ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ጥሪ 2020

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 2 መጋቢት–5 ሚያዝያ 2020 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

ጥቕሲ ዓመት 2020፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ንምምሕያሽ ክትሕግዘና እያ።

“ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ክትከውን ትኽእል ኢኻ

ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕን ደገፍን ንምዃን ኪሕግዘካ ዚኽእል ሰለስተ ባህርያት ርአ።

የሆዋ ኣምላኽካ ኣኽቢሩ ይርእየካ እዩ!

ሕማም፡ ቍጠባዊ ጸገም፡ ወይ እርጋን ኪደቝሰና ኸሎ፡ ካብ ፍቕሪ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ንተኣማመን።

“እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር”

ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎ ኸመይ ገይሩ ይፈልጥ፧ ሓደ ሰብ ነዚ ጽውዓ እዚ ምስ ተቐበለ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና

ብዛዕባ እቶም በታ ምሸት እቲኣ ኻብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ሰባት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ ቍጽሪ እቶም ዚወስዱ ሰባት እናወሰኸ እንተ ኸይዱኸ ኼተሓሳስበናዶ ይግባእ፧