ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 21

የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ይምልሶ፧

የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ይምልሶ፧

“ካብኡ ስለ ዝለመንና፡ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም እንረክብ ንፈልጥ ኢና።”—1 ዮሃ. 5:15

መዝሙር 41 ጸሎተይ ስማዕ

መላለዪ a

1-2. ምስ ጸሎት ብዚተሓሓዝ እንታይ ሕቶታት እዩ ኺልዓለና ዚኽእል፧

 የሆዋ ንጸሎትካ ዚምልሰልካ እንተ ዀይኑ ሕቶ ተላዒሉካዶ ይፈልጥ፧ ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዓይነት ሕቶ ይለዓሎም እዩ። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ምናዳ ጸገማት ኬሕልፉ ኸለዉ፡ እዚ ሕቶ እዚ ይልዓሎም እዩ። መከራ ነሕልፍ እንተ ኣሊና፡ የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ይምልሶ ኸም ዘሎ ምስትውዓል ይኸብደና እዩ።

2 የሆዋ ጸሎት ኣምለኽቱ ኸም ዚምልስ ርግጸኛታት እንዀነሉ ምኽንያታት እስከ ንርአ። (1 ዮሃ. 5:15) ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እውን ንመርምር፦ ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ንጸሎትና ይምልሰልና ኸም ዘየሎ ዀይኑ ዚስምዓና ስለምንታይ እዩ፧ ሎሚ የሆዋ ንጸሎት ዚምልስ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ፡ ንሕና ብእንጽበዮ መገዲ ኸይምልስ ይኽእል እዩ

3. የሆዋ ናብኡ ኽንጽሊ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧

3 የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረናን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽቡራት ምዃንናን ቅዱሳት ጽሑፋት የረጋግጸልና እዩ። (ሃጌ 2:7፣ 1 ዮሃ. 4:10) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ብጸሎት ሓገዙ ኽንልምን ዚዕድመና። (1 ጴጥ. 5:6, 7) ምስኡ ለጊብና ምእንቲ ኽንመላለስን ነቲ ዜጋጥመና ጸገማት ብዓወት ምእንቲ ኽንሰግሮን ኪሕግዘና ይደሊ እዩ።

የሆዋ ንዳዊት ካብ ጸላእቱ ብምንጋፍ ጸሎቱ መሊሱሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)

4. የሆዋ ንጸሎት ኣምለኽቱ ኸም ዚምልሶ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንጸሎት ኣምለኽቱ ምላሽ ከም ዝሃበ ብዙሕ ሳዕ ነንብብ ኢና። ሓደ ኻብኡ ኽትዝክር ትኽእልዶ፧ ንጉስ ዳዊት ሓደ ኣብነት እዩ። ኣብ ምሉእ ህይወቱ ብዙሓት ሓደገኛታት ጸላእቲ ኣጓኒፎምዎ እዮም፣ ብዙሕ ሳዕ ድማ ብጸሎት ኣቢሉ ኻብ የሆዋ ሓገዝ ለሚኑ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ኦ የሆዋ፡ ጸሎተይ ስማዕ፣ ናብ ልማኖይ ጽን በል። ብተኣማንነትካን ብጽድቅኻን መልሰለይ” ኢሉ ለሚኑ እዩ። (መዝ. 143:1) የሆዋ ድማ ነቲ ዳዊት ድሕነት ንምርካብ ዘቕረበሉ ጸሎት መሊሱሉ እዩ። (1 ሳሙ. 19:10, 18-20፣ 2 ሳሙ. 5:17-25) ስለዚ፡ ዳዊት ብምትእምማን፡ “የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ . . . ቐረባኦም እዩ” ኺብል ክኢሉ እዩ። ንሕና እውን ከምኡ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና።—መዝ. 145:18

የሆዋ ንጳውሎስ ንምጽዋር ዜኽእል ሓይሊ ብምሃብ ጸሎቱ መሊሱሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ንሳቶም ብዘይተጸበይዎ መገዲ ጸሎቶም ተመሊሱሎምዶ ይፈልጥ፧ ኣብነት ሃብ። (ስእሊ እውን ርአ።)

5 የሆዋ ንጸሎትና፡ ንሕና ብዘይተጸበናዮ መገዲ ኺምልሶ ይኽእል እዩ። ንሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ንሱ ንኣምላኽ፡ ነቲ ‘ኣብ ስጋኡ ዘሎ እሾዅ’ ኬርሕቐሉ እዩ ለሚንዎ። ብዛዕባ እዚ ጸገም እዚ፡ ሰለስተ ሳዕ እዩ ጸልዩ። እሞኸ የሆዋ ንጸሎቱ መሊሱሉዶ፧ እወ። እንተዀነ ግና፡ በቲ ጳውሎስ እተጸበዮ መገዲ ኣይኰነን መሊሱሉ። ነቲ ጸገም ኣብ ክንዲ ዜርሕቐሉ፡ ብተኣማንነት ንምግልጋል ዜድልዮ ሓይሊ እዩ ሂብዎ።—2 ቈረ. 12:7-10

6. ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ንጸሎትና ይምልሶ ኸም ዘየሎ ዀይኑ ዚስምዓና ስለምንታይ እዩ፧

6 ንሕና እውን ሓድሓደ ግዜ፡ ካብቲ እንጽበዮ እተፈልየ መልሲ ኺውሃበና ይኽእል እዩ። የሆዋ ንዓና ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ ብልክዕ ከም ዚፈልጥ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። “ካብቲ እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር” እውን ይኽእል እዩ። (ኤፌ. 3:20) በዚ ምኽንያት እዚ፡ መልሲ ጸሎትና ንሕና ኣብ ዘይተጸበናዮ ግዜ ወይ ንሕና ብዘይተጸበናዮ መገዲ ኺመጽእ ይኽእል እዩ።

7. ብዛዕባ እንታይ ከም እንጽሊ ለውጢ ኽንገብር ዜድልየና ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

7 ፍቓድ የሆዋ እናነጸረልና ምስ ከደ፡ ብዛዕባ እንታይ ከም እንጽሊ ለውጢ ኽንገብር የድልየና ይኸውን። ንኣብነት፡ ሓውና ማርቲን ፖይትሲንገር ዝገበሮ እስከ ንርአ። ምስ ተመርዓወ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ተኣስረ። ኣብ ፈለማ፡ ንሰበይቱ ምእንቲ ኺድግፋን ዕዮ ስብከቱ ምእንቲ ኪቕጽልን ኢሉ ንየሆዋ፡ ‘ካብቲ መዳጐኒ ደምበ ኣውጽኣኒ’ ኢሉ ለመኖ። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ግና፡ የሆዋ ኻብቲ ቤት ማእሰርቲ ኼውጽኦ ኸም ዚደሊ ዚሕብር ነገር ኣይረኣየን። ስለዚ፡ “የሆዋ፡ እንታይ ክገብር ከም እትደልየኒ ኣርእየኒ” ኢሉ ኽጽሊ ጀመረ። ኣብቲ መዳጐኒ ደምበ ዝነበሩ ኻልኦት ኣሕዋት ብዛዕባ ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ጸገማት እውን ኪሓስብ ጀመረ። መብዛሕትኦም ብዛዕባ ኣንስቶምን ደቆምን ኣመና ይጭነቑ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ሓውና ፖይትሲንገር፡ “የሆዋ፡ ሓድሽ ዕዮ ስለ ዝሃብካኒ አመስግነካ። ንኣሕዋተይ ከበርትዖምን ከተባብዖምን ሓግዘኒ” ኢሉ ጸለየ። ንዚቕጽል ትሽዓተ ዓመት ድማ ኣብ እተፈላለየ መዳጐኒ ደምበታት ከምኡ ገበረ።

8. ክንጽሊ ኸለና እንታይ ኣገዳሲ ረቛሒ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

8 የሆዋ፡ ብመሰረት እቲ ናይ ግዜ ሰሌዳኡ ዚፍጽሞ ዕላማ ኸም ዘለዎ ኽንርስዕ የብልናን። እቲ ዕላማ እቲ ድማ ንዅሉ እቲ ሎሚ ብዙሕ መከራ ዜስዕብ ዘሎ ኸም ባህርያዊ ሓደጋን ሕማምን ሞትን ዝኣመሰለ ጸገማት ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ምውጋድ ዜጠቓልል እዩ። የሆዋ ብመንግስቱ ኣቢሉ ነዚ ዕላማኡ ኺፍጽሞ እዩ። (ዳን. 2:44፣ ራእ. 21:3, 4) ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ግና፡ የሆዋ ንሰይጣን፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኺገዝኣ ፈቒዱሉ ኣሎ። b (ዮሃ. 12:31፣ ራእ. 12:9) የሆዋ ሕጂ ንጸገማት ደቂ ሰብ እንተ ዚፈትሖ ነይሩ፡ ግዝኣት ሰይጣን እተወሰነ ዓወት ዝረኸበ ምመሰለ ነይሩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ነቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ዚፍጽመሉ ግዜ እናተጸበና፡ ንሱ ብዘይ ሓገዝ ይገድፈና ማለት ኣይኰነን። ገለ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ዚረድኣሉ መገድታት እስከ ንርአ።

ሎሚ የሆዋ ንጸሎትና ዚምልሰሉ መገድታት

9. ውሳነታት ክንገብር ኣብ ዜድልየና እዋን ብኸመይ እዩ የሆዋ ዚሕግዘና፧ ኣብነት ሃብ።

9 ጥበብ ይህበና። የሆዋ ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ዜኽእል ጥበብ ከም ዚህበና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። ምናዳ ኸኣ ከም ምምርዓው ወይ ዘይምምርዓው ዝኣመሰለ ንምሉእ ህይወትና ዚጸሉ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ጥበብ ኣምላኽ የድልየና እዩ። (ያእ. 1:5) ተመክሮ ሓንቲ ማሪያ እትብሃል ዘይተመርዓወት ሓብቲ እስከ ንርአ። c ምስ ሓደ ሓው ኣብ እተራኸበትሉ እዋን፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተሓጒሳ ተገልግል ነበረት። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ምሕዝነትና እናማዕበለ ምስ ከደ፡ ንሓድሕድና ፍሉይ ስምዒት ከነሕድር ጀሚርና። ሽዑ፡ ውሳነ ኽገብር ከም ዜድልየኒ ፈሊጠ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከኣ ነዊሕ ጸሎት ኣቕሪበ። መምርሒ የሆዋ ኣድልዩኒ ነይሩ፣ የሆዋ ኸም ዘይውስነለይ ግና እፈልጥ ነይረ እየ።” እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ የሆዋ ነቲ ጥበብ ኪህባ ዘቕረበቶ ጸሎት ከም ዝመለሰላ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ። ብኸመይ፧ ኣብ ጽሑፋትና ምርምር ምስ ገበረት፡ ንሕቶታታ መልሲ ዚህባ ዓንቀጻት ረኸበት። ነቲ እታ እምንቲ ኣዲኣ ዝሃበታ ጥበባዊ ምኽሪ እውን ኣብ ልባ ኣሕደረቶ። እቲ ምኽሪ እቲ ንማሪያ፡ ስምዒታታ ኽትምርምር ሓገዛ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ከኣለት።

የሆዋ ንምጽዋር ዜኽእል ሓይሊ ዚህበና ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. ብመሰረት ፊልጲ 4:13፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ንምሕጋዝ እንታይ እዩ ዚገብር፧ ኣብነት ሃብ። (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ንምጽዋር ዜኽእል ሓይሊ ይህበና። የሆዋ ኸምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበረሉ፡ ንዓና እውን ንፈተናታትና ንምጽዋር ዜኽእል ሓይሊ ይህበና እዩ። (ፊልጲ 4:13 ኣንብብ።) ንሓደ በንጃሚን ዝስሙ ሓው ብኸመይ ከም ዝሓገዞ እስከ ንርአ። በንጃሚን መብዛሕትኡ ኽፋል ንእስነቱ ምስ ስድራ ቤቱ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዚርከብ ሰፈር ስደተኛታት እዩ ኣሕሊፍዎ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ናብ የሆዋ ኣዘውቲረ እጽሊ ነይረ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ባህ ዜብሎ ነገር ንምግባር ሓይሊ ኺህበኒ እልምኖ ነይረ። የሆዋ ድማ ናይ ኣእምሮ ሰላም ብምሃብ፡ ስብከተይ ንምቕጻል ዜኽእለኒ ትብዓት ብምሃብ፡ ከምኡ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱል ኰይነ ንምቕጻል ዜድልየኒ ጽሑፋት ብምሃብ ንጸሎተይ መሊሱለይ እዩ።” ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ከምዚ ይብል፦ “ተመክሮታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምንባበይን የሆዋ ንዓታቶም ኪጻወሩ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ምፍላጠይን፡ ነቲ ብተኣማንነት ንምምልላስ ዘሎኒ ቘራጽነት ኣደልዲሉለይ እዩ።”

የሆዋ ብክርስትያናት ብጾትካ ኣቢሉ ሓጊዙካዶ ይፈልጥ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ) d

11-12. የሆዋ ንጸሎትና ንምምላስ፡ ብመንፈሳውያን ስድራ ቤትና ኺጥቀም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 ብመንፈሳውያን ስድራ ቤትና ይጥቀም። የሱስ ድሮ እታ ህይወቱ መስዋእቲ ገይሩ ዝሃበላ መዓልቲ ብጽኑዕ ጸልዩ እዩ። ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ ዀይኑ ምእንቲ ኸይፍረዶ፡ ንየሆዋ ለሚንዎ እዩ። የሆዋ ግና ከምቲ ልማኖኡ ኣብ ክንዲ ዚህቦ፡ ምእንቲ ኼበርትዖ ኢሉ ሓደ ኻብቶም ኣሕዋቱ ዝዀኑ መላእኽቲ ለኣኸሉ። (ሉቃ. 22:42, 43) ኣብዚ ግዜና እውን፡ በቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብተሌፎን ወይ ብኣካል ዚገብሩልና ምብጻሕ ኣቢሉ የሆዋ ኼተባብዓና ይኽእል እዩ። ኵላትና ንክርስትያናት ብጾትና “ጽቡቕ ቃል” እነካፍለሉ ኣጋጣሚታት ከነናዲ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 12:25

12 ሚርያም ዝስማ ሓብቲ ዘሕለፈቶ ተመክሮ እስከ ንርአ። ካብቲ ሰብኣያ ዝሞተሉ ሒደት ሰሙናት ምስ ሓለፈ፡ ኣብ ገዛኣ በይና ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብሓዘንን ብጭንቀትን ተደቝሰት። ስምዒታ ምቍጽጻር ኣብይዋ በኸየት፣ ምስ ሰብ እውን ክትዛራረብ ደለየት። ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ኸምዚ ትብል፦ “ናብ ሰብ ንምድዋል ሓይሊ ኣይነበረንን፣ ስለዚ ናብ የሆዋ ጸልየ። ገና እናበኸኹን እናጸለኹን ከለኹ፡ ተሌፎን ተደዊላ። ናይ ቀረባ ፈታዊና ዝዀነ ሽማግለ እዩ ደዊሉለይ።” እቲ ሽማግለን ሰበይቱን ንሚርያም ኣጸናንዕዋ። ሚርያም ከኣ፡ የሆዋ ነቲ ሓው ኪድውል ከም ዝደረኾ እያ እትኣምን።

የሆዋ ንዓና ንምሕጋዝ፡ ንኻልኦት ሰባት ብኸመይ ኪድርኾም ይኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ)

13. የሆዋ ንጸሎትና ንምምላስ፡ ንዘየምልኽዎ ሰባት ኪጥቀም ከም ዚኽእል ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

13 ዘየምልኽዎ ሰባት ኪጥቀም ይኽእል። (ምሳ. 21:1) ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ብዘይኣመንቲ ገይሩ ንጸሎት ህዝቡ ኺምልስ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ነህምያ ናብ የሩሳሌም ተመሊሱ ነታ ኸተማ ዳግም ንምህናጽ ዘቕረቦ ልማኖ ብንጉስ ኣርታሕሻስታ ኣቢሉ እዩ መሊሱሉ። (ነህ. 2:3-6) ሎሚ እውን የሆዋ ንዘየምልኽዎ ሰባት ብምድራኽ፡ ካብ ጸገማትና ኼናግፈና ይኽእል እዩ።

14. ካብ ተመክሮ ሱ ሂንግ ብፍላይ ዘተባብዓካ እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ሱ ሂንግ ዝስማ ሓብቲ፡ የሆዋ ብሓኪም ኣቢሉ ኸም ዝሓገዛ እዩ ዚስምዓ። ወዳ እተፈላለየ ናይ ኣእምሮ ጸገም ጥዕና ኣለዎ። ከቢድ ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ፡ ንሳን ሰብኣያን ስራሖም ሓዲጎም ንዕኡ ኣብ ምክንኻን ተጸምዱ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ናይ ገንዘብ ጸገም ኣጋጠሞም። ሱ ሂንግ ከምዛ ኽትብተኽ ቍሩብ ዝተረፋ ኽሳብ መወዳእታ እተመጥጠት ላስቲክ ዝዀነት ኰይኑ እዩ ተሰሚዕዋ። ስለዚ፡ ኣብ ልባ ዘሎ ንየሆዋ ኣፍሰሰትሉ፣ ካብኡ እውን ሓገዝ ለመነት። ድሕርዚ፡ እቲ ሓኪም ኣብቲ ጕዳዮም ተገዳስነት ኣሕደረ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ኪረኽቡን ብዓቕሞም ዚነብሩሉ መንበሪ ኺረኽቡን ከኣሉ። ድሕርዚ፡ ሱ ሂንግ፡ “ኣብዚ ጕዳይ እዚ፡ ኢድ የሆዋ ርኢና ኢና። ብሓቂ ‘ሰማዕ ጸሎት’ እዩ” በለት።—መዝ. 65:2

ነቲ የሆዋ ዚህቦ ምላሽ ምልላይን ምቕባልን እምነት ይሓትት

15. ሓንቲ ሓብቲ፡ የሆዋ ንጸሎታ ይምልሰላ ኸም ዘሎ ኽትፈልጥ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧

15 መብዛሕትኡ ግዜ ጸሎትና ብመስተንክራዊ መገዲ ኣይኰነን ዚምለሰልና። እቲ ዚውሃበና ምላሽ ግና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና እሙናት ኴንና ንምቕጻል ዜኽእል እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንጸሎትካ ብኸመይ ይምልሶ ኸም ዘሎ ተዓዘብ። ንኣብነት፡ ዮኮ ዝስማ ሓብቲ፡ የሆዋ ንጸሎታ ይምልሰላ ኸም ዘየሎ ዀይኑ ተሰምዓ። ድሕሪኡ ግና፡ ነቲ ንየሆዋ ዝለመነቶ ልማኖታት ክትምዝግቦ ጀመረት። እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ነቲ ዝመዝገበቶ ምልስ ኢላ ረኣየቶ። የሆዋ ንመብዛሕትኡ ጸሎታ ኸም ዝመለሰላ፡ ዋላ እውን ነቲ ዝረስዓቶ ልማኖኣ ኸም ዝመለሰላ ተገንዘበት። ስለዚ፡ በብግዜኡ ሓንሳእ ደው ኢልና የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ይምልሰልና ኸም ዘሎ ኸነስተንትን ኣሎና።—መዝ. 66:19, 20

16. ምስ ጸሎት ብዚተሓሓዝ ብኸመይ ኢና እምነት ከነርኢ እንኽእል፧ (እብራውያን 11:6)

16 ናብ የሆዋ ብምጽላይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንጸሎትና ዚህቦ ዝዀነ ይኹን ምላሽ ብምቕባል እውን እምነትና ነርኢ ኢና። (እብራውያን 11:6 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ተመክሮ ማይክን ሰበይቱ ክሪሲን እስከ ንርአ። እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ኣብ ቤት-ኤል ናይ ምግልጋል ሸቶ ነበሮም። ማይክ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንሓያሎ ዓመታት ኣመልኪትና፡ ብዛዕባ እዚ ሸቶ እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ናብ የሆዋ ጸሊና ኢና፣ ግናኸ ኣይተጸዋዕናን” ይብል። ማይክን ክሪሲን፡ የሆዋ ኣብ ኣገልግሎቱ ብኸመይ ከም ዚጥቀመሎም ብዝሓሸ ኸም ዚፈልጥ ዝነበሮም ምትእምማን ኣየጥፍኡን። ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ቦታታት ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ብምግልጋልን ኣብ ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ህንጸት ብምድጋፍን ዚከኣሎም ምግባር ቀጸሉ። ሎሚ ኣብ ዕዮ መገሻ የገልግሉ ኣለዉ። ማይክ ድማ፡ “የሆዋ ንጸሎትና ብእንጽበዮ መገዲ ኣይኰነን መሊሱልና። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ኽንሓስቦ እንኽእል ብዝሓሸ መገድታት መሊሱልና እዩ” ይብል።

17-18. ብመሰረት መዝሙር 86:6, 7፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

17 መዝሙር 86:6, 7 ኣንብብ። ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ የሆዋ ንጸሎቱ ኸም ዝሰምዖን ከም ዝመለሰሉን ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ንስኻ እውን ተመሳሳሊ እምንቶ ኸተሕድር ትኽእል ኢኻ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ኣብነታት፡ የሆዋ ንምጽዋር ዜድልየና ጥበብን ሓይልን ከም ዚህበና የረጋግጸልና። ብመንፈሳውያን ስድራ ቤትና ወይ ንዕኡ ብዘየምልኽዎ ሰባት ኣቢሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

18 የሆዋ ንጸሎትና፡ ወትሩ ንሕና ብእተጸበናዮ መገዲ ዚምልሰልና እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ከም ዚምልሰልና ግና ንፈልጥ ኢና። ብልክዕ ዜድልየና ዘበለ ኣብቲ ብልክዕ ዜድልየና እዋን ይህበና እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ሕጂ ኸም ዚከናኸነካ፡ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም እውን ‘ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ኸም ዜዕግብ’ ርግጸኛ ብምዃን ብእምነት ጸሊ።—መዝ. 145:16

መዝሙር 46 ነመስግነካ የሆዋ

a የሆዋ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና እንተ ለሚንናዮ፡ ጸሎትና ኸም ዚምልሰልና መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ዜኽእለና ደገፍ ከም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሕጂ እምበኣር፡ የሆዋ ንጸሎትና ብኸመይ ከም ዚምልሶ እስከ ንርአ።

b የሆዋ ንሰይጣን፡ ንዓለም ኪገዝኣ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ብዚምልከት፡ ኣብታ ኣብ ናይ ሰነ 2017 እተሓትመት ግምቢ ዘብዐኛ፡ኣብቲ ዓብዪ ጕዳይ ኣተኵር” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

d መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ኣደን ጓላን ካብ ዓደን ተሰዲደን ናብ ካልእ ዓዲ ይኸዳ። ክርስትያናት ብጾተን ሓንጐፋይ ኢሎም ይቕበልወን፡ ግብራዊ ሓገዝ እውን ይህብወን።