ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4

መዝሙር 30 ኣቦይ ኣምላኸይ፡ ፈታውየይ፡

የሆዋ የፍቅረካ እዩ

የሆዋ የፍቅረካ እዩ

“የሆዋ ኣዝዩ ፈቃር . . . እዩ።”ያእ. 5:11

ኣትኵሮ

ፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ናብኡ ኸም ዜቕርበና፡ በዚ ኸምዚ ድማ ውሕስነትን ሓልዮትን ዕረፍትን ከም ዚስምዓና።

1. ብዛዕባ የሆዋ ኽትሓስብ ከለኻ እንታይ እዩ ናብ ኣእምሮኻ ዚመጽእ፧

 የሆዋ ኸመይ ከም ዚመስል ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ናብኡ ኽትጽሊ ኸለኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ ኢኻ እትስእል፧ የሆዋ ብዓይኒ ዘይርአ እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ መገድታት ገሊጽዎ ኣሎ። የሆዋ “ጸሓይን ዋልታን” ከምኡ ድማ “ዚባላዕ ሓዊ” ተባሂሉ ኣሎ። (መዝ. 84:11፣ እብ. 12:29) ኣብ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ከም እምኒ ሰፊሮስን ከም ዜንጸባርቕ ብረትን ከም ቀስተ ደበናን ከም ዚመስል ተገሊጹ ኣሎ። (ህዝ. 1:26-28) ገሊኡ ኻብዚ ብዛዕባ የሆዋ እተዋህበ መግለጺታት ፍሉይ ኣኽብሮት ኬሕድረልና፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ኬፍርሃና ይኽእል እዩ።

2. ገሊኦም ናብ የሆዋ ኸይቀርቡ እንታይ ኪዓግቶም ይኽእል፧

2 ንየሆዋ ኽንርእዮ ስለ ዘይንኽእል፡ ከም ዜፍቅረና ምእማን ይኸብደና ይኸውን። ገሊኦም ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ህይወቶም ዘሕልፍዎ ነገራት፡ የሆዋ ኼፍቅሮም ከም ዘይክእል ይስምዖም እዩ። ምናልባት ኣብ ህይወቶም ፈቃር ኣቦ ኣይረኣዩን ይዀኑ። የሆዋ ነዚ ስምዒታት እዚ ይርድኦ እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዚጸልወና እውን ይፈልጥ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ኣብ ቃሉ ገሊጹልና ኣሎ።

3. ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ብዝያዳ ኽንምርምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 እታ ንየሆዋ ብዝበለጸ እትገልጾ ቓል፡ ፍቕሪ እያ። (1 ዮሃ. 4:8) የሆዋ ፍቕሪ እዩ። ኵሉ እቲ ዚገብሮ ነገራት በዛ ባህርይ እዚኣ እዩ ዚጽሎ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ፡ ኣዝያ ሰፋሕን ሓያልን ብምዃና ናብቶም ዘየፍቅርዎ እውን ትዝርጋሕ እያ። (ማቴ. 5:44, 45) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ፍቕሩን ብደቂቕ ክንምርምር ኢና። ብዛዕባ ኣምላኽና ብዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን ከኣ፡ ብዝያዳ ኸነፍቅሮ ኢና።

የሆዋ ኣዝዩ የፍቅረና እዩ

4. ፍቕሪ የሆዋ እንታይ ስምዒት እዩ ዚፈጥረልካ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 “የሆዋ ኣዝዩ ፈቃር . . . እዩ።” (ያእ. 5:11) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንገዛእ ርእሱ ምስ ፈቃር ኣደ ኣመሳሲሉ ኣሎ። (ኢሳ. 66:12, 13) ንውላዳ ብፍቕሪ እትከናኸን ኣደ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ኣብ ገሊኡ እዋን ኣብ ሕቝፋ ተሰራስሮ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን ከኣ እናረረወት ብህዱእ ድምጻ ትእብዶ እያ። ኪበኪ ወይ ኪቕንዞ ኸሎ፡ ዜድልዮ ኸተማልኣሉ ትጽዕር እያ። ንሕና እውን ኣብ ግዜ ጭንቅና፡ ብፍቕሪ የሆዋ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ሓደ ዘማሪ፡ “ጭንቀት ምስ ወሓጠኒ፡ ንስኻ ኣጸናኒዕካንን ኣደዓዒስካንን ኢኻ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—መዝ. 94:19

“ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኣነ ኸጸናንዓኩም እየ” (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ)


5. እቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

5 የሆዋ እሙን እዩ። (መዝ. 103:8) ጌጋ ኽንገብር ከለና፡ ብኣና ተስፋ ኣይቈርጽን እዩ። ህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ ብተደጋጋሚ የጕህይዎ ነይሮም እዮም፣ ንሱ ግና፡ “ኣብ ኣዒንተይሲ ኽቡር ኴንካ፣ እወ፡ እተኸበርካ ዄንካ፣ ኣነ እውን ኣፍቂረካ” ብምባል ነቶም እተነስሑ ህዝቡ ጽኑዕ ፍቕሪ ኸም ዘለዎ ገሊጹ እዩ። (ኢሳ. 43:4, 5) ፍቕሪ ኣምላኽ ኣይተቐየረን። ወትሩ በዚ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ከቢድ ጌጋታት እኳ እንተ ገበርና፡ የሆዋ ኣይሓድገናን እዩ። እንተ ተነሲሕናን ናብኡ እንተ ተመሊስናን፡ ፍቕሩ ኸም ቀደሙ እዩ ዚቕጽል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ብዙሕ ይቕረ ይብል እዩ” ብምባል ቃል ኣትዩልና ኣሎ። (ኢሳ. 55:7) ብተወሳኺ፡ እዚ ይቕረታ እዚ፡ ‘ካብ የሆዋ ባዕሉ እዋን ዕረፍቲ ኸም ዜምጽእ’ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ።—ግብ. 3:19

6. ዘካርያስ 2:8 ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ትምህረና፧

6 ዘካርያስ 2:8 ኣንብብ። የሆዋ ስለ ዜፍቅረና፡ ስምዒትና ይርድኣልና፡ ኬዕቍበና እውን ይደሊ እዩ። ክንጕሂ ኸለና፡ ይጕሂ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልወኒ” ኢልና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። (መዝ. 17:8) ዓይንና ተኣፋፍን ክቡርን ክፋል ሰብነትና እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንዓና ምስ መርዓት ዓይኑ ኼመሳስለና ኸሎ፡ ‘ንዓኻትኩም ንህዝበይ ዚጐድእ፡ ኣብ ዜሕምመኒ እዩ ዚትንኪ’ እዩ ዚብል ነይሩ።

7. ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ኸነደልድል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 የሆዋ ብውልቂ ኸም ዜፍቅረና ኽንኣምን ይደልየና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ ዘሕለፍናዮ ነገራት፡ ብሓቂ ኼፍቅረና ዚኽእል እንተ ዀይኑ ሕቶ ኺልዓለና ኸም ዚኽእል ይፈልጥ እዩ። ወይ ድማ ነቲ ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ዚፍትን ኵነታት ነሕልፍ ንኸውን። እሞ ደኣ ነዚ እምንቶና እዚ እንታይ ኬደልድሎ ይኽእል፧ የሆዋ ንየሱስን ንቕቡኣትን ንዅላትናን ብኸመይ ፍቕሩ ኸም ዝገለጸልና ምፍላጥ ነዚ እምንቶና ኼደልድለልና ይኽእል እዩ።

የሆዋ ፍቕሩ ብኸመይ ይገልጽ፧

8. የሱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣቦኡ ርግጸኛ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

8 ማእለያ ንዘይብሉ ዘመናት ኣብ መንጎ የሆዋን እቲ ፍቑር ወዱን ሓያል ፍቕሪ ማዕቢሉ እዩ። እዚ ርክብ እዚ ኣብ ብዘሎ ዩኒቨርስ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ዝሓዘ እዩ። የሆዋ ንየሱስ ዘለዎ ፍቕሪ ብንጹር ገሊጹ እዩ። ነዚ ኣብ ማቴዎስ 17:5 ኸነንብቦ ንኽእል ኢና። የሆዋ፡ ‘ዝሰምሮ እዚ እዩ’ ጥራይ ኪብል ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ንየሱስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮ ኽንፈልጥ ደልዩና። ስለዚ፡ “ፍቑር ወደይ” ኢሉ ጸዊዕዎ። ብመንነት ወዱን በቲ ወዱ ድሕሪኡ ዚገብሮ ነገራትን ሓበን እዩ ተሰሚዕዎ። (ኤፌ. 1:7) የሱስ ከኣ ኣቦኡ ኸም ዜፍቅሮ ኣይጠራጠርን እዩ ነይሩ። ፍቕሪ የሆዋ ኣመና ህያው ስለ ዝዀነሉ፡ ኣብ ውሽጡ ይስምዖ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣቦ ኸም ዜፍቅሮ ብተደጋጋሚ ይገልጽ ነበረ።—ዮሃ. 3:35፣ 10:17፣ 17:24

9. እቲ የሆዋ ንቕቡኣት ዘለዎ ፍቕሪ በየነይቲ ቓል ተገሊጹ ኣሎ፧ ግለጽ። (ሮሜ 5:5)

9 የሆዋ ንቕቡኣት እውን ፍቕሩ ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ሮሜ 5:5 ኣንብብ።) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እታ “ዝፈሰሰ” እትብል ቃል እሞ ኣስተብህለላ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ነዛ ቓል እዚኣ “ኣብ ልዕሌና ወሓዘ” ብምባል ገሊጽዋ ኣሎ። እዝስ ነቲ የሆዋ ንቕቡኣት ዘለዎ ብዙሕ ፍቕሪ ጽቡቕ ገይሩ ዚገልጾ ደይኰነን፧ ቅቡኣት “ብኣምላኽ ኣቦ እተፈቕሩ” ምዃኖም ይፈልጡ እዮም። (ይሁ. 1) ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ውሉዳት ኣምላኽ ምእንቲ ኽንብሃል፡ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እሞ ርኣዩ!” ኢሉ ብምጽሓፍ ንስምዒቶም ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ዮሃ. 3:1) ፍቕሪ የሆዋ ግና ኣብ ቅቡኣት ጥራይ እተደረተ ድዩ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ንዅላትና ኸም ዜፍቅረና ኣርእዩ እዩ።

10. የሆዋ ንዓኻ ኸም ዜፍቅረካ ዘረጋገጸልካ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ መረጋገጺ እንታይ እዩ፧

10 ካብ ኵሉ ዝዓበየ መረጋገጺ ፍቕሪ የሆዋ እንታይ እዩ፧ እቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ እዩ። እዚ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ ሮሜ 5:8) የሆዋ ፍቑር ወዱ እዩ ሂቡ፣ ሓጢኣትና ኺሕደገልናን ፈተውቱ ኽንከውንን ኢሉ፡ ወዱ ምእንቲ ዅሎም ደቂ ሰብ ኪመውት እዩ ፈቒዱ። (1 ዮሃ. 4:10) ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ብዝያዳ ብዘስተንተንና መጠን፡ ንነፍሲ ወከፍና ኸም ዜፍቅሩና ብዝያዳ እዩ ዚርድኣና። (ገላ. 2:20) እቲ በጃ ምእንቲ ፍትሒ ተባሂሉ ጥራይ እተኸፍለ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ብፍቕሪ ተላዒልካ እተዋህበ ውህበት እዩ። የሆዋ ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚፈትዎ ወዱ የሱስ ብምስዋእ፡ ፍቕሩ ገሊጹልና እዩ። ወዱ ምእንታና ኺሳቐን ኪመውትን እዩ ፈቒዱ።

11. ካብ ኤርምያስ 31:3 እንታይ ትምሃር፧

11 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንስምዒቱ ኣብ ውሽጡ ኣይኰነን ዚሕዞ፣ የግዳስ፡ ፍቕሩ ጽቡቕ ገይሩ ይገልጸልና እዩ። (ኤርምያስ 31:3 ኣንብብ።) ስለ ዜፍቅረና፡ ናብኡ ስሒቡና ኣሎ። (ምስ ዘዳግም 7:7, 8 ኣረኣኢ።) ካብ ፍቕሩ ኺፈልየና ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። (ሮሜ 8:38, 39) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ንዓኻ እንታይ ስምዒት ትፈጥረልካ፧ ንመዝሙር 23 እሞ ኣንብባ፡ ድሕሪኡ ፍቕርን ሓልዮትን የሆዋ ኣብ ዳዊት ዘሕደሮ ጽልዋ፡ ኣባና እውን ኬሕድሮ ዚኽእል ጽልዋ ርአ።

ፍቕሪ የሆዋ እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧

12.መዝሙር 23 ብኸመይ ኣሕጽር ኣቢልካ ምገለጽካያ፧

12 መዝሙር 23:1-6 ኣንብብ። መዝሙር 23 ነቲ ሓደ ዘማሪ ኣብ ፍቕርን ሓልዮትን የሆዋ ዘለዎ እምንቶ እትገልጽ መዝሙር እያ። እቲ ጸሓፊ እዛ መዝሙር እዚኣ ዝዀነ ዳዊት ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እቲ ጓሳዪኡ ዝዀነ የሆዋን ዘሎ ሓያል ፍቕሪ ገሊጽዎ ኣሎ። ዳዊት ኣብ መሪሕነት የሆዋ እዩ ተወኪሉ፣ ምሉእ ብምሉእ እውን ናብኡ እዩ ዚጽጋዕ ነይሩ። ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ምሉእ ዕድሚኡ ኸም ዚስዕቦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እሞ ደኣ ኽሳዕ ክንድዚ ኸም ዚተኣማመን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

13. ዳዊት፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየሉ ዚተኣማመን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

13 “ዚጐድለኒ የብለይን።” ዳዊት፡ የሆዋ ዜድልዮ ዘበለ ዅሉ ስለ ዜማልኣሉ፡ ጽቡቕ ሓልዮት ከም እተገብረሉ እዩ ተሰሚዕዎ። ዕርክነትን ሞገስን የሆዋ ብምርካቡ እውን ባህ እዩ ኢልዎ። ስለዚ፡ ኣብ መጻኢ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ፡ የሆዋ ዜድልዮ ዘበለ ዅሉ ኸም ዜማልኣሉ ርግጸኛ ዀይኑ ነበረ። እቲ ዳዊት ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ኻብ ጭንቀቱ ኣመና ይሕይል ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ውሽጣዊ ሓጐስን ዕግበትን ተሰምዖ።—መዝ. 16:11

14. ከመይ ገይሩ እዩ የሆዋ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ዜርእየና፧

14 ምናዳ ኣብ ህይወትና ሕማቕ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ይሓልየልና እዩ። ኣብ ቤት-ኤል ልዕሊ 20 ዓመት ዘገልገለት ክሌር፡ a ንቤተ ሰባ ተደራራቢ ጸገማት ምስ ኣጋጠሞም እትገብሮ ሓርቢትዋ ነበረ። ንኣቦኣ ዜማስን ወቕዒ ኣጋጠሞ፡ ሓንቲ ኻብ ኣሓታ እውን ተወገደት፣ ኣብ ርእሲ እዚ፡ ቤተ ሰባ ነታ ንእሽቶ ስራሖምን ቤቶምን ሰኣኑ። እሞ ደኣ የሆዋ ብኸመይ እዩ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኣርእይዎም፧ ክሌር ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “የሆዋ ንስድራ ቤተይ፡ መዓልቲ መዓልቲ ዜድልዮም ዝበለ ኸም ዚረኽቡ ይገብር ነይሩ እዩ። እቲ የሆዋ ዚህበና፡ ካብቲ ኽሓስቦ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ርእየ እየ! ብዛዕባ እቲ ፍቕሪ የሆዋ ዝረኣኹሉ ግዜያት ብዙሕ ሳዕ እየ ዝሓስብ፡ ነዚ እውን ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። እዚ ተዘክሮታት እዚ ኣብ እዋን ፈተናታት ጸኒዐ ኽመላለስ ሓጊዙኒ እዩ።”

15. ዳዊት ሓይሉ እተሓደሰ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

15 የሐድሰኒ።”  ሓድሓደ ግዜ፡ ዳዊት ብሰንኪ እቲ ዅሉ ጸገማቱን ፈተናታቱን ይጭነቕ ነበረ። (መዝ. 18:4-6) ኰይኑ ግና፡ ፍቕርን ሓልዮትን የሆዋ የሐድሶ ነበረ። የሆዋ ነዚ ዝደኸመ ፈታዊኡ ናብ “ልሙዕ መጓሰዪ” ይወስዶ፡ “ማይ ናብ ዝመልኦ መዕረፊ” እውን ይመርሖ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዳዊት ሓይሉ ተሓደሰ፡ ጸኒዑ ኪቕጽል እውን ከኣለ።—መዝ. 18:28-32

ዳዊት ኣብ ጭንቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ፡ ብፍቕርን ብሓልዮትን የሆዋ ተሓዲሱ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)


16. ፍቕሪ የሆዋ ንዓኻ ብኸመይ ኣሐዲሱካ፧

16 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ህይወትና ፈተናታትን ቃልስታትን ኬጋጥመና ኸሎ፡ “ሳላ እቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ኢና ዘይተወዳእና።” (ድጕ. 3:22፣ ቈሎ. 1:11) ንኣብነት፡ ንሬቸል ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19፡ ሰብኣያ ንዓኣን ንየሆዋን ሓዲጉ ምስ ከደ፡ ኣመና እያ ጕህያ። እሞ ደኣ የሆዋ እንታይ ገይሩላ፧ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “የሆዋ ብፍቕሪ ኸም ዝማምቝ እዩ ገይሩ። ብፈተውተይ ከም ዝኽበብ እዩ ገይሩ። ንሳቶም ድማ ምሳይ ግዜ የሕልፉ፡ ምግቢ ሒዞም ይበጽሑኒ፡ ብሓልዮት ተደሪኾም መልእኽትታትን ጥቕስታትን ይልእኩለይ፡ ፍሽኽ ይብሉኒ፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየለይ እውን ብቐጻሊ የዘኻኽሩኒ እዮም። ፍቕሪ ዝዓሰሎ ዓብዪ ስድራ ቤት ስለ ዝሃበኒ፡ ንየሆዋ ዅሉ ሳዕ እየ ዘመስግኖ።”

17. ዳዊት “ከይጕዳእ ኣይፈርህን እየ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

17 “ንስኻ ምሳይ ኢኻ . . . እሞ፡ . . . ከይጕዳእ ኣይፈርህን እየ።” ዳዊት ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓደጋ ይነብር ነበረ፣ ብዙሓት ሓያላት ጸላእቲ እውን ነበርዎ። ሳላ ፍቕሪ የሆዋ ግና ድሕንነትን ዕቝባን ይስምዖ ነበረ። ኣብ ኵሉ ዅነታት፡ የሆዋ ምስኡ ኸም ዝነበረ ይስምዖ ነበረ፣ በዚ ድማ ተተባብዐ። ስለዚ፡ “[የሆዋ] ኻብ ኵሉ ፍርሀይ ኣናጊፉኒ” ኢሉ ኺዝምር ከኣለ። (መዝ. 34:4) ዳዊት ብሓቂ ዜፍርህ ኵነታት እዩ ነይርዎ፣ ፍቕሪ የሆዋ ግና ካብ ፍርሁ ዚሕይል ነበረ።

18. ኣብ እትፈርሃሉ እዋን ብኸመይ እዩ ፍቕሪ የሆዋ ዜሐይለካ፧

18 ዜፍርህ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ኬበርትዓና ይኽእል፧ ሱዚ ዝስማ ፈላሚት ወዳ ርእሰ ቕትለት ምስ ፈጸመ፡ ንሳን ሰብኣያን ከመይ ከም እተሰምዖም ክትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ሃንደበታዊ ሓዘን ከቢድ እዩ፣ ተነቃፍን ረዳኢ ኣልቦን ከም ዝዀንካ ዀይኑ እውን ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። ፍቕሪ የሆዋ ግና ድሕንነትን ዕቝባን ከም ዚስምዓና እዩ ገይሩ።” እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሬቸል ድማ፡ “ሓደ ለይቲ ልበይ ኣመና ምስ ጐሃየን ኣዝየ ምስ ተጨነቕኩን ምስ ፈራህኩን፡ ናብ የሆዋ ኣእውየ። ሽዑሽዑ ኸኣ ከምቲ ኣደ ንሕጻና እትገብረሉ ንልበይ ኬደዓዕሶን ኬህድኦን ከሎ ተሰሚዑኒ፣ ድሕርዚ፡ ድቃስ ወሲዱኒ። ነታ ህሞት እቲኣ፡ ከቶ ኣይርስዓን እየ።” ታሶስ ዝስሙ ሽማግለ ውትህድርና ብምእባዩ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕልፈ። እሞ ደኣ ፍቕርን ሓልዮትን የሆዋ ብኸመይ እዩ ርእዩ፧ ከምዚ ብምባል ባዕሉ ይምልስ፦ “የሆዋ ነቲ ዜድልየኒ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ኣማሊኡለይ እዩ። እዚ ድማ ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ክውከል ከም ዝኽእል፡ እምንቶይ ኣደልዲሉለይ እዩ። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ኣብ ዜጨንቕ ሃዋህው እኳ ሓጐስ ሂቡኒ እዩ። እዚ ኸኣ ምስኡ ብቐረባ ብዝዓየኹ መጠን፡ ካብ ሕያውነቱ ብዝያዳ ኸም ዝጥቀም ኣረጋጊጹለይ። ስለዚ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸናሕኩሉ እዋን ስሩዕ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግሎ ጀሚረ።”

ነቲ ፈቃር ኣምላኽካ ቕረቦ

19. (ሀ) ኣምላኽ ከም ዜፍቅረና ምፍላጥ ንጸሎትና ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ እዩ ንዓኻ ብብሕቲ ዚትንክየካ፧ (“ ብፍቕሪ የሆዋ ኸም እንማምቝ ዚገብረና ቓላት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

19 ኵሉ እዚ ዝረኣናዮ ተመክሮታት፡ እቲ “ኣምላኽ ፍቕሪ” ዝዀነ የሆዋ ምሳና ኸም ዚኸውን እዩ ዜረጋግጸልና። (2 ቈረ. 13:11) ብደረጃ ውልቀ ሰብ ይግደሰልና እዩ። ‘በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ኸም እተኸበብና’ እውን ንኣምን ኢና። (መዝ. 32:10) ፍቕሩ ብኸመይ ከም ዘርኣየና ብዝያዳ ብዘስተንተንና መጠን፡ ንሱ ብዝያዳ እዩ ህያው ዚዀነልና፡ ንሕና እውን ብዝያዳ ኢና እንቐርቦ። ከይተሰከፍና ናብኡ ብምቕራብ፡ ፍቕሩ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜድልየና ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና። ከም ዚርድኣልናን ኪሕግዘና ኸም ዚኽእልን ብምትእምማን፡ ኵሉ ጭንቀትና ኸነፍስሰሉ ንኽእል ኢና።—መዝ. 145:18, 19

20. ፍቕሪ የሆዋ ናብኡ ኽንቀርብ ዚድርኸና ብኸመይ እዩ፧

20 ከምቲ ኣብ ቈራሪት መዓልቲ ናብ ዜማምቝ ሓዊ ኽንቀርብ እንደሊ፡ እቲ ማምቝ ፍቕሪ የሆዋ እውን ይስሕበና እዩ። የሆዋ ሓያል ፍቕሪ ኣላቶ፡ ካብ ልቡ እውን እዩ ዚፈትወና። እምበኣር፡ የሆዋ ስለ ዘፍቀረካ፡ በዚ ተሓጐስ። ኵላትና ድማ ነቲ ፍቕሩ፡ “ንየሆዋ አፍቅሮ እየ” ዚብል ምላሽ ንሃበሉ።—መዝ. 116:1

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ንፍቕሪ የሆዋ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

  • የሆዋ ኣዝዩ ኸም ዜፍቅረካ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

  • ፍቕሪ የሆዋ እንታይ ስምዒት ይፈጥረልካ፧

መዝሙር 108 ኣምላኽና ብተኣማንነት የፍቅር

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።