ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3

መዝሙር 124 እሙናት ንኹን

የሆዋ ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት ኪሕግዘካ እዩ

የሆዋ ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት ኪሕግዘካ እዩ

[የሆዋ] ርግኣት ግዜያትካ እዩ።”ኢሳ. 33:6

ኣትኵሮ

ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት ካብ ሓገዝ የሆዋ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል።

1-2. እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧

 ዜሕዝን ኣጋጣሚታት ንህይወትና ብሓንሳእ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ልዊስ a ዝስሙ እሙን ሓው ከቢድ ዓይነት መንሽሮ ኸም ዘለዎ ፈለጠ። ብህይወት ዚነብረሉ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ከም ዝተረፎ ኻብ ሓኪሙ ተነግሮ። ሞኒካን ሰብኣያን ድማ ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ትሑዛት ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ግና ሞኒካ፡ እቲ ሽማግለ ዝነበረ ሰብኣያ ንዓመታት ክልተ ዓይነት ህይወት ይመርሕ ከም ዝነበረ ፈለጠት። ኦሊቭያ ዝስማ ንጽል ሓብቲ ድማ፡ ብሰንኪ ኣዕናዊ ህቦብላ መንበሪኣ ሓዲጋ ኽትከይድ ተገደደት። ድሕርዚ፡ ናብቲ መንበሪኣ ምስ ተመልሰት፡ ቤታ በቲ ህቦብላ ዓንያ ጸንሓታ። ኣብ ሓደ ሓጺር ህሞት፡ ኣብ ህይወት ሰባት ዓብዪ ለውጢ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። እሞኸ ኸምዚ ዓይነት ጸገም ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ህይወትካ ሕንፍሽፍሽ ከም ዚብል ዚገብር ሃንደበታዊ ነገር ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧

2 እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ሰብና ጸገማትን ሕማምን የጋጥመና እዩ። ካብቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጸልኡ ሰባት እውን ተቓውሞ ወይ መስጐጕቲ የጋጥመና እዩ። የሆዋ ኻብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ዘይጋርደና እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ዚሕግዘና ግና ቃል ኣትዩልና ኣሎ። (ኢሳ. 41:10) ብሓገዙ ድማ ሓጐስና ኽንዕቅብ፡ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ንዕኡ እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ንኽእል ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸልማት እዋናት፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ እንረኽበሉ ኣርባዕተ መገድታት ክንምርምር ኢና። ካብ ሓገዙ ምእንቲ ኽንጥቀም ከኣ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኽንርኢ ኢና።

የሆዋ ኺሕልወካ እዩ

3. ከቢድ ሓዘን ኬጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ ምግባር እዩ ኪኸብደና ዚኽእል፧

3 ጸገም። ከቢድ ሓዘን ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብንጹር ምሕሳብን ውሳነታት ምግባርን ይኸብደና እዩ። ስለምንታይ፧ ኣብ ልብና ብርቱዕ ስቓይ ይህልወና ይኸውን፡ ጭንቀት እውን ንኣእምሮና ይኸብዶ ይኸውን። ብግመ ኣብ እተሸፈነ ኸባቢ ኣንፈትና ጠፊኡና ዕግንግን ንብል ከም ዘለና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። እተን ኣቐዲምና ዝጠቐስናየን ክልተ ኣሓት ኣብ እዋን ፈተናአን እንታይ ከም እተሰምዐን እስከ ንርአ። ኦሊቭያ፡ “እቲ ህቦብላ ንቤተይ ምስ ኣዕነዋ፡ ዝገብሮ ሓርቢቱኒ” ትብል። ሞኒካ ድማ ብዛዕባ ጥልመት ሰብኣያ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሽዑ እተሰምዓኒ ነገር፡ ጓሂ ጥራይ ኣይገልጾን እዩ። ንውሽጠይ ዚደቍስ ስቓይ እዩ ተሰሚዑኒ። ድሕሪኡ፡ ብኸመይ ንቡር ንጥፈታተይ ከም ዝገብር ሓርቢቱኒ። ዘይእመን ነገር እዩ ኣጋጢሙኒ” ትብል። እሞ ደኣ እንገብሮ ኺሕርብተና ኸሎ፡ እቲ የሆዋ ዝኣተወልና ቓል ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

4. ብመሰረት ፊልጲ 4:6, 7፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር እዩ ቓል ኣትዩልና ዘሎ፧

4 የሆዋ ዚገብሮ ነገራት። የሆዋ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ሰላም ኣምላኽ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ነገር ከም ዚህበና ቓል ኣትዩ ኣሎ። (ፊልጲ 4:6, 7 ኣንብብ።) እዚ ሰላም እዚ ነቲ ምስኡ ኻብ ዘሎና ርክብ ዚምንጭው ህድኣትን ቅሳነትን እዩ ዜመልክት። ብዘይካዚ ድማ፡ “ካብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ማለት ከኣ ካብቲ ኽንሓስቦ እንኽእል ንላዕሊ ዜደንቕ እዩ ማለት እዩ። ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ድሕሪ ምቕራብካ፡ ዜደንቕ ህድኣት ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ እቲ ስምዒት እቲ፡ “ሰላም ኣምላኽ” እዩ።

5. ሰላም ኣምላኽ ንኣእምሮናን ንልብናን ብኸመይ እዩ ዚሕልዎ፧

5 ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ሰላም ኣምላኽ “ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን . . . ኪሕልዎ እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። እታ፡ “ኪሕልዎ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል፡ ኣብ ውትህድርና እትዝውተር ዝነበረት ቃል እያ። ኣብቶም ንኸተማ ዚሕልዉን ካብ መጥቃዕቲ ዚከላኸሉን ወተሃደራት እውን እዩ ዚዕየየላ ነይሩ። ኣብ ሓንቲ ሓለዋ ዚግበረላ ኸተማ ዚነብሩ ተቐማጦ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ዚሕልዉ ወተሃደራት ከም ዘለዉ ስለ ዚፈልጡ ብሰላም እዮም ዚድቅሱ። ብተመሳሳሊ፡ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ንኣእምሮናን ኪሕልዎ ኸሎ፡ ብደሓን ከም እንነብር ስለ እንፈልጥ፡ ሃዲእና ኢና እንመላለስ። (መዝ. 4:8) ኵነታትና ብኡብኡ እኳ እንተ ዘይተቐየረ፡ ከም ሃና፡ ሰላም ክንረክብ ንኽእል ኢና። (1 ሳሙ. 1:16-18) ክንሃድእ ከለና ኸኣ፡ ብንጹር ንምሕሳብን ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባርን ዝቐለለ እዩ ዚዀነልና።

“ሰላም ኣምላኽ” ንልብኻን ንኣእምሮኻን ይሕልዎ ኸም ዘሎ ኽሳዕ ዚስምዓካ ጸሊ (ሕጡብ ጽሑፍ 4-6 ርአ)


6. ካብ ሰላም ኣምላኽ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ንሕና ኽንገብሮ ዘሎና ነገራት። ሽግር ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ነቲ ሓላዊ ጸውዓዮ። ብኸመይ፧ ሰላም ኣምላኽ ክሳዕ እትረክብ ጸሊ። (ሉቃ. 11:9፣ 1 ተሰ. 5:17) እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ልዊስ ብህይወት ንምንባር ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ከም ዝተረፎ ምስ ፈለጠ፡ ንሱን ብዓልቲ ቤቱ ኣናን ነቲ ጸገም ብኸመይ ተጻዊሮምዎ፧ ንሱ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ብዛዕባ ኽንክን ጥዕናን ካልእ ነገራትን ውሳነታት ምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ሳላ ጸሎት ግና ኣብቲ እዋን እቲ ሰላም ክንረክብ ክኢልና ኢና።” ልዊስን ሰበይቱን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ህዱእ ልብን ጽቡቕ ውሳነታት ንምግባር ዜኽእል ጥበብን ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ናብ የሆዋ ብጽኑዕን ብተደጋጋምን ጸልዮም እዮም። ሓገዝ ከም ዝረኸቡ እውን ተሰሚዕዎም እዩ። ስለዚ፡ ጸገም እንተ ኣጋጢሙካ፡ ብጸሎት ጽናዕ፣ ሰላም የሆዋ ንልብኻን ንኣእምሮኻን ኪሕልዎ ኸሎ ኸኣ ኽትርኢ ኢኻ።—ሮሜ 12:12

የሆዋ ኼረጋግኣካ እዩ

7. ኣጸጋሚ ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ ኪስምዓና ይኽእል፧

7 ጸገም። ኣጸጋሚ ፈተና ኸነሕልፍ ከለና፡ ስምዒታትናን ሓሳባትናን ተግባራትናን ከም ቀደሙ ሚዛኑ ኸይሕሉ ይኽእል እዩ። ካብ ሓደ ብርቱዕ ስምዒት ናብ ካልእ ንገላበጥ ከም ዘለና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኣና፡ ድሕሪ ሞት ልዊስ እተፈላለየ ስምዒታት ከም እተሰምዓ ትገልጽ። “ናይ ባዶነት ስምዒት ምስ ተሰምዓኒ፡ ከስተማስል ጀሚረ። ንሱ ብዘይምህላዉ እውን ቍጥዓ ይስምዓኒ ነይሩ” ትብል። ብዘይካዚ፡ ኣና ጽምዋ ተሰምዓ፡ ነቲ ልዊስ ዚገብሮ ዝነበረ ውሳነታት ክትስከም ስለ እተገደደት እውን ተበሳጨወት። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ማዕበል ባሕሪ ኸም ዘላ ዀይኑ ይስምዓ ነበረ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ክንውሓጥ ከለና፡ የሆዋ ብኸመይ ይሕግዘና፧

8. ኣብ ኢሳይያስ 33:6 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብር እዩ መረጋገጺ ሂቡና ዘሎ፧

8 የሆዋ ዚገብሮ ነገራት። የሆዋ ርግኣት ኪህበና ኸም ዚኽእል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (ኢሳይያስ 33:6 ኣንብብ።) ንሓንቲ መርከብ ማዕበል ኬጋጥማ ኸሎ፡ ናብዝን ናብትን እናበለት ኣመና ኽትሕቈን ትኽእል እያ። ነዚ ምንቅስቓስ እዚ ንምንካይ፡ ብኽልቲኡ ሸነኽ እታ መርከብ ኣብ ትሕቲ ማይ ዚዝርጋሕ ኣኽናፍ ኣሎ። እዚ ዜረጋግእ ኣኽናፍ እዚ፡ ነታ መርከብ ኣመና ኸም ዘይትሕቈን ኪገብራ፡ ነቶም ተጓዓዝቲ ድማ ብደሓን ብምሾትን ከም ዚጕዓዙ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ እቲ ንመርከብ ከም እትረጋጋእ ዚገብር ዓይነት ኣኽናፍ፡ እታ መርከብ ንቕድሚት ክትጓዓዝ ከላ እዩ ዚዓዪ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ኣብ ግዜ ፈተና ብተኣማንነት ንቕድሚት እንተ ገስጊስና፡ የሆዋ ርግኣት ኪህበና እዩ።

ብሓገዝ ናውቲ ምርምር ገዛእ ርእስኻ ኣረጋግእ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)


9. ናውቲ ምርምር ሚዛንና ኸም እንሕሉ ኺገብረና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

9 ንሕና ኽንገብሮ ዘሎና ነገራት። ስምዒታዊ ነውጺ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ መንፈሳዊ ልማድካ ንምዕቃብ ዚከኣለካ ግበር። ልክዕ እዩ፡ ከም ቀደምካ ብዙሕ ክትገብር ኣይትኽእልን ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ልዕሊ ዓቕምኻ ኸም ዘይጽበየካ ኣይትረስዕ። (ምስ ሉቃስ 21:1-4 ኣረኣኢ።) ብሕታዊ መጽናዕቲ ንምግባርን ንምስትንታንን ግዜ መድብ። ስለምንታይ፧ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ሚዛንና ኽንሕሉ ዜኽእለና ዜደንቕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ሂቡና ኣሎ። እንታይ ከም ዜድልየካ ንምፍላጥ ኣብ ከም ኣፕሊኬሽን JW Library® ወይ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምርምር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሞኒካ፡ ስምዒታዊ ነውጺ ኼጋጥማ ኸሎ፡ ምኽሪ ንምርካብ በቲ ናውቲ ምርምር ከም እተጠቕመት ገሊጻ ኣላ። ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ፡ “ቍጥዓ” ብእትብል ቃል ምርምር ገይራ። ኣብ ካልእ ግዜያት ድማ፡ “ጥልመት” ወይ “ተኣማንነት” ብዚብል ቃል ምርምር ገይራ። ድሕሪኡ፡ ክሳዕ እትሃድእ ነቲ ዝረኸበቶ ኣንቢባቶ። ብዛዕባ እቲ ዝፈጠረላ ስምዒት ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ነቲ ምርምር ኣመና ተጨኒቐ እኳ ዝጅምሮ እንተ ዀንኩ፡ ድሕሪኡ ግና የሆዋ ሕቝፍ ከም ዘበለኒ እዩ ዚስምዓኒ። ነቲ ዝረኸብክዎ ኸንብብ ከለኹ፡ የሆዋ ንዅሉ ስምዒታተይ ከም ዚርድኣለይን ይሕግዘኒ ኸም ዘሎን ክግንዘብ ክኢለ እየ።” ካብ የሆዋ ዚርከብ ከምዚ ዝበለ ሓገዝ፡ ክሳዕ እትሃድእ ሚዛንካ ኸም እትሕሉ ኺገብረካ ይኽእል እዩ።—መዝ. 119:143, 144

የሆዋ ኺድግፈካ እዩ

10. ሕማቕ ኵነታት ምስ ኣሕለፍና፡ እንታይ እዩ ኺስምዓና ዚኽእል፧

10 ጸገም። ሕማቕ ኵነታት ምስ ኣሕለፍና፡ ብኣካላዊ ዀነ ብስምዒታዊ መዳይ ድኻም ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ከምቲ ብፍጥነት ዚጐዪ ዝነበረ እሞ ምስ ተጐድአ ግና ዚሕንክስ ዘሎ ኣትለት ዝዀንና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እቲ ብቐሊሉ እንገብሮ ዝነበርና ነገር ቃልሲ ኪዀነና፡ ወይ ከኣ እቲ ኣቐዲምና እንፈትዎ ዝነበርና ንጥፈታት ከይብርሃና ይኽእል እዩ። ከም ኤልያስ፡ ምትንሳእ ስለ ዚጽልኣና፡ ድቃስ ጥራይ ንደሊ ንኸውን። (1 ነገ. 19:5-7) እሞ ደኣ ድኻም ኪስምዓና ኸሎ፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚገብረልና እዩ ቓል ኣትዩልና ዘሎ፧

11. የሆዋ ንዓና ዚሕግዘሉ ኻልእ መገዲ እንታይ እዩ፧ (መዝሙር 94:18)

11 የሆዋ ዚገብሮ ነገራት። የሆዋ ኸም ዚድግፈና ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (መዝሙር 94:18 ኣንብብ።) ከምቲ ሓደ እተጐድአ ኣትለት ንምንቅስቓስ ደገፍ ዜድልዮ፡ ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፋት ንምዃን ደገፍ ኬድልየና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት፡ የሆዋ፡ “ብየማነይቲ ኢድካ ሒዘካ ዘለኹ፡ ‘ኣይትፍራህ። ክረድኣካ እየ’ ኸኣ ዝብለካስ ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ” ኢሉ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (ኢሳ. 41:13) ንጉስ ዳዊት ነዚ ሓገዝ እዚ ርእይዎ እዩ። ፈተናታት ምስ ኣጋጠሞ፡ ጸላእቲ እውን ምስ ኣሸገርዎ፡ ንየሆዋ፡ “የማነይትኻ ትድግፈኒ” ኢልዎ እዩ። (መዝ. 18:35) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ደገፍ ዚህብ ብኸመይ እዩ፧

ካብ ቤተ ሰብካን ፈተውትኻን ሽማግለታትን ደገፍ ተቐበል (ሕጡብ ጽሑፍ 11-13 ርአ)


12. ክንደክም ከለና፡ የሆዋ ብመን ኣቢሉ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧

12 የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰባት ኣቢሉ እዩ ዚድግፈና። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ዳዊት ምስ ደኸመ፡ ዓርኩ ዮናታን ስምዒታዊ ደገፍን ዜተባብዕ ቃላትን ምእንቲ ኺህቦ ኢሉ ኺበጽሖ ኸደ። (1 ሳሙ. 23:16, 17) ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንኤልያስ፡ ብኤልሳእ ገይሩ ግብራዊ ሓገዝ ሃቦ። (1 ነገ. 19:16, 21፣ 2 ነገ. 2:2) ሎሚ እውን የሆዋ ብቤተ ሰብና፡ ብፈተውትና፡ ወይ ብሽማግለታት ገይሩ ኺድግፈና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ክንጕዳእ ከለና፡ ካብ ሰብ ክንርሕቕ ኢና እንደሊ። በይንና ኽንከውን ኢና እንደሊ። እዚ ንቡር እዩ። እሞ ደኣ ደገፍ የሆዋ ምእንቲ ኽንረክብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

13. ካብ ደገፍ የሆዋ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ንሕና ኽንገብሮ ዘሎና ነገራት። ምስቲ ንበይንና ኽንፍለ ዚስምዓና ድፍኢት ንቃለስ። ገዛእ ርእስና እንተ ፈሊና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣትኵሮና ይጸብብ እዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማትን ጥራይ ኢና ኽንሓስብ እንጅምር። እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እዚ፡ ንውሳነታትና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 18:1) ልክዕ እዩ፡ ምናዳ ዜሕዝን ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንእተወሰነ እዋን በይንና ኽንከውን የድልየና እዩ። እንተዀነ ግና፡ ንንውሕ ዝበለ እዋን ገዛእ ርእስና እንተ ፈሊና፡ ነቶም የሆዋ ንዓና ንምሕጋዝ ዚጥቀመሎም ሰባት ከነርሕቖም ንኽእል ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ካብ ሰብ ሓገዝ ምቕባል ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ምናዳ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ኻብ ቤተ ሰብናን ካብ ፈተውትናን ካብ ሽማግለታትን ዚውሃበና ሓገዝ ንቀበል። የሆዋ ንዓና ንምድጋፍ ከም ዚጥቀመሎም ጌርና ንርኣዮም።—ምሳ. 17:17፣ ኢሳ. 32:1, 2

የሆዋ ኼጸናንዓካ እዩ

14. እንታይ ዜፍርህ ኵነታት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

14 ጸገም። ሕማቕ እዋን ከነሕልፍ ከለና፡ ክንፈርህ ንኽእል ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብሰንኪ እቲ ኻብ ጸላእቶም ወይ ካብ ካልኦት ዝወረዶም ጸቕጢ፡ ጭንቅን ራዕድን ከም ዝሓዞም ገሊጾም ኣለዉ። (መዝ. 18:4፣ 55:1, 5) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ካብ ቤተ ሰብና፡ ወይ ካብ መንግስቲ ተቓውሞ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ምናልባት እውን ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገም ከይንመውት ንፈርህ ንኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜያት፡ ልክዕ ከም ሕጻን ዓቕሚ ዘይብልና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ የሆዋ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ዚድግፈና ብኸመይ እዩ፧

15. ኣብ መዝሙር 94:19 እንታይ መረጋገጺ እዩ ተዋሂቡና ዘሎ፧

15 የሆዋ ዚገብሮ ነገራት። የሆዋ የጸናንዓናን የደዓዕሰናን እዩ። (መዝሙር 94:19 ኣንብብ።) ነዚ ኣብዛ መዝሙር ዚርከብ ቃላት ንምርዳእ ዚሕግዘና ምሳሌ እስከ ንርአ። ንበል ሓንቲ ንእሽቶ ጓል፡ ነጕድን በርቅን ዘለዎ ብርቱዕ ዝናም ብምዝናሙ ፈሪሃ ኣላ፡ ክትድቅስ እውን ኣይከኣለትን። ኣቦኣ ግና ናብኣ መጺኡ ድቃስ ክሳዕ ዚወስዳ ይሓቝፋ። ዋላ እኳ ብርታዐ እቲ ዝናም እንተ ዘይነከየ፡ ብሕቝፊ ኣቦኣ ትጸናናዕ። ንሕና እውን ብፈተናታት ክንፈርህ ከለና፡ ክሳዕ እንሃድእ ኣብ ሕቝፊ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽንከውን ንደሊ ኢና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኻብ የሆዋ ኸምዚ ዓይነት ምጽንናዕ ክንቅበል እንኽእል፧

ንሰማያዊ ኣቦኻ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ኼደዓዕሰካ ፍቐደሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 15-16 ርአ)


16. ካብቲ የሆዋ ዚህቦ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽትጥቀም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

16 ንሕና ኽንገብሮ ዘሎና ነገራት። ኣዘውቲርካ ምስ የሆዋ ግዜ ኣሕልፍ። ናብኡ ጸሊ፡ ቃሉ እውን ኣንብብ። (መዝ. 77:1, 12-14) ድሕሪኡ፡ ኣብ ትሕቲ ውጥረት ክትከውን ከለኻ፡ ፈለማ ዚመጸልካ ነገር ናብቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ምቕራብ እዩ። ፍርህኻን ዜተሓሳስበካ ነገራትን ንየሆዋ ንገሮ። ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ኺዛረበካን ኬደዓዕሰካን እውን ፍቐደሉ። (መዝ. 119:28) ክትፈርህ ከለኻ፡ ምናዳ ገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኼጸናንዓካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ካብ መጽሓፍ እዮብን ካብ መጽሓፍ መዝሙርን ካብ መጽሓፍ ምሳሌን፡ ከምኡ እውን ካብቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 6 ዚርከብ ቃላት የሱስ፡ ምትብባዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ናብ የሆዋ እንተ ጸሊኻን ቃሉ እንተ ኣንቢብካን፡ ክትጸናናዕ ኢኻ።

17. እንታይ ምትእምማን እዩ ኺህልወና ዚኽእል፧

17 የሆዋ ኣብቲ ጽልሙት ክፋል ህይወትና ኸም ዚሕግዘና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ንበይንና ኣይሓድገናን እዩ። (መዝ. 23:4፣ 94:14) የሆዋ ኸም ዚሕልወናን ከም ዜረጋግኣናን ከም ዚድግፈናን ከም ዜጸናንዓናን ቃል ኣትዩልና ኣሎ። ኢሳይያስ 26:3 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚገብሮ ኽትገልጽ ከላ፡ “ነቶም ምሉእ ብምሉእ ኣባኻ ዚጽግዑ፡ ክትሕልዎም ኢኻ፣ ብኣኻ ስለ እተኣመኑ፡ ቀጻሊ ሰላም ክትህቦም ኢኻ” ትብል። ስለዚ፡ ብየሆዋ ተኣመን፡ ነቲ ንዓኻ ንምሕጋዝ ዚጥቀመሉ መገድታት እውን ተጠቐመሉ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት እኳ ብርታዐ ኽትረክብ ኢኻ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ምናዳ መዓስ እዩ ሓገዝ የሆዋ ዜድልየና፧

  • የሆዋ ኣብ ግዜያት ጭንቂ ብምንታይ ኣርባዕተ መገድታት እዩ ዚሕግዘና፧

  • ካብ ሓገዝ የሆዋ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

መዝሙር 12 የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።