ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ታሪኽ ህይወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምንባብ ትፈቱዶ፧

ንግሆ ንግሆ ሓሓደ ታሪኽ ህይወት ዜንብቡ ሰብ ሓዳር ከምዚ ይብሉ፦ “እዚ ታሪኻት እዚ ብዙሕ ሓጐስን ምትብባዕን እዩ ኣምጺኡልና! ንሕና እውን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዅነታት እሙናት ክንከውን ከም እንኽእል ኣዘኻኺሩና እዩ።” ተመሳሳሊ ስምዒት ዘለዋ ሓብቲ ድማ ከምዚ ትብል፦ “እዚ ዅሉ ታሪኽ ህይወት እዚ ዜጸናንዕን ዜለዓዕልን ልቢ ዚትንክን እዩ። ህይወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ዕላማን ትርጉምን ዝመልኦ እዩ። ታሪኾም ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ኽዓዪ የለዓዕለኒ፡ ደቀይ ንየሆዋ ብመገዲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኬገልግልዎ ንምትብባዕ ከኣ ይሕግዘኒ እዩ።”

ትርጉም ዘለዎ ሸቶታት ምእንቲ ኽትስዕብ፡ ድኻምካ ምእንቲ ኸተሰንፍ፡ ከምኡ ድማ ንዜጋጥመካ ኸቢድ ፈተናታት ክብረትካ ሓሊኻ ብሓጐስ ምእንቲ ኽትጻወር፡ ታሪኽ ህይወት ኬለዓዕለካ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧

  • ኣብ jw.org ወይ JW Library®፡ “ታሪኽ ህይወት ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ኣብ ዚብል ዓምዲ ዳህስስ።

  • ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ታሪኽ ህይወት ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ኢልካ ድለ።