ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 4

መዝሙር 18 ነቲ በጃ ዘሎና ምስጋና

ካብቲ በጃ እንታይ ንምሃር፧

ካብቲ በጃ እንታይ ንምሃር፧

“ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና በዚ ተገሊጻትልና እያ።”1 ዮሃ. 4:9

ኣትኵሮ

እቲ በጃ ብዛዕባ እቲ ማራኺ ባህርያት የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን እንታይ ከም ዚገልጽ።

1. ካብቲ ዓመታዊ ዚብዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

 እቲ በጃ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት ምዃኑ መሸም ትሰማምዓሉ ኢኻ! (2 ቈረ. 9:15) የሱስ ሰብኣዊ ህይወቱ ስለ ዝሰውአ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ዕርክነት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እሞ ደኣ ነቲ በጃ ዀነ ነቲ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዕኡ ዘዳለወልና የሆዋ ምስጋናና ኸነርኢዶ ኣይግባእን፧ (ሮሜ 5:8) ወትሩ መማሰውቲ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ በጃ እውን ኣቕሊልና ምእንቲ ኸይንርእዮ፡ የሱስ ዓመታዊ ዚብዓል ዝኽሪ ሞቱ ኣቚሙልና ኣሎ።—ሉቃ. 22:19, 20

2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

2 ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ በዓል ዝኽሪ፡ ቀዳም 12 ሚያዝያ 2025 ኪብዓል እዩ። ኵላትና መሸም ኣብቲ ኣኼባ እቲ ንምእካብ መደብ ጌርና ኣለና። ኣብ ቅንያት በዓል ዝኽሪ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋን ወዱን ዝገበሩልና ነገራት እንተ ኣስተንቲንና a ብዙሕ ክንጥቀም ኢና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ በጃ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ወዱን እንታይ ከም ዚምህረና ኽንመያየጥ ኢና። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ከኣ፡ ካብቲ በጃ ብኸመይ ከም እንጥቀምን ምስጋናና ብኸመይ ከም እንገልጽን ክንርኢ ኢና።

ካብቲ በጃ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ንምሃር፧

3. ሞት ሓደ ሰብ ንሚልዮናት ሰባት ኪብጀዎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

3 ካብቲ በጃ ብዛዕባ ፍትሒ የሆዋ ንምሃር ኢና። (ዘዳ. 32:4) ብኸመይ፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ካብቲ ዘይእዙዝ ዝዀነ ኣዳም ናብ ሞት ዚመርሕ ሓጢኣት ኢና ወሪስና። (ሮሜ 5:12) የሆዋ ድማ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣና ኢሉ፡ ወዱ ኺብጀወና መሰናድዎ ገበረ። እንተዀነ ግና፡ ከመይ ገይሩ እዩ ሓደ ፍጹም ሰብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ንሚልዮናት ሰባት ኪብጀዎም ዚኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ነጥቢ እዚ ኸምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ከምቲ ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብ [ኣዳም] ብዙሓት ሓጥኣን ዝዀኑ፡ ከምኡ ድማ ብተኣዛዝነት እቲ ሓደ [የሱስ]፡ ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም።” (ሮሜ 5:19፣ 1 ጢሞ. 2:6) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ፍጹም ሰብ ኢና ባሮት ሓጢኣትን ሞትን ኴንና። ስለዚ ድማ፡ ብተኣዛዝነት ሓደ ፍጹም ሰብ ሓራ ኽንከውን ንኽእል ኢና።

ብሓደ ሰብ ኢና ባሮት ሓጢኣትን ሞትን ኴንና። ሓደ ሰብ ድማ እዩ ሓራ ዜውጽኣና (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)


4. የሆዋ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ዘርኢ ኣዳም ንዘለኣለም ኪነብሩ ስቕ ኢሉ ዘይፈቐደሎም ስለምንታይ እዩ፧

4 የሱስ ንዓና ንምድሓን ብሓቂዶ ኺመውት ነይርዎ እዩ፧ የሆዋ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ዘርኢ ኣዳም ንዘለኣለም ኪነብሩ ስቕ ኢሉ ኺውስንዶ ኣይምኸኣለን፧ ከምኡ ምግባር፡ ንዘይፍጹማት ሰባት ጽቡቕን ሚዛናውን ተግባር መሲሉ ኺርኣዮም ይኽእል እዩ። እዚ ግና ነቲ ፍጹም ፍትሒ የሆዋ ኣብ ግምት ዜእቱ ኣይኰነን። የሆዋ ፍትሓዊ ስለ ዝዀነ፡ ንዘይተኣዛዝነት ኣዳም ዕሽሽ ኢሉ ኺሓልፎ ኣይክእልን እዩ።

5. የሆዋ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ኸም ዚገብር ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

5 የሆዋ በጃ ዚብሃል ከየዳለወ ንፍትሒ ዕሽሽ ብምባል ንዘይፍጹማት ዘርኢ ኣዳም ንዘለኣለም ኪነብሩ እንተ ዚፈቕደሎምከ እንታይ ምዀነ፧ ‘ኣምላኽ ኣብ ካልእ ጕዳያት እውን ንፍትሒ ዕሽሽ ይብል ደዀን ይኸውን፧’ ዚብል ስክፍታ ምተፈጥረ። ንኣብነት፡ ንገሊኡ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብሓቂ ዚፍጽሞ እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ ምኣተወ። ልክዕ እዩ፡ እዚ ነገር እዚ ኼተሓሳስበና የብሉን። ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ፍትሒ ምእንቲ ኺገብር ኢሉ ገዛእ ወዱ ብምስዋእ ዓብዪ መስዋእቲ ንምኽፋል እኳ ፍቓደኛ ኻብ ኰነ፡ ወትሩ ቕኑዕ ዘበለ ኸም ዚገብር ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

6. እቲ በጃ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ዚገልጸሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ (1 ዮሃንስ 4:9, 10)

6 እቲ በጃ፡ የሆዋ ፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ዕምቈት ፍቕሩ እውን ክንርዳእ ይሕግዘና እዩ። (ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃንስ 4:9, 10 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቲ በጃ እንምሃሮ ትምህርቲ፡ የሆዋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክፍሊ ስድራ ቤቱ ኽንከውን ከም ዚደልየና እውን ይሕብረና እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኣዳም ምስ ሓጥአ፡ የሆዋ ንኣዳም ካብቲ ብኣምለኽቱ ዝቘመ ስድራ ቤት ሰጐጎ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ኵላትና ኻብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ወጻኢ ኢና ተወሊድና። ብመሰረት እቲ በጃ ግና፡ የሆዋ ንሓጢኣትና ይቕረ ይብለልና እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ንዅሎም እቶም ብእምነትን ብተኣዛዝነትን ዚመላለሱ ደቂ ሰብ ናብ ስድራ ቤቱ ኺመልሶም እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ምስ የሆዋን ምስ ኣምለኽቱን ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ይኽእል እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ የፍቅረና እዩ!—ሮሜ 5:10, 11

7. እቲ የሱስ ዘሕለፎ መከራ፡ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና ኽንርዳእ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

7 እቲ በጃ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘኽፈሎ ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና፡ የሆዋ ንዓና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና ብዝሓሸ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ሰይጣን፡ ‘ኣብ እዋን ጸገም ንኣምላኽ እሙን ዚኸውን የሎን’ ኢሉ እዩ ዚማጐት። የሆዋ ድማ እቲ ኽሲ ሓሶት ምዃኑ ምእንቲ ኺረጋገጽ ኢሉ፡ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኺስቀ ፈቐደ። (እዮ. 2:1-5፣ 1 ጴጥ. 2:21) ስለዚ፡ የሆዋ እናረኣየ፡ ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ ንየሱስ ኣላገጹሉ፡ ወተሃደራት ገረፍዎ፡ ኣብ ጕንዲ ድማ ሰቐልዎ። ድሕርዚ እውን የሆዋ እናረኣየ፡ ፍቑር ወዱ ዜሳቒ ኣማውታ ሞተ። (ማቴ. 27:28-31, 39) የሆዋ ነዚ ደው ኬብሎ ምኸኣለ ነይሩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ተጻረርቲ፡ “[ኣምላኽ] ይደልዮ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የናግፎ” ምስ በሉ፡ ከምኡ ኺገብር ምኸኣለ ነይሩ። (ማቴ. 27:42, 43) ጣልቃ እንተ ዚኣቱ ነይሩ ግና፡ እቲ በጃ ኣይምተኸፍለን፡ ንሕና እውን ብዘይ ተስፋ ምተረፍና። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሆዋ፡ ወዱ ኽሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ትንፋሱ መከራ ኼሕልፍ ዝፈቐደ።

8. የሆዋ ወዱ መከራ ኺጸግብ ከሎ ብምርኣዩ ተሳቕዩዶ፧ ግለጽ። (ስእሊ እውን ርአ።)

8 ኣምላኽ ኵሉ ዚኽእል ስለ ዝዀነ፡ ስምዒት ከም ዘይብሉ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ንሕና ደቂ ሰብ ስምዒት ኣሎና፣ የሆዋ ብመልክዑ ስለ ዝፈጠረና ኸኣ፡ ንሱ እውን ስምዒት ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣጕሃይዎ፡” ከምኡ እውን “ኣሕዘንዎ” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። (መዝ. 78:40, 41) ብዛዕባ ዛንታ ኣብርሃምን ይስሃቅን እውን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ኣብርሃም ነቲ ሓደ ወዱ ኺስውኦ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 22:9-12፣ እብ. 11:17-19) ንይስሃቅ ኪስውኦ ኢሉ ኻራ ኣብ ዘልዓለሉ እዋን ከመይ ይስምዖ ኸም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣብርሃም እኳ ኸምኡ ኻብ ተሰምዖ፡ የሆዋ ግዳ ወዱ በቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ተሳቕዩ ኺመውት ኪርኢ ኸሎ፡ ከመይ ብዝያዳ ዘይሓዝን!—ኣብ jw.org ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—ኣብርሃም፡ 2ይ ክፋል ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

የሱስ መከራ ኼሕልፍ ከሎ፡ የሆዋ ተሳቕዩ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ)


9. ኣብ ሮሜ 8:32, 38, 39 ዘሎ እንታይ ሓሳብ እዩ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓኻን ንክርስትያናት ብጾትካን ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ኽትርዳእ ዚሕግዘካ፧

9 ከም የሆዋ ገይሩ ዜፍቅረና ኸም ዘየልቦ፡ ዋላ እውን እንቐርቦም ቤተ ሰብና ወይ ናይ ቀረባ ፈተውትና ኽንድኡ ኸም ዘየፍቅሩና፡ ካብቲ በጃ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። (ሮሜ 8:32, 38, 39 ኣንብብ።) የሆዋ ዋላ እውን ካብ ገዛእ ርእስና ኣዕዚዙ እዩ ዜፍቅረና። ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ፧ የሆዋ ኻባኻ ንላዕሊ እዩ ኸምኡ ዚምነየልካ። ሓጢኣትካ ኺሕደገልካ ትደሊዶ፧ የሆዋ ኻባኻ ንላዕሊ እዩ ሓጢኣትካ ኺሓድገልካ ዚደሊ። እምነት ብምሕዳርን እዙዝ ብምዃንን ነቲ ኽቡር ውህበቱ ኽትቅበሎ ጥራይ እዩ ዚደልየካ። ብሓቂ እምበኣር እቲ በጃ ዓሚቝ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሓዳስ ዓለም ድማ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ብዝያዳ ኽንምሃር ኢና።—መክ. 3:11

ካብቲ በጃ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

10. (ሀ) የሱስ ካብ ኣማውታኡ ምናዳ ዘጕሃዮ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) የሱስ ንሓቅነት ስም የሆዋ ዘረጋገጸ ብኸመይ እዩ፧ (“ ንጽህና የሱስ ንሓቅነት ስም የሆዋ የረጋግጽ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

10 የሱስ ብዛዕባ ስም ኣቦኡ ኣጸቢቑ ይግደስ እዩ። (ዮሃ. 14:31) የሱስ፡ ስም ኣምላኽ ከም ዝጸረፈን ናዕቢ ኸም ዘለዓዓለን ጌርካ ምስ ተኸስሰ፡ እዚ ኣብ ስም ኣቦኡ ጸርፊ ኸየምጽእ ብምስጋኡ ሓዚኑ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ “ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ” ኢሉ ጸለየ። (ማቴ. 26:39) ክሳዕ ሞት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናኡ ብምሕላው ግና፡ ሓቅነት ስም ኣቦኡ ኼረጋግጽ ከኣለ።

11. የሱስ ንሰባት ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅሮም ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (ዮሃንስ 13:1)

11 ብተወሳኺ፡ የሱስ ንሰባት ኣዝዩ ኸም ዚሓልየሎም፡ ምናዳ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዚሓልየሎም፡ ካብቲ በጃ ንምሃር ኢና። (ምሳ. 8:31፣ ዮሃንስ 13:1 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ የሱስ ገሊኡ ምድራዊ ህይወቱ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውን፡ ብሕልፊ ኸኣ እቲ ዜሳቒ ሞቱ ኣዝዩ ኸቢድ ከም ዚኸውን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ምድሪ እተዋህቦ ዕዮ ኺፍጽም ከሎ፡ ግዴታኡ ስለ ዝዀነ ጥራይ ኢሉ ኣይኰነን ዚዓይዮ ነይሩ። የግዳስ፡ ብምሉእ ልቡ እዩ ዚሰብኽን ዚምህርን ዜገልግልን ነይሩ። ኣብታ ዝሞተላ መዓልቲ እውን እንተ ዀነ፡ ንሃዋርያቱ ኣእጋሮም ሓጺብዎም፡ ብዙሕ እውን ኣጸናኒዕዎምን ምሂርዎምን እዩ። (ዮሃ. 13:12-15) ድሕሪኡ፡ ኣብ ጕንዲ ተሰቒሉ ኸሎ፡ ነቲ ዚመውት ዝነበረ ገበነኛ ተስፋ ሂብዎ፡ ኣዲኡ ኣላዪ ምእንቲ ኽትረክብ እውን መሰናድዎ ገይሩ እዩ። (ሉቃ. 23:42, 43፣ ዮሃ. 19:26, 27) ስለዚ፡ ዕምቈት እቲ የሱስ ዝነበሮ ፍቕሪ፡ ኣብ ሞቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ምድራዊ ህይወቱ እውን ተራእዩ እዩ።

12. የሱስ ምእንታና መስዋእቲ ይገብር ኣሎ ኺብሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

12 ክርስቶስ “ሓንሳእ ንሓዋሩ” እኳ እንተ ሞተ፡ ክሳዕ ሕጂ ምእንታና ብዙሕ መስዋእቲ ይገብር ኣሎ። (ሮሜ 6:10) ብኸመይ፧ ካብቲ በጃ ጥቕምታት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ግዜኡ ይውፍን ይጽዕርን ኣሎ። ብምንታይ ዕዮ ትሑዝ ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ንጉስናን ሊቀ ኻህናትን ርእሲ ጉባኤን ኰይኑ የገልግል ኣሎ። (1 ቈረ. 15:25፣ ኤፌ. 5:23፣ እብ. 2:17) ነቲ ንቕቡኣትን ንብዙሓት ህዝብን ናይ ምእካብ ዕዮ ብሓላፍነት ይመርሖ ኣሎ፣ እዚ ዕዮ እዚ ድማ ቅድሚ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺዛዘም ኣለዎ። b (ማቴ. 25:32፣ ማር. 13:27) እቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብመንፈሳዊ መዳይ ብግቡእ ከም ዚምገቡ እውን ይገብር ኣሎ። (ማቴ. 24:45) ኣብ ብምሉኡ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ድማ፡ ንዓና ኻብ ምግልጋል ኣይኬቋርጽን እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ የሆዋ ወዱ ሂቡና ኺብሃል ይከኣል እዩ።

ወትሩ ተምሃር

13. እተስተንትን እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ንዓና ዘለዎም ፍቕሪ ብዝያዳ ኽትምሃር ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

13 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽን ክርስቶስ የሱስን ንዓና ዘለዎም ፍቕሪ ብቐጻሊ እተስተንትን እንተ ዄንካ፡ ወትሩ ኽትምሃር ኢኻ። ምናልባት ኣብዚ ቕንያት በዓል ዝኽሪ ኻብ ወንጌላት ከተንብብ ትኽእል ትኸውን። ብሓንሳእ ብዙሕ ምዕራፋት ከተንብብ ኣይትፈትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ህድእ ኢልካ ንየሆዋን ንየሱስን እነፍቅረሉ ተወሳኺ ምኽንያታት ክትረክብ ጽዓር። እቲ ዝረኸብካዮ እውን፡ ንኻልኦት ኣካፍሎም።

14. ምስቲ ኣብ መዝሙር 119:97ን እግረ ጽሑፍን ዘሎ ሓሳባት ብምስምማዕ፡ ምርምር ምግባር ብዛዕባ እቲ በጃ ዀነ ብዛዕባ ኻልእ ብቐጻሊ ኽንምሃር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዓመታት ዝገበርካ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ከም ፍትሒ ኣምላኽን ፍቕሪ ኣምላኽን እቲ በጃን ዝኣመሰለ ፍሉጥ ርእሰ ነገራት፡ ሓድሽ ነገር ኪርከብ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ትሓስብ ትኸውን። ከም ሓቂ ግና፡ ብዛዕባ እዝን ብዛዕባ ኻልእ ርእሰ ነገራትን ወትሩ ሓድሽ ነገር ክንምሃር ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነቲ ኣብ ጽሑፋትና ዚርከብ ብዙሕ ሓበሬታ ኣጸቢቕካ ተጠቐመሉ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘይተረድኣካ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ክትበጽሕ ከለኻ፡ ምርምር ግበር። ድሕሪኡ፡ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብካዮ ነጥቢ ኣስተንትን። እቲ ነጥቢ እቲ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ወዱን ብዛዕባ እቲ ንዓኻ ዘለዎም ፍቕርን እንታይ ከም ዚነግረካ እውን ሕሰብ።—መዝሙር 119:97ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።

ኣብ ሓቂ ሓያሎ ዓመታት ዝገበርና እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ ኸነዕዝዝ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)


15. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሃብቲ ኻብ ምድላይ ከነቋርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

15 ንባብ ወይ ምርምር ብዝገበርካ መጠን፡ ሓድሽ ወይ መሳጢ ነገር እንተ ዘይረኸብካ፡ በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንገዛእ ርእስኻ ወርቂ ምስ ዚደሊ ሰብ ከተመሳስላ ትኽእል ኢኻ። ዓደንቲ ወርቂ ንእሽቶ ወርቂ ቕድሚ ምርካቦም፡ ንሓያሎ ሰዓታት ወይ መዓልትታት እዮም ብትዕግስቲ ዚዓይዩ። ዋጋ ወርቂ ኽቡር ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ኣይሕለሉን እዮም። ኣብ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሃብቲ ደኣኸ ኽንደይ ብዝያዳ ዘይከብር! (መዝ. 119:127፣ ምሳ. 8:10) ስለዚ፡ ብትዕግስቲ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ስዓብ።—መዝ. 1:2

16. ብኸመይ ኢና ንየሆዋን ንየሱስን ክንመስሎም እንኽእል፧

16 መጽናዕቲ ኽትገብር ከለኻ፡ ነቲ እተምሃርካዮ እትትግብረሉ መገድታት ኣናዲ። ንኣብነት፡ ንሰባት ብዘይ ኣድልዎ ብምሓዝ፡ ነቲ ፍትሓዊ ዝዀነ የሆዋ ኽትመስሎ ጽዓር። ምእንቲ ስም የሆዋ መከራ ንምጽጋብ ፍቓደኛ ብምዃንን ምእንቲ ክርስትያናት ብጾትካ ውፉይ ብምዃንን ከኣ፡ ነቲ ንኣቦኡን ንሰባትን ፍቕሪ ዘርኣየ የሱስ ክትመስሎ ጽዓር። ብተወሳኺ እውን፡ ሰባት ነቲ ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት የሆዋ ንምቕባል ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ መስክረሎም።

17. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

17 ብዛዕባ እቲ በጃ ዘሎና ርድኢትን ሞሳን እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ ንየሆዋን ንወዱን ብዝያዳ ኢና እነፍቅሮም። ከምኡ እንተ ጌርና ኸኣ፡ ንሳቶም እውን ብዝያዳ እዮም ዜፍቅሩና። (ዮሃ. 14:21፣ ያእ. 4:8) እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ በጃ ብዝያዳ ምእንቲ ኽንምሃር፡ ነቲ የሆዋ ዝገበረልና መሰናድዎታት ንጠቐመሉ። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እቲ ኻብቲ በጃ ዚርከብ ጥቕምታትን ንፍቕሪ የሆዋ ሞሳ ኸነርኢ እንኽእለሉ መገድታትን ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 107 ፍቕሪ ኣምላኽ

a መግለጺ ቓላት፦ “ምስትንታን” ኪብሃል ከሎ፡ ሓሳባትካ ኣብ ሓደ ርእሰ ነገር ከም ዜተኵር ምግባርን ብዛዕባ እቲ ነገር ብዕምቈት ምሕሳብን የመልክት።

b እቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 1:10 “ኣብ ሰማያት ዘሎ” ኸም ዚጥቕለል እተዛረቦ ነገር፡ ካብቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 24:31ን ማርቆስ 13:27ን “ንሕሩያቱ” ኸም ዚእክቦም እተዛረቦ ነገር እተፈልየ እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንመንፈሳውያን ደቁ ብመንፈስ ቅዱስ ብምቕባእ ዚሓርየሉ ተግባር እዩ ዚዛረብ ነይሩ። የሱስ ግና ብዛዕባ እቲ ተረፍ ቅቡኣት ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ናብ ሰማይ ዚእከቡሉ እዋን እዩ ዚዛረብ ነይሩ።