ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4

ካብ ልቢ ንፋቐር

ካብ ልቢ ንፋቐር

“ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ።”—ሮሜ 12:10

መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ

መላለዪ *

1. ሎሚ ሰባት ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ከም ዘይብሎም ብኸመይ እዩ ዚርአ ዘሎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት፡ ሰባት “ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም ዘይብሎም” ከም ዚዀኑ ይንበ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1, 3) እዚ ትንቢት እዚ፡ ሎሚ ኺፍጸም ንርእዮ ኣለና። ንኣብነት፡ ሚልዮናት ስድራ ቤታት ብፍትሕ ይበታተና ስለ ዘለዋ፡ ወለዲ ንሓድሕዶም ይቃራሓኑ፡ ውሉዳት ከኣ ፍቕሪ ይስእኑ ኣለዉ። ኣብ ሓንቲ ቤት ዚነብሩ ስድራ ቤት እኳ ኸይተረፉ ዳርጋ ጓኖት እዮም ዚዀኑ ዘለዉ። ሓደ ኣማኻሪ ስድራ ቤት፡ “ኣደን ኣቦን ውሉዳትን ንሓድሕዶም ተባቲኾም፡ ምስ ስክሪን ኮምፕዩተር፡ ምስ ታብለት፡ ምስ ተሌፎን፡ ወይ ምስ ጸወታታት ቪድዮ ኸኣ ተኣሳሲሮም ኣለዉ” ኢሉ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “እዞም ስድራ ቤታት እዚኦም ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ናሕሲ ዚነብሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ዳርጋ ኣይፋለጡን እዮም” ኢሉ ኣሎ።

2-3. (ሀ) ብመሰረት ሮሜ 12:10፡ ንመን ኢና ኻብ ልብና ኸነፍቅሮም ዘሎና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

2 በዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ክንቅረጽ ኣይንደልን ኢና። (ሮሜ 12:2) ንኣባላት ስድራ ቤትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ እውን ካብ ልቢ ኸነፍቅሮም ንደሊ ኢና። (ሮሜ 12:10 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ልባዊ ፍቕሪ እንታይ እዩ፧ እዚ መግለጺ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎ ጽቡቕ ምሕዝነት የመልክት። ንመንፈሳውያን ስድራ ቤትና፡ ማለት ንክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ ኢና ኸነማዕብል ዘሎና። ካብ ልቢ ነፍቅር እንተ ዄንና፡ ነቲ ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝዀነ ሓድነትና ንምዕቃብ፡ እጃምና ነበርክት ኢና።—ሚክ. 2:12

3 ልባዊ ፍቕሪ ንምምዕባልን ነቲ ፍቕሪ እቲ ንምግላጽን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚርከብ ኣብነታት እንታይ ከም እንምሃር እስከ ንርአ።

የሆዋ—‘ኣዝዩ ፈቃር’

4. ያእቆብ 5:11 ንዕምቈት ፍቕሪ የሆዋ ኽንርዳእ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ባህርያት የሆዋ ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብል እዩ። (1 ዮሃ. 4:8) እዚ መግለጺ እዚ ጥራይ ናብኡ ይስሕበና እዩ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ኣዝዩ ፈቃር . . . እዩ” እውን ይብለና እዩ። (ያእቆብ 5:11 ኣንብብ።) እዝስ ነቲ የሆዋ ብዛዕባና ዘለዎ ስምዒት ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጽ ደይኰነን፧

5. የሆዋ ብኸመይ እዩ ምሕረት ዜርኢ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

5 ኣብ ያእቆብ 5:11፡ የሆዋ ኣዝዩ ፈቃር ጥራይ ዘይኰነስ፡ መሓሪ እውን ተባሂሉ ኸም እተጠቕሰ ኣስተብህል። (ዘጸ. 34:6) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ምሕረት ዘርኣየሉ መገዲ፡ ንጌጋታትና ይቕረ ብምባል እዩ። (መዝ. 51:1) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ምሕረት ኪብሃል ከሎ፡ ይቕረ ኻብ ምባል ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። ምሕረት፡ ኣብ ጭንቂ ዘሎ ሰብ ምስ ረኣኻ ዚስምዓካን ንዕኡ ንምሕጋዝ ዜለዓዕለካን ካብ ውሽጢ ዚነቅል ስምዒት የመልክት። የሆዋ ነቲ ንዓና ንምሕጋዝ ዘለዎ ብርቱዕ ድሌት፡ ካብቲ ኣደ ንውሉዳ ዘለዋ ስምዒት ከም ዚሕይል ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳ. 49:15) ኣብ ጭንቂ ኽንከውን ከለና፡ ብምሕረቱ ተደሪኹ ይሕግዘና እዩ። (መዝ. 37:39፣ 1 ቈረ. 10:13) ንሕና እውን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኬጕህዩና ኸለዉ ይቕረ ብምባልን ቂም ብዘይምሓዝን፡ ምሕረት ከነርእዮም ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:32) ምሕረት እነርእየሉ ቐንዲ መገዲ ግና፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣብ ግዜ ሽግሮም ብምድጋፍ እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኽና መሓርቲ ኽንከውን ከለና፡ ነቲ ኣዝዩ ፈቃር ዝዀነ የሆዋ ንመስሎ ኢና።—ኤፌ. 5:1

ዮናታንን ዳዊትን—“ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ”

6. ዮናታንን ዳዊትን ንሓድሕዶም ካብ ልቢ እተፋቐሩ ብኸመይ እዮም፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ልቢ ብዛዕባ ዚፋቐሩ ዘይፍጹማት ሰባት ዚገልጽ ዛንታታት ሒዙ ኣሎ። ኣብነት ዮናታንን ዳዊትን እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኦም፡ “ዮናታንን ዳዊትን ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ ኰኑ፣ ዮናታን ከኣ ከም ርእሱ ገይሩ ፈተዎ” ይብል። (1 ሳሙ. 18:1) ዳዊት ንሳኦል ተኪኡ ኺነግስ እዩ ተቐቢኡ ነይሩ። ድሕርዚ፡ ሳኦል ንዳዊት ስለ ዝቐንኣሉ፡ ኪቐትሎ ፈተነ። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና፡ ኣብቲ ኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ዚገብሮ ዝነበረ ወፈራ ኣይተጸምበረን። ዮናታንን ዳዊትን ወትሩ ኣዕሩኽ ኰይኖም ኪቕጽሉን ንሓድሕዶም ኪደጋገፉን ቃል ተኣታተዉ።—1 ሳሙ. 20:42

ዮናታንን ዳዊትን ሰፊሕ ናይ ዕድመ ፍልልይ እኳ እንተ ነበሮም፡ እዚ ግና ካብ ልቢ ኸይፋቐሩ ኣይዓገቶምን (ሕጡብ ጽሑፍ 6-9 ርአ)

7. ሓደ ኻብቲ ንዮናታንን ንዳዊትን ኣዕሩኽ ከይኰኑ ዕንቅፋት ኪዀኖም ዚኽእል ዝነበረ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

7 ነቲ ኣብ መንጎ ዮናታንን ዳዊትን ዝነበረ ዕርክነት ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል ረቛሒታት ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና፡ ኣዝዮም ዚፋቐሩ ምዃኖም ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። ንኣብነት፡ ዮናታን ንዳዊት ብኣስታት 30 ዓመት ይዓብዮ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ምስቲ ኻብኡ ኣጸቢቑ ዚንእስን ብዙሕ ተመክሮ ዘይብሉን ሰብ ሓባራዊ ነገር ከም ዘይብሉ ኺድምድም ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዮናታን ንዳዊት ኣትሒቱ ኣይረኣዮን። የግዳስ፡ ኣኽቢሩ እዩ ሒዝዎ።

8. ዮናታን ንዳዊት ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

8 ዮናታን ንዳዊት ኪቐንኣሉ ምኸኣለ ነይሩ። ወዲ ንጉስ ሳኦል ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዝፋን ኪወርስ ዚግብኦ ንሱ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኺሓስብ ይኽእል ነይሩ። (1 ሳሙ. 20:31) ዮናታን ግና ትሑት እዩ ነይሩ፣ ንየሆዋ እውን እሙን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ ንዳዊት ናይ መጻኢ ንጉስ ኪኸውን ዝገበሮ ምርጫ ምሉእ ብምሉእ ይድግፎ ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ እውን፡ ዋላ ሳኦል ይቈጥዓዮ፡ ንዳዊት እሙን እዩ ነይሩ።—1 ሳሙ. 20:32-34

9. ዮናታን ንዳዊት ከም መቐናቕንቱ ገይሩ ርእይዎ ድዩ፧ ግለጽ።

9 ዮናታን ንዳዊት ካብ ልቡ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ፡ ከም መቐናቕንቱ ገይሩ ኣይርእዮን እዩ ነይሩ። ዮናታን ክኢላ ቐስተኛን ተባዕ ተዋጋእን እዩ ነይሩ። ንሱን ኣቦኡ ሳኦልን “ካብ ንስሪ ዚፈጥኑ” ከምኡ እውን “ካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ” ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ። (2 ሳሙ. 1:22, 23) ስለዚ፡ ዮናታን ብጅግንነቱ ኺምካሕ ምኸኣለ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ህልኸኛ ወይ ቂመኛ ኣይነበረን። መሕልፎ እኳ ደኣስ ንዳዊት፡ ስለቲ ትብዓቱን ኣብ የሆዋ ዘለዎ ትውክልትን ንኢድዎ እዩ። ዮናታን ንዳዊት ከም ርእሱ ገይሩ ዝፈተዎ፡ ዳዊት ንጐልያድ ቀቲሉ ምስ ተመልሰ እዩ። እሞ ደኣ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከመይ ጌርና ኢና ኻብ ልቢ ኸነፍቅሮም እንኽእል፧

ሎሚ ኻብ ልቢ ኸም እንፋቐር ብኸመይ ነርኢ፧

10. “ካብ ልቢ፡ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ልቢ፡ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ” ይብለና እዩ። (1 ጴጥ. 1:22) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሆዋ ኣብነት ይዀነና እዩ። ንዕኡ እሙናት እንተ ዄንና፡ ኣጸቢቑ ስለ ዜፍቅረና፡ ካብ ፍቕሩ ኺፈልየና ዚኽእል የልቦን። (ሮሜ 8:38, 39) እታ “ኣጸቢቕኩም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ሓደ ነገር ንምግባር ምምጥጣር ዚብል ሓሳብ ኣለዋ። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ንክርስትያናት ብጾትና ኻብ ልቢ ንምፍቃር፡ ክንመጣጠር ወይ ክንጽዕት የድልየና እዩ። ካልኦት ኬጕህዩና ኸለዉ፡ ‘ንሓድሕድና ብፍቕሪ ኽንተዓጋገስ፡ ንሓድነት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ንምሕላው ድማ ክንጋደል’ ኣሎና። (ኤፌ. 4:1-3) “ማእሰር ሰላም” እንተ ሓሊና፡ ክንየው ጕድለት ኣሕዋትና ንርኢ ኢና። ንኣሕዋትና ኸምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ንምርኣይ፡ ዚከኣለና ንጽዕር ኢና።—1 ሳሙ. 16:7፣ መዝ. 130:3

ምስ ክርስትያናት ብጾትና ኻብ ልቢ ምፍቓር ወትሩ ቐሊል እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኤዎድያን ስንጥኬን፡ ሓደ ዝሓሳበን ኪዀና ምሕጽንታ ተዋሂብወን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)

11. ሓድሓደ ግዜ ኻብ ልቢ ምፍቓር ኣጸጋሚ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

11 ምናዳ ጕድለት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንፈልጥ እንተ ዄንና፡ ንዓታቶም ካብ ልቢ ምፍቃር ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። እዚ ነገር እዚ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ጸገም ኰይንዎም ኪኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ኤዎድያን ስንጥኬን ‘ምእንቲ እቲ ብስራት ኣብ ጐድኒ ጳውሎስ ኰይነን ኪጽዕራ’ ጸገም ኣይነበረንን። ኰይኑ ግና፡ ንሓድሕደን ኣይተሳነያን። ስለዚ፡ ጳውሎስ “ሓሳበን ብጐይታ ሓደ ኪኸውን” ተማሕጺንወን እዩ።—ፊል. 4:2, 3

ብዕድመ ዝነኣሱን ብዕድመ ዝደፍኡን ሽማግለታት ናይ ቀረባ ዕርክነት ኬማዕብሉ ይኽእሉ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ልባዊ ፍቕሪ ኸነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ሎሚ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ልባዊ ፍቕሪ ኸነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ንክርስትያናት ብጾትና ኣጸቢቕና እንተ ፈሊጥናዮም፡ ክንርድኦምን ካብ ልቢ ኸነፍቅሮምን ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና። ዕድመን ድሕረ ባይታን ዕንቅፋት ኣይኰነናን እዩ። ዮናታን ንዳዊት ብኣስታት 30 ዓመት ይዓብዮ ኸም ዝነበረ ኣይንረስዕ፣ ኰይኑ ግና፡ ምስኡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኣማዕቢሉ እዩ። እሞኸ ንስኻ ምስ ሓደ ኻባኻ ብዕድመ ዚዓቢ ወይ ዚንእስ ክትቃራረብ ምኸኣልካዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ‘ንዅሎም ኣሕዋት ከም እተፍቅር’ ከተርኢ ኢኻ።—1 ጴጥ. 2:17

ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ *

13. ንዅሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ብማዕረ ኽንቀርቦም ዘይንኽእል ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

13 ንክርስትያናት ብጾትና ኻብ ልቢ ነፍቅሮም ኪብሃል ከሎ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብማዕረ ንቐርቦም ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን፡ ከምኡ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ብምኽንያት እቲ ሓባራዊ ዜገድሰካ ነገር፡ ንሓደ ኻብቲ ሓደ ብዝያዳ ምቕራብ ጌጋ ኣይኰነን። የሱስ ንዅሎም ሃዋርያቱ “ኣዕሩኸይ” እኳ እንተ በሎም፡ ንዮሃንስ ግና ሓለፋ ኻልኦት ይፈትዎ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 13:23፣ 15:15፣ 20:2) ይኹን እምበር፡ የሱስ ንዮሃንስ ሓለፋ ኻልኦት ኣይገብረሉን። ንኣብነት፡ ዮሃንስን ሓዉ ያእቆብን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ብሉጽ ቦታ ኺውሃቦም ምስ ሓተቱ፡ የሱስ፡ “ኣብ የማነይ ወይ ኣብ ጸጋመይ ምቕማጥ . . . ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” ኢሉ እዩ መሊሱሎም። (ማር. 10:35-40) ንሕና እውን ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ነቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ኣድልዎ ኽንገብር የብልናን። (ያእ. 2:3, 4) ከምኡ ምግባር፡ ናይ ምክፍፋል መንፈስ ኬስፍን ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ቦታ የብሉን።—ይሁ. 17-19

14. ብመሰረት ፊልጲ 2:3፡ ካብ መንፈስ ውድድር ክንርሕቕ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

14 ንሓድሕድና ኻብ ልቢ እንተ ተፋቒርና፡ ነታ ጉባኤ ኻብ ናይ ውድድር መንፈስ ንሕልዋ ኢና። ዮናታን ንዳዊት ከም መቐናቕንቲ ዝፋን ገይሩ ብምርኣይ ከም ዘይተሃላለኾ ኣይንረስዕ። ኵላትና ኣብነት ዮናታን ክንስዕብ ንኽእል ኢና። ንመዓይይትና ብምኽንያት ክእለቱ ኸም መቐናቕንቲ ጌርና ኣይንርኣዮ። የግዳስ፡ “ብትሕትና . . . ንኻልኦት ካብ ርእስኹም ኣብሊጽኩም ርኣዩ” ተባሂሉ ተነጊሩና ኣሎ። (ፊልጲ 2:3 ኣንብብ።) ኣብ ጉባኤ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣበርክቶ ኺገብር ከም ዚኽእል ኣይንረስዕ። ገዛእ ርእስና ትሕት እንተ ኣቢልና፡ ጽቡቕ ባህርያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንርኢ ኢና፣ ካብ ተኣማንነቶም እውን ንጥቀም ኢና።—1 ቈረ. 12:21-25

15. ካብ ተመክሮ ታንያን ስድራ ቤታን እንታይ ንምሃር፧

15 ዘይተጸበናዮ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ በቲ ኻብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንረኽቦ ልባዊ ፍቕርን ግብራዊ ሓገዝን ኣቢሉ የጸናንዓና እዩ። ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብቲ ብ2019 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ፡ “ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ”! ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ኣኼባ፡ ቀዳም ተኣኪቦም ኪምለሱ ኸለዉ ዘጋጠሞም እስከ ንርአ። እታ ኣደ ሰለስተ ዝዀነት ታንያ ኸምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ናብ ሆቴልና ብማኪና ኽንምለስ ከለና፡ ካልእ ማኪና መገዳ ስሒታ ወጺኣ ገጭያትና። ዋላ ሓደ እተጐድአ ኣይነበረን፣ ኰይኑ ግና፡ ሰምቢድና ኸለና ኻብታ ማኪናና ወጺእና ኣብ ደረት እቲ ማካይን ብፍጥነት ዚሕምበባሉ መገዲ ደው ኢልና ኔርና። ድሕሪኡ፡ ሓደ መጺኡ፡ ሓደጋ ምእንቲ ኸየጋጥመና ናብ ማኪናኡ ኽንኣቱ ጸዊዑና። ካብቲ ኣኼባ ዚምለስ ዝነበረ ሓው እዩ ነይሩ። ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን ደው ኢሉ። ካብ ሽወደን ዝመጹ ሓሙሽተ ተኣከብቲ እውን ደው ኢሎም እዮም። እተን ኣሓት ንዓይን ንጓለይን ሕቝፍ ኣቢለናና። እዚ ኸኣ ብሓቂ እዩ ጠቒሙና። ደሓን ምዃንና እኳ እንተ ነገርናዮም፡ ሓዲጎምና ኪኸዱ ኣይደለዩን። ዋላ እውን ሰብ ሞያ ሕክምና ድሕሪ ምምጻኦም፡ ምሳና ጸኒሖም እዮም። ዜድልየና ዅሉ ኸም እተማልአ ድማ ኣረጋጊጾም እዮም። ኣብዚ ዅሉ ፈተናና፡ ፍቕሪ የሆዋ ርኢና ኢና። እዚ ተመክሮ እዚ ኸኣ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ኣሐዪልዋ፡ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ድማ ኣዕሚቝዎ እዩ።” ንስኻኸ እተሸገርካሉ እሞ ልባዊ ፍቕሪ ክርስትያን ብጻይካ ዝረኣኻሉ ግዜ ኣሎዶ፧

16. ንሓድሕድና ኻብ ልቢ ኽንፋቐር ዚድርኸና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

16 ንሓድሕድና ኻብ ልቢ እንተ ተፋቒርና፡ እንታይ ፍረ ኸም እነፍሪ እሞ ንሕሰብ። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣብ ግዜ ሽግሮም ነጸናንዖም ኢና። ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ሓድነት ነደልድሎ ኢና። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃንና ነርኢ ኢና፣ እዚ ድማ ቕኑዕ ንዝልቦም ሰባት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይስሕቦ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ “ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ዝዀነ የሆዋ ኽብሪ ነምጽኣሉ ኢና። (2 ቈረ. 1:3) እምበኣር፡ ኵላትና ልባዊ ፍቕሪ ነማዕብል፡ ነቲ ፍቕሪ እቲ እውን ንግለጾ!

መዝሙር 130 ይቕረ በሃልቲ ንኹን

^ ሕ.ጽ. 5 የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ በታ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ኸም ዚልለዩ ሓቢሩ እዩ። ኵላትና ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ኸነርኢ ንፍትን ኢና። ንኣሕዋትና ዘላትና ፍቕሪ ንምሕያል፡ ከም ናይ ቀረባ ስድራ ቤትና ጌርና ኻብ ልቢ ኸነፍቅሮም ንኽእል ኢና። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዘበሉ ኻብ ልቢ ፍቕሪ ኸነሕድርን ነቲ ፍቕሪ እቲ ኽንዕቅቦን ትሕግዘና።

^ ሕ.ጽ. 55 መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ብዕድመ ዝነኣሰ ሽማግለ ኻብ ተመክሮ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሽማግለ ይጥቀም፣ ናብ ቤቱ እውን ተዓዲሙ ይኸይድ። ክልቲኦም እቶም ሽማግለታትን ኣንስቶምን ከም ዚፋቐሩ የርእዩ።