ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4

ኣብ በዓል ዝኽሪ እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ በዓል ዝኽሪ እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧

“እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ።”—ሉቃ. 22:19

መዝሙር 20 ፍቑር ወድኻ ሂብካ

መላለዪ *

1-2. (ሀ) ንዝሞተ ሰብና መዓስ ኢና ብፍላይ እንዝክሮ፧ (ለ) የሱስ ኣብታ ድሮ ዝሞተላ ዝነበረት ምሸት እንታይ እዩ ኣቚሙ፧

 እንፈትዎም ሰብና ኻብ ዚሞቱ ዝሓለፈ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ንዝክሮም ኢና። ምናዳ ዓመት ዓመት እታ ዝሞቱላ ዕለት ምስ መጸት፡ ትዝታኦም ኣብ ኣእምሮና ቕጅል ይብለና እዩ።

2 ዓመት ዓመት፡ ኣብ ዝኽሪ ሞት እቲ ኣዚና እነፍቅሮ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ምስ ዘለዉ ሚልዮናት ብሓባር ንእከብ ኢና። (1 ጴጥ. 1:8) ኣብቲ ኣኼባ እቲ፡ ነቲ ንዓና ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ንምድሓን በጃ ኪኸውን ኢሉ ህይወቱ ዝሃበ ንምዝካር ኢና እንእከብ። (ማቴ. 20:28) የሱስ እውን ንሰዓብቱ፡ ሞቱ ኺዝክሩ ይደልዮም እዩ። ድሮ እታ ዝሞተላ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ ፍሉይ ድራር ምስ ኣቘመ፡ “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ።—ሉቃ. 22:19

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

3 ሒደት ካብቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዚእከቡ ሰባት፡ ሰማያዊ ተስፋ ኣለዎም። ኰይኑ ግና፡ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሚልዮናት እውን ኣብኡ ይእከቡ እዮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ክልቲኦም ጕጅለ ኣብቲ ዓመታዊ ዚብዓል ዝኽሪ ኺእከቡ ስለምንታይ ከም ዚህንጠዩ ኽንርኢ ኢና። ኣብኡ ብምእካብና እንረኽቦ ጥቕሚ እውን ክንምርምር ኢና። ሕጂ እቶም ቅቡኣት ኣብኡ ዚእከቡሉ ገለ ምኽንያታት ንርአ።

ስለምንታይ እቶም ቅቡኣት ይእከቡ፧

4. ስለምንታይ እዮም ቅቡኣት ጥራይ ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚካፈሉ፧

4 ዓመት ዓመት፡ ቅቡኣት ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ኸም ተኻፈልቲ ዀይኖም እዮም ዚእከቡ። ስለምንታይ እዮም ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚካፈሉ፧ ነዚ ንምምላስ፡ ኣብታ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት እንታይ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ። ፋስጋ ምስ ተበልዐ፡ የሱስ ድራር ጐይታ ዚብሃል በዓል ኣቘመ። ነቲ ቕጫን ወይንን ናብቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ኣዞሮ፡ ካብኡ ኺበልዑን ኪሰትዩን እውን ነገሮም። ብዛዕባ ኽልተ ኺዳን ወይ ስምምዕ ድማ ተዛረቦም፣ እዚ ኸኣ ሓድሽ ኪዳንን ኪዳን መንግስትን እዩ። * (ሉቃ. 22:19, 20, 28-30) እዚ ኺዳናት እዚ ነቶም ሃዋርያትን ቍጽሮም ውሱን ንዝዀኑ ኻልኦት ሰባትን ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ኪዀኑ መገዲ ኸፊቱ እዩ። (ራእ. 5:10፣ 14:1) እቶም ኣብዚ ኽልቲኡ ኺዳን እቱዋት ዝዀኑ ተረፍ ቅቡኣት * ጥራይ እዮም ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ዚካፈሉ።

5. እቶም ቅቡኣት ብዛዕባ እቲ እተዋህቦም ተስፋ እንታይ እዮም ዚፈልጡ፧

5 እቶም ቅቡኣት ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ብሃንቀውታ ዚእከቡሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣለዎም፦ እዚ በዓል እዚ ብዛዕባ ተስፋኦም ኬስተንትኑ ኣጋጣሚ ይህቦም እዩ። የሆዋ ዜደንቕ ተስፋ እዩ ሂብዎም፣ ኣብ ሰማይ ዘይመውትን ዘይሓልፍን ህይወት ኪህልዎም፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ኽብሪ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስን ዝተረፉ 144,000ን ኰይኖም ኬገልግሉ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ኪቐርቡ እዮም! (1 ቈረ. 15:51-53፣ 1 ዮሃ. 3:2) እቶም ቅቡኣት ኣብ ሰማይ ነዚ ፍሉይ መሰላት ኪረኽቡ ምዃኖም ይፈልጡ እዮም። ናብ ሰማይ ምእንቲ ኺኣትዉ ግና፡ ክሳዕ ሞት እሙናት ኪዀኑ ኣለዎም። (2 ጢሞ. 4:7, 8) ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ተስፋኦም ምስትንታን ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዜምጽኣሎም። (ቲቶ. 2:13) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ደኣኸ፧ (ዮሃ. 10:16) ገለ ኻብቲ ንሳቶም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

ስለምንታይ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ይእከቡ፧

6. እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዓመት ዓመት ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ስለምንታይ እዮም፧

6 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ኸም ተኻፈልቲ ዀይኖም ዘይኰነስ፡ ከም ተዓዘብቲ ዀይኖም እዮም ዚእከቡ። ብ1938 ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ንፈለማ ግዜ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ ዕድመ ቐሪቡሎም እዩ። ናይ 1 መጋቢት 1938 ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ትብል፦ “እቶም [ካልኦት ኣባጊዕ] ኣብቲ ኣኼባ ኺእከቡን ኣብኡ ንዚግበር ኪዕዘቡን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕን ግቡእን እዩ። . . . እዚ ንዓታቶም እዋን ሓጐስ ኪኸውን ይግባእ፡ እዋን ሓጐስ እውን እዩ።” ከምቲ ዕዱማት ኣጋይሽ ተሓጒሶም ኣብ መርዓ ዚዕዘቡ፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ እውን፡ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ኸም ተዓዘብቲ ዀይኖም ብምእካቦም ሕጉሳት እዮም።

7. እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንመደረ በዓል ዝኽሪ ተሃንጥዮም ዚጽበይዎ ስለምንታይ እዮም፧

7 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ እውን ብዛዕባ ተስፋኦም የስተንትኑ እዮም። ነቲ መደረ በዓል ዝኽሪ ተሃንጥዮም ይጽበይዎ እዮም፣ ስለምንታይሲ፡ መብዛሕትኡ ኽፋሉ ኣብቲ ክርስቶስን እቶም 144,000 መጋዝእቱን ኣብ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ነቶም እሙናት ሰባት ዚገብሩሎም ነገራት እዩ ዜተኵር። እቶም ሰማያውያን ገዛእቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ንጉሶም የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም፡ ንምድሪ ናብ ገነት ኪቕይርዋ፡ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ከኣ ናብ ፍጽምና ኼብጽሕዎም እዮም። እቶም ነቲ በዓል ዝኽሪ ዜብዕሉ ሚልዮናት ንፍጻመ እቲ ኣብ ከም ኢሳይያስ 35:5, 6፣ 65:21-23፣ ራእይ 21:3, 4 ዘሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬስተንትኑሉ ኸለዉ፡ ብዙሕ እዮም ዚሕጐሱ። ንርእሶምን ንፈተውቶምን ኣብ ሓዳስ ዓለም ኣእትዮም ብምሕሳብ፡ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ተስፋን ነቲ ንየሆዋ ብዘይምቍራጽ ኬገልግልዎ ዘለዎም ቈራጽነትን የደልድሉ እዮም።—ማቴ. 24:13፣ ገላ. 6:9

8. እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡሉ ኻልእ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

8 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡሉ ኻልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። ነቶም ቅቡኣት ዘለዎም ፍቕርን ደገፍን ኬርእዩ ይደልዩ እዮም። ኣብ መንጎ ቕቡኣትን እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባትን ጥብቂ ርክብ ከም ዚህሉ ቓል ኣምላኽ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ብኸመይ፧ ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ።

9. እቲ ኣብ ዘካርያስ 8:23 ዚርከብ ትንቢት ነቲ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብዛዕባ እቶም ቅቡኣት ዘለዎም ስምዒት ብኸመይ ይገልጾ፧

9 ዘካርያስ 8:23 ኣንብብ። ኣብዚ ትንቢት እዚ፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብዛዕባ እቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን እንታይ ከም ዚስምዖም ዚሕብር ልቢ ዚትንኪ ስእሊ ተሳኢሉልና ኣሎ። እቲ “ኣይሁዳዊ” ዚብልን “ምሳኻትኩም” ዚብልን ቃላት፡ ንሓደ ጕጅለ፡ ማለት ንተረፍ ቅቡኣት እዩ ዜመልክት። (ሮሜ 2:28, 29) እቶም “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰባት” ከኣ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ እዮም ዜመልክቱ። ንሳቶም ነቶም ቅቡኣት ‘ኣጽኒዖም ይሕዝዎም፡’ ማለት ምሳታቶም ብተኣማንነት ይለግቡ እዮም፣ ብኻልእ ኣበሃህላ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ይሓብርዎም እዮም። ስለዚ፡ በዓል ዝኽሪ ኣብ እትበዓለላ ምሸት፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብቲ ኣኼባ ብምእካብ፡ ናብቶም ቅቡኣት ኣጸቢቖም ከም ዚለግቡ የርእዩ እዮም።

10. የሆዋ ነቲ ኣብ ህዝቅኤል 37:15-19, 24, 25 ዚርከብ ትንቢት ንምፍጻም እንታይ ገይሩ፧

10 ህዝቅኤል 37:15-19, 24, 25 ኣንብብ። የሆዋ ነቶም ቅቡኣትን ነቶም ካልኦት ኣባጊዕን ብዘይብተኽ ማእሰር ሓድነት ብምጥማር፡ ነዚ ትንቢት እዚ ፈጺምዎ እዩ። ኣብቲ ትንቢት እቲ፡ ክልተ ዕንጨይቲ ተጠቒሱ ኣሎ። እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ከምቲ “ንይሁዳ” እተባህለ ዕንጨይቲ እዮም (ይሁዳ ነገስታት እስራኤል እተሓርዩሉ ነገድ እዩ)፣ እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ከኣ ከምቲ ን“ኤፍሬም” እተባህለ ዕንጨይቲ እዮም። * የሆዋ ነቶም ክልተ ጕጅለ ስለ ዜሕብሮም፡ “ሓደ ዕንጨይቲ” ይዀኑ እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓደ ንጉሶም ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ብሓድነት የገልግሉ ማለት እዩ። ኣብ ዓዓመት፡ እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ኽልተ ጕጅለ ዀይኖም ዘይኰነስ፡ ኣብ ትሕቲ ‘ሓደ ጓሳ’ ዚጓሰዩ “ሓደ መጓሰ” ዀይኖም እዮም ዚእከቡ።—ዮሃ. 10:16

11. እቶም ኣብ ማቴዎስ 25:31-36, 40 ተጠቒሶም ዘለዉ ኣባጊዕ፡ ብኸመይ እዮም ብቐዳምነት ንኣሕዋት ክርስቶስ ዚድግፍዎም፧

11 ማቴዎስ 25:31-36, 40 ኣንብብ። እቶም ኣብዛ ምሳሌ ተጠቒሶም ዘለዉ “ኣባጊዕ” ነቶም ኣብ ግዜ መወዳእታ ዚህልዉ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ጻድቃን፡ ማለት ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ እዮም ዜመልክቱ። ንሳቶም ነቶም ተረፍ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ይድግፍዎም እዮም። ከምኡ ዚገብሩ ድማ ብቐዳምነት ኣብቲ ዓለምለኻዊ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዓብዪ ሓላፍነቶም ብምሕጋዝ እዩ።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20

12-13. እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንኣሕዋት ክርስቶስ ደገፎም ዜርእዩሉ ተወሳኺ መገድታት እንታይ እዩ፧

12 ዓመት ዓመት ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ፡ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንግዱሳት ናብቲ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ኣብ ዚግበር ዓለምለኻዊ ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ብምስታፍ፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ዘለዎም ደገፍ የርእዩ እዮም። (“ ንቕንያት በዓል ዝኽሪ መደብ ጌርካዶ ኣለኻ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ኣብ መብዛሕትአን ጉባኤታት ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚካፈል ሰብ እኳ እንተ ዘየሎ፡ እቲ በዓል ዝኽሪ ኣብ ኵለን እተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ምእንቲ ኺብዓል፡ ዜድሊ ምድላዋት ይገብሩ እዮም። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንኣሕዋት ክርስቶስ በዚ መገድታት እዚ ተሓጒሶም ይድግፍዎም እዮም። እዞም ኣባጊዕ እዚኦም፡ የሱስ ነቲ ንቕቡኣት ኣሕዋቱ ዝገበሩሎም፡ ንዕኡ ኸም ዝገበሩሉ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ይፈልጡ እዮም።—ማቴ. 25:37-40

13 ተስፋና ብዘየገድስ ኵላትና ኣብ በዓል ዝኽሪ እንእከበሉ እንታይ ተወሳኺ ምኽንያታት ኣሎ፧

ስለምንታይ ኵላትና ንእከብ፧

14. የሆዋን የሱስን ዓባይ ፍቕሪ ዘርኣዩና ብኸመይ እዮም፧

14 የሆዋን የሱስን ፍቕሮም ስለ ዘርኣዩና፡ ነመስግን ኢና። የሆዋ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ብብዙሕ መገድታት ኣርእዩ እዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ጸብለል ዚብል ሓደ መገዲ ግና ኣሎ። ኣምላኽና ነቲ ዚፈትዎ ወዱ ምእንታና ኺስቀን ኪመውትን ብምልኣኽ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ እታ ንጽህቲ ፍቕሩ ኣርእዩና እዩ። (ዮሃ. 3:16) የሱስ እውን ብፍታዉ ህይወቱ ምእንታና ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ዓባይ ፍቕሩ ገሊጹልና እዩ። (ዮሃ. 15:13) ነቲ የሆዋን የሱስን ዘርኣዩና ፍቕሪ፡ ውሬታ ኽንመልስ ፈጺምና ኸም ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። ብመዓልታዊ ኣነባብራና ግና ምስጋናና ኸነርእዮም ንኽእል ኢና። (ቈሎ. 3:15) ኣብቲ በዓል ዝኽሪ እንእከበሉ ሓደ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ንዓና ዘርኣዩና ፍቕሪ ንምዝካርን ንሕና ንዓታቶም ዘሎና ፍቕሪ ንምግላጽን እዩ።

15. እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን ነቲ ውህበት በጃ ኣዝዮም ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ስለምንታይ እዮም፧

15 ነቲ ውህበት በጃ ኣዚና ኢና እነኽብሮ። (ማቴ. 20:28) እቶም ቅቡኣት ነቲ በጃ ኣኽቢሮም ይርእይዎ እዮም፣ ምኽንያቱ፡ ነቲ ዜደንቕ ተስፋኦም ኪረኽቡ ዝኸኣሉ ሳላኡ እዩ። ኣብ መስዋእቲ ክርስቶስ እምነት ስለ ዘለዎም፡ የሆዋ ኣጽዲቕዎምን ውሉዳቱ ገይርዎምን እዩ። (ሮሜ 5:1፣ 8:15-17, 23) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ እውን ነቲ በጃ የመስግኑሉ እዮም። ብመሰረት እቲ ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ዘለዎም እምነት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ኪዀኑን ንዕኡ ቕዱስ ኣገልግሎት ኬቕርቡሉን “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ኺወጹን ይኽእሉ እዮም። (ራእ. 7:13-15) ሓደ ኻብቲ እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን ነቲ በጃ ዘለዎም ምስጋና ዚገልጹሉ መገዲ ኸኣ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ዚብዓል በዓል ዝኽሪ ብምእካብ እዩ።

16. ኣብቲ በዓል ዝኽሪ እንእከበሉ ኻልእ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

16 ኣብቲ በዓል ዝኽሪ እንእከበሉ ኻልእ ምኽንያት፡ ንየሱስ ክንእዘዞ ስለ እንደሊ እዩ። ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ተስፋ ኣየናይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ነቲ የሱስ በታ በዓል ዝኽሪ ዘቘመላ ምሸት፡ “እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ” ኢሉ ዝሃቦ ትእዛዝ ነፍሲ ወከፍና ኽንሕልዎ ንደሊ ኢና።—1 ቈረ. 11:23, 24

ብኸመይ ኢና ዅላትና ኻብቲ በዓል ዝኽሪ እንጥቀም፧

17. በዓል ዝኽሪ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

17 ንየሆዋ ብዝያዳ ንቐርቦ። (ያእ. 4:8) ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ እቲ በዓል ዝኽሪ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃበና ተስፋ ኽንሓስብን ብዛዕባ እታ ዘርኣየና ዓባይ ፍቕሩ ኸነስተንትንን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። (ኤር. 29:11፣ 1 ዮሃ. 4:8-10) ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ርግጽ ተስፋን ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ነባሪ ፍቕርን ከነስተንትነሉ ኸለና፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ትዓምቝ፡ ምስኡ ዘሎና ርክብ እውን ይድልድል እዩ።—ሮሜ 8:38, 39

18. ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ምስትንታን እንታይ ክንገብር እዩ ዚድርኸና፧

18 ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ንድረኽ። (1 ጴጥ. 2:21) ቅድሚ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘሎ መዓልትታት፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ናይ መወዳእታ ሰሙንን ብዛዕባ ሞቱን ብዛዕባ ትንሳኤኡን ዚገልጽ ዛንታታት ነተኵር ኢና። ኣብታ በዓል ዝኽሪ ዚብዓለላ ምሸት ከኣ፡ እቲ ሽዑ ዚቐርብ መደረ ነቲ የሱስ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ የዘኻኽረና እዩ። (ኤፌ. 5:2፣ 1 ዮሃ. 3:16) ብዛዕባ እቲ የሱስ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ዝሓደገልና ኣብነት ከነንብብን ነዚ ኸነስተንትነሉን ከለና፡ ‘ከምቲ ንሱ እተመላለሶ ጌርና ኽንመላለስ’ ግዴታ ይስምዓና እዩ።—1 ዮሃ. 2:6

19. ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ እንኽእል፧

19 ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ ዝያዳ ቘራጽነት ነሕድር። (ይሁ. 20, 21) ንኣምላኽ እዙዛት ንምዃን ዚከኣለና ብምግባርን ስሙ ብምቕዳስን ንልቡ ብምሕጓስን፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኽንጸንዕ ንኽእል ኢና። (ምሳ. 27:11፣ ማቴ. 6:9፣ 1 ዮሃ. 5:3) በዓል ዝኽሪ ኸኣ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንየሆዋ፡ ‘ንዘለኣለም ኣብ ፍቕርኻ ጸኒዐ ኽነብር እደሊ እየ’ ብዚብል መገዲ ኽንመላለስ ብዝያዳ ኽንቈርጽ ይድርኸና እዩ።

20. ኣብ በዓል ዝኽሪ ንምእካብ እንታይ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና፧

20 ተስፋና ንዘለኣለም ኣብ ሰማይ ምንባር ይኹን ወይ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ንምእካብ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። ኣብ ዓዓመት ኣብታ ዕለት እቲኣ ኽንእከብ ከለና፡ ሞት እቲ እነፍቅሮ የሱስ ክርስቶስ ኢና እንዝክር። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነታ ዝዓበየት መግለጺት ፍቕሪ፡ ማለት ነታ የሆዋ ንወዱ በጃ ኪኸውን ብምሃብ ዘርኣየና ፍቕሪ ኢና እንዝክር። ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ በዓል ዝኽሪ ዓርቢ 15 ሚያዝያ 2022 ምስ መሰየ ኺብዓል እዩ። ንየሆዋን ንወዱን ነፍቅሮም ኢና። ስለዚ፡ ኣብታ የሱስ ዝሞተላ ዕለት፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ኻብ ምእካብ ንላዕሊ ዜገድስ ነገር ኣይህልወናን እዩ።

መዝሙር 16 ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ

^ ተስፋና ኣብ ሰማይ ምንባር ይኹን ወይ ኣብ ገነታዊት ምድሪ፡ ዓመት ዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ ንምእካብ ንህንጠ ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብኡ ስለምንታይ ከም እንእከብ ዚሕብር ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ክንምርምር፡ ከምኡ ብምግባር እውን ብኸመይ ከም እንጥቀም ክንርኢ ኢና።

^ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳንን ብዛዕባ ኪዳን መንግስትን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2014 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 15-17 ዝወጸት፡ “‘መንግስቲ ኻህናት’ ክትኰኑ ኢኹም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ መግለጺ ቓላት፦ እቲ ተረፍ ቅቡኣት ዚብል መጸውዒ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ብህይወት ዘለዉ ዝተረፉ ቕቡኣት ክርስትያናት የመልክት።

^ ብዛዕባ ትንቢት እቲ ኣብ ህዝቅኤል ምዕራፍ 37 ተጠቒሱ ዘሎ ኽልተ ዕንጨይቲ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 130-135፡ ሕ.ጽ. 3-17 ርአ።