ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5

ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና

ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና

“ኣምላኽ ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና።”—ዘካ. 8:23

መዝሙር 26 ዝገበርኩምሎም’ዩ ዝገበርኩምለይ

መላለዪ *

ካልኦት ኣባጊዕ (“ዓሰርተ ሰባት”) ምስቶም ቅቡኣት (“ሓደ ኣይሁዳዊ”) ሓቢሮም ንየሆዋ ኼምልኽዎ ምኽኣሎም ከም ክብሪ ይቘጽርዎ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)

1. የሆዋ ኣብ ግዜና እንታይ ከም ዚኸውን እዩ እተዛረበ፧

የሆዋ ብዛዕባ እዚ ግዜና፡ “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰባት ንሓደ ኣይሁዳዊ ወለል ዚብል ክዳኑ ሒዞም፡ እወ ኣጽኒዖም ሒዞም፡ ‘ኣምላኽ ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና’ ኺብልዎ እዮም” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዘካ. 8:23) ኣብዚ እቲ “ኣይሁዳዊ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ነቶም ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ዝቐብኦም ሰባት እዩ ዜመልክት። ንሳቶም ከኣ፡ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። (ገላ. 6:16) እቶም “ዓሰርተ ሰባት” ከኣ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም እዮም ዜመልክቱ። ንሳቶም ድማ፡ የሆዋ ነቶም ቅቡኣት ከም ዝባረኾም ይፈልጡ እዮም፣ ምሳታቶም ኣብ ኣምልኾ ምሕባር እውን ከም ክብሪ እዮም ዚቘጽርዎ።

2. ከመይ ገይሮም እዮም እቶም “ዓሰርተ ሰባት” ምስቶም ቅቡኣት ‘ዚኸዱ፧’

2 ስም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዘሎ ቕቡእ ኪፍለጥ ዘይከኣል እኳ እንተ ዀነ፡ * እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዚገብሩ ምስቶም ቅቡኣት ‘ኪኸዱ’ ይኽእሉ እዮም። ብኸመይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓሰርተ ሰባት ንሓደ ኣይሁዳዊ ወለል ዚብል ክዳኑ ሒዞም፡ እወ ኣጽኒዖም ሒዞም፡ ‘ኣምላኽ ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንከይድ ንደሊ ኢና’ ኺብልዎ እዮም” ይብል እዩ። እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ ሓደ ኣይሁዳዊ ጥራይ እያ ጠቒሳ ዘላ። እታ ኽልተ ሳዕ እትርከብ “ምሳኻትኩም” እትብል ቃል ግና፡ ንልዕሊ ሓደ ሰብ እያ እተመልክት። እምበኣር፡ እዚ ኣይሁዳዊ እዚ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብዘሎ ጕጅለ ቕቡኣት ዚውክል እዩ። እቶም ዘይተቐብኡ ምስቶም እተቐብኡ ሓቢሮም ንየሆዋ የገልግልዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ መራሒኦም የሱስ ከም ዝዀነ ስለ ዚግንዘቡ፡ ነቶም ቅቡኣት ከም መራሕቶም ገይሮም ኣይርእይዎምን እዮም።—ማቴ. 23:10

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት እዩ ኺምለስ፧

3 ሎሚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ እተወሰኑ ቕቡኣት ስለ ዘለዉ፡ ገሊኦም ከምዚ ዚስዕብ ኢሎም ይሓትቱ ይዀኑ፦ (1) ቅቡኣት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧ (2) እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ሰባት ብኸመይ እዮም ኪትሓዙ ዘለዎም፧ (3) ቍጽሪ እቶም ዚወስዱ ሰባት እናወሰኸ እንተ ኸይዱ ኼጨንቐናዶ ይግባእ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።

ቅቡኣት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧

4. ቅቡኣት ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:27-29 ዚርከብ እንታይ መጠንቀቕታ እዮም ብርዝነት ኪሓስቡሉ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

4 ቅቡኣት ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:27-29 ዚርከብ መጠንቀቕታ ብርዝነት ኪሓስቡሉ ኣለዎም። (ኣንብብ።) ሓደ ቕቡእ ኣብ በዓል ዝኽሪ “ኸይተገብኦ” ኺወስድ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ምስቲ መለክዒታት ጽድቂ የሆዋ ኸይተሰማምዐ እናተመላለሰ ኸሎ ኻብቲ ቕጫ እንተ በሊዑን ካብቲ ወይኒ እንተ ሰትዩን፡ ከይተገብኦ ወሲዱ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (እብ. 6:4-6፣ 10:26-29) ቅቡኣት ክርስትያናት ነቲ “ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ሽልማት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ” ንምርካብ፡ እሙናት ኰይኖም ኪመላለሱ ኸም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም።—ፊል. 3:13-16

5. ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ርእሶም ከመይ ኪስምዖም ይግባእ፧

5 ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ንኣገልገልቱ ትሑታት ኪዀኑ ደኣ እዩ ዚሕግዞም እምበር፡ ዕቡያት ኣይገብሮምን እዩ። (ኤፌ. 4:1-3፣ ቈሎ. 3:10, 12) ስለዚ፡ ቅቡኣት ካብ ካልኦት ከም ዚበልጹ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንዓታቶም፡ ካብቶም ካልኦት ኣገልገልቱ ዚዛይድ መንፈስ ቅዱስ ናይ ግድን ከም ዘይህቦም ይፈልጡ እዮም። ካብ ካልእ ዝዓመቘ ግንዛበ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለዎም ኰይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ንኻልእ ሰብ ድማ ቅቡእ ከም ዝዀነን ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምውሳድ ኪጅምር ከም ዘለዎን ጠሪሶም ኣይነግሩን እዮም። የግዳስ፡ ብትሕትና ተደሪኾም፡ የሆዋ ጥራይ ንሰባት ናብ ሰማይ ኪኸዱ ኸም ዚጽውዕ ይኣምኑ እዮም።

6. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 4:7, 8፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ብኸመይ ኪመላለሱ ይግባእ፧

6 ቅቡኣት ነቲ ናብ ሰማይ ኪኸዱ ዝቐረበሎም ጻውዒት ከም ክብሪ ዚቘጽርዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካልኦት ብፍሉይ መገዲ ኺሕዝዎም ግና ኣይጽበዩን እዮም። (ፊል. 2:2, 3) የሆዋ ኪቐብኦም ከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ንኻልኦት ከም ዘየፍልጥ እውን ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ሓደ ቕቡእ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ቕብኣቱ ብኡብኡ እንተ ዘይኣሚኖምዎም ኣየገርሞን እዩ። እኳ ደኣስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ኻብ ኣምላኽ ፍሉይ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ ዚብል ሰብ ቀልጢፍካ ኽትኣምኖ ኸም ዘይብልካ ዚገልጽ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። (ራእ. 2:2) ሓደ ቕቡእ ክርስትያን ናብ ርእሱ ዘየድሊ ቘላሕታ ምእንቲ ኸይስሕብ ኢሉ፡ ምስ ካልኦት ንመጀመርታ ግዜ ኺፋለጥ ከሎ ብዛዕባ ቕብኣቱ ኣይነግሮምን እዩ። ብዛዕባ ቕብኣቱ እውን ከቶ ኣይምካሕን እዩ።—1 ቈረንቶስ 4:7, 8 ኣንብብ።

7. ቅቡኣት እንታይ እዮም ዘይገብሩ፧ ስለምንታይከ፧

7 ቅቡኣት ክርስትያናት ንርእሶም ኸም ኣባላት ፍሉይ ክለብ ገይሮም ብምርኣይ፡ ምስ ካልኦት ቅቡኣት ጥራይ ግዜ ኼሕልፉ ኸም ዘለዎም ኣይስምዖምን እዩ። ብዛዕባ ቕብኣቶም ኪመያየጡ ወይ ናይ ብሕቶም ጕጅለታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬቝሙ ኢሎም ምስ ካልኦት ቅቡኣት ኪተኣኻኸቡ ኣይፍትኑን እዮም። (ገላ. 1:15-17) ቅቡኣት ከምኡ እንተ ዚገብሩ ነይሮም፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓድነት ኣይምሃለዋን። ምስቲ ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ሰላምን ሓድነትን ዜስፍን መንፈስ ቅዱስ እውን ምተጻረሩ።—ሮሜ 16:17, 18

ቅቡኣት ብኸመይ እዮም ኪትሓዙ ዘለዎም፧

ንቕቡኣት ኰነ ኣብ ምምራሕ ግደ ንዘለዎም ካልኦት ሰባት፡ ኣብ ዓለም ከም ዘለዉ ውሩያት ሰባት ጌርና ኽንሕዞም የብልናን (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ) *

8. ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ንዚወስዱ ሰባት ብኸመይ ከም እትሕዝ ክትጥንቀቕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

8 ንቕቡኣት ኣሕዋትን ኣሓትን ብኸመይ ኢና ኽንሕዞም ዘሎና፧ ንዝዀነ ሰብ፡ ዋላ እውን ንሓደ ቕቡእ ሓው ክርስቶስ፡ እምብዛ ምንኣድ ጽቡቕ ኣይኰነን። (ማቴ. 23:8-12) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሽማግለታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓቡ” ኢሉ ደኣ እዩ ዜተባብዓና እምበር፡ ንዝዀነ ሰብ መራሒና ኽንገብር ኣይእዝዘናን እዩ። (እብ. 13:7) ልክዕ እዩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንገሊኦም ሰባት “ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ” ይብል እዩ። ግናኸ፡ ቅቡኣት ስለ ዝዀኑ ዘይኰነስ፡ “ብጽቡቕ ዚመርሑ፡” ከምኡ ድማ “ብቓልን ብትምህርትን ዚጽዕሩ” ብምዃኖም እዩ ኽብሪ ዚግብኦም። (1 ጢሞ. 5:17) ንቕቡኣት እምብዛ ውዳሰን ቈላሕታን እንተ ሂብናዮም፡ ከነሸቝርሮም ንኽእል ኢና። * ዝገደደ ድማ፡ ከም ዚዕበዩ ኽንገብሮም ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:3) መሸም ንሓደ ኻብ ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ኣብ ከቢድ ጌጋ ኼውድቕ ዚደሊ ዋላ ሓደ ኻባና የልቦን!—ሉቃ. 17:2

9. ንቕቡኣት ክርስትያናት ከመይ ጌርና ኢና ኣኽብሮት እነርእዮም፧

9 ነቶም የሆዋ ዝቐብኦም ሰባት ከመይ ጌርና ኢና ኣኽብሮት እነርእዮም፧ ብኸመይ ከም እተቐብኡ ኣይንሓትቶምን ኢና። እዚ ብሕታዊ ጕዳይ እዩ፣ ዚምልከተና እውን ኣይኰነን። (1 ተሰ. 4:11፣ 2 ተሰ. 3:11) መጻምድቶም፡ ወለዶም፡ ወይ ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤቶም ከም እተቐብኡ ጌርና እውን ክንሓስብ የብልናን። ሓደ ሰብ ንሰማያዊ ተስፋኡ ኻብ ስድራ ቤቱ ኣይኰነን ዚወርሶ። የግዳስ፡ ካብ ኣምላኽ እዩ ዚቕበሎ። (1 ተሰ. 2:12) ንኻልኦት ኪጐድእ ዚኽእል ሕቶታት ካብ ምሕታት እውን ክንቍጠብ ኣሎና። ንኣብነት፡ ንሰበይቲ ሓደ ቕቡእ ሓው፡ ኣብ ምድሪ ብዘይ ሰብኣያ ንዘለኣለም ምንባር እንታይ ስምዒት ከም ዚፈጥረላ ኣይንሓትታን ኢና። ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ የሆዋ፡ ‘ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ኸም ዜዕግብ’ ርግጸኛታት ኢና።—መዝ. 145:16

10. ብዘይግቡእ ‘ንሰባት ካብ ምንኣድ’ እንተ ተቘጢብና፡ ካብ ምንታይ ሓደጋ ኢና እንሕሎ፧

10 ንቕቡኣት ካብ ካልኦት ልዕል ከም ዝበሉ ጌርና ዘይንሕዞም እንተ ዄንና፡ ገዛእ ርእስና ኻብ ሓደጋ ንሕሉ ኢና። ብኸመይ፧ ገሊኦም ቅቡኣት ተኣማንነቶም ኬጕድሉ ኸም ዚኽእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (ማቴ. 25:10-12፣ 2 ጴጥ. 2:20, 21) ብዘይግቡእ ‘ንሰባት ካብ ምንኣድ’ እንተ ተቘጢብና፡ ነቶም ሰባት እቲኦም፡ ዋላ እውን ቅቡኣት፡ ፍሉጣት፡ ወይ ገዳይም ኣገልገልቲ የሆዋ ይኹኑ፡ ሰዓብቶም ኣይንኸውንን ኢና። (ይሁ. 16፡ እ.ጽ.) በዚ ኸምዚ ድማ፡ ዘይእሙናት እንተ ዀይኖም ወይ ካብ ጉባኤ እንተ ወጺኦም፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ኣይነጥፍእን ወይ ንዕኡ ኻብ ምግልጋል ኣይነቋርጽን ኢና።

ቍጽሪ እቶም ዚወስዱ ሰባት ኬጨንቐናዶ ይግባእ፧

11. ቍጽሪ እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚወስዱ ሰባት እንታይ ይኸውን ኣሎ፧

11 ንሓያሎ ዓመታት፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ በዓል ዚኽሪ ዚወስዱ ሰባት ይንኪ ነይሩ እዩ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ግና፡ እቲ ቝጽሪ እቲ ኣብ ዓዓመት ኪውስኽ ጸኒሑ እዩ። እዝስ ኬጨንቐናዶ ይግባእ፧ ኣይፋልን። ኣብ ግምት ከነእትዎ ዚግባእ ኣገዳሲ ረቛሒታት እስከ ንርአ።

12. ቍጽሪ እቶም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚወስዱ ሰባት ኬጨንቐና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

12 “የሆዋ ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ።” (2 ጢሞ. 2:19) ዘይከም የሆዋ ግና፡ እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ንዚወስዱ ዚቘጽርዎም ኣሕዋት፡ መን ብሓቂ ቕቡእ ከም ዝዀነ ኺፈልጡ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ፡ እቲ ቝጽሪ ነቶም ብጌጋ ቕቡኣት ከም ዝዀኑ ዚመስሎም ሰባት እውን የጠቓልል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ዚወስዱ ዝነበሩ ሰባት፡ ደሓር ኣቋሪጾም እዮም። ገሊኦም ድማ ብሰንኪ እቲ ዘለዎም ኣእምሮኣዊ ወይ ስምዒታዊ ጸገማት፡ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኖም ከም ዚገዝኡ ይኣምኑ እዮም። ስለዚ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ ቕቡኣት ብልክዕ ኣይንፈልጦን ኢና።

13. ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዚጅምረሉ እዋን ኣብ ምድሪ ኽንደይ ቅቡኣት ከም ዚህልዉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ድዩ፧

13 የሱስ ንቕቡኣት ናብ ሰማይ ኪወስዶም ኣብ ዚመጸሉ እዋን፡ ንሳቶም ኣብ ብዙሕ ክፋላት ምድሪ ኺህልዉ እዮም። (ማቴ. 24:31) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ሒደት ቅቡኣት ጥራይ ኣብ ምድሪ ኸም ዚተርፉ ይሕብር እዩ። (ራእ. 12:17) ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዚጅምረሉ እዋን ክንደይ ከም ዚተርፉ ግና ኣይሕብርን እዩ።

ሓደ ሰብ ካብቲ ኣብ በዓል ዚኽሪ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን እንተ ወሲዱ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)

14. ከምቲ ኣብ ሮሜ 9:11, 16 ተገሊጹ ዘሎ፡ ብዛዕባ ሕርያ እቶም ቅቡኣት እንታይ ኢና ኽንርዳእ ዘሎና፧

14 የሆዋ ኣበየናይ ግዜ ቕቡኣት ከም ዚሓሪ ይውስን እዩ። (ሮሜ 8:28-30) የሆዋ ንቕቡኣት ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ እዩ ኺሓርዮም ጀሚሩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ቅቡኣት ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዘመናት፡ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ብሓቂ ንክርስቶስ ኣይሰዓብዎን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብቲ ዓመታት እቲ ነቶም ሒደት እተረኽቡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ቀቢእዎም እዩ። ንሳቶም ድማ ከምቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝገለጾ ምስ ክርዳድ ዝበቘሉ ስርናይ እዮም ነይሮም። (ማቴ. 13:24-30) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ የሆዋ ነቶም ክፍሊ 144,000 ዚዀኑ ሰባት ካብ ምሕራይ ኣየቋረጸን። * ስለዚ፡ ኣምላኽ ንገሊኦም ሰባት ቀቅድሚ መወዳእታ ኺሓርዮም እንተ ወሲኑ፡ ብርግጽ መሸም ንጥበቡ ኣብ ሕቶ ኣይነእትዎን ኢና። (ሮሜ 9:11, 16 ኣንብብ።) * ከምቶም የሱስ ኣብ ሓደ ኻብ ምሳሌታቱ ዝጠቐሶም ሰብ ውዕለት ክንከውን ኣይንደልን ኢና። እቶም ሰብ ውዕለት እቲኦም፡ በቲ ጐይታኦም ነቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኪዓይዩ ዝጀመሩ ዝሃቦም ዓስቢ ኣጕረምሪሞም እዮም።—ማቴ. 20:8-15

15. ኵሎም ቅቡኣት ክፍሊ እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:45-47 ተጠቒሱ ዘሎ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ድዮም፧ ግለጽ።

15 ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ኵሎም ኣይኰኑን ክፍሊ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዚዀኑ። (ማቴዎስ 24:45-47 ኣንብብ።) የሆዋን የሱስን ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ሎሚ እውን ብሒደት ኣሕዋት ገይሮም ንብዙሓት ይምግቡ ወይ ይምህሩ ኣለዉ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሒደት ቅቡኣት ክርስትያናት ጥራይ እዮም ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኣብ ምጽሓፍ እተሳተፉ። ሎሚ እውን፡ ሒደት ቅቡኣት ክርስትያናት ጥራይ እዮም መንፈሳዊ ‘ምግቢ ብግዜኡ’ ኺህቡ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ዘሎ።

16. ካብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ተማሂርካ፧

16 እሞኸ ኻብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ተማሂርና፧ የሆዋ ንመብዛሕትኦም ህዝቡ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ነቶም ምስ የሱስ ዚገዝኡ ሒደት ድማ ሰማያዊ ህይወት ኪህቦም ወሲኑ ኣሎ። ንዅሎም ኣገልገልቱ፡—ማለት ነቲ “ኣይሁዳዊ” ዀነ ነቶም “ዓሰርተ ሰባት፡”—ዓስቦም ይህቦም እዩ፣ ሕደ ሕግታት ኪሕልዉን እሙናት ኪዀኑን እውን ይደልዮም እዩ። ኵላቶም ትሑታት ኪዀኑ ኣለዎም። ኵላቶም ብሕብረትን ብሓድነትን ኬገልግሉ ኣለዎም። ኵላቶም ከኣ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ ሰላም ንምሕላው ኪጽዕሩ ኣለዎም። ናብ መወዳእታ እናቐረበና ብዝኸደና መጠን፡ ኵላትና ንየሆዋ ነገልግሎ፡ ከም “ሓደ መጓሰ” እውን ንክርስቶስ ንስዓቦ።—ዮሃ. 10:16

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ፡ ሰሉስ 7 ሚያዝያ ኺብዓል እዩ። ብዛዕባ እቶም በታ ምሸት እቲኣ ኻብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ሰባት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ ቍጽሪ እቶም ዚወስዱ ሰባት እናወሰኸ እንተ ኸይዱኸ ኼተሓሳስበናዶ ይግባእ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንረክብ ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ናይ ጥሪ 2016 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝወጸት ዓንቀጽ እተመስረተት እያ።

^ ሕ.ጽ. 2 ብመሰረት መዝሙር 87:5, 6፡ ኣብ መጻኢ፡ ኣምላኽ ንስማት ኵሎም እቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ይገልጾ ይኸውን።—ሮሜ 8:19

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብ ናይ ጥሪ 2016 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ፍቕሪ ‘ስዲ ኣይኰነትን’” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 14 ግብሪ ሃዋርያት 2:33፡ መንፈስ ቅዱስ ብየሱስ ኣቢሉ ኸም ዝፈሰሰ ትገልጽ ኣኳ እንተ ዀነት፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚጽውዕ ግና የሆዋ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 14 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2007 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

መዝሙር 34 ብንጽህና ኽመላለስ እየ

^ ሕ.ጽ. 56 መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ፡ ንሓደ ተወካሊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈትን ሰበይቱን ስእሊ ኺስእልዎም ኢሎም ሰባት እንተ ዚዓጕጉዎም እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። እዝስ ኣኽብሮት ዘይምህላው ደይኰነን፧