ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2

“ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ”

“ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ”

“እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ።”—ሮሜ 12:2

መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ

መላለዪ a

1-2. ድሕሪ ጥምቀት እንታይ ኢና ብቐጻሊ ኽንገብር ዘሎና፧ ግለጽ።

 ገዛኻ ኽንደይ ሳዕ ኢኻ እተጽርዮ፧ ምናልባት ናብኡ ቕድሚ ምእታውካ ኣጸቢቕካ ኣጽሪኻዮ ትኸውን። ድሕሪኡ ዕሽሽ እንተ ኢልካዮ ግና እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ደሮናን ርስሓትን ኪእከብ ይጅምር። ገዛኻ ጽሩይ ጌርካ ንምሓዝ፡ ብስሩዕ ከተጽርዮ ኣሎካ።

2 ንኣተሓሳስባናን ንስብእናናን ብዚምልከት እውን ብተመሳሳሊ ቐጻሊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። መሸም፡ ቅድሚ ጥምቀት፡ ኣብ ህይወትና ዜድሊ ለውጥታት ንምግባር፡ ‘ካብ ኵሉ እቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ከኣ ርእስና ንምንጻህ’ ብዙሕ ጽዒርና ኢና። (2 ቈረ. 7:1) ሕጂ ድማ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ፡ “ብቐጻሊ ተሓደሱ” ዚብል ምኽሪ ኽንስዕቦ ኣሎና። (ኤፌ. 4:23) ቀጻሊ ጻዕሪ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ናይዛ ዓለም ደሮናን ርስሓትን ኣባና ኺእከብ ይኽእል እዩ። ከምኡ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ ባህ እነብል ምእንቲ ኽንከውን፡ ብቐጻሊ ንኣተሓሳስባናን ንስብእናናን ንትምኒታትናን ክንምርምሮ ኣሎና።

ብቐጻሊ ‘ንኣእምሮኹም ሓድስዎ’

3. ‘ንኣእምሮና ምሕዳስ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ሮሜ 12:2)

3 ንኣእምሮና ንምሕዳስ፡ ማለት ንኣተሓሳስባና ንምቕያር፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ (ሮሜ 12:2 ኣንብብ።) እዛ “ምሕዳስ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንሓደ ነገር ከምቲ መጀመርታ እተሰርሓሉ ምግባር ተመልክት። ስለዚ፡ ንህይወትና ብሒደት ጽቡቕ ተግባራት ጥራይ ምስ ሰለምናዮ፡ በዚ ኽንዓግብ የብልናን። የግዳስ፡ ውሽጣዊ እንታይነትና መርሚርና፡ ዜድሊ ለውጥታት ክንገብር ኣሎና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንህይወትና ብእተኻእለና መጠን ምስ መለክዒታት የሆዋ ኸነሰማምዖ ንኽእል። ነዚ ኸኣ ሓንሳእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብቐጻሊ ኢና ኽንገብሮ ዘሎና።

እትመርጾ ትምህርትን ስራሕን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ከም እትህብ ዜርኢ ድዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-5 ርአ) c

4. ኣተሓሳስባና በዚ ስርዓት እዚ ምእንቲ ኸይቅረጽ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

4 ናብ ፍጽምና ምስ በጻሕና፡ ኣብ ኵሉ ተግባርና ንየሆዋ ወትሩ ባህ ከነብሎ ኢና። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ነቲ ሸቶ እቲ ንምውቃዕ ብቐጻሊ ኽንጽዕር ኣሎና። ኣብ ሮሜ 12:2፡ ጳውሎስ ኣብ መንጎ ንኣእምሮና ምሕዳስን ፍቓድ ኣምላኽ ምስትውዓልን ዘሎ ምትእስሳር ከም ዝጠቐሰ ነስተብህል። እምበኣር፡ እዚ ስርዓት እዚ ኪቐርጸና ኣይንፍቀድ። ከምኡ ንምግባር፡ ኣተሓሳስባ ዓለም ዘይኰነስ፡ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ንሸቶታትናን ንውሳነታትናን ክሳዕ ክንደይ ይጸልዎ ኸም ዘሎ ንምፍላጥ፡ ፈለማ ገዛእ ርእስና ንመርምር።

5. ምስ ምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ብዚተሓሓዝ፡ ንኣተሓሳስባና ብኸመይ ክንምርምሮ ንኽእል፧ (ስእሊ ርአ።)

5 ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። የሆዋ ‘ነቲ መዓልቱ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን ብሓሳብና ኸነቐልጥፎ’ እዩ ዚደልየና። (2 ጴጥ. 3:12) ስለዚ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኣነባብራይ ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝቐረብና የርኢ ድዩ፧ ብዛዕባ ትምህርትን ስራሕን ዝገብሮ ውሳነታት፡ ንየሆዋ ምግልጋል ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ የርኢ ድዩ፧ የሆዋ ንዓይን ንስድራ ቤተይን ዜድልየኒ ኸም ዜማልኣለይ እምነት ኣሎኒ ድዩ፡ ወይስ ወግሐ ጸብሐ እየ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ዝጭነቕ፧’ ህይወትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዚሰማማዕ መገዲ ኽንመርሕ ከለና፡ የሆዋ ኣዝዩ እዩ ባህ ዚብሎ።—ማቴ. 6:25-27, 33፣ ፊል. 4:12, 13

6. እንታይ ኢና ብቐጻሊ ኽንገብር ዘሎና፧

6 ንኣተሓሳስባና ብስሩዕ ክንምርምሮ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ዜድሊ ምትዕርራያት ክንገብር ኣሎና። ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ “ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ” ኢልዎም እዩ። (2 ቈረ. 13:5) ‘ብእምነት ምህላው’ ኪብሃል ከሎ፡ በብግዜኡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ካብ ምእካብን ኣብ ኣገልግሎት ካብ ምስታፍን ንላዕሊ የጠቓልል። ንኣተሓሳስባናን ንዝንባለታትናን ንድራኸታትናን እውን የጠቓልል እዩ። ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ፡ ብቐጻሊ ንኣእምሮና ኽንሕድሶ ኣሎና፣ ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኽንሕዝ፡ ንተግባርና ምስ ፍቓዱ ንምስምማዕ ከኣ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና።—1 ቈረ. 2:14-16

“ሓድሽ ስብእና . . . ልበሱ”

7. ብመሰረት ኤፌሶን 4:31, 32፡ እንታይ ተወሳኺ ነገር ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ እዚ ኸቢድ ኪኸውን ዚኽእልከ ስለምንታይ እዩ፧

7 ኤፌሶን 4:31, 32 ኣንብብ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ኣተሓሳስባና እንገብሮ ለውጥታት፡ ‘ሓድሽ ስብእና እውን ክንለብስ’ ኣሎና። (ኤፌ. 4:24) እዚ ድማ ብተግባር እዩ ዚርአ። ንኣብነት፡ ከም ምረትን ቍጥዓን ነድርን ዝኣመሰለ ገሊኡ ጠባያት ንምውጋድ ክንጽዕር ኣሎና። እዚ ኸቢድ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ገሊኡ ኣሉታዊ ጠባያት ሱር ዝሰደደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ብባህርዩ “ቝጡዕ” ወይ “ነዳሪ” ሰብ ከም ዘሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ምሳ. 29:22) ሱር ዝሰደደ ጠባያት ንምቍጽጻር፡ ዋላ እውን ድሕሪ ጥምቀት ቀጻሊ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። እዚ ስዒቡ ዘሎ ተመክሮ፡ ነዚ የርኢ።

8-9. ንኣረጊት ስብእና ብቐጻሊ ኽንቅንጥጥ ከም ዘሎና፡ ካብ ተመክሮ ስቲቨን ብኸመይ ንርኢ፧

8 ስቲቨን ዝስሙ ሓው፡ ቍጥዓኡ ናይ ምቍጽጻር ጸገም ነበሮ። ንሱ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል የዘንቱ፦ “ድሕሪ ጥምቀተይ እውን ከይተረፈ፡ ቍጥዓይ ንምቍጽጻር ክጽዕር ነበረኒ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ካብ ቤት ናብ ቤት እናሰበኽኩ ኸለኹ፡ ሓደ ሰራቒ ኻብ ማኪናይ ረድዮ ምስ ሰረቐ፡ ከርክቦ ደድሕሪኡ ጐየኹ። ክሕዞ ምስ ቀረብኩ ግና ነታ ረድዮ ደርብይዋ ሃደመ። ንረድዮይ ብኸመይ ከም ዝመለስክዋ ንኻልኦት ምስ ነገርክዎም፡ ሓደ ምስኣቶም ዝነበረ ሽማግለ፡ ‘ስቲቨን፡ እንተ ትሕዞ ኔርካ እንታይ ምገበርካዮ፧’ ኢሉ ሓተተኒ። እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ከም ዝሓስብ እያ ገይራትኒ፣ ሰላማዊ ንምዃን ከኣ ብዝያዳ ኽጽዕር ደሪኻትኒ እያ።” b

9 ኣብ ተመክሮ ስቲቨን ከም እተራእየ፡ ንኣሉታዊ ጠባያት ከም እተቘጻጸርናዮ ዀይኑ ዋላ ምስ ተሰምዓና፡ ብሃንደበት ኪቕልቀል ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ፣ ክርስትያን ንምዃን ብቑዕ ከም ዘይኰንካ ጌርካ እውን ኣይትደምድም። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን እንተ ዀነ፡ “ሰናይ ክገብር እናደለኹ፡ እከይ ኣባይ ከም ዘሎ፡ እዚ ሕጊ ዀይኑኒ ረኸብክዎ” ኢሉ እዩ። (ሮሜ 7:21-23) ኵሎም ዘይፍጹማት ክርስትያናት ምስቲ ኣብ ገዛና ኸም ዚእከብ ደሮናን ርስሓትን ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ጠባያት ይቃለሱ እዮም። ስለዚ፡ ንጽህናና ንምሕላው ብቐጻሊ ኽንዓዪ ኣሎና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧

10. ከመይ ጌርና ኢና ምስ ሕማቕ ጠባያት ክንቃለስ እንኽእል፧ (1 ዮሃንስ 5:14, 15)

10 የሆዋ ንጸሎትካ ኸም ዚሰምዖን ከም ዚሕግዘካን ብምትእምማን፡ ብዛዕባ እቲ ቓልሲ ዚዀነካ ጠባይ ናብኡ ጸሊ። (1 ዮሃንስ 5:14, 15 ኣንብብ።) የሆዋ ነቲ ጠባይ እቲ ብተኣምራዊ መገዲ ዘየወግዶ እኳ እንተ ዀነ፡ በቲ ጠባይ እቲ ኸይትስነፍ ግና ኬበርትዓካ እዩ። (1 ጴጥ. 5:10) ብተወሳኺ ድማ፡ ነቲ ኣረጊት ስብእና ዜጐሃህር ነገራት ብዘይምግባር፡ ምስ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ዕየ። ንኣብነት፡ ነቲ ኸተወግዶ እትጽዕር ዘለኻ ጠባያት ዚውድስ ፊልምታት ኰነ መደባት ተለቪዥን ከይትርኢ ወይ ዛንታታት ከይተንብብ ተጠንቀቕ። ንኣእምሮኻ እውን ብዛዕባ ዘይግቡእ ትምኒታት ብቐጻሊ ኺሓስብ ኣይትፍቀደሉ።—ፊል. 4:8፣ ቈሎ. 3:2

11. ብቐጻሊ ሓድሽ ስብእና ንምልባስ፡ እንታይ ስጕምትታት ክንወስድ ኣሎና፧

11 ኣረጊት ስብእና እኳ እንተ ቐንጠጥካ፡ ሓድሽ ስብእና እውን ከተማዕብል ኣሎካ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእል፧ ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኽትምሃር ከለኻ፡ ንዕኡ ንምምሳል ሸቶ ግበር። (ኤፌ. 5:1, 2) ንኣብነት፡ ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ይቕረታ ዜጕልሕ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ‘ኣነኸ ንኻልኦት ይቕረ እብለሎም ድየ፧’ ኢልካ ገዛኣ ርእስኻ ሕተት። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንድኻታት ዘርኣዮም ርሕራሐ ኸተንብብ ከለኻ ኸኣ፡ ‘ኣነኸ ነቶም እተሸገሩ ክርስትያናት ብጾተይ ብተመሳሳሊ እሓልየሎም ድየ፧ ነዚኸ ብተግባረይ አርእዮ ድየ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ሓድሽ ስብእና ብምልባስ፡ ንኣእምሮኻ ሓድሶ፣ ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ኸኣ፡ ትዕግስቲ ግበር።

12. ስቲቨን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ዝረኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ስቲቨን በብቝሩብ ሓድሽ ስብእና ኺለብስ ክኢሉ እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ካብ ዝጥመቕ ንደሓር፡ ብዙሕ ዜቘጥዕ ኵነታት ኣጋጢሙኒ እዩ። ሰባት ኬቘጥዑኒ ምስ ዚፍትኑ፡ ካብኦም ክርሕቕ ወይ ብኻልእ መገዲ ነቲ ዅነታት ከህድኦ ኽፍትን ከም ዘሎኒ ተማሂረ እየ። እዚ ለውጢ እዚ ብምግባረይ ድማ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ብዓልቲ ቤተይ፡ ንኢዶምኒ እዮም። ኣነ እውን ንባዕለይ በቲ ዝገበርክዎ ለውጢ እግረም እየ። እቲ ኣብ ባህርያተይ እተራእየ ለውጢ፡ ብኽእለተይ ከም ዝመጸ ዘይኰነስ፡ መርኣያ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ኸም ዝዀነ እየ ዝኣምን።”

ምስ ዘይግቡእ ትምኒታት ብቐጻሊ ተቓለስ

13. ግቡእ ትምኒታት ንምምዕባል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ገላትያ 5:16)

13 ገላትያ 5:16 ኣንብብ። ኣብቲ ቕኑዕ ንምግባር እንገብሮ ቓልሲ ምእንቲ ኽንዕወት፡ የሆዋ መንፈስ ቅዱሱ ብልግሲ ይህበና እዩ። ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕ ከለና፡ እቲ መንፈስ እቲ ኺጸልወና ኢና እንፈቅድ ዘሎና። ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና እውን፡ መንፈስ ቅዱስ ንረክብ ኢና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከማና ቕኑዕ ኪገብሩ ምስ ዚጽዕሩን ምስ ዜተባብዑናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢና ግዜ እነሕልፍ። (እብ. 10:24, 25፣ 13:7) ናብ የሆዋ ብልባዊ ጸሎት ቀሪብና ኣብ ገሊኡ ድኽመታትና ኺሕግዘና እንተ ለሚንናዮ ኸኣ፡ ብቐጻሊ ኽንቃለስ ዜኽእለና መንፈስ ቅዱሱ ይህበና እዩ። እዚ ዅሉ ንግጉይ ትምኒታት እኳ እንተ ዘየጥፍኦ፡ በቲ ትምኒታት እቲ ተደፊእና ሕማቕ ከይንገብር ግና ይሕግዘና እዩ። ገላትያ 5:16 ከም እትብሎ፡ እቶም ብመንፈስ ዚመላለሱ፡ ‘ትምኒት ስጋ ኸቶ ኣይፍጽሙን እዮም።’

14. ብቐጻሊ ግቡእ ትምኒታት ከነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ጥዑይ መንፈሳዊ ልማድ ምስ ኣማዕበልና፡ ነቲ ልማድ እቲ ኽንዕቅቦን ግቡእ ትምኒታት ብቐጻሊ ኸነማዕብልን ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ፈጺሙ ዘይድቅስ ጸላኢ ኣሎና። እዚ ጸላኢ እዚ ድማ ጌጋ ንምግባር ዘሎና ፈተና እዩ። ዋላ እኳ ድሕሪ ጥምቀት በቲ ኸነወግዶ ዘሎና ነገራት፡ እንተላይ ብጠላዕ፡ ብምብዛሕ መስተ፡ ወይ ብስእለ ጽዩፍ ክንሰሓብ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:3, 4) ሓደ መንእሰይ ሓው፡ “ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዘጸገመኒ ቓልሲ፡ ምሳይ ሕደ ብዝጾታኡ ሰብ ዝሰሓብ ምዃነይ እዩ። እዚ ንግዜኡ ጥራይ እዩ መሲሉኒ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ ክሳዕ ሕጂ እዩ ዜሸግረኒ” ኢሉ ሽግሩ ይእመን። እሞ ደኣ ዘይግቡእ ትምኒት እንተ ሓዪሉካ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ዘይግቡእ ትምኒት እንተ ፈቲኑካ፡ ተስፋ ዘይብልካ ኣይኰንካን፣ ካልኦት እውን ምስቲ ፈተና እቲ ተቓሊሶምን ኣሰኒፎምን እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ)

15. ዘይግቡእ ትምኒታት “ንሰብ ዘይበጽሖ” ዓይነት ፈተና ኸም ዘይኰነ ምፍላጥና ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧ (ስእሊ ርአ።)

15 ምስ ሓያል ዘይግቡእ ትምኒት ክትቃለስ ከለኻ፡ በይንኻ ዘይምዃንካ ዘክር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሰብ ዘይበጽሖ ፈተና ኣይበጽሓኩምን” ይብለና እዩ። (1 ቈረ. 10:13ሀ) እዚ ቓላት እዚ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክርስትያናት እዩ ተጻሒፉሎም። ገሊኦም ኣቐዲሞም ዘመውትን ግብረ ሶዶም ዚገብሩን ሰኽራማትን እዮም ነይሮም። (1 ቈረ. 6:9-11) እሞ ደኣ ድሕሪ ጥምቀቶም ምስ ዘይግቡእ ትምኒት ፈጺሞም ዘይተቓለሱዶ ይመስለካ፧ ከምኡ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ኵላቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እኳ እንተ ነበሩ፡ ዘይፍጹማት ሰባት እዮም ነይሮም። በብግዜኡ ምስ ዘይግቡእ ትምኒት ይቃለሱ ነይሮም እዮም። እዚ ንዓና ኼተባብዓና ኣለዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ እትቃለሶ ዘለኻ ዘይግቡእ ትምኒት፡ ካልእ ሰብ ኪቃወሞ ኽኢሉ እዩ። እወ፡ ‘እዚ መከራ እዚ ንዅሎም ኣሕዋትካ ኸም ዚበጽሖም ፈሊጥካ፡ ብእምነት ጸኒዕካ ኽትቃወም’ ትኽእል ኢኻ።—1 ጴጥ. 5:9

16. ካብ ምንታይ ሓደጋ ኢና ኽንሕሎ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

16 ዋላ ሓደ ሰብ ንጸገምካ ኸም ዘይርድኣልካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንተ ኣሕዲርካ፡ ኵነታትካ ተስፋ ኸም ዘይብሉን ንዘይግቡእ ትምኒት ንምቅዋም ዓቕሚ ኸም ዘይብልካን ጌርካ ኽትድምድም ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣይቅበሎን እዩ። እኳ ደኣስ፡ “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፣ የግዳስ፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ” እዩ ዚብል። (1 ቈረ. 10:13ለ) ስለዚ፡ ዋላ እውን እቲ ዘይግቡእ ትምኒትና ሓያል እንተ ዀነ፡ ክንቃወሞ ግና ንኽእል ኢና። ብእኡ ተደፊእና ሕማቕ ምእንቲ ኸይንገብር፡ ብሓገዝ የሆዋ ኽንጻረሮ ንኽእል ኢና።

17. ዘይግቡእ ትምኒታት ከይመጸና ኽንዓግቶ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ እንታይ ኢና ኽንቈጻጸር እንኽእል፧

17 ወትሩ እዚ ነጥቢ እዚ ኽትርስዕ የብልካን፦ ዘይፍጹም ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ዘይግቡእ ትምኒታት ከይመጸካ ኽትዓግቶ ኣይትኽእልን ትኸውን። ምስ መጸ ግና፡ ከምቲ ዮሴፍ ካብ ሰበይቲ ጶጢፋር ብቕልጡፍ ብምህዳም ዝገበሮ፡ ብቘራጽነት ክትነጽጎ ትኽእል ኢኻ። (ዘፍ. 39:12) ብዘይግቡእ ትምኒታት ተደፊእካ ሕማቕ ክትገብር ግዴታ የብልካን።

ቀጻሊ ጻዕሪ

18-19. ንኣእምሮና ንምሕዳስ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

18 ንኣእምሮና ምሕዳስ ኪብሃል ከሎ፡ ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ምስ ፍቓድ የሆዋ ንምስምማዕ ቀጻሊ ጻዕሪ ምግባር የጠቓልል። ከምኡ ንምግባር፡ ብስሩዕ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ብምሕታት ገዛእ ርእስኻ መርምር፦ ‘ኣነባብራይ ንህጹጽነት እዚ ግዜና ኸም ዘስተውዓልክዎ የርኢ ድዩ፧ ሓድሽ ስብእና ኣብ ምልባስ፡ ምምሕያሽ እገብር ኣለኹዶ፧ ንስጋዊ ትምኒታት ምጽራር ምእንቲ ክኽእል፡ ብመንፈስ የሆዋ እምራሕ ኣለኹዶ፧’

19 ገዛእ ርእስኻ ኽትምርምር ከለኻ፡ በቲ እትገብሮ ምምሕያሽ ደኣ ተሓጐስ እምበር፡ ፍጽምና ኣይትጸበ። ገና ኸተመሓይሾ ዘሎካ መዳያት እንተ ርኢኻ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣብ ፊልጲ 3:16 ዚርከብ፡ “በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ” ዚብል ማዕዳ ስዓብ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ነቲ ንኣእምሮኻ ንምሕዳስ እትገብሮ ጻዕርታት ከም ዚባርኾ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

መዝሙር 36 ንልብና ንሓልዎ

a ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ በዚ ስርዓት እዚ ኸይቅረጹ ተላብይዎም እዩ። እዚ ለበዋ እዚ፡ ንዓና እውን ዚጠቅም ጽቡቕ ምኽሪ እዩ። ብልሽውና ዓለም ብዝዀነ ይኹን መገዲ ምእንቲ ኸይጸልወና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ከምኡ ንምግባር፡ ኣተሓሳስባና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይሰማማዕ ኣብ እነስተውዕለሉ ግዜ፡ ብቐጻሊ ኽንእርሞ ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብኸመይ ከምኡ ኸም እንገብር ክንርኢ ኢና።

b ኣብ ናይ 1 ሓምለ 2015 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ህይወተይ ናብ ዝገደደ ትኸይድ ነበረት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ መንእሰይ ሓው ካብ ዝለዓለ ትምህርቲ ወይ ካብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣየናዩ ኸም ዚሓሪ ይሓስብ።