ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1

‘ቃል ኣምላኽ ሓቂ’ ምዃኑ እመን

‘ቃል ኣምላኽ ሓቂ’ ምዃኑ እመን

ጥቕሲ ዓመት 2023፦ “ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ።”—መዝ. 119:160

መዝሙር 96 ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ

መላለዪ a

1. ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣምንዎ ስለምንታይ እዮም፧

 ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ዚኣምንዎ ስኢኖም ኣለዉ። ንመን ከም ዚኣምኑ ጠፊእዎም ኣሎ። ነቶም ኣኽቢሮም ዚርእይዎም ፖለቲከኛታት ኰኑ፡ ንስነ ፍልጠተኛታት ኰኑ፡ ወይ ንነጋዶ ብሓቂ ብኣታቶም ዚግደሱ እንተ ዀይኖም ይጥርጥርዎም እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ንኻህናት ህዝበ ክርስትያን ኣኽብሮት የብሎምን። ስለዚ፡ ነቲ በዞም መራሕቲ ሃይማኖት ኣኽቢርካ ዚርአ መጽሓፍ፡ ማለት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥርጣረ እንተ ረኣይዎ ኼገርመና የብሉን።

2. ምስ መዝሙር 119:160 ብምስምማዕ፡ እንታይ ኢና እንኣምን፧

2 ንሕና ኣገልገልቲ የሆዋ ግና፡ የሆዋ “ኣምላኽ ሓቂ” ምዃኑ፡ ኵሉ ሳዕ እውን ንጥቕምና ኸም ዚሓሊ ንኣምን ኢና። (መዝ. 31:5፣ ኢሳ. 48:17) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ “ብዘሎ ቓል [ኣምላኽ] ሓቂ እዩ።” (መዝሙር 119:160 ኣንብብ።) ምስቲ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ዝጸሓፎ ንሰማማዕ ኢና፦ “ኣብ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዝበሎ ነገራት ዋላ ሓንቲ ሓሶት ወይ ከይተፈጸመ ዚተርፍ የልቦን። ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ነዚ ቓል እተዛረቦ ኣምላኽ ስለ ዚኣምንዎ፡ ነቲ እተባህለ እውን ኪኣምንዎ ይኽእሉ እዮም።”

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ንኻልኦት ሰባት ከምቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና እምነት ምእንቲ ኼሕድሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ እንኣምነሉ ሰለስተ ምኽንያታት እስከ ንርአ። ቀጺልና፡ ልክዕነት እቲ ጽሑፍ፡ ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ንምቕያር ዘለዎ ሓይሊ ኽንምርምር ኢና።

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ ተዓቂቡ

4. ገሊኦም ሰባት ንልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጠራጠሩ ስለምንታይ እዮም፧

4 የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ ንምጽሓፍ፡ ኣስታት 40 እሙናት ሰባት እዩ ተጠቒሙ። ይኹን እምበር፡ ዋላ ሓደ ኻብቲ በዅሪ ኢደ ጽሑፋት ኣብዚ ግዜና ኣይርከብን እዩ። b ሕጂ ዘሎና ጽሑፋት ናይ ቅዳሓት ቅዳሓት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኦም ሰባት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜንብብዎ መልእኽቲ ነቲ ኣብ በዅሪ እተጻሕፈ ብልክዕ ዜንጸባርቕ እንተ ዀይኑ ሕቶ ይለዓሎም እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ከም እንኽእልሲ ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧

ሞያተኛታት ቀዳሕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እቲ ዚጽሕፍዎ ቕዳሓት ቃል ኣምላኽ ልክዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ብዙሕ ይጽዕሩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ)

5. ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ንምቕዳሕ እንታይ እዩ ዚግበር ነይሩ፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

5 የሆዋ ነቲ ብድራኸ መንፈሱ እተጻሕፈ መልእኽቲ ምእንቲ ኺዕቀብ ኢሉ፡ ንህዝቡ ነዚ መልእኽቲ ኪቐድሕዎ መምርሒ ሃቦም። ንነገስታት እስራኤል፡ ናይ ርእሶም ቅዳሓት እቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ሕጊ ኺህልዎም ኣዘዞም፣ ንሌዋውያን ድማ ነቶም ህዝቢ፡ እቲ ሕጊ ኺምህርዎም ሸሞም። (ዘዳ. 17:18፣ 31:24-26፣ ነህ. 8:7) ኣይሁድ ናብ ባቢሎን ተማሪኾም ምስ ከዱ፡ ሞያተኛታት ቀዳሕቲ ሓያሎ ቕዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣዳለዉ። (እዝ. 7:6፡ እ.ጽ.) እዞም ሰባት እዚኦም፡ ጥንቁቓት እዮም ነይሮም። ጸኒሖም፡ ልክዕነት እቲ ጽሑፋቶም ንምርግጋጽ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፊደላት እውን ይቘጽሩ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና፡ ሒደት ንኣሽቱ ጌጋታት ናብ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣትዩ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ጽሑፍ ብዙሕ ሳዕ ስለ ዚቕዳሕ፡ እዚ ጌጋታት እዚ ደሓር ኪልለ ይከኣል እዩ። ብኸመይ፧

6. ኣብ ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጌጋታት ብኸመይ ኪልለ ይከኣል፧

6 ዘመናውያን ምሁራት ነቲ ኣብ ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጌጋታት ዜለልዩሉ ዜተኣማምን መገዲ ኣለዎም። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፡ 100 ሰባት ንሓደ ኣብ ሓንቲ ገጽ ዘሎ ጽሑፍ ብኢዶም ኪቐድሕዎ ዕዮ ተዋሂብዎም ንበል። ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣብቲ ቕዳሑ ንእሽቶ ጌጋ ገይሩ። ሓደ ኻብቲ ነቲ ጌጋኡ እነለልየሉ መገዲ ነቲ ቕዳሑ ምስቲ ናይ ካልኦት ብምንጽጻር እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ምሁራት ንሓያሎ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንጽጻር፡ ሓደ ቐዳሒ ዝገበሮ ጌጋታት ወይ ዘሊልዎ ዝኸደ ቓላት ኬለልዩ ኽኢሎም እዮም።

7. ሓያሎ ቐዳሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ እዮም ብልክዕ ዕዮኦም ዚዓይዩ ነይሮም፧

7 እቶም ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ዚቐድሑ ቐዳሕቲ ነዚ ዕዮኦም ንምዕያይ ብዙሕ ጻዕሪ እዮም ገይሮም። ነዚ ሓሳብ እዚ ዜረጋግጽ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳምነት ዚውሃቦ ምሉእ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝሓዘ ኢደ ጽሑፍ፡ ብ1008 ወይ 1009 ድ.ክ. እዩ ተቐዲሑ። እቲ ኢደ ጽሑፍ እቲ ኮዴክስ ለኒንግራድ ይብሃል። ኣብ ቀረባ ግዜ ግና፡ ካብ ኮዴክስ ለኒንግራድ ኣስታት 1,000 ዓመት ኣቐዲሙ እተቐድሐ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ ጽሑፋትን ቍርጽራጻትን ተረኺቡ እዩ። እዚ ኢደ ጽሑፋት እዚ፡ ንኣስታት 1,000 ዓመት ብተደጋጋሚ ኪቕዳሕ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኮዴክስ ለኒንግራድ ምስቲ ዝቐደመ ኢደ ጽሑፋት ብዙሕ ፍልልይ ኪህልዎ ዚጽበ ኣይሰኣንን እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ ከምኡ ኣይኰነን። ምሁራት፡ ነቲ ዝቐደመ ኢደ ጽሑፋት ምስቲ ዝደሓረ ኼነጻጽርዎ ኸለዉ፡ ሒደት ናይ ቃላት ፍልልይ እኳ እንተ ረኸቡ፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብልክዕ ተዓቂቡ እዩ።

8. ቅዳሓት ክርስትያናዊ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ምስ ቅዳሓት ገሊኡ ጥንቲ ዝነበረ ዓለማዊ ጽሑፋት ኪነጻጸር ከሎ ኸመይ እዩ፧

8 ቀዳሞት ክርስትያናት ልምዲ እቶም ቀዳሕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እዮም ስዒቦም። ነተን ኣብ ኣኼባታቶምን ኣብ ንጥፈታት ስብከቶምን ዚጥቀሙለን ዝነበሩ 27 መጻሕፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብትግሃት እዮም ቀዲሖምወን። ሓደ ምሁር፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ዝነበረ ኻልእ ቅዳሓት ድሕሪ ምንጽጻር፡ “ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ ዝያዳ ቕዳሓት [ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ] እዩ ዘሎ፣ . . . መብዛሕትኡ ድማ ምሉእ እዩ” ኢሉ ደምዲሙ ኣሎ። ኣናቶሚ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት እትብሃል መጽሓፍ ከኣ፡ “ሓደ ሰብ፡ እቲ ብሓላፍነታዊ መገዲ ኣብ እተዳለወ ዘመናዊ ትርጉም [ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ] ዜንብቦ ጽሑፍ፡ እቲ ጥንታዎት ጸሓፍቲ ዝጸሓፍዎ ምዃኑ ርግጸኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ” ትብል።

9. ብመሰረት ኢሳይያስ 40:8፡ ብዛዕባ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሓቂ ኢና ኽንርኢ እንኽእል፧

9 እቲ ብዙሓት ቀዳሕቲ ንዘመናት ዝገበርዎ ጻዕርታት፡ ንልክዕነት እዚ ሎሚ እነንብቦን እነጽንዖን መጽሓፍ ቅዱስ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። c ብዘይ ጥርጥር መሸም፡ የሆዋ እዩ ነቲ መልእኽቱ ንደቂ ሰብ ብልክዕ ከም ዚዕቀበሎም ገይሩ። (ኢሳይያስ 40:8 ኣንብብ።) ገሊኦም ሰባት ግና፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ እተዓቀበ ምዃኑ ጥራይ፡ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዜረጋግጽ ከም ዘይኰነ ይማጐቱ እዮም። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ዜረጋግጽ ገለ መርትዖታት እስከ ንርአ።

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን እዩ

Left: C. Sappa/DeAgostini/Getty Images; right: Image © Homo Cosmicos/Shutterstock

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ተፈጺሙ እዩ፣ ሕጂ እውን ይፍጸም ኣሎ (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ) e

10. ኣብ 2 ጴጥሮስ 1:21 ዚርከብ ሓሳብ ልክዕ ምዃኑ ዜረጋግጽ ሓደ እተፈጸመ ትንቢት ጥቐስ። (ስእሊ ርአ።)

10 መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ እተፈጸመ ትንቢታት ሒዙ ኣሎ። ገሊኡ ትንቢታት ካብቲ እተመዝገበሉ ድሕሪ ኣማእታት ዓመታት እዩ ተፈጺሙ። እዚ ትንቢታት እዚ ኸም እተፈጸመ ኸኣ ታሪኽ የረጋግጽ እዩ። ደራሲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኣየገርመናን እዩ። (2 ጴጥሮስ 1:21 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ብዛዕባ ውድቀት ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን እተነግረ ትንቢታት እሞ ንሕሰብ። ኣብ ሻምናይ ዘመን  ቅ.ክ.፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ እታ ሽዑ ሓያል ከተማ ዝነበረት ባቢሎን ከም እትተሓዝ ተነበየ። ስም እቲ ነታ ኸተማ ዚስዕራ ሰብ ቂሮስ ምዃኑ፡ እታ ኸተማ እውን ብኸመይ ከም እትተሓዝ ብልክዕ ተነበየ። (ኢሳ. 44:27–45:2) ብዘይካዚ እውን ባቢሎን ኣብ መወዳእታኡ ኸም እትጠፍእን ምሉእ ብምሉእ ከም እትባድምን ተነበየ። (ኢሳ. 13:19, 20) እዚ ብልክዕ ተፈጺሙ እዩ። ብ539 ቅ.ክ.፡ ባቢሎን ብሜዶናውያንን ብፋርሳውያንን ተሳዕረት። ሕጂ፡ ኣብቲ እታ ዓባይ ከተማ ዝነበረትሉ ቦታ፡ ኵምራ ዑናታት ጥራይ እዩ ዚርከብ።—ኣብ ኤለክትሮኒካዊ ቕዳሕ እታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 03 ነጥቢ 5 እትርከብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውድቀት ባቢሎን ተነብዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

11. ዳንኤል 2:41-43 ሎሚ ብኸመይ ይፍጸም ከም ዘሎ ግለጽ።

11 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሕሉፍ ጥራይ ኣይኰነን ተፈጺሙ። ሎሚ እውን ትንቢታት ኪፍጸም ንርኢ ኣለና። ንኣብነት፡ ትንቢት ዳንኤል ብዛዕባ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ዜደንቕ ፍጻመኡ ይረክብ ከም ዘሎ እስከ ንርአ። (ዳንኤል 2:41-43 ኣንብብ።) ኣብቲ ትንቢቱ፡ እዛ ንኽልተ ሓይሊ ዓለም ዘጣመረት መንግስቲ፡ “ገሊኣ [ኸም ሓጺን] ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ድማ [ከም ካይላ] ተሰባሪት” ከም እትኸውን ብልክዕ ተነበየ። እዚ ሓቂ ምዃኑ ይርአ ኣሎ። ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብቲ ኣብ ክልተ ውግእ ዓለም እተረኽበ ዓወት ወሳኒ ግደ ስለ ዝነበረንን ዓብዪ ሓይሊ ዘለዎ ሰራዊት ስለ ዘለወንን ከም ሓጺን ዝበለ ብርታዐ ኣርእየን እየን። እዚ ሓይለን ግና፡ በቶም ብማሕበር ሸቃሎን ወፈራታት ሲቪላዊ መሰላትን ምንቅስቓሳት ናጽነትን ኣቢሎም መሰላቶም ዚጠልቡ ዜጋታተን ተዳኺሙ ኣሎ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሓደ ኽኢላ ፖለቲካ ዓለም፡ “ሎሚ፡ ኣብ ዓለም ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንላዕሊ ብፖለቲካዊ መዳይ እተኸፋፈለ ወይ ብፖለቲካዊ መዳይ ኪዓዪ ዘይክእል ምዕቡል ኢንዱስትርያዊ ዲሞክራሲ የሎን” ኢሉ ትዕዝብቱ ገሊጹ ኣሎ። እታ ኽፋል እዚ ሓይሊ ዓለም ዝዀነት ብሪጣንያ ኸኣ፡ በቲ ምስ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኺህልዋ ዘለዎ ርክብ፡ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ንሓድሕዱ ብዚጻረር ርእይቶታት ተኸፋፊላ ኣላ። እዚ ኽፍፍላት እዚ ድማ፡ ንሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ወሳኒ ስጕምቲ ዳርጋ ኸም ዘይወስድ እዩ ገይርዎ ዘሎ።

12. ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እምነት እዩ ዜሕድረልና፧

12 እቲ እተፈጸመ ሓያሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ዘተስፈዎ ተስፋታት ከም ዚፍጸም ዘሎና እምንቶ የደልድለልና እዩ። ከምቲ፡ “ቃልካ ተስፋይ እዩ እሞ፡ ንድሕነትካ እናፍቕ ኣለኹ” ኢሉ ናብ የሆዋ ዝጸለየ ዘማሪ እዩ ዚስምዓና። (መዝ. 119:81) የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ “ብሩህ መጻእን ተስፋን” ሂቡና ኣሎ። (ኤር. 29:11) ናይ መጻኢ ተስፋና ኣብ ሰብኣዊ ጻዕርታት ዘይኰነስ፡ ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት እዩ ዚምርኰስ። እምበኣር፡ ንፉዓት ተምሃሮ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብምዃን፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና እምነት ንህነጽ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ንሚልዮናት ይሕግዝ ኣሎ

13. ብመሰረት መዝሙር 119:66, 138፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንኣምኖ ዜኽእለና እንታይ ካልእ መርትዖ ኣሎ፧

13 ንመጽሓፍ ቅዱስ እንኣምነሉ ኻልእ መርትዖ፡ ሰባት ነቲ ምኽሩ ምስ ዚስዕብዎ ጽቡቕ ፍረ ዚረኽቡ ምዃኖም እዩ። (መዝሙር 119:66, 138 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ኪፋትሑ ኢሎም ዝነበሩ ሰብ ሓዳር ሕጂ ኣብ ሓዳሮም ተሓጕሶም ይቕጽሉ ኣለዉ። ደቆም ከኣ ፍቕሪ ኣብ ዝዓሰሎ ክርስትያናዊት ቤት ቅሳነትን ፍቕርን ተሰሚዕዎም ይዓብዩ ኣለዉ።—ኤፌ. 5:22-29

14. ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባር ህይወት ሰባት ከም ዚቕይር ዜርኢ ኣብነት ኣዘንቱ።

14 ሓደገኛታት ገበነኛታት እኳ ኸይተረፉ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ብምስዓብ ህይወቶም ቀዪሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ንሓደ ጃክ ዝስሙ እሱር ብኸመይ ከም ዝጸለዎ እስከ ንርአ። d ጃክ ካብቶም ሞት እተፈርዶም እሱራት ኣዝዩ ሓደገኛ ብምዃኑ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበር ከሎ ሰምዐ። ለውሃት እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዚመርሑ ኣሕዋት ከኣ ልቡ ተንከዮ፣ ስለዚ፡ ንሱ እውን መጽናዕቲ ጀመረ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ኪትግብሮ ምስ ጀመረ ኸኣ፡ ኣካይዳኡን ስብእናኡን ተመሓየሸ። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኪኸውንን ኪጥመቕን በቕዐ። ንኻልኦት እሱራት ከኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ሰበኸ። እንተ ወሓደ ንኣርባዕተ እሱራት ድማ ሓቂ ኺፈልጡ ሓገዞም። እታ ዚቕተለላ መዓልቲ ምስ ኣኸለት፡ ጃክ ካልእ ሰብ እዩ ዀይኑ ነይሩ። ሓንቲ ጠበቓኡ ድማ፡ “ጃክ እቲ ቕድሚ 20 ዓመት ዝፈልጦ ሰብ ኣይኰነን። ትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህይወቱ ለዊጥዎ እዩ” በለት። ጃክ ከምቲ እተፈርዶ እኳ እንተ ተቐትለ፡ እቲ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት ግና፡ ንቓል ኣምላኽ ክንኣምኖ ኸም እንኽእል፡ ንህይወት ሰባት ንምምሕያሽ እውን ሓይሊ ኸም ዘለዎ የርእየና።—ኢሳ. 11:6-9

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ኣመሓይሹሎም (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ) f

15. ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምትግባሮም ካብ ካልኦት ፍልይ ዜብሎም ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ ርአ።)

15 ህዝቢ የሆዋ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚትግብሩ፡ ሓድነት ኣለዎም። (ዮሃ. 13:35፣ 1 ቈረ. 1:10) ምናዳ ምስቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ፖለቲካውን ዓሌታውን ማሕበራውን ፍልልያት ኪነጻጸር ከሎ፡ ሰላምናን ሓድነትናን ዜደንቕ እዩ። ጂን ዝስሙ መንእሰይ ነዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ሓድነት ብምርኣዩ ውሽጡ እዩ ተተንክዩ። ጂን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ እትርከብ ሃገር እዩ ዓብዩ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ውግእ ሓድሕድ ምስ ተወልዐ፡ ንሱ ኣባል ሰራዊት ኰነ። ጸኒሑ ግና ናብ ጐረቤት ሃገር ሃደመ። ኣብኡ ድማ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ። ጂን ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰዓብቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኸም ዘይኣትዉን ከም ዘይከፋፈሉን ተማሂረ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሓድሕዶም ይፋቐሩ እዮም” ይብል። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ህይወተይ ንሃገረይ ንምክልኻል እየ ወፍየ ነይረ። ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ፈለጥኩ ግና፡ ህይወተይ ንየሆዋ ኽውፊ ተለዓዒለ” ይብል። ጂን ምሉእ ብምሉእ እዩ ተቐዪሩ። ምስ ደቂ ኻልእ ዓሌት ወይ ሃገር ኣብ ክንዲ ዚቃለስ፡ ሓድነት ዜምጽእ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝረኸቦ ዅሉ የካፍል ኣሎ። ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ብዙሓት ሰባት ዚዓዪ ምዃኑ፡ ቃል ኣምላኽ ክንኣምኖ ኸም እንኽእል ዜርኢ ሓያል መርትዖ ይዀነና እዩ።

ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ወትሩ እመን

16. ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ ኸነደልድል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

16 እዛ ዓለም እናገደደት ብዝኸደት መጠን፡ ኣብ ሓቂ ዘሎና እምነት ብዝያዳ እዩ ዚፍተን። ሰባት ኣብ ኣእምሮና ጥርጣረ ኺዘርኡልና ይፍትኑ ይዀኑ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እንተ ዀይኑ ወይ የሆዋ ሎሚ ንኣምለኽቱ ንምምራሕ ሓደ መትረብ ሸይሙሎም እንተሎ ጥርጣረ ኺዘርኡልና ይጽዕሩ ይዀኑ። ቃል የሆዋ ወትሩ ሓቂ ምዃኑ እንተ ኣሚንና ግና፡ ነቲ ኣብ እምነትና ዚፍኖ መጥቃዕቲ ኽንጻረሮ ንኽእል ኢና። ‘ኵሉ ግዜ፡ ክሳዕ መወዳእታ፡ ንስርዓታት የሆዋ ኽንእዘዝ ንቘርጽ’ ኢና። (መዝ. 119:112) ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ንምንጋርን ምስኡ ተሰማሚዖም ኪነብሩ ንምትብባዕን እውን ‘ኣይንሓፍርን’ ኢና። (መዝ. 119:46) ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት እንተላይ መስጐጕቲ “ብዓቕልን ብሓጐስን” ክንጻወር ንኽእል ኢና።—ቈሎ. 1:11፣ መዝ. 119:143, 157

17. ጥቕሲ ዓመትና እንታይ እያ እተዘኻኽረና፧

17 የሆዋ ንሓቂ ስለ ዝገለጸልና፡ ብዙሕ ኢና እነመስግኖ! ኣብዛ ብሕንፍሽፍሽን ብዕግርግርን እናተመልአት እትኸይድ ዘላ ዓለም፡ ሳላ ሓቂ ጽኑዕ ዕላማን ንጹር ኣንፈትን ክንረክብ ክኢልና ኣለና። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብሩህ መጻኢ ኸም ዚህልወና እውን ተስፋ ረኺብና ኣለና። ጥቕሲ ዓመት 2023፡ ብዘሎ ቓል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ዘሎና እምነት ንምድልዳል ክትሕግዘና እያ ተሓርያ!—መዝ. 119:160

መዝሙር 94 ንኣምላኽ ስለቲ ቓሉ ነመስግኖ

a ን2023፡ “ብዘሎ ቓልካ ሓቂ እዩ” እትብል እምነት እተደልድል ጥቕሲ ዓመት ተሓርያትልና ኣላ። (መዝ. 119:160) ምስዚ ቓላት ከም እትሰማማዕ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። ብዙሓት ሰባት ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኸም ዝዀነ፡ ዜተኣማምን መምርሒ እውን ከም ዚህብ ኣይኣምኑን እዮም። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስን ንምኽሩን ኪኣምንዎ ዚድርኾም ኣብ ሰለስተ ኪኽፈል ዚኽእል መርትዖ ኽንርኢ ኢና።

b እዛ “ኢደ ጽሑፍ” እትብል ቃል ነቲ ጥንቲ ብኢድ እተጻሕፈ ሰነዳት እያ እተመልክት።

c ብዛዕባ ዕቃበ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ jw.org ኣቲኻ፡ “ታሪኽን መጽሓፍ ቅዱስን” ኢልካ ድለ።

d ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

e መግለጺ ስእሊ፦ ከምቲ ኣምላኽ እተነበዮ፡ ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን ዑናታት ኰይና ኣላ።

f መግለጺ ስእሊ፦ ተዋስኦ—ሓደ መንእሰይ ንውግእ ሓዲጉ፡ ከመይ ገይሩ ብሰላም ከም ዚነብርን ንኻልኦት ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዚሕግዝን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ይምሃር።