ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3

ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ይውድስዎም

ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ይውድስዎም

“ድሕነት ካብቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽናን ካብቲ ገንሸልን እዩ።”—ራእ. 7:10

መዝሙር 14 እቲ ሓድሽ ንጉስ ምድሪ ይወደስ

መላለዪ *

1. ብ1935 ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ዝቐረበ መደረ ንሓደ መንእሰይ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ፧

ብ1926 ሓደ መንእሰይ ወዲ 18 ዓመት ከሎ ተጠምቀ። ወለዱ ሽዑ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ሰለስተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ነይሮምዎም፣ ንዓታቶም ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ኬገልግልዎን ንየሱስ ክርስቶስ ኪመስልዎን እናመሃሩ እዮም ኣዕብዮምዎም። እዚ መንእሰይ እዚ፡ ከምቲ ሽዑ ዝነበሩ ዅሎም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ካብቲ ዓመታዊ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ይወስድ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ “ብዙሓት ሰብ” ዘርእስቱ ታሪኻዊ መደረ ምስ ሰምዐ፡ ብምሉኡ እቲ ብዛዕባ ህይወት ዝነበሮ ኣረኣእያ ተቐየረ። ነቲ መደረ እቲ፡ ሓውና ጆሴፍ ራዘርፎርድ ኣብቲ ብ1935 ኣብ ዋሽንግተን፡ ዲ.ሲ.፡ ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ኣኼባ እዩ ኣቕሪብዎ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ እንታይ እዩ ተገሊጹ፧

2. ሓውና ራዘርፎርድ ኣብ መደረኡ እንታይ ዜሐጕስ ነገር እዩ ገሊጹ፧

2 ሓውና ራዘርፎርድ ኣብ መደረኡ፡ ነቶም ኣብ ራእይ 7:9 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” (ትርጉም 1956) ወይ “ብዙሓት ህዝቢ” ገሊጽዎም ነይሩ። ክሳዕ ሽዑ እዚኣቶም ብተኣማንነቶም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዚስርዑ፡ ካልኣይ ደረጃ ዘለዎም ሰማያዊ ጕጅለ ጌርካ እዮም ዚርኣዩ ነይሮም። ሓውና ራዘርፎርድ ግና ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ኸም ዘይተሓርዩ፡ የግዳስ ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ድሒኖም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ ኻልኦት ኣባጊዕ * ክርስቶስ ምዃኖም ገለጸ። (ራእ. 7:14) የሱስ፡ “ካብዚ ደምበ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕ እውን ኣለዋኒ፣ ንዓታተን ድማ ከምጽአን ኣሎኒ፡ ድምጸይ እውን ኪሰምዓ እየን፣ ሓደ መጓሰ ኪዀና እየን፡ ጓሳአን እውን ሓደ” ኢሉ ኣተስፍዩ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 10:16) እዞም ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት እዚኦም፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም እሙናት መሰኻኽር የሆዋ እዮም። (ማቴ. 25:31-33, 46) ሕጂ እምበኣር፡ እዚ መንፈሳዊ ብርሃን እዚ ንህይወት ብዙሓት ህዝቢ የሆዋ፡ እንተላይ ንህይወት እቲ ወዲ 18 ዓመት ሓው ብኸመይ ከም ዝቐየረ እስከ ንርአ።—መዝ. 97:11፣ ምሳ. 4:18

ህይወት ኣሽሓት ዝቐየረ ሓድሽ ርድኢት

3-4. ኣብቲ ብ1935 እተገብረ ኣኼባ፡ ኣሽሓት ሰባት ብዛዕባ ተስፋኦም እንታይ እዮም ፈሊጦም፧ ስለምንታይከ፧

3 ኣብቲ ኣኼባ፡ እቲ ተዛራባይ፡ “ኵሉኹም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክትነብሩ ተስፋ ዘሎኩም በጃኹም ደውዶ ኽትብሉ፧” ኢሉ ምስ ሓተተ፡ ፍሉይ ህሞት ተፈጥረ። ብመሰረት ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ልዕሊ ፍርቂ እቶም 20,000 ዚዀኑ ተኣከብቲ ደው በሉ። ሽዑ ሓውና ራዘርፎርድ፡ “እነዉ፡ እቶም ብዙሓት ሰብ!” በለ። ብኡብኡ ነጐዳ ዚጥዕም ወኻዕታ ተሰምዐ። እቶም ደው ዝበሉ ንሰማያዊ ህይወት ከም ዘይተሓርዩ ተገንዘቡ። ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዘይተቐብኡ እውን ፈለጡ። ንጽብሒቱ፡ 840 ሓደስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጠምቁ፣ መብዛሕትኦም ድማ ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ እዮም ነይሮም።

4 ድሕሪ እቲ መደረ፡ እቲ ኣቐዲምካ እተጠቕሰ መንእሰይን ኣሽሓት ሰባትን ካብቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ምውሳድ ሓደግዎ። ሓደ ሓው ድማ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል፡ ንስምዒት ብዙሓት ኣሕዋት ገሊጽዎ ኣሎ፦ “በዓል ዝኽሪ 1935፡ ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ዝወሰድኩላ ናይ መወዳእታ በዓል እያ ነይራ። የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኣብ ውሽጠይ ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዘየለዓዓለ፡ የግዳስ ኣብ ምድሪ ኽነብርን ንዓኣ ገነት ኣብ ምግባር ክሳተፍን ተስፋ ኸም ዘሎኒ ፈሊጠ እየ።” (ሮሜ 8:16, 17፣ 2 ቈረ. 1:21, 22) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ይውስኹ ኣለዉ፣ ኣብ ጐድኒ ተረፍ * ቅቡኣት ኰይኖም ከኣ ይዓይዩ ኣለዉ።

5. የሆዋ ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብ ዝቐርብ ቅጫን ወይንን ምውሳድ ዝሓደጉ ሰባት ብኸመይ ይርእዮም፧

5 የሆዋ ነቶም ድሕሪ 1935 ካብቲ ኣብ በዓል ዚኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ምውሳድ ዝሓደጉ ሰባት ብኸመይ ይርእዮም፧ ኣብዚ ግዜናኸ ሓደ ጥሙቕ ናይ የሆዋ ምስክር ካብቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ኪወስድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሓቂ ቕቡእ ከም ዘይኰነ እንተ ፈሊጡ የሆዋ ብኸመይ ይርእዮ፧ (1 ቈረ. 11:28) ገሊኦም ብዛዕባ ተስፋኦም ግጉይ ርድኢት ስለ ዝነበሮም፡ ካብቲ ቕጫን ወይንን ወሲዶም እዮም። እንተዀነ ግና፡ ጌጋኦም ብቕንዕና ኣሚኖም፡ ምውሳድ ሓዲጎም፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል እንተ ቐጺሎም፡ የሆዋ ብርግጽ ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ኪቘጽሮም እዩ። ካብቲ ቕጫን ወይንን እኳ እንተ ዘይወሰዱ፡ ነቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩሎም ኣጸቢቖም ስለ ዜማስዉሉ፡ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ይእከቡ እዮም።

ፍሉይ ተስፋ

6. የሱስ ነቶም መላእኽቲ እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣዚዝዎም፧

6 እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቐሪቡ ስለ ዘሎ፡ ራእይ ምዕራፍ 7 ብዛዕባ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ብዛዕባ እቶም ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝብን እንታይ ከም እትብል ምምርማር የተባብዓና እዩ። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ፡ የሱስ ነቶም መላእኽቲ፡ ነቲ ኣርባዕተ ንፋሳት ጥፍኣት ኪሕዝዎ ኣዚዝዎም ኣሎ። ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ክሳዕ ዚሕተሙ፡ ማለት ኣብ መወዳእታ ብየሆዋ ተቐባልነት ክሳዕ ዚረኽቡ፡ ነቲ ንፋሳት ኣብ ምድሪ ኣይፍንውዎን እዮም። (ራእ. 7:1-4) ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ከኣ፡ ከም ዓስቢ ተኣማንነቶም ምስኡ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ይዀኑ እዮም። (ራእ. 20:6) ኵሎም እቶም ኣባላት ሰማያዊ ኽፍሊ ስድራ ቤት ኣምላኽ፡ ነቲ እቶም 144,000 ቅቡኣት ሰማያዊ ዓስቦም ዚረኽቡሉ እዋን ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ።

እቶም ብዙሓት ህዝቢ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣእዳዎም ጨናፍር ስየ ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዚደጕሕ ዝፋን ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ይብሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ኣብ ራእይ 7:9, 10 ተዘንትዩ ኸም ዘሎ፡ ዮሃንስ ብራእይ ንመን እዩ ርእዩ፧ ንሳቶምከ እንታይ እዮም ዚገብሩ ነይሮም፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

7 ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም 144,000 ነገስታትን ካህናትን ድሕሪ ምግላጹ፡ ሓደ ዜሐጕስ ነገር፡ ማለት ካብ ኣርማጌዶን ዝደሓኑ “ብዙሓት ህዝቢ” ርእዩ እዩ። እዞም ካልኣይ ጕጅለ ኻብቶም ቀዳማይ ጕጅለ ኣዝዮም ዚበዝሑ ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ቍጽሮም እውን ውሱን ኣይኰነን። (ራእይ 7:9, 10 ኣንብብ።) “ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ” ኸም እተኸድኑ ድማ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ፡ “ካብ ርስሓት” ናይ ሰይጣን ዓለም ገዛእ ርእሶም ከም ዝሓለዉ፡ ንኣምላኽን ንክርስቶስን እውን እሙናት ከም ዝዀኑ የመልክት። (ያእ. 1:27) ሳላቲ የሆዋን ሳላቲ ገንሸል ኣምላኽ ዝዀነ የሱስን ዝገበርዎ ነገር ድሕነት ከም ዝረኸቡ እውን ይጭድሩ እዮም። ብዘይካዚ፡ ጨናፍር ስየ ኸም ዝሓዙ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ፣ እዚ ድማ ንየሱስ ብየሆዋ ኸም እተሸመ ንጉስ ገይሮም ብሓጐስ ከም እተቐበልዎ የመልክት።—ምስ ዮሃንስ 12:12, 13 ኣረኣኢ።

8. ራእይ 7:11, 12 ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ስድራ ቤት የሆዋ እንታይ ትነግረና፧

8 ራእይ 7:11, 12 ኣንብብ። እሞ ደኣ ኣብ ሰማይ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ዮሃንስ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተራእዩን ንኣምላኽ ምስ ወደስዎን፡ ኵሎም እቶም ኣብ ሰማይ ዚርከቡ ስድራ ቤት የሆዋ ብሓጐስ ተመልኡ። እምበኣር፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ብህይወት ምስ ወጹ፡ እቶም ኣብ ሰማይ ዚርከቡ ስድራ ቤት የሆዋ ብፍጻመ እቲ ራእይ እቲ ደስ ኪብሎም እዩ።

9. ብመሰረት ራእይ 7:13-15፡ ሕጂ እቶም ብዙሓት ህዝቢ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧

9 ራእይ 7:13-15 ኣንብብ። እቶም ብዙሓት ህዝቢ “ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም . . . ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮምዎ እዮም” ኢሉ ዮሃንስ ጽሒፉ ኣሎ። እዚ ድማ ጽሩይ ሕልና ኸም ዘለዎምን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸም ዝጸደቑን የመልክት። (ኢሳ. 1:18) እዞም ርእሶም ወፍዮም እተጠምቁ ክርስትያናት ኣብ መስዋእቲ የሱስ ድልዱል እምነት ኣለዎም፡ ምስ የሆዋ ድማ ርክብ መስሪቶም እዮም። (ዮሃ. 3:36፣ 1 ጴጥ. 3:21) ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ፡ ማለት ኣብ ቅድሚ እቲ ምድራዊ ኣጸድ መንፈሳዊ ቤተ መቕደሱ ዀይኖም ‘መዓልትን ለይትን ኬገልግልዎ’ ብቕዓት ኣለዎም። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ገዛእ ርእሶም ብምቕዳም፡ ዝዓበየ ኽፋል እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብቕንኣት ይፍጽሙ ኣለዉ።—ማቴ. 6:33፣ 24:14፣ 28:19, 20

ሕጉሳት ኣባላት እቶም ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ህዝቢ ኻብቲ ብርቱዕ ጸበባ ይወጹ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

10. እቶም ብዙሓት ህዝቢ እንታይ መረጋገጺ እዩ ዘለዎም፧ እንታይ ተስፋኸ እዮም ኪፍጸም ዚርእዩ፧

10 “እቲ ኣብቲ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪዝርግሖ እዩ” ተባሂሉ ስለ ዘሎ፡ ኣምላኽ ነቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚወጹ ብዙሓት ህዝቢ ብቐጻሊ ኸም ዚከናኸኖም መረጋገጺ ተዋሂቡ ኣሎ። እቲ “[ኣምላኽ] ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ” ዚብል እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብሃረርታ ዚጽበይዎ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጸም እዩ።—ራእ. 21:3, 4

11-12. (ሀ) ኣብ ራእይ 7:16, 17 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነቶም ብዙሓት ህዝቢ እንታይ በረኸት ይጽበዮም ኣሎ፧ (ለ) ኣብ በዓል ዝኽሪ፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ስለምንታይከ፧

11 ራእይ 7:16, 17 ኣንብብ። ሕጂ ገሊኦም ህዝቢ የሆዋ ብሰንኪ ጨቋኒ ቝጠባዊ ዅነታት ወይ ብሰንኪ ናዕብን ውግእን ይጠምዩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ብምኽንያት እምነቶም ይእሰሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኻብ ጥፍኣት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ምስ ደሓኑ ወትሩ ኣኺሉ ዚተርፍ ስጋዊ ዀነ መንፈሳዊ ምግቢ ኸም ዚህልዎም ምፍላጦም የሐጕሶም እዩ። ጥፍኣት እዚ ናይ ሰይጣን ዓለም ምስ ጀመረ፡ እቲ ብ“ሃሩር” እተመሰለ ኣብቶም ኣህዛብ ዚኵዖ ቝጥዓ የሆዋ ነቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣይኬንድዶምን እዩ። እቲ ብርቱዕ ጸበባ ምስ ኣብቅዐ ኸኣ፡ የሱስ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚድሕኑ ሰባት ናብ “ማይ [ዘለኣለማዊ] ህይወት” ኪመርሖም እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እቶም ብዙሓት ህዝቢ ፍሉይ ተስፋ እዩ ዘለዎም። ካብቶም ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ሕጂ ዝነበሩ ቢልዮናት ሰባት፡ ንሳቶም ከቶ ናይ ዘይሙማት ኣጋጣሚ ኣለዎም።—ዮሃ. 11:26

12 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዜደንቕ ተስፋ ስለ ዘለዎም፡ ንየሆዋን ንየሱስን የመስግንዎም እዮም። ንሰማያዊ ህይወት ኣይተሓርዩን፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ግና ዝተሓተ ኽብሪ ወይ ዋጋ ዘለዎም ኣይኰኑን። ኣባላት ክልቲኦም ጕጅለ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ኪውድስዎም ይኽእሉ እዮም። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዚገብሩሉ መገዲ ኸኣ ኣብ ድራር ጐይታ ብምእካብ እዩ።

ኣብ በዓል ዝኽሪ ብምሉእ ልብኻ ወድስ

እቲ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚዘውር ቅጫን ወይንን፡ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ የሱስ ከም ዝሞተልና የዘኻኽረና (ሕጡብ ጽሑፍ 13-15 ርአ)

13-14. ኵሎም ክርስትያናት ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኪእከቡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

13 ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ እቶም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚወስዱ ምስቶም ተኣከብቲ ኺነጻጸሩ ኸለዉ፡ ዳርጋ 1 ኻብ 1,000 እዮም። መብዛሕትአን ጉባኤታት፡ ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስድ ሰብ የብለንን። መብዛሕትኦም እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ፡ ምድራዊ ተስፋ እዩ ዘለዎም። ስለምንታይ ደኣ እዮም እሞ ኣብ ድራር ጐይታ ዚእከቡ፧ ኣብቲ በዓል እቲ ዚእከቡሉ ምኽንያት፡ ምስቲ ሰባት ናብ መርዓ ፈተውቶም ዚኸዱሉ ምኽንያት ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ሰባት ናብ መርዓ ዚኸዱ፡ ነቶም ተመራዓውቲ ዘለዎም ፍቕርን ደገፍን ንምግላጽ እዩ። ስለዚ፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንክርስቶስን ነቶም ቅቡኣትን ዘለዎም ፍቕርን ደገፍን ኬርእዩ ኢሎም እዮም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ። ብዘይካዚ ድማ፡ ነቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዘለዎም ሞሳ ኼርእዩ ኢሎም እዮም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ፣ እዚ መስዋእቲ እዚ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ።

14 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ በዓል ዚኽሪ ዚእከቡሉ ኻልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ንምሕላው እዩ። የሱስ ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ዀይኑ ነቲ ፍሉይ ድራር ኬቕውም ከሎ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (1 ቈረ. 11:23-26) ስለዚ፡ እቶም ቅቡኣት ኣብ ምድሪ ብህይወት ክሳዕ ዘለዉ፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ድራር ጐይታ የብዕሉ እዮም። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ኵሉ ሰብ ምሳታቶም ነቲ በዓል ዝኽሪ ኼብዕል ይዕድሙ እዮም።

15. ከመይ ጌርና ኢና ኣብ በዓል ዝኽሪ ነፍሲ ወከፍና ንኣምላኽን ንክርስቶስን ክንውድሶም እንኽእል፧

15 በዓል ዝኽሪ ኺብዓል ከሎ፡ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ብመዝሙርን ብጸሎትን ናይ ምውዳስ ኣጋጣሚ ኣሎና። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዚቐርብ መደረ፡ “ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገበሩልኩም ኣማስዉሉ!” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ንየሆዋን ንክርስቶስን ዘሎና ምስጋና ኼዕዝዞ እዩ። እቲ ቕጫን ወይንን ኪዘውር ከሎ፡ እቶም ተኣከብቲ እዚ ንምንታይ ከም ዚውክል፡ ማለት ንስጋን ንደምን የሱስ ከም ዚውክል ኪዘኻኸሩ እዮም። ንሕና ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ፡ የሆዋ ንወዱ ምእንታና ኺመውት ከም ዝፈቐደ እውን ክንዝክር ኢና። (ማቴ. 20:28) ነቲ ሰማያዊ ኣቦናን ንወዱን ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ኺእከብ ይደሊ እዩ።

ንየሆዋ፡ ስለቲ ዝሃበካ ተስፋ ኣመስግኖ

16. ኣብ ምንታይ መዳያት እዮም እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን ፍልልይ ዘይብሎም፧

16 ኣብ መንጎ እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን ዘሎ ፍልልይ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ዋጋ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንኽልቲኦም ጕጅለ ብማዕረ ኽቡራት ገይሩ እዩ ዚርእዮም። ከመይሲ፡ ነቶም ቅቡኣት ኰነ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንምዕዳግ፡ ሕደ ዋጋ፡ ማለት ህይወት ፍቑር ወዱ እዩ ኸፊሉ። የግዳስ፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጕጅለ ዘሎ ፍልልይ፡ እቲ ዘለዎም በበይኑ ተስፋ እዩ። ክልቲኦም ጕጅለ ንኣምላኽን ንክርስቶስን እሙናት ኪዀኑ ኣለዎም። (መዝ. 31:23) መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኵላትና ብማዕረ ኺዓዪ ኸም ዚኽእል እውን ኣይንረስዕ። እዚ ድማ የሆዋ ንውልቀ ሰባት፡ ከከም ዜድልዮም መንፈስ ቅዱሱ ይህቦም ማለት እዩ።

17. እቶም ተረፍ ቅቡኣት እንታይ እዮም ብሃንቀውታ ዚጽበዩ፧

17 ቅቡኣት ክርስትያናት ሰማያዊ ተስፋ ሒዞም ኣይኰኑን ተወሊዶም። ኣምላኽ እዩ ነቲ ተስፋ እቲ ኣብ ልቦም ተኺሉሎም። ብዛዕባ እቲ ተስፋኦም ይሓስቡ፡ ይጽልዩ፡ ነቲ ሰማያዊ ዓስቦም ኪረኽቡ እውን ይህንጠዩ እዮም። መንፈሳዊ ኣካሎም ከመይ ከም ዚመስል እኳ ኺግምቱ ኣይክእሉን እዮም። (ፊል. 3:20, 21፣ 1 ዮሃ. 3:2) ይኹን እምበር፡ ምስ የሆዋን የሱስን መላእኽትን ካልኦት ቅቡኣትን ኪራኸቡ ይህንጠዩ እዮም። ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ቦታኦም ኪሕዙ ኸኣ ብሃንቀውታ ይጽበዩ እዮም።

18. እቶም ካልኦት ኣባጊዕ እንታይ እዮም ብሃንቀውታ ዚጽበዩ፧

18 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ደቂ ሰብ ብተፈጥሮ ዘለዎም ተስፋ፡ ማለት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እዩ ዘለዎም። (መክ. 3:11) ነቲ ንብዘላ ምድሪ ናብ ገነት ዚቕይሩሉ እዋን፡ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበዩ። ኣባይቲ ዚሃንጹሉ፡ ኣታኽልቲ ዚተኽሉሉ፡ ንደቆም ከኣ ብፍጹም ጥዕና ዜዕብዩሉ እዋን ሃረር ይብሉ እዮም። (ኢሳ. 65:21-23) ናብ እተፈላለየ ቦታታት ምድሪ እናተጓዕዙ፡ ኣኽራንን ጫካታትን ባሕርታትን ኪርእዩ፡ ብዛዕባ ዅሉ ፍጥረታት የሆዋ ድማ መጽናዕቲ ኺገብሩ ይህንጠዩ እዮም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎም ዕርክነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናደልደለን እናሰጠመን ኪኸይድ ምርኣይ የሐጕሶም እዩ።

19. በዓል ዝኽሪ ንነፍሲ ወከፍና እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና፧ ኣብዛ ዓመት እዚኣኸ መዓስ እዩ በዓል ዝኽሪ ዚብዓል፧

19 የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ውፉይ ኣገልጋሊኡ ዜደንቕ ተስፋ ሂብዎ ኣሎ። (ኤር. 29:11) በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ከኣ ንነፍሲ ወከፍና፡ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ስለቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ኢሎም ዝገበሩልና ዅሉ ኽንውድሶም ዓብዪ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። በዓል ዝኽሪ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኣኼባ ምዃኑ ዜተሓታትት ኣይኰነን። እዚ በዓል እዚ፡ ቀዳም 27 መጋቢት 2021 ጸሓይ ምስ ዓረበት ኪብዓል እዩ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣገዳሲ በዓል እዚ ብናጽነት ኬብዕልዎ እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብ ትሕቲ ተቓውሞ ዀይኖም ኬብዕልዎ እዮም። ገሊኦም እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ኬብዕልዎ እዮም። የሆዋን የሱስን መላእኽትን ዝተንስኡ ቕቡኣትን እናተመልከቱ፡ ኵለን ጉባኤታትን ኵለን ጕጅለታትን ኵሎም ውልቀ ሰባትን ጽቡቕ በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ንምነ።

መዝሙር 150 ክትድሕኑ እንተ ደሊኹም፡ ንየሆዋ ድለይዎ

^ ሕ.ጽ. 5 27 መጋቢት 2021፡ ንህዝቢ የሆዋ ፍልይቲ መዓልቲ እያ። በታ ምሸት እቲኣ፡ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ከነብዕል ኢና። መብዛሕትኦም እቶም ኣብቲ ኣኼባ እቲ ዚእከቡ፡ ካብቶም የሱስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ኢሉ ዝጸውዖም እዮም። እሞ ደኣ ብዛዕባ እቶም ጕጅለ እቲኦም ብ1935 እንታይ ዜሐጕስ ሓቂ እዩ ነጺሩ፧ ድሕሪ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ እንታይ ዜሐጕስ ነገር እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ተዓዘብቲ ኻብ ኰኑኸ ኸመይ ገይሮም እዮም ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዚውድስዎም፧

^ ሕ.ጽ. 2 መግለጺ ቓላት፦ እቲ ኻልኦት ኣባጊዕ ዚብል መጸውዒ፡ ነቶም ኣብ ብምሉኡ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት እተኣከቡ የጠቓልል። ንሳቶም ንክርስቶስ ይስዕብዎ እዮም፣ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸኣ ኣለዎም። እቶም ብዙሓት ህዝቢ ዚብሃሉ ድማ ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዀይኖም፡ ክርስቶስ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺፈርድ ከሎ ብህይወት ዚጸንሑ እሞ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑ ሰባት እዮም።

^ ሕ.ጽ. 4 መግለጺ ቓላት፦ እታ “ተረፍ” እትብል ቃል ነቶም ካብቲ ኣብ ድራር ጐይታ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚወስዱ ኣብ ምድሪ ብህይወት ተሪፎም ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት ተመልክት።