ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 2

መዝሙር 132 ሓደ ኢና

ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣኽብሩ

ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣኽብሩ

“ኣቱም ሰብኡት፡ . . . ኣኽብርወን።”1 ጴጥ. 3:7

ኣትኵሮ

ሰብኣይ ንሰበይቱ ብቓልን ብግብርን ብኸመይ ከም ዜኽብራ።

1. ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንመውስቦ ዘቘመሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

 የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ፣ ንዓና እውን ሕጉሳት ክንከውን እዩ ዚደልየና። (1 ጢሞ. 1:11) ንህይወት ምእንቲ ኸነስተማቕራ፡ ብዙሕ ውህበታት ሂቡና እዩ። (ያእ. 1:17) ሓደ ኻብዚ ውህበታት እዚ ድማ መውስቦ እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ኪምርዓዉ ኸለዉ፡ ኪፋቐሩን ኪከባበሩን ቃል ኪዳን ይተኣታተዉ እዮም። ፍቕሮም እንተ ዓቂቦም ከኣ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም።—ምሳ. 5:18

2. ሎሚ ዘሎ ሓያሎ ሓዳር ከመይ እዩ፧

2 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን ይርስዕዎ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ሕጉሳት ኣይኰኑን። ኣብ ቀረባ ግዜ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘውጸኦ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ብዙሓት ሰብኡት ንኣንስቶም ብኣካል፡ ብዘረባ፡ ወይ ብስምዒት ይሃስይወን እዮም። ከምኡ ዚገብር ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ብኣኽብሮት እናሓዘ፡ ኣብ ቤቱ ግና ይገፍዓ ይኸውን። ኣብ ሓያሎ ሓዳር እውን ሰብኣይ ስእለ ጽዩፍ ብምርኣዩ፡ ውጥረት ይሰፍን ኣሎ።

3. እንታይ ረቛሒታት እዩ ሰብኣይ ሃሳዪ ኸም ዚኸውን ኪገብሮ ዚኽእል፧

3 ገሊኦም ሰብኡት ሃሰይቲ ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ ተዋቓዒ ኣቦ ዘዕበዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ጐዳኢ ባህርይ ንቡር ይመስሎም። ገሊኦም ሰብኡት ድማ በቲ ዝዓበዩሉ ባህሊ ይጽለዉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ባህልታት “ናይ ሓቂ ሰብኣይ” ንሰበይቱ መን ሓለቓ ምዃኑ ንምርኣይ ሓይሊ ኺጥቀም ከም ዘለዎ ጌርካ ይርአ እዩ። ገሊኦም ሰብኡት ድማ ንስምዒታቶም ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሩ፡ ንኣብነት ንቝጥዓኦም ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሩ ኣይምሃሩን እዮም። ገሊኦም ከኣ ኣዘውቲሮም ስእለ ጽዩፍ ስለ ዚርእዩ፡ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን ጾታዊ ርክብን ቄናን ኣረኣእያ እዮም ዜማዕብሉ። ብተወሳኺ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ነዚ ጸገማት እዚ ኸም ዘጋደዶ ጸብጻባት ይሕብር እዩ። እንተዀነ ግና፡ እዚ ዅሉ ረቛሒታት እኳ እንተ ሃለወ፡ ሰብኣይ ሃሳዪ ኪኸውን ኣይግባእን።

4. ክርስትያን ሰብኡት ካብ ምንታይ እዮም ኪጥንቀቑ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

4 ክርስትያን ሰብኡት ብዛዕባ ኣንስቲ ግጉይ ኣረኣእያ ምእንቲ ኸየማዕብሉ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። a ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣተሓሳስባ ናብ ተግባራት ይመርሕ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ “ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጹ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ሮሜ 12:1, 2) ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን፡ እታ ጉባኤ ኻብ እትቐውም እተወሰነ ግዜ ሓሊፉ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት፡ ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ብልምድታትን ብኣተሓሳስባን ዓለም ተጸልዮም ከም ዝነበሩ እዩ ዚእምት። ስለዚ ድማ እዩ ኣተሓሳስባኦምን ጠባዮምን ኪቕይሩ እተማሕጸኖም። እቲ ምኽሪ እቲ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያን ሰብኡት እውን ይምልከቶም እዩ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ገሊኣቶም ብኣተሓሳስባ ዓለም ተጸልዮም ኣለዉ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንኣንስቶም ይሃስዩ እዮም። b የሆዋ ንሰብኣይ፡ ንሰበይቱ ብኸመይ ኪሕዛ እዩ ዚጽበዮ፧ ኣብታ ናይዛ ዓንቀጽ ቀንዲ ጥቕሲ፡ መልሲ ንረክብ ኢና።

5. ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 3:7፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ እዩ ኺሕዛ ዚግባእ፧

5 ቀዳማይ ጴጥሮስ 3:7 ኣንብብ። የሆዋ ንሰብኡት ኣንስቶም ኬኽብሩ ኣዚዝዎም ኣሎ። ኣኽብሮት ኣብ ኣተሓሕዛ እዩ ዚርአ። ንሰበይቱ ዜኽብር ሰብኣይ ብለውሃትን ብፍቕርን እዩ ዚሕዛ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ ከም ዜኽብራ ኽንርኢ ኢና። ፈለማ ግና፡ ንኣንስቲ ዘየኽብር ተግባራት እንታይ ምዃኑ ንርአ።

ንሰበይትኻ ዘየኽብራ ነገር ኣይትግበር

6. የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣንስቶም ኣካላዊ ማህሰይቲ ዜውርዱ ሰብኡት እንታይ ይስምዖ፧ (ቈሎሴ 3:19)

6 ኣካላዊ ማህሰይቲ። የሆዋ ንዓመጽቲ ይጸልኦም እዩ። (መዝ. 11:5) ነቶም ንኣንስቶም ዚሃስዩ ሰብኡት ከም ዚዅንኖም ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። (ሚል. 2:16፣ ቈሎሴ 3:19 ኣንብብ።) ብመሰረት እታ ቐንዲ ጥቕስና፡ ማለት 1 ጴጥሮስ 3:7፡ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብግቡእ ዘይሕዛ እንተ ዀይኑ፡ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ይበላሾ እዩ። ጸሎቱ እውን ኪዕገት ይኽእል እዩ።

7. ብመሰረት ኤፌሶን 4:31, 32፡ ሰብኡት እንታይ ዓይነት ዘረባ እዮም ኪዛረቡ ዘይብሎም፧ (“መግለጺ ቓላት” እውን ርአ።)

7 ሃሳዪ ዘረባ። ገሊኦም ሰብኡት ንኣንስቶም ብቝጥዓ ብምዝራብ ወይ ጐዳኢ ዘረባ ብምዝራብ ይሃስይወን እዮም። የሆዋ ግና፡ “ቍጥዓን ነድርን ታዕታዕን ጸርፍን” ይጸልእ እዩ። c (ኤፌሶን 4:31, 32 ኣንብብ።) ንዅሉ ዘረባ እውን ይሰምዖ እዩ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣብ ቤቱ ብስቱር ዚዛረባ ነገር እኳ ንየሆዋ የገድሶ እዩ። ንሰበይቱ ጐዳኢ ዘረባ ዚዛረብ ሰብኣይ ንሓዳሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ዕርክነት እውን የበላሽዎ እዩ።—ያእ. 1:26

8. የሆዋ ብዛዕባ ስእለ ጽዩፍ እንታይ ይስምዖ፧ ስለምንታይከ፧

8 ስእለ ጽዩፍ ምርኣይ። የሆዋ ብዛዕባ ስእለ ጽዩፍ እንታይ ይስምዖ፧ ይጸልኦ እዩ። ስለዚ፡ ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ ሰብኣይ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ የባላሹ፡ ንሰበይቱ እውን የዋርዳ እዩ። d የሆዋ ንሰብኣይ ብተግባር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሓሳብ እውን ንሰበይቱ እሙን ኪኸውን ይጽበዮ እዩ። ምስዚ ብእተተሓሓዘ የሱስ፡ ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ሰብኣይ “ብልቡ” ድሮ ምስኣ ኸም ዝዘመወ ገሊጹ እዩ። eማቴ. 5:28, 29

9. ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣብ ዜዋርድ ጾታዊ ተግባር ክትሳተፍ ጸቕጢ ዚገብረላ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ዚጸልኦ ስለምንታይ እዩ፧

9 ዜዋርድ ጾታዊ ተግባር። ገሊኦም ሰብኡት ንኣንስቶም ኣብ ዜዋርድ ጾታዊ ተግባር ኪሳተፋ ጸቕጢ ስለ ዚገብሩለን፡ ከም ዝረኸሳ ወይ ከም ዘይተፈትዋ ዀይኑ ኺስምዐን ይኽእል እዩ። የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓልዮት ዘይብሉ ናይ ፍትወት ርእሰ ተግባር ይጸልኦ እዩ። ንሰብኡት ድማ ንኣንስቶም ኬፍቅርወንን ኪሕብሕብወንን፡ ንስምዒታተን እውን ኬኽብሩለን ይጽበዮም እዩ። (ኤፌ. 5:28, 29) ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንሰበይቱ ዜዋርዳ ነገር ክትገብር ጸቕጢ ዚገብረላ፡ ወይ ዚሃስያ፡ ወይ ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ እንተ ዀይኑ፡ ኣተሓሳስባኡን ተግባሩን ብኸመይ ኪቕይር ይኽእል፧

ንሰበይትኻ ዘየኽብራ ነገር ብኸመይ ክትሓድጎ ትኽእል፧

10. ሰብኡት ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧

10 ንሰበይቱ ዚሃስን ዜዋርድን ነገር ዚገብር ሰብኣይ ነዚ ምእንቲ ኺሓድጎ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧ ንየሱስ ንምምሳል ጻዕሪ ኺገብር ይኽእል እዩ። ዋላ እኳ የሱስ እንተ ዘይተመርዓወ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ግና፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ ኪሕዛ ኸም ዚግባእ ኣብነት ይኸውን እዩ። (ኤፌ. 5:25) ንኣብነት፡ ካብቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ዝሓዘሉን እተዛረበሉን መገዲ ሰብኡት እንታይ ኪምሃሩ ኸም ዚኽእሉ እስከ ንርአ።

11. የሱስ ንሃዋርያቱ ብኸመይ እዩ ዚሕዞም ነይሩ፧

11 የሱስ ንሃዋርያቱ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን እዩ ዚሕዞም ነይሩ። ሕሱም ወይ ጨቋኒ ኣይነበረን። ጐይታኦም እኳ እንተ ነበረ፡ ስልጣኑ ኼርእዮም ኢሉ ሓይሊ ኣይተጠቕመን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብትሕትና እዩ ኣገልጊልዎም። (ዮሃ. 13:12-17) ንደቂ መዛሙርቱ ድማ፡ “ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ . . . ካባይ . . . ተምሃሩ፣ ንርእስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም። (ማቴ. 11:28-30) እወ፡ የሱስ ልኡም እዩ ነይሩ። ልኡም ሰብ ድኹም ኣይኰነን። የግዳስ፡ ርእሱ ንምግታእ ዜኽእሎ ውሽጣዊ ብርታዐ እዩ ዘለዎ። ዜቘጥዕ ነገር ምስ ኣጋጠሞ፡ ይሃድእን ስምዒቱ ይቈጻጸርን እዩ።

12. የሱስ ንሰባት ብኸመይ እዩ ዚዛረቦም ነይሩ፧

12 የሱስ ብዘረባኡ የጸናንዕን የተባብዕን ነይሩ እዩ። ንሰዓብቱ ተሪር ዘረባ ኣይተዛረቦምን። (ሉቃ. 8:47, 48) ተጻረርቱ ምስ ጸረፍዎን ኬቘጥዕዎ ምስ ፈተኑን እኳ፡ “መሊሱ ኣይጸረፈን።” (1 ጴጥ. 2:21-23) ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ሓያል ዘረባ ኻብ ምዝራብ፡ ስቕ ምባል እዩ መሪጹ። (ማቴ. 27:12-14) እዝስ ንክርስትያን ሰብኡት ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን እዩ!

13. ኣብ ማቴዎስ 19:4-6 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ብኸመይ እዩ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ “ዚጠብቕ”፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

13 የሱስ ንሰብኡት፡ ንኣንስቶም እሙናት ኪዀኑ ኣዚዝዎም እዩ። ነቲ ኣቦኡ ብዛዕባ ሰብኣይ፡ “ምስ ሰበይቱ . . . ይጠብቕ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ጠቒስዎ እዩ። (ማቴዎስ 19:4-6 ኣንብብ።) እታ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ ዘላ “ይጠብቕ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ቃል ብቓሉ ብመጣበቒ ኸም ዚላገብ እያ እተመልክት። ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ማእሰር ኣዝዩ ድልዱል ካብ ምዃኑ እተላዕለ ብመጣበቒ ኸም እተላገቡ እዮም ኪዀኑ ዚግባእ። እቲ ማእሰር ድማ፡ ንኽልቲኦም ከይጐዳእካ ኺብተኽ ኣይከኣልን እዩ። ምስ ሰበይቱ ኸምዚ ዓይነት ቅርርብ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስእለ ጽዩፍ ኣይርእን እዩ። ንኣዒንቱ ብቕጽበት “ካብ ምርኣይ ከንቱነት” ይመልሰን እዩ። (መዝ. 119:37) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ካብ ሰበይቱ ወጻኢ ንዝዀነት ትኹን ካልእ ሰበይቲ ዘይግቡእ ቈላሕታ ኸይገብር ምስ ኣዒንቱ ኺዳን ይተኣታቶ እዩ።—እዮ. 31:1

እሙን ሰብኣይ፡ ስእለ ጽዩፍ ኣይርእን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ) g


14. ሓደ ሃሳዪ ሰብኣይ ምስ የሆዋን ምስ ሰበይቱን ዘለዎ ርክብ ንምዕራይ እንታይ ስጕምትታት ኪወስድ ኣለዎ፧

14 ብኣካል ወይ ብዘረባ ንሰበይቱ ዚሃሲ ሰብኣይ፡ ምስ የሆዋን ምስ ሰበይቱን ዘለዎ ርክብ ንምዕራይ ተወሳኺ ስጕምትታት ኪወስድ ኣለዎ። እዚ ስጕምትታት እዚ እንታይ እዩ፧ ቀዳማይ፡ ከቢድ ጸገም ከም ዘለዎ ኺፈልጥ ኣለዎ። ካብ ቅድሚ የሆዋ ዚኽወል ዋላ ሓደ ነገር የሎን። (መዝ. 44:21፣ መክ. 12:14፣ እብ. 4:13) ካልኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ዜውርዶ ዝነበረ ህስያ ደው ኬብል፡ ጠባዩ እውን ኪቕይር ኣለዎ። (ምሳ. 28:13) ሳልሳይ፡ ካብ ሰበይቱን ካብ የሆዋን ይቕረታ ኺልምን ኣለዎ። (ግብ. 3:19) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ለውጢ ንምግባር ድሌት ምእንቲ ኺሓድሮ፡ ንሓሳባቱን ንዘረባኡን ንተግባራቱን እውን ምእንቲ ኺቈጻጸር ካብ የሆዋ ሓገዝ ኪልምን ኣለዎ። (መዝ. 51:10-12፣ 2 ቈረ. 10:5፣ ፊል. 2:13) ራብዓይ፡ ምስ ጸሎቱ ተሰማሚዑ ኺዓዪ፡ ማለት ኵሉ ዓይነት ዓመጻን ሃሳዪ ዘረባን ኪጸልእ ኣለዎ። (መዝ. 97:10) ሓምሻይ፡ ካብቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ፈቃራት ሽማግለታት ብቕልጡፍ ሓገዝ ኪደሊ ኣለዎ። (ያእ. 5:14-16) ሻድሻይ፡ ኣብ መጻኢ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ከይምለስ ዚሕግዞ መደብ ኬውጽእ ኣለዎ። ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ ሰብኣይ እውን ተመሳሳሊ ስጕምትታት ኪወስድ ኣለዎ። የሆዋ ድማ፡ ነቲ ኣካይዳኡ ንምቕያር ዝገበሮ ጻዕርታት ኪባርኸሉ እዩ። (መዝ. 37:5) እንተዀነ ግና፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኻብ ዚጐድእ ነገር ምርሓቑ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ንሰበይቱ ብኸመይ ከም ዜኽብራ እውን ኪምሃር ኣለዎ። ነዚ ብኸመይ ኪገብሮ ይኽእል፧

ንሰበይትኻ ብኸመይ ከተኽብራ ትኽእል፧

15. ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ እዩ ፍቕሩ ኼርእያ ዚኽእል፧

15 ፍቕርኻ ኣርእያ። ገሊኦም ሕጉስ ሓዳር ዘለዎም ኣሕዋት፡ ንሰበይቶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅርዋ ምእንቲ ኼርእይዋ ኢሎም መዓልቲ መዓልቲ ገለ ነገር ይገብሩ እዮም። (1 ዮሃ. 3:18) ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘለዎ ፍቕሪ ብንኣሽቱ ነገራት ኬርኢ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኢዳ ሕዝ ብምባል፡ ወይ ሕቝፍ ብምባል ነዚ ኼርእያ ይኽእል እዩ። “ናፊቐኪ፡” ወይ “ከመይ ውዒልኪ፧” ዝዓይነቱ መልእኽቲ እውን ብተክስት ኪልእከላ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ጥዑም ቃላት ሓርዩ ኣብ ካርድ ብምጽሓፍ ፍቕሩ ኺገልጸላ ይኽእል እዩ። ሰብኣይ ከምኡ እንተ ገይሩ ንሰበይቱ የኽብራ፡ ንሓዳሩ እውን የደልድል እዩ።

16. ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺንእዳ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

16 ሞሳኻ ግለጸላ። ንሰበይቱ ዜኽብራ ሰብኣይ፡ ይንእዳን የተባብዓን እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዚገብረሉ መገድታት ድማ፡ ስለቲ ዅሉ ንዕኡ ንምድጋፍ እትገብሮ ነገራት ሞሳኡ ብምግላጽ እዩ። (ቈሎ. 3:15) ሰብኣይ ንሰበይቱ ልባዊ ናእዳኡ እንተ ገሊጹላ፡ እዚ የሐጕሳ እዩ። ቅሳነትን ፍቕርን ኣኽብሮትን እዩ ዚስምዓ።—ምሳ. 31:28

17. ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኸመይ እዩ ኣኽብሮት ኬርእያ ዚኽእል፧

17 ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ሓዛ። ንሰበይቱ ዜፍቅር ሰብኣይ የኽብራን ይሕብሕባን እዩ። ካብ የሆዋ ኸም እተዋህበቶ ኽብርቲ ውህበት ገይሩ እዩ ዚርእያ። (ምሳ. 18:22፣ 31:10) ስለዚ ድማ፡ ኣብቲ ስቱር ውልቃዊ ጕዳዮም እኳ፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን እዩ ዚሕዛ። ሕማቕ ስምዒት ኣብ ዚፈጥረላ፡ ወይ ከም እተዋረደት ኰይኑ ኸም ዚስምዓ ኣብ ዚገብር፡ ወይ ንሕልናኣ ኣብ ዚርብሽ ጾታዊ ተግባራት ክትሳተፍ ጸቕጢ ኣይገብረላን እዩ። f ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ሕልና ኺህልዎ እዩ ዚጽዕር።—ግብ. 24:16

18. ሰብኡት እንታይ ንምግባር እዮም ቈራጽነት ኪገብሩ ዘለዎም፧ (“ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብኣኽብሮት ዚሕዘሉ ኣርባዕተ መገድታት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

18 ኣቱም ሰብኡት፡ የሆዋ ነቲ ንኣንስትኹም ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትኩም ከተኽብሩ እትገብርዎ ጻዕርታት ከም ዚርእዮ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣንስትኹም ዘየኽብር ነገር ብዘይምግባር፡ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ብፍቕርን ድማ ብምሓዝ ኣኽብርወን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ከም እተፍቅርወንን ክብ ኣቢልኩም ከም እትርእይወንን ከተርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣንስትኹም ኣኽብሩ፡ ከምኡ እንተ ጌርኩም ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ርክብ፡ ማለት ነቲ ምስ የሆዋ ዘለኹም ዕርክነት ክትሕልውዎ ኢኹም።—መዝ. 25:14

መዝሙር 131 “ኣምላኽ ዝጸመዶ”

a ሰብኡት ካብታ ኣብ ናይ ጥሪ 2024 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንደቂ ኣንስትዮ ኸምቲ የሆዋ ዚሕዘን ጌርካ ዲኻ እትሕዘን፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

b ግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻ፡ ካብታ ኣብ jw.org ኰነ ኣብ JW Library®፡ “ተወሳኺ ርእሰ ነገራት” ኣብ ዘርእስቱ ዓምዲ ዝወጸት፡ “ንግዳያት ዘቤታዊ ዓመጻ ዚኸውን ሓገዝ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኪጥቀማ ይኽእላ እየን።

c መግለጺ ቓላት፦ እቲ ኣብዚ “ጸርፊ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ዜዋርድ ቃላትን ወግሐ ጸብሐ ዚውርወር ሕማቕ ነቐፌታን የጠቓልል። ብኽፍኣት ዚዝረብ፡ ንሰብ ዜሕስር፡ ወይ ንሰብ ዚዝልፍ ዘረባ እውን ሃሳዪ ብምዃኑ ምስ ጸርፊ እዩ ዚጽብጸብ።

d ኣብ jw.org⁠ን ኣብ JW Library⁠ን፡ “ስእለ ጽዩፍ፡ ሓዳር ኪብትን ይኽእል እዩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

e ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ስእለ ጽዩፍ ዚርኢ እንተ ዀይኑ፡ ካብታ ኣብ ናይ ነሓሰ 2023 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “መጻምድትኺ ስእለ ጽዩፍ ምስ ዚርኢ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ክትጥቀም ትኽእል እያ።

f ካብቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዚፍጸም ጾታዊ ተግባራት፡ ኣየናይ ንጹህ፡ ኣየናይ ድማ ርኹስ ከም ዝዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝር ኣይገልጽን እዩ። ክርስትያን ሰብ ሓዳር ዘበሉ ንየሆዋ ዜኽብር፡ ንሓድሕዶም ባህ ዜብሎም፡ ንጹህ ሕልና ኺሕዙ እውን ዜኽእሎም ውሳነ ኺገብሩ ኣለዎም። ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ፡ ሰብ ሓዳር ብዛዕባ እዚ ውልቃዊ ጕዳዮም ምስ ካልኦት ኣይዛራረቡን እዮም።

g መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ካብቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ መሳርሕቱ፡ ስእለ ጽዩፍ ዘለዎ መጽሔት ኪርኢ ዕድመ ይቐርበሉ።