ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 5

“እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ”

“እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ”

‘እታ ክርስቶስ ዘላቶ ፍቕሪ ደሪኻትና እያ፣ ስለዚ፡ እቶም ብህይወት ዘለዉ ደጊም ንርእሶም ኣይነብሩን እዮም።’—2 ቈረ. 5:14, 15

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

መላለዪ a

1-2. (ሀ) ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ከነስተንትን ከለና፡ እንታይ ስምዒታት ኪስምዓና ይኽእል፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

 እንፈትዎ ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ ነቲ ሰብና ብዙሕ ኢና እንናፍቖ። ኣብ ፈለማ፡ ብዛዕባ እቲ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረ መዓልትታት ክንሓስብ ከለና፡ ምናዳ ኸኣ ብዙሕ ተሳቕዩ እንተ ነይሩ፡ ብሓዘን ንድቈስ ኢና። እናሓደረ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝመሃረና ወይ ኬተባብዓና ወይ ኬስሕቐና ኢሉ ብዛዕባ ዝገበሮ ወይ ዝበሎ ነገር ክንሓስብ ከለና እተወሰነ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና።

2 ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ ስቓይን ሞትን የሱስ ከነንብብ ከለና፡ እዚ የሕዝነና እዩ። ምናዳ ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝኸፈሎ በጃ ዘለዎ ትርጉም ግዜ ወሲድና ነስተንትን ኢና። (1 ቈረ. 11:24, 25) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ክንሓስብ ከለና፡ ዓብዪ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና። ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዚገብሮ ዘሎ ነገራትን ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ነገራትን ክንሓስብ ከለና ኸኣ፡ እዚ የተባብዓና እዩ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዝን ብዛዕባ ፍቕሩን ምስትንታን፡ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም እንርእዮ፡ ብግብራዊ መገድታት ሞሳና ኸነርኢ የለዓዕለና እዩ።

ምስጋና ንየሱስ ክንስዕቦ ይድርኸና

3. ነቲ በጃ ኣመስገንቲ ኸም እንኸውን ዚገብረና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

3 ብዛዕባ ህይወትን ሞትን የሱስ ከነስተንትን ከለና፡ ልብና ብምስጋና ኺምላእ ይኽእል እዩ። የሱስ ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት እዩ ንሰባት ምሂሩ። ነዚ ሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ እዚ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ሳላ እቲ እተኸፍለልና በጃ ምስ የሆዋን ምስ የሱስን ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህልወና ስለ ዝኸኣለ እውን፡ ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና ዕዙዝ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቶም ብየሱስ ዚኣምኑ ንዘለኣለም ናይ ምንባርን ሞይቶም ንዝነበሩ ዚፈትውዎም ሰቦም ብትንሳኤ ናይ ምርካብን ተስፋ ኣለዎም። (ዮሃ. 5:28, 29፣ ሮሜ 6:23) እዚ ዅሉ በረኸት ይግብኣና እዩ ኽንብሎ እንኽእል ኣይኰነን፣ ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዝገበሩልና ነገር ድማ ውሬታ ኽንከፍል ኣይንኽእልን ኢና። (ሮሜ 5:8, 20, 21) ኰይኑ ግና፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እነመስግኖም ከነርኢ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧

ብዛዕባ ማርያም መግደላዊት ምስትንታን፡ ምስጋናኻ ኸተርኢ ዚድርኸካ ብኸመይ እዩ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-5 ርአ)

4. ማርያም መግደላዊት ነቲ የሱስ ዝገበረላ ነገር ዘለዋ ምስጋና ብኸመይ እያ ኣርእያ፧ (ስእሊ ርአ።)

4 ማርያም መግደላዊት እትብሃል ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ዝሓደገቶ ኣብነት እስከ ንርአ። ንሳ ብሸውዓተ ኣጋንንቲ ትሳቐ ብምንባራ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት እያ ነይራ። መዋጽኦ ዘይብላ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ካብ ጽልዋ እዞም ኣጋንንቲ ሓራ ምስ ኣውጽኣ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘመስገነት ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። እቲ ምስጋናኣ ኸኣ፡ ሰዓቢቱ ኽትከውን፡ ከምኡ እውን ግዜኣን ጕልበታን ጥሪታን ንኣገልግሎቱ ንምድጋፍ ክትውፍዮ ደረኻ። (ሉቃ. 8:1-3) ነቲ የሱስ ብውልቃ ዝገበረላ ነገር ብዙሕ ተማስወሉ እኳ እንተ ነበረት፡ እቲ ዝዓበየ ውህበት ግና ገና ይመጽእ ምንባሩ ምናልባት ኣይተገንዘበትን ነይራ። እወ፡ ብእኡ “ዚኣምን ኵሉ” ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ፡ ህይወቱ ምእንቲ ደቂ ሰብ ሂቡ እዩ። (ዮሃ. 3:16) እንተዀነ ግና፡ ማርያም ንየሱስ እምንቲ ብምዃን ሞሳኣ ኣርኣየቶ። የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኣብ ዚሳቐየሉ ዝነበረ እዋን፡ ማርያም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢላ ንዕኡን ንኻልኦትን ስምዒታዊ ደገፍ ሃበት። (ዮሃ. 19:25) የሱስ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ማርያምን ክልተ ኣንስትን ንቐብሩ ዚኸውን ሽቱ ሒዘን ናብቲ መቓብር መጻ። (ማር. 16:1, 2) ማርያም ስለቲ ተኣማንነታ ብዙሕ ዓስቢ ረኺባ እያ። የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ክትረኽቦን ክትዛረቦን ብምኽኣላ ብዙሕ እያ ተሓጒሳ፣ እዚ መብዛሕትኦም ደቀ መዛሙርቲ ዘይረኸብዎ ፍሉይ መሰል እዩ።—ዮሃ. 20:11-18

5. ንዅሉ እቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ነገራት ዘሎና ምስጋና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

5 ንሕና እውን ግዜናን ጕልበትናን ገንዘብናን ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብምውፋይ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ነገራት ዘሎና ምስጋና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ንንጹህ ኣምልኾ ዚኸውን ህንጻታት ንምህናጽን ንምክንኻንን፡ ገዛእ ርእስና ኸነቕርብ ንኽእል ኢና።

ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትና ፍቕሪ ንሰባት ከነፍቅር ትድርኸና

6. እቲ በጃ ብብሕቲ እተዋህበና ውህበት እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

6 የሆዋን የሱስን ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሩና ኽንሓስብ ከለና፡ ከም ምላሹ ኸነፍቅሮም ኢና እንድረኽ። (1 ዮሃ. 4:10, 19) የሱስ ንዓና ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዝሞተልና ኸነስተውዕል ከለና ኸኣ፡ ብዝያዳ ኢና እነፍቅሮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “በቲ ዘፍቀረንን ምእንታይ ርእሱ ዘሕለፈን ወዲ ኣምላኽ ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ” ብምባል ሞሳኡ ገሊጹ ኣሎ። (ገላ. 2:20) ስለዚ፡ ብመሰረት እቲ እተኸፍለ በጃ፡ የሆዋ ዓርኩ ኽትከውን ኢሉ ናብኡ ስሒቡካ ኣሎ። (ዮሃ. 6:44) የሆዋ ኣባኻ ሓደ ጽቡቕ ነገር ብምርኣዩ ዓርኩ ኽትከውን ኢሉ ዝለዓለ ዋጋ ምኽፋሉስ ኣየሐጕሰካንዶ፧ እዚኸ ነታ ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትና ፍቕሪ ኣየሐይላንዶ፧ እምበኣር፡ ንርእስና፡ ‘እታ ፍቕሪ እቲኣ እንታይ ክገብር እያ እትድርኸኒ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።

ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዘላትና ፍቕሪ፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር ትድርኸና (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)

7. ኣብ ስእሊ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧ (2 ቈረንቶስ 5:14, 15፣ 6:1, 2)

7 ንኣምላኽን ንክርስቶስን ዘላትና ፍቕሪ፡ ንሰባት ፍቕሪ ኸነርኢ እያ እትድርኸና። (2 ቈረንቶስ 5:14, 15፣ 6:1, 2 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቲ ፍቕርና እነርእየሉ መገዲ ኸኣ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ብምስታፍ እዩ። ንዅሎም እቶም እንረኽቦም ሰባት ንዛረቦም ኢና። ንሓደ እኳ ብሰንኪ ዓሌቱ፡ ደረጃ መነባብሮኡ፡ ወይ ማሕበራዊ ድሕረ ባይታኡ ኣፈላላይ ኣይንገብርን ኢና። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ምስ ዕላማ የሆዋ ተሳኒና ኢና እንዓዪ፣ “ንሱ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን እዩ ዚደሊ።”—1 ጢሞ. 2:4

8. ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

8 ብተወሳኺ፡ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ከም እነፍቅሮም፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብምፍቃር ከነርኢ ንኽእል ኢና። (1 ዮሃ. 4:21) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብብሕቲ ንግደሰሎም፡ ኣብ እዋን ሽግሮም እውን ንድግፎም ኢና። ሰቦም ኪሞቶም ከሎ ነጸናንዖም፡ ኪሓምሙ ኸለዉ ንበጽሖም፡ ኪጕህዩ ኸለዉ እውን ንምትብባዖም ዚከኣለና ንገብር ኢና። (2 ቈረ. 1:3-7፣ 1 ተሰ. 5:11, 14) “ምህለላ ጻድቕ ሓያልን መስለጢትን” ምዃና ስለ እንፈልጥ ድማ፡ ምእንታኦም ንጽሊ ኢና።—ያእ. 5:16

9. ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ፍቕሪ እነርእየሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧

9 ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሎና ሰላም ንምዕቃብ ዚከኣለና ብምጽዓር እውን፡ ንዓታቶም ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። እቲ የሆዋ ይቕረ ብምባል ዝሓደገልና ኣብነት ክንስዕብ ንጽዕር ኢና። የሆዋ ምእንቲ ሓጢኣትና ኢሉ ወዱ ኺሞተልና ፍቓደኛ ኻብ ኰነ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኪብድሉና ኸለዉ ይቕረታ ንምግባር ድሉዋት ክንከውንዶ ኣይግባእን፧ ከምቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ እኩይ ባርያ ኽንከውን ኣይንደልን ኢና። እቲ ባርያ እቲ ጐይታኡ ኣዝዩ ብዙሕ ዕዳ ምስ ሰረዘሉ እኳ፡ ብተዛማዲ ሒደት ዕዳ ንዝነበሮ ብጻዩ ባርያ ዕዳኡ ኺስርዘሉ ኣይደለየን። (ማቴ. 18:23-35) ኣብ ጉባኤ ምስ ዘሎ ሰብ ዘይምርድዳእ እንተ ተፈጢሩ፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ቕድሚ ምእካብካ ንምትዕራቕ ቀዳማይ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእልዶ፧ (ማቴ. 5:23, 24) በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋን ንየሱስን ሓያል ፍቕሪ ኸም ዘላትካ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።

10-11. ሽማግለታት ንየሆዋን ንየሱስን ዘላቶም ፍቕሪ ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧ (1 ጴጥሮስ 5:1, 2)

10 ሽማግለታት ንየሆዋን ንየሱስን ከም ዜፍቅርዎም ብኸመይ ኬርእዩ ይኽእሉ፧ ሓደ ኣገዳሲ መገዲ፡ ንኣባጊዕ የሱስ ብምክንኻን እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:1, 2 ኣንብብ።) የሱስ ነዚ ነጥቢ እዚ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ንጹር ገይሩሉ እዩ። ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ድሕሪ ምኽሓዱ፡ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ ንምርኣይ ተሃንጥዩ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ምስ ተንስአ፡ ንጴጥሮስ፡ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፡ ተፍቅረኒ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጴጥሮስ ነቲ ንጐይታኡ ዘለዎ ፍቕሪ ንምርግጋጽ ዚከኣሎ ዅሉ ንምግባር ድሉው ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ኣባጊዐይ ጓሲ” በሎ። (ዮሃ. 21:15-17) ጴጥሮስ ከኣ ኣብ ዝተረፈ ህይወቱ ንኣባጊዕ ጐይታኡ ተኸናኸነ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንየሱስ ዘለዎ ፍቕሪ ኣርኣየ።

11 ኣቱም ሽማግለታት፡ ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ ነዚ የሱስ ንጴጥሮስ እተዛረቦ ቓላት ኣገዳሲ ጌርኩም ከም እትርእይዎ ኸመይ ጌርኩም ከተርእዩ ትኽእሉ፧ ኣብ ዕዮ ጕስነት ብስሩዕ ብምስታፍን ንዘይንጡፋት ናብ የሆዋ ንምምላስ ፍሉይ ጻዕሪ ብምግባርን፡ ንየሆዋን ንየሱስን ዘላትኩም ፍቕሪ ኸተርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። (ህዝ. 34:11, 12) ነቶም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ሓደስትን ተገዳስነት ከተርእይዎም ትኽእሉ ኢኹም፣ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ መጻኢ ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ስለ ዚኽእሉ፡ ጽቡቕ ጌርኩም ንምቕባል ዚከኣለኩም ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ንክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ፡ ተባዓት ክንከውን ትድርኸና

12. ብዛዕባ እተን የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረት ለይቲ እተዛረበን ቃላት ምስትንታንና ትብዓት ዚህበና ስለምንታይ እዩ፧ (ዮሃንስ 16:32, 33)

12 የሱስ ኣብታ ቕድሚ ዝሞተላ ዝነበረት ምሸት ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎኩም፣ ግናኸ፡ ኣጆኹም! ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” በሎም። (ዮሃንስ 16:32, 33 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ንየሱስ ኣብ ቅድሚ ጸላእቱ ብትብዓት ኪቐውምን ክሳዕ ሞት እሙን ኪኸውንን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ኣብ የሆዋ እዩ ተወኪሉ ነይሩ። ሰዓብቱ ተመሳሳሊ ፈተናታት ከም ዜጋጥሞም ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ንየሆዋ፡ ኪሕልዎም ለሚንዎ እዩ። (ዮሃ. 17:11) እዚ ትብዓት ዚህበና ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ኻብ ዝዀነ ጸላኢና ይሕይል እዩ። (1 ዮሃ. 4:4) ካብኡ እተሰወረ ነገር የልቦን። ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና ፍርህና ኸነሰንፍን ትብዓት ከነርእን ከም እንኽእል ርግጸኛታት ኢና።

13. ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

13 ንኣብነት፡ ብዛዕባ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ እስከ ንርአ። ንሱ ኣብ ማሕበረ ሰብ ኣይሁድ ሕፉር እዩ ነይሩ። ኣባል እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ዝዀነ ዋዕላ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኣብ ዚፍጽመሉ ዝነበረ እዋን፡ ዮሴፍ ተባዕ ኣይነበረን። ዮሃንስ ብዛዕባኡ ኺጽሕፍ ከሎ፡ “ንኣይሁድ ብምፍራሁ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃ. 19:38) ዮሴፍ ብመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይግደስ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣብ የሱስ ዝነበሮ እምነት ግና ካብ ካልኦት ሓቢእዎ እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ማሕበረ ሰብ ዝነበሮ ኽቡር ቦታ ኸይስእን ፈሪሁ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ዝዀነ ዀይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ የሱስ ምስ ሞተ፡ ዮሴፍ “ተቢዑ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ . . . ሬሳ የሱስ ለመነ።” (ማር. 15:42, 43) ድሕርዚ፡ ዮሴፍ ወደ መዝሙር የሱስ ምዃኑ ብሕቡእ ኪሕዝ ኣይፈተነን።

14. ምስ ፍርሂ ሰብ ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

14 ንስኻኸ ኸም ዮሴፍ ፍርሂ ሰብ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ምንጋር ኣሕፊሩካዶ ይፈልጥ፧ ካልኦት ከይብሉኒ ብዚብል ፍርሂ፡ ኣስፋሒ ኻብ ምዃን ወይ ካብ ምጥማቕ ትደናጐዶ ኣለኻ፧ እዚ ፍርሂ እዚ ቕኑዕ ከይትገብር ዕንቅፋት ኪዀነካ ኣይትፍቀድ። ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕርብ። ፍቓዱ ንምግባር ዜድልየካ ትብዓት ኪህበካ ለምኖ። የሆዋ ንጸሎትካ ብኸመይ ከም ዚምልሶ ምስ ረኣኻ፡ ዝያዳ ብርታዐን ትብዓትን ክትረክብ ኢኻ።—ኢሳ. 41:10, 13

ሓጐስ ንየሆዋ ብዘይምቍራጽ ከነገልግሎ ይድርኸና

15. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ ተራእዮም፡ እቲ ሓጐሶም እንታይ ኪገብሩ እዩ ደሪኽዎም፧ (ሉቃስ 24:52, 53)

15 የሱስ ምስ ሞተ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ሓዘኑ። ነቲ ዅነታት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ዚፈትውዎ ዓርኮም ጥራይ ኣይኰኑን ስኢኖም፣ ኣብ ርእሲኡ እውን ተስፋ ቘሪጾም እዮም ነይሮም። (ሉቃ. 24:17-21) ይኹን እምበር፡ የሱስ ምስ ተራእዮም፡ ኣብ ምፍጻም ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ግደ ኣረድኦም። ኣገዳሲ ዕዮ እውን ሃቦም። (ሉቃ. 24:26, 27, 45-48) ድሕሪ 40 መዓልቲ ናብ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን፡ ሓዘን እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ዓብዪ ሓጐስ ተቐዪሩ ነበረ። ጐይታኦም ህያው ምዃኑን ነቲ ሓድሽ መዝነቶም ንምፍጻም ኪሕግዞም ድሉው ምዃኑን ምፍላጦም ኣሐጒስዎም እዩ። እዚ ሓጐሶም ድማ ከየቋረጹ ንየሆዋ ኺውድስዎ ደሪኽዎም እዩ።—ሉቃስ 24:52, 53 ኣንብብ፣ ግብ. 5:42

16. ኣብነት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኣብነት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክንስዕብ እንኽእል፧ ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ንየሆዋ ብምምላኽ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ከምኡ ንምግባር፡ ኣብ ህይወትና ንመንግስቲ ኣምላኽ ከነቐድም ኣሎና። ንኣብነት፡ ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍን ኣብ ኣኼባታት ንምእካብን ኣምልኾ ስድራ ቤት ብስሩዕ ንምግባርን ናይ ስራሕ መደቦም ኣተዓራርዮም እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣብ ጉባኤ ብዝያዳ ኣበርክቶ ንምግባር ወይ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዜድልዩሉ ንምግልጋል፡ ካልኦት ከም ኣድላዪ ገይሮም ዚርእይዎ ስጋዊ ጥሪት ሓዲጎም እዮም። ንየሆዋ ብቐጻሊ ንምግልጋል ተጻዋርነት ዜድልየና እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ህይወትና ንመንግስቲ ኣምላኽ ነቐድም እንተ ዄንና ግና፡ ንሱ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኸና ቓል ኣትዩልና ኣሎ።—ምሳ. 10:22፣ ማቴ. 6:32, 33

ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ፡ ግዜ ወሲድካ ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ንዓኻ ዝገበሩልካ ነገራት ኣስተንትን (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)

17. ኣብዚ ቕንያት በዓል ዝኽሪ እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧ (ስእሊ ርአ።)

17 ሰሉስ 4 ሚያዝያ በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ተሃንጢና ኢና እንጽበ ዘለና። ብዛዕባ ህይወትን ሞትን የሱስ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ እታ ንሱን የሆዋን ዘርኣዩና ፍቕሪ ንምስትንታን ግና፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትጸበ። የግዳስ፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ቕንያት በዓል ዝኽሪ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣስተንትን። ንኣብነት፡ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ለ12፡ “የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ናይ መወዳእታ ሰሙን” ኣብ ዘርእስቱ ሰሌዳ ተዘርዚሩ ንዘሎ ፍጻመታት ከተንብቦን ከተስተንትነሉን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ነቲ ንምስጋናኻን ንፍቕርኻን ንትብዓትካን ንሓጐስካን ዜሐይል ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተብህለሉ። ድሕሪኡ፡ ልባዊ ሞሳኻ ኸተርእየሉ እትኽእል ንጹር መገድታት ኣለሊ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ ንዕኡ ንምዝካር እትገብሮ ዅሉ ኽብ ኣቢሉ ኸም ዚርእዮ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ራእ. 2:19

መዝሙር 17 “እደሊ እየ”

a ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን የሱስ፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ንሱን ኣቦኡን ዘርኣዩና ፍቕሪ ኸነስተንትን ንተባባዕ ኢና። ከምኡ ምግባርና ኸኣ፡ ንተግባር የለዓዕለና እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ በጃን ነቲ የሆዋን የሱስን ዘርኣዩና ፍቕርን ምስጋናና እነርእየሉ ግብራዊ መገድታት ትገልጽ። ብተወሳኺ፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትናን ንምፍቃር፡ ተባዓት ንምዃን፡ ኣብ ኣገልግሎትና እውን ሓጐስ ንምርካብ ብኸመይ ከም እንለዓዓል ክንርኢ ኢና።