ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 3

መዝሙር 35 ‘ዚሓይሽ መርምሩ’

ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ግበር

ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ግበር

“ፍርሃት የሆዋ መጀመርታ ጥበብ እዩ፣ ፍልጠት እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ ከኣ ኣእምሮ እዩ።”ምሳ. 9:10

ኣትኵሮ

ብፍልጠትን ብኣእምሮን ብምስትውዓልን ጌርና ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነታት ከም እንገብር።

1. ንዅላትና እንታይ በዳሂ ዅነታት እዩ ዜጋጥመና፧

 መዓልቲ መዓልቲ ውሳነታት ክንገብር ኣሎና። ገሊኡ ውሳነታት ብተዛማዲ ቐሊል እዩ። ገለ ኻብኡ፡ እንታይ ከም እንቘርስ ወይ ሰዓት ክንደይ ከም እንድቅስ ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ገሊኡ ውሳነታት ግና፡ ከቢድ እዩ። ንጥዕናና፡ ንሓጐስና፡ ንስድራ ሰብና፡ ወይ ንኣምልኾና ኺጸሉ ይኽእል እዩ። ውሳነታትና ንዓና ዀነ ንስድራ ሰብና ዚጠቅም ኪኸውን ኢና እንደሊ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ኪኸውን ኢና እንደሊ።—ሮሜ 12:1, 2

2. እንታይ ስጕምትታት እዩ ጥበባዊ ውሳነታት ክትገብር ዚሕግዘካ፧

2 ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር፡ (1) ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብ፡ (2) የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እንታይ ከም ዚሓስብ ኣብ ግምት ምእታው፡ (3) ኣማራጺታትካ ምግምጋም፡ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ስጕምትታት እዚ ኽንመያየጠሉ ኢና፣ ንናይ ምስትውዓል ክእለትና ብኸመይ ከነሰልጥኖ ኸም እንኽእል እውን ክንርኢ ኢና።—ምሳ. 2:11

ቅኑዕ ሓበሬታ ርኸብ

3. ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ስለምንታይ ክትረክብ ከም ዜድልየካ ብምሳሌ ኣረድእ።

3 ጽቡቕ ውሳነ ናብ ምግባር ዚመርሕ ቀዳማይ ስጕምቲ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ምርካብ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንኣብነት፡ ሓደ ሕሙም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም፡ ናብ ሓኪም ይኸይድ ንበል። እሞ ደኣ እቲ ሓኪም ነቲ ሕሙም ከይመርመሮ ወይ ሕቶታት ከይሓተቶ እንታይ ዓይነት ሕክምና ኸም ዜድሊ ምወሰነዶ፧ ኣይምወሰነን። ንስኻ እውን ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር፡ ምስቲ ዅነታትካ ዚተሓሓዝ ቅኑዕ ሓበሬታ ኽትረክብ ኣሎካ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ቕኑዕ ሓበሬታ ኽትረክብ እትኽእል፧

4. ምስ ምሳሌ 18:13 ብምስምማዕ፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

4 መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሕቶታት ብምሕታት፡ ቅኑዕ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ናብ ሓደ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ተዓዲምካ ንበል። እሞኸ ኽትከይድ ዲኻ፧ እቲ ዓዳሚ መን ምዃኑ ወይ እቲ ዕድመ ኸመይ ምዃኑ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትሓትት የድልየካ እዩ፦ “እቲ ምትእኽኻብ ኣበይን መዓስን እዩ ዚግበር፧ ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት እዮም ኣብኡ ኺህልዉ፧ መን እዩ ኺቈጻጸሮ፧ እቶም ዕዱማትከ መን እዮም፧ እንታይ ንጥፈታት እዩ ኺህሉ፧ ኣልኮላዊ መስተኸ ኺህሉ ድዩ፧” መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ጥበባዊ ውሳነ ንምግባር ኪሕግዘካ እዩ።—ምሳሌ 18:13 ኣንብብ።

ሕቶታት ብምሕታት ቅኑዕ ሓበሬታ ርኸብ (ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ) a


5. ቅኑዕ ሓበሬታ ምስ ረኸብካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

5 ቅኑዕ ሓበሬታ ምስ ረኸብካ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ዅነታት ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ። ንኣብነት፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣኽብሮት ዘይብሎም ሰባት ኣብቲ ምትእኽኻብ ከም ዚህልዉ፡ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ብዘይ ተቘጻጻሪ ኸም ዚቐርብ ፈሊጥካ ንበል። እቲ ምትእኽኻብ ናብ ቀይዲ በተኽ ድግስ ኪቕየር ከም ዚኽእልሲ ኸተስተውዕል ትኽእልዶ፧ (1 ጴጥ. 4:3፡ እ.ጽ.) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ምትእኽኻብ ካብ ኣኼባ ጉባኤ ወይ ካብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዜብኵረካ እንተ ዀይኑኸ፧ ነቲ ሓፈሻዊ ዅነታት በዚ ኸምዚ እንተ ገምጊምካዮ፡ ጽቡቕ ውሳነ ናብ ምግባር ገጽካ ኢኻ እተምርሕ ዘለኻ። እንተዀነ ግና፡ ገና ኽትወስዶ ዚግባእ ሓደ ስጕምቲ ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ ነቲ ዅነታት ንስኻ ብኸመይ ከም እትርእዮ ኢኻ ገምጊምካ፣ የሆዋ ግና ብዛዕባ እቲ ነገር ከመይ ይስምዖ፧—ምሳ. 2:6

የሆዋ እንታይ ከም ዚሓስብ ኣብ ግምት ኣእቱ

6. ብመሰረት ያእቆብ 1:5፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ ክንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 የሆዋ ብዛዕባ እቲ ነገር እንታይ ከም ዚሓስብ ንምፍላጥ፡ ካብኡ ሓገዝ ለምን። ንዕኡ እንታይ መገዲ ባህ ከም ዜብሎ ኸነስተውዕል ምእንቲ ኽንክእል፡ ጥበብ ከም ዚህበና ቓል ኣትዩልና እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ከኣ፡ “ከይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ” እዩ ዚህብ።—ያእቆብ 1:5 ኣንብብ።

7. ከመይ ጌርካ ኢኻ ሓሳባት የሆዋ ኽትፈልጥ እትኽእል፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

7 ካብ የሆዋ መምርሒ ንምርካብ ናብኡ ምስ ጸለኻ፡ ነቲ ንሱ ዚህበካ ምላሽ ኣቕልበሉ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ እናተጐዓዝካ ኸለኻ መገዲ እንተ ጠፊኡካ፡ ንወዲ ዓዲ ምሓተትካ። ምስ ሓተትካዮ ግና፡ ምላሽ ክሳዕ ዚህበካ ኸይተጸበኻ ሓዲግካዮዶ ምኸድካ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ነቲ ዚህበካ ሓበሬታ ተጠንቂቕካ ምሰማዕካዮ። ብተመሳሳሊ፡ ካብ የሆዋ ጥበብ ምስ ለመንካ እውን፡ ነቲ ዅነታትካ ዚምልከት ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ብምልላይ፡ ምላሹ ኸተስተውዕሎ ፈትን። ንኣብነት፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ፡ ናብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ንምኻድ ወይ ንዘይምኻድ ክትውስን ከለኻ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቐይዲ በተኽ ድግስን ብዛዕባ ሕማቕ ዕርክነትን ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምቕዳምን እንታይ ከም ዚብል ኣብ ግምት ከተእቱ የድልየካ ይኸውን።—ማቴ. 6:33፣ ሮሜ 13:13፣ 1 ቈረ. 15:33

8. ዜድልየካ ሓበሬታ ንምርካብ ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ዜድልየካ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ሓገዝ የድልየካ ይኸውን። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ካብ ሓደ ምኩር ሓው ወይ ካብ ሓንቲ ምክርቲ ሓብቲ ምኽሪ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ባዕልኻ ምርምር ብምግባር እውን፡ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከም መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከምኡ ድማ ንክርስትያናዊ ህይወት ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝኣመሰለ ናውቲ መጽናዕቲ ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ሸቶኻ ኣይትረስዕ። ሸቶኻ ንየሆዋ ባህ ዜብል ውሳነ ምግባር እዩ።

ኣተሓሳስባ የሆዋ ኣብ ግምት ኣእቱ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ) b


9. ውሳነና ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ (ኤፌሶን 5:17)

9 ውሳነና ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧ ብቐዳምነት፡ ንዕኡ ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍልጠት እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕዱስ . . . ኣእምሮ እዩ” ይብል። (ምሳ. 9:10) እወ፡ ናይ ሓቂ ኣእምሮ ምእንቲ ኸነጥሪ፡ ባህርያቱን ዕላማኡን ንሱ ዚፈትዎ ወይ ዚጸልኦ ነገራትን ክንፈልጥ ኣሎና። እምበኣር፡ ‘ብመሰረት እዚ ብዛዕባ የሆዋ ዝፈልጦ ነገራት፡ እንታይ ውሳነ እዩ ንዕኡ ባህ ዜብሎ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።—ኤፌሶን 5:17 ኣንብብ።

10. ስርዓታት የሆዋ ኻብ ቤተ ሰብና ወይ ባህልና ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ንዚቐርቡና ሰባት ዘየሐጕስ ነገር ክንገብር ኣሎና። ንኣብነት፡ ገሊኦም ወለዲ ኻብ ሓልዮት ተላዒሎም፡ ብጽሕቲ ጓሎም ንሃብታም ሰብኣይ ክትምርዓወሎም እዮም ዚደልዩ፣ ዋላ እውን እቲ ሰብኣይ ብመንፈሳዊ መዳይ ድኹም እንተ ዀነ፡ ከምኡ እዮም ዚመርጹ። ንጓሎም ብስጋዊ መዳይ ጽቡቕ ገይሩ ዚናብያ ሰብ ምድላዮም ጌጋ የብሉን። መንፈሳውነታ ንምዕባይ ግና መን እዩ ኺሕግዛ፧ የሆዋ ነዚ ነገር እዚ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ ማቴዎስ 6:33 ኢና እንረኽቦ። ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ ንክርስትያናት፡ ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ኪደልዩ’ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኣሎ። ንወለድና ዀነ ኣብ ማሕበረ ሰብና ንዘለዉ ሰባት ነኽብር እኳ እንተ ዀንና፡ ብቐዳምነት ዜተሓሳስበና ነገር ግና፡ ንየሆዋ ምሕጓስ እዩ።

ኣማራጺታትካ ገምግም

11. ኣብ ፊልጲ 1:9, 10 ተጠቒሱ ዘሎ እንታይ ባህርይ እዩ ኣማራጺታትካ ኽትግምግም ዚሕግዘካ፧

11 ንውሳነኻ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣለለኻ፡ ኣማራጺታትካ ኽትግምግም ኣሎካ። (ፊልጲ 1:9, 10 ኣንብብ።) ኣማራጺታትካ ናብ ምንታይ ውጽኢት ከም ዚመርሓካ ንምፍላጥ ከኣ፡ ምስትውዓል ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ውሳነ ቐሊል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኵሉ ውሳነ ግና ኣይኰነን ብቐሊሉ ዚንጽረልካ። ምስትውዓል ከኣ ኣብ እተሓላለኸ ዅነታት እኳ፡ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ።

12-13. ምስትውዓል ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

12 ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ንስድራ ቤትካ ንምንባይ ዜኽእል ስራሕ ትደሊ ኣለኻ ንበል። ክልተ ስራሕ ድማ ረኺብካ። ዓይነት እቲ ስራሕን ሰዓታቱን ርሕቀቱን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን እውን ኣብ ግምት ኣእቲኻ። ክልቲኡ እቲ ስራሕ፡ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጋጮ ኣይኰነን። እቲ ሓደ ዓይነት ስራሕ ንስኻ እትመርጾ ወይ ደሞዙ ዝሓሸ ስለ ዝዀነ ግና፡ ናብ ሓዲኡ ትዘዙ ትኸውን። ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ ግና፡ ካልእ ረቛሒታት ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ።

13 ንኣብነት፡ እቲ ስራሕ ምስ ሰዓታት ኣኼባ ጉባኤ ዚጋጮ ድዩ፧ ነቲ ንስድራ ቤትካ ብስምዒታዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ ንምክንኻን ዝመደብካዮ ግዜኸ ይሰርቀካ ድዩ፧ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ምሕታት፡ ‘እቲ ዚሓይሽ ክትምርምር፡’ ማለት ንኣምልኾኻን ንስድራ ቤትካን ካብ ስጋዊ ነገራት ከተቐድም ኪሕግዘካ እዩ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ዚባርኾ ውሳነ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

14. ብምስትውዓልን ብፍቕርን ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ንኻልኦት ካብ ምዕንቃፍ እንቝጠብ ብኸመይ ኢና፧

14 ነስተውዕል እንተ ዄንና፡ ውሳነና ንኻልኦት ሰባት ብኸመይ ከም ዚጸልዎም ኣብ ግምት ነእቱ ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ‘ንኻልኦት ኣይንዕንቅፍን።’ (ፊል. 1:10) ከም ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኣብ ዝኣመሰለ መዳያት ብሕታዊ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ እዚ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ዓይነት ቅዲ ኽዳን ወይ ገሊኡ ዓይነት ኣመለኻኽዓ ንፈቱ ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ውሽጢ ወይ ኣብ ወጻኢ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት በዚ ዘይሕጐሱ እንተ ዀኑኸ፧ ነስተውዕል እንተ ዄንና፡ ንስምዒታቶም ከነኽብረሎም ኢና። ፍቕሪ ኸኣ ጥቕሚ “ኻልእ” ከነቐድምን ትሑታት ክንከውንን ከተለዓዕለና እያ። (1 ቈረ. 10:23, 24, 32፣ 1 ጢሞ. 2:9, 10) ድሕሪኡ፡ ንኻልኦት ዘሎና ፍቕርን ኣኽብሮትን ዜርኢ ውሳነ ኽንገብር ኢና።

15. ዓብዪ ውሳነ ቕድሚ ምትግባርካ፡ እንታይ ውጥን ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

15 ዓብዪ ውሳነ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ ንምትግባሩ እንታይ ከም ዜድልየካ ሕሰብ። የሱስ ‘ቅድም ተቐሚጥና ኽንጽብጽብ’ ምሂሩና እዩ። (ሉቃ. 14:28) ስለዚ፡ ውሳነኻ ንምትግባር፡ ክንደይ ዚኣክል ግዜን ገንዘብን ጕልበትን ክትውፊ ኸም ዘሎካ ሕሰብ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤትካ ነቲ ውሳነ ንምድጋፍ እንታይ ኪገብር ከም ዜድልዮ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ብስድራ ቤት ክትመያየጡ የድሊ ይኸውን። ከምዚ ዓይነት ውጥን ምግባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ ኣብ ውሳነኻ እተወሰነ ምትዕርራይ ከም ዜድሊ፡ ወይ ካልእ ኣማራጺ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ይርኣየካ ይኸውን። ንኣባላት ስድራ ቤትካ ኣብ ውሳነኻ እንተ ኣሳቲፍካዮምን ሓሳባቶም እንተ ሰሚዕካን ከኣ፡ ውሳነኻ ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን ብዝያዳ ኺሕግዙኻ እዮም።—ምሳ. 15:22

ዕዉት ውሳነ ግበር

16. እንታይ ስጕምትታት እዩ ዕዉት ውሳነ ኽትገብር ዜኽእለካ፧ (“ ብኸመይ ጥበባዊ ውሳነ ትገብር፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

16 ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ስጕምትታት እንተ ስዒብካ፡ ዕዉት ውሳነ ንምግባር ተዳሊኻ ኢኻ። ቅኑዕ ሓበሬታ እንተ ረኺብካን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ መርሚርካን፡ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንውሳነኻ ዕዉት ምእንቲ ኺገብሮ፡ ክትልምኖ ትኽእል ኢኻ።

17. ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር ዜኽእለካ ቐንዲ ረቛሒ እንታይ እዩ፧

17 ኣብ ሕሉፍ፡ ሓያሎ ዕዉት ውሳነታት እኳ እንተ ገበርካ፡ ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር ኣብ ኣእምሮኻ ወይ ኣብ ተመክሮኻ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጥበብ የሆዋ ኽትምርኰስ ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ። ንሱ ጥራይ እዩ ጥበብ ንምርካብ ዜኽእለካ ናይ ሓቂ ፍልጠትን ኣእምሮን ምስትውዓልን ኪህበካ ዚኽእል። (ምሳ. 2:1-5) እወ፡ የሆዋ ንዕኡ ባህ ዜብሎ ውሳነታት ክትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—መዝ. 23:2, 3

መዝሙር 28 ፈታው የሆዋ ምዃን

a መግለጺ ስእሊ፦ መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ተሌፎናቶም ብዛዕባ ዝመጾም ዕድመ ፓርቲ ይዛራረቡ።

b መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ኻብቶም ኣሕዋት ናብቲ ፓርቲ ንምኻድ ወይ ንዘይምኻድ ቅድሚ ምውሳኑ፡ ምርምር ይገብር።