ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4

“እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር”

“እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር”

“ውሉዳት ኣምላኽ ምዃንና፡ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር።”—ሮሜ 8:16

መዝሙር 25 ፍሉይ ጥሪት

መላለዪ *

ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ፡ የሆዋ ብመስተንክር መገዲ መንፈስ ቅዱሱ ኣብቶም 120 ክርስትያናት ኣፍሰሰ (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)

1-2. ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እንታይ መስተንክር ነገር እዩ ዀይኑ፧

እታ መዓልቲ፡ ሰንበት ንግሆ እያ ነይራ፣ እቲ ቦታ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም እዩ ነይሩ። እታ ዕለት ድማ፡ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እያ ነይራ። ኣስታት 120 ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ደርቢ ሓንቲ ቤት ተኣኪቦም ነበሩ። (ግብ. 1:13-15፣ 2:1) ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ድማ፡ ፍሉይ ውህበት ክሳዕ ዚቕበሉ ኣብ የሩሳሌም ኪጸንሑ ኻብ የሱስ መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (ግብ. 1:4, 5) እሞ ደኣ ድሕሪኡ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

2 “ብሃንደበት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚመስል ደሃይ ካብ ሰማይ መጸ።” እቲ ደሃይ ድማ ንብዘላ እታ ቤት መልኣ። “ልሳናት ሓዊ ዚመስል” ከኣ ኣብ ረርእሲ ደቀ መዛሙርቲ ተራእየ፣ ኵላቶም ድማ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ።” (ግብ. 2:2-4) የሆዋ በዚ መስተንክር መገዲ እዚ ኣቢሉ፡ መንፈስ ቅዱሱ ኣብቶም ጕጅለ ኣፍሰሰ። (ግብ. 1:8) ንሳቶም ድማ ካብቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡን * ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ናይ ምግዛእ ተስፋ እተዋህቦምን ሰባት ቀዳሞት ኰኑ።

ሓደ ሰብ ምስ ተቐብአ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

3. እቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ተኣኪቦም ዝነበሩ ክርስትያናት ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተቐብኡ ጥርጣረ ዘይነበሮም ስለምንታይ እዩ፧

3 ሓደ ኻብቶም ኣብታ ኣብ ደርቢ እትርከብ ክፍሊ እተኣከቡ ደቀ መዛሙርቲ እንተ ትኸውን ኔርካ፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ኣይምረሳዕካያን። ልሳን ሓዊ ዚመስል ኣብ ርእስኻ ዓሊቡ፣ ብኻልእ ቋንቋ ድማ ክትዛረብ ጀሚርካ! (ግብ. 2:5-12) ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተቐባእካ ዋላ ሓንቲ ሕቶ ኣይምተላዕለካን። ግናኸ፡ ኵሎም እቶም ብመንፈስ ቅዱስ ዚቕብኡ ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ኣብ ሕደ እዋን ድዮም ብመስተንክራዊ መገዲ ዚቕብኡ፧ ኣይፋልን። ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

4. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ዅሎም ቅቡኣት ኣብ ህይወቶም ኣብ ሕደ እዋን ድዮም ተቐቢኦም፧ ግለጽ።

4 ፈለማ ንእዋን ዚምልከት ጕዳይ እስከ ኣብ ግምት ነእቱ። እቶም 120 ዚኣኽሉ ክርስትያናት ጥራይ ኣይኰኑን ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም። ደሓር በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣስታት 3,000 ሰባት ነቲ የሱስ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም እዮም። ኣብቲ እተጠምቁሉ እዋን ድማ እዮም ተቐቢኦም። (ግብ. 2:37, 38, 41) ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓመታት ግና፡ ኵሎም ቕቡኣት ክርስትያናት ኣይኰኑን ኣብ እተጠምቁሉ እዋን እተቐብኡ። ሳምራውያን ድሕሪ ጥምቀቶም እተወሰነ እዋን ጸኒሖም እዮም ተቐቢኦም። (ግብ. 8:14-17) ቆርኔሌዎስን ቤተ ሰቡን ድማ ኵነታቶም ፍሉይ ስለ ዝነበረ፡ ቅድሚ ጥምቀቶም እዮም ተቐቢኦም።—ግብ. 10:44-48

5. ብመሰረት 2 ቈረንቶስ 1:21, 22፡ ሓደ ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ኪቕባእ ከሎ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

5 ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ኪቕባእ ከሎ እንታይ ከም ዚኸውን እውን ኣብ ግምት ነእቱ። ገሊኦም እተቐብኡ ሰባት፡ ኣብ ፈለማ፡ ብየሆዋ ኸም እተሓርዩ ምቕባል ይኸብዶም እዩ። ‘ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ንዓይ ሓርዩኒ፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ገሊኦም ግና ከምኡ ኢሎም ኣይሓስቡን እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንዅሎም ቅቡኣት ዜጋጥሞም ኪገልጽ ከሎ፡ “ምስ ኣመንኩም ከኣ፡ በቲ እተተስፈወ መንፈስ ቅዱስ ተሓቲምኩም * ኢኹም፣ እዚ ኸኣ . . . ዕርቡን ርስትና እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ኤፌ. 1:13, 14) ስለዚ፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ነዞም ክርስትያናት እዚኦም ከም ዝሓረዮም ምሉእ ብምሉእ የነጽረሎም እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ምድሪ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ዜረጋግጽ “ዕርቡን” ይዀነሎም እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:21, 22 ኣንብብ።

6. ሓደ ቕቡእ ክርስትያን ሰማያዊ ዓስቡ ንምርካብ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

6 ሓደ ክርስትያን እንተ ተቐቢኡ፡ ሰማያዊ ዓስቡ ኸም ዚረክብ ውሕስነት ተኣትዩሉ ድዩ፧ ኣይፋልን። እቲ ሰብ እቲ ናብ ሰማይ ንምኻድ ብርግጽ ተሓርዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኺርስዖ የብሉን፦ “ኣሕዋተየ፡ ንጽውዓኹምን ንሕርያኹምን ኣጽኒዕኩም ክትሕዝዎ ኣዚኹም ትግሁ፣ እዚ ትገብሩ እንተ ዄንኩምሲ፡ ከቶ ኣይክትወድቁን ኢኹም።” (2 ጴጥ. 1:10) እምበኣር፡ ሓደ ቕቡእ ክርስትያን ናብ ሰማይ ኪኸይድ እኳ እንተ ተሓርየ ወይ እንተ ተጸውዐ፡ ብተኣማንነት ጸኒዑ እንተ ቐጺሉ ጥራይ እዩ ዓስቡ ዚረክብ።—ፊል. 3:12-14፣ እብ. 3:1፣ ራእ. 2:10

ሓደ ሰብ ቅቡእ ምዃኑ ኸመይ ገይሩ ይፈልጥ፧

7. ቅቡኣት ክርስትያናት ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎም ከመይ ገይሮም ይፈልጡ፧

7 ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎ ኸመይ ገይሩ ይፈልጥ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ “ቕዱሳት ኪዀኑ እተጸውዑ” ዝጸሓፎ ቓላት ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ኣብኡ ኸምዚ ኢልዎም እዩ፦ “ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ኣቢልና፡ ‘ኣባ፡ ኣቦ!’ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም እተቐበልኩም እምበር፡ ከም ብሓድሽ ዜፍርሃኩም መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን። ውሉዳት ኣምላኽ ምዃንና፡ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር።” (ሮሜ 1:7፣ 8:15, 16) ስለዚ፡ ኣምላኽ ነቶም ቅቡኣት፡ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎም ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ እዩ ዜነጽረሎም።—1 ተሰ. 2:12

8. እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:20, 27 ዚርከብ ሓሳብ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ቕብኣቶም ካብ ካልኦት መረጋገጺ ኸም ዘየድልዮም ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧

8 የሆዋ ኣብ ኣእምሮን ኣብ ልብን እቶም ናብ ሰማይ ኪኸዱ ጽውዓኡ ዚቕበሉ ዘበሉ ዋላ ሓንቲ ጥርጣረ ኣይሓድገሎምን እዩ። (1 ዮሃንስ 2:20, 27 ኣንብብ።) ልክዕ እዩ፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ካልኦት ብጉባኤ ኣቢሉ ዚቐርብ ትምህርቲ የድልዮም እዩ። ንቕብኣቶም ዜረጋግጸሎም ካልእ ሰብ ግና ኣየድልዮምን እዩ። የሆዋ በቲ ኻብ ኵሉ ዚብርትዕ መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ቕቡኣት ምዃኖም ምሉእ ብምሉእ ንጹር ገይሩሎም እዩ።

‘ዳግም እተወልዱ’ እዮም

9. ሓደ ሰብ ምስ ተቐብአ፡ ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 1:18 ተገሊጹ ዘሎ፡ እንታይ ለውጢ እዩ ዜጋጥሞ፧

9 ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ሓደ ሰብ ብኣምላኽ ኪቕባእ ከሎ እንታይ ከም ዚኸውን ምርዳኡ የጸግሞም እዩ። ንሳቶም ቅቡኣት ስለ ዘይኰኑ፡ እዚ ስምዒት እዚ ንቡር እዩ። ኣምላኽ ንሰባት፡ ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ደኣ እምበር፡ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ኣይኰነን ፈጢርዎም። (ዘፍ. 1:28፣ መዝ. 37:29) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንገሊኦም ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ሓርይዎም ኣሎ። ስለዚ፡ ኪቐብኦም ከሎ፡ ንተስፋኦምን ንኣተሓሳስባኦምን ኣጸቢቑ ስለ ዚልውጦ፡ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ እዮም ዚህንጠዩ።—ኤፌሶን 1:18 ኣንብብ።

10. ሰብ ‘ዳግም ይውለድ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

10 ክርስትያናት ብመንፈስ ቅዱስ ኪቕብኡ ኸለዉ፡ ‘ዳግም ይውለዱ’ ወይ ‘ካብ ላዕሊ ይውለዱ’ እዮም። * የሱስ እውን፡ እቲ ‘ዳግም ምስ ተወለድካ’ ወይ ‘ካብ መንፈስ ምስ ተወለድካ’ ዚስምዓካ ስምዒት ንዘይተቐብአ ሰብ ብልክዕ ክትገልጸሉ ዘይከኣል ከም ዝዀነ ሓቢሩ እዩ።—ዮሃ. 3:3-8፣ እ.ጽ.።

11. ሓደ ሰብ ምስ ተቐብአ ኣብ ኣተሓሳስባኡ እንታይ ለውጢ ኸም ዜጋጥሞ ግለጽ።

11 ክርስትያናት ምስ ተቐብኡ፡ ኣብ ኣተሓሳስባኦም እንታይ ለውጢ እዩ ዜጋጥሞም፧ የሆዋ ነቶም ክርስትያናት እቲኦም ቅድሚ ምቕባኡ፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ተስፋ ነይርዎም እዩ። ነቲ የሆዋ ንዅሉ እከይ ዜወግደሉን ንምድሪ ገነት ዚገብረሉን ግዜ ብዓብዪ ሃረርታ እዮም ዚጽበይዎ ነይሮም። ምናልባት ብሞት ንእተፈልዮም ኣባል ቤተ ሰቦም ወይ ንፈታዊኦም ኪቕበሉ ብኣእምሮኦም ይስእሉ ነይሮም ይዀኑ። ምስ ተቐብኡ ግና፡ ኣተሓሳስባኦም ኪቕየር ይጅምር እዩ። ስለምንታይ፧ በቲ ምድራዊ ተስፋ ስለ ዘይዓገቡ ኣይኰነን። ብሰንኪ ስምዒታዊ ውጥረት ወይ ነውጺ እውን ኣይኰነን ኣተሓሳስባኦም ለዊጦም። ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዜሰልኪ ኸም ዝዀነ ገይሮም ብሃንደበት ኪርእዩ ስለ ዝጀመሩ እውን ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንኣተሓሳስባኦምን ንተስፋኦምን ስለ ዝለወጦ እዩ።

12. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 1:3, 4፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ተስፋኦም እንታይ ይስምዖም፧

12 ሓደ እተቐብአ ሰብ ነዚ ኽቡር መሰል እዚ ዘይበቅዕ ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። የሆዋ ኸም ዝሓረዮ ግና ንሓንቲ ደቒቕ እኳ ኣይጠራጠርን እዩ። ብዛዕባ እቲ ናይ መጻኢ ተስፋኡ ኺሓስብ ከሎ፡ ልቡ ብሓጐስን ብሞሳን ፍንጭሕ ይብል እዩ።—1 ጴጥሮስ 1:3, 4 ኣንብብ።

13. ቅቡኣት ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ምድሪ ዘለዎም ህይወት ከመይ ይስምዖም፧

13 ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ቅቡኣት ኪሞቱ ይደልዩ ማለት ድዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዛ ሕቶ እዚኣ መሊሱልና ኣሎ። ንሰብነት ምስ ድንኳን ብምምስሳል፡ “ንሕና ኣብዛ ድንኳን እዚኣ ዘለናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኺውሓጥ፡ ነታ ሓንቲ ኽንለብስ ኢና እንደሊ እምበር፡ ነዚኣ ኽንቅንጥጣ ስለ ዘይንደሊ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣለና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረ. 5:4) እዞም ክርስትያናት እዚኦም፡ በዛ ህይወት እዚኣ ግዲ ዘይብሎም ኣይኰኑን፣ ቀልጢፋ ኸተብቅዕ ዚደልይዋ እውን ኣይኰኑን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ንህይወት የስተማቕርዋ እዮም፣ ንዅለን መዓልትታት ምድራዊ ህይወቶም ድማ ምስ ቤተ ሰቦምን ምስ ፈተውቶምን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኼሕልፍወን ይደልዩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ዝገበሩ እኳ እንተ ገበሩ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ክቡር ተስፋ ወትሩ ይዝክርዎ እዮም።—1 ቈረ. 15:53፣ 2 ጴጥ. 1:4፣ 1 ዮሃ. 3:2, 3፣ ራእ. 20:6

የሆዋ ቐቢኡካ ድዩ፧

14. እንታይ ረቛሒታት እዩ ሓደ ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተቐብአ መረጋገጺ ዘይከውን፧

14 ‘ምናልባት ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢአ ደዀን እኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ከምኡ ኢልካ ትሓስብ እንተ ኣለኻ፡ ነዚ ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ ሕሰበሉ፦ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ብርቱዕ ባህጊ ኣሎካዶ፧ ኣብ ዕዮ ስብከት ሓለፍ ዝበለ ቕንኣት ከም ዘሎካ ይስምዓካዶ፧ “ንመዓሙቝ ኣምላኽ” ምምርማር እትፈቱ ንፉዕ ተምሃራይ ቃል ኣምላኽ ዲኻ፧ (1 ቈረ. 2:10) የሆዋ ኣብ ዕዮ ስብከት ዜደንቕ ፍረ ኸም ዝሃበካ ይስምዓካ ድዩ፧ ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መገዲ ንምሕጋዝ ኣብ ውሽጥኻ ሓላፍነት ይስምዓካ ድዩ፧ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ብንጹር ብዙሕ ከም ዝሓገዘካ መርትዖ ርኢኻ ዲኻ፧ እሞኸ ነዘን ሕቶታት እዚአን ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘሎካ ዜረጋግጽ ድዩ፧ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ቅቡኣት ይኹኑ ወይ ኣይኹኑ፡ ከምዚ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። የሆዋ ድማ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ንዅሎም ኣገልገልቱ፡ ተስፋኦም ብዘየገድስ፡ ሕደ ሓይሊ ኺህቦም ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢአ ደዀን እኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ እዚ ጥርጣረ ንባዕሉ ኸም ዘይተቐባእካ እዩ ዚሕብር። እቶም ብየሆዋ እተጸውዑ ነቲ ጽውዓ ተቐቢሎም ምዃኖም ወይ ዘይምዃኖም ኣይጠራጠሩን እዮም! ርግጽ ኰይኖም እዮም ዚፈልጥዎ!

የሆዋ ንኣብርሃምን ንሳራን ንዳዊትን ንዮሃንስ መጥምቕን ዜደንቕ ነገራት ኪገብሩ ብመንፈስ ቅዱሱ ሓይሊ ሂብዎም እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ በቲ መንፈስ እቲ ገይሩ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ኣይሓረዮምን (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ) *

15. መንፈስ ኣምላኽ እተቐበሉ ዘበሉ ዅሎም ናብ ሰማይ ኪኸዱ ተሓርዮም ማለት ከም ዘይኰነ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

15 ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈስ ቅዱስ እተቐበሉ ሓያሎ ኣብነታት ንረክብ ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ተስፋ ኣይነበሮምን። ንኣብነት፡ ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እዩ። (1 ሳሙ. 16:13) ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጊዙ ድማ ብዛዕባ የሆዋ ዓሚቝ ነገር ኪርዳእ ክኢሉ እዩ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ እውን ገለ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፉ እዩ። (ማር. 12:36) ይኹን እምበር፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ዳዊትሲ ናብ ሰማያት ኣይዓረገን” ኢሉ እዩ። (ግብ. 2:34) ዮሃንስ መጥምቕ ድማ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ’ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 1:13-16) የሱስ እኳ ኸይተረፈ ኻብ ዮሃንስ ዚዓቢ ኸም ዘይተንስአ መስኪሩ እዩ፣ ግናኸ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ዮሃንስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኸም ዘይኣቱ ሓቢሩ እዩ። (ማቴ. 11:10, 11) የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኦም ዜደንቕ ነገራት ኪገብሩ ብመንፈስ ቅዱሱ ሓይሊ ሂብዎም እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ በቲ መንፈስ እቲ ገይሩ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ኣይሓረዮምን። እዚ ግና ካብቶም ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ እተሓርዩ ዝወሓደ ተኣማንነት ነይርዎም ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። የግዳስ፡ የሆዋ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩ የተንስኦም ማለት ጥራይ እዩ።—ዮሃ. 5:28, 29፣ ግብ. 24:15

16. ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ዓስቢ ኪቕበሉ እዮም ብሃንቀውታ ዚጽበዩ፧

16 ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ተስፋ የብሎምን። ከም እኒ ኣብርሃምን ሳራን ዳዊትን ዮሃንስ መጥምቕን ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኻልኦት እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ እዮም።—እብ. 11:10

17. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ሕቶታት እዩ መልሲ ዚውሃበሉ፧

17 ሎሚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ እተወሰኑ ቕቡኣት ስለ ዘለዉ፡ ገሊኡ ሕቶታት ይልዓል እዩ። (ራእ. 12:17) ንኣብነት፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧ ኣብ ጉባኤኻ ሓደ ሰብ ካብቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስድ እንተ ጀሚሩ፡ ብኸመይ እዩ ኺትሓዝ ዘለዎ፧ ቍጽሪ እቶም ‘ቅቡኣት ኢና’ ዚብሉ እናወሰኸ እንተ ኸይዱኸ ኼተሓሳስበካ ይግባእዶ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንምልሶ ኢና።

^ ሕ.ጽ. 5 ካብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንገሊኦም ክርስትያናት ምስ ወዱ ኣብ ሰማይ ናይ ምግዛእ ዜደንቕ ተስፋ ሂብዎም ኣሎ። እዞም ክርስትያናት እዚኦም ግና፡ ነዚ ዜደንቕ መሰል እዚ ኸም እተሓርዩ ኸመይ ገይሮም እዮም ዚፈልጡ፧ ሓደ ሰብ ነዚ ጽውዓ እዚ ምስ ተቐበለ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ናይ ጥሪ 2016 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ዝወጸት ዓንቀጽ እተመስረተት እያ። ነዚ መሳጢ ሕቶታት እዚ ኸኣ ክትምልሶ እያ።

^ ሕ.ጽ. 2 መግለጺ ቓላት፦ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ፦ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ ሰባት ይሓሪ እዩ። ብመንፈሱ ገይሩ ድማ ነቲ ሰብ እቲ ንመጻኢ ቃል ይኣትወሉ ወይ “ዕርቡን” ይህቦ እዩ። (ኤፌ. 1:13, 14) እዞም ክርስትያናት እዚኦም፡ ዓስቦም ኣብ ሰማይ ከም ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ከም ‘ዝመስከረሎም’ ወይ ከም ዘነጸረሎም ኪገልጹ ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 8:16

^ ሕ.ጽ. 5 መግለጺ ቓላት፦ ማሕተም። እዚ ማሕተም እዚ ዚጸንዕ፡ እቲ ሰብ እሙን ኰይኑ ቕድሚ ሙማቱ ወይ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ እዩ።—ኤፌ. 4:30፣ ራእ. 7:2-4፣ ኣብ ናይ ሚያዝያ 2016 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

^ ሕ.ጽ. 10 ብዛዕባ “ዳግማይ ልደት” ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 3-12 ርአ።

መዝሙር 27 ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ

^ ሕ.ጽ. 57 መግለጺ ስእሊ፦ ምእንቲ እምነትና ተኣሲርና ዘለና ንኹን ወይ ሓቂ ንምስባኽን ንምምሃርን ናጻ ዝዀንና ሰባት፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እንነብረሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ።