ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4

የሆዋ ነቲ ንበዓል ዝኽሪ ንምብዓል እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ

የሆዋ ነቲ ንበዓል ዝኽሪ ንምብዓል እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ

“እዚ ንመዘከርታይ ኪኸውን ብቐጻሊ ግበርዎ።”—ሉቃ. 22:19

መዝሙር 19 ድራር ጐይታ

መላለዪ a

1-2. ዓመት ዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧

 ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር፡ የሱስ ምእንታና ህይወቱ ሃበ። እዚ ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ መገዲ ኸፊቱልና እዩ። ቀቅድሚ እታ ዝሞተላ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ የሱስ ንሰዓብቱ ነቲ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዝገበረሎም ተግባር ብቕጫን ወይንን ገይሮም ብቐሊል በዓል ኪዝክርዎ ኣዚዝዎም እዩ።—1 ቈረ. 11:23-26

2 ንየሱስ ኣዚና ስለ እነፍቅሮ፡ ዝኣዘዘና ንሕሉ ኢና። (ዮሃ. 14:15) ዓመት ዓመት ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ ነቲ ሞቱ ዘለዎ ትርጉም ግዜ ወሲድና ብጸሎት ብምስትንታን፣ ሞሳና ነርኢ ኢና። ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዚ ምእንቲ ኺሓብሩና ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ተሳትፎ ተሓጒስና ንውስኽ ኢና። ብዘይካዚ እውን፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣብዚ በዓል ዝኽሪ ኸይንእከብ ዕንቅፋት ኪዀነና ኣይንፈቅድን ኢና።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ህዝቢ የሆዋ፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ንምብዓል ዓብዪ ጻዕሪ ዝገበሩሉ ሰለስተ መገድታት ክንርኢ ኢና። እዚ ድማ (1) የሱስ ዝሰርዖ ስርዓት ምስዓብ፡ (2) ንኻልኦት ናብ በዓል ዝኽሪ ምዕዳም፡ (3) ኣጸጋሚ ዅነታት እናሃለወ ኽነሱ በዓል ዝኽሪ ምብዓል እዩ።

የሱስ ዝሰርዖ ስርዓት ምስዓብ

4. ዓመት ዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ እንታይ ሓቅታት እዩ ዚጐልሕ፧ ነዚ ሓቅታት እዚ ኣፍኲስና ኽንርእዮ ዘይግብኣናኸ ስለምንታይ ኢና፧ (ሉቃስ 22:19, 20)

4 ዓመት ዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ፡ ንእተፈላለየ ሕቶታት ንጹር መልሲ ዚህብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ ንሰምዕ ኢና። ደቂ ሰብ ስለምንታይ በጃ ኸም ዜድልዮም፡ ከምኡ እውን ሞት ሓደ ሰብ ንሓጢኣት ብዙሓት ብኸመይ ከም ዜተዓርቕ ንመሃር ኢና። እቲ ቕጫን ወይንን ንምንታይ ከም ዜመልክት፡ ካብኡ ኺወስዱ ዘለዎም ከኣ መን ምዃኖም መዘኻኸሪ ይውሃበና እዩ። (ሉቃስ 22:19, 20 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቲ ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ተዓቚሩሎም ዘሎ በረኸት እውን ነስተንትን ኢና። (ኢሳ. 35:5, 6፣ 65:17, 21-23) ነዚ ሓቅታት እዚ ኣፍኲስና ኽንርእዮ የብልናን። ቢልዮናት ሰባት ነዚ ኣይፈልጥዎን እዮም፣ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ዋጋ ኸም ዘለዎ ድማ ኣይርድኦምን እዩ። ዝኽሪ ሞቱ እውን ብመሰረት እቲ ንሱ ዝሰርዖ ስርዓት ኣየብዕልዎን እዮም። ስለምንታይ፧

5. ድሕሪ ሞት መብዛሕትኦም ሃዋርያት፡ እቲ የሱስ ዚሰርዖ ስርዓት እንታይ እዩ ዀይኑ፧

5 መብዛሕትኦም ሃዋርያት የሱስ ድሕሪ ሙማቶም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰሊኾም ኣተዉ። (ማቴ. 13:24-27, 37-39) ንሳቶም ከኣ፡ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር” ተዛረቡ። (ግብ. 20:29, 30) ሓደ ኻብቲ ዝመሃርዎ “ቔናን ነገር” ድማ፡ ምስቲ የሱስ “ሓጢኣት ብዙሓት ምእንቲ ኺጸውር፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ተሰዊኡ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ዚጻረር እዩ። (እብ. 9:27, 28) እዞም ናይ ሓሶት ክርስትያናት፡ እቲ መስዋእቲ ብተደጋጋሚ ኪቐርብ ከም ዘለዎ መሃሩ። ሎሚ ብዙሓት ገርህታት ሰባት ነዚ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ይኣምንዎ እዮም። ኣብቲ “ሱታፌ” ወይ “ቍርባን” ተባሂሉ ዚፍለጥ ስርዓት ንምስታፍ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ብስሩዕ ይእከቡ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን መዓልቲ መዓልቲ ይእከቡ እዮም። b ገሊአን ሃይማኖታት ከኣ፡ ንሞት የሱስ ክሳዕ ክንድቲ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ዘየብዓላኦ፡ መብዛሕትኦም ምእመናነን ግና ብዛዕባ እቲ መስዋእቲ የሱስ ዚዓምሞ ነገራት ንጹር ግንዛበ የብሎምን። ገሊኦም፡ “ሞት የሱስሲ ብሓቂዶ ንሓጢኣተይ ይስርዞ እዩ፧” ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ስለምንታይ እዮም ነዛ ሕቶ እዚኣ ዚሓትቱ፧ ኣብ ገሊኡ መዳያት በቶም ሞት የሱስ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዜምጽእ ዚጠራጠሩ ሰባት ስለ እተጸልዉ እዩ። እሞ ደኣ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ነዚ ጉዳይ እዚ ብኸመይ ሒዞምዎ፧

6. ሓደ ጕጅለ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብ1872 ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዮም በጺሖም ነይሮም፧

6 ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 19 ዘመን፡ ሓደ ጕጅለ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብቻርለስ ቴዝ ራስል እናተመርሑ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጽዑቕ መጽናዕቲ ኺገብሩ ጀመሩ። ብዛዕባ እቲ መስዋእቲ የሱስ ዘለዎ ዋጋን ሞቱ ብኸመይ ኪዝከር ከም ዘለዎን ሓቂ ኺፈልጡ ደለዩ። ብ1872፡ የሱስ ንዅሎም ደቂ ሰብ በጃ ኸም ዝኸፈለሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተመስረተ መደምደምታ ኺበጽሑ ኸኣሉ። ነዚ ርኽበታቶም ግና፡ ንበይኖም ሒዞምዎ ስቕ ኣይበሉን። ኣብ ክንዳኡስ ብመጻሕፍትን ብጋዜጣታትን ብመጽሔታትን ኣቢሎም ንኻልኦት ኬፍልጡ ጸዓሩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ፡ ኣብነት እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብምስዓብ፡ ኣብ ዓመት ሓንሳእ በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ጀመሩ።

7. ካብቲ እቶም ቀዳሞት ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርዎ ምርምር ብኸመይ ኢና እንጥቀም ዘለና፧

7 ሎሚ፡ ካብቲ እዞም ቅኑዓት ክርስትያናት ነዊሕ ይገብር ዝገበርዎ ምርምር ንጥቀም ኣለና። ብኸመይ፧ የሆዋ ስለ ዝባረኸና፡ ብዛዕባ መስዋእቲ የሱስን ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝዓምሞ ነገራት ምእንቲ ኽንፈልጥ ኣዒንትና ኸፊቱልና ኣሎ። (1 ዮሃ. 2:1, 2) መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንኣምላኽ ባህ ዜብልዎ ሰባት ክልተ ተስፋ ሒዙ ኸም ዘሎ፡ ማለት ንገሊኦም ዘይመውት ህይወት ኣብ ሰማይ፡ ንሚልዮናት ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ምድሪ ሒዙ ኸም ዘሎ ተማሂርና ኢና። የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረናን ካብ መስዋእቲ የሱስ ክሳዕ ክንደይ ብብሕቲ ኸም እንጥቀምን ብዝሓሰብና መጠን ንዕኡ ብዝያዳ ንቐርቦ ኢና። (1 ጴጥ. 3:18፣ 1 ዮሃ. 4:9) ስለዚ፡ ከምቶም ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ እሙናት ኣሕዋትና፡ ካልኦት ኣብቲ የሱስ ዝሰርዖ በዓል ዝኽሪ ኺሓብሩና ንዕድም ኢና።

ንኻልኦት ናብ በዓል ዝኽሪ ምዕዳም

ኣብ ወፈራ ዕድመ በዓል ዝኽሪ ምሉእ ተሳትፎ ምእንቲ ኺህልወካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-10 ርአ) e

8. ህዝቢ የሆዋ ንኻልኦት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም እንታይ እዮም ገይሮም፧ (ስእሊ ርአ።)

8 ህዝቢ የሆዋ ንኻልኦት ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ብምዕዳም ዝመጸ ነዊሕ ታሪኽ እዩ ዘለዎም። ካብ 1881 ኣትሒዞም፡ ኣብ ኣሊጌኒ፡ ፐንስልቨንያ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ነዚ ፍሉይ ኣኼባ እዚ ኣብ ብሕታዊ ኣባይቲ ኼብዕሉ ዕድመ ይቐርበሎም ነበረ። ድሕርዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ነናታ በዓል ዝኽሪ ኸተብዕል ጀመረት። ኣብ መጋቢት 1940፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ክሎም ንዚርከብ ተገዳስነት ንዘርኣየ ዝዀነ ሰብ ኪዕድሙ ኸም ዚኽእሉ ተነግሮም። ብ1960፡ ቤት-ኤል ናብ ጉባኤታት፡ እተሓትመ መዐደሚታት ንፈለማ ግዜ ለኣኸ። ካብ ሽዑ ንነጀው ብቢልዮናት ዚቝጸር ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ተዓዲሉ እዩ። እሞ ደኣ ንኻልኦት ንምዕዳም ብዙሕ ግዜን ጻዕርን እንውፊ ስለምንታይ ኢና፧

9-10. ካብቲ ንኻልኦት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም እንገብሮ ጻዕርታት መን እዮም ዚጥቀሙ፧ (ዮሃንስ 3:16)

9 ሓደ ኻብቲ ንኻልኦት ናብ በዓል ዝኽሪ እንዕድመሉ ምኽንያት፡ እቶም ኣብኡ ንፈለማ ግዜ ዚእከቡ ሰባት ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ነገር ኪምሃሩ ስለ እንደሊ ኢና። (ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።) እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚርእይዎን ዚሰምዕዎን ነገራት ብዝያዳ ንምፍላጥን ኣገልገልቲ የሆዋ ንምዃንን ኬለዓዕሎም ኢና ተስፋ እንገብር። እንተዀነ ግና፡ ካልኦት እውን ይጥቀሙ እዮም።

10 ነቶም ንየሆዋ ምግልጋል ደው ዘበሉ እውን ንዕድሞም ኢና። ንዓታቶም ከኣ ሕጂ እውን ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮም ምእንቲ ኺዝክሩ ኢልና ኢና እንዕድሞም። ብዙሓት ነዚ ዕድመና ተቐቢሎም ይመጹ እዮም፣ ንዓታቶም ምስ ረኸብናዮም እውን፡ ብዙሕ ኢና እንሕጐስ። ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካቦም፡ ኣብ ሕሉፍ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ኸለዉ ኽሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ከም ዝነበሩ እዩ ዜዘኻኽሮም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንሞኒካ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰዳ። c ንሳ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እያ ዳግም ንጥፍቲ ኣስፋሒት ኰይና። ብ2021 ኣብ በዓል ዝኽሪ ድሕሪ ምእካባ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “እዚ በዓል ዝኽሪ እዚ ንዓይ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ ነይሩ። ኣብ 20 ዓመት ንመጀመርታ ግዜ፡ ንሰባት ክምስክር፡ ናብ በዓል ዝኽሪ እውን ክዕድሞም ክኢለ እየ። ነቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩለይ ስለ ዘማሰኹሉ፡ ካብ ልበይ እየ ኽዕድም ጽዒረ።” (መዝ. 103:1-4) ሰባት ንዕድመና ይቀበልዎ ኣይቀበልዎ፡ የሆዋ ንጻዕርታትና ኸም ዜማስወሉ ስለ እንፈልጥ፡ ንኻልኦት ብትግሃት ናብ በዓል ዝኽሪ ንዕድም ኢና።

11. የሆዋ ነቲ ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም እንገብሮ ጻዕርታት ብኸመይ ይባርኾ ኣሎ፧ (ሃጌ 2:7)

11 የሆዋ ነቲ ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም እንገብሮ ጻዕርታት ኣብዚሑ ባሪኽዎ እዩ። ብ2021 ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ቀይድታት እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ 21,367,603 ዚኣክል ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ ተመዝጊቡ እዩ። እዚ ቝጽሪ እዚ ምስ ብዝሒ እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪነጻጸር ከሎ፡ ዳርጋ ኽልተን ፈረቓን ሳዕ ማለት እዩ! ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ብዛዕባ ቝጽሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ውልቀ ሰባት እውን ይግደስ እዩ። (ሉቃ. 15:7፣ 1 ጢሞ. 2:3, 4) የሆዋ በቲ ንምዕዳም እንገብሮ ጻዕሪ ኣቢሉ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ኪርከቡ ይሕግዝ ከም ዘሎ ንኣምን ኢና።—ሃጌ 2:7 ኣንብብ።

ኣጸጋሚ ዅነታት እናሃለወ ኽነሱ በዓል ዝኽሪ ምብዓል

የሆዋ ነቲ ንበዓል ዝኽሪ ንምብዓል እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) f

12. እንታይ ኵነታት እዩ በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ኣጸጋሚ ኺገብሮ ዚኽእል፧ (ስእሊ ርአ።)

12 የሱስ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኵሉ ዓይነት ኣጸጋሚ ዅነታት፡ ማለት ተቓውሞ ቤተ ሰብን መስጐጕትን ውግእን ለበዳን ካልእ ብዙሕ ነገራትን ከም ዜጋጥመና ተነብዩ እዩ። (ማቴ. 10:36፣ ማር. 13:9፣ ሉቃ. 21:10, 11) ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ እዚ ነገራት እዚ፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ምብዓል የጸግመና እዩ። እሞ ደኣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነዚ ጸገማት እዚ ንምስጋር እንታይ እዮም ገይሮም፧ የሆዋኸ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎም፧

13. የሆዋ ነቲ ኣርትያም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ዘርኣዮ ትብዓትን ቈራጽነትን ብኸመይ እዩ ባሪኽዎ፧

13 ማእሰርቲ። ብምኽንያት እምነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ኣሕዋትና፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ ንምብዓል ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም። ንኣብነት፡ ኣርትያም ዝገበሮ እስከ ንርአ። ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ 2020፡ ኣብ ሓንቲ 17 ትርብዒት ሜተር ዝስፍሓታ ሸላ እዩ ተኣሲሩ ነይሩ፣ ኣብታ ሸላ ድማ ሓድሓደ ግዜ ኽሳዕ ሓሙሽተ እሱራት ይእሰሩ ነይሮም። ኣርትያም ተኣሲሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ንበዓል ዝኽሪ ዚዀኖ ቕጫን ወይንን ግና ኪረክብ ከኣለ። ንገዛእ ርእሱ ንምጥቃም እውን፡ መደረ በዓል ዝኽሪ ኬቕርብ ወሰነ። እቶም ኣብታ ሸላ እተኣስሩ እሱራት ግና፡ ብዙሕ ሽጋራ የትክኹን ሕማቕ ዘረባ ይዛረቡን ነበሩ። እሞ ደኣ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ንሓንቲ ሰዓት ጥራይ ሕማቕ ዘረባ ኻብ ምዝራብን ሽጋራ ኻብ ምትካኽን ኪቝጠቡ ሓተቶም። እቲ ዜገርም ድማ፡ እቲ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚብዓለሉ እዋን ሽጋራ ኸየትክኹ ወይ ሕማቕ ዘረባ ኸይዛረቡ ፍቓደኛታት ኰኑ። ድሕርዚ፡ ኣርትያም ብዛዕባ እቲ በዓል ዝኽሪ ንምንጋር ፍቓደኛ ምዃኑ ሓበሮም። ዋላ እኳ ብዛዕባ እቲ በዓል ኺሰምዑ ኸም ዘይደልዩ እንተ ነገርዎ፡ ነቲ በዓል ዝኽሪ ኼብዕል ከሎ ምስ ረኣይዎን ምስ ሰምዕዎን ግና ብዛዕባኡ ሕቶታት ሓተትዎ።

14. ለበዳ ኮቪድ-19 እናሃለወ ኽነሱ፡ በዓል ዝኽሪ ንምብዓል እንታይ ጻዕርታት እዩ ተገይሩ፧

14 ለበዳ ኮቪድ-19። እዚ ለበዳ እዚ ምስ ጀመረ፡ ህዝቢ የሆዋ ብኣካል በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ኣይከኣሉን። እዚ ግና በዓል ዝኽሪ ኻብ ምብዓል ኣይዓገቶምን። d ኢንተርነት ኪረኽባ ዚኽእላ ጉባኤታት ነቲ በዓል ዝኽሪ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ኣብዓላኦ። ኢንተርነት ኪረኽቡ ዘይክእሉ ሚልዮናት ግና እንታይ እዮም ገይሮም፧ ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ነቲ መደረ ብተለቪዥን ወይ ብረድዮ ንምፍናው መሰናድዎ ተገብረ። ብተወሳኺ ድማ፡ ዋላ እውን ኣብ ግሉል ቦታታት ዚርከቡ ነዚ በዓል ዝኽሪ እዚ ምእንቲ ኼብዕሉ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ነቲ መደረ ብልዕሊ 500 ቛንቋ ቐድሓኦ። እሙናት ኣሕዋት ከኣ፡ እዚ ቕዳሓት እዚ ነቶም ዜድልዮም ሰባት ከም ዚበጽሕ ገበሩ።

15. ካብታ ሱ ዝስማ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትምሃር፧

15 ተቓውሞ ቤተ ሰብ። ንገሊኦም ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ ምስ በሉ ዜጋጥሞም ዝዓበየ ዕንቅፋት፡ ተቓውሞ ቤተ ሰብ እዩ። ንኣብነት፡ ሱ ንዝስማ ሓንቲ ተምሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ብ2021፡ ድሮ እታ በዓል ዝኽሪ እትበዓለላ መዓልቲ፡ ሱ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ መምህራ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ቤታ ዜጋጥማ ዘሎ ተቓውሞ፡ በዓል ዝኽሪ ኸተብዕል ከም ዘይትኽእል ነገረታ። እታ መምህራ ድማ ሉቃስ 22:44 ኣንበበትላ። ድሕሪኡ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብጸሎት ንየሆዋ ብምልማንን ኣብኡ ትውክልቲ ብምግባርን፡ ኣብነት የሱስ ክንስዕብ ከም ዘሎና ገለጸትላ። ንጽብሒቱ፡ ሱ ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን ቅጫን ወይንን ኣዳለወት፣ ነቲ ኣብ jw.org ዚወጽእ ፍሉይ ኣምልኾ ንግሆ እውን ረኣየት። በታ ምሸት እቲኣ ድማ፡ በይና ኣብ ክፍላ ምስ ኰነት፡ ብተሌፎን ነቲ በዓል ዝኽሪ ተኸታተለት። ድሕርዚ፡ ሱ ነታ መምህራ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈትላ፦ “ትማሊ ብዙሕ ኢኺ ኣተባቢዕክኒ። ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ንምእካብ ዚከኣለኒ ገይረ እየ፣ እቲ ዝተረፈ ኸኣ የሆዋ መሊእዎ። ነዚ ሕጂ ዚስምዓኒ ዘሎ ሓጐስን ምስጋናን ዝገልጸሉ ቓላት የብለይን!” እሞ ደኣ ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ኣጋጢሙካ፡ የሆዋ ኺሕግዘካ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧

16. የሆዋ ነቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ንምእካብ እንገብሮ ጻዕርታት ከም ዚባርኾ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧ (ሮሜ 8:31, 32)

16 የሆዋ ነቲ ንዝኽሪ ሞት የሱስ ንምብዓል እንገብሮ ጻዕርታት ብዙሕ የማስወሉ እዩ። ነቲ ዝገበረልና ነገር ሞሳና ኸነርኢ ኸለና፡ ንሱ ኸም ዚባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሮሜ 8:31, 32 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ በዓል ዝኽሪ ንምእካብን ኣብቲ ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ ዚግበር መንፈሳዊ ንጥፈታት ዘሎና ተሳትፎ ንምዕዛዝን ቈራጽነት ንግበር።

መዝሙር 18 ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

a ሰሉስ 4 ሚያዝያ 2023፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኬብዕሉ እዮም። ብዙሓት ንፈለማ ግዜ ኣብቲ በዓል ኪእከቡ እዮም። ገሊኦም ኣቐዲሞም ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሩ ኸኣ ድሕሪ ዓመታት ንፈለማ ምሳና ኺእክቡ እዮም። ገሊኦም ኣብቲ በዓል ንምእካብ ከቢድ ዕንቅፋታት ኪሰግሩ እዮም። ብሕታዊ ዅነታትካ እዚ ይኹን እቲ፡ ኣብቲ በዓል ንምእካብ ጻዕሪ ብምግባርካ የሆዋ ባህ ኺብሎ እዩ።

b እቶም ምእመናን፡ ኣብ ሱታፌ ወይ ቍርባን፡ እቲ ቕጫን ወይንን ናብ ስጋን ደምን ክርስቶስ ከም ዚልወጥ ይኣምኑ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሰብ ካብኡ ብእተሳትፈ ቝጽሪ፡ ስጋን ደምን የሱስ ከም ዚስዋእ እዮም ዚኣምኑ።

c ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

d ኣብ jw.org፡ “2021 Memorial Commemoration” ዘርእስቱ ዓንቀጻት እውን ርአ።

e መግለጺ ስእሊ፦ ካብ 1960ታት ኣትሒዙ፡ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ እናተመሓየሸ ኺዳሎ ጸኒሑ፣ ሕጂ ድማ ብወረቐትን ብኤለክትሮኒካዊ መገድን ይዳሎ ኣሎ።

f መግለጺ ስእሊ፦ ተዋስኦ—ናዕቢ ኣብ ዘለዎ ዓዲ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን በዓል ዝኽሪ የብዕሉ።