ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

ጥቕሲ ዓመት 2020፦ “ኪዱ . . . እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።”—ማቴ. 28:19

መዝሙር 79 ኪጸንዑ ኣሰልጥኖም

መላለዪ *

1-2. ሓደ መልኣኽ ነተን ኣብ መቓብር የሱስ ዝረኸበን ኣንስቲ እንታይ እዩ ኢልወን፧ የሱስ ባዕሉኸ እንታይ እዩ ኢልወን፧

እቲ እዋን፡ ወጋሕታ 16 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ድማ እናሓዘና ናብቲ ቕድሚ 36 ሰዓት ሬሳ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እተነብረሉ መቓብር ከዳ። ኣብቲ መቓብር ምስ በጽሓ፡ ንሬሳኡ ብሽቱን ብቕዱይ ቅብእን ኪለኽያኦ እየን ሓሲበን ነይረን፣ ግናኸ፡ እቲ መቓብር ጥራዩ ስለ ዝጸንሐን ደንጸወን! ሓደ መልኣኽ ድማ ነተን ደቀ መዛሙርቲ፡ የሱስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ድሕሪ ምንጋሩ፡ “ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ። ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም” ዚብል መልእኽቲ ኼመሓላልፋ ኣዘዘን።—ማቴ. 28:1-7፣ ሉቃ. 23:56፣ 24:10

2 እተን ኣንስቲ ኻብቲ መቓብር ምስ ከዳ፡ የሱስ ባዕሉ ናባታተን ቀሪቡ፡ “ኪዳ፡ ንኣሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፣ ኣብኡ ኸኣ ኪርእዩኒ እዮም” በለን። (ማቴ. 28:10) የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዝገበሮ መጀመርታ ነገር ብዛዕባ እዚ ኣኼባ እዚ ቘጸራ ምግባር ስለ ዝዀነ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትእዛዝ ኪህቦም ደልዩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ!

ንመን እዩ እዚ ትእዛዝ ተዋሂቡ፧

የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ምስ ሃዋርያቱን ምስ ካልኦትን ኣብ ገሊላ ምስ ተራኸበ፡ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ዚብል ትእዛዝ ሃቦም (ሕጡብ ጽሑፍ 3-4 ርአ)

3-4. እቲ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ተመዝጊቡ ዚርከብ መዝነት ንሃዋርያት ጥራይ ኣይኰነን ተዋሂቡ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

3 ማቴዎስ 28:16-20 ኣንብብ። የሱስ ኣብቲ ንሱ ዝጸውዖ ኣኼባ፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ብምሉእ ቀዳማይ ዘመን ዝዓየይዎ፡ ክሳዕ ሕጂ እውን ንሕና እንዓይዮ ዘለና ኣገዳሲ ዕዮ ኣጀመሮ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም።”

4 የሱስ፡ ኵሎም ሰዓብቱ ኺሰብኩ እዩ ደልዩ ነይሩ። ነዚ ትእዛዝ እዚ፡ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያት ጥራይ ኣይኰነን ሂብዎም። ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ኣብቲ ኣብ ገሊላ ዚርከብ ከረን፡ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር ትእዛዝ ኪውሃብ ከሎ፡ ሃዋርያቱ ጥራይ ድዮም ኣብኡ ነይሮም፧ እቲ መልኣኽ ነተን ኣንስቲ ኺዛረበን ከሎ፡ “[ኣብ ገሊላ] ኽትርእይዎ ኢኹም” ዚብል መልእኽቲ ኼመሓላልፋ ኸም ዝነገረን ኣይንረስዕ። እዚ ድማ፡ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ፡ እንተላይ ንዓታተን ዚምልከት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እተን እሙናት ኣንስቲ፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ነይረን ኪዀና ኣለወን። ብዘይካዚ ግና ካልእ መርትዖ እውን ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ የሱስ “ካብ 500 ንዚበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእይዎም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረ. 15:6) ኣበይ እዩ ተራእይዎም፧

5. ካብ 1 ቈረንቶስ 15:6 እንታይ ንምሃር፧

5 ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 28 ተጠቒሱ ዚርከብ ኣብ ገሊላ እተገብረ ኣኼባ ይዛረብ ከም ዘሎ ንምድምዳም ዜኽእል ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። እቲ ምኽንያታትከ እንታይ እዩ፧ ቀዳማይ፡ መብዛሕትኦም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ገሊላውያን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ብዙሓት ሰባት ዚእከቡሉ ኣኼባ ኣብ ገሊላ ኣብ ዚርከብ ከረን እንተ ተገብረ ይቐልል ነይሩ፣ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ናይ ውልቂ ቤት ኣኼባ ምግባር ኣጸጋሚ ምዀነ ነይሩ። ካልኣይ፡ የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ምስቶም 11 ሃዋርያቱ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ናይ ውልቂ ቤት ድሮ ተራኺቡ ነይሩ እዩ። ነቶም ሃዋርያቱ ጥራይ ኪሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ትእዛዝ ኪህቦም እንተ ዚደሊ ነይሩ፡ ንዓታቶምን ነተን ኣንስትን ንኻልኦትን ኣብ ገሊላ ኺራኸቡ ኣብ ክንዲ ዚቘጽሮም፡ ኣብ የሩሳሌም ከለዉ ምኣዘዞም ነይሩ።—ሉቃ. 24:33, 36

6. እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ነዚ ግዜና እውን ዚምልከት ምዃኑ ማቴዎስ 28:20 ብኸመይ ትሕብር፧ እቲ ትእዛዝ እቲኸ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዚፍጸም ዘሎ፧

6 ሳልሳይ ኣገዳሲ ምኽንያት ድማ ንርአ። እቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያት ጥራይ እተዋህበ ኣይነበረን። ከመይ ጌርና ኸምኡ ምዃኑ ንፈልጥ፧ የሱስ ነቲ ንሰዓብቱ ዝሃቦም ትእዛዝ፡ “ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብዚብላ ቓላት እዩ ዛዚምዎ። (ማቴ. 28:20) ከምቲ ዝበሎ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ሎሚ ብስፍሓት ይዕየ ኣሎ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ኣብ ዓዓመት ዳርጋ 300,000 ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ብምጥማቕ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ይዀኑ ኣለዉ!

7. ሕጂ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧ ስለምንታይከ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ብዙሓት ሰባት ዕቤት ገይሮም ናብ ጥምቀት ይበጽሑ ኣለዉ። ገሊኦም ብስሩዕ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ግና፡ ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ምዃን የድሓርሕሩ ኣለዉ። በቲ መጽናዕቶም ሕጉሳት እኳ እንተ ዀኑ፡ ናብ ጥምቀት ግና ዕቤት ኣይገብሩን እዮም። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እንተ ኣሊኻ፡ ተምሃራይካ ነቲ እተማህሮ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎን ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኪኸውንን ክትሕግዞ ኸም እትደሊ ርግጸኛታት ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከመይ ጌርና ልቢ ተምሃራይና ኸም እንትንክን ከመይ ጌርና ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓቢ ኸም እንሕግዞን ትገልጽ። ስለምንታይ ኢና ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኽንመያየጥ ዘሎና፧ ምኽንያቱ፡ ይውዓል ይሕደር ነቲ መጽናዕቲ ንምቕጻል ወይ ንምቍራጽ እንውስነሉ ግዜ ምምጻኡ ኣይተርፎን እዩ።

ልቢ ንምትንካይ ጽዓር

8. ልቢ ምትንካይ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

8 የሆዋ፡ ሰባት ብፍቕሪ ተደሪኾም ኬገልግልዎ እዩ ዚደሊ። ስለዚ፡ ሸቶና ንተምሃሮና፡ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልየሎምን ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅሮምን ኪርድኡ ምሕጋዝ እዩ። የሆዋ “ኣቦ ዘኽታማትን መዕቈቢ መበለታትን” ምዃኑ ኸነርእዮም ንደሊ ኢና። (መዝ. 68:5) ተምሃሮና ነቲ ኣምላኽ ንዓታቶም ዘለዎ ፍቕሪ ምስ ተረድእዎ፡ ልቦም ኪትንከን ንሳቶም ንዕኡ ዘለዎም ፍቕሪ ኺዓብን እዩ። ገሊኦም ተምሃሮ ኻብ ገዛእ ኣቦኦም ፍቕሪ ስለ ዘይረኸቡ፡ ንየሆዋ ኸም ፈቃር ኣቦ ጌርካ ምርኣይ የጸግሞም ይኸውን። (2 ጢሞ. 3:1, 3) እምበኣር፡ መጽናዕቲ ኽትመርሕ ከለኻ፡ ነቲ ማራኺ ባህርያት የሆዋ ኣጕልሕ። እቲ ፈቃር ኣምላኽና፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኸም ዚደልዮም፡ ሸቶኦም ምእንቲ ኺወቕዑ ድማ ንምሕጋዞም ድሉው ምዃኑ ኣረድኣዮም። ካልእከ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

9-10. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና እንታይ ጽሑፋት ኢና ኽንጥቀም ዘሎና፧ ስለምንታይ ኢና ነዘን መጻሕፍቲ እዚአን እንጥቀም፧

9 ነታ “መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧” ዘርእስታ መጽሓፍን ነታ “ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧” ዘርእስታ መጽሓፍን ተጠቐም። እዘን መጻሕፍቲ እዚአን ብፍላይ ንልቢ ተምሃሮና ንምትንካይ እየን ተዳልየን። ንኣብነት፡ ኣብታ ይምህረና እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 1 ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምላሽ ተዋሂቡሉ ኣሎ፦ ‘ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧ ሰባት መከራ ኺወርዶም ከሎ፡ ኣምላኽ ከመይ ይስምዖ፧ ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ዲኻ፧’ እታ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ እትብሃል መጽሓፍ ከኣ፡ እቲ ተምሃራይ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሉ፡ ብኸመይ ህይወቱ ኸም ዚመሓየሽን ብኸመይ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኸም ዚቐርብን ተረድእ። ነዘን መጻሕፍቲ እዚአን ምስ ካልኦት ሰባት ኣጽኒዕካየን እትፈልጥ እኳ እንተ ዀንካ፡ ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ጽቡቕ ጌርካ ተዳሎ፡ እቲ ተምሃራይ ብውልቂ እንታይ ከም ዜድልዮ ድማ ኣብ ግምት ኣእቱ።

10 እቲ ተምሃራይ ግና ካብ ናውቲ ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ እትርከብ ጽሕፍቲ ብዛዕባ ዘሎ ርእሰ ነገር ዚግደስ እንተ ዀይኑ እንታይ ኢና እንገብር፧ ምናልባት ነታ ጽሕፍቲ እቲኣ ኼንብባ ኸተተባብዖ ትኽእል ኢኻ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ እቲ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተዳለወ ጽሑፍና ጌርካ እትገብሮ መጽናዕቲ ኸይተዀላለፈ ኪቕጽል ይኽእል።

ነቲ መጽናዕቲ ብጸሎት ጀምሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ካብ መዓስ ኣትሒዝና ኢና መጽናዕቲ ብጸሎት ክንከፍትን ክንዓጹን ዘሎና፧ ነቲ ጕዳይከ ብኸመይ ከተልዕሎ ትኽእል፧

11 ነቲ መጽናዕቲ ብጸሎት ጀምሮ። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ ስሩዕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምጅማርካ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት፡ ብጸሎት እንተ ኸፈትካዮን እንተ ዓጾኻዮን ይሓይሽ። ቃል ኣምላኽ ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ጥራይ ክንርድኦ ኸም እንኽእል፡ ነቲ ተምሃራይ ኬስተውዕል ሓግዞ። ገሊኦም መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ንጕዳይ ጸሎት ንምልዓል ያእቆብ 1:5 የንብቡ እዮም፣ እታ ጥቕሲ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ” ትብል። ድሕሪኡ፡ እቲ መምህር፡ “ከመይ ጌርና ኢና ንኣምላኽ ጥበብ ኪህበና ኽንልምኖ እንኽእል፧” ኢሉ ኺሓትት ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ተምሃራይ ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኸም ዚግባእ ይሰማምዓሉ እዩ።

12. ሓደ ተምሃራይ ንጸሎቱ ንምምሕያሽ ምእንቲ ኽትሕግዞ፡ መዝሙር 139:2-4 ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧

12 ንተምሃራይካ ኺጽሊ ምሃሮ። የሆዋ ንልባዊ ጸሎቱ ኺሰምዖ ኸም ዚደሊ ኣረጋግጸሉ። ኣብ ናይ ብሕቲ ጸሎትና፡ ንዝዀነ ሰብ ምንጋሩ ዜሰክፈና ኣብ ልብና ዘሎ ነገር ንየሆዋ ኽንገልጸሉ ኸም እንኽእል ግለጸሉ። ከመይሲ፡ የሆዋ ንውሽጣዊ ሓሳባትና ይፈልጦ እዩ። (መዝሙር 139:2-4 ኣንብብ።) ብዘይካዚ ድማ፡ ተምሃራይና ነቲ ግጉይ ኣተሓሳስባኡ ኪቕይርን ነቲ ሕማቕ ኣመላቱ ኼሰንፍን ምእንቲ ኪኽእል፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ኪልምን ከነተባብዖ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓደ ንእተወሰነ ግዜ ዘጽንዐ ሰብ ንገሊኡ ኣረማዊ ምንጪ ዘለዎ በዓላት ይፈቱ ንበል። ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ፣ ገሊኡ መዳያቱ ግና ይፈትዎ እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ከም ዚስምዖ ብልክዕ ንየሆዋ ኺነግሮን ነቲ ኣምላኽ ዚፈትዎ ምእንቲ ኺፈቱ ሓገዝ ኪልምንን ኣተባብዓዮ።—መዝ. 97:10

ንተምሃራይካ፡ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ዓድሞ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. (ሀ) ንተምሃሮና፡ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍና ኣብ ኣኼባታት ኪእከቡ እንዕድሞም ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ከመይ ጌርና ኢና ተምሃራይና ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይጋየሽ ክንገብር እንኽእል፧

13 ንተምሃራይካ፡ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ኣብ ኣኼባታት ኪእከብ ዓድሞ። እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚሰምዖን ዚርእዮን ነገራት፡ ንልቡ ኺትንክዮን ዕቤት ንምግባር ኪሕግዞን ይኽእል እዩ። ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣርእዮ፣ ምሳኻ ኪኸይድ እውን ብውዕዉዕ መንፈስ ዓድሞ። እንተ ኽኢልካ፡ መጕዓዝያ ኺረክብ መሰናድዎ ግበረሉ። መጽናዕቲ ኣብ እትገብሩሉ እዋን እተፈላለዩ ኣስፋሕቲ እንተ ዓዲምካ ጽቡቕ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ተምሃራይካ ምስ ካልኦት ኣባላት ጉባኤ ኺላለ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ኣኼባታትና ኺእከብ ምስ ጀመረ ድማ ኣይጋየሽን እዩ።

ንተምሃራይካ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓቢ ሓግዞ

14. ሓደ ተምሃራይ ብምንታይ ተደሪኹ እዩ ብመንፈሳዊ መዳይ ዚዓቢ፧

14 ሸቶና ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብመንፈሳዊ ኺዓብዩ ምሕጋዝ እዩ። (ኤፌ. 4:13) ሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ፍቓደኛ ኪኸውን ከሎ፡ ብቐዳምነት ካብቲ መጽናዕቲ ኸመይ ገይሩ ብብሕቱ ኸም ዚጥቀም ኪፈልጥ ጥራይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ብዝያዳ እናፈተዎ ምስ ከደ ግና፡ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ኣባላት ጉባኤ ብኸመይ ከም ዚሕግዞም ኪሓስብ ይጅምር እዩ። (ማቴ. 22:37-39) ስለዚ፡ ኣብ ግቡእ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብገንዘብ ክንድግፍ ዘሎና ኣጋጣሚ ኻብ ምንጋር ኣይትሰከፍ።

ንተምሃራይካ ጸገማት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ምሃሮ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15. ተምሃራይና ነቲ ዜጋጥሞ ጸገማት ብግቡእ ምእንቲ ኺሕዞ፡ ከመይ ጌርና ኽንሕግዞ ንኽእል፧

15 ንተምሃራይካ ጸገማት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ምሃሮ። ንኣብነት፡ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዝዀነ ተምሃራይካ፡ ሓደ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ከም ዘቐየሞ ይነግረካ ንበል። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ወገን ኣብ ክንዲ እትሕዝ፡ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣማራጺታት ከም ዘለዎ ስለምንታይ ዘይትገልጸሉ፧ ሓደ ኣማራጺ፡ ነቲ ሓው ይቕረ ኢሉ ኺሓልፎ ይኽእል እዩ፣ ነቲ ጕዳይ ኪሓድጎ ዘይክእል እንተ ዀይኑ ግና፡ ‘ንሓዉ ኺረብሖ’ ሸቶ ገይሩ ብለውሃትን ብፍቕርን ኬዘራርቦ ይኽእል እዩ። (ምስ ማቴዎስ 18:15 ኣረኣኢ።) ንተምሃራይካ እንታይ ከም ዚብል ኣዳልዎ። ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም ዚሕዞ ግብራዊ መገድታት ንምፍላጥ፡ ከመይ ገይሩ ኣፕሊኬሽን JW Library®፡ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ jw.org® ከም ዚጥቀም ምሃሮ። ቅድሚ ምጥማቑ ብዝያዳ ስልጠና እንተ ረኺቡ፡ ደሓር ምስ ኣባላት ጉባኤ ብዝያዳ ኺሳነ እዩ።

16. ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ናብ መጽናዕቲ ምዕዳም እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

16 ንኻልኦት ኣባላት ጉባኤ፡—ሓላው ወረዳ ንጉባኤኹም ኣብ ዚበጽሓሉ እዋን ከኣ ነቲ ሓላው ወረዳ፡—ናብ መጽናዕቲ ዓድም። ስለምንታይ፧ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ምኽንያታት፡ ካልኦት ኣስፋሕቲ ንተምሃራይካ፡ ንስኻ ኣብ ዘይትኽእሎ መዳያት ኪሕግዝዎ ይኽእሉ ይዀኑ። ንኣብነት፡ ሓደ ተምሃራይ ሽጋራ ምትካኽ ኪሓድጎ ፈቲኑስ ብተደጋጋሚ ኸይሰለጦ ተሪፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ተደጋጋሚ ቓልሲ ገይሩ ወልፉ ኼሰንፍ ንዝኸኣለ ናይ የሆዋ ምስክር ናብቲ መጽናዕቲ ዓድም። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ ተምሃራይ ግብራዊ ምኽሪ ኺህቦ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ቅድሚ ምኩር ሓው መጽናዕቲ ምምራሕ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ኺመርሕ ሕተቶ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ካብቲ ኻልኦት ዘለዎም ተመክሮ ተጠቐም። ሸቶና ነቲ ተምሃራይ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዓቢ ምሕጋዝ ምዃኑ ኣይትረስዕ።

ነቲ መጽናዕቲ ኸቋርጾዶ፧

17-18. መጽናዕቲ ንምቍራጽ ክትውስን ከለኻ፡ እንታይ ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ፧

17 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮ ሰብ ቀጻሊ ዕቤት ይገብር እንተ ዘየልዩ፡ ‘ነቲ መጽናዕቲ ኸቋርጾዶ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ኣሎካ። ነቲ ዅነታት ክትግምግሞ ኸለኻ፡ ንኽእለቱ ኣብ ግምት ኣእቱ። ገሊኦም ሰባት ዕቤት ንምግባር ዝነውሐ ግዜ እዩ ዚወስደሎም። ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ተምሃራየይ ምስቲ ዅነታቱ ዚመጣጠን እኹል ዕቤት ይገብርዶ ኣሎ፧’ ‘ነቲ ዚምሃሮ ዘሎ ነገራት “ኪሕልዎ” ወይ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ጀሚሩ ድዩ፧’ (ማቴ. 28:20) ሓደ ተምሃራይ በብቝሩብ ይዓቢ ይኸውን፣ ግናኸ፡ ቀጻሊ ዕቤት ኪገብር ኣለዎ።

18 ሓደ ሰብ ንገለ እዋን መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንመጽናዕቱ ኸም ዜድንቕ ዜርኢ ነገር እንተ ዘይገይሩ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ንኣብነት፡ ተምሃራይካ ነታ ይምህረና እትብሃል መጽሓፍ ኣጽኒዑ ወዲኡ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ነታ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ እትብሃል መጽሓፍ ኬጽንዕ ጀሚሩ ኽነሱ፡ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ፡ ዋላ እውን ኣብ በዓል ዝኽሪ ሓንሳእ እውን እንተ ዀነ ኣይመጸን። ብዙሕ ግዜ ድማ፡ ብዘይጠቅም ምኽንያት ነቲ መጽናዕቲ ይስርዞ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ምስቲ ተምሃራይ ብንጹር እንተ ተዛራረብካ ይሓይሽ። *

19. ንመጽናዕቱ ኣድንቖት ዘይብሉ ንዚመስል ተምሃራይ እንታይ ክትብሎ ትኽእል፧ እንታይከ ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ፧

19 ኣብ መጀመርታ፡ ‘ናይ የሆዋ ምስክር ንምዃን ልዕሊ ዅሉ ዚኸብደካ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ። እቲ ተምሃራይ፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ እፈቱ እየ፣ ናይ የሆዋ ምስክር ግና ኣይከውንን እየ’ ይብለካ ይኸውን። ንገለ እዋን ድሕሪ ምጽናዑ ኸምዚ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ኣልይዎ፡ እንታይ ኪዓብስ ኢልካ ኢኻ እሞ ነቲ መጽናዕቲ እትቕጽለሉ፧ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ እንታይ ይዓግቶ ኸም ዘሎ ንፈለማ ግዜ ይገልጸልካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ኣብ በቤት እናኸደ ኺሰብኽ ዘይክእል ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን። እንታይ ከም ዚስምዖ ምስ ፈለጥካ፡ ንምሕጋዙ ብዝሓሸ ኽትርድኣሉ ትኽእል ኢኻ።

ዘይፈሪ መጽናዕቲ ኣብ ምምራሕ ግዜኻ ኣይተባኽን (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ)

20. ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13:48 ዘሎ ሓሳብ ምርዳእና፡ ንሓደ መጽናዕቲ ንምቕጻሉ ወይ ንምቍራጹ ኸነስተውዕል ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

20 ገሊኦም ተምሃሮ ኸምቶም ብግዜ ህዝቅኤል ዝነበሩ እስራኤላውያን እዮም። የሆዋ ብዛዕባ እቶም እስራኤላውያን እቲኦም ንህዝቅኤል፡ “እንሆ፡ ንስኻ ንዓታቶም ከምቲ ብጥዑም ድምጺ እተደርፈ፡ ብኽእለት ብእተወቕዐ በገና ድማ እተሰነየ ደርፊ ፍቕሪ ኢኻ። ቃላትካ ኺሰምዑ እዮም፣ ግናኸ፡ ኣይኪገብርዎን እዮም” ኢልዎ እዩ። (ህዝ. 33:32) ንሓደ ሰብ ምስኡ እንገብሮ መጽናዕቲ ኸም እነቋርጽ ምንጋር ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ “እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺሩ እዩ።” (1 ቈረ. 7:29) ዘይፈርዩ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ ግዜና ኣብ ክንዲ እነባኽን፡ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ” ምዃኖም ንዜርእዩ ሰባት ንምርካብ ክንጽዕር ኣሎና።—ግብሪ ሃዋርያት 13:48 ኣንብብ።

ሓገዝ ደልዮም ዚጽልዩ ዘለዉ ኻልኦት ሰባት ኣብ ክልኻ ኺህልዉ ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ)

21. ጥቕሲ ዓመት 2020 እንታይ እያ፧ ግብእቲ ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧

21 ጥቕሲ ዓመት 2020፡ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ንምምሕያሽ ክትሕግዘና እያ። ካብቲ የሱስ ኣብ ገሊላ ኣብ ዚርከብ ከረን ታሪኻዊ ኣኼባ ኺገብር ከሎ እተዛረቦ ቓላት እተወስደት ኰይና ኸምዚ ትብል፦ “ኪዱ . . . እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።”ማቴ. 28:19

ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ንምምሕያሽን ንተምሃሮና ኺጥመቑ ንምሕጋዝን ቈራጽነት ንግበር (ሕጡብ ጽሑፍ 21 ርአ)

መዝሙር 70 ዚግብኦ ዘበለ ድለዩ

^ ሕ.ጽ. 5 ጥቕሲ ዓመት 2020፡ “ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ኢላ ተተባብዓና እያ። እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ንዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ እተዋህበ እዩ። እሞ ደኣ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት፡ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ከመይ ጌርና ኢና ልቦም ክንትንኪ እንኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ከመይ ጌርና ንየሆዋ ኪቐርብዎ ኸም እንሕግዞም ትገልጽ። ነቲ መጽናዕቲ ንምቕጻሉ ወይ ንምቍራጹ ብኸመይ ከም እንውስን እውን ትሕብር።

^ ሕ.ጽ. 18 ኣብ JW Library® ኣብ ትሕቲ ኣኼባታትናን ኣገልግሎትናን > ክእለትካ ኣመሓይሽ እትርከብ ዘይፈርዩ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምቍራጽ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።