ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5

“ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ”

“ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ”

“ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ . . . ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ።”—ኤፌ. 5:15, 16

መዝሙር 8 የሆዋ እዩ መዕቈቢና

መላለዪ *

1. ከመይ ጌርና ኢና ምስ የሆዋ ግዜ ኸነሕልፍ እንኽእል፧

 ምስ እንፈትዎም ሰባት ግዜ ምሕላፍ ንፈቱ ኢና። ሕጉሳት ሰብ ሓዳር በይኖም ግዜ ኸም ምሕላፍ ገይሮም ዚፈትውዎ ነገር የብሎምን። መንእሰያት ከኣ ምስ ኣዕሩኾም ግዜ ምሕላፍ ደስ ይብሎም እዩ። ኵላትና እውን በቲ ምስ ክርስትያናት ብጾትና እነሕልፎ ግዜ ባህ ይብለና እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግና ምስ ኣምላኽና ግዜ ምሕላፍ ንፈቱ ኢና። ነዚ ድማ ናብኡ ብምጽላይን ቃሉ ብምንባብን ብዛዕባ ዕላማኡ ዀነ ጽቡቕ ባህርያቱ ብምስትንታንን ኢና ኽንገብሮ እንኽእል። እቲ ምስ የሆዋ እነሕልፎ ግዜ፡ ብሓቂ ኣዝዩ ኽቡር እዩ።—መዝ. 139:17

2. እንታይ ጸገም እዩ ዜጋጥመና፧

2 ምስ የሆዋ ግዜ ምሕላፍ ንፈቱ እኳ እንተ ዀንና፡ ሓደ ጸገም ግና ኣሎና። ሃታሃታ ዝመልኦ ህይወት እዩ ዘሎና፣ እዚ ኸኣ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ዚኸውን ግዜ ኸም እንስእን ኪገብረና ይኽእል እዩ። ዓለማዊ ስራሕን ሓላፍነት ስድራ ቤትን ካልእ ኣገዳሲ ንጥፈታትን ንመብዛሕትኡ ግዜና ስለ ዚወስዶ፡ ንጸሎት፡ ንመጽናዕቲ፡ ወይ ንምስትንታን ዚኸውን ግዜ ኸም ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ።

3. እንታይ ካልእ ነገር እዩ ንግዜና ኺሰርቆ ዚኽእል፧

3 ከይተፈለጠና ንግዜና ኺወስድ ዚኽእል ካልእ ነገር እውን ኣሎ። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ግጉይ ዘይኰነ ንጥፈታት ነቲ ንየሆዋ ኽንቀርቦ ዜኽእለና ግዜ ኺሰርቆ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ መዘናግዒ እስከ ንርአ። በብግዜኡ ብምዝንጋዕ፡ ኵላትና ንጥቀም ኢና። ኰይኑ ግና፡ ጥዑይ መዘናግዒ እኳ እንተ ዀነ፡ ንግዜና ኣመና ኻብ ምውሳዱ እተላዕለ፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታትና ብዙሕ ግዜ ኸይተርፈና ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ንመዘናግዒ ደረቱ ኽንሕልወሉ ኣሎና።—ምሳ. 25:27፣ 1 ጢሞ. 4:8

4. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ስለምንታይ ግቡእ ቀዳምነታት ክንሰርዕ ከም ዚግባእ ኽንርኢ ኢና። ምስ የሆዋ ንእነሕልፎ ግዜ ኸመይ ጌርና ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ ኸም እንኽእልን ካብዚ ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ግዜና ብኸመይ ከም እንጥቀምን እውን ክንርኢ ኢና።

ጥበባዊ ምርጫታት ግበር፣ ቀዳምነታት ስራዕ

5. እቲ ኣብ ኤፌሶን 5:15-17 ዚርከብ ምኽሪ ንሓደ መንእሰይ ብሉጽ መገዲ ህይወት ኪሓሪ ብኸመይ ይሕግዞ፧

5 ኣብ ህይወትካ ብሉጽ መገዲ ሕረ። መንእሰያት ብዙሕ ግዜ ንህይወቶም ከመይ ገይሮም ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኸም ዜውዕልዋ የተሓሳስቦም እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ኣማኸርትን ዘይኣመንቲ ኣባላት ቤተ ሰቦምን ኣብ ዓለም ብዙሕ ዝደሞዙ ስራሕ ምእንቲ ኺህልዎም ዝለዓለ ትምህርቲ ኺምሃሩ ይደፋፍእዎም ይዀኑ። እዚ መገዲ እዚ ግና ብዙሕ ግዜ ኺበልዕ ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ወለዶምን ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ፈተውቶምን ንህይወቶም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኼውዕልዋ የተባብዕዎም ይዀኑ። እሞ ደኣ ሓደ ንየሆዋ ዚፈቱ መንእሰይ ብሉጽ ውሳነ ኺገብር ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 5:15-17 ዘሎ ምስ ዜንብቦ እሞ ምስ ዜስተንትነሉ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። (ኣንብብ።) ነዚ ፍቕድታት እዚ ድሕሪ ምንባቡ፡ ገዛእ ርእሱ ኸምዚ ኢሉ ኺሓትት ይኽእል እዩ፦ ‘“ፍቓድ የሆዋ” እንታይ እዩ፧ እንታይ እዩ ባህ ዜብሎ፧ እንታይ እንተ ገይረ እየ ንግዜይ ብዝበለጸ ዝጥቀመሉ፧’ “ቅንያቱ ኽፉእ” ምዃኑ ኣይትረስዕ፣ እዚ ሰይጣን ዝገዛኢኡ ስርዓት እውን ኣብ ቀረባ ግዜ ኼብቅዕ እዩ። ስለዚ፡ ለባማት ክንከውን እንተ ዄንና፡ ህይወትና ንየሆዋ ባህ ብዜብሎ መገዲ ኽንጥቀመሉ ኣሎና።

6. ማርያም እንታይ ምርጫ እያ ገይራ፧ እቲ ምርጫኣ ናይ ለባማት ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

6 ግቡእ ቀዳምነታት ስራዕ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንግዜና ብዝበለጸ ንምጥቃም፡ ኣብ መንጎ ጌጋ ዘይኰነ ኽልተ ንጥፈታት ክንሓሪ ኣሎና። እቲ የሱስ ናብ እንዳ ማርያምን ማርታን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ዘጋጠመ ኣጸቢቕና እንፈልጦ ዛንታ ነዚ ነጥቢ እዚ የነጽረልና እዩ። ማርታ ንየሱስ ከም ጋሻ ገይራ ብምቕባላ ኣዝያ ስለ እተሓጐሰት፡ ብዙሕ ምግቢ እያ እተዳሉ ነይራ። ሓብታ ማርያም ግና ኣብ ጥቓ ጐይታኣ ኾፍ ኢላ ትምህርቱ እያ እትሰምዕ ነይራ። ማርታ ኻብ ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒላ ትዓዪ እኳ እንተ ነበረት፡ ማርያም ግና “ብሉጽ ግደ” እያ ሓርያ። (ሉቃ. 10:38-42፡ እ.ጽ.) ጸኒሓ ማርያም ነቲ ሽዑ ዝቐረበ ምግቢ ትርስዖ ትኸውን፡ ነቲ ኻብ የሱስ እተማህረቶ ግና ፈጺማ ኸም ዘይረስዓቶ ርግጸኛታት ኢና። ከምቲ ማርያም ነቲ ምስ የሱስ እተሕልፎ ውሱን ግዜ ኣኽቢራ ዝረኣየቶ፡ ንሕና እውን ነቲ ምስ የሆዋ እነሕልፎ ግዜ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ንግዜና ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧

ነቲ ምስ የሆዋ እተሕልፎ ግዜ ብዝበለጸ ተጠቐመሉ

7. ስለምንታይ ኢና ንጸሎትን ንመጽናዕትን ንምስትንታንን ግዜና ዀነ ቘላሕታና ኽንህቦ ዘሎና፧

7 ጸሎትን መጽናዕትን ምስትንታንን ክፍሊ ኣምልኾና ምዃኑ ፍለጥ። ክንጽሊ ኸለና፡ ምስቲ ኣጸቢቑ ዜፍቅረና ሰማያዊ ኣቦና ኢና እንዛረብ ዘለና። (መዝ. 5:7) መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ “ፍልጠት ኣምላኽ” ኢና እንረክብ ዘለና፣ ንሱ እውን ምንጪ ዅሉ ጥበብ እዩ። (ምሳ. 2:1-5) ከነስተንትን ከለና ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ ዚስሕብ ባህርያት የሆዋ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ንዅሉ ፍጥረት ዘለዎ ዜደንቕ ዕላማን ንሕና ኣብኡ ዘሎና ቦታን ኢና እንሓስብ ዘለና። ንግዜኻ መሸም ካብዚ ብዝበለጸ ኽትጥቀመሉ ኣይትኽእልን ኢኻ! ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ዘሎና ውሱን ግዜ ኸመይ ጌርና ኢና ግዜ ኽንረክብ እንኽእል፧

ብሕታዊ መጽናዕቲ ንምግባር፡ ጸጥ ዝበለ ቦታ ኽትረክብ ትኽእልዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)

8. ካብቲ የሱስ ነቲ ኣብ በረኻ ዘሕለፎ ግዜ እተጠቕመሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

8 እንተ ኽኢልካ፡ ጸጥ ዝበለ ቦታ ሕረ። የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እሞ ርአ። ምድራዊ ኣገልግሎቱ ቕድሚ ምጅማሩ፡ 40 መዓልቲ ኣብ በረኻ ኣሕሊፉ እዩ። (ሉቃ. 4:1, 2) ኣብቲ ጸጥታ ዝሰፈኖ ቦታ ኸኣ፡ ናብ የሆዋ ኺጽሊ፡ ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ንዕኡ ዘለዎ ዕላማ እውን ኬስተንትን ይኽእል ነይሩ እዩ። ከምኡ ምግባሩ ድማ፡ ነቲ ደድሕሪኡ ዝመጸ ፈተናታት ኣዳልይዎ ኪኸውን ኣለዎ። እሞ ደኣ ኻብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ትጥቀም፧ ኣባል ሓደ ዓብዪ ስድራ ቤት እንተ ዄንካ፡ ኣብ ገዛኻ ጸጥታ ዝሰፈኖ ቦታ ምርካብ የሸግረካ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ጸጥታ ዝሰፈኖ ቦታ ንምርካብ ናብ ግዳም ክትወጽእ የድልየካ ይኸውን። ጁሊ ናብ የሆዋ እናጸለየት ምስኡ ግዜ ኸተሕልፍ ክትደሊ ኸላ፡ ከምኡ እያ እትገብር። ንሳን ሰብኣያን ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዚርከብ ንእሽቶ ኣፓርታማ እዮም ዚነብሩ፣ ስለዚ፡ ዚርብሻ ዘይብላ በይና ግዜ ኸተሕልፍ የጸግማ እዩ። ጁሊ እንታይ ከም እትገብር ክትገልጽ ከላ፡ “መዓልቲ መዓልቲ ኣብ መናፈሻ ብእግረይ እዛወር እየ። ኣብኡ ድማ በይነይ ክኸውን፡ ከተኵር፡ ንየሆዋ እውን ናይ ልበይ ክዛረቦ እኽእል እየ” ትብል።

9. የሱስ ብዙሕ ንጥፈታት እኳ እንተ ነበሮ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ግና ብኸመይ ኣርእዩ፧

9 የሱስ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ንጥፈታት እዩ ነይርዎ። ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ይስዕብዎ ነይሮም እዮም፣ ኵላቶም ከኣ ግዜ ኺህቦም ይደልዩ ነይሮም እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ብምልእታ እታ ኸተማ . . . ኣብ ኣፍ ደገ ተኣከበት።” ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ዚኸውን ግዜ ይረክብ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ጸሓይ ቅድሚ ምብራቓ፡ ምስ ኣቦኡ ግዜ ናብ ዜሕልፈሉ “ጽምዊ ቦታ” ኸደ።—ማር. 1:32-35

10-11. ብመሰረት ማቴዎስ 26:40, 41፡ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ እዋናዊ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧ ንሳቶም ግና እንታይ እዮም ገይሮም፧

10 የሱስ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ኣገልግሎቱ ዜብቅዓሉ ግዜ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ፡ ዜስተንትነሉን ዚጽልየሉን ጸጥታ ዘለዎ ቦታ ደለየ። ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ድማ ጸጥ ዝበለ ቦታ ረኸበ። (ማቴ. 26:36) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ጸሎት እዋናዊ ምኽሪ ሃቦም።

11 ሽዑ ዝዀነ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ምስ በጽሑ፡ ኣመና መስዩ፡ ምናልባት እውን ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ እዩ ነይሩ። የሱስ ድማ ንሃዋርያቱ “ንቕሑ” በሎም፣ ድሕርዚ ኺጽሊ ኸደ። (ማቴ. 26:37-39) ኪጽሊ ኸሎ ግና፡ ንሳቶም ደቀሱ። ደቂሶም ምስ ረኸቦም፡ ከም ብሓድሽ “ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ማቴዎስ 26:40, 41 ኣንብብ።) ብርቱዕ ጸቕጥን ድኻምን ከም ዘለዎም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ብርሕራሐ ተደሪኹ፡ “ስጋ . . . ድኹም እዩ” በለ። እንተዀነ ግና፡ ተወሳኺ ኽልተ ሳዕ ከይዱ ጸለየ፡ ምስ ተመልሰ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ክንዲ ዚጽልዩ፡ ደቂሶም ረኸቦም።—ማቴ. 26:42-45

ኣብቲ ንቑሕ እትዀነሉ እዋን ንምጽላይ ግዜ ኽትምድብ ትኽእልዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ)

12. ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ ብዝሒ ውጥረት ወይ ድኻም ክንጽሊ ዘይንኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

12 ግቡእ ግዜ ሕረ። ሓድሓደ ግዜ፡ ካብ እምብዛ ውጥረት ወይ ድኻም እተላዕለ፡ ክንጽሊ ዘይንኽእል ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዄንካ፡ ኣጆኻ፡ በይንኻ ኣይኰንካን ከምኡ ዚስምዓካ። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ገሊኦም ምሸት ቅድሚ ምድቃሶም ብጸሎት ናብ የሆዋ ናይ ምቕራብ ልማድ ዘለዎም ሰባት፡ ገና ኸይመሰየ ምስ ሓይሎም ከለዉ ምጽላይ ዝሓሸ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ገሊኦም ከኣ እቲ ኺጽልዩ ኸለዉ ዚህልዎም ኣቀማምጣ፡ ማለት ኮፍ ኢሎም ወይ ተምበርኪኾም ምጽላዮም ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ኰይኑ ግና፡ እምብዛ ብምጭናቕካ ወይ እምብዛ ተስፋ ብምቝራጽካ ኽትጽሊ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ንየሆዋ ስምዒትካ ግለጸሉ። እቲ መሓሪ ኣቦና ኸም ዚርድኣካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 139:4

ኣብ እዋን ኣኼባታት ንናይ ጽሑፍ መልእኽትታትን ንኢመይልን ምላሽ ካብ ምሃብ ክትቍጠብ ትኽእልዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ)

13. ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ነቲ ምስ የሆዋ እነሕልፎ ግዜ ዕንቅፋት ኪዀኖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ እዋን መጽናዕቲ ናብ ካልእ ኣይተስግል። ጸሎት ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እነደልድለሉ በይኑ መገዲ ኣይኰነን። መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽን ኣኼባታት ጉባኤን እውን ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ይሕግዘና እዩ። እሞ ደኣ ንእዋን መጽናዕትን ነቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እተሕልፎ ግዜን ብዝበለጸ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ‘ኣብ ኣኼባታት ወይ ኣብ እዋን መጽናዕቲ እንታይ እዩ ንኣትኵሮይ ዚሰርቆ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ምናልባትዶ ኣብ ስማርት ተሌፎንካ ዀነ ኣብ ካልእ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኻ ዚድወለልካ ስልኪ፡ ኢመይል፡ ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ይርብሸካ ይህሉ ይኸውን፧ ሎሚ ቢልዮናት ሰባት እዚ ናውቲ እዚ ኣለዎም። ገሊኦም ተመራመርቲ ኸም ዚብልዎ፡ ከነተኵር ኣብ እንጽዕረሉ እዋን፡ ኣብ ጥቓና ስማርት ተሌፎን ምህላዉ ጥራይ እኳ ኣቓልቦና ኺሰርቆ ይኽእል እዩ። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ሓደ ፕሮፌሰር ስነ ኣእምሮ፡ “ኣትኵሮኻ ኣብቲ እትገብሮ ተግባር ኣይከውንን እዩ። ኣእምሮኻ ኣብ ካልእ እዩ ገይሹ ዘሎ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ዓበይቲ ኣኼባታት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒና ንኻልኦት ከም ዘይርብሽ ክንገብሮ ይንገረና እዩ። እሞ ደኣ በይንና ዄንና ምስ የሆዋ ግዜ ኸነሕልፍ ከለና፡ እቲ ናውትና ንዓና ኸይርብሸና ተመሳሳሊ ነገር ክንገብር ንኽእልዶ፧

14. ብመሰረት ፊልጲ 4:6, 7፡ የሆዋ ኸነተኵር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

14 ከተተኵር ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንየሆዋ ለምኖ። ኣብ እዋን መጽናዕቲ ወይ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ፡ ኣእምሮኻ ይገይሽ ከም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። እንተ ተጨኒቕካ ወይ ተሻቒልካ፡ ነቲ ዘተሓሳሰበካ ነገር ሓዲግካ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከተተኵር ቀሊል ኣይኰነን። ከምኡ ምግባር ግና፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ንልብኻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ንኣእምሮኻ’ እውን ኪሕልዎ ዚኽእል ሰላም ንምርካብ ጸሊ።—ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።

ምስ የሆዋ እነሕልፎ ግዜ ይጠቕመና እዩ

15. ሓደ ኻብቲ ምስ የሆዋ ግዜ ምሕላፍ ዜምጽኦ ጥቕምታት እንታይ እዩ፧

15 ግዜ ወሲድካ ምስ የሆዋ ትዛረብ፡ ንዕኡ ትሰምዖ፡ ብዛዕባኡ እውን ትሓስብ እንተ ዄንካ፡ ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ። ብኸመይ፧ ቀዳማይ፡ ዝሓሸ ውሳነታት ክትገብር ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን” ኢሉ የረጋግጸልና እዩ። (ምሳ. 13:20) ስለዚ፡ ምስቲ ምንጪ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ ግዜ እንተ ኣሕሊፍካ፡ ብዝያዳ ኢኻ እትጠብብ። ብኸመይ ባህ ከም እተብሎን ንዕኡ ኻብ ዜጕህዮ ምርጫታት ብኸመይ ከም እትርሕቕን ብዝያዳ ኽትርዳእ ትኽእል ኢኻ።

16. ምስ የሆዋ እነሕልፎ ግዜ ንኣመሃህራና ዜመሓይሾ ብኸመይ እዩ፧

16 ካልኣይ፡ ዝሓሸ መምህር ክትከውን ኢኻ። ምስ ሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ተምሃራይና ንየሆዋ ኪቐርቦ ምሕጋዝ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሸቶታትና እዩ። ምስቲ ሰማያዊ ኣቦና ብዝያዳ ብእተዛራረብና መጠን፡ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እናዓበየት ትኸይድ፡ ንተምሃራይና ንዕኡ ኼፍቅሮ ንምምሃር እውን ዝያዳ ኽእለት ነጥሪ ኢና። የሱስ ከምኡ እዩ ገይሩ። ንኣቦኡ ፍቕሩ ብዜንጸባርቕ መገዲ ኣጸቢቑ ስለ ዝገለጾ፡ እቶም እሙናት ሰዓብቱ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ኽኢሎም እዮም።—ዮሃ. 17:25, 26

17. ጸሎትን መጽናዕትን ንእምነትና ዜደልድላ ስለምንታይ እዩ፧

17 ሳልሳይ፡ እምነትካ እናደልደለት ክትከይድ እያ። ካብ ኣምላኽ መምርሒ፡ መጸናንዒ፡ ወይ ደገፍ ክትልምን ከለኻ፡ እንታይ ከም ዚኸውን እሞ ሕሰብ። የሆዋ ነዚ ጸሎት እዚ ብዝመለሰልካ መጠን፡ እምነትካ ትዓቢ እያ። (1 ዮሃ. 5:15) እሞ ደኣ እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ንእምነትካ ኼደልድላ ዚኽእል፧ ብሕታዊ መጽናዕቲ። ስለምንታይሲ፡ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ።” (ሮሜ 10:17) እንተዀነ ግና፡ ድልድልቲ እምነት ንምህናጽ፡ ፍልጠት ካብ ምርካብ ንላዕሊ እዩ ዜድሊ። እንታይ ተወሳኺ ነገር እዩ ዜድልየና፧

18. ስለምንታይ ከነስተንትን ከም ዜድልየና ብኣብነት ጌርካ ግለጽ።

18 ነቲ እተምሃርናዮ ኸነስተንትነሉ ኣሎና። ተመክሮ እቲ ጸሓፊ መዝሙር 77 እስከ ንርአ። ንሱን ብጾቱ እስራኤላውያንን ስምረት የሆዋ ዝሰኣኑ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ተጨኒቑ ነይሩ እዩ። እቲ ዜጨንቕ ሓሳባት ከኣ ድቃስ ለይቲ ኸሊእዎ ነይሩ እዩ። (ፍቕዲ 2-8) እሞ ደኣ እንታይ ገይሩ፧ ንየሆዋ፡ “ንዅሉ ንጥፈታትካ ድማ ከስተንትነሉ፡ ንግብርኻ እውን ኣጸቢቐ ኽሓስበሉ እየ” ኢልዎ። (ፍቕዲ 12) ልክዕ እዩ፡ እቲ ዘማሪ ነቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ንህዝቡ ዝገበረሎም ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ እዩ፣ ተጨኒቑ ስለ ዝነበረ ግና፡ “ኣምላኽዶ ሞገሱ ምርኣይ ረሲዑ እዩ፧ ወይስ ቍጥዓኡዶ ንምሕረቱ ኣቋሪጽዎ እዩ፧” ኢሉ ይሓስብ ነይሩ እዩ። (ፍቕዲ 9) ድሕርዚ፡ እቲ ዘማሪ ንንጥፈታት የሆዋን ነቲ ኣምላኽ ኣብ ሕሉፍ ዝገበሮ ምሕረትን ርሕራሐን ኣስተንተነሉ። (ፍቕዲ 11) እዚኸ እንታይ ኣፍርዩ፧ እቲ ዘማሪ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዘይሓድጎ ኺኣምን ከኣለ። (ፍቕዲ 15) ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝገበረሎም ነገራትን ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ብብሕቲ ዝገበረልካ ነገራትን ከተስተንትን ከለኻ፡ እምነትካ ትድልድል እያ።

19. ምስ የሆዋ ግዜ ብምሕላፍ እንታይ ተወሳኺ ጥቕሚ ኢና እንረክብ፧

19 ራብዓይን እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስን ከኣ፡ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኽትዓምቝ እያ። ፍቕሪ ኻብ ዝዀነ ኻልእ ባህርይ ንላዕሊ ንየሆዋ ኽትእዘዞን ንዕኡ ባህ ዜብል መስዋእትታት ክትገብርን ዝዀነ ፈተና ኽትጻወርን ተኽእለካ እያ። (ማቴ. 22:37-39፣ 1 ቈረ. 13:4, 7፣ 1 ዮሃ. 5:3) ካብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጥብቂ ፍቕራዊ ዕርክነት ዚኸብር ነገር መሸም የሎን!—መዝ. 63:1-8

20. ነቲ ምስ የሆዋ እተሕልፎ ግዜ ብኸመይ ኢኻ ኽትሕልዎ ሓሲብካ ዘለኻ፧

20 ጸሎትን መጽናዕትን ምስትንታንን ክፍሊ ኣምልኾና ምዃኑ ኣይትረስዕ። ከም የሱስ፡ ምስ የሆዋ ግዜ እተሕልፈሉ ጸጥ ዝበለ ቦታ ርኸብ። ዘየድሊ መስገሊታት ኣወግድ። ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ክትሳተፍ ከለኻ፡ ኣብኡ ምእንቲ ኸተተኵር ንየሆዋ ሓገዝ ለምኖ። ሕጂ ንግዜኻ ብዝበለጸ እንተ ተጠቒምካሉ፡ የሆዋ ኣብታ ንሱ ዘቘማ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ኪባርኸካ እዩ።—ማር. 4:24

መዝሙር 28 ፈታው የሆዋ ምዃን

^ የሆዋ ብሉጽ ዓርክና እዩ። ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ፣ ብዝያዳ እውን ክንፈልጦ ንደሊ ኢና። ንሓደ ሰብ ንምፍላጥ ግዜ የድልየካ እዩ። ምስ የሆዋ ርክብ ምምዕባል እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። እሞ ደኣ ህይወትና ሃታሃታ ዝመልኦ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽንቀርቦ ዜኽእለና ግዜ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧ ከምኡ ምስ እንገብርከ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧