ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 18

መዝሙር 1 ባህርያት የሆዋ

ነቲ መሓሪ ዝዀነ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” እመኖ!

ነቲ መሓሪ ዝዀነ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” እመኖ!

“እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧”ዘፍ. 18:25

ኣትኵሮ

ብዛዕባ እቲ ምስ ትንሳኤ ሓጥኣን ዚተሓሓዝ ምሕረትን ፍትሕን የሆዋ ዘሎና ርድኢት ንምዕማቝ።

1. የሆዋ ንኣብርሃም እንታይ ዜጸናንዕ ትምህርቲ እዩ ምሂርዎ፧

 ኣብርሃም ኣብ ዘይርሳዕ ዝርርብ እዩ ተሳቲፉ። ኣምላኽ ብመልኣኽ ኣቢሉ ንኣብርሃም፡ ንኸተማታት ሶዶምን ጎመራን ከም ዜጥፍአን ነገሮ። እቲ እሙን ሰብኣይ በዚ ተረበሸ። “ንጻድቕከ ምስ እኩይዶ ኽትኵስትሮ ኢኻ፧ . . . እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧” ኢሉ እውን ሓተተ። የሆዋ ነቲ ዜፍቅሮ ፈታዊኡ፡ ንዅላትና ዚጠቕመናን ዜጸናንዓናን ነገር መሃሮ፦ ኣምላኽ ንጻድቃን ከቶ ኣየጥፍኦምን እዩ።—ዘፍ. 18:23-33

2. የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ከም ዚፈርድን ብምሕረት ከም ዚፈርድን ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ንኸውን፧

2 የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ከም ዚፈርድን ብምሕረት ከም ዚፈርድን ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ንኸውን፧ ምኽንያቱ፡ ‘የሆዋ ልቢ ኸም ዚርኢ’ ንፈልጥ ኢና። (1 ሳሙ. 16:7) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ “ልቢ ዅሉ ሰብ” ይፈልጥ እዩ። (1 ነገ. 8:39፣ 1 ዜና 28:9) እዚ ዜደንቕ ሓቂ እዩ። ፍርድታት የሆዋ ኻብቲ ኽንርድኦ እንኽእል ኣጸቢቑ ይበልጽ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ተመሪሑ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ፡ “ፍርዱ ኽንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ” ኺብል ሓቁ እዩ።—ሮሜ 11:33

3-4. ሓድሓደ ግዜ እንታይ ሕቶታት ኢና ኸነበግስ እንኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧ (ዮሃንስ 5:28, 29)

3 ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ ኸም ናይ ኣብርሃም ዓይነት ሕቶታት ከነበግስ ንኽእል ኢና። ‘እቶም ኣብ ሶዶምን ጎሞራን እተፈርዶም ሰባት ኰነ ኸማታቶም ዝኣመሰሉ ኻልኦት ሰባት ኣብ መጻኢ ተስፋ ይህልዎም ደዀን ይኸውን፧ ገሊኦም ኣብ “ትንሳኤ ሓጥኣን” ይትንስኡ ደዀን ይዀኑ፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን።—ግብ. 24:15

4 ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ርድኢት ከም ዘሎና እስከ ንኸልስ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ብዛዕባ “ትንሳኤ ህይወት” ኰነ ብዛዕባ “ትንሳኤ ፍርዲ” ዝነጸረ ርድኢት ረኺብና ኢና። a (ዮሃንስ 5:28, 29 ኣንብብ።) እዚ ዝነጸረ ትምህርቲ ኸኣ ናብ ተወሳኺ ምትዕርራያት እዩ መሪሑና። ነዚ ድማ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን ክንመያየጠሉ ኢና። ብዛዕባ እቲ ቕኑዕ ፍርድታት የሆዋ፡ ፈለማ እንታይ ከም ዘይንፈልጥ፡ ድሕሪኡ ኸኣ እንታይ ከም እንፈልጥ ክንምርምር ኢና።

እንታይ ከም ዘይንፈልጥ

5. ኣብ ሕሉፍ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ዝነበሩ ሰባትን ከማታቶም ብየሆዋ ዝጠፍኡ ሰባትን ጽሑፋትና እንታይ ይብል ነይሩ፧

5 ኣብ ሕሉፍ፡ እቶም ሓጥኣን ብምዃኖም ብየሆዋ ዚፍረዱ ሰባት እንታይ ከም ዚዀኑ ኣብ ጽሑፋትና ገሊጽና ኔርና ኢና። እቶም ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ዝነበሩ ሰባትን ከማታቶም ብየሆዋ ዝጠፍኡ ሰባትን ኣብ ናይ መጻኢ ትንሳኤ ተስፋ ኸም ዘይብሎም ኢና ሓቢርና ኔርና። ነዚ ነገር እዚ ብጸሎት ምስ ኣጽናዕናዮ ግና፡ ሕቶ ኣበጊሱልና እዩ፦ ርግጸኛታት ኴንና ኸምኡ ኽንብል ንኽእል ዲና፧

6. ገለ ኻብቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን ዝፈጸሞ ፍርዲ እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ እንታይከ ኢና ዘይንፈልጥ፧

6 ምስዚ ዚዛመድ ሕቶታት እስከ ንርአ። ኣብ ብርክት ዝበለ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን ዝፈጸሞ ፍርዲ ተገሊጹ ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ ብግዜ ማይ ኣይሂ ብዙሓት ሰባት ከም ዝሃለቑ፡ የሆዋ ንህዝቡ ነቶም ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝነበሩ ሸውዓተ ኣህዛብ ኬጥፍእዎም ከም ዝኣዘዞም፡ ከምኡ ድማ ሓደ መልኣኽ የሆዋ ብሓንቲ ለይቲ ኻብ ሰፈር ኣሶራውያን 185,000 ሰባት ከም ዝቐተለ ነንብብ ኢና። (ዘፍ. 7:23፣ ዘዳ. 7:1-3፣ ኢሳ. 37:36, 37) ኣብዚ መዳያት እዚ፡ የሆዋ ንዅሎም እዞም ውልቀ ሰባት እዚኦም ብዘይ ተስፋ ትንሳኤ ንዘለኣለም ኪጠፍኡ ኸም ዝወሰነ ዚሕብር ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንረክብ ዲና፧ ኣይፋልን። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧

7. ብዛዕባ እቶም ኣብ ማይ ኣይሂ ወይ ኣብ ከነኣን ዝጠፍኡ ሰባት እንታይ ኢና ዘይንፈልጥ፧ (ስእሊ ርአ።)

7 የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኦም ብደረጃ ውልቀ ሰብ ብኸመይ ከም ዝፈረዶም ኣይንፈልጥን ኢና። እቶም እተቐትሉ ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንምፍላጥን ንምንሳሕን ኣጋጣሚ ረኺቦም እንተ ነይሮም ወይ እንተ ዘይነይሮም እውን ኣይንፈልጥን ኢና። ምስ ማይ ኣይሂ ብዚተሓሓዝ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኖህ፡ “ሰባኽ ጽድቂ” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (2 ጴጥ. 2:5) እዚ ግና፡ ዓባይ መርከብ እናሰርሐ ኣብ ምድሪ ንዝነበረ በቲ ማይ ኣይሂ ንዝጠፍአ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኪበጽሕ ይጽዕር ከም ዝነበረ ዚሕብር ኣይኰነን። ምስ ኣህዛብ ከነኣን ብዚተሓሓዝ እውን፡ ኵሎም እቶም እኩያት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጡን መገድታቶም ኪቕይሩን ኣጋጣሚ ረኺቦም እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ኣይንፈልጥን ኢና።

ኖህን ስድራ ቤቱን ዓባይ መርከብ ይሰርሑ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኖህ ነቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት ንምብጻሕ ብእተወደበ መገዲ ወፈራ ስብከት ይገብር እንተ ነይሩ ወይ እንተ ዘይነይሩ ዚፍለጥ ነገር የልቦን (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


8. ብዛዕባ ሰብ ሶዶምን ጎሞራን እንታይ ኢና ዘይንፈልጥ፧

8 ብዛዕባ ሰብ ሶዶምን ጎሞራንከ እንታይ ኢና ኽንብል እንኽእል፧ ሎጥ ዚብሃል ጻድቕ ኣብ መንጎኦም ይነብር ነበረ። እንተዀነ ግና፡ ሎጥ ንዅሎም ከም ዝሰበኸሎም ክንፈልጥ ንኽእል ዲና፧ ኣይፋልን። እኩያት ምንባሮም ኣይከሓድን እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ቅኑዕን ጌጋን ኪፈልዩ ይኽእሉ ነይሮም ድዮም፧ ሰብ እታ ኸተማ ንኣጋይሽ ሎጥ ኪዕምጽዎም ደልዮም ነይሮም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ጭፍራ ዀይኖም ዝመጹ ሰባት፡ “ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። (ዘፍ. 19:4፣ 2 ጴጥ. 2:7) እቲ መሓሪ ዝዀነ ኣምላኽና የሆዋ፡ ንነፍሲ ወከፎም ተስፋ ትንሳኤ ኸይረኽቡ ኸም ዝፈረዶምሲ ብሓቂዶ ንፈልጥ ኢና፧ የሆዋ ንኣብርሃም፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዓሰርተ ጻድቃን እኳ ኸም ዘየለዉ ኣረጋጊጹሉ እዩ። (ዘፍ. 18:32) ስለዚ፡ ሓጥኣን እዮም ነይሮም፣ የሆዋ ብተግባራቶም ተሓተትቲ ምግባሩ እውን ፍትሓዊ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ትንሳኤ ሓጥኣን ዋላ ሓዲኦም ከም ዘይትንስኡ ርግጸኛታት ኴንና ኽንዛረብ ንኽእል ዲና፧ ከምኡ ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና።

9. ብዛዕባ ሰሎሞን እንታይ ኢና ዘይንፈልጥ፧

9 በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ብዛዕባ እቶም ጻድቃን ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ሓጥኣን ዝዀኑ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ ኢና። ንኣብነት፡ ንጉስ ሰሎሞን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ኣጸቢቑ ተማሂሩ ነይሩ እዩ፣ ካብ የሆዋ እውን ብዙሕ በረኸት ረኺቡ ነይሩ እዩ። ጸኒሑ ግና፡ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼምልኽ ጀመረ። በዚ ሓጢኣቱ ድማ የሆዋ ተቘጥዐ፣ እዚ ኸኣ ንዘመናት ዝቐጸለ ሳዕቤናት ኣስዓበ። ልክዕ እዩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ” ይብል እዩ፣ እዚ ድማ ምስቶም ከም ንጉስ ዳዊት ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ማለት እዩ። (1 ነገ. 11:5-9, 43፣ 2 ነገ. 23:13) እንተዀነ ግና፡ እቲ እተቐብረሉ መገዲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእ ውሕስነት ይኸውን ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኣይብለናን እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ “እቲ ዝሞተስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ” ይብሉ ይዀኑ። (ሮሜ 6:7) እዚ ሓቂ እዩ፣ ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኵሎም ምዉታት ይትንስኡ እዮም ማለት ኣይኰነን። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኵሎም ምዉታት ሓድሽ ህይወት ኪውሃቦም ይበቕዑ እዮም ማለት ኣይኰነን። ትንሳኤ ኻብ ፈቃር ኣምላኽና ዚውሃብ ውህበት እዩ። እዚ ውህበት እዚ ድማ፡ ነቶም ንዘለኣለም ምእንቲ ኼገልግልዎ ኢሉ ኣጋጣሚ ዚኸፍተሎም ሰባት እዩ ዚህቦም። (እዮ. 14:13, 14፣ ዮሃ. 6:44) እሞ ደኣ፡ ሰሎሞን እዚ ውህበት እዚ ኺረክብ ድዩ፧ የሆዋ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ይፈልጥ እዩ፣ ንሕና ግና ኣይንፈልጥን ኢና። የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ኸም ዚገብር ግና ንፈልጥ ኢና።

እንታይ ከም እንፈልጥ

10. የሆዋ ብዛዕባ ጥፍኣት ሰባት እንታይ ይስምዖ፧ (ህዝቅኤል 33:11) (ስእሊ እውን ርአ።)

10 ህዝቅኤል 33:11 ኣንብብ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንሰባት ዚፈርደሉ መገዲ እንታይ ከም ዚስምዖ ገሊጹ ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ነብዪ ህዝቅኤል ኣቐዲሙ ዝጸሓፎ ነገር ብምቅላሕ፡ “የሆዋስ . . . ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ጴጥ. 3:9) ነዚ ዜጸናንዕ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ የሆዋ ንሰባት ተቐላጢፉ ንሓዋሩ ኸም ዘየጥፍኦም ንፈልጥ ኢና። ምሕረቱ ብዙሕ እዩ፡ ብእተኻእለ መጠን እውን ምሕረት ይገብር እዩ።

ኣብ ትንሳኤ ሓጥኣን፡ በብዓይነቶም ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንምፍላጥ ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)


11. መን እዮም ትንሳኤ ዘይረኽቡ፧ እዚኸ ብኸመይ ንፈልጥ፧

11 ብዛዕባ እቶም ትንሳኤ ዘይረኽቡ ሰባት እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ኣብነታት ጥራይ እዩ ዚጠቅስ። b ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኸም ዘይትንስእ፡ የሱስ ሓቢሩ እዩ። (ማር. 14:21) c ይሁዳ ደይ መደይ ኢሉ እዩ ንየሆዋ ኣምላኽን ንወዱን ዚጻረር ተግባር ገይሩ። (ማር. 3:29) d ኣብ ካልእ እዋን፡ የሱስ ብዛዕባ ገሊኦም እተጻረርዎ መራሕቲ ሃይማኖት ኪዛረብ ከሎ፡ ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘይብሎም ገሊጹ እዩ። (ማቴ. 23:33) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ዘይንስሑ ኸሓድቲ ኸም ዘይትንስኡ መጠንቀቕታ ሂቡ ኣሎ።—እብ. 6:4-8፣ 10:29

12. ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ ኣብነታት ሃብ።

12 ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ የሆዋ፡ ‘ሓደ እኳ ኺጠፍእ ከም ዘይደሊ’ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ ከቢድ ሓጢኣት ንዝገበሩ ሰባት ብኸመይ ምሕረት ከም ዝገበረሎም እስከ ንርአ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ብተደጋጋሚ ኸቢድ ሓጢኣት ገይሩ እዩ። ገለ ኻብኡ ዝሙትን ቅትለትን ኪጥቀስ ይከኣል። እንተዀነ ግና፡ ስለ እተነስሐ፡ የሆዋ ምሕረት ገበረሉ። (2 ሳሙ. 12:1-13) ንጉስ ምናሴ ኸኣ ኣብ መብዛሕትኡ ህይወቱ ኣመና እኩይ እዩ ነይሩ። ምስ ተነስሐ ግና የሆዋ መሓሮ፡ ይቕረ እውን በለሉ። (2 ዜና 33:9-16) እዚ ኣብነታት እዚ፡ የሆዋ ምሕረት ንምግባር ዜኽእሎ መሰረት እንተ ረኺቡ፡ ምሕረት ከም ዚገብር የዘኻኽረና። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበሩ ስለ ዝፈለጡን ካብ ሓጢኣቶም ስለ እተነስሑን ኬተንስኦም እዩ።

13. (ሀ) የሆዋ ንሰብ ነነዌ ዝመሓሮም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ሰብ ነነዌ እንታይ እዩ ዝበለ፧

13 የሆዋ ንሰብ ነነዌ ኸም ዝመሓሮም እውን ንፈልጥ ኢና። ንዮናስ ብዛዕባኦም ኪዛረቦ ኸሎ፡ “እከዮም ናብ ቅድመይ ደዪቡ እዩ” ኢልዎ ነይሩ እዩ። ካብ ሓጢኣቶም ምስ ተነስሑ ግና፡ ብለውሃት ተደሪኹ ይቕረ በለሎም። ካብ ዮናስ ንላዕሊ ድማ ዓብዪ ምሕረት ኣርኣዮም። ኣምላኽ ነቲ እተቘጥዐ ነብይኡ፡ ሰብ ነነዌ “ቕኑዕን ጌጋን ዘይፈልጡ” ምዃኖም ኣዘኻኸሮ። (ዮና. 1:1, 2፣ 3:10፣ 4:9-11) ጸኒሑ፡ የሱስ ብዛዕባ ፍትሕን ምሕረትን የሆዋ ንምምሃር፡ ነቲ ኣብነት እቲ ተጠቕመሉ። እቶም እተነስሑ ሰብ ነነዌ “ብመዓልቲ ፍርዲ . . . ኺትንስኡ” ምዃኖም ከኣ ገለጸ።—ማቴ. 12:41

14. ሰብ ነነዌ “ትንሳኤ ፍርዲ” ይረኽቡ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

14 ኣብ ምንታይ “ፍርዲ” እዮም ሰብ ነነዌ ‘ዚትንስኡ፧’ የሱስ ብዛዕባ ናይ መጻኢ “ትንሳኤ ፍርዲ” ምሂሩ እዩ። (ዮሃ. 5:29) ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን” ትንሳኤ ኪኸውን እዩ። (ግብ. 24:15) እቲ ግዜ እቲ ንሓጥኣን “ትንሳኤ ፍርዲ” ኪኸውን እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ የሆዋን የሱስን ነቶም ሰባት እቲኦም ብምንታይ ኣካይዳ ኸም ዚመላለሱ፡ ንመለኮታዊ ትምህርቲ እውን ብኸመይ ከም ዚቕበልዎ ኺዕዘብዎምን ኪግምግምዎምን እዮም። እቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ሰብ ነነዌ ብንጹህ ኣምልኾ ኺመላለሱ እንተ ዘይደልዮም፡ ብህይወት ኪቕጽሉ ኣይኪፍቀደሎምን እዩ። (ኢሳ. 65:20) ኵሎም እቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜምልኽዎ ሰባት ግና፡ ጽቡቕ ፍርዲ ኺፍረደሎም እዩ። እወ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ!—ዳን. 12:2

15. (ሀ) ካብቶም ኣብ ሶዶምን ጎሞራን ዝጠፍኡ ዋላ ሓደ ኸም ዘይትንስእ ክንዛረብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ነቲ ኣብ ይሁዳ 7 ዚርከብ ቃላት ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ እንኽእል፧ (“ ይሁዳ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

15 የሱስ ብዛዕባ ሰብ ሶዶምን ጎሞራን ኪዛረብ ከሎ፡ “ብመዓልቲ ፍርዲ” ኻብቶም ንዕኡን ንትምህርትታቱን ዘይተቐበሉ ሰባት ንዓታቶም ከም ዚቐልል ገሊጹ ኣሎ። (ማቴ. 10:14, 15፣ 11:23, 24፣ ሉቃ. 10:12) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ የሱስ ኣብዚ እተጋነነ መግለጺ ኸም እተጠቕመ ጌርና ንሓስብ ንኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ ከምኡ ኣይኰነን ዚገብር ነይሩ፣ ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ብዛዕባ ሰብ ነነዌ ንእተዛረቦ ነገር ቃል ብቓሉ እተረዳእናዮ፡ ነዚ እውን ከምኡ ጌርና ኽንርድኦ ይግባእ። e የሱስ ቃል ብቓሉ ሓሳቡ ዚገልጽ ዘሎ እዩ ዚመስል። እቲ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት እተጠቕሰ “መዓልቲ ፍርዲ” ንተመሳሳሊ እዋን ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። ሰብ ሶዶምን ጎሞራን ከም ሰብ ነነዌ፡ ክፉእ ነገራት ገይሮም እዮም። ሰብ ነነዌ ግና ኪንስሑ ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም። ብተወሳኺ፡ የሱስ ብዛዕባ “ትንሳኤ ፍርዲ” እተዛረቦ እውን ኣይንረስዓዮ። ገለ ኻባታቶም “ክፉእ ዝገበሩ” ምንባሮም ጠቒሱ እዩ። (ዮሃ. 5:29) ስለዚ፡ ንሰብ ሶዶምን ጎሞራን እተወሰነ ተስፋ ዘለዎም እዩ ዚመስል። ገለ ኻባታቶም ትንሳኤ ይረኽቡ ይዀኑ፡ ብዛዕባ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ንምምሃር እውን ኣጋጣሚ ንረክብ ንኸውን።

16. የሆዋ ንመን ትንሳኤ ኸም ዚህብ ብዚምልከት እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ (ኤርምያስ 17:10)

16 ኤርምያስ 17:10 ኣንብብ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እንታይ ከም እንፈልጥ ኣሕጽር ኣቢላ ትገልጸልና እያ፦ የሆዋ ወትሩ ‘ንልቢ ይፍትሾ፡ ንውሽጣዊ ሓሳባት ከኣ ይምርምሮ’ እዩ። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ትንሳኤ ድማ፡ ንዅሉ ‘ኸከም ፍረ ግብርታቱ ኺህቦ እዩ።’ የሆዋ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ መዳይ ጽኑዕ፡ ዚከኣል ኣብ ዝዀነሉ መዳይ ከኣ መሓሪ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘይብሉ ብንጹር ክሳዕ ዘይፈለጥና፡ ተስፋ ኸም ዘይብሉ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን።

‘እቲ ፈራድ ኵላ ምድሪ ቕኑዕ ይገብር እዩ’

17. ኣብ መጻኢ ምዉታት እንታይ እዮም ኪዀኑ፧

17 ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሰይጣን ሓቢሮም ካብ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ዚዓልዉ ንደሓር ቢልዮናት ሞይቶም ኣለዉ። እቲ “ጸላኢ” እተባህለ ሞት ንብዙሓት ሰባት እዩ ኣህሊቑ! (1 ቈረ. 15:26) ኵሎም እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ እዮም ኪዀኑ፧ ሒደት ሰባት፡ ማለት 144,000 እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ዘይመውት ህይወት ተዋሂብዎም ናብ ሰማይ ኪትንስኡ እዮም። (ራእ. 14:1) ንየሆዋ ዜፍቅሩ ብዙሓት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ግና፡ “ትንሳኤ ጻድቃን” ኪረኽቡ እዮም፣ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈተናን ጻድቃን ኰይኖም እንተ ተመላሊሶም ከኣ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። (ዳን. 12:13፣ እብ. 12:1) ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ እቶም “ሓጥኣን” ተባሂሎም ዘለዉ ንየሆዋ ፈጺሞም ኣገልጊሎምዎ ዘይፈልጡን “ክፉእ ዝገበሩ”ን ሰባት፡ መገድታቶም ምእንቲ ኪቕይሩን እሙናት ምእንቲ ኪዀኑን ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ። (ሉቃ. 23:42, 43) ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት ኣመና እኩያት ብምንባሮም፡ ካብ የሆዋን ካብ ዕላማታቱን ኪዓልዉ ድማ ቈሪጾም እተላዕሉ ብምንባሮም፡ የሆዋ ንዓታቶም ኣይኬተንስኦምን እዩ።—ሉቃ. 12:4, 5

18-19. (ሀ) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምዉታት ዚፈርዶ ፍርድታት ስለምንታይ ኢና ኽንተኣማመን እንኽእል፧ (ኢሳይያስ 55:8, 9) (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

18 እሞ ደኣ የሆዋ ኣብ ኵሉ ፍርድታቱ ወትሩ ቕኑዕ ከም ዚገብር ክንኣምን ንኽእል ዲና፧ እወ። ከምቲ ንኣብርሃም ኣጸቢቑ እተረድኦ፡ የሆዋ ፍጹምን ጥበበኛን መሓርን ዝዀነ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” እዩ። ንወዱ ኣሰልጢንዎ፡ ኵሉ ፍርዲ እውን ሂብዎ ኣሎ። (ዮሃ. 5:22) ኣቦን ወድን ከኣ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ኼንብቡ ይኽእሉ እዮም። (ማቴ. 9:4) ኣብ ኵሉ መዳያት፡ “ቅኑዕ” ዘበለ ኺገብሩ እዮም!

19 እምበኣር፡ ኣብ ኵሉ እቲ ዚግበር ውሳነታት ንየሆዋ ንእመኖ። ንሕና ኽንፈርድ ብቕዓት ከም ዘይብልና ንኣምን ኢና፣ ንሱ ግና ብቕዓት ኣለዎ። (ኢሳይያስ 55:8, 9 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኵሉ ፍርዲ ናብኡን ናብ ወዱን ንሕደጎ። ንጉስና የሱስ ንፍትሕን ንምሕረትን ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ኸም ዜንጸባርቕ ንፈልጥ ኢና። (ኢሳ. 11:3, 4) ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ብዛዕባ ዚግበር መለኮታዊ ፍርዲ ግና፡ እንታይ ኢና ኽንብል እንኽእል፧ እንታይ ኢና ዘይንፈልጥ፧ እንታይ ኢናኸ እንፈልጥ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት ክንምልሶ ኢና።

መዝሙር 57 ንዅሉ ዓይነት ሰብ ንስበኽ

b ብዛዕባ ኣዳምን ሄዋንን ቃየልን፡ ናይ 1 ጥሪ 2013 ግምቢ ዘብዐኛ፡ (እንግሊዝኛ) ገጽ 12፡ እ.ጽ. ርአ።

c እቲ ኣብ ዮሃንስ 17:12 ዚርከብ “ወዲ ጥፍኣት” ዚብል መግለጺ፡ ይሁዳ ምስ ሞተ ንሓዋሩ ኸም ዚጠፍእን ተስፋ ትንሳኤ ኸም ዘይህልዎን የመልክት።

d ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ jw.org፡ “ይቕረ ዘይብሃል ሓጢኣት እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

e እተጋነነ መግለጺ ኺብሃል ከሎ፡ ንሓደ ነገር ንምጕላሕ ተባሂሉ ዚግበር ምግናን እዩ። የሱስ ብዛዕባ ሰብ ሶዶምን ጎሞራን እተዛረቦ ሓሳብ ግና እተጋነነ መግለጺ ዘይኰነስ፡ ቃል ብቓሉ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።