ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 1

መዝሙር 2 የሆዋ እዩ ስምካ

ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ

ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ

ጥቕሲ ዓመት 2025፦ “ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ።”መዝ. 96:8

ኣትኵሮ

ንየሆዋ እቲ ዚግብኦ ኽብሪ ብኸመይ ከም እንህቦ።

1. ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ምንታይ እዮም ዜተኵሩ፧

 ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ከም ዚሓስቡስ ኣስተብሂልካዶ፧ ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብገዛእ ርእሶምን ብተግባራቶምን ኪጅሃሩ ኢሎም ዘይገብርዎ ጻዕሪ የሎን። እንተዀነ ግና፡ ብተዛማዲ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንየሆዋ ኽብሪ ምሃብ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ፡ ከምኡ ንምግባር ኬለዓዕለና ዘለዎ ኸኣ እንታይ ምዃኑ ኽንመያየጥ ኢና። ንኣምላኽ እቲ ዚግብኦ ኽብሪ ብኸመይ ክንህቦ ኸም እንኽእልን ንሱ ባዕሉ ኣብ ቀረባ ግዜ ብኸመይ ንስሙ ኸም ዜኽብሮን ክንርኢ ኢና።

ንየሆዋ ኽብሪ ምሃብ ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

2. የሆዋ ኣብ ከረን ሲና ብኸመይ እዩ ኽብሩ ዘርኣየ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

2 ክብሪ እንታይ እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ኽብሪ” እትብል ቃል፡ ነቲ ንኣምላኽ ወይ ንሰብ ክብ ኣቢልካ ኸም እትርእዮ ዚገብር ነገር ተመልክት። ህዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ምስ ወጹ፡ የሆዋ ብዜደንቕ መገዲ ኽብሩ ኣርእዩ እዩ። ነቲ ሽዑ ዝገበሮ ነገር እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፦ ሚልዮናት እስራኤላውያን ምስ ኣምላኾም ንምርኻብ ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ተኣኪቦም ነበሩ። ጸሊም ደበና ኸኣ ነቲ ኸረን ኣጐልበቦ። ብሃንደበት ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። በርቅን ነጐዳን ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትን እውን ይስማዕ ነበረ። (ዘጸ. 19:16-18፣ 24:17፣ መዝ. 68:8) የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ በዚ ዜደንቕ ተግባራት ኣቢሉ ኽብሩ ኼርእዮም ከሎ፡ ንሳቶም ኣዝዮም ኣስተንኪሮም ኪዀኑ ኣለዎም።

ኣብ ከረን ሲና፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዜደንቕ መገዲ ኽብሩ ኣርኣዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)


3. ንየሆዋ ኽብሪ ምሃብ ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

3 ሰባትከ ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህቦ ንኽእል ዲና፧ እወ፡ ንኽእል ኢና። ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ኽብሪ እንህበሉ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ሓይሉን ብዛዕባ እቲ ልቢ ዚትንኪ ባህርያቱን ንሰባት ብምንጋር እዩ። ስለቲ ብብርታዐኡ ዝገበርናዮ ነገር ንሱ ኸም ዚምስገን ብምግባር እውን ክብሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 26:12) ንየሆዋ ኽብሪ ብምሃብ ዝመጸ፡ ንጉስ ዳዊት ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ። ንሱ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ እስራኤል፡ “ኦ የሆዋ፡ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ሓይልን ጽባቐን ግርማን ክብርን ናትካ እዩ” ኢሉ ጸለየ። ጸሎቱ ምስ ወድአ ኸኣ፡ “ኵሎም እቶም ጉባኤ . . . ንየሆዋ . . . ወደስዎ።”—1 ዜና 29:11, 20

4. የሱስ ንየሆዋ ኽብሪ ዝሃቦ ብኸመይ እዩ፧

4 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ተኣምራት ንምግባር ዜኽእል ሓይሊ ኻብ ኣቦኡ ኸም ዝረኸበ ብምግላጽ፡ ንኣቦኡ ኽብሪ ሂብዎ እዩ። (ማር. 5:18-20) በቲ ብዛዕባ ኣቦኡ ዚዛረቦ ዘረባ ዀነ፡ በቲ ንሰባት ዚሕዘሉ መገዲ እውን ንየሆዋ ኽብሪ ሂብዎ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ኣብ ምኵራብ ይምህር ነበረ። ኣብኡ ድማ ን18 ዓመት ጋኔን ዝሓደራ ሰበይቲ ትሰምዕ ነበረት። ንሳ ድማ ኣመና ጐቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕ እውን ከቶ ኣይትኽእልን ነበረት። ኣዝዩ ዜጨንቕ ኵነታት እዩ ነይርዋ! የሱስ ምስ ረኣያ፡ ራሕርሓላ። ብልኡም ደሃይ ከኣ፡ “ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ድኻምኪ ተፈቲሕኪ ኢኺ” በላ። ድሕርዚ፡ ኣእዳዉ ኣንበረላ፣ ንሳ ድማ ብቕጽበት ቀንዐት፡ “ንኣምላኽ እውን ኣሞገሰቶ።” ስለምንታይሲ፡ ጥዕናኣን ክብረታን እዩ ተመሊሱላ! (ሉቃ. 13:10-13) እታ ሰበይቲ እቲኣ ንየሆዋ ኽብሪ እትህበሉ ወይ እተሞግሰሉ ጽቡቕ ምኽንያት ነይርዋ እዩ። ንሕና እውን ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና።

ንየሆዋ ኽብሪ ንምሃብ ዜለዓዕለና እንታይ እዩ፧

5. ንየሆዋ እነኽብረሉ እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

5 ንየሆዋ ልዑል ኣኽብሮት ስለ ዘሎና፡ ክብሪ ንህቦ ኢና። ንየሆዋ እነኽብረሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። የሆዋ ዅሉ ዚኽእል እዩ፣ ደረት ኣልቦ ሓይሊ እውን ኣለዎ። (መዝ. 96:4-7) እቲ ዓሚቝ ጥበቡ ኣብቲ ዝፈጠሮ ነገራት ብንጹር ይርአ እዩ። ሳላኡ ኢና ህይወት ረኺብና፣ ሳላኡ እውን ኢና ብህይወት እንነብር። (ራእ. 4:11) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እሙን እዩ። (ራእ. 15:4) ኵሉ እቲ ዚገብሮ ይሰልጥ እዩ፣ ወትሩ እውን ቃሉ ይሕሉ እዩ። (እያ. 23:14) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባኡ፡ “ካብ ኵሎም ጥበበኛታት ኣህዛብን ካብ ኵለን መንግስትታቶምንሲ፡ ከማኻ ዝበለ ሓደ እኳ የልቦን” ዝበለ። (ኤር. 10:6, 7) እምበኣር፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና እነኽብረሉ ጽቡቕ ምኽንያታት ኣሎና። የሆዋ ግና ኣኽብሮትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፍቕርና እውን ይግብኦ እዩ።

6. ንየሆዋ እነፍቅሮ ስለምንታይ ኢና፧

6 ንየሆዋ ኣጸቢቕና ስለ እነፍቅሮ፡ ክብሪ ንህቦ ኢና። ንየሆዋ ኸነፍቅሮ ዜለዓዕለና እተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎና። ንሱ መሓርን ርሕሩሕን እዩ። (መዝ. 103:13፣ ኢሳ. 49:15) ደንጋጺ እዩ፣ ስቓይና እውን ይስምዖ እዩ። (ዘካ. 2:8) ናብኡ ኽንቀርብን ፈተውቱ ኽንከውንን መገዲ ይኸፍተልና እዩ። (መዝ. 25:14፣ ግብ. 17:27) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ትሑት ስለ ዝዀነ፡ “ናብ ሰማይን ናብ ምድርን ኪርኢ ይደንን እሞ፡ ንትሑት ካብ ሓመድ የተንስኦ” ተባሂሉ ኣሎ። (መዝ. 113:6, 7) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ነቲ ዓብዪ ኣምላኽና ኽብሪ ኽንህቦ ንደሊ ኢና።—መዝ. 86:12

7. እንታይ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ዘሎና፧

7 ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ስለ እንደሊ፡ ክብሪ ንህቦ ኢና። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ልክዕ ፍልጠት የብሎምን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ሰይጣን ብዛዕባኡ ሓሶት ብምንዛሕ፡ ንኣእምሮኦም ኣዕዊርዎ ኣሎ። (2 ቈረ. 4:4) ሰይጣን ንሰባት፡ የሆዋ ቒመኛን ሕሱምን ጠንቂ መከራ ዓለምን ከም ዝዀነ ገይሩ ኣእሚንዎም ኣሎ። ንሕና ግና ብዛዕባ ኣምላኽና እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና! እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ንኻልኦት ክንነግር፡ በዚ ኸምዚ ድማ ክብሪ ኸነምጽኣሉ ንደሊ ኢና። (ኢሳ. 43:10) መዝሙር 96 ንየሆዋ ኽብሪ ኣብ ምሃብ እያ እተተኵር። ገለ ኻብቲ ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ዚርከብ ብድራኸ መንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ ቓላት ክንምርምር ከለና፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ኽብሪ ኽትህብ ብዛዕባ እትኽእለሉ መገድታት ሕሰብ።

ንየሆዋ ዚግብኦ ኽብሪ ብኸመይ ክንህቦ ንኽእል፧

8. ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህብ እንኽእለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧ (መዝሙር 96:1-3)

8 መዝሙር 96:1-3 ኣንብብ። ብዘረባና ኣቢልና ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። ኣብዘን ፍቕድታት እዚአን፡ ንህዝቢ የሆዋ፡ “ንየሆዋ ዘምሩሉ፡” “ስሙ ወድሱ፡” “ድሕነቱ ኣበስሩ፡” “ክብሩ . . . ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ንገሩ” ዚብል ጻውዒት ቀሪቡሎም ኣሎ። እዚ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ኽንህብ እንኽእለሉ መገድታት እዩ። እሙናት ኣይሁድ ኰኑ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረሎም ሰናይ ንሰባት ካብ ምንጋር፡ ንስሙ እውን ካብ ምጥባቕ ድሕር ኣይብሉን እዮም ነይሮም። (ዳን. 3:16-18፣ ግብ. 4:29) እሞ ደኣ ንሕና ኸመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

9-10. ካብ ተመክሮ ኣንጀሊና እንታይ ተማሂርካ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

9 ተመክሮ ኣንጀሊና a እስከ ንርአ። እዛ ሓብቲ እዚኣ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እያ እትነብር። ኣብቲ እትሰርሓሉ ትካል ከኣ፡ ንስም የሆዋ ብትብዓት ተጣቢቓትሉ እያ። ሓዳስ ሰራሕተኛ ብምንባራ፡ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ንመሳርሕቶም ብዛዕባ ድሕረ ባይታኦም ኣብ ዚገልጹሉ ኣኼባ ሓሳባት ክትህብ ኣጋጣሚ ተኸፍተላ። ንሳ ድማ ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃና እትረኽቦ ሓጐስ ዜርኢ ስላይድ ኣዳለወት። ተራኣ ቐቅድሚ ምእካሉ ግና፡ ሓደ መሳርሕታ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት ከም ዝዓበየ ገለጸ። ንእምነትና ዜናሹ ዘረባ እውን ተዛረበ። ኣንጀሊና እንታይ ከም እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “ልበይ ኪወቅዕ ጀሚሩ። እንተዀነ ግና፡ ‘ካልእ ሰብ ብዛዕባ የሆዋ ኺሕሱ ኸሎ ድየ ስቕ ኢለ ኽሰምዕ፡ ወይስ ንየሆዋ ኽጣበቐሉ እየ፧’ ኢለ ሓሲበ” ትብል።

10 እቲ መሳርሕታ ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ኣንጀሊና ብልባ ኣሕጽር ኣቢላ ጸለየት። ድሕሪኡ፡ ብልኡም ዘረባ ኸምዚ ኢላ ተዛረበቶ፦ “ኣነ እውን ምስ ናትካ ዚመሳሰል ድሕረ ባይታ እዩ ዘሎኒ። ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት እየ ዓብየ፣ ክሳዕ ሕጂ እውን ናይ የሆዋ ምስክር እየ።” ሽዑ፡ ብርቱዕ ውጥረት ሰፈነ። ኣንጀሊና ግና ከይተዳህለት፡ ኣብ መንፈሳዊ ኣኼባታት እተሳእለቶ ስእልታት ኣርኣየቶም፡ ንእምነታ እውን ብሜላ ተጣበቐትሉ። (1 ጴጥ. 3:15) እሞ ደኣ እዚ እንታይ ኣፍረየ፧ ኣንጀሊና ዘረባኣ ኽሳዕ እትውድእ፡ እቲ ሰብኣይ ኣረኣእያኡ ለስለሰ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት ዝዓበየሉ እዋን ድማ፡ ጽቡቕ ተዘክሮ ኸም ዘለዎ ገለጸ። ኣንጀሊና ብዛዕባ እዚ ሓሳባ ኽትገልጽ ከላ፡ “ንየሆዋ ኽንጣበቐሉ ይግብኣና እዩ። ምእንቲ ስሙ ኽንዛረብ ምኽኣል፡ ንዓና ኽብሪ እዩ” ትብል። ንሕና እውን፡ ካልኦት ብዛዕባ የሆዋ ሓሶት ኪዛረቡ ኸለዉ፡ ክንውድሶን ክብሪ ኽንህቦን ምኽኣልና ኽብሪ እዩ ዚስምዓና።

ብዘረባና ኣቢልና ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 9-10 ርአ) b


11. ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዞም ነቲ ኣብ መዝሙር 96:8 ዚርከብ ስርዓት ዝተግበርዎ ብኸመይ እዮም፧

11 መዝሙር 96:8 ኣንብብ። ብጥሪትና ኣቢልና ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዞም ንየሆዋ ብጥሪቶም ክብሪ ይህብዎ እዮም። (ምሳ. 3:9) ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ንህንጸትን ንኽንክንን ቤተ መቕደስ ኪውዕል ኢሎም ጥሪቶም ለጊሶም እዮም። (2 ነገ. 12:4, 5፣ 1 ዜና 29:3-9) ገሊአን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ድማ ንጐይታአንን ንሃዋርያቱን “ብገንዘበን” የገልግላኦም ነይረን እየን። (ሉቃ. 8:1-3) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከኣ፡ ንመንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዚኸውን ረድኤት ኣዋጺኦም እዮም። (ግብ. 11:27-29) ኣብዚ ግዜና እውን ብፍታው ወፈያ ብምግባር፡ ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና።

12. ወፈያታትና ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽኣሉ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

12 ወፈያታትና ብኸመይ ንየሆዋ ኽብሪ ኸም ዜምጽኣሉ ዜርኢ ሓደ ተመክሮ እስከ ንርአ። ብ2020 ኣብ እተላእከ ጸብጻብ፡ ኣብ ዚምባብወ ዘጋጠመ ደርቂ እንታይ ጽልዋ ኸም ዘሕደረ ተገሊጹ ኣሎ። ብሰንኪ እቲ ጥሜት፡ ሚልዮናት ከይሞቱ ተሰጊኡ ነበረ። ሓንቲ ኻባታቶም ድማ ፕሪስካ እትብሃል ሓብትና እያ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ እዋን ማሕረስ እኳ ኸይተረፈ፡ ረቡዕ ረቡዕን ዓርቢ ዓርብን ካብ ስብከት በዂራ ኣይትፈልጥን እያ። ጐረባብታ ድማ ናብ ግራታ ኣብ ክንዲ እትወፍር፡ ናብ ኣገልግሎት ክትወፍር ስለ ዝረኣይዋ፡ “ብጥሜት ክትሞቲ ኢኺ” ኢሎም የላግጹላ ነበሩ። ንሳ ግና፡ “የሆዋ ንገላዉኡ ኣሕፊርዎ ኣይፈልጥን እዩ” ኢላ ብምትእምማን ትምልሰሎም ነበረት። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ውድብና እተላእከ ረድኤት ተዋህባ። እቲ ረድኤት ድማ፡ ሳላ ወፈያታትና እዩ ኺርከብ ተኻኢሉ። ጐረባብቲ ፕሪስካ በዚ ስለ እተገረሙ፡ “ኣምላኽኪ ኣየሕፈረክን፣ ስለዚ ብዛዕባኡ ኽንምሃር ንደሊ ኢና” በልዋ። ሸውዓተ ኻብ ጐረባብታ ድማ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከቡ ጀመሩ።

ብጥሪትና ኣቢልና ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ) c


13. ኣካይዳና ንየሆዋ ኽብሪ ኼምጽኣሉ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 96:9)

13 መዝሙር 96:9 ኣንብብ። ብኣካይዳና ኣቢልና ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና። እቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዜገልግሉ ዝነበሩ ኻህናት፡ ኣካላዊ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ነይርዎም እዩ። (ዘጸ. 40:30-32) ካብ ኣካላዊ ንጽህና ንላዕሊ ግና፡ ንጹህ ኣካይዳ እዩ ዜገድስ። (መዝ. 24:3, 4፣ 1 ጴጥ. 1:15, 16) “ኣረጊት ስብእና፡” ማለት ርኹስ ኣረኣእያን ልማዳትን ቀንጢጥና፡ “ሓድሽ ስብእና፡” ማለት ንኽቡር ባህርያት የሆዋ ዜንጸባርቕ ሓድሽ ኣተሓሳስባን ተግባራትን ንምልባስ ጻዕሪ የድልየና እዩ። (ቈሎ. 3:9, 10) ብሓገዝ የሆዋ፡ ርኹሳትን ዓመጽትን ዝነበሩ ሰባት እኳ ኺልወጡ፡ ሓድሽ ስብእና እውን ኪለብሱ ይኽእሉ እዮም።

14. ካብ ተመክሮ ጃክ እንታይ ተማሂርካ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ተመክሮ ሓደ ጃክ ዚብሃል ሰብ እስከ ንርአ። እዚ ሰብ እዚ ዓማጽን ሓደገኛን ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ድያብሎስ ዚብል ሳጓ ኣውጺኦምሉ ነበሩ። ብሰንኪ እቲ ዝፈጸሞ ገበናት ድማ ሞት ተፈርዶ። እቲ ፍርዱ ኽሳዕ ዚፍጸም ግና፡ ምስ ሓደ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ እናመጸ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ሓው ኬጽንዕ ተሰማምዐ። ጃክ ሕማቕ ድሕረ ባይታ እኳ እንተ ነበሮ፡ ነቲ ኣረጊት ስብእናኡ ቐንጠጦ። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ንጥምቀት በቕዐ። ዓብዪ ለውጢ ስለ ዝገበረ ኸኣ፡ በታ ዚቕተለላ መዓልቲ ገሊኦም ሓለውቲ እሱራት ኣብ ኣዒንቶም ንብዓት ቅጽርጽር እናበሎም ተሰናበትዎ። ሓደ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዚሰርሕ ወተሃደር እውን፡ “ጃክ ሓደ ኻብቶም ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዚርከቡ ዝኸፍኡ እሱራት እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና ሓደ ኻብቶም ብሉጻት እዩ ዀይኑ” በለ። ኣብታ ደድሕሪ እታ ጃክ እተቐትለላ ዝነበረት ሰሙን፡ ኣሕዋት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሰሙናዊ ኣኼባ ንምግባር ምስ ከዱ፡ ንመጀመርታ ግዜኡ ናብቲ ኣኼባ ዝመጸ እሱር ጸንሖም። እሞ ደኣ ናብቲ ኣኼባ ኺመጽእ እንታይ እዩ ኣለዓዒልዎ፧ በቲ ጃክ ኣብ ኣካይዳኡ ዝገበሮ ለውጢ ተመሰጠ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ እንታይ ኪገብር ከም ዜድልዮ እውን ኪፈልጥ ደለየ። እምበኣር፡ ኣካይዳና ንሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ኼምጽኣሉ ይኽእል እዩ!—1 ጴጥ. 2:12

ብኣካይዳና ኣቢልና ንየሆዋ ኽብሪ ኽንህቦ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ) d


ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ንስሙ ብኸመይ እዩ ኬኽብሮ፧

15. ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ንስሙ ምሉእ ብምሉእ ዜኽብሮ ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 96:10-13)

15 መዝሙር 96:10-13 ኣንብብ። እዘን ኣብ መዝሙር 96 ዚርከባ ናይ መወዳእታ ፍቕድታት፡ ንየሆዋ ኸም ጻድቕ ፈራድን ንጉስን ገይረን እየን ገሊጸናኦ። እሞ ደኣ ኣብ ቀረባ ግዜ የሆዋ ንስሙ ብኸመይ እዩ ኬኽብሮ፧ ብፍርድታቱ ኣቢሉ እዩ ኸምኡ ኺገብር። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብቲ ቕዱስ ስሙ ወቐሳ ዘምጽአት ዓባይ ባቢሎን ፍርዱ ኺፍጽም እዩ። (ራእ. 17:5, 16፣ 19:1, 2) ገሊኦም ንጥፍኣት ዓባይ ባቢሎን ዝረኣዩ ሰባት ድማ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይሓብሩና ይዀኑ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ የሆዋ ኣብ ኣርማጌዶን ንብዘሎ ስርዓት ሰይጣን ኬጥፍኦ እዩ። ንዅሎም እቶም ዚጻረርዎን ንስሙ ዚጸርፉን ኪድምስሶም እዩ። ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎን ዚእዘዝዎን ክብሪ ኺህብዎ ዚደልዩን ግና ኬድሕኖም እዩ። (ማር. 8:38፣ 2 ተሰ. 1:6-10) ድሕሪ እቲ ንናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ስዒቡ ዚህሉ ናይ መወዳእታ ፈተና፡ የሆዋ ንስሙ ምሉእ ብምሉእ ኪቕድሶ እዩ። (ራእ. 20:7-10) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦስ፡ ምድሪ ብፍልጠት ክብሪ የሆዋ ኽትመልእ እያ።”—ኣን. 2:14

16. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ተላዒልካ ዘለኻ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

16 ህያው ዘበለ ዅሉ ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ዚህበሉ እዋንሲ፡ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ! እታ መዓልቲ እቲኣ ኽሳዕ እትመጽእ ግና፡ ኣብ እንረኽቦ ዘበለ ኣጋጣሚ ንኣምላኽ ክብሪ ብምሃብ እጃምና ኽንገብር ንኽእል ኢና። ኣመሓዳሪ ኣካል ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ንምጕላሕ፡ መዝሙር 96:8 ጥቕሲ ዓመት 2025 ክትከውን ሓርዩ ኣሎ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ።”

ኣብ መወዳእታ፡ ህያው ዘበለ ዅሉ ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ኺህቦ እዩ! (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)

መዝሙር 12 የሆዋ ዓብዪ ኣምላኽ

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b መግለጺ ስእሊ፦ ንተመክሮ ኣንጀሊና ዜርኢ ተዋስኦ።

c መግለጺ ስእሊ፦  ንተመክሮ ፕሪስካ ዜርኢ ተዋስኦ።

d መግለጺ ስእሊ፦  ንተመክሮ ጃክ ዜርኢ ተዋስኦ።