ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ንተዘክሮኻ ንምሕጋዝ ስእሊ ስኣል

ንተዘክሮኻ ንምሕጋዝ ስእሊ ስኣል

ምናልባት ከም መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ዘጽናዕካዮ ምዝካር የጸግመካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ የሱስ እተጠቕመሉ ምሳሌታት ንምዝካሩ ቐሊል ምዃኑ ኣስተብሂልካዶ፧ ነቲ ምሳሌታት ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ድማ ብቐሊሉ ኽትዝክሮ ይሕግዘካ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ዘጽናዕካዮ ጕዳይ ብኣእምሮኻ ብምስኣል፡ ንተዘክሮኻ ኸተሐይሎ ትኽእል ኢኻ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ኣብ ወረቐት ስእሊ ብምስኣል ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ እተማህርዎ ሓድሽ ነገራት ስእሊ ዚስእሉ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዝሓሸ ይዝክርዎ እዮም። እዚ ሜላ እዚ፡ ኣብ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ረቂቕ ሓሳባት እውን ይዓዪ እዩ። እቲ ዚስእልዎ ስእሊ፡ ብተራ ሕንጻጻት ዚስኣል ስእሊ ደኣ እምበር፡ ብሉጽ ስነ ጥበብ ኣይኰነን። ምናዳ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ካብዚ ኺጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ኸኣ መርትዖታት ይሕብር እዩ።

እምበኣር፡ ኣብ ዚቕጽል መጽናዕትኻ፡ ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ ትምህርቲ ስእሊ ኽትስእል ትኽእል ኢኻ። እዚ ንተዘክሮኻ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜመሓይሾ የገርመካ ይኸውን!