ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1

ህዳእ፡ ኣብ የሆዋ እውን ተወከል

ህዳእ፡ ኣብ የሆዋ እውን ተወከል

ጥቕሲ ዓመት 2021፦ “ብርታዐኹም ኣብ ምህዳእኩምን ኣብ ምውካልኩምን ኪኸውን እዩ።”—ኢሳ. 30:15

መዝሙር 3 ሓይልና፡ ተስፋና፡ እምንቶና

መላለዪ *

1. ከም ንጉስ ዳዊት እንታይ ኢልና ንሓትት ንኸውን፧

ኵላትና ብህድኣትን ብሰላምን ክንነብር ንደሊ ኢና። ዋላ ሓደ ኻባና ኺጭነቕ ዚደሊ የልቦን። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ኣመና ንጭነቕ ኢና። ገሊኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ከምቲ ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ዝሓተቶ ዓይነት ሕቶ ይሓትቱ ይዀኑ፣ ንሱ፡ “ክሳዕ መዓስ እየ ኽጭነቕ፡ መዓልቲ መዓልትስ ልበይ ኪጕሂ፧” ኢሉ ሓቲቱ እዩ።—መዝ. 13:2

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 ካብ ጭንቀት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ኽንከውን ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ንምቍጽጻሩ ግና ብዙሕ ክንገብሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፈለማ ገለ ኻብቲ ዜጨንቐና ነገራት ክንርኢ ኢና። ድሕሪኡ፡ ንጸገምና ብህድኣት ክንሰግር ዜኽእለና ሽዱሽተ ግብራዊ መገድታት ክንርኢ ኢና።

እንታይ እዩ ኼጨንቐና ዚኽእል፧

3. እንታይ ጸቕጥታት እዩ ዜጋጥመና ዘሎ፧ ነዚኸ ኽሳዕ ክንደይ ኢና ኽንቈጻጸሮ እንኽእል፧

3 ንገሊኡ ኻብቲ ዜጨንቐና ነገራት፡ ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት፡ ነቲ ኻብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዋጋታት ምግብን ክዳንን መዕቀልን ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ መሳርሕትና ወይ መማህርትና፡ መታለልቲ ወይ ብዕሉጋት ክንከውን ዚገብሩልና ቐጻሊ ጸቕጢ እውን ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ኣብ ከባቢና ዚፍጸም ገበን እውን ደው ከነብሎ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ጸገማት እዚ ዜጋጥመና ዘሎ ኸኣ፡ ኣብዛ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሓስቡ ሰባት ዝመልእዋ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና እዩ። እቲ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ሰይጣን፡ ገሊኦም ሰባት ብ“ጭንቀት እዚ ስርዓት” ተዋሒጦም ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ከም ዚርሕቁ ይፈልጥ እዩ። (ማቴ. 13:22፣ 1 ዮሃ. 5:19) ስለዚ ኸኣ እያ እዛ ዓለም እዚኣ ብዜጨንቕ ነገራት መሊኣ ዘላ።

4. ጸቕጢ ምስ በርትዓና፡ እንታይ ኢና እንገብር፧

4 ጸቕጢ ምስ በርትዓና፡ ብጭንቀት ክንወሓጥ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ዜድልየና ገንዘብ ከይንስእን፡ ሓሚምና ኻብ ስራሕ ከይንበኵር፡ ወይ ካብ ስራሕ ከይንስጐጕ ንሻቐል ንኸውን። ሕጊ ኣምላኽ ክንጥሕስ ፈተና ምስ ኣጋጠመና እውን፡ ተኣማንነትና ኸይነጕድል የተሓሳስበና ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ኣብ ቀረባ ግዜ በቶም ዚቈጻጸሮም ሰባት ገይሩ ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጥቅዖም እዩ። ስለዚ፡ ሽዑ እንታይ ከም እንገብር የጨንቐና ይኸውን። ብተወሳኺ፡ ‘ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዜተሓሳስበና ምዃኑ ጌጋ ድዩ፧’ ኢልና እውን ንሓስብ ንኸውን።

5. የሱስ “ደጊም ኣይትጨነቑ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

5 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ደጊም ኣይትጨነቑ” ኸም ዝበሎም ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 6:25) ከምዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ዋላ ኣይንጭነቕን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን! ከመይሲ፡ ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ ጭንቀት ተቓሊሶም እዮም፣ ሞገስ ኣምላኽ ግና ኣይሰኣኑን። * (1 ነገ. 19:4፣ መዝ. 6:3) ስለዚ የሱስ የጸናንዓና እዩ ነይሩ። ብናብራና እምብዛ ኻብ ምጭናቕና እተላዕለ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብኣሉታዊ ኺጽሎ ኣይደለየን። እሞ ደኣ ንጭንቀትና ኽንቈጻጸረሉ እንኽእል እንታይ መገድታት ኣሎ፧—“ ብኸመይ ትገብሮ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ክንሃድእ ዚሕግዘና ሽዱሽተ ነገራት

ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ *

6. ብመሰረት ፊልጲ 4:6, 7፡ ንጭንቀትና ኼህድኣልና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

6 (1) ኣዘውቲርካ ጸሊ። ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ካብ ልቦም ናብ የሆዋ ምስ ዚጽልዩ እፎይታ ይረኽቡ እዮም። (1 ጴጥ. 5:7) ከም ምላሽ ጸሎትካ ኸኣ፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። (ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።) የሆዋ ንጭንቀትና በቲ ሓያል ዝዀነ መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ የህድኦ እዩ።—ገላ. 5:22

7. ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኸለና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

7 ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽትቀርብ ከለኻ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ንገሮ። ሓሳባትካ ብዝርዝር ግለጸሉ። እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ሓብሮ። ስምዒትካ እውን ግለጸሉ። እቲ ጸገም ፍታሕ ዘለዎ እንተ ዀይኑ፡ ንምርካቡ ጥበብ ኪህበካ፡ ንምትግባሩ ኸኣ ብርታዐ ኺህበካ ለምኖ። ፍታሕ እቲ ጸገምካ ኻብ ቍጽጽርካ ወጻኢ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባኡ እምብዛ ኸይትጭነቕ ሓገዙ ለምን። እትደልዮ ብዝርዝር ጠቒስካ ትጽሊ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ብኸመይ ከም ዝመለሰልካ ብንጹር ኪርኣየካ እዩ። ምስ ጸለኻ ብኡብኡ ምላሽ እንተ ዘይረኺብካ ኣይትተሓለል። የሆዋ፡ እትደልዮ ፈሊኻ ኽትጠቅስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጸሎት ክትጸንዕ እውን ይደልየካ እዩ።—ሉቃ. 11:8-10

8. ኣብ ጸሎትና እንታይ ክንጠቅስ ኣሎና፧

8 ብጸሎት ኣቢልካ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ኽትድርቢ ኸለኻ፡ ምምስጋን እውን ኣይትረስዕ። ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ፡ ዘሎና በረኸት ምዝካር ሰናይ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ብርቱዕ ስምዒትካ ዚገልጸልካ ቓላት እንተ ስኢንካ፡ ንየሆዋ ‘በጃኻ ሓግዘኒ!’ ጥራይ እንተ ኢልካዮ እኳ ጸሎትካ ኸም ዚምልሰልካ ኣይትረስዕ።—2 ዜና 18:31፣ ሮሜ 8:26

ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ *

9. ናይ ሓቂ ደሓን ኪርከብ ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

9 (2) ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጥበብ የሆዋ ተወከል። ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ኣሶራውያን ንህዝቢ ይሁዳ ኣስጊኦምዎም ነይሮም እዮም። ሽዑ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ኣሶራውያን ከይኣትዉ ኢሎም ናብታ ኣረማዊት ዝነበረት ግብጺ ተጸጊዖም እዮም። (ኢሳ. 30:1, 2) የሆዋ ኸኣ እቲ ግጉይ መገዶም ጥፍኣት ከም ዜስዕበሎም ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 30:7, 12, 13) ብኢሳይያስ ኣቢሉ እውን፡ ከመይ ገይሮም ናይ ሓቂ ደሓን ከም ዚረኽቡ ነጊርዎም እዩ። እወ፡ “ብርታዐኹም ኣብ ምህዳእኩምን [ኣባይ] ኣብ ምውካልኩምን ኪኸውን እዩ” ኢልዎም እዩ።—ኢሳ. 30:15ለ

10. ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ኸነርእየሉ እንኽእል ገለ ዅነታት እንታይ እዩ፧

10 ከመይ ጌርና ኢና ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ኸነርኢ እንኽእል፧ ገለ ኣብነታት ንርአ። ግዜኻ ኣጸቢቑ ዚወስድን ንመንፈሳዊ ልማዳትካ ዚዓናቕፍን ዝሓሸ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ ረኺብካ ንበል። ወይ ድማ ኣብ ስራሕካ እትፈልጣ ጥምቕቲ ኣገልጋሊት ኣምላኽ ዘይኰነት ሰብ ብዓይኒ ፍቕሪ ትጥምተካ ንበል። ወይ ከኣ እትፈትዎ ኣባል ስድራ ቤትካ፡ “ካባይ ወይ ካብ ኣምላኽካ ሓዲኡ ምረጽ” ይብለካ። ኣብ ኵሉ እዚ ዅነታት እዚ፡ ከቢድ ውሳነ ኽትገብር ኣሎካ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኵሉ፡ የሆዋ መምርሒ ይህበካ እዩ። (ማቴ. 6:33፣ 10:37፣ 1 ቈረ. 7:39) እሞ ደኣ ነቲ መምርሒ ኣሚንካ ኽትትግብሮ ዲኻ፧

ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ *

11. ተቓውሞ ኼጋጥመና ኸሎ ምእንቲ ኽንሃድእ፡ እንታይ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ንኽእል፧

11 (3) ካብ ኣብነታትን መለበሚታትን ተምሃር። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምህዳእን ኣብ የሆዋ ምውካልን ዜጕልሕ ብዙሕ ዛንታታት ኣለዎ። ነዚ ዛንታታት እዚ ኸተጽንዖ ኸለኻ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብርቱዕ ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ኪሃድኡ ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ኣስተብህል። ንኣብነት፡ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ንሃዋርያት፡ ስብከት ደው ኬብሉ ምስ ኣዘዞም፡ ንሳቶም በዚ ኣይተዳህሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብትብዓት፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ኢሎም እዮም መሊሶም። (ግብ. 5:29) ምስ ተገርፉ እውን እንተ ዀነ፡ ኣይሰምበዱን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ኣብ ጐድኖም ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ንሱ ብኣታቶም ሕጉስ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ኣይቋረጹን። (ግብ. 5:40-42) ብተመሳሳሊ፡ እስጢፋኖስ እቲ ወደ መዝሙር፡ ምስ ሞት ተፋጢጡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰላምን ህድኣትን ስለ ዝዓሰሎ፡ ገጹ “ኸም ገጽ መልኣኽ” እዩ ዀይኑ ነይሩ። (ግብ. 6:12-15) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሞገስ የሆዋ ኸም ዝረኸበ ርግጸኛ እዩ ነይሩ።

12. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 3:14ን 4:14ን፡ ክንስጐጕ ከለና ሕጉሳት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

12 ሃዋርያት፡ የሆዋ ምሳታቶም ከም ዝዀነ፡ ንጹር መርትዖ ነይርዎም እዩ። ተኣምራት ኪገብሩ ዜኽእል ሓይሊ ሂብዎም ነይሩ እዩ። (ግብ. 5:12-16፣ 6:8) ሎሚ ግና፡ ንሕና ኸምኡ የብልናን። ይኹን እምበር፡ ስለ ጽድቂ መከራ ኽንጸግብ ከለና፡ የሆዋ ብኣና ሕጉስ ምዃኑን መንፈሱ ምሳና ኸም ዝዀነን ብቓሉ ኣቢሉ የረጋግጸልና እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:14፣ 4:14 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ኣብ መጻኢ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኣብ ዜጓንፈና እዋን፡ እንታይ ከም እንገብር ኬጨንቐና የብሉን። የግዳስ፡ የሆዋ ኺድግፈናን ኬድሕነናን ከም ዚኽእል ዘሎና እምንቶ ኣብ ምድልዳል ከነተኵር ኣሎና። ከምቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ፡ “ኵሎም ተጻረርትኹም ብሓባር ኪቃወምዎ ወይ ኪከራኸርዎ ዘይክእሉ ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ” ኢሉ እተዛረቦ ቓል ኽንኣምኖ ኣሎና። ብተወሳኺ እውን፡ “ንህይወትኩም ብተጻዋርነትኩም ከተድሕንዋ ኢኹም” ኢሉ ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (ሉቃ. 21:12-19) የሆዋ ብዛዕባ እቶም ብተኣማንነት ዝሞቱ ኣገልገልቱ፡ ደቀቕቲ ዝርዝራት እውን ከም ዚዝክር ኣይንረስዕ። በቲ ፍልጠት እቲ ገይሩ ድማ፡ ኬተንስኦም እዩ።

13. ካብቶም ዘይሃድኡን ኣብ የሆዋ ዘይተወከሉን እንታይ መለበሚ ኽንረክብ ንኽእል፧

13 ካብቶም ዘይሃድኡን ኣብ የሆዋ ዘይተወከሉን እውን መለበሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቶም መለበሚታት እቲኦም እንተ ኣጽኒዕና፡ ነቲ ጌጋ እቲ ኸይንደግሞ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ኣጋ መጀመርታ ንግስናኡ፡ ዓብዪ ሰራዊት ኣንጻሩ ምስ መጸ፡ ናብ የሆዋ ተጸጊዑ እዩ፣ የሆዋ ድማ ዓወት ብምሃብ ባሪኽዎ እዩ። (2 ዜና 14:9-12) ደሓር ግና፡ ዝነኣሰ ሰራዊት ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ኣንጻሩ ምስ መጸ፡ ከም ቀደሙ ኻብ የሆዋ ድሕነት ኣብ ክንዲ ዚጽበ፡ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምርካብ ንሶርያውያን እዩ ኸፊልዎም። (2 ዜና 16:1-3) ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ ምስ ሓመመ ኸኣ፡ ሓገዝ ንምርካብ ናብ የሆዋ ኣይተጸግዐን።—2 ዜና 16:12

14. ካብቲ ኣሳ ዝገበሮ ጌጋታት እንታይ ንምሃር፧

14 ኣብ መጀመርታ፡ ኣሳ ጸገማት ምስ ኣጋጠሞ፡ ናብ የሆዋ ይጽጋዕ ነይሩ እዩ። ደሓር ግና፡ ንጸገማቱ ባዕሉ ደኣ እዩ ኺፈትሕ ዚጽዕር ነይሩ እምበር፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ኣይደልን እዩ ነይሩ። ብላዕለ ላዕሊ ኺርአ ኸሎ፡ ኣሳ ኻብ ሶርያውያን ሓገዝ ምሕታቱ፡ ጽቡቕ ኪመስል ይኽእል እዩ። እቲ ኣሳልጦኡ ግና ነዊሕ ኣይጸንሐን። ምኽንያቱ፡ የሆዋ ብሓደ ነብዪ ኣቢሉ፡ “ብንጉስ ሶርያ ስለ እተኣመንካ፡ ብየሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ስለ ዘይተኣመንካ፡ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ ኣምሊጡ እዩ” ኢልዎ እዩ። (2 ዜና 16:7) ንሕና እውን ቃል የሆዋ ኸይተወከስና፡ ንጸገማትና ባዕልና ኽንፈትሖ ኸም እንኽእል ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ዋላ እውን ኣብ ህጹጽ ኵነታት፡ ብህድኣት ኣብ የሆዋ ኽንውከል ኣሎና፣ ንሱ ድማ ቅኑዕ ውሳነ ኽንገብር ይሕግዘና እዩ።

ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ *

15. መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

15 (4) ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ሸምድድ። ብምህዳእን ኣብ የሆዋ ብምውካልን ብርታዐ ኸም እትረክብ ዜርኢ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ከለኻ፡ ነዚ ኽትሽምድዶ ፈትን። ከምኡ ንምግባር፡ ዓው ኢልካ ምንባብ፡ ምጽሓፍ፡ ከምኡ እውን ምድግጋም ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እያሱ ብጥበብ ንምምልላስ፡ ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣዘውቲሩ ብትሕቲ መልሓሱ ኼንብቦ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። እቲ መዘኻኸሪታት እቲ ድማ ነቲ ኺስምዖ ዚኽእል ዝነበረ ፍርሂ ኼሰንፍ ዚሕግዝ እዩ ነይሩ። (እያ. 1:8, 9) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓያሎ መግለጺታት፡ ኬጨንቐካ ወይ ኬሸብረካ ኣብ ዚኽእል ኵነታት፡ ናይ ኣእምሮን ልብን ሰላም ክትረክብ የኽእለካ እዩ።—መዝ. 27:1-3፣ ምሳ. 3:25, 26

ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ *

16. የሆዋ ምእንቲ ኽንሃድእን ኣብኡ ምእንቲ ኽንውከልን፡ ብጉባኤኡ ዚጥቀም ብኸመይ እዩ፧

16 (5) ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ሕበር። የሆዋ ምእንቲ ኼህድኣናን ኣብኡ ምእንቲ ኽንውከልን፡ ብኣሕዋትናን ብኣሓትናን ይጥቀም እዩ። ኣብ ኣኼባታትና በቲ ኻብ መድረኽ ዚቐርብ ትምህርትን ካብ ተሳተፍቲ ዚቐርብ ሓሳባትን ካብቲ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንገብሮ ሃናጺ ዝርርብን ንጥቀም ኢና። (እብ. 10:24, 25) ኣብ ጉባኤና ንዚርከቡ እንኣምኖም ፈተውትና ስምዒትና ኸነካፍሎም ከለና እውን ብዙሕ ንተባባዕ ኢና። ፈታዊና ዚዛረበና “ጽቡቕ ቃል” ንጭንቀትና ኣመና ኼፍኵሰልና ይኽእል እዩ።—ምሳ. 12:25

ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ *

17. ብመሰረት እብራውያን 6:19፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዘላትና ተስፋ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እተጽንዓና ብኸመይ እያ፧

17 (6) ተስፋኻ ኣደልድል። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘላትና ተስፋ፡ “ኸም መልህቕ ነፍሲ” እያ፣ ኣጸጋሚ ዅነታት ወይ ዜጨንቕ ሓሳባት ኬጋጥመና ኸሎ ኸኣ፡ ተጽንዓና እያ። (እብራውያን 6:19 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘተስፈወና ኣሉታዊ ሓሳባት ዘይህልወሉ ተስፋ ኣስተንትን። (ኢሳ. 65:17) ኣብታ ዜጨንቕ ኵነታት ዘይህልወሉ ሰላም ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ከም ዝኣቶኻ ጌርካ ስኣል። (ሚክ. 4:4) ብዛዕባ እዚ ንኻልኦት ክትነግር ከለኻ እውን ንተስፋኻ ተደልድላ ኢኻ። ስለዚ፡ ኣብ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባርን ዕዮ ዚከኣለካ ግበር። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ “ክሳዕ መወዳእታ ምሉእ ብምሉእ እተረጋገጸት ተስፋ” ኽትህልወካ እያ።—እብ. 6:11

18. ኣብ መጻኢ እንታይ ብድሆታት ኬጋጥመና ኢና እንጽበ፧ ነዚኸ ብዓወት ክንሰግሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 እዚ ስርዓት እዚ ናብ መወዳእታኡ ብዝኸደ መጠን፡ ብዙሕ ዜጨንቕ ጸገማት ኬጋጥመና እዩ። ጥቕሲ ዓመት 2021፡ ነዚ ጸገማት እዚ ብብርታዐና ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ብምውካል ብህድኣት ክንሰግሮ ትሕግዘና እያ። እምበኣር፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ ኣብቲ የሆዋ፡ ብርታዐኹም ኣብ ምህዳእኩምን ኣብ ምውካልኩምን ኪኸውን እዩ”  ኢሉ ዝኣተወልና ቓል እምነት ከም ዘሎና ብግብሪ ነርኢ።—ኢሳ. 30:15

መዝሙር 8 የሆዋ እዩ መዕቈቢና

^ ሕ.ጽ. 5 ጥቕሲ ዓመት 2021፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ከም ዘሎና ተጕልሕ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ኣብ ጥቕሲ ዓመትና ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕለሉ እንኽእል መገድታት ትገልጽ።

^ ሕ.ጽ. 5 ገሊኦም እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ከቢድ ጭንቀት ወይ ስምባድ ኣለዎም። እዚ ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም እዩ፣ ምስቲ የሱስ ዝገለጾ ዓይነት ጭንቀት ከኣ ከነደናግሮ የብልናን።

^ ሕ.ጽ. 63 መግለጺ ስእሊ፦ (1) ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ ዜጨንቓ ነገር ምሉእ መዓልቲ ኣበርቲዓ ትጽሊ።

^ ሕ.ጽ. 65 መግለጺ ስእሊ፦ (2) ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍታ፡ ጥበብ ንምርካብ ቃል ኣምላኽ ትውከስ።

^ ሕ.ጽ. 67 መግለጺ ስእሊ፦ (3) ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታትን መለበሚታትን ተስተንትን።

^ ሕ.ጽ. 69 መግለጺ ስእሊ፦ (4) ንሓንቲ ኽትሽምድዳ ዝደለየት እተተባብዕ ጥቕሲ፡ ኣብ ፍሪጃ ትልጥፋ።

^ ሕ.ጽ. 71 መግለጺ ስእሊ፦ (5) ኣብ ኣገልግሎት ብዝረኸበቶ ጽቡቕ ምሕዝነት ባህ ይብላ።

^ ሕ.ጽ. 73 መግለጺ ስእሊ፦ (6) ብዛዕባ መጻኢ ብምሕሳብ፡ ተስፋኣ ተደልድል።