ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3

ካብ ንብዓት የሱስ እንምሃሮ ትምህርቲ

ካብ ንብዓት የሱስ እንምሃሮ ትምህርቲ

“የሱስ ነብዐ።”—ዮሃ. 11:35

መዝሙር 17 “እደሊ እየ”

መላለዪ *

1-3. እንታይ ጸገማት እዩ ንህዝቢ የሆዋ ኸም ዚነብዑ ኺገብሮም ዚኽእል፧

 ንመወዳእታ ግዜ መዓስ ኢኻ ነቢዕካ፧ ሓሓሊፍና ብሓጐስ ንነብዕ ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ግና፡ ብሰንኪ ጓሂ ልቢ ኢና እንነብዕ። ንኣብነት፡ ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ ንበኪ ኢና። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ሎሪሊ ዝስማ ሓብቲ፡ “ጓለይ ምስኣነይ ዘስዓበለይ ሓዘን ኣዝዩ ብርቱዕ ብምንባሩ፡ ዋላ ሓንቲ ኼጸናንዓኒ ዘይክእል ዚመስለኒ እዋናት ነይሩ እዩ። ኣብቲ እዋናት እቲ፡ እታ እተሰብረትን እተደቝሰትን ልበይ ብኸመይ ክትወቅዕ ከም ዝኸኣለት ይገርመኒ ነይሩ” ትብል። *

2 ብኻልእ ምኽንያታት እውን ንነብዕ ኢና። ሂሮሚ ዝስማ ኣብ ጃፓን እትነብር ፈላሚት ከምዚ ትብል፦ “እቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝረኽቦም ሰባት ዘይግደሱ ብምዃኖም፡ ሓሓሊፉ የጕህየኒ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንብዓት ቅጽርጽር እናበለኒ፡ ንሓቂ ዚደሊ ሰብ ክረክብ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ንየሆዋ እልምኖ እየ።”

3 ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ስምዒታት ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ብዙሓት ከምኡ ይስምዖም እዩ። (1 ጴጥ. 5:9) ‘ንየሆዋ ብሓጐስ ከነገልግሎ’ ንደሊ ኢና፣ ነቲ ንዕኡ ዘሎና ተኣማንነት ዚፍትን ሓዘን፡ ጓሂ፡ ወይ ጭንቂ ስለ ዜጋጥመና ግና፡ ብንብዓት ነገልግሎ ንኸውን። (መዝ. 6:6፣ 100:2) በዚ ስምዒታት እዚ ኽንውሓጥ ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

4 ካብ የሱስ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ብብርቱዕ ስምዒት ተደሪኹ ‘ነቢዑ’ እዩ። (ዮሃ. 11:35፣ ሉቃ. 19:41፣ 22:44፣ እብ. 5:7) ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ እስከ ንመርምሮ። ከምኡ ኽንገብር ከለና፡ ካብኡ እንምሃሮ ትምህርቲ ኽንርኢ ኢና። ነቲ ኸም እንነብዕ ዚገብረና ጸገማት ብኸመይ ከም እንኽእሎ ዚሕግዝ ግብራዊ መገድታት እውን ክንርኢ ኢና።

ምእንቲ ፈተውቱ ነብዐ

ከም የሱስ፡ ንሓዘንተኛታት ደግፎም (ሕጡብ ጽሑፍ 5-9 ርአ) *

5. ካብቲ ኣብ ዮሃንስ 11:32-36 ዚርከብ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ዛንታ እንታይ ንምሃር፧

5 ኣብ ክረምቲ 32 ድ.ክ.፡ እቲ ንየሱስ ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ዝዀነ ኣልኣዛር ሓሚሙ ሞተ። (ዮሃ. 11:3, 14) ኣልኣዛር፡ ማርያምን ማርታን ዚብሃላ ኽልተ ኣሓት ነበራኦ፣ የሱስ ከኣ ነዞም ስድራ ቤት ብዙሕ ይፈትዎም ነበረ። እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሞት ዚፈትዋኦ ሓወን ብዙሕ እየን ሓዚነን። ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ የሱስ ናብታ ማርያምን ማርታን ዚነብራላ ቍሸት ቢታንያ ኸደ። የሱስ ይመጽእ ከም ዘሎ ማርታ ምስ ሰምዐት፡ ክትረኽቦ ተቐላጢፋ ወጸት። ሽዑ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ” ኽትብሎ ኸላ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተደፋነቐት እሞ ሕሰቦ። (ዮሃ. 11:21) ደድሕርዚ ኸኣ፡ የሱስ፡ ማርያምን ካልኦትን ኪበኽዩ ምስ ረኣየ፡ “ነብዐ።”—ዮሃንስ 11:32-36 ኣንብብ።

6. ስለምንታይ እዩ የሱስ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ነቢዑ፧

6 ስለምንታይ እዩ የሱስ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ነቢዑ፧ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ከምዚ ኢሉ ይምልስ፦ “የሱስ ብሰንኪ ሞት ዓርኩ ኣልኣዛርን ብሰንኪ እቲ እዚ ንኣሓት ኣልኣዛር ዘስዓበለን ሓዘንን ‘ብውሽጡ እህህ ኢሉን ነቢዑን’ እዩ።” * የሱስ ብዛዕባ እቲ ዓርኩ ኣልኣዛር ምስ ሓመመ ዘሕለፎ ስቓይ ይሓስብ ነይሩ ይኸውን፡ ነቲ ኣልኣዛር ኪመውት ከሎ እተሰምዖ ስምዒት እውን ብኣእምሮኡ ስኢልዎ ይኸውን። ማርያምን ማርታን ብሞት ሓወን ኪሓዝና ምርኣዩ እውን ከም ዚነብዕ ገይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ናይ ቀረባ ፈታዊኻ ወይ ኣባል ስድራ ቤትካ እንተ ሞይቱካ፡ ተመሳሳሊ ስምዒታት ተሰሚዑካ ኪኸውን ኣለዎ። ካብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኽንምሃሮ እንኽእል ሰለስተ ትምህርቲ እስከ ንርአ።

7. ካብቲ የሱስ ንፈተውቱ ዝነብዓሎም ንብዓት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ንምሃር፧

7 የሆዋ ኸመይ ከም ዚስምዓካ ይርድኦ እዩ። የሱስ “ልክዕ ምስሊ” ኣቦኡ እዩ። (እብ. 1:3) የሱስ ኪነብዕ ከሎ፡ ስምዒት ኣቦኡ እዩ ኣንጸባሪቑ። (ዮሃ. 14:9) ብሞት እትፈትዎ ሰብካ ዝሓዘንካ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ንሓዘንካ የስተብህለሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስቓይካ እውን ኣጸቢቑ ይስምዖ እዩ። ነቲ እተሰብረ ልብኻ ኼሕውዮ ይደሊ እዩ።—መዝ. 34:18፣ 147:3

8. የሱስ ንዝሞቱ ሰብና ኸም ዜተንስኦም ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

8 የሱስ ንዝሞቱ ሰብካ ኼተንስኦም ይደሊ እዩ። የሱስ ቀቅድሚ ምንባዑ፡ ንማርታ፡ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ኢሉ ኣረጋጊጹላ እዩ። ማርታ እውን ንየሱስ ኣሚናቶ እያ። (ዮሃ. 11:23-27) ማርታ እምንቲ ኣምላኺት የሆዋ ብምንባራ፡ ነቲ ዘመናት ኣቐዲሙ ነብዪ ኤልያስን ነብዪ ኤልሳእን ዝገበርዎ ትንሳኤ ትፈልጦ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። (1 ነገ. 17:17-24፣ 2 ነገ. 4:32-37) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝገበሮ ትንሳኤ ሰሚዓ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። (ሉቃ. 7:11-15፣ 8:41, 42, 49-56) ንስኻ እውን ንዝሞቱ ሰብካ ዳግም ከም እትርእዮም ክትኣምን ትኽእል ኢኻ። የሱስ ነተን ብሓዘን እተደቝሳ ፈተውቱ ኼጸናንዕ ከሎ ምንባዑ፡ ንምዉታት ኬተንስኦም ሃረር ከም ዚብል መርትዖ ይዀነና እዩ።

9. ከም የሱስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ንሓዘንተኛታት ክትድግፎም እትኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

9 ንሓዘንተኛታት ክትድግፎም ትኽእል ኢኻ። የሱስ ምስ ማርታን ምስ ማርያምን ኣብ ርእሲ ምንባዑ፡ ኪዛረባ ኸለዋ ሰሚዕወን፡ ብዘረባኡ እውን ኣጸናኒዕወን እዩ። ንሕና እውን ንሓዘንተኛታት ከምኡ ኽንገብረሎም ንኽእል ኢና። ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ዳን ዚብሃል ሽማግለ ኸምዚ ይብል፦ “ሰበይተይ ምስ ሞተት፡ ደገፍ ኣድልዩኒ ነይሩ። ብዙሓት ሰብ ሓዳር መዓልቲ ዀነ ለይቲ ኺሰምዑኒ ድሉዋት እዮም ነይሮም። ሓዘነይ ክገልጽ ይፈቕዱለይ ነይሮም፣ ብንብዓተይ እውን ኣይሓፈሩን። ብዘይካዚ፡ ከም ማኪና ምሕጻብ፡ ኣስቤዛ ምዕዳግ፡ ምግቢ ምኽሻን ዝኣመሰለ ገሊኡ ዋኒነይ ክገብር ዘይክእል ኰይኑ ኣብ እተሰምዓኒ እዋን፡ ግብራዊ ሓገዝ ሂቦምኒ እዮም። ብዙሕ ሳዕ ምሳይ ጸልዮም እዮም። ናይ ሓቂ ፈተውትን ‘ንግዜ ጭንቂ እተወልዱ’ ኣሕዋትን ምዃኖም ኣርእዮም እዮም።”—ምሳ. 17:17

ምእንቲ ብጾቱ ሰባት ነብዐ

10. ነቲ ኣብ ሉቃስ 19:36-40 እተመዝገበ ኣጋጣሚ ግለጾ።

10 ብ9 ኒሳን 33 ድ.ክ.፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም በጽሐ። ናብታ ኸተማ ኪቐርብ ከሎ፡ ህዝቢ ተኣከበ፡ ገሊኦም ከኣ ንዕኡ ኸም ንጉሶም ከም እተቐበልዎ ንምግላጽ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። እዚ ብርግጽ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 19:36-40 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገር፡ ዘይተጸበይዎ ኰይንዎም ይኸውን። እቲ ዛንታ፡ “[የሱስ] ምስ ቀረበ፡ ነታ ኸተማ ረኣያ እሞ፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ” ይብል። እናነብዐ ኸኣ፡ ንነበርቲ የሩሳሌም ዚጽበዮም ሕማቕ ነገር ተነበየ።—ሉቃ. 19:41-44

11. ስለምንታይ እዩ የሱስ ንነበርቲ የሩሳሌም በኽዩሎም፧

11 የሱስ ልቡ ዝጐሃየ፡ ደቂ ዓዱ ጽቡቕ ኣቀባብላ እኳ እንተ ገበሩሉ፡ ብሓፈሻ ግና ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይቅበሉ ስለ ዝፈለጠ እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ የሩሳሌም ከም እትጠፍእ፡ ካብ ጥፍኣት እታ ኸተማ ዝደሓኑ ኣይሁድ ከኣ ናብ ምርኮ ኸም ዚውሰዱ እዩ ተነብዩ። (ሉቃ. 21:20-24) እቲ ዜሕዝን ከኣ፡ ከምቲ የሱስ እተጸበዮ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ኣይተቐበልዎን። ኣብቲ እትነብረሉ ኸባቢ ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባትከ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምላሽ እዮም ዚህቡ፧ ነቲ ሓቂ ንምምሃር እትገብሮ ጻዕርታት ብዙሓት ብኣወንታዊ ዘይቅበልዎ እንተ ዀይኖም፡ ካብ ንብዓት የሱስ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧ ተወሳኺ ሰለስተ ትምህርቲ እስከ ንርአ።

12. ካብቲ የሱስ ንሰባት ዝነብዓሎም ንብዓት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

12 የሆዋ ንሰባት ይሓልየሎም እዩ። ንብዓት የሱስ፡ የሆዋ ብዛዕባ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዚሓሊ እዩ ዜዘኻኽረና። “ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ ስለ ዘይደሊ” እዩ ኸምኡ ዚስምዖ። (2 ጴጥ. 3:9) ሎሚ ጥቕሚ ርእስና እናሰዋእና ኣብቲ ንልቢ ሰባት በቲ ብስራት ንምትንካይ እንገብሮ ጻዕሪ ጸኒዕና ብምቕጻል፡ ንብጻይና ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 22:39 *

ከም የሱስ፡ ኣብቲ እትምስክረሉ ሰዓታት ምትዕርራይ ግበር (ሕጡብ ጽሑፍ 13-14 ርአ) *

13-14. የሱስ ንሰባት ርሕራሐኡ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ባህርይ እዚኸ ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል፧

13 የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ብትግሃት እዩ ዓይዩ። ኣብ ኵሉ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ንሰባት ብምምሃር፡ ፍቕሩ ኣርእዩ እዩ። (ሉቃ. 19:47, 48) ከምኡ ኺገብር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ የሱስ ንሰባት ይርሕርሓሎም ነይሩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ቃላት የሱስ ኪሰምዑ ይደልዩ ብምንባሮም፡ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን “ምብላዕ ክሳዕ ዚስእኑ” ዀይኖም ነይሮም እዮም። (ማር. 3:20) ብለይቲ ኼዘራርቦ ንዚደሊ ሰብ እውን ፍቓደኛ ይኸውን ነይሩ እዩ፣ ሓደ ግዜ፡ ሓደ ኻብ ሰማዕቱ በቲ ሰዓት እቲ እዩ ዚጥዕሞ ነይሩ። (ዮሃ. 3:1, 2) መብዛሕትኦም እቶም ንየሱስ ዝሰምዕዎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ይዀኑ ኣይነበሩን። ኵሎም እቶም ዝሰምዕዎ ግና ጽቡቕ ምስክርነት ተዋሂብዎም እዩ። ሎሚ፡ ኵሉ ሰብ ነቲ ብስራት ኪሰምዕ ኣጋጣሚ ኽንህብ ንደሊ ኢና። (ግብ. 10:42) ከምኡ ንምግባር፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ኣቀራርባ ኸነዐሪ የድልየና ይኸውን።

14 ዜድሊ ምትዕርራይ ንምግባር ፍቓደኛ ኹን። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እንሳተፈሉ ሰዓታት ዘይንለዋውጥ እንተ ዄንና፡ ነቶም ነቲ ብስራት ዚቕበሉ ኣይንረኽቦምን ንኸውን። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ ማቲልዳ ዝስማ ፈላሚት ከምዚ ትብል፦ “ኣነን ሰብኣየይን ኣብ እተፈላለየ ሰዓታት ኢና ንሰባት ክንከዶም እንጽዕር። ንግሆ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ነገልግል። ምስ ቀተረ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ደገ ስለ ዚወጹ፡ ብዓረብያ ጽሑፋት ነገልግል። ኣጋ ምሸት ከኣ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣባይቶም ንረኽቦም ኢና።” ንዓና ኣብ ዚጥዕመና ሰዓታት ጥራይ ኣብ ክንዲ እነገልግል፡ ሰባት ክንረኽበሉ ኣብ እንኽእል ሰዓታት ንምስባኽ መደባትና ኸነተዓራሪ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ የሆዋ ባህ ከም ዚብሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ብዛዕባ ምርግጋጽ ሓቅነት ኣቦኡ ነብዐ

ከም የሱስ፡ ኣብ ግዜ ጭንቂ ናብ የሆዋ ተማህለል (ሕጡብ ጽሑፍ 15-17 ርአ) *

15. ኣብ ሉቃስ 22:39-44 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ ኣብታ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ለይቲ እንታይ እዩ ዀይኑ፧

15 ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ. ኣጸቢቑ ምስ መሰየ፡ የሱስ ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኸደ። ኣብኡ ድማ ኣብ ልቡ ዘሎ ንየሆዋ ኣፍሰሰሉ። (ሉቃስ 22:39-44 ኣንብብ።) ኣብቲ ኣጸጋሚ ሰዓታት እቲ ኸኣ፡ “ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን፡ . . . ምህለላን ልማኖን ኣቕሪቡ እዩ።” (እብ. 5:7) እሞ ደኣ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ለይቲ ብዛዕባ እንታይ እዩ ጸልዩ፧ ንየሆዋ እሙን ንምዃንን ፍቓዱ ንምግባርን ዜኽእሎ ብርታዐ ኺረክብ እዩ ጸልዩ። የሆዋ ድማ ነቲ ወዱ ዘቕረቦ ልባዊ ጸሎት ሰሚዑ ዜበርትዖ መልኣኽ ለኣኸሉ።

16. የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኺጽሊ ኸሎ ተጨኒቑ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

16 የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኣብ ዝጸለየሉ እዋን በኽዩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ስለምንታይሲ፡ ንኣምላኽ ከም እተጻረፈ ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ፡ እዚ ኣጨኒቕዎ እዩ ነይሩ። ኣመና ዓብዪ ሓላፍነት ተሰኪሙ ምህላዉ፡ ማለት ንምርግጋጽ ሓቅነት ስም ኣቦኡ ዚምልከት ጕዳይ ተሰኪሙ ምህላዉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ንየሆዋ ዘሎካ ተኣማንነት ኪፍትን ዚኽእል ዜጨንቕ ኵነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ካብ ንብዓት የሱስ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧ ተወሳኺ ሰለስተ ትምህርቲ ንርአ።

17. ካብቲ የሆዋ ነቲ የሱስ ዘቕረቦ ልባዊ ጸሎት ዝሃቦ ምላሽ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ንምሃር፧

17 የሆዋ ንምህለላኻ ይሰምዖ እዩ። የሆዋ ነቲ የሱስ ዘቕረቦ ልባዊ ልማኖ ሰሚዕዎ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንየሱስ ብቐንዱ ዘተሓሳሰቦ ጕዳይ፡ ንኣቦኡ እሙን ምዃንን ሓቅነት ስሙ ምርግጋጽን እዩ ነይሩ። ንዓና ብቐንዱ ዜተሓሳስበና ጕዳይ እውን ንየሆዋ እሙን ምዃንን ሓቅነት ስሙ ምርግጋጽን እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ኺሕግዘና እነቕርበሉ ጸሎት መልሲ ኺህበና እዩ።—መዝ. 145:18, 19

18. የሱስ ኺድንግጸልና ዚኽእል ፈታዊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

18 የሱስ ኪድንግጸልካ ይኽእል እዩ። ኪጨንቀና ኸሎ፡ ኪድንግጸልና ኻብ ዚኽእል ፈታዊና እንረኽቦ መጸናንዒ፡ ምናዳ ኸኣ ከም ናትና ዓይነት ፈተናታት ካብ ዘሕለፈ ፈታዊ እንረኽቦ መጸናንዒ ብዙሕ የሐጕሰና እዩ። የሱስ ከምዚ ዓይነት ፈታዊ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ድኻምን ሓገዝ ምድላይን ከመይ ከም ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ኣፈጣጥራና ይርድኦ እዩ፣ “ብግዜኡ” ሓገዝ ከም እንረክብ እውን ይገብር እዩ። (እብ. 4:15, 16) ከምቲ የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኻብ መልኣኽ ሓገዝ እተቐበለ፡ ነቲ የሆዋ ብጽሑፋት፡ ብቪድዮ፡ ብመደረ፡ ብሽማግለ፡ ወይ ብብሱል ፈታዊ ኣቢሉ ዚህበና ሓገዝ ንምቕባል ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።

19. ንኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ዚፍትን ከቢድ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ብርታዐ ኽትረክብ እትኽእል፧ ኣብነት ሃብ።

19 የሆዋ፡ “ሰላም ኣምላኽ” ኪህበካ እዩ። ብኸመይ እዩ የሆዋ ዜበርትዓና፧ ክንጽሊ ኸለና፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ንረክብ ኢና። (ፊል. 4:6, 7) እቲ የሆዋ ዚህቦ ሰላም ከኣ ንልብና የህድኦ፡ ንሓሳባትና እውን የረጋግኦ እዩ። ሉዝ ዝስማ ሓብቲ ነዚ ኣብ ህይወታ ብኸመይ ከም ዝረኣየቶ እስከ ንርአ። ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ብጽምዋ እሳቐ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ እዚ ስምዒት እዚ፡ የሆዋ ኸም ዘየፍቅረኒ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ ገይሩ እዩ። ከምኡ ኼጋጥመኒ ኸሎ ግና፡ ብኡብኡ ስምዒተይ ንየሆዋ እነግሮ እየ። ጸሎት ንስምዒታተይ ክቈጻጸር ኣኽኢሉኒ እዩ።” ካብ ተመክሮኣ ኸም እንርእዮ፡ ብጸሎት ኣቢልና ሰላም ክንረክብ ንኽእል ኢና።

20. ካብ ንብዓት የሱስ እንታይ ትምህርቲ ኢና ረኺብና፧

20 ካብ ንብዓት የሱስ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዜጸናንዕን ግብራውን ትምህርቲ ኽንረክብ ክኢልና ኢና። ንዚሓዝኑ ዘለዉ ፈተውትና ኽንድግፎም፡ ንሕና ሰብና ኺሞተና ኸሎ ኸኣ ብሓገዝ የሆዋን የሱስን ክንተኣማመን መዘኻኸሪ ተዋሂቡና እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ርሕሩሓት ስለ ዝዀኑ፡ ንሕና እውን ብርሕራሐ ኽንሰብኽን ክንምህርን ዜለዓዕል ሓሳብ ተዋሂቡና እዩ። ብተወሳኺ፡ የሆዋን እቲ ፍቑር ወዱን ንስምዒትና ኸም ዚርድኡልና፡ ብድኻምና ኸም ዚድንግጹልና፡ ኪሕግዙና እውን ከም ዚደልዩ ምፍላጥና ኣጸናኒዑና እዩ። እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ” ኢሉ ዘተስፈዎ ዜደንቕ ተስፋ ኽሳዕ ዚፍጽሞ፡ ነዚ እተምሃርናዮ ንተግብሮ።—ራእ. 21:4

መዝሙር 120 ከም ክርስቶስ ልኡማት ንኹን

^ የሱስ ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ብብርቱዕ ስምዒት ተደሪኹ ነቢዑ እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ዝነብዓሉ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ክንምርምር፡ ካብ ንብዓቱ እንምሃሮ ትምህርቲ እውን ክንርኢ ኢና።

^ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ እታ ኣብ ማቴዎስ 22:39 “ብጻይ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንሓደ ናይ ቀረባ ፈታዊ ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት። ምሳኻ ርክብ ንዘለዎ ዝዀነ ሰብ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ።

^ መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ንማርያምን ንማርታን ኣጸናኒዕወን። ንሕና እውን ነቶም ሰቦም ዝሞትዎም ከምኡ ኽንገብረሎም ንኽእል ኢና።

^ መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ንኒቆዲሞስ ብለይቲ ንምምሃር ፍቓደኛ ዀይኑ። ንሕና እውን ንሰባት ኣብ ዚጥዕሞም ሰዓታት ምሳታቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።

^ መግለጺ ስእሊ፦ የሱስ ንየሆዋ እሙን ንምዃን፡ ብርታዐ ኺውሃቦ ጸልዩ። ንሕና እውን ኣብ ትሕቲ ፈተና ኸምኡ ኽንገብር ኣሎና።