቘላሕታ ኽህቦ ኣሎኒ።” ብሩኖን ሰበይቱ ታይስን ሓደ ነቲ ሓደ ቘላሕታ ምእንቲ ኺገብረሉ ይጽዕሩ እዮም። ብሩኖ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፡ “ብሓባር ኣብ እነሕልፎ ግዜ ንሞባይላትና ንየው ኢልና በቲ ኣብ መንጎ ንሓድሕድና ዘሎና ግዜ ኢና እንሕጐስ።”
14. ሰብ ሓዳር ብሓባር ግዜ ምሕላፍ ዘየሐጕሶም እንተ ዀይኑ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
14 ይኹን እምበር፡ ምስ መጻምድትኹም ብሓባር ግዜ ምሕላፍ ዘየሐጕሰኩም እንተ ዀነኸ፧ ምናልባት ሕደ ዜገድሰኩም ነገራት ኣይህልወኩምን ይኸውን፡ ወይ እውን ሓዴኹም ነቲ ሓደ ቕጭ የምጽኣሉ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧ ነቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ መጋርያ ሓዊ ዘክርዎ። ኣብ ፈለማ፡ ብቕጽበት ኣይኰነን ሃልሃል ዚብል። ካብ ቀሸም ጀሚርካ በብቝሩብ ኣዕጫው ኪውሰኸሉ ኣለዎ። ንስኻትኩም እውን ብተመሳሳሊ፡ ስለምንታይ መዓልቲ መዓልቲ ሓጺር ግዜ ብሓባር ብምሕላፍ ዘይትጅምሩ፧ ግጭት ኪፈጥረልኩም ዝኽእል ነገር ዘይኰነስ፡ እትፈትውዎ ነገር ግበሩ። (ያእ. 3:18) ብንእሽቶ ብምጅማር፡ ንፍቕርኹም ከም ብሓድሽ ከተናኽስዋ ትኽእሉ ኢኹም።
ንሓድሕድኩም ተኻባበሩ
15. ኣብ ሰብ ሓዳር ዘላ ፍቕሪ ምእንቲ ኸይትቕህም፡ ምክብባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
15 ኣኽብሮት ኣብ ሓዳር ወሳኒ ነገር እዩ። ምስቲ ንመጋርያ ሃልሃል ኬብሎ ዚኽእል ኦክስጅን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ብዘይ ኦክስጅን፡ ሓዊ ቐልጢፉ እዩ ዚቕህም። ብተመሳሳሊ፡ ሰብ ሓዳር ዘይከባበሩ እንተ ዀይኖም፡ ፍቕሮም ቀልጢፋ እያ እትቕህም። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና ንሓድሕዶም ዚከባበሩ ሰብ ሓዳር ንፍቕሮም የጐሃህርዋ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ኣኽብሮት በቲ ንስኻ ገይረዮ ኢልካ እትኣምነሉ ዘይኰነስ፡ በቲ መጻምድትኻ ዝሓደሮ ስምዒት እዩ ዚልካዕ። ፐኒን ኣረትን ካብ ዚምርዓዉ 25 ዓመት ገይሮም ኣለዉ። ፐኒ ኸምዚ ትብል፡ “እንካባበር ምዃንና ኣብ ቤትና ጽቡቕ ሃዋህው እዩ ፈጢሩ። ሓዴና ናይቲ ሓደ ርእይቶ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ስለ እንፈልጥ፡ ከይተሰከፍና ኢና ሓሳብና እንገልጽ።” እሞ ደኣ ሰብ ሓዳር ከም ዚከባበሩ ንምርኣይ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ኣብርሃምን ሳራን ዝገበርዎ እስከ ንርአ።
16. ሰብኡት ካብ ኣብርሃም እንታይ ይምሃሩ፧ (1 ጴጥሮስ 3:7) (ስእሊ እውን ርአ።)
16 ኣብርሃም ንሳራ ብኣኽብሮት እዩ ዚሕዛ ነይሩ። ንርእይቶኣ ኣብ ግምት የእቱ፡ ንስምዒታ እውን የኽብረላ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሳራ ተጨነቐት። ስለዚ ስምዒታ ንኣብርሃም ደርጕሓትሉ፣ ካብኡ ሓሊፋ እውን ወቐሰቶ። እሞኸ ኣብርሃም ተሪር ምላሽ ድዩ መሊሱላ፧ ኣይፋልን። ሳራ ከም እትግዝኦን ከም እትድግፎን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብርሃም ንሳራ ሰምዓ፣ ነቲ ጕዳይ እውን ፍታሕ ገበረሉ። (ዘፍ. 16:5, 6) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣብ ስድራ ቤትኩም ውሳነታት ናይ ምውሳን ስልጣን ኣሎኩም። (1 ቈረ. 11:3) ምናዳ እቲ ውሳነኹም ንሰበይትኹም ዚጸልዋ እንተ ዀይኑ፡ ቅድሚ ምውሳንኩም ንርእይቶ ሰበይትኹም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፍቕርኹም ከተርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። (1 ቈረ. 13:4, 5) ኣብ ገሊኡ እዋናት ከኣ ሰበይትኹም ጸቕጢ ስለ እተሰምዓ፡ ስምዒታ ትገልጸልኩም ትኸውን። እሞ ደኣ፡ ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ንስምዒታ ኣኽብሮት ከም ዘሎኩም ተርእዩ ዲኹም፧ (1 ጴጥሮስ 3:7 ኣንብብ።) ኣንጀላን ድሚትሪን ካብ ዚመራዓዉ፡ ኣስታት 30 ዓመት ገይሮም ኣለዉ። ኣንጀላ ሰብኣያ ብኸመይ ከም ዜኽብራ ኽትገልጽ ከላ፡ “ክበሳጮ ወይ ሓሳበይ ክገልጽ ከለኹ፡ ድሚትሪ ወትሩ ንምስማዕ ድሉው እዩ። ስምዒታዊት ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ ይዕገሰኒ እዩ” ትብል።
17. ኣንስቲ ኻብ ሳራ እንታይ ይምሃራ፧ (1 ጴጥሮስ 3:5, 6)
17 ሳራ ነቲ ኣብርሃም ዚገብሮ ውሳነታት ብምድጋፍ፡ ንዕኡ ኣኽብሮት ከም ዘለዋ ኣርእያ እያ። (ዘፍ. 12:5) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብርሃም ብሃንደበት ንዝመጹ ኣጋይሽ ኪቕበል ወሰነ። ስለዚ ንሳራ፡ ነቲ እትገብሮ ዝነበረት ነገራት ሓዲጋ ብዙሕ ቅጫታት ክትስንክት ሓተታ። (ዘፍ. 18:6) ሳራ ድማ ተቐላጢፋ ኸምቲ ዝበላ ገበረት፣ ነቲ ኣብርሃም ዝገበሮ ውሳነ እውን ደገፈቶ። ኣትን ኣንስቲ፡ ንውሳነታት ሰብኡትክን ብምድጋፍ፡ ንሳራ ኽትመስላኣ ትኽእላ ኢኽን። ከምኡ እንተ ጌርክን፡ ንሓዳርክን ኢኽን እተደልድላ። (1 ጴጥሮስ 3:5, 6 ኣንብብ።) እቲ ኣብ ዝሓለፈት ሕጡብ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ድሚትሪ፡ ሰበይቱ ብኸመይ ከም እተኽብሮ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “በበይኑ ርእይቶታት ኣብ ዚህልወና እዋን እኳ፡ ኣንጀላ ንውሳነታተይ ንምድጋፍ እትገብሮ ጻዕርታት አማስወሉ እየ። እቲ ውጽኢት ብሉጽ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣይትነቕፈንን እያ።” እወ፡ ንሓደ ዜኽብረካ ሰብ ምፍቃር ከቢድ ኣይኰነን!
18. ሰብ ሓዳር ፍቕሮም ወትሩ ኸም እትጐሃሃር እንተ ገይሮም፡ ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ፧
18 ሎሚ፡ ሰይጣን ነታ ኣብ ሓዳር ክርስትያናት ዘላ ፍቕሪ ኼጥፍኣ ይደሊ እዩ። ሰብ ሓዳር ነታ ኣብ መንጎኦም ዘላ ፍቕሪ እንተ ኣጥፊኦም፡ ካብ የሆዋ ኺርሕቁ ኸም ዚጅምሩ ይፈልጥ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኽትጠፍእ ኣይትኽእልን እያ። ስለዚ፡ ፍቕርኹም ከምታ ኣብ መሃልየ መሃልይ ተገሊጻ ዘላ ዓይነት ፍቕሪ ግበርዋ ንየሆዋ ኣብ ሓዳርኩም ቀዳምነት ሃብዎ፣ ብሓባር ግዜ ኣሕልፉ፣ ንሓድሕድኩም እውን ተኻባበሩ። ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ሓዳርኩም ነቲ ምንጪ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዝዀነ የሆዋ ኽብሪ ኼምጽኣሉ እዩ። ፍቕርኹም ከኣ ከምቲ ኣጸቢቑ እተቘስቈሰ ሓዊ ንሓዋሩ ሃልሃል ክትብል እያ።
መዝሙር 132 ሓደ ኢና
a የሆዋ ንደቂ ሰብ ውህበት መውስቦ ሂብዎም እዩ። እዚ ውህበት እዚ ኸኣ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መንጎኦም ፍሉይ ፍቕሪ ኼማዕብሉ የኽእሎም። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ እታ ፍቕሮም ትዝሕል እያ። ምርዑው እንተ ዄንካ፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ሓሳባት፡ ፍቕርኻ ኸይትቕህምን ካብ ሓዳርካ ሓጐስ ክትረክብን ኪሕግዘካ እዩ።
b የሆዋ ምንጪ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብምዃኑ፡ እታ ዘይትለዋወጥን ጽንዕትን ዝዀነት ናይ ሓቂ ፍቕሪ፡ “ሃልሃልታ ያህ” ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ።
c ዘይኣማኒ መጻምድቲ ዘለዎም ሰብ ሓዳር እኳ፡ እዚ ሓሳባት እዚ ንርክቦም ኬደልድሎ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 7:12-14፣ 1 ጴጥ. 3:1, 2።