ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3

የሆዋ ኣምላኽካ ኣኽቢሩ ይርእየካ እዩ!

የሆዋ ኣምላኽካ ኣኽቢሩ ይርእየካ እዩ!

“ተዋሪድና ኸለና ዘከረና።”—መዝ. 136:23

መዝሙር 33 ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ

መላለዪ *

1-2. ብዙሓት ህዝቢ የሆዋ እንታይ ኵነታት እዩ ዜጓንፎም፧ እዚኸ ኣባታቶም እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ዅነታት እሞ ሕሰበሉ፦ ሓደ መንእሰይ ሓው ዜማስን ሕማም ከም ዘለዎ ይፈልጥ። ሓደ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዚርከብ ትጉህ ሓው ድማ ነቲ ዝነበሮ ስራሕ ይስእን፣ ዝጸዓረ እንተ እኳ ጸዓረ እውን፡ ስራሕ ኣይረክብን። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት እናተደረተ ይኸይድ።

2 ምስ ሓደ ኻብዚ እተጠቕሰ ዚመሳሰል ኵነታት ኣጓኒፉካ እንተ ኣልዩ፡ ድሕሪ ሕጂ ዘይትረብሕ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። እቲ ዅነታት እቲ ሓጐስ ኬስእነካ፡ ንገዛእ ርእስኻ ዝነበረካ ግቡእ ኣኽብሮት ኬጥፍኦ፡ ኣብቲ ምስ ሰባት ዝነበረካ ርክብ እውን ጸገማት ኪፈጥረልካ ይኽእል እዩ።

3. ሰይጣንን እቶም ብእኡ እተጸልዉ ዘበሉን ብዛዕባ ህይወት ሰብ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

3 እዛ ዓለም እዚኣ ነቲ ሰይጣን ብዛዕባ ህይወት ሰብ ዘለዎ ኣረኣእያ እያ እተንጸባርቕ። ሰይጣን ንደቂ ሰብ ከም ዘይረብሑ ገይሩ እዩ ወትሩ ዚሕዞም። ንኣምላኽ ዘይእዘዝ ዘበለ ብሞት ከም ዚቕጻዕ ኣጸቢቑ እናፈለጠ ኽነሱ፡ ንሄዋን ናጽነት ከም እትረክብ ኣምሲሉ ብዘይንሕስያ ሓቢልዋ እዩ። ንግዳውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ስርዓታት እዛ ዓለም እዚኣ እውን ወትሩ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን እዩ። ስለዚ፡ ብዙሓት ነጋዶን ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ንህይወት ሰብ ኣኽብሮት ዘይብሎም ምዃኑ ኼገርመና የብሉን።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

4 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ የሆዋ ብዛዕባ ርእስና ጽቡቕ ኪስምዓና ይደሊ እዩ፣ ዘይንረብሕ ኰይኑ ኸም ዚስምዓና ዚገብር ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ ድማ ይድግፈና እዩ። (መዝ. 136:23፣ ሮሜ 12:3) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ትገልጽ፦ (1) ብሕማም ክንሳቐ ኸለና፡ (2) ቍጠባዊ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ (3) ብሰንኪ እርጋን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚጠቅም ነገር ነበርክት ከም ዘየለና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ። ፈለማ ግና፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ምዃንና ርግጸኛታት ክንኰነሉ እንኽእል ምኽንያታት እስከ ንርአ።

የሆዋ ኣኽቢሩ ይርእየና

5. ደቂ ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ምዃኖም ዜረጋግጽ እንታይ ምኽንያታት ረኺብካ፧

5 ካብ ሓመድ ምድሪ እኳ እንተ ተገበርና፡ ካብ ሓመድ ኣጸቢቑ ዚኸብር ዋጋ ግና ኣሎና። (ዘፍ. 2:7) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ዝዀንናሉ ገለ ምኽንያታት እስከ ንርአ። የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ ባህርያቱ ኼንጸባርቑ ኸም ዚኽእሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍ. 1:27) ከምኡ ብምግባሩ ድማ፡ ካብቲ ኣብ ምድሪ እተፈጥረ ኻልእ ፍጥረት ክብ ኣቢሉና እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ምድርን እንስሳታትን እውን ሓላፍነት ሂቡና እዩ።—መዝ. 8:4-8

6. የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ዚሕብር እንታይ ካልእ መረጋገጺ ኣሎና፧

6 ኣዳም ድሕሪ ምሕጣኡ እውን ከይተረፈ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኣኽቢሩ ኻብ ምርኣይ ኣየቋረጸን። ኣመና ኣኽቢሩ ኻብ ምርኣዩ እተላዕለ፡ ነቲ ፍቑር ወዱ የሱስ በጃ ሓጢኣትና ኪኸውን ሂቡ እዩ። (1 ዮሃ. 4:9, 10) ካብቲ በጃ ብዚርከብ ጥቕሚ ገይሩ ኸኣ፡ ነቶም ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ዝሞቱ ‘ጻድቃንን ሓጥኣንን’ ካብ ምዉታት ኬተንስኦም እዩ። (ግብ. 24:15) ደረጃ ጥዕናና፡ ቍጠባዊ ዅነታትና፡ ወይ ዕድመና ብዘየገድስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት ምዃንና ቓሉ ይሕብር እዩ።—ግብ. 10:34, 35

7. የሆዋ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየና ዜእምን እንታይ ተወሳኺ ምኽንያታት ኣሎና፧

7 የሆዋ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየና ዜእምን ተወሳኺ ምኽንያታት እውን ኣሎና። ናብኡ ስሒቡናን ነቲ ብስራት እንታይ ምላሽ ከም እንህብ ኣስተብሂሉልናን እዩ። (ዮሃ. 6:44) ንየሆዋ ኽንቀርቦ ምስ ጀመርና ኸኣ፡ ንሱ እውን ቀሪቡና እዩ። (ያእ. 4:8) ግዜ ሰዊኡ ይምህረናን ይጽዕረልናን እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት ምዃንና የርኢ እዩ። ሕጂ እንታይ ዓይነት ውልቀ ሰባት ምዃንናን ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ውልቀ ሰባት ከም እንኸውንን እውን ይፈልጥ እዩ። ብዘይካዚ ኸኣ፡ ብፍቕሪ ተላዒሉ ይግስጸና እዩ። (ምሳ. 3:11, 12) እዝስ የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ዜርኢ ሓያል መርትዖ ደይኰነን፧

8. ኣብ መዝሙር 18:27-29 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት፡ ነቲ ብዛዕባ ጸገማትና ዘሎና ኣረኣእያ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

8 ገሊኦም ሰባት ንንጉስ ዳዊት ከም ዘይረብሕ ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም እዮም፣ ንሱ ግና የሆዋ ኸም ዜፍቅሮን ከም ዚድግፎን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸኣ ነቲ ዳዊት ብዛዕባ ዅነታቱ ዘለዎ ኣረኣእያ ጸልይዎ እዩ። (2 ሳሙ. 16:5-7) እተደቘስና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ ወይ ጸገማት ኬጓንፈና ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዅነታት እተፈልየ ኣረኣእያ ኺህልወናን ንጸገማትና ኽንሰግሮን የሆዋ ይሕግዘና እዩ። (መዝሙር 18:27-29 ኣንብብ።) ደገፍ የሆዋ እንተ ረኺብና፡ ንዕኡ ብሓጐስ ካብ ምግልጋል ዚዓግተና ዋላ ሓንቲ ነገር የሎን። (ሮሜ 8:31) ሕጂ እምበኣር፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረናን ከም ዜኽብረናን ብፍላይ ክንዝክር ዜድልየሉ ሰለስተ ዅነታት እስከ ንመርምር።

ብሕማም ክንሳቐ ኸለና

ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል የሆዋ ምንባብና፡ ሕማም ንዜስዕቦ ኣሉታዊ ስምዒታት ክንጻወር ይሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 9-12 ርአ)

9. ሕማም ነቲ ብዛዕባ ርእስና ዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

9 ሕማም ንዋላ ሓደ ኸም ዘይንጠቅም ኰይኑ ኸም ዚስምዓና ኺገብር ስለ ዚኽእል፡ ንስምዒትና ኺደቝሶ ይኽእል እዩ። ዓቕምና ድሩት ምዃኑ ሰባት ምፍላጦም ወይ ከኣ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ካልኦት ምጽጋዕና ኼሸቝርረና ይኽእል እዩ። ካልኦት ብዛዕባ ሕማምና እኳ እንተ ዘይፈለጡ፡ ዓቕምና ድሩት ምዃኑ የሸቝርረና ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ጭንቂ፡ የሆዋ የተባብዓና እዩ። ብኸመይ፧

10. ብመሰረት ምሳሌ 12:25፡ ክንሓምም ከለና እንታይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

10 ክንሓምም ከለና፡ “ጽቡቕ ቃል” ኬተባብዓና ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 12:25 ኣንብብ።) የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕማምና ብዘየገድስ ኣብ ቅድሚኡ ኣገደስቲ ኸም ዝዀንና ዚገልጽ ጽቡቕ ቃል ዓቚሩልና ኣሎ። (መዝ. 31:19፣ 41:3) ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቃል እንተ ኣንቢብናዮን እንተ ደጋጊምናዮን፡ ነቲ ሕማምና ዜምጽኦ ኣሉታዊ ስምዒታት ንምቅላስ የሆዋ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

11. ሓደ ሓው ካብ የሆዋ ሓገዝ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧

11 ተመክሮ ሆርሄ እስከ ንርአ። ሆርሄ ብንእስነቱ ዜማስን ሕማም ብምሕማሙ፡ ዘይረብሕ ኰይኑ ተሰሚዕዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ነቲ ሕማመይ ዘስዓበለይ ስምዒት ኰነ ኣቓልቦ ብምስሓበይ ንዚስምዓኒ ዝነበረ ስቅቕታ ኣይተዳሎኹን ነይረ። ኵነታተይ እናገደደ ምስ ከደ፡ ህይወተይ ብኸመይ ከም ዚቕየር እሓስብ ነይረ። እዚ ደቚሱኒ ነይሩ፣ ንየሆዋ ድማ ኪሕግዘኒ ለሚነዮ እየ።” እሞኸ የሆዋ ብኸመይ ደጊፍዎ፧ ንሱ ባዕሉ ኸምዚ ይብል፦ “ናይ ምትኳር ጸገም ስለ ዘሎኒ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ከም ዚሓልየሎም ዚገልጽ ኣብ መዝሙር ዚርከብ ሓጺር ክፋላት ከንብብ መተባብዒ ተዋሂቡኒ። ነቲ ጥቕስታት እቲ መዓልቲ መዓልቲ ደጋጊመ ኣንቢበዮ፣ እዚ ድማ ኣጸናኒዑንን ኣተባቢዑንን እዩ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ብዝያዳ ፍሽኽ እብል ከም ዘለኹ፡ ካልኦት እኳ ኺርእዩ ጀሚሮም። ኣወንታዊ ኣረኣእያይ ከም ዜተባብዖም እውን ከይተረፈ ገሊጾም። ሽዑ፡ የሆዋ ንጸሎተይ ከም ዝመለሰለይ ተረዲኡኒ! ብዛዕባ ርእሰይ ዘሎኒ ኣመለኻኽታ ኽልውጥ ሓጊዙኒ እዩ። ቃሉ ኣብ ዚብሎ ነገራትን ሕማመይ ብዘየገድስ ንሱ ብዛዕባይ ኣብ ዘለዎ ኣረኣእያን ከተኵር ጀሚረ።”

12. ብሕማም ትሳቐ እንተ ኣሊኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብ የሆዋ ሓገዝ ክትረክብ እትኽእል፧

12 ብሕማም ትሳቐ እንተ ኣሊኻ፡ የሆዋ ነቲ እተሕልፎ ዘለኻ ኸም ዚፈልጦ ተኣማመን። ብዛዕባ ዅነታትካ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምእንቲ ኸተማዕብል፡ ኪሕግዘካ ለምኖ። ነቲ የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዓቘረልካ ጽቡቕ ቃላት እውን ተጠቐመሉ። ኣብቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ዚገልጽ ጥቕስታት ኣተኵር። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ንዅሎም እቶም ብተኣማንነት ዜገልግልዎ ሕያዋይ ምዃኑ ኽትርኢ ኢኻ።—መዝ. 84:11

ቍጠባዊ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ

የሆዋ ዜድልየና ዘበለ ኼማልኣልና ቓል ከም ዝኣተወ ምዝካርና፡ ስራሕ ንምርካብ ክንሽገር ከለና ይሕግዘና (ሕጡብ ጽሑፍ 13-15 ርአ)

13. ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ስራሑ ምስ ዚስእን እንታይ ኪስምዖ ይኽእል፧

13 ኵሉ ርእሲ ስድራ ቤት ንስድራኡ ዜድሊ ዘበለ ኼማልእ ይደሊ እዩ። ንበል ግና፡ ሓደ ሓው ዋላ ሓንቲ ኸይበደለ ስራሑ ይስእን። ካልእ ስራሕ ንምርካብ ዝጸዓረ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ኣይሰልጦን። እዚ ዅነታት እዚ ዘይረብሕ ኰይኑ ኸም ዚስምዖ ኺገብር ይኽእል እዩ። ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ምትኳር ከመይ ገይሩ ኺሕግዞ ይኽእል፧

14. የሆዋ ቓሉ ንምሕላው ዚድርኽ እንታይ ምኽንያታት ኣለዎ፧

14 የሆዋ ወትሩ ቓሉ ይሕሉ እዩ። (እያ. 21:45፣ 23:14) ከምኡ ዚገብረሉ እተፈላለየ ምኽንያታት ኣለዎ። ቀዳማይ፡ እዚ ንስሙ ዚትንኪ እዩ። የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዚከናኸኖም ቃል ኣትዩ እዩ፣ ነቲ ቓሉ እቲ ንምሕላው እውን ግዴታ ይስምዖ እዩ። (መዝ. 31:1-3) ብተወሳኺ ድማ፡ የሆዋ ንኣባላት ስድራ ቤቱ እንተ ዘይሓልዩሎም፡ ንሕና ብእኡ ኸም እንጕሂ ይፈልጥ እዩ። ብስጋ ዀነ ብመንፈስ ዜድሊ ዘበለ ኼማልኣልና ቓል ኣትዩ እዩ፣ ነቲ ቓል እቲ ኻብ ምፍጻም ኪዓግቶ ዚኽእል ድማ የልቦን።—ማቴ. 6:30-33፣ 24:45

15. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) ኣብ መዝሙር 37:18, 19 ዘሎ ሓሳብ፡ እንታይ እምንቶ እዩ ዜሕድረልና፧

15 የሆዋ ስለምንታይ ቃሉ ኸም ዚሕሉ እንተ ዘኪርና፡ ንቝጠባዊ ጸገማት ብምትእምማን ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዘጋጠሞም እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ብርቱዕ መስጐጕቲ ምስ ተላዕለ፡ ‘ብዘይካ ሃዋርያት፡ ኵላቶም ፋሕ በሉ።’ (ግብ. 8:1) እዚ እንታይ ማለት ምንባሩ እሞ ሕስብ ነብሎ። ቍጠባዊ ጸገማት ኣስዒቡሎም እዩ! እቶም ክርስትያናት ኣባይቶምን ስራሖምን ስኢኖም ኪዀኑ ኣለዎም። የሆዋ ግና ኣይሓደጎምን፣ ሓጐሶም እውን ኣየጥፍኡን። (ግብ. 8:4፣ እብ. 13:5, 6፣ ያእ. 1:2, 3) የሆዋ ነቶም እሙናት ክርስትያናት ደጊፍዎም እዩ፣ ንዓና እውን ኪድግፈና እዩ።—መዝሙር 37:18, 19 ኣንብብ።

እርጋን ንዓቕምና ኺድርቶ ኸሎ

ኣብ ግዜ እርጋን ኣብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ምትኳርና፡ የሆዋ ንዓናን ነቲ ብተኣማንነት ዝፈጸምናዮ ኣገልግሎትን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ የረጋግጸልና (ሕጡብ ጽሑፍ 16-18 ርአ)

16. እንታይ ኵነታት እዩ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎና ዋጋ ኸም እንጠራጠር ኪገብረና ዚኽእል፧

16 ብዕድመ እናደፋእና ብዝኸድና መጠን፡ ንየሆዋ ብዙሕ ክንህቦ ኸም ዘይንኽእል ይስምዓና ይኸውን። ንጉስ ዳዊት ብዕድመ እናደፍአ ምስ ከደ፡ ተመሳሳሊ ስምዒት ኣጨኒቕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (መዝ. 71:9) እሞ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ዚሕግዘና፧

17. ካብ ተመክሮ ሓብትና ጀሪ እንታይ ንምሃር፧

17 ጀሪ ዝስማ ሓብቲ ዘሕለፈቶ ተመክሮ እስከ ንርአ። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚውሃብ ስልጠና ኽንክን ህንጻ ኽትሳተፍ ዕድመ ቐረበላ፣ ንሳ ግና ክትከይድ ኣይደለየትን ነይራ። ከመይሲ፡ “ብዕድመ ዝደፋእኩ መበለት እየ፣ የሆዋ ኺጥቀመሉ ዚኽእል ዋላ ሓንቲ ኽእለት ድማ የብለይን። ኣይጠቅምን እየ” ትብል ነበረት። ድሮ እቲ ስልጠና ኣብ ዝነበረት ምሸት ግና፡ ልባ ብጸሎት ንየሆዋ ኣፍሰሰትሉ። ንጽብሒቱ ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን፡ ናብ ዘይቦታኣ ኸም ዝመጸት ኰይኑ እዩ ዚስምዓ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ፡ ሓደ ኻብቶም ተዛረብቲ፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ክእለት፡ ብየሆዋ ኽንምሃር ፍቓደኛታት ምዃንና ኸም ዝዀነ ኣጕልሐ። ጀሪ ድማ ከምዚ ኢላ ተዘክሮኣ ትገልጽ፦ “ሽዑ፡ ‘እዚ ኽእለት እዚ እሞ ኣሎኒ!’ ኢለ ሓሲበ። የሆዋ ንጸሎተይ ይምልሰለይ ከም ዘሎ ምስ ፈለጥኩ፡ ክነብዕ ጀሚረ። ዋጋ ዘለዎ ነገር ክህቦ ኸም ዝኽእልን ኪምህረኒ እውን ፍቓደኛ ምዃኑን እዩ ዜረጋግጸለይ ነይሩ!” ሕጂ ምልስ ኢላ ኽትሓስቦ ኸላ፡ “ናብቲ ኣኼባ እናፈራህኩን እናጐሃኹን ሕማቕ እናተሰምዓንን እየ ኣትየ። ካብኡ ግና ብርእሰይ ተኣማሚነን ተተባቢዐን ዋጋ ኸም ዘሎኒ ተሰሚዑንን እየ ወጺአ!” ትብል።

18. ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኸም ቀደሙ ንኣምልኾና ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧

18 ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና፡ የሆዋ ንዓና ዚኸውን ዕዮ ኸም ዚህልዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝ. 92:12-15) ክእለትና ድሩት፡ ወይ ከኣ ጻዕርና ንእሽቶ መሲሉ እኳ እንተ ተራእየና፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ የሱስ ምሂሩና እዩ። (ሉቃ. 21:2-4) ስለዚ፡ ኣብቲ ኽትገብሮ እትኽእል ኣተኵር። ንኣብነት፡ ብዛዕባ የሆዋ ኽትዛረብ፡ ንኣሕዋት ክትጽልየሎም፡ ከምኡ እውን ንኻልኦት እሙናት ኪዀኑ ኸተተባብዕ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ኸም መዓይይቱ ገይሩ እዩ ዚርእየካ፣ ከምኡ ገይሩ ዚርእየካ ግና፡ ብምኽንያት እቲ ኽትገብሮ እትኽእል ዘይኰነስ፡ ንዕኡ ብፍታውካ እዙዝ ስለ ዝዀንካ እዩ።—1 ቈረ. 3:5-9

19. ሮሜ 8:38, 39 እንታይ መረጋገጺ እያ እትህበና፧

19 ነቲ ንዜገልግልዎ ኣኽቢሩ ዚርኢ ኣምላኽና የሆዋ እነገልግል ምዃንናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግን! ፍቓዱ ኽንገብር ፈጢሩና እዩ፣ ንህይወትና ናይ ሓቂ ትርጉም ኸም ዚህልዋ ዚገብር ናይ ሓቂ ኣምልኾ እውን ኣሎና። (ራእ. 4:11) ዓለም ከም ዘይንረብሕ ገይራ ትርእየና እኳ እንተ ዀነት፡ የሆዋ ግና ብኣና ኣይሓፍርን እዩ። (እብ. 11:16, 38) ሕማም፡ ቍጠባዊ ጸገም፡ ወይ እርጋን ኪደቝሰና ኸሎ፡ ካብ ፍቕሪ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኺፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣይንረስዕ።—ሮሜ 8:38, 39 ኣንብብ።

^ ሕ.ጽ. 5 ዘይትረብሕ ኰይኑ ኸም ዚስምዓካ ዝገበረ ዅነታት ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእየካ ኸተዘኻኽረካ እያ። ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣጋጠመካ፡ ከመይ ጌርካ ንርእስኻ ዘሎካ ግቡእ ኣኽብሮት ሓሊኻ ኸም እትመላለስ ትገልጽ።

መዝሙር 30 ኣቦይ፡ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ