ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1

“እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን”

“እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን”

ጥቕሲ ዓመት 2022፦ “እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን።”—መዝ. 34:10

መዝሙር 4 “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

መላለዪ *

ዳዊት ኣብ ኣጸጋሚ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ‘ገለ ጽቡቕ እኳ ኸም ዘይጐደሎ’ እዩ ተሰሚዕዎ (ሕጡብ ጽሑፍ 1-3 ርአ) *

1. ዳዊት ኣብ ምንታይ ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ኣትዩ ነይሩ፧

 ዳዊት ህይወቱ ንምድሓን እዩ ዚሃድም ነይሩ። እቲ ሓያል ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ሳኦል ኪቐትሎ እዩ ሃቂኑ ነይሩ። ዳዊት ዚብላዕ ምስ ደለየ፡ ናብ ከተማ ኖብ ኣተወ እሞ ሓሙሽተ እንጌራ ጥራይ ኪውሃቦ ለመነ። (1 ሳሙ. 21:1, 3) ድሕርዚ፡ ንሱን ሰቡን ኣብ በዓቲ ኪቕመጡ ጀመሩ። (1 ሳሙ. 22:1) እሞ ደኣ ዳዊት ኣብዚ ዅነታት እዚ ብኸመይ እዩ ኣትዩ፧

2. ሳኦል ባዕሉ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ዚኣቱ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (1 ሳሙኤል 23:16, 17)

2 ሳኦል በቲ ዳዊት ዝረኸቦ ተፈታውነትን ኣብ ውግእ ዝረኸቦ ዓወታትን ኣመና ቐኒኡ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነቱ፡ የሆዋ ንዕኡ ኣብ እስራኤል ከይነግስ ከም ዝነዓቖ፡ ንዳዊት እውን ኣብ ዝፋን ኪቕመጥ ከም ዝሓረዮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙኤል 23:16, 17 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና፡ ሳኦል ንጉስ እስራኤል ብምንባሩ፡ ዓብዪ ሰራዊትን ብዙሓት ደገፍትን ነይሮምዎ እዮም፣ ስለዚ፡ ዳዊት ህይወቱ ንምድሓን ኪሃድም ነይርዎ። እሞ ደኣ ሳኦል ምስቲ ኣምላኽ ንዳዊት ዝነበሮ ዕላማ ተቓሊሱ ኼሰንፍ ዚኽእል ድዩ መሲልዎ፧ (ኢሳ. 55:11) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይሕብርን እዩ፣ ብዛዕባ ሓደ ነገር ግና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፦ ሳኦል ባዕሉ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት እዩ ዚኣቱ ነይሩ። እቶም ምስ ኣምላኽ ዚዋግኡ፡ ወትሩ እዮም ዚስዓሩ!

3. ዳዊት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ክነሱ፡ ስምዒቱ ኸመይ እዩ ነይሩ፧

3 ዳዊት ህርፋን ስልጣን ዘለዎ ሰብ ኣይነበረን። ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ይደሊ ኣይነበረን። የሆዋ እዩ ነቲ ስልጣን እቲ ሂብዎ። (1 ሳሙ. 16:1, 12, 13) ዝዀነ ዀይኑ፡ ሳኦል ንዳዊት ከም ጸላኢኡ ገይሩ ረኣዮ። ዳዊት ግና በቲ ዘጋጠሞ ጸገም ንየሆዋ ኣይወቐሶን፣ ምግቢ ስለ ዝወሓዶን ኣብ በዓቲ ይነብር ስለ ዝነበረን እውን ኣየማረረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣብቲ በዓቲ እቲ ተሓቢኡ ኸሎ እዩ ዚኸውን ነዚ ኣብዛ ቐንዲ ጥቕስና ዘሎ ዚስዕብ ቃላት ዝሓዘት ጽብቕቲ መዝሙር ዝጸሓፈ፦ “እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን።”—መዝ. 34:10

4. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

4 ሎሚ ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ሕጽረት ምግብን ሕጽረት ካልእ መሰረታዊ ነገራትን ኣጓኒፍዎም እዩ። * እዚ ጸገም እዚ፡ ምናዳ ኣብዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ለበዳ ተራእዩ እዩ። እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” የንጸላሉ ስለ ዘሎ ድማ፡ ዝበኣሰ ጸገማት ኬጋጥመና ንጽበ ኢና። (ማቴ. 24:21) ነዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ንዚስዕብ ኣርባዕተ ሕቶታት እስከ መልሲ ንርከበሉ፦ ንዳዊት ‘ገለ ጽቡቕ እኳ ዘይጐደሎ’ ብኸመይ እዩ፧ ስለምንታይ ኢና ብዘሎና ኽንዓግብ ዚግባእ፧ የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ንመጻኢኸ ብኸመይ ኢና ኽንዳሎ እንኽእል፧

“ዚጐድለኒ የብለይን”

5-6. ዳዊት፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ “ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኸም ዝነበረ ንምርዳእ መዝሙር 23:1-6 ብኸመይ ትሕግዘና፧

5 ዳዊት፡ ኣገልገልቲ የሆዋ “ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ነቲ ኣብ መበል 23 መዝሙር ዚርከብ ተመሳሳሊ ቓላት ብምምርማር፡ ነዚ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 23:1-6 ኣንብብ።) ዳዊት ኣብ መጀመርታ እታ መዝሙር፡ “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ። ዚጐድለኒ የብለይን” ኢሉ እዩ ዘሚሩ። ኣብ ዝተረፈ ኽፋል እታ መዝሙር ድማ፡ ብሓቂ ነባሪ ዋጋ ዘለዎ ነገራት፡ ማለት ንየሆዋ ኸም ጓሳዪኡ ብምቕባሉ ዚረኽቦ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት እዩ ጠቒሱ ዘሎ። ኣብኡ ኸኣ፡ የሆዋ “ብመገድታት ጽድቂ” ኸም ዚመርሖ፡ ኣብ ጽቡቕ ግዜን ኣብ ሕማቕ ግዜን ንዳዊት ብተኣማንነት ከም ዚድግፎ ተገሊጹ ኣሎ። ብዘይካዚ ዳዊት፡ እቲ ኣብ “ልሙዕ መጓሰዪ” የሆዋ ዚህልዎ ህይወት ካብ ጸገም ናጻ ኸም ዘይከውን ገሊጹ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ “ብርቱዕ ጽላሎት ብዘለዎ ስንጭሮ” ኸም ዚኸይድ፡ ማለት ከም ዚጕሂ፡ ጸላእቲ እውን ከም ዚህልውዎ ሓቢሩ እዩ። የሆዋ ጓሳዪኡ ብምዃኑ ግና፡ “ከይጕዳእ” ኣይፈርሀን።

6 ስለዚ፡ ነታ ‘ንዳዊት “ገለ ጽቡቕ እኳ ዘይጐደሎ” ብኸመይ እዩ፧’ እትብል ቐዳመይቲ ሕቶና መልሲ ረኺብናላ ኣለና። ብመንፈሳዊ መዳይ፡ ዜድልዮ ዅሉ ተማሊኡሉ እዩ። ሓጐሱ ኣብ ስጋዊ ነገራት እተመርኰሰ ኣይነበረን። ዳዊት በቲ የሆዋ ዝሃቦ ዕጉብ እዩ ነይሩ። ንዕኡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድሶ ዝነበረ፡ እቲ ኻብ ኣምላኹ ዚረኽቦ በረኸትን ዕቝባን እዩ ነይሩ።

7. ብመሰረት ሉቃስ 21:20-24፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ ኣጸጋሚ ዅነታት እዮም ኪሰግሩ ዝነበሮም፧

7 ካብ ቃላት ዳዊት፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዝ ዘለዎ ኣገዳስነት ክንርኢ ንኽእል ኢና። በቲ ዘሎና ስጋዊ ነገራት ባህ ዚብለና እኳ እንተ ዀነ፡ ህይወትና ግና ኣብኡ ኸም ዜተኵር ክንገብር የብልናን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ እዚ ኺርድእዎ ነይርዎም። (ሉቃስ 21:20-24 ኣንብብ።) የሱስ ንዓታቶም፡ ከተማ የሩሳሌም ‘ብሰራዊት ከም እትኽበብ’ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። ከምኡ ምስ ኰነ፡ ‘ናብ ኣኽራን ኪሃድሙ’ ነይርዎም። ብምህዳሞም ህይወቶም እዮም ዜድሕኑ፣ ኰይኑ ግና፡ ከቢድ ዋጋ እዮም ዚኸፍሉ። ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ግምቢ ዘብዐኛ ነዚ ጕዳይ እዚ በዚ ኸምዚ ገሊጻቶ ነይራ፦ “ግራውቶምን ኣባይቶምን ገዲፎም፡ ንብረቶም እውን ከይተረፈ ከይኣከቡ ወጹ። ዕቝባን ደገፍን የሆዋ ከም ዝረኽቡ ተኣማሚኖም፡ ንኣምልኾኡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ኣድላዪ ዝመስል ነገራት ቀዳምነት ሃብዎ።”

8. ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዘጋጠሞም ነገር፡ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

8 ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዘጋጠሞም ነገር፡ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ እዛ ዝጠቐስናያ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ትብል፦ “ንንዋታዊ ነገራት ብኸመይ ከም እንርእዮ ኣብ ቅድሜና ፈተና ክህሉ ይኽእል ኢዩ፣ እቲ ንዋታዊ ነገራት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘድሊ ድዩ፡ ወይስ እቲ ንዅሎም ብወገን ኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት ዝወሃብ ድሕነት ኢዩ ዝያዳ ኣገዳሲ፧ እወ፡ ምህዳምና ገለ ዓይነት ጸገማትን ሕድገታትን ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ካብ ይሁዳ ናብ ጴርያ ዝሃደሙ፡ ዝዀነ ይኹን ኣገዳሲ ስጕምቲ ንምውሳድ ድልዋት ምዃን ከድልየና ኢዩ።” *

9. ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ዝሃቦ ምኽሪ እንታይ መተባብዒ ኢና እንረክብ፧

9 እቶም ክርስትያናት ንዅሉ እቲ ዘጥረይዎ ሓዲጎም ካብ ዜሮ ኺጅምሩ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘጸገሞም ክትግምቶዶ ትኽእል፧ የሆዋ ነቲ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ከም ዜማልኣሎም ርግጸኛታት ንምዃን፡ እምነት ተድልዮም ነይራ እያ። ኰይኑ ግና፡ ብዘይ ሓገዝ ኣይተሓድጉን። ካብቲ ሮማውያን ንየሩሳሌም ዝኸበቡላ ሓሙሽተ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም እብራውያን ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ጠቓሚ ምኽሪ ሂብዎም እዩ፦ “ንሱ፡ ‘ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ’ ኢሉ እዩ እሞ፡ ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ። ስለዚ፡ ተቢዕና፡ ‘የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ። ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧’ ክንብል ንኽእል ኢና።” (እብ. 13:5, 6) እቶም ቅድሚ ወራር ሮማውያን ነዚ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ልቦም ዘሕደሩ ሰባት፡ ነቲ ኣብቲ ዝኸድዎ ዓዲ ዚነብርዎ ዝነበሩ ቐሊል ናብራ ንምልማድ ኣይተሸገሩን። የሆዋ ነቲ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ከም ዜማልኣሎም ርግጸኛታት እዮም ነይሮም። እዚ ቓላት ጳውሎስ፡ ንሕና እውን ተመሳሳሊ እምንቶ ኸነሕድር ከም እንኽእል የረጋግጸልና እዩ።

“በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና”

10. እንታይ “ምስጢር” እዩ ጳውሎስ ኣካፊሉና፧

10 ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ብእኡ ኣቢሉ እውን ንዅልና፡ ተመሳሳሊ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። ኣብኡ ድማ፡ “ምግብን ክዳንን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኸውን ኢና” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጢሞ. 6:8) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ጥዑም ምግቢ ኸነስተማቕር፡ ጽቡቕ መንበሪ ኺህልወና፡ ወይ ሓሓሊፍና ሓድሽ ክዳውንቲ ኽንዕድግ የብልናን ማለት ድዩ፧ ጳውሎስ ከምኡ ኣይኰነን ዚብል ነይሩ። የግዳስ፡ በቲ ዘሎና ስጋዊ ነገራት ክንዓግብ ከም ዘሎና እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ፊል. 4:12) ጳውሎስ ነዚ “ምስጢር” እዚ እዩ ፈሊጡ ነይሩ። ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርና እንርእዮ ጥሪትና፡ እንውንኖ ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ።—ኣን. 3:17, 18

እስራኤላውያን ኣብቲ ኣብ በረኻ ዝነበሩሉ 40 ዓመት ‘ገለ እኳ ኣይጐደሎምን።’ ንሕናኸ በቲ ዘሎና ኽንዓግብ ንኽእል ዲና፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ) *

11. ካብቲ ሙሴ ንእስራኤላውያን እተዛረቦም ቃላት፡ በቲ ዘሎና ብዛዕባ ምዕጋብ እንታይ ንምሃር፧

11 ብዛዕባ እቲ ዜድልየና ነገራት፡ ኣብ መንጎ ኣረኣእያናን ኣብ መንጎ ኣረኣእያ የሆዋን ፍልልይ ኪህሉ ይኽእል እዩ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ 40 ዓመት ኰለል ድሕሪ ምባሎም፡ ሙሴ ኸምዚ እዩ ኢልዎም፦ “የሆዋ ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እቲ ዝገበርካዮ ባሪኹካ ኣሎ። በዚ ዓብዪ በረኻ እዚ ምኻድካ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። እዘን 40 ዓመት እዚአን የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ፡ ገለ እኳ ኣይጐደለካን።” (ዘዳ. 2:7) ኣብተን 40 ዓመት፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዚበልዕዎ ማና ሂብዎም እዩ። እቲ ኻብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ እተኸድንዎ ኽዳውንቲ ኣይበለየን። (ዘዳ. 8:3, 4) ገሊኦም እዚ እኹል ከም ዘይኰነ ገይሮም እኳ እንተ ረኣዩ፡ ሙሴ ግና ንእስራኤላውያን ዜድልዮም ዘበለ ዅሉ ኸም ዝረኸቡ ሓቢርዎም እዩ። በቲ ዘሎና እንዓግብ እንተ ዄንና፡ ማለት ነቲ ዚውሃበና ቐሊል ነገራት እነማስወሉ፡ ከም በረኸት ጌርና ብምርኣይ እውን እነመስግን እንተ ዄንና፡ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ።

የሆዋ ኸም ዚሓልየልካ እመን

12. ዳዊት ኣብ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሆዋ ይውከል ከም ዝነበረ ብኸመይ ንፈልጥ፧

12 የሆዋ እሙን ከም ዝዀነ፡ ነቶም ዜፍቅርዎ እውን ኣጸቢቑ ኸም ዚሓልየሎም ዳዊት ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነታ መበል 34 መዝሙር ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን ህይወቱ ኣብ ሓደጋ እኳ እንተ ነበረት፡ ብናይ እምነት ዓይኑ ግና ‘መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያኡ’ ኸም ዝሰፈረ ይርኢ ነይሩ እዩ። (መዝ. 34:7) ምናልባት ዳዊት ንመልኣኽ የሆዋ ምስቶም ወትሩ ጸላኢ ኸይመጽእ ብንቕሓት ዚከታተሉ ኣብ መሮር ዚሰፍሩ ተዋጋእቲ እዩ ዜመሳስሎ ነይሩ። ንሱ ባዕሉ ሓያል ተዋጋኢ እኳ እንተ ነበረ፡ ንጉስ ከም ዚኸውን እውን የሆዋ ቓል ኣትዩሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብቲ እምኒ ንምውንጫፍ ዘለዎ ኽእለት ወይ ኣብቲ ብሰይፉ ንጸላኢ ንምስዓር ዘለዎ ብልሓት ኣይተወከለን። (1 ሳሙ. 16:13፣ 24:12) ኣብ ክንዳኡስ፡ ትውክልቱ ኣብ ኣምላኽ እዩ ነይሩ፣ መልኣኽ የሆዋ ‘ነቶም ዚፈርህዎ ኸም ዜናግፎም’ እዩ ዚኣምን ነይሩ። ልክዕ እዩ፡ ሎሚ ተኣምራዊ ዕቝባ ኺግበረልና ኣይንጽበን ኢና። እንተዀነ ግና፡ ብየሆዋ ዚእመን ዘበለ ዅሉ፡ ንሓዋሩ ጕድኣት ከም ዘይወርዶ ንፈልጥ ኢና።

ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ሓይልታት ጎግ ብዓል ማጎግ ናብ ኣባይትና መጺኦም መጥቃዕቲ ይፍንዉ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ የሱስን መላእኽቱን ነቲ ሽዑ ዚኸውን ስለ ዚፈልጥዎ፡ ንዓና እውን ስለ ዚከላኸሉልና፡ በዚ ንጸናናዕ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)

13. ጎግ ብዓል ማጎግ ኣብ ዜጥቅዓሉ እዋን ስለምንታይ ኢና መከላኸሊ ዘይብልና እንመስል፧ ግናኸ እንታይ ዜተኣማመን ምኽንያት እዩ ኺህልወና፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

13 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ እቲ ኻብ የሆዋ ኣብ እንረኽቦ ዕቝባ ዘሎና ትውክልቲ ኺፍተን እዩ። እቲ ንዝሰመሩ ኣህዛብ ዜመልክት ጎግ ብዓል ማጎግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ምስ ፈነወ፡ ህይወትና ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ኺመስል እዩ። የሆዋ ኼድሕነና ኸም ዚኽእልን ብርግጽ እውን ከም ዜናግፈናን ክንኣምን ኣሎና። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣህዛብ፡ መከላኸሊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ መሲልና ኽንርአ ኢና። (ህዝ. 38:10-12) ንውግእ ዚኸውን ዕጥቅን ስልጠናን ኣይኪህልወናን እዩ። ኣህዛብ ከኣ ብቐሊሉ ኼጥፍኡና ኸም ዚኽእሉ ኺመስሎም እዩ። ነቲ ብናይ እምነት ኣዒንትና እንርእዮ፡ ማለት ነቶም ኪከላኸሉልና ኢሎም ኣብ ዙርያ ህዝቢ ኣምላኽ ዚሰፍሩ ጭፍራ መላእኽቲ ኣይኪርእይዎምን እዮም። ከመይ ገይሮምከ ኺርእይዎም፧ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕዉራት እዮም። እቶም ሰማያውያን ሰራዊት ንዓና ኺረድኡና ምስ ጀመሩ፡ ንኣህዛብ ዘይተጸበይዎ ድቦላ እዩ ኪዀኖም!—ራእ. 19:11, 14, 15

ሕጂ ንመጻኢ ተዳሎ

14. ንመጻኢ ንምድላው፡ ሕጂ እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧

14 ንመጻኢ ንምድላው፡ ሕጂ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ቅድም ቀዳድም፡ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ግቡእ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ኣሎና፣ ስለምንታይሲ፡ ሓደ መዓልቲ ነዚ ዘሎና ዅሉ ንምጥንጣን ክንግደድ ኢና። ብዘይካዚ፡ በቲ ዘሎና ዕጉባት ክንከውን፡ ካብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ እውን ዓብዪ ሓጐስ ክንረክብ ኣሎና። ንኣምላኽና ብዝያዳ ብዝፈለጥናዮ መጠን፡ ጎግ ብዓል ማጎግ ኣብ ዜጥቅዓሉ እዋን ንሱ ኸም ዜዕቍበና ዝያዳ እምንቶ ነሕድር ኢና።

15. ዳዊት ብግዜ ንእስነቱ ብየሆዋ ኺእመን ከም ዚኽእል ዝመሃሮ እንታይ ተመክሮታት እዩ ኣሕሊፉ፧

15 ንዳዊት እንታይ ተወሳኺ ነገራት ከም ዝሓገዞ፡ ንዓና እውን ንፈተናታት ንምድላው እንታይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል እስከ ንርአ። ዳዊት፡ “የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን፣ ኣብኡ ዚምዕቈብ ሰብ ሕጉስ እዩ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 34:8) እዘን ቃላት እዚአን፡ ዳዊት ኣብ ደገፍ የሆዋ ዘተኣማመኖ ምኽንያት ይሕብራና እየን። ዳዊት ብዙሕ ግዜ ናብ የሆዋ ተጸጊዑ እዩ፣ ኣምላኹ እውን ፈጺሙ ኣየሕፈሮን። ገና ብንእስነቱ ምስቲ ጐልያድ ዚብሃል ዓርሞሸሽ ፍልስጥኤማዊ ኣብ ዝገጠመሉ እዋን፡ ነቲ ሓያል ተዋጋኢ፡ “በዛ መዓልቲ እዚኣ የሆዋ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” ኢልዎ እዩ። (1 ሳሙ. 17:46) ድሕርዚ፡ ንንጉስ ሳኦል ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ሳኦል ብተደጋጋሚ ኪቐትሎ ፈቲኑ እዩ። ‘የሆዋ ግና ምስ ዳዊት ነበረ።’ (1 ሳሙ. 18:12) ዳዊት ኣብ ሕሉፍ ህይወቱ ሓገዝ የሆዋ ስለ ዝረኣየ፡ ኣብቲ ድሕሪኡ ዜጋጥሞ ፈተናታቱ እውን ብእኡ ኺእመን ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

16. የሆዋ “ሕያዋይ” ምዃኑ ብምንታይ ግብራዊ መገድታት ኢና ኽንጥዕሞ እንኽእል፧

16 መምርሒ ንምርካብ ናብ የሆዋ ብእተጸጋዕና መጠን፡ ኣብ መጻኢ ኸም ዜድሕነና ዝያዳ እምንቶ ኢና እነሕድር። ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ምእንቲ ኽንእከብ ኢልና ንኣስራሒና ፍቓድ ዕረፍቲ ንምሕታት ወይ ኣብ ኵሉ ሰሙናዊ ኣኼባታት ምእንቲ ኽንእከብን ንኣገልግሎት ግዜ ምእንቲ ኽንረክብን ኢልና እንሰርሓሉ ሰዓታት ኪዕረየልና ንምሕታት፡ ኣብ የሆዋ ንምውካል ዜኽእል እምነትን ፍቓደኛነትን የድልየና እዩ። ኣስራሒና ነቲ ዘቕረበናሉ ሕቶ ነጺጉ ኻብ ስራሕና ኼባርረና ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓድገና ወይ ከም ዘይጥንጥነና፡ ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት እውን ወትሩ ኸም ዚህበና ንኣምን ዲና፧ (እብ. 13:5) ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት፡ የሆዋ ኣብ እዋን ጸገሞም ከም ዝደገፎም ዜርኢ ተመክሮታት ኬዘንትዉ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ እሙን እዩ።

17. ጥቕሲ ዓመት 2022 እንታይ ትብል፧ ግብእቲ ዝዀነትከ ስለምንታይ እያ፧

17 የሆዋ ኣብ ጐድንና ኻብ ኰነ፡ ንመጻኢ እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን። ንኣምላኽና ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክሳዕ ዝሃብናዮ፡ ንሱ ኸቶ ኣይኪጥንጥነናን እዩ። ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ኣጸጋሚ እዋን ሕጂ ኽንዳሎ ኸም ዘሎና፡ የሆዋ እውን ከቶ ኸም ዘይጥንጥነና ንምዝኽኻር፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ንመዝሙር 34:10 ጥቕሲ ዓመት 2022 ገይሩ ሓርይዋ ኣሎ፣ እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን።”

መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ

^ ጥቕሲ ዓመት 2022 ካብ መዝሙር 34:10 እተወስደት ኰይና፡ “እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን” ትብል። ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ብስጋዊ መዳይ ብዙሕ የብሎምን። ከመይ ጌርካ ደኣ እዩ “ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን” ኪብሃል ዚከኣል፧ እዛ ፍቕዲ እዚኣ ሒዛቶ ዘላ ትርጉም ምርዳእ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ኣጸጋሚ እዋን ክንዳሎ ዚሕግዘናኸ ብኸመይ እዩ፧

^ ኣብ ናይ 15 መስከረም 2014 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

^ ናይ 1 ግንቦት 1999 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19 ርአ።

^ መግለጺ ስእሊ፦ ዳዊት ካብ ንጉስ ሳኦል ሃዲሙ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ፡ ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ነገራት የማስወሉ ነይሩ እዩ።

^ መግለጺ ስእሊ፦ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ የሆዋ ዚበልዕዎ ማና ሃቦም፣ ኣብቲ በረኻ እውን ክዳውንቶም ኣይበለየን።