ፕሮጀክት መጽናዕቲ
ዘይፍትሓውነት ምጽዋር
ዘፍጥረት 37:23-28፣ 39:17-23 ኣንብብ እሞ፡ ካብቲ ዮሴፍ ንዘይፍትሓውነት እተጻወረሉ ዛንታ እንታይ ከም እትምሃር ርአ።
ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳብ መርምሮ። ንዮሴፍ ኣደዳ ግፍዒ ኸም ዚኸውን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 37:3-11፣ 39:1, 6-10) ንኽንደይ ዚኣከል ግዜ እዩ ዘይፍትሓዊ ተግባር ተጻዊሩ፧ (ዘፍ. 37:2፣ 41:46) ኣብቲ እዋን እቲ፡ የሆዋ ንዮሴፍ እንታይ ገይሩሉ፧ ግናኸ እንታይ እዩ ዘይገበረሉ።—ዘፍ. 39:2, 21፣ w23.01 17 ¶13።
ኣዕሚቝካ ዅዓት። ዮሴፍ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ናይ ሓሶት ክሲ ምስ ቀረበሉ ኸም እተማጐተ ዚሕብር ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና። እዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሴፍ ስቕ ኪብል ዝወሰነሉ ምኽንያት ክንርዳእ ወይ ኵሉ ዝርዝር ነጥብታት ስለምንታይ ኪግለጽ ከም ዘየድሊ ኽንፈልጥ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 20:2፣ ዮሃ. 21:25፣ ግብ. 21:37) ዮሴፍ ዘይፍትሓውነት ንምጽዋር እንታይ ባህርያት ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል፧—ሚክ. 7:7፣ ሉቃ. 14:11፣ ያእ. 1:2, 3።
ትምህርቲ ርኸብ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦
-
‘ከም ወደ መዝሙር የሱስ መጠን፡ እንታይ ዘይፍትሓዊ ተግባር ክጽበ እኽእል፧’ (ሉቃ. 21:12, 16, 17፣ እብ. 10:33, 34)
-
‘ከመይ ገይረ እየ ንዘይፍትሓውነት ንምጽዋር ክዳሎ ዝኽእል፧’ (መዝ. 62:7, 8፣ 105:17-19፣ w19.07 2-7)